Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መን`ዩ ወዲ ዓሊ ? ንህዝቢ ኤሪትራ ካብ ጭቆና ከናግፍ ካብ ሰማይ ዝነጠበ ነቢይ ዲዩ?

መን`ዩ ወዲ ዓሊ ?  ንህዝቢ ኤሪትራ ካብ ጭቆና ከናግፍ ካብ ሰማይ ዝነጠበ ነቢይ ዲዩ? ብጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ - ለንደን እዚ ዘለናዮ ጊዜ    ውድዓዊ  ኩነታት ንለውጥጢ  በሲሉ ክነሱ ባዕላዊ  ኩነታት ግን ጌና ይመስል።  እተን  ነባራት ተቓወምቲ ውድባት ሐድነት ዘይምህላወን

መን`ዩ ወዲ ዓሊ ?  ንህዝቢ ኤሪትራ ካብ ጭቆና ከናግፍ ካብ ሰማይ ዝነጠበ ነቢይ ዲዩ?

ብጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ – ለንደን

እዚ ዘለናዮ ጊዜ    ውድዓዊ  ኩነታት ንለውጥጢ  በሲሉ ክነሱ ባዕላዊ  ኩነታት ግን ጌና ይመስል።  እተን  ነባራት ተቓወምቲ ውድባት ሐድነት ዘይምህላወን ይኹን ወይ ብኻልእ ምኽንያታት ከምቲ  ትጽቢት ህዝቢ ነዚ ውድዓዊ ኩነታት መዝሚዘን ክተዓጻጸፋሉ ኣይከኣላን ።  ብዙሐት ሰባት ብኣታተን ሕጉሳት ክምዘይኮኑ እውን  ይጸሓፍ ኢዩ።

ኣብ  ከምዚ ዝኣመሰለ ፖለቲካዊ  ሃዋሁው  ብገለ ፥ሐደ ነገር ክንገብር ኣለና ዝብሉ፥ ሃገራውያን  ተብግሶታት  ይቅልቀሉ እዮም። ስለዚ ኣብዚ ኩነታት እዚ  ሐደስቲ ጉጅለታት ከም መድረኽ ይኹን ወይ ውልቀ ሰባት ከም ወዲ ቫካሮ  ምቅልቃል ዘገርም ኣይኮነን። የግዳስ ባህሪያዊን ፥ዘለናዮ ሐድነተ ቢስ ኩነታት ዝጠልቦን እዩ።

ይኹን እምበር እዚ ተርእዮ እዚ ንገለ ሰባት የባህርሮም ኣሎ። ዶብ ዝሐለፈ ፡ መሰል ተቃለስቲ ዝግህስ፡ ዘይሐላፍነታዊ ጸለመታት ንኣንበብቲ የእንግዱ ኣለው።   ኣረኣእየኦም ዝንቡዕ ድኣ ኮይኑ እምበር እዘን ሐድስቲ ተበግሶታት ነተን ዓመታት ዝገበራ ገዲማት ውደባት ጎናዊ ረብሐ የምጸኣለን እየን።   ናይቲ ዝሐለፈ ዓመታት ስረሐተን ገምጊመን ድኽመተን ኣለልየን ምምሕያሽ ክገብራሉ ድፊኢትን (incentive) ጸቅትን ስለ ዝኾነን። ብሕልፊ  ነተን ሐደስቲ  ተወሳኺ ሐይሊ ናይ ቃልሲ  ወሲደን ምስ ዝተሐባበራ ኣብ ኣሰራርሔኤን መሰረታዊ ለውጢ ከምጽኣ ይኽእላ እየን ።  ንስራሕካ ዳግመ ገምጋም ገርካ ምብጋስ  እቲ ዝሐሸ ግብረ መልሲ ንሐድሽ ተብግሶታት እዩ  ምኽንያቱ ሐቢርካ ምስራሕ ትጽቢትን ጠለብን ህዝቢ  ስለ ዝኾነ። ህዝቢ ንሐቢርካ ምስራሕ ሃረር ስለ ዝብሎ ብዚያዳ ከተባብዔንን ክትሐባበረንን ከም ዝኾነ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

እታ ካልኣይቲ ነጥቢ ኣሉታዊ ኮይና ዘተኩረላ ዘለኹ ጉዳይ እያ።  ሀገር ኣብ ምንታይ ደረጃ ከም ዘላ ከይገምገምካ ፥ ኩሉ ኤሪትራዊ ንለውጢ ክካፍል ኣልዎ ኢልካ እናጎሳጎስካንናይ ተጋደልቲ ነበር ተበግሶ  ዝኾነት መድርኽ ከተጸልም ተገራጫዊ እዩ። ኣንጻር  መንፈስን ቃልሲ ንለውጢ እውን እዩ።

ኣብ ኣሰና ፍትሒ ይንገስ ኢሉ ንመድረኽ ጸለማኡ ዝደምደመ ወልዱ ተኪኤ ምርኩስ ገይረ ሪኢቶይ ክገልጽ እፈቱ። ንሱ ጥራሕ አውን ኣይኮነን ኢሳያስ ኣስፈሐ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘይብሉ ፈራዳይ ኮይኑ ፥ውጽዓ ህዝብና ማና ተበለጽቲ  ክኽውን ኣይንፈቅደን ኢና ኢሉ ንመድርኽ ከይትቃለስ ፍቃድ (ሊቸንሳ) ከሊእዋ።  ባይታ ተቓውሞ ዝብሐቶ ኮይኑ ተሰሚዕዎ ዲዩ? መን ኢዩ ንሱ?  እቲ ሳልሳይ ከኣ ተድሮስ ተኽለ፥ዳሕራዮም እምበር ገደደ፥ ኢሉ መድርኽ ተምሳል ናይታ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረት ሚስጢራዊት ፓርታ ይገብራ።

እዚ ጸለመታት ማእዝኑ ዝሰሐተ ምኻኑ መታን ከብርህ ነታ መን እዩ ወዲ ዓሊ? ትብል ሕቶ ክምልስ።

ወዲ  ዓሊ ንኤሪትራውያን ካብ ጭቖና   ህግደፍ ከድሕን ብሰማይ ዝወረደ ነብይ  ኣይኮነን።  ሐደ ካብቶም መኮንናት  ሰራዊት  ኤሪትራ ኢዩ ነይሩ።    ኣገልጋሊ ናይዚ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ከም ዝነበረ ማንም ሰብ ዝኽሕዶ የለን። ይኹን እምበር  ዓሚ 21 ጥሪ  2013 ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሑ ፍትሒ ክነግስ  ኣለዎ፥ ምልኪ ክእለ ኣለዎ  ኢሉ ንኢሳያሰ ኣፈወርቂ ክኣሊ ኣብ ፎርቶ  ተባዕ ስጉምቲ ዝወሰደ ጅግና እዩ።  ኣብ ፎርቶ እንዳ ዜና ቁዋም  ክትግበር ኣለዎ እሱራት ይፈትሑ ስርዓተ ሕጊ ይንገስ ኢሉ  ኣቃሊሑ። እቲ ተበግሶ ግን ኣይተዓወተን  ኣይተዓወት እምበር  ሐድጊ ገዲፉ።  ንፍትሒ ክቃለስ ስል ዝተስዋኤ ዓቢ ዝና ኣትሪፉ እዩ። እነሆ ድማ እታ ስጉምቲ ዝወሰደላ ኣብነታዊት መዓልቲ  ኮይና ብደለይቲ ፍትሒ ትበዓል ኣላ። ወዲ ዓሊ እንተ ዝዕወት ነይሩ ለወጢ ብውሽጢ እዩ ዝመጽእ ዝብል  ሐፈሻዊ እምነት (ኣምር ) ኣብ ግብሪ ምተራእየ።  ክውን ምኾነ። እዞም ንመድረኽ ብዕለት 2/2/2014  ሰንበት ብወግዒ ዘፋለጥዋ ውልቀሰባት ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርጊስ ዶክተር ኣሰፋው ተኽስተን ኣምባሳደር ዓብደላ ኣደም  መቃልስቲ ወዲ ዓሊ እዮም ነይሮም።

እዚ ዘብርሃልና ኣባላት ናይቲ ጨቃኒ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ኩነታት ኣብ ዝነቅሕሉ ጊዜ እሞ ንለውጢ ምስ ዝብገሱ  ኣበርክቶኦም መዘና ኣይክህልዎን እዩ። እቶም ኣብ ስደት ዘለው እውን  ንደንበ ተቓወምቲ  እናተጸንበርዎን እናኣሃብተሙዎን ክኸዱ እዮም በብሐደ ከኣ ይገብርዎ ኣለው። ኣብ ሃገር እንግሊዝ ዘለው ማሕበር ተጋደልቲ ነበር ሂያው ኣብነት እዮም።

እቶም ኣብ ደገ ዘለው  ኣባላት ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ ነበር እቶም  ክሳብ  ሕጂ ኣብ ናብርኦም ጥራሕ ኣድሂቦም ዘለው  ኣብ ዝወሰንዎ ጊዜ  ምስ ካልኦት ተወዲቦም ዲዮም፥ ካልእ ወድብ ፈጢሮም ዲዮም፥ ወይስ ኣብቲ ኣብ ዲያስፖራ ጎዲሉ ዝረኤ ናይ ምንቅቃሕ (ባህላዊ ደረጃ ኤሪትራውያን ክብ ኣብ ምባል)  ዕማም (ብረድዮን ብቲቭን ወዘተ) ከሰላስሉ ዲዮም ናቶም መሰል እዩ። ሐደ ኤሪትራዊ ንሐደ ካልእ ኤሪትራዊ ብወልቀ ወይ ብጉጅል ንፍትሕን ዲሞክራስን   ክቃለስ ክኽልክሎ  መሰል የብሉን ኣይክእልን ከኣ እዩ።

ወልዱ ተኪኤ፣ ኢሳያስ ኣስፍሐ፣ ተድሮስ ተኽለ  ንለውጢ ንቃለስ ኣለና ይበሉ እምበር ነዚ ሐፍሻዊ  እምነት እዚ ይግንዘብዎ የለውን። ግን እቲ ፖለቲካ ዲያስፖራ ብቀቢላውን ኣውራጃውን ሃይማኖታውን ፍልልያት ከምኡ እውን ብውድድርን ዘይምክብባርን ዝተቖማጥዔ ስለዝኾነ መበገሲ ናይዚኦም ኣንጻር መድረኽ ሐደ ካብዞም ዝተጠቅሱ ምኽንያታት ክኸውን ይኽእል እዩ። ብሕልፊ  ኣውራጃዊነት።

ብዕለት 2/202014 ካብቶም ሰለስተ ንመድረኽ ዘላለዩ -እቲ ቀንዲ- ኣምበሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርጊስ እዩ ነይሩ።  ክሳብ ሕጂ ከም ብዙሐት አብ ስደት ዘለው ተጋደልቲ  ህዝባዊ ግንባር ነበር ኣብ ዋኒኑ እዩ ኣድሂቡ ነይሩ። ሕጂ  ግን ምስ መድረኽ ተበጊሱ።  ኣበርክትኡ ብሕጂ ዝርኤ እዩ።  ይኹን እምበር ናቱ ፉሉይ ዝገብሮ ዓቅሚ ስለ ዘለዎ፡  ኣብ ኣመሪካን ኤሮጳን ኣፍሪቃን  ኣብ ሜዳ  ዲፕሎማሲ ገዚፍ ተመክሮ ስለ ዘለዎ  መረረ ህዝቢ  ኤረትራ ኣብ ወጻኢ ከቅርብ  ተሰማዕነት ክረክብ ይኽእል እዩ።  ኣብ ቃልሲ  ድልየት ጥራሕ ዘይኮነ ክእለትን ዓቅምን እውን ወሳኒ እዩ። ብሕልፊ ተመክሮን ክብ ዝበል ትምህርትን ዘለዎም ባእታታት ።  እዚ ግን በይኑ ጥራሕ ዝገብሮ ኣይኮነን ምስ ብጸቱ ድኣ – እቲ ጸለመ ብዝያዳ ናብኡ ቀኒዑ ስለ ዘሎ እዩ ኣብኡ ዘተኩር ዘለኹ።

ካብቲ ምሉኡነት ናይቲ ኮንፈረንስ ነቲ ክትወቅዖ ትደልዮ  ዝሕግዝ  ነጥብታት ጥራሕቁንጭል ኣቢልካ ምጥቃም ናይ ጨለታት መደረ ኣብ ናይ ኤሪትራ ፖለቲካ ልሙድን ጉኑንን  ስለ ዝኾነ ኣይገርመንን እዩ።  ኣብቲ መንበር ካልኦት ከም በዓል ዶር ኣሰፋውን ኣምባሳደር ዓብደላን  ከለው  ኣብ ዓንደብርሃን ጥራሕ ምቱካር ሐደ ናይዚ ሜላ እዩ።  ዶክቶር ኣሰፋው እኮ ኣካልን ኣፈኛን ናይ መድረኽ ስለ ዝኾነ   ካብቲ ዝሰርሐሉ  ዩኒቨርሲቲ ኣብ ካሊፎርኒያ ኣመሪካ ጊዚኡ ወፍዩ ዝመጸ ሰብ እዩ። ንሐጺር ጊዜ ስለ ዝመጸ ብዙሕ ሰብ ክረኽብዎ ዝደልዩ  ኣይከኣሉን። ንሱ ካብቶም መጀመርያ ንለውጥን ንራህዋን  ከይተሐለለ ዝሰርሔ ሮል ሞድል ከይኑ ኣብ ኣገድስቲ መድረኻት ኣኼባታትን፣ ቃለ መጠይቃትን ከቕርቡ ዝሕተቱ ሰባት እዩ። ንለውጢ  ቅድሚ ሰብ ዝተበገሰ ብ ጂ-13 ዝፍለጥ ሰብ እዩ።  መድረኽ ከኣ ከምዚኣቶም ኣገደስቲ ሰባት ሐቁፋ እያ ነዊሕ ጉዕዞ ጀሚራ ዘላ። ነዚኣቶም ምጽላም ንኹሉም ነቶም  ኣብ ዶክተር ኣሰፋው  እምነትን  ክብርን ዘለና ጸርፊ እዩ። (An insult to our intelligence)  ዘይተረድኦም ግን ኣብ ርእሲኦም ሰብ እንታይ ገምጋም ከም ዝህሉ ዘስተብህሉሉ ኣይመስለንን። ናይ ሕልና መዔቀኒ (ሞራል ኮምፓስ ፡moral compass) ምስ ተዓዛቢ ህዝቢ ከም ዘላስ ዋላ ኣይተሰቖሮቶምን።

ብተወሳኺ ክምዝመዝ ዝከኣል ጉዳይ ኣሎ ዓንደብርሃን ናይ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ፕረሲደንት ከሎ ምስቶም ፕሮፈሰራት  ግርጭትን ምትህልላኽን ነይርዎ እዩ፡  ኣብ ስደት ዘምርርዎ ሰባት እውን ኣለዉ። ኣነ ኣብዚ  ኣብ ዘይፈልጦ ረኢቶ የብለይን ግን ጌጋታት  ኣለዎ ንበል።    እዚ ግን ኣብ ስራሕ ዝተኽስተ ግርጭታት ምስ መድረኽ እንታይ ዘተኣሳስር ኣለዎ።

እቲ ዘገርም ግን ኣብዚ ኣኼባ ምልላይ መድርኽ  ዓንደብርሃን   ኣሰፋውን  ዓብደላ ኣደምን ጥራሕ ኣይነበሩን፥ ካላኦት ሰባት ብተወፉይነቶም  ሕዝቢ ዝፈልጦም እውን ኣብቲ ኣደራሽ የገልግሉ  ነይሮም እዮም ። ከም ፈቨን ሰሎሞን፣ ናይ ትግርኛ ረድዮ ኣቅራቢት።

እቲ ኣኼባ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብቲ ኮሪደዮ ምስ ሰባት ከዕልል ከለኹ ሐንቲ ጋል ኣንስተይቲ ምዕርግቲ ጽቡቅ ክዳን ተኽዲና ፍሽኽ እናበለት ናባና ትመጽእ። ነቲ ፍሽኽታ ግብረ መልሲ ኣይሃብክዎን ግዲ ኮይነ ፣ጴጥሮስ ገጊኻኒ ዲኻ ፈቨን እየ ትብለኒ ፣ ቀልጢፈ የለልያ እሞ ተሓናኒቅና ንሰዓዓም ። ካብ ዘይሪኣ 14 ዓመታት ሐሊፉ – ኣነ ክፈልጣ ከለኹ  ኣብ ኣስመራ ናይ ሻምሩክ ክላብ ማናጅርን (ሰባት ብዙሕ የድንቁዋ ነይሮም)፥ ካብኡ ወጺኣ ኣብ ትራቨል ኤጀንሲ ክትሰርሕ ከላ እዩ-  ጸጉራ ከም ማሪያ ማከባ – ፥ኣንጻር ዓሌትነት ውርይድቲ ደራፊት ደቡብ ኣፍሪቃ ፥ ኩሉ ጊዜ ሐጺር-እያ ትገብሮ ነይራ፥  ብጣዕሚ ደስ ዝብል  -ከጸብቀላ ከኣ።  ናይ ወርቂ ብሩር ሽልማት ወዲ ሽልማት ዘይትገብር። ። በዓል ጥዑም ድምጺ፥ ብድምጻ ንቡዙሕ ሰብ ዝማረኽት ኣብ ካልእ ሕብረተሰብ  ሕብብቲ ( celebrity) ተባሂላ ኣብ ሀብቲ ምሐንበሰት።   ክብራ ትሕሉ ውሕልልቲ  ህድእቲን፥ ትም በሃሊት ምንባራ ስለ ዝፈልጣ ፣ እዚ ድመጺ ካበይ ኣምጺእኪዮ ኢለ እሓታ እናሰሐቅኩ ንሳ ኸኣ ብስሓቅ ገጻ በሪሁ፥  ነቲ ትግርኛይከ ካበይ ኣምጺእክዮ ግዳ ዘይትብለኒ?  ንዓይ እውን እገርመኒ ኣሎ ትብለኒ። ኣስተማሲለ ሐቢኤዮ እምበር ተደናፊቀ- ገለ ካብቶም ናይ ሐባር የዕሩኽቱና ዝነበሩ ከም ፋረማሲስት ሰናይ ክፍለሱስ   ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህግደፍ ይሐቁ ዘለው ተዘኪሩኒ። እዚ ልልይ መድርኽ ጥዑም ጊዜ ኣዘካኪሩኒ። ስድራቤትካን መሐዙትካን ዝበታትን ዘመን፥ ሕማቅ ዘመን። ኣብ ውሽጢ 14 ዓመት ስደት ኣብቲ  ተጀሚሩ ዝነበረ ምህናጽ ሀገር ጊዝየና እንተነጥፍእስ እንታይ ሀገር ምሃነጽና ዘበል እዩ።    ናይ ዓንደብርሃን (sense of humour) እውን ኣስተማቂረዮ ኢየ። ክስዕሞ ኢደይ ወስ ከብል ከለኹ  ፍሽኽ እናበለ፥ እሂ ደኣ ኣሀዱ ዓዲ እንግሊዝ ይብለኒ። ኣነ እውን መንፈሰይ ሕድስ ኢሉ። ድሕሪ ባይታኡ 2 ይ ህዝባዊ ግንባር ጉባኤ እዩ ነይሩ። ተካፊለ ነይረ። ካብቶም ኣቦ መንበራት ድሩዕ ኢደይ ኣልዒለ ኽሐትት ዕድል ሂቡኒ ፥ብግስ ክብል ከለኹ  ሕርቕ ኢሉ በቲ መግልሕ ድምጺ ኣንታ ክንደይ ጊዜ ክንነግረኩም ኢና ሽምካን ኣሀዱኻን ግለጽ ይብለኒ። ኣነ ኸኣ ድንግርግር ኢለ፥ ጴጥሮስ ኣሃዱ ዓዲ እንግሊዝ፥  ምስ በልኩ  ፥ እቲ ኣደራሽ ዘይተኣደ ነጎዳ ዝጥዕም ስሐቅ ይመልእ።  መኣስ ዳ እያ ህዝባዊ ግንባር ንወጻኣ ኣሃዱታት ትልእኽ ዘበገሶ እዩ ነይሩ እቲ ዳንኬራ ።

ከምኡ እውን ጋዜጠኛ ኣማል ዓሊ ኣብ ቲቪ ኤረ ኣቅራቢት ዓረበኛ ዝነበረት ። ካልኦት እውን  ነይሮም ከም ጋዜጠኛ ሳሙኤል ዓካ ዓካ። ኣይፋልኩሙን  መጸለምቲ ኩሎም እዚኦም ሃብቲ ደንበ ተቃውምቲ እዮም።

ሐደ ክበርህ ዘለዎ እምበኣር

  •  ዝኾነ ይኹን ሰብ ንህግደፍ ራሕሪሑ ንለውጢ  ዝቃልስ መሰሉ እዩ።

 

  • ቁዋማዊ መንግስቲ ምስ ተተኽለ ንገበናት ተጽንዕ ኣካል ክህሉ እዩ።

 

  • ኩሉ ነገር ኣብ ግብሪ ስለዝረኤ፡ ንተበግሶታት ብግስ ከይበለ ኣይንፍረድ። ኣብ ፓለቲካ ዲያስፖራ  ነንሕድሕድካ ምንኻስ ክፉት ባይታ ስለ ዘሎ ቅድም ቀዳድም  ኣብ ኣበርክቶና ነድህብ።  ውልቀ ተቃላሲ ይኹን ውድብ  ስርሓቶምን ዘመዝግብዎ ዓወታትን  ክዛረበሎም ስለ ዝኾነ  ጠበቃታት ኣየድልዮምን ኢዩ።

 

  • እስቲ ኩላህና ነንእሽቶ ግብራዊ ን|ኹን፥ ንግበር ምውረዛይ ገዲፍና። ብሕልፊ ኣብ ረዲኢት ንስደተኛታት።   ብሰንኪ ተባዕ ስጉምቲ ወዲ ዓሊ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ስደት ስለዝርከቡ ንዕኦም ንምሕጋዝ ዑዉት ተበግሶ ናይ ገንዘብ ሐገዝ ብኣስና ከም ተዳለወ ዝዝከር እዩ።   ኣብ ለንደን እውን ብተበግሶ ኣባላት ፥ማሕበር ሐገዝ ንስደተኛታት ኤሪትራውያን ኣብ ሀገር እንግሊዝ- (ERSA-UK) ኣማል ዓሊ፡ዶክቶር መብራህቱ ኣተወብርሃንን ረዳኢ ኣዩብን ዘበገስዎ ብ25-01-2012  ናይ ኤሪትራውያንን ሙዚቀኛታትን መሐዙት ሱዳናውያንን ሙዚቀኛታት ዘለውዎ ትልሂት ተኻይዱ። US $1370 (£840.00) እቶት ተረኺብዎ ንአሰና ተረኪቡ። ከምዚ ዓይነት ተበግሶ ግብራዊ ይብሃል።

 

  • ኣንጻር ምሁራትን ሰብ ሞያን ናይ ቢሲነስ ሐለፍትን ምንሻውን ምጥቃንን  ብህግደፍ ዝንብድበት ኮይኑ ንባህሊ ኤሪትራውያን መሪዝዎ  ይርከብ። እዚ ኣብ ዝምድናታት ዲያስፖሮ ብብዝሒ የንጸባርቅ ኣሎ።  ግዳይ ናይዚ ድሑር ኣተሐሳስባ ኣይንኹን። ዕንቅፋት ናይ ሐድነት ጥራሕ ዘይኮነ ናይ  ቁጠባውን ማሕበራውን ፓለቲካውን ምዕባለ እውን ኢዩ።

ይዝከረኒ ቅድሚ ኢትዮ-ኤሪትራ ኩናት ኣብ ጋዚጣታት እዞም ነጋዶ መዝመዝቲ  እናተባህለ ፍረ ጻዕሪ ከም  ቅጥፈት ተወሲዱ – ያታና ይብከል ነይሩ እዩ።  ዘገርም ኢዩ ሀ ኢልካዮም ሁ ዘይብሉ ሰባት ቖልዑ እዞም መዝመዝቲ ነጋዶ ንዮው በሎም  ይብሉ ነይሮም።   ኣብ ኣስመራ ኣብ  ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ – ናይ ትምህርትን ምርምርን ሐላፊ ከለኹ – በዚ ምብካል ባህሊ ምስ ዑቅበ ኣብርሃ (ሚኒስተር ናይ ንግድን ኢንዱስትሪን ዝነበረ ተዛራሪብናሉ ነርና። እንታይ እዩ ጉዱ – እዚ ተካይዶ ሚኒስትሪ ይጥቃዕ ኣሎ ዝዓይነቱ። ጀነራል ዑቅበ ባህላዊ ለውጢ ክም ዘድሊ መንእሰያት ብትምህርቲ ኣብ ውሽጢ ሀገር ይኹን ብማህደረ ትምህርቲ ክህነጹ ከም ዘለዎም ብሰፊሑ ገሊጹለይ፡ እሞ ክምዞም ሰባት ከነጥፍእ ሃየንታ እዩ። (ፎቶ፡ ጀነራል ዑቅበ ኣብርሃ፣ ጀነራል ብርሃነ  \ገረዝጊሄር ምስ ኣባላት ረዲኤት / ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ቦሎኛ ፍስቲቫል 1991.) ካብ ጸጋም መጀመረያ ዘሎ ጀነራል ብርሃን ኣብ  ሳልሳይ መስርዕ ጀነራል ዑቅበ ኣብርሃ። እሞ ዑቀበ ከምቲ ዝሐሰቦ ኣብ ህዝቢ ኣበርክትኡ ከይተግበረ ሕልሙ በኒኑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህግደፍ ድኣ ሐቀቀ፤ መብዛሕትኡ ኣባል ህግድፍ ኮነ ኣባል ሓፋሽ ውድባቱ  ኣብ ዓዲ ዘሎ ወይ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ግዳይ ናይ ህግደፍ ጨቃኒ ስርዓት እዩ። እዚ ረብሕኡ  ምስ ደለይቲ ፍትሒ ስለ ዝኾነ በትኡ  ክሕዝ ምድትብባዕ ክግበረሉ ኣለዎ። ናይ ኣተሐሳስባ ኩናት እቲ ዝኸበደ ብድሆ ንደለይቲ ፍትሒ እዩ። ኣብዚ ሜዳ እዚ ኣብ ወጻኢ ዘለና ኣዚና ዲሒርና ክብል እደፍር። ደንበ ተቓዋሚ  ሕማም ኣስቅጥ (conspiracy of silence)  ገና ይሳቅዮ ኣሎ። ሐደ ካብቲ ምኽንያታት ዝህብሉ ከኣ ብመሪሕነታት ተቃወምቲ ዑጉባት ዘይምኻን እዩ። መሪሕነታት ጥራሕ ኣይብሎን እየ እቲ ተራ ኣባል እውን ኣብቶም ደገፍቲ ሀግደፍ ዝስሕብ ሜላ ስለዘይብሉ። ሎሚ እቶም ደገፍቲ ህግደፍ ኣካል ናይቲ ጸገም እዮም ጽባሕ ግን ኣካል ናይቲ ፍታሕ እዮም።

ምሕጽንታ

ኣብዚ ዘለና ኣሰቃቂ ኩነታት ግዝኣተ ሕጊ፥ መሰል ወዲ ሰብ ዝሕለወሉ፡ ዲሞክራሲያዊት ሀገር ክንሃንጽ ከቢድ ዕማም እዩ። ነዚ ብግብሪ ክንሰርሓሉ እንተ ኮንና መጀመርያ ኣብ ዓይንና ዘሎ ገፈል መፈል ክንኣልዮ ክንክእል ኣለና። ነብሲ ወከፍና  ጠንቂ ፍልልይ ዝኮነ ጠባያት ነወግድ። ብሃይማኖት ብወገን ብኣውራጃ ብቢሄር ፍልልይ ምግባር ኣብዚ ጊዜ እዚ ገበን እዩ፥ ሕማቅ ሳዕቤናት ስለ ዘለዎ።

ፈላላዬ ኣተሐሳስባና ሐጺብና ኣብ ጉሐፍ ምስ እንድርብዮ ንሐድነት ክንሰርሕ ዓቢ ተኽእሎ ኣለና።  ነብስና ንመርምር ፥ ባህላዊ ደረጃና ትሑት ምህላው ኣለሊና፥ ክንፈልጥ ክንምሃር፡ ከነንብብ ንጽዓር ። ልክዕ እዩ እተን  ማሕበራዊ ሕብረተሰብ (ሲቪል ሶሳይቲ)  ናይ ምንቅቃሕ ዕማም ገና ኣይተተሐሐዝኦን ኣለዋ። እዚ ናይቶም ምሁራትና ግደ እዩ። እቲ ዝበለጸ ንውጹዕ ህዝቢ ዝቀንዐ ፍሉይ ትምህርቲ ብሙሁራት እንተ ዝዳሎ ከም (pedagogy of the oppressed) ዝዓይነቱ ኣዚዩ ሐጋዚ ምኾነ።

እዞም ንመድርኽ ንምጽላም  ዘራፍ ዝብሉ ዘለዉ ባህላዊ ደረጅኦም ባይታ ስለ ዝዘበጥጠ እዩ እምበር ብኻልእ ተንኮል ኣይመስለንን።  ምሕረት የውርደሎም እመበር ብዘይ ምስትውዓል ንህግደፍ ዓቢ ደገፍ ይገብርሉ ኣለው፡፡

ሎሚ መድርኽ ገለ ገለ ወልቀ ሰባት ይፍትውዋ  ኣይፍተውዋ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ  ተረኣ ከትጻወት  ተበጊሳ ኣብ ስረሐታ ናብቶም ብሕማም ኣጽቅጥ ተደኒሶም ዘለው ኣካል ሕብረተሰብና እንተተኩር ጽቡቅ ነይሩ።

ኣሉታዊ መዳይ ምጥቃስ ኣስሚረሉ እምበር ብምኽንያት ምብጋስ መድረኽ ብዙሕ ሃናጺን ኣወንታውን  ዘተ ኣብ ፋይስ ብክ ይሰላስል ኣሎ።  ብዛዕባ እዚ ብውሕሉል ኣቀራርባ  ገዛኢ  ኣቅሪቡ ንኣንበብተ ንቀደም በሉ ይብል።  Challenges and Promises Ghezae Hagos Berhe (The article is abridged from facebook discussion.)   By assenna on February 8, 2014: Linkhttp://demo.archive.assenna.com/forum-for-national-dialogue-medrek-challenges-and-promises/  እዚ ባህላዊ ደረጃ ሐፍ ዘብልን ንሐድነት ምንጻፍ ዝኾኑ ናይ ሐባር ኣረኣእያ ዘሕይልን እዩ። ካብ በለካን ለኽዓካን ካብቲ ዘተ ንመሃር።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
66 COMMENTS
  • Amanuel February 14, 2014

    The issue is the issue of Eritrea. We all aware that the Eritrea regime failed to satisfy the Eritrean desire and failed the promise that to implement the Eritrean constitution.

    Every one opposition the regime in Eritrea needs to be collectively oppose the regime in Eritrea.

    no one have the right to say this one is criminal that one is criminal. As the law stated until proven guilty very one is innocent regardless what kind of crime committed.

    The only way to say a criminal is when a person persecuted at court and when the court find him guilty. Therefore accusing people will not benefit the opposition. Further the person who is accusing how do when know if he is himself guilty. Until collectively overthrew the regime in Eritrea we need to be united regardless our political views or principle since we have common enemy

  • Suleiman Salim February 14, 2014

    “የግዳስ ባህሪያዊን ፥ዘለናዮ ሐድነተ ቢስ ኩነታት ዝጠልቦን እዩ። “–ወዲ ባዓታይ

    ኣብ ትግርኛ ” ኣልቦ ” ዝበሃል ቃል ደኣ እምበር ” ቢስ ” ዝበሃል ቃል የብልናን።
    “ቢስ” ናይ ኣምሓሩ እዩ። ወዲ ባዓታይ ካብ ጌጋኡ ክመሃር ተስፋ ይገብር።

  • yonas February 17, 2014

    ane zigrmeni zelo nefswkef eritrawi mehur eye zibele 5 gex yixehfu. azyu zigremeni eritreawi zenbibo kea yelen darga mibal yihaysh. silminty yehxer abilkum zeytixhfu? seb eba kenbibo ximaqe xehuf gerkum kitxhfu. hangol hezbi ambebu ember zimslkum letifkum tergum yeblun. thx

1 3 4 5

Post a Reply to Suleiman Salim Cancel Reply