Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መኒኻ ዝብለንስ መንዩኸ ንሱ?

መኒኻ ዝብለንስ መንዩኸ ንሱ?  15.02.17፡ “ሃይ፡ ኣበይድኣ ተሰዊርካ ጸኒሕካ? ኣነስ "ከይፈለጥናዶ ካን ተኻርጁ” ካብዝብል ሻቕሎት ሃለዋትካ ንምፍላጥ ክደልየካ ቀ ንየ ክረኽበካ ግን ኣይከኣልኩን” . . . . . . . ናብ ዘምጽኦ ዕላል ኢየ ሒዘኩም ክኸይድ። ቅንያተይ

መኒኻ ዝብለንስ መንዩኸ ንሱ?  15.02.17፡

“ሃይ፡ ኣበይድኣ ተሰዊርካ ጸኒሕካ? ኣነስ “ከይፈለጥናዶ ካን ተኻርጁ” ካብዝብል ሻቕሎት ሃለዋትካ ንምፍላጥ ክደልየካ ቀ ንየ ክረኽበካ ግን ኣይከኣልኩን” . . . . . . . ናብ ዘምጽኦ ዕላል ኢየ ሒዘኩም ክኸይድ።

ቅንያተይ ምስ ሓደ ካብቶም ከምገለ ወዝቢ ዓይነት እንተረኸቦም ጥፉኣት ከናዲ ዝተዋፈረ ብልሂ ተደፊኣ ምቕናያ ምዝራ ቡ ጽቡቕ ብምዃኑ ከውጋዓሉ እነኹ ተቐልቂለ። ወዮ ሃለዋተይን እምነተይን ክእልሸ ዝቐነየ ‘ፈላጢየይ’፡ ሕያዋይን ተሓላ ቕን መሲሉ ኣመተይ ክገብር ብተደጋጋሚ ጻውዒት ተሌፎን ክፈታትሸኒ ብምቕናዩ ተራኺብናስ ብሰፊሑ ንዘዕለልናዮ ቅ ንጥብጣብ ዛዕባታት ብኣዝዩ ዝሓጸረ ኩነትን ተገዳስነትን ከውጋዓኩም ክብል ኢለ’የ’ሞ ሃየስከ ንኺድ።

ክቡር መዋግዕተይ፡ ቅድሚ ዝኾነ ገፈጥ-መፈጥ ምዝራበይ፡ ኣርእስተይ ኣብ ክልተ ዝተኸፍለ ምዃኑ ክነግራካ። እታ ሓን ቲ እዛ ድሮ ከም ኣርእስቲ ኣቐሚጠያ ዘለኹ ብፍላይ ንዓኻ ትምልከት መኣዲ ዛንጡይ-መዓንጡይ ክትከውን እንከላ፡ እ ታ “ፖለቲካዊ መናውር” ትብል 2ይቲ መኣዲ ሕምቶን (ድሎት ትበሃል ቃል ኣይፈትዋን’የ) ፖለቲካዊ ሓኸለ-ቅልጽማትን ‘ውን ክትስዕብ ኢያ’ሞ ከምቲ “ጽሑፋትካ እከታተሎ ኢየ” ዝበልካዮ ክትከታተሎ ትዕግስቲ ክትረክብ እምነየልካ።

ከም ትዕዝብተይ፡ ከምቲ ኣብ ውትህድርና መኣዝን ጸላኢ ንምፍታሽ ወይ ንምድንጋሩ ዝትኮስ ጠያይቲ፡ ኣብ ፖለቲካ ከኣ ከምኡ ስለዘሎ እንሆ መራሒና ብምብራቕ ተራእዩ ምዕራብ እናሓደረ ኣዐዊኑና መሳሓቒ ዓለም ኴንና። ንስኻ ከተናድየኒ ምቕናይካ ካብ ልሳንካ ብምስምዐይ’ውን ምስጢሩ ድሮ ካብቲ ኣብ ኣደባባይ ዘሎ ምዃኑ’ዩ። መቸም ከምቲ ዝበልካኒ ዕላ ልና ኣይተወድአን ዝውዳእ’ውን ኣይኮነን። ግናስ ነገሩ ግልጺ ንምግባር እቲ ዘቕረብካዮ ዛዕባ ንኻልእ መበገሲ ስለዝተጠቐ ምካሉ እንተዘይኮይኑ፡ ብዛዕባ’ቲ ራዲዮ መድረኽ ንዝህልዋ ተልእኾ ክፈታትሽ መደበይ ከም ዘይነበረት’ሞ ካብቲ መልእ ኽተይ’ውን ክትርድኦ ምኸኣልካ። ናብቲ ዝጸሓፍኩዎ ዘእተወኒ ምኽንያት ድማ እታ ራዲዮ፡ ዓድና ‘ንናይ ጽባሕ ንጉስና” ብዝምህሩ ወፋሮ ምሁራት ከምዘጥለቕለቐት ክትሕብር ንዝፈነወቶ ዜና’ምበር ብዛዕባኣ ዝዓለመ ኣይነበረን ጽሑፈይ። ከ ምኡ እንተኾይኑ ከኣ እቲ ንኣብራሃም ኢሳይያስ ዝወሃብ ብሕቱው ምህሮ ኪኖ ሞያ ‘ፈላሊኻ ግዛእ’ ካልእ ክኸውን ኣይ ኽእል። ነዚ ጥበብ’ዚ ዝምህር’ውን ብእምነተይ ካብ ወላዲኡ ንላዕሊ ዝውሕልል ሰብ ኣሎ ኣይብልን። እንተሓሰብካዮኸ ንናይ ኣገዛዝኣ ብልሓት፡ ንመገዲ ጥልመት ክሳብ ክንድቲ ዝመስለና ዕጥቂ ሰይጣንዶ መልኣኽ ዘጥቅስ’ኮ የብሉን። እታ ምስጢር ሓንቲ ጥራይ ኢያ። ነብስኻ ኣብ ማዕሰብቲ እንተነቚትካያ ኣኺሉ! ኣብ ገዛእ ሃገርካ ከም ሓደ ኤምባሲ ናይ እን ዳማትካ ኴንካ ማለት’ዩ። ከምዚ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ነዞም ዕሱባቱ ኣሽካዕሊልሎም ዘሎ፡ ንርእሱ’ውን ኣብ ኢድ ለኣኽ ቱ ትሑዝ ብምዃኑ ነብሱ ከይመሰለ ድማ ሓንቲ መዓልቲ ጨርቂ ከምዘዕጥቕዎ ጭቡጥ ምዃኑ ኣይትጠራጠር። እንተ’ቶ ም መማህራን ኣብራሃም “ኣይፍለጥን ድማ ከም ካልኣይ-ሳልሳይ ተወሳኺ ክፍለ-ግዜ (period) ናይ ተወሳኺ ዓውደ-ፍል ጠት ክምህርዎ መጺኦም እንተኾይኖም ኢለ እዝጊ ንዝፈልጦስ ንዝጊ ምግዳፉ ከምዝሓይሽ እናተረዳእኩ ከም ዝገደፍኩ ዎን፡ እንተ’ቲ ዘልዓልካዩ ቁርጽራጽ ዕላል ግን ገሊኡ ስለዝዓጀበኒ እንተውጋዕኩሉ ነውሪ ከምዘይከውን ዓሊመ እነኹ ተ መሊሰካ።

ምስ ዘይፈልጦን ዘይሪኦን ሰብ ብተሌፎን ክንድኡ ምምልላሰይ’ውን ብጉርሕኻ ማዕጾ ከምዘርሓኻ ከምዝመስለካ እናፈለ ጥኩ ካብቲ መደባትካ ኣይኮለፍኩኻን። ከምቲ ቅድሚ ሎሚ “መን ኢኻ ዝብለንስ መን ኢዩኸ ንሱ?” ክብል ዝጸሓፍኩዎ ድማ “ንነገሩ ንስኻ መን ኢኻ?” ኢለ’ውን ኣይዓንቀጽኩኻን። ካልእ ኣይኮነን፡ ጥራይ ብዙሕ ልምዲ ስለዘለኒ እቲ ክትብሎ ትደሊ ከይበልካዮ እፈልጦን እቲ ብሓልዩት ዝቐምሰለ ቃላትካ’ውን ንመንነትካ ከጋርድ ስለዘይተኻእሎን፡ ብሓፈሻኡ’ው ን ኣነ ኣብዚ ናይ ፈተሻ መደናገሪ ተኹሲ ዘጠብሉቕ ከምዘይብለይ እንተትፈልጥን ንርእስኻ ኣብ ከንቱ ፈተነ ኣይምኾብለ ልካን ማለተይ ኢየ።

ኣፈይ ክኸፍት ካብተደልየ ግና፡ ከምቲ ጽሑፈይ ንኢሳይያስ ጥራይ ክዕልምን ከምኡ ድማ ኣብታ ዝጽሕፋ ኣርእስቲ ጥራ ይ ከተኩርን ‘ህጻናት’ ዘይፈልጥዎ ዘይርዱእ ከበድቲ ቃላት ከይጥቀምን ዝሓበርካኒ፡ ኣነ ድማ ምዕዶኻ ኣይርዳኣንን ከም ዝኾነ ንሓዋሩ ክትርዳኣለይ እሕብረካ። መበገሲ ምዕዶኻ ዝኾኑኻ ብሉጻት ሰብሞያ እንተልዮም ንዝመረጽካዮ ከተድንቕ መሰልካ ኢዩ። እንተ ኣነ ንዘለኒ ፖለቲካዊ ሓሳባተይ ንምግላጽ ዝጥቀመሉ ተራ ቋንቋ’ምበር ከምቲ ‘ስነ-ጽሑፍ’ ትብሎ ክ ወዳደር ሓሲበሉ’ኳ ኣይፈልጥን። ብተወሳኺ እቲ ብልጸትን ክእለትን ዝመስለካ ባህጊ ናይ ተር-ከም ዓተር ውሕሉል ኣጸ ሓሕፋን ብብዝሒ ሰራዊት ኮሜንትታት ዝሃጥር ውቃበን ሒዝካ ክትታተ እንተመሪጽካ፡ ግዜን ማዕበልን ንማንም ኣይጽ በን ኢዩ።

እዋኑ እዋን ነብሲ ኣድሕን’ምበር እዋን ንግዲ ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዝቐረበ ትሕዝቶ ምድናቕን ምንቃፍን ንርእሱ ብ ቕዓት ስለዘድልዮ፡ ብዝወፈርካዮ ቦታታት ንዘዝሰማዕካዩን ዘንበብካዮን ቁምነገሩ ክንዲ ምስትምቓርን ምስትምሃርንሲ በ ቶም ዘርከቡሉ ናይ “መን ከማና” በሃልቲ እንተተደናጊርካ በዂርካ ከምዘለኻ እናኣዘኻኸርኩ፡ ሕጂ’ውን ንስኻ’ሞ ንጽሑ ፋተይ ኣዒንትኻ ኣጨምቲልካ እናኣንበብካዮም፡ ነገር ቦኽትሽ ኣብ ጥራይ ጎልጎል ከንቱ ጎስጓሳት እናነስነስካ መንእሰያት ክንዲ ተጎናድብ፡ ዝያዳ ክፈልጡ ዝያዳ ከምዘንብቡ እንተተባብዖም ምበለጸ። ንዝተቐረበ ምስትንዓቕን ምቁንጻብን እንተ ቐሊሉ፡ ዝተቐረበ ምስትምቓርን ምድናቕን ግዳ ንርእሱ መርኣያ ብቕዓት ኢዩ’ሞ ሕሰበሉ፡ ኩሉ ክኸውን ዝተፈጥረ ስለዘ

የለ ሂወት ብፍጥረታ ተላፊንካ ምዃና ተቐበሎ ጥራይ ኢየ ዝብለካ ዘለኹ።

ብዛዕባ’ቲ “ክደልየካ ቀንየስ ስኢነካ” ዝበልካዮ፡ ከምዝሰኣንካኒ ዘይኮነ ስለምንታይ ከምዝደለኻኒ ክገርመኒ እንተነይርዎ ኣ ይገረመንን ግና። ኣይፈለጥኩኻን ድኣ ኮይነ’ምበር ካብቲ ኣዘራርባኻስ ኣብቲ ቅድሚ ሎሚ’ውን በዚ ናይ ሕጂ ኣርእስቲ ኣብ ዘቕረብኩዎ ጽሑፍ ዝተኻተትካ ኮይኑ ተሰሚዕኒ ኣሎ። ኣማስያኻ ክትረኽበኒ ብምኽኣልካ’ሞ “እንኳዕ ኣሐጎሰካ” ክ ብል እፈቱ። እንተ’ቲ “ክደልየካ ቀንየስ ስኢነካ” ዝበልካዮ ግና ኣነድኣ’ሞ ካብ መዓስ ተሰዊረ እፈልጥ ዘይ ኣብ ጻልጣ ጎል ጎል ወይ ከም ኣብ ልዕሊ ፈሳሲ ከንሳፍፍ ኢኻ ትረኽበኒ። ብኣካል እንተትረኽበኒ’ውን ከምቲ መራሒና ከም ኣናብባኻ ምዃኑ ዝገለጸልና፡ ንስኻ ድማ ንዓይ ንኣብ ላዕሊ ክጽብለል ዝጸናሕኩኻ ከምድላይካ ከተንብበኒ ክትብል ምተበላሸኻ።

ንነገሩ እቲ ከም ሓደ ፈዂስ ነገር ኣብ ላዕሊ ክጽብልል ዝጸንሓካ ዲዩ ቁምነገረኛኻ ወይስ ከም እምኒ ዝጥሕል? ምርጫ ኻ ነቲ ናይ ላዕሊ ዘስተናዕቕ እንተኾይኑ’ውን’ኮ ገና ክትፍተን ኣለካ። ከመይሲ ብስም ናይ ኣብ ላዕሊ ዝጸንሕ ከምቲ ጉላ ል-ምላልን ጉርደ-ምርድን ገፋፊጥካ ዲኻ ክትጉሕፈኒ ወይስ ከምቲ ላህመተ-ጠስሚ ክትቆምዓኒ ምርጫኻ ንዓኻ ይኹን። እንተ ነቲ ሓቀኛ መንነት ክትምስርሕ ኢልካ ትሓስብ ኣሊኻ’ሞ ዝከኣለካ ብዘይምዃኑስ ኣይትሕሰቦ’ኳ። ከምኡ ዘበለኒ ም ኽንያት ኣብ ላዕሊ ጸብሊለ እንከለኹ ካብ ዘይረኣኻኒ ድማ ወይ ኣይደለኻንን ወይ እናረኣኻኒ ከምተሰወርኩኻ ከተምስል ዝመረጽካ ምስሉይ ብምዃንካ ብዘለኒ መሰል ነብሰ-ምክልኻል እብለካ ምህላወይ ክትርዳእ አዘኻኽረካ።

መቸም “እንታይድኣ ተሰዊርካ?” ዘምጽኦ እንድዩ፡ እቲ ንምስዋረይ ከም ምኽንያት ጌርካ ‘ዝተሰከፍካሉ’ ናይ ጥዕናይ ትዕ ዝብትኻ ኣሻቒሉካ ዘይኮነ ቀዳማይ ‘ኣበሳሪ’ ዕርበተይን ናይ ኩሉ ከምዚከማይን ንምዃን ብዝሓደረካ ጥሙሕ ምዃኑ በሪ ህለይ ኣሎ። እቲ ዝጠቐስካዮ ርግጸኛ እንተኾንካ፡ ሓቂ’ዩ ኩሉ ሰብ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዝቐርበሉ እዋን ነናቱ ጥበ ብ ኣለዎ። ገሊኡ መታን ክእመንን ውርጹጽ ንምምሳልን ክሳብ ክንዲ ዝከኣሎ ተዳልዩ ክቐርብ ይፍትን። ገለ’ውን ‘ውጹእ’ (perfect) ንዘይምምሳል ብቋንቋ ዎጆሃላይ ዝዛረብ፡ ድምጽታት ብተክኖሎጂ ዝጥምዝዝ፡ ወይ ብግህዶ ከምክኽርበሽ ዝ ቐረበ ሕሙም፡ ከም ብመስተ ዝተሰነፈ ሰኽራም፡ ከም ዘፍለጠ ጽሉል ኣምሲሉ ዝቐርብ ኣሎ። ኢሳይያስ ንርእሱ ጽሉል፡ ሕሙም፡ ወጆሃላይ፡ ክመስል ርኢኻዮ ኣለኻ ኣነ ድማ ኣብቲ ዝተኸታተልካዮ መራኸቢ ብዙሃን ከምቲ ዝበልካዮ መሲ ለ እንተኾይነ ዝመረጽኩዎ ጥበብ ምንባሩ እንተትጥርጥር ከደተኸምበለ ኢልካ ከተናድየኒ ክትብል ኣይምተቓላዕካን። ዝኾነ ኮይኑ ኣባኹም ኣብቶም ነብስኹም ከም ደቂ-መንግስቲ ትጽብጽቡዋ ንዘይትነብሩዋ ኣብ ሃገርና ዘላ ቤት ንምዕቃብ ትኣትውዎ ንግዲ’ምበር ሓልዮት፡ ልቦናን መንነትን ዝበሃል ሰሪጽኩም ኣይኮነን። ዝኾነ ኮይኑ ኣብዛ ቀንዲ ተገድሰካ ዘላ እ ዋን ኣነ ድማ እንተ ዝለኣኽኩዎም መንእሰያት ደቀይ ኣሚነ ኩሉ ነገር ናብኦም ገዲፈ፡ እንተ’ውን ብመልክዕ ነብ ሰ-ምክል ኻል እንተስቀጥኩኸ እንታይ’ዩ ክንድኡ ተፍትሽን ምዕልባጥን?

ብዛዕባ ፈተሽተይ ካብ ኣዘኻኸርካኒ ኣብቲ ባይታ መራኸቢ ብዙሃን ልክዕ ናተይ ኣምሲሎም ኣድራሻታት ዘውጽኡ፡ እንተ ቀ የርኩ ዝቕይሩን ዝመረጽኩዎ ስእሊ ዝመርጹን ዘይወዝበኛታት ብዘለዎም እኹል መሳርሒ ኪኖቲ ድሮ ንኩሉ ክፉት መልእ ኽተይ ካልእ እንተተረኽበ ክሳብ መፋትሕ መዓጽ ትዝቶይ ብምስራቕ ኣብ ውሽጢ’ቲ ጽሑፋተይ ናይ ባዕላቶም ፈጠራ ሰና ኒዖም ብምልኣኽ ምስ ቡዙሓት ሰበይ ከላኽፉንን ናባይ ዝዓለመ ክጨውዩን ከምኡ’ውን ካብ ዓምድታተይ ክቖናጥሩ ከምዝ ፈተኑን ቁጽሪ ተሌፎናት እናተለወጠ ወይ እናተሰወረ ዝተገብረ ፈተና ጻውዒት ድማ ኣይወሓደን’ሞ እንተጸንሐ ስለዝሓይሽ ክዛረብ ኣየብሃገንን። ነዚ ምግላጸይ’ኳ ኦይ! መን ኮይኑድኣሉ?” ዝብሉ መስተናዓቕቲ ከምዘለዉ ርጉጽ’ዩ።

በቲ ሓደ “መን ኢኻ?”፡ በቲ ካልእ “ኣጸቢቐ እፈልጠካ ኢየ” ማለት ኣይገራጮንዶ? ስመይ ጎደፋ፡ ምስለይ ስእሊ ወልወል ደሚርካ ናይ ብርዒ መጸውዒየይ ምዃኑ ድሮ ነጊርካኒ ኣለኻ። ሓቅኻ፡ ንሱ’ሞ ኣርማ ጽሑፈይ ኢዩ። ግናስ ክንድኡ ካብ ፈለጥካስ ኣብ ክንዲ መልክዐይ ምፍታሽ፡ ኪኖ’ዚ ዝርአ ኣርማይ ንዘሎ ረቂቕ መንነታዊ ኒሕን መንፈሳዊ መልእክትን ክት ድህስስ ዘይምብቃዕካ “ምናልባሽዶ ተደፊኑ? ምናልባሽዶ ስዱዕ ኮይኑ?” ክብል ደንጽዩኒ ዘሎ ከይመስለካ። ንምዃኑ መን ነት ጎደፋን ወልወልን፡ ከምኡድማ እቶም ነብሶም ብግቡእ ዘይተቀብረ ስዉኣት ትፈልጦም ዲኻ? እንተ’ቲ ስርዓትና’ሞ መዋእሉ ብመልእዕን መልእኽትን ሓርበኛታትና ምስባህረረ ኢዩ። ንስኻ ድማ ኣካሉ ግዲ ኴንካ እቲ ከምሰበይ ካብቀዳሞ ት ዝተረከብኩዎ መልእኽተይ ዘይኮነ ምስለይ ትደሊ ኣለኻ ። ብከምቲ ፈተነኻ “እዚ ጎደፋ ዝበሃልሲ መን ኢዩ” ትብል ከምዘለኻ ይመስለኒ። ዘድልየና ትሕዝቶ ካብ ኮነ ክንዲ ኣብ ቁምነገር ዝደሃብ ንምንታይ ኢዩ መልክዕ ክርአ ተደልዩ?

ከሕጽረልካ፡ ኣምላኽ ብተግባራቱ እምበር መልክዑ ከይረኣኻዮ ኢኻ ኣምሊኽካዮ። ኣብዛ ሽኦል ዓለም እንከለኻ ድማ እ ሾኽ’ውን ትኹን ከይትወግኣካ ክሕልወካ ትልምኖ። ምስ ሓለፍካ’ሞ ኣባል ጥራይ ዘይኮነ እንኮላይ ሓላው ኣፍደገ፡ ጸኒሕ ካ’ውን ምሕደራ መንግስተ-ሰማይ ትምነ ትኸውን። ኣምላኽ ክኣምነካን ጥርዓንካ ክሰምዓልካን ከኣ ክንዲ ነብስኻ ብሰናይ ነገር ትቐብኣ ምስቲ ምስሉ ዘይረኣኻዮ ተረጋም ሰይጣን ክትናቖት ትርአ። ክልቲኡ ግዳ ንስኻ ባዕልኻ ኢኻ። ዝኾነ ኮይኑ ኣምላኽ መልክዑ’ኳ እንተዘይረኣኻዮ ክትቀስን ምእንቲ “ብኣምሳሉ ካብ ሰርሓናስ ግዲ ከማና ይመስል ይኸውን” ክትብ ል ትኽእል። ግናኸ ኣይርዳኣካን ድኣ ኮይኑ’ ምበር ፍልጠትካ’ሞ ኩሉሳዕ ጎደሎ ኢዩ። ከመይሲ ኣምላኽ ብመልክዑ ካብ ፈጢርና ንሱስ ንመን ከምዝመስል እንዶ’ኳ የብልካን።

ንነብስኻ’ንዶ ከምዚ ኢልካ ሕተታ። ኣምላኽ ማለትሲ ከመይ ዘሉዎ ጋብን ካባን ለቢሱ ኣብ ወርቂ መንበር ተቐሚጡ፡ ኣ

ብቲ ሰያብ ርእሱ ከቢብ ቆቡዕ ዝደፍአን ጭራኡ ብየማናይ ኢዱ ዓቲሩ ብጸጋሙ ድማ ነቲ ነዊሕ ሰያብ ጭሕሙ እናዳህ ሰሰ ከስተምህር ዝረኣየካ ምዕሩግ ሰብኣይ ከምዝመስል ዲዩ ዝመስለካ ወይስ ሓንቲ ብልክዕ ኣለባብሳ ዝለበሰት፡ ጸጉራ ኣ ብ ሓመሽተ-ሸውዓተ ረጎድቲ ጭዳዶ መቒላ ንድሕሪት ዘው! ዘበለትን ኣኽሊለ-መኾምብያ ዝደፍአትን ኳዕናን ውቅብቲ ኣደ? ካብ ክልቲኦምሲበል ኣምላኽ ንየናዮም ይመስል? ዶስ‘ታ ሰበይትስ ኣይምልከታን? ዶስ ኣምላኽ ጾታ የብሉን?

ድላዩ ይምሰልካ ዝብሎ ዘለኹ ግን እምነትካን ኣምልኾኻን ሰናይ ተግባራት ናይ ንኣምላኽ፡ አእኪቱ ድማ ነቲ ከምዚ ከ ማይ ሓውላል ዝዕድሉ ተረጋም ሰይጣን ከተላግበሉ ከምትነብር እፈልጦ’የ። ክሳብ ድማ ባዕልኻ ንዝፈጠርካዮ ዓገብ፡ ኣ ይ ብኢዱ፡ ኣይ ድማ ብኣፈ-እግሩ “ሰይጣን ኣስሒትኒ” ከምትብል ኣጸቢቐ እፈልጦ ኢየ።

ደጊመ ክሓተካ ሕጂ። ንኣምላኸ-ሰይጣንሲበል ኣበይ ርኢኻዮም ትፈልጥ? እንተድኣ መዐቀኒኻ እታ ነብስኻ ትኣምነሉ ጸ ጽቡቑ ኮይኑ እምባኣር ንዓይ’ውን ብመልክዐይ ዘይኮነ ብትሕዝቶይ ክትጽበየኒ እምሕጸናካ። እንተድኣ መልክዐይ ምርኣይ ኣድልይካ ግና ኣብ ላዕሊ ጸንበለል እናበልኩ ከተናድየኒ ቁልቁል ኣፍካ ኣይትጥሓል ሰብታሕቲ ኣዐርዮም ከይሸሙኻ።

ንፕረሲደንት ኢሳይያስ “ፕረሲደንት” ምባለይ ከምዘሕምምካ ጠቒስካ። ኣብቲ ዝሓለፈ እዋን’ውን ተስፋይ ተምኖ ኢሳይ ያስ ስልጣን ብስሪኡ ከምዘምጽኦ ብምጥቃሱ ብዙሕ ትሒም-ትሒም ፈጢርልኩም ምንባሩ እዝከረኒ። ሓቂ ድማ ኢዩ ዋ ላ’ኳ ተስፋይ ስልጣን ብኢዱ ከምዝመንዝዐ’ምበር ዝሃቦ ከምዘየለ ክገልጽ ክብል ነታ ቃል ከምተጠቕመላ እንተገለጸ ብፍ ላይ ፖለቲካዊ ቃላት ብዝህብዎ ትርጉም ተሰረቕቲ ብምዃኖም ምቅይያም ኣይተርፍን። ኣብ ማሕቡስ ህግደፍ’ካ ዋላ ኣይ ትሕሰቦ ቃላት ብዝህቡዎ ትርጉም ሞት ኢያ ባቃ! እሞ ክትዛረብ እንከለኻስ ቃላት ብዝህቡዎ ትርጉም ምምራጾም ኣገዳ ሲ ኢዩ። ብተወሳኺ ተስፋይ ኢሳይያስ ብክቱር ወንን ተወፋይነትን እናተዋግአ እንከሎ፡ ብጾቱ ንሱ ከይነቑሮም ለሚኖም ካብ ዕርዲ ከምዘውረዱዎን፡ ኣብቲ ግዜ ምዝንጋዕ ድማ ምስ ንዕዑ ክቐትል ዝፈተነ ከምተሓናነቐን ገሊጹ ነይሩ። ንተስፋ ይ መሲልዎ ይኸውን፡ እንተ ንኻልኦት ኢሳይያስ ዝሰርሖ ድራማ ምዃኑ ስለዘረጋግጹ ንተስፋይ ዝመሰሎ ኣይምሰሎም’ም በር ክቀያይም ኣይግቡእን! ኢሳይያስ ድማ ኣብ ልቢ ህዝቢ ክሰፍር ዘይገበሮ ድራማ’ኮ የለን። ክሳብ መኽደን ጁባ ኣፍ-ል ቡ ብሰንጢ ፈርፊዑ ጥይት ከምዝበስዐቶ ከምስል ዝተጣበቦ ድራማ ዝብሉዋ’ውን ክሳብ ሎሚ ኣብ ስእሉ ትርአ ኣላ። ሓ ቁኸ? “ኦይ! ኢሳይያስ ዝዋዓላ ዕርድስበሉ ኣላ ኢያ?” ተባሂልና ከይንሕተት ስቕ ይሓይሽ።

እንተ’ቲ ኣነ “ክቡር ፕረሲደንትና፡ መራሒና፡ መንግስትና፡ ባንዴራና፡ ምባለይ’ሞ ቁዋማዊ ቋንቋ ምዃኑ ኣይተረዳኣካን  ይኸውን። “ግዜያዊ ፕረሲደንት” ክብሎ ከለኹኸ ብታሕጓስ ትጭደድዶ? ክዘናጥሎ እንተዝውዕልከ ቆጽሊዶ መውደቕካ ለይ? “ክቡር ፕረሲደንት” ክብል እምነተይ እንተኾነኸ እንታይ ኢዩ ሽግርካ? በል ክብርን ሕቶመሰልን ኣይነጻጸሉን’ዮም።

ብኣንጻር’ቲ ትብሎ ንርእስኻ’ምበር ንኢሳይያስ ኣብ እንዳ ኣምላኸ-ሰይጣን ከተናድዮ ኣይትትዓብ። ከመይሲ ክትፍቶ ክት ብል ከምቲ “ኢሳይያስ ዘይበለ” ክብል ዝሰማዕናዮ ሓደ ገልዒ ንስኻ ድማ ብሰብኣይካ ኣሳእል ወዲ-ሰብ እሞ ድማ ስእሊ ኢሳይያስ ክትስዕምሲ ጣኦት ከምዘምለኽካዶኾን ተሰቚሩካ ይኸውን? እናሳዕ ድማ “ኢሳይያስ ሰይጣን ኢዩ” ከምትብል ሰሚዕና። ከም ሰይጣን ምቑጻርካኸ ከተድንቖዲዩ ዓላማኻ? ከምኡ እንተኾይኑ እንደገና ንዝበልኩዎ ክደግሞስ ሰይጣን እ ንታይ’ዩ ንዓኻ? ማለት “ሰይጣን” ማለትካስ ሓደ ኣዕናዊ ግብረ-እኪት ዲዩ ወይስ ሓደ ዘይጻዓድ ኣርሓ? ዝኾነ ኮይኑ ንሰ ይጣን መዳርግቲ እኒ ኢሳይያስ ኣምሲልካ ኣይተከሻምሾን ምስደይመጻብእትኻ ኣይትጻባእን ከይጻብኣካ። ምኽንያቱ ኢሳ ይያስ ዝተላእኮ ዝገብር መሽክን ኢዩ። ሰይጣን ግና እናተነወረ’ምበር እታ ናይ ባዕሉ እምንቶ እንዳኣሉ ዝገብር! ድሓር ድ ማ ካብ ሰማይ ተሰጒጉ ዝወረደ ፍጡር እዛ መሬት’ኮ ናቱ ኢያ። ኣብ ጤሳኡ ተቐሚጥካ ክትውንጅሎስ ኣይግድን።

ዝኾነ ድማ ይኹን፡ እንተ’ቲ ምስ ሰይጣን ከተወዳድሮ ትህቅን ኢሳይያስ ሓንቲ መዓልቲ ክሕነቕ እንተትሪኦ’ሞ ብዘየወላ ውል “ትንሳኤ ምውታን፡ ኣሰሮ ለሰይጣን፡ ኣግኣዞ ለኣዳም፡ ኮነ-ፍስሃ ዎሰላም!” ኢልካ ክምትጭድርን፡ ብክንድቲ ዘምለ ኽካዮስ ይትረፎ፡ ከም ሰቡ’ውን ንብዓት ከምዘይተንጥበሉን እፈልጥ ኢየ’ሞ ምውድኽዳኽ ገዲፍካ ሰብኣይ ኩን።

ናብዚ ዘመን ዘምጽኦ ዝበልካዮ ግናኸ ዘመን ዝገደፎ ፖላቲካዊ ሕቶኻ ክምለስ። ማለትካ ነዚ ናይ ተስፋጺዮን ከምዝኸ ውን እግምት። ከምኡ እንተኾይኑ ንሱ ነቲ መዳመቒ ወይ ብመደብ ዝግበር ምዝንጣላትን ምጉብዕባዕን ገዲፍና ሓሳብ ሒዙ ከምዝመጸ ይገልጽ ኣሎ። ካብኡ ንኣብነት፦

“ዮሃንሰ ኣሉላ ገዛእትና ዘይኮኑስ ነጋውስና ኢዮም። ኣብ ዓድዋ መሓውርና ዝቖረጸትና ድማ’ዛ ጠንቛሊት ኣምሓራተይቲ’ ምበር ኣሉላ ‘ታይ ገይሩ? ‘ንሓማሸናይ ብማሕላ፡ ንደርሆን ብማሸላ” ዝተባህለ’ውን ፈጠራ’ዩ። እንተላይ እቲ “ልቢ ትግራ ይ ጥውጥዋይ” ዝባሃል ከተረፈ ልብታትኩም ዘይምፍላጥ’ዩ’ሞ ሎሚ ግና ኩሉ ገዲፍና ወዮ ንኡስ ወዲ-ወዶም ማለት ኣ ቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሓድሽ ናይ ትሸዓተ ቢሄራት መንነት ፈጢሩ ኣብ ዝባን ኢቲዮጲያ ክሕንገር ፈቲኑ ብሰንኪ ፕረሲ ደንት ክሊንተን ካብ በርዓኖ ዓንጺ-ዓንጾ ንዓና ን’ኣኽረርቲ’ (ብፍላይ ንትግርኛ) ኣልማማ ምዕጻዱ ናይ ይቕረታ መልእኽ ቲ’ኳ እንተዘየስማዓና ብሕጓ ግና ምእንቲ ዕቤት ክልቲኡ ትግርኛ ክብል ምዃኑ ዝዓመጸና፡ ከምኡ እንተዘይገብር ግና እቲ ናጽነት’ውን ከምዘይምተረኽበ ኣሚንና ንጸመም’ሞ ከም መደበስታ ወጽዓና ድማ ብወዱ ንጉሰ-ነገስት ኣብራሃም ኢሳይያ ስ ክንካሓሶ ኢና። ምንም ጥቕሚ ንዘይብሉ ብዘበን ውበ ምጽማምን በሰላ ቁስሊ ምሕካኽን ገዲፍኩም ነታ እዛ ጠንቛሊ ት ኣምሓረተይቲ መንጢላትና ዝጸንሓት ናይ ዘበነ-እኒእኒ (ሰለስተ ሽሕ ዓመታት) ዝዕድመኣ ሃገረ-ኣግኣዝያን ክንእውጅ ንበገስ። ኣውራ ንቕሓት ዘድልዮ ግና ህዝቢ ኤርትራ ብምዃኑ፡ ባህሪ ቃልስና’ውን ሰላማዊ ስለዝኾነ ብዕጥቂ ራዲዮን ተ ሌቪዥንን ኣብ ገገዝኡ ክንድርገም ምእንቲ ሃየ ገንዘብ ኣዋጽኡ ገንዘ—–ብ! ገንዘብተሎ ብሰማይ መገዲ ኣሎ! ‘ኣግኣዚት’ ድማ በሉ ክትምዕብሉ! እንተዘይበልኩም ግና ትሕመሉ ባቃ!”. . . . ዝብል ዘሎ ኮይኑ እንተተሰሚዕካ ሓዲኡ ግበር’ምበር እንታይ ናባይ ዘጠምት ኣለካ?

እንተ ኣነ ኣብ ካልኣይ መፋርቕ 20 ክ/ዘመን ተወሊደ ብናይ 19 ክፍለ-ዘመን ፖለቲካ ዝተዋሳእኩ ዜጋ ብምዃነይ፡ እታ ት ዛረበላ ዘለኻ ሃገርና’ውን ከምተን ካልኦት ብውጽኢት ናይ 19 ክፍለ-ዘመን ፖለቲካ ዝተመስረተት ብምዃና፡ ሎሚ’ዚ ሓ ድሽ ወለዶ ሕቶ እንተልይዎ ብወገነይ ድሮ ድማ ዓለሙ ክፈጥር ተላብየዮ ስለዝኾንኩ ልክዕ ከም ውጻእ ብርኪ “ንስኹ ም ኤርትራ፡ ንስኹም ድማ ትግራይ ክንዲ ትብሉ ተደሚርኩም ‘ሃገረ-ኣግኣዚ’ ኢኹም” ኣብ ዝጭርሕ ሓድሽ ዝመስል ፖ ለቲካዊ ጽምዶ የማነ ፍሻለ ተቖሪኑ ክታተ ምርኣይ ንምንታይ እጸልኦ?

መንቀሊ ናይቲ ዝጠቐስካዮ ጽሑፍ ብሄራት ነናተን ሰልፍታት ክሰርሓ ክመጣጠራ ምስ ረኣኹ “ዘሐጉስ ዜና” ብዝብል ኣ ርእስቲ ምስረታ ሰልፊ ብሄረ-ትግርኛ ኣበሲረ። እዚ ግና ከምዚ ትብለኒ ዘለኻ ምስ’ዚ እዋናዊ ኣግኣዚነት ዘራኽብ ፍጹም የብሉን። እንተድልይካ ንመሃዚኡ ክትጥይቕ ይከኣለካ’ዩ። ኣብ ዘቃላሕኩሉ እዋን ዘንከራረወ ናይ ተቓውሞ መዘረጋሕ’ ውን መንቀሊኡ ግድን ካብቲ እምባ ከምዘይነበረ ሽዑ ተረዲአዮ ኢየ። ቀንዲ ምኽንያት እቲ ሕቶ ብሄረ-ትግርኛ ዶብ ከ ይሰግር ዝጸልኡ ምንባሮም ግና ካባኻ እሰምዖ ኣለኹ። እንተ ብወገነይ ብሄራዊ ጥርናፈ ንረብሓ ሃገር ዝጠቅምን ቅቡልን እንተኾይኑ፡ ንምንታይ ከምዝጸልእዎን ከምዘጓጠጡለይን ከየተሓሳሰበኒ ኣይተረፈን። ዝኾነ ኮይኑ መሰል ህዝቢ ብሄራት ንምኽባር ክሳብ ሰልፍታት ምቛም ቅኑዕ እንተኾይኑ መሰል ትግርኛ’ውን ልክዕ ከምተን ካልኦት ብፍትሓዊ መገዲ ክሕሎ ኣለዎ። ነዚ ኩሉ ሕቶታት እንምልሰሉ እዋን ግን ብኸመይን መዓስ ኢዩ?

ከምእምነተይ ንህዝቢ ኤርትራ ኢዱ ጠዊኻን ጥርሑ ኣትሪፍካን ምርጫ ምስ ሰኣነ በስገዳድ ዘይእምነቱ ከተርዕሞ ምፍታ ን ግና ዝገደደ መግዛእቲ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነስ ከምዘይካኣል’ውን ዘይምርሳዕ። ከምኡ ምምናይ እቲ ቀንዲ ተልእኾ ፕረ ሲደንትናን ጉጅለኡን ምዃኑ ምርድኡ ድማ ንርእሱ ልቦና ኢዩ። ዝብሎ ዘለኹ ይርዳኣካ እንተልዩ፡ እቲ “ህዝቢ ኤርትራ ዝተጋደለ ፈደረሽን ምፍራሱን ስርዓት ኢቲዮጲያ ብዘርኣዮ ጭካነን’ምበር ብልቡ ናጽነት ደልዩ ኣይነበረን” ዝብል መግዛእ ታዊ ኣመለኻኽታ፡ ሎሚ’ውን ብሳላ ዕሱብ ፖሊሲ ገዛኢ ህግደፍ ዓዛብና ንርኢ ስለዘለና፡ ህዝብና ስለዘይምለኸሉ ናብ ቀ ጻሊ ህውከትን ውግእን ከምዝድርገም ተገሚቱ፡ ድሮ ስለዝተዳኸመ ድማ ጥቕሊሉ ንብርሰት ክቃላዕ ወይ ክንብርከኽ ከ ምዝተጠበበ ፖሊሲ ድቕድቕ ጸልማት ክጉልብቦ ከምዘይከኣለ ክበርሃልካ ኣለዎ።

ብዝተረፈ ትማሊ “ወያነ መጸትካ” እንዳተባህለ ናይ ዝባኑ ከይተረፈ ተገፊፉ ካብ ማእከል ርእሲ ከተማኦም ዝተባረረ ህ ዝቢ፡ ሎሚ’ውን ካብ ማእከል መሰረቱ እናተደከረ ጥራይ ዝባኑን ከብዱን ናብ እግሩ ዝመርሖ ከምዝነፍጽ እንተተገደደ፡ ወያነና ነቲ ዕሩቕ ሃዳሚ ክናና-ምናናኣ “ኣግኣዚት ጥራይ በል” እናለት ኢዳ ዘርጊሓ ክትቅበሎ ኢልካ ዘረባኸ ‘ታደለ ብድ ዐ’ዩ? ካን የሎንዲዩ’ታ ወዮ መንእሰይና?

ከክፉኡ ምሕሳብን ምጽሓፍንሲ ክንደይ ይኸፍእ ሓወይ! በል ብኣካል እንተዘይተቐልቂልካኒ ኣብታ ትቕጽል የራኽበና።

ጎደፋ፡

 

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • AHMED SALEH February 18, 2017

    Selamat Godeffa
    I have a problem to understand our civic societies and advocates for democratic reform and justice to
    give deaf ears to ignorance combined with pathological sensitivity that tributes for self inflicted wounds
    of hate and division close to their door steps . If we can’t show courage to confront enemies of our nation
    in diaspora who try to intervene on national affairs with sinister agenda , how could it be possible to convince
    people that they represent Eritrean interest ?
    Nowadays we hear the formation of Agazi dynasty at the expense of Tigrigna speaking Orthodox Christians
    to put salt for injured society . Majority of Eritreans feel offended and betrayed by SCARICO speech and his
    Eritrean followers but true compatriots must listen to their gut and trust their instincts which matters most
    than anyone else opinion or input . I think we have obligation not to let silence allow them go their way and
    avoid to repeat past mistake .

Post a Reply to AHMED SALEH Cancel Reply