Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መቐጸልታ ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን፡ ሓደ ካብቶም ኤርተራና ዝኸሰረቶም ጀጋኑና

መቐጸልታ ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን፡ ሓደ ካብቶም ኤርተራና ዝኸሰረቶም ጀጋኑና (ሰመረ ፍስሃየ) ቅድሚ ኣብቲ ቀጻሊ ጽሑፈይ ብዛዕባ ስዉእ ወልደዳዊት ተመስገን ምእታወይ፡ ብመሰረት ቀዳማይ ጽሑፈይ ንዝቐረባ  ሰለስተ ኣገደስቲ ርኢቶታት ዝብለን ክጽሕፍ እየ፡ ታሪኽ ተጋደልትና፡ ኣብ ተ.ሓ.ኤ ይኹን ኣብ ህ.ግ.

መቐጸልታ ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን፡ ሓደ ካብቶም ኤርተራና ዝኸሰረቶም ጀጋኑና

(ሰመረ ፍስሃየ)

ቅድሚ ኣብቲ ቀጻሊ ጽሑፈይ ብዛዕባ ስዉእ ወልደዳዊት ተመስገን ምእታወይ፡ ብመሰረት ቀዳማይ ጽሑፈይ ንዝቐረባ  ሰለስተ ኣገደስቲ ርኢቶታት ዝብለን ክጽሕፍ እየ፡

  1. ታሪኽ ተጋደልትና፡ ኣብ ተ.ሓ.ኤ ይኹን ኣብ ህ.ግ. ዝነበሩ፡ ክንዛረበሎም ዘሎ እዋን ግዚኡ ኣይኮነን ዝብል እምነት የብለይን፡፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ካብ ምቅላስ ኣይዓግትን’ዩ ዝብል እምነት እውን ኣሎኒ፡፡ እቶም ክዛረቡ ዝኽእሉ ሎሚ ኣለዉ፡ ጽባሕ ክህሉዉ ግን ርጉጽ ኣይኮነን፡፡ ንሓቅነቱ ዝምልከት ጉዳይ ግን ንናይ ታሪኽ ተመራመርቲ ንግደፈሎም፡፡
  2. ምስ ስዉእ ተጋዳላ ወልደዳዊት፡ ኣብ ምምሕዳር ቁ. 9 ዝነበርኩሉ፡ ካብ ካልኣይ ፍርቂ ናይ 1975 ክሳብ ወርሒ ሸውዓተ ናይ 1977 እዩ፡፡ ከተማታትና፡ ከም መንደፈራ፡ ዓዲዃላ  ዝኣመሰላ፡ ኣብ ደንካልያ ክበጽሕ ከለኹ እየን ነጻ ወጺኤን፡፡
  3. ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ብልኡኻት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ዝተቐትለ ሓቢረ ነይረ፡፡ ኣቃታትልኡን መን ከምዝቐተሎን ካብ ተጋዳላይ የሱፍ ስሌማን ብ 1994 ኣብ ዝተራኸብናሉ ግዜ ዝረኸብኩዎ ዘዕግብ መግለጺ እዩ፡፡ መግለጺ የሱፍ ከምዚ ይብል፡ ‘ምስ ብጻይ ወልደዳዊት ኣብ ገዛይ ንኽንራኸብ ቆጸራ ጌርና እነዳተጸበኹ ከለኹ ኣብ ቅድሚ ገዛይ ምሸት ተቐቲሉ፡፡ ተኹሲ ሰሚዐ ምስ ወጻእኩ፡ ጸልማት ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ብርቱዕ ህቦብላ ስለ ዝነበረ እቶም ቀተልቲ ከየለሎኹዎም ኣምሊጦም’፡፡ የሱፍ ስሌማን ቀጺሉ ከምዚ ይብል፡ ‘ብድሕሪኡ ዝገበርኩዎ ምክትታል፡ ምስ ወልደዳዊት ዝነበረኒ ቆጸራ ሓደ ሰብ ጥራሕ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ምስኡ ኮንና ብዝገበርናዮ መጽናዕቲ ቀተልቲ ካብ ኢሳያስ ከም ዝተላእኩ ርጉጽ ሓበሬታ ረኺብና ይብል’፡፡
    ምስ የሱፍ ስሌማን ከላልየኩም፡፡
    የሱፍ ስሌማን ሓደ ካብቶም ገዳይም ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ ኮይኑ ኣብ ደቡብ ደንከል ምምሕዳር ቁ. 12 መጀመርያ ወኪል ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ቀጺሉ ኽኣ ኣማሓዳሪ ዝነበረ እዩ፡፡ ድሕሪ ኩነታት ኮሮኮን (እታ ብወገነይ ዝኣምነላ ተ.ሓ.ኤ ምስ ፈረሰት) ኣብ ስሙር ውድብ ዝብሃል ምንቅስቓስ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ኣብ ናጽነት ኤርትራ፡ ምስ ብዓል ስዉእ ሳልሕ እያይ ኣብ መንግስቲ ኢሳያስ ተሳቲፉ፡፡ ኣብኡ ኽኣ ብሕማም ዓሪፉ፡፡ ስእሊ የሱፍ ስለማን ንምርኣይ እትደልዩ ፡ http://www.mahber-dankalia.org

ናብ ስዉእ ወልደዳዊት ክምለስ፡

  1. ብዙሓት ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ወልደዳዊት ብዘቕርበሎም ዝነበረ ርኢቶታት ምዕጋቦም ይምስክሩ፡፡
    ንኣብነት ኣብቲ መጀመርታ ፍርቂ ናይ 1977 ብጾት መልኣከ ተኽለን ኢብራሂም ቶቲልን ኣብ ምምሕዳር ቁ. 8 ዝነበሩሉ እዋን፡ ንዓይ ንምምሕዳር ቁ. 8 ንኽምደብ ወሲኖም ትእዛዝ ናብ ወልደዳዊት የመሓላልፉ፡፡ ወልደዳዊት በቲ ውሳኔ ተሸገረ፡ ንምኽንያት ውሳኔኦም ግን ብሕማቕ ኣይርኣዮን፡፡ እንተኾነ ግን ብዉሑድ ንኽልተ ወርሒ ኣብ ምምሕዳር ቁ. 9 ንኽጸንሕ ዘዕግብ ምኽነያታት ኣቕሪቡ ሕራይ ከምዘበሎም ስዉእ መልኣከ ተኽለ የዕልለኒ፡፡

    ነዊሕ ከይጸናሕና’ውን ስዉእ ዓብደል ቃድር ሮሞዳን ኣብ ደቡብ ደንከል ብፋሉል ይቕተልሞ እንደገና ንዓይ ንደንከል ይምድቡኒ፡፡ ስዉእ ወልደዳዊት ይብለኒ፡ ‘ሰመረ ሎሚ ብዘይምጻእ መጺኦምና፡ ንደንከልሲ ኣነ’ውን ምሳኻ ምኸድኩ’ ይብለኒ፡፡ እዚ ኣርኣእያ’ዚ ዘርእዮ ነገር እንተሃልዩ ኽኣ፡ ውሳኔታት ወይ ውን ተቓዉሞታት ስዉእ ወልደዳዊት ካብ ጥቕሚ ውድብ ዝነቐለ ምንባሩ ድኣምበር ካልእ መልእኽቲ ከም ዘይነበሮ እዩ ዝሕብረካ፡፡

    ካብ ካልኦት ብጾት ዝሰማዕክዎ’ውን ስዉእ ኢብራሂም ምሓመድ ዓሊ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ናይ ሕብረተሰብኣዊ ጉዳያት ሓላፊ ዝነበረ (ብቐሊል ዝዓግብ ሰብ ኣይነበረን) ካብ ኩሎም ጠቕለልቲ ኣማሓደርቲ ዝመጾ ዝነበረ ጸብጻባት፡ ወልደዳዊት ዘቕርቦ ዝነበረ ጸብጻባት ብዝያዳ የዕግቦ ምምባሩ የዕልሉኒ ነይሮም፡፡

    ስዉእ ስዩም ዑቕባንኪኤል ኣብ ምምሕዳር ቁ. 10 ዝነበረሉ ጊዜ፡ ምስ ኣማሓዳሪ ምምሕዳር ቁ. 10 ዘይምርድዳኣት የጋጥሞ ስለ ዝነበረ፡ ናብ ወልደዳዊት ብምምጻእ ነቲ ጉዳይ ናይ ኣታኣላልያ መንገድታት ብሓባር ይርእዩ ምንባሮም ስዉእ ስዩም ዑቕባንኪኤል ክኣ ብዕግበት ንቦትኡ ይምለስ ከምዝነበረን ይዝከረኒ፡፡

    ኣብ ምምሕዳር ቁ. 9 ዝነበሩ መራሕቲ ሰራዊት ብናይ ወልደዳዊት ብቕዓትን ተወፋይነትን ክዛረቡ ከለዉ፡፡
    ኣብ 1976 ተጋዳላ ሓምድ ዝቡይ ዝመርሓ ቦጦሎኒ ሒዝና ንትግራይ ንሰግረሉ ኣብ ዝነበርና እዋን፡ ተጋዳላይ ሓምድ ዝቡይ ከመዚ ይብለኒ፡ ‘ያ ኣኽ ሰመረ ጀብሃ ኣርባዕተ ወልደዳት እንተዝህልዉዋ እዚ ንርእዮ ዘሎና ኩነታት ቀደም ዓሪፉስ ኣብ ካልእ ደረጃታት ምሃሎና’ ይብል፡፡ ምኽንያቱ ኣብቲ ግዜቲ ምስ ጸላኢ ዘሎና ቃልሲ ንጎኒ ተሪፉ ንፋሉላዊ ጉዕዞ ኣብ መስመሩ ንምምላስ ግዜየና ነሕልፍ ስለ ዝነበርና እዩ፡፡

    ብ 1977 ጸላኢ ንድባርዋ ካብ ኣስመራ ከይኣቱ ንምክልኻል ኣብ ሞንጉዳ ዝገበርናዮ ውግእ ምስ ተወድኤ፡ ንትምዛእ ገጽና ወሪድና፡፡ ስዉእ ደብሮም ጥሉቕ (ገዲም ተጋዳላይ) ምክትል መራሕ ቦጦሎኒ ምሳይ ስለ ዝነበረ፡ ብኩነታት ሰራዊትናን ኩነታት ፋሉልን ሳዕበናቱን ነዕልለሉ ኣብ ዝነበርና እዋን ከምዚ ይብል፡ ‘ሰመረ ጀብሃ ከም ብዓል ወልደዳዊት ዝመሰሉ መራሕቲ ክሳብ ተፍሪ ሽግር ፋሉል ጌና ከሳቕየና’ዩ’ ክብል ኣድንቖቱ ኣብ ልዕሊ ወልደዳዊት ይገልጸለይ፡፡

  2. ኣብ 1976 መጀመርታ ንባርካ፡ ዓልየት (ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት)  ወሪደ እንደገና ንምምሕዳር ቁ. 9 ክምለስ ከሎኹ፡ ኣብ ድሉክ ዝተባህለት ዓዲ ንምሳሕ ኤዕርፍ፡፡ ከማይ ካልኦት ተጋደልቲዊን ንኸበሳ ዝድይቡ ገሊኦም ክኣ ንባርካ ዝወርዱ ስለ ዝተራኸብና ኣብኡ ምሳሕ እንዳተጸበና ነዕልል፡፡ መደብካ ኣበይ እዩ ካበይ መጺእካ ናበይ ትኸይድ ኣሎኻ ዝብላ ሕቶታት ንተሓታተት፡፡ ብወገነይ ካብ ዓሌት ከም ዝመጻእኩን ንምምሕዳር ቁ. 9 መደበይ ይኸይድ ምህላወይን ይሕብር፡፡ መብዛሕትኦም ይስምብዱ፡ ኣኻእሎ ይሃብካ ኽኣ ይብሉ፡፡ ድሓንዶ እንታይ ኣሎ ድዩ እብሎም፡፡ ወልደዳዊት ዝብሃል ሓደ ርጉም ሰብ ኣብኡ ኣሎ፡፡ ሰብ በኽያ እያ ብእኡ ይብሉኒ፡፡ ዘጋጠመኩም ሽግራት ግዳ የዕልሉኒ ምእንቲ ክዳለወሉ እብሎም፡፡ መብዛሕትኦም ብዘዕለሉና’ምበር ኣብ ነብስና ዘጋጠመና ንፈልጦ የለን ይብሉ፡፡ ሓደ ካብኣቶም ግን ኣነ ክነግረካ ይበለኒ፡፡ ከምዚኽኣ ይብል፡ ‘ኣነ ርኢኻ ስድራይ ዓበይቲ እዮም፡ መደበይ ክኣ ኣብ ከባቢ ተሰነይ እዩ፡፡ ንስድራይ ክትሓጋገዞም መታን ኣብዘን ሓይልታት ምምሕዳር ቁ. 9 መድበኒ ኢለዮ ምቕባል ኣብዩኒ፡፡ ኣቦይ ከይተረፈ ኣብ እግሩ ወዲቑዎ ኣይከውንን’ዩ ኢሉ ኣቕቢጽዎ’ ክብል ብጓሂ የስተንትን፡፡ ብወገነይ እብሎ ‘ ብጻይ ቀዳማይ ነገር፡ ኣማሓደርቲ ካብ ሰራዊት ንዕረፍቲ ዝመጹ ተጋደልቲ ኣብ ምምሕዳሮም ከሰልፉ ሕጊ ኣየፍቅደሎምን እዩ፡፡ ብተወሳኺ ኽኣ ከምኡ እነተበዚሑ ሰብ በብዓዱ ተመዲቡ ኣብቲ ዘመነ ክፍልታት ምምላስ ማለትዩ’ እብሎ፡፡ ንሱግን ብዘቕረብኩሉ ርኢቶታት ክዓግብ ኣይክኣለን፡፡ ሓደ ክልተ ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ግን ሓቅኻ ኢኻ በሉ፡፡

    ብ 1977 ኣቦይ (ተጋዳላይ ፍስሃየ ኩብሮም) ካብ ሳሕል፡ ንዕረፍቲ፡ ንምምሕዳር ቁ. 8 ይመጽእ፡ ኣነ ኽኣ ብኣጋጣሚ ናብኡ እንቀሳቐስ’ሞ፡ ወድኻ ኣብዚ ኣሎ ኢሎሞ ክረኽበኒ ይመጽእ፡፡ ምስተራኸብና ብ 1976 እውን ንዕረፍቲ መጺኡ ከም ዝነበረ የዕልለኒ፡፡ ብወገነይ ክኣ ኣብ  ምምሕዳር 9 ከምዘሎኹ ኣይትፈልጥን ዲኻ ኔርካ እብሎ፡፡ እፈልጥ እባ፡ ግን ወልደዳት ርጉምዩ ይብሉኒ ስለ ዝነበሩ ከላግስ ኣይደፈርኩን ይብለኒ፡፡ እሞ ሰብ ብዝበሉዎ ኣሚንካስ ወድኻ ከይርኣኻ ኬድካ እብሎ፡፡እቲ ዘውርይዎ ብጣዕሚ ከቢድ ስለ ዝነበረ የጋግየካ እዩ፡ ይብለኒ፡፡

    ስለዚ እቶም ናይ ተ.ሓ.ኤ. ፍቕርን ምሕያልን ዝምነዩ ዝነበሩ ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ርኢቶኦም ኣብ ስርሓትን ውሳነታትን ወልደዳዊት ዕግበት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣድንቖቶም ክገልጹ ከለዉ፡ በንጻሩ እቶም ካልኦት ብምምራርን ካብኡ ሓሊፉ ኽኣ ዘይተባህለን ዘይተገብረን ሓቂ ኣምሲሎም ኣብ ወረ ምብዛሕን ምንዛሕን ይዋፈሩ ነበሩ፡፡

  3. ብ 1976 ኣብ ማይምነ፡ ቁሓይን፡ ዘካየድናዮ ውግእ ንማይምነ ሒዝናያ ከነብቅዕ፡ ብገለ ገለ ጌጋታት ዝገበርናዮ፡ ገዲፍናያ ወጺእና ጥራይ ዘይኮነስ ብጾት’ውን ተሰዊኦምና፡፡ ምስ ወልደዳዊት ተራኺብና ብዛዕባ ውግእ ማይምነ ከዕልሎ ከሎኹ ንብዓት ቁጽርጽር ከብል ምስ ርኣኹዎ ተገሪመ፡፡ ምኽንያቱ፡ ኣዲኡ ንኽርእይኦ መጺኤን ዝጨከነ ሰብስ ንኽንስዋእ ዝወጻእና ተጋደልቲ መስዋእትና የሕዚኑዎ በልኩ፡፡
    ምኽንያቱ ስዉእ ወልደዳዊት፡ ነቶም ኣብ ፍቕሪ ቃልሶምን ፍቕሪ ተ.ሓ.ኤ. ሰገጥ ኣይብሉን እዮም ዝብሎም ብጾቱ ተጋደልቲ ህወቱ ከሕልፈሎም ድሉው ዝኾነ መራሒ እዩ ነይሩ፡፡
  4. ኣብ መንጎ መወዳእታ 1975ን  መጀመርታ 1976ን፡ ብመሰረት ውሳኔ 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ተ.ሓ.ኤ፡ ነቲ ፈተውቲ ሃገራት ሰውራ ኤርትራ ዝገበሩልና ናይ ስምረት ጻዊዒት ኣኽቢርና ሓንቲ ናይ ዘተ ሽማግለ ብምቛም ኣብ ካርቱም ምስታ ወካሊት ህዝባዊ ሓይልታት ኮይና ዝቐረበት ሽማግለ ንራኸብ፡፡
    ኢሳያስ ከምዛ ነታ ብስም ውድቡ ዝቐረበት ሽማግለ ዘይፈልጣ፡ ‘ዓማ ንኣብ ሜዳ ዘሎና ገስገስቲ ተጋደልቲ ገዲፋ ምስቶም ናይ ደገ ኣድሓርሓርቲ ትራኸብ ኣላ’ ዝብል ወረ ኣብ ሰራዊቱን ኣብ ሰራዊትናን ብምንዛሕ ሓዊ ኣጎደ፡፡
    መዘኻኸሪ ዝኸውን ታሪኻዊ ሓቅታት፡ እታ ብስም ህ.ሓ. (ኣብቲ ግዜቲ ህዝባዊ ግንባር ስሞም ህዝባዊ ሓይልታት እዩ ነይሩ፡ ነዚ ስም እዚ ዘጠመቐ መራሒ ኽኣ ዑስማን ሳልሕ ሰበ ይብሃል)  ዝቐረበት ሽማግለ፡ ብዑስማን ሳልሕ ሰበ እያ ትምራሕ ነይራ፡፡ ዑስማን ሳልሕ ሰበ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ህዝባዊ ሓይልታት ሓላፊ ኮይኑ ሓደ ካብቶም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ህ.ሓ. እዩ ነይሩ፡፡ ኢሳያስ ኣብ ካርቱም ርክብ ምስ ተ.ሐ.ኤ. ክግበር ምዃኑ ብዑስማን ሳልሕ ሰበ ተሓቢሩ ከብቅዕ እቲ ኣኼባ ንኽካየድ ስቕ ኢሉ ድሕሪ ምርኣዩ ኣዕናዊ ወፈርኡ ኣካየደ፡፡
    ቅንዕና እንተዝነብሮ፡ ኣቐዲሙ ንተ.ሓ.ኤ.፡  እዚ ዝዳሎ ዘሎ ርኽክብ ንሕና ኣይንሰማማዓሉን ኢና ኢሉ ክሕብር ይኽእል ነይሩ፡፡ ግን ካብ መሰረቱ ኢሳያስ ንሐድነት ዘይኣምን ጥራይ ዘይኮነስ ምፍራስ ተ.ሓ.ኤ. ውራየይ ኢሉ ዝሓዞ ዕላማ ስለ ዝነበረ፡  እዚ ኩነታት’ዚ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይንሉ ነበረ፡፡

    እምብኣር በዚ ኢሳያስ ዝፈጠሮ ናይ ዕግርግር ሃዋህው፡ መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ፡ ነቲ ኩነታት ንሰራዊት ከተረድእ ተዋፈረት፡፡ ስዉእ መልኣከ ተኽለ ንምምሕዳር ቁ.8፡ ስዉእ ዓብደላ ኢድሪስ ክኣ ንምምሕዳር ቁ.9 ተመዲቦም ንከበሳ ይድይቡ፡፡ ኣብ ምምሕዳር ቁ.9 ስዉእ ዓብደላ ብዓረብኛ ይገልጽ ስለ ዝነበረ፡ ስዉእ ወልደዳዊት እዩ ዘተርጉም ነይሩ፡፡ ምስ ሓንቲ ካብተን ሓይልታትና ኣኼባ ተጸዊዑ መግለጺ ክውሃብ ምስ ጀመረ፡ ሓደ ተጋዳላይ ተሲኡ፡ ንሕና እዚ ትህብዎ ዘለኹም መግለጺ ክንሰምዖ ኣይንደልን ኢና ኢሉ ነቲ ኣኼባ ፋሕ ከብል ይጽዕር፡፡ ስዉእ ወልደዳዊት ይብሎ፡ ‘ብጻይ ንስኻ ክትሰምዕ እንተዘይደሊኻ እዝንኻ ጡጥ ወትፎ፡ ንሕና ግን ክንሰምዕ፡ ሰሚዕና ኽኣ ሕቶታትና ከነቕርብ ስለ ንደሊ ግደፈና’ ይብሎ፡፡

    ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ናይ ኢሳያስ ንተ.ሓ.ኤ. ናይ ምፍራስ (ኣብቲ ግዜቲ ኣብ ጽሑፋት ህ.ሓ.፡ ተ.ሓ.ኤ. ከም ጨው ሓቒቓ ክትጠፍእ እያ ዝብል ጽሑፍ ትምኒት ኢሳያስ ተባሂሉ ይዕለለሉ ነይሩ) ዕላማ ጥራሕ ዘይኮነስ ብወገን ፋሉልውን ‘ጉባኤ ተ.ሓ.ኤ. ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ክግበር ኣሎዎ’ ዝብል ወፈራ ምዓት እዩ ነይሩ፡፡
    ኣብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ኣብ ዝነበርናሉ፡ ስዉእ ወልደዳዊት ከምዚ ዝስዕብ ይብለኒ፡ ነዞም ስልጣን ክረኽቡ ጉባኤ ጉባኤ ዝብሉ ዘለዉስ፡ ንሓደ ሹዱሽተ ወርሒ ዝኸውን ስልጣን አረኪብካ እነተዝፍተኑስ፡ ሰራዊትን ህዝብን ምምራሕ ክሳብ ክነደይ ከቢድ ምዃኑ ምፈለጡ ብተወሳኺ ሰራዊት ይኹን ህዝቢ ዓቕሞም ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ምተገንዘበ ይብለኒ፡፡

    ሕጂ ኣብዚ ዝነብረሉ ዘለኹ ምዕቡል ሃገር ኮይነ፡ ይዕበ ይንኣስ ፕሮጀከትታት ቅድሚ ኣብ ተግባር ምውዓሉ ናይ ፈተነ ጉዕዞ ሓሊፉ ኣብ ተግባር ዝውዕለሉ ኩነታት ክርኢ እንከሎኹ እቲ  ስዉእ ወልደዳዊት ዝእምቶ ዝነበረ (simulator እነተዝህሉ ዝብል ሓሳቡ) ይርኣየኒ’ሞ፡ ከመይ ዝበለ ናይ ኣርሒቕካ ምጥማት ዓቕሚ እዩ ነይሩዎ ስዉእ ወልደዳዊት እብል፡፡

ንምድምዳም ዝኣክል፡ ብ1980 ካብ ደንከል ምስ ተመለስኩ ዝጸንሓኒ ወረ፡ ኣብ መንጎ ስዉእ ወልደዳዊትን ስዉእ መልኣከ ተኽለን ምስሕሓብ ከም ዘሎ፡ እዚ ኸኣ ካብቲ መንደፈራ ነጻ ዝነበረትሉ እዋን ዝጀመረ ምዃኑ፡፡ ካልእ ንስዉእ ወልደዳዊት ዝምልከት መትሓዚ ዘይብሉ ክስታት፡ ኮታ ካብቲ ኣነ ኣብቲ ምምሕዳር ከሎኹ ዝነፍስ ዝነበረ ምጽላም ዘይፍለ ኣብ ውልቃዊ ጥቕምታት ዝተመርኮሰ ክስታት ነይሩ፡፡

ንስዉእ ወልደዳዊትን ስዉእ መልኣከ ተኽለን በበይኖም ረኺበ ኣዘራሪበዮም፡፡ ብኽልቲኦም ሸነኽ ዝቐረበለይ መልሲ ኽኣ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዋላ ሓደ ውድባዊ ፍልልይ ከም ዘየለን ተራኺቦም ክዘራረቡ ጸገም ከምዘየለን ዝብል ነበረ፡፡
ኣብዚ ኹሉ ከይበጻሕና ኽኣ ተ.ሓ.ኤ ኣብ ክትጥርነፈሉ ዘይትኽእል ኩነታት ወደቐት፡፡ ንገለና መሪር ሓዘን ክኾነና ኸሎ፡ ንገሊኦም ክኣ ናይ ዓወት ብስራት ኮነሎም፡፡ ውጺኢቱ ኽኣ፡ እንሆ ህዝብን ሃገርን ኣብ ከቢድ ዓዘቕቲ ተሸሚሙ ይርከብ፡፡

ተ.ሓ.ኤ. ምስሊ ህዝቢ ኤርትራ እያ ነይራ፡፡ ኩሉ ዝንባለታት ህዝቢ ኤርትራ ጸይራ ትጉዓዝ ዝነበረት ውድብ እያ ነይራ፡፡ ስዉእ ወልደዳዊትን ስዉእ መልኣከ ተኽለን ካብቶም ነዚ መትከላት’ዚ ኣሚኖም ኣብ ግብሪ ከተርጉሙ ዝቃለሱ ዝነበሩ ጀጋኑ ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ.  እዮም ነይሮም ፡፡ ኣብ መወዳእትኡ ግን ከምዚ ንርእዮ ዘሎና ብዓወት በተነቲ ውድብና ስለ ዝተዛዘመ ነፍስወከፍ ዝንባለ፡ ወድቡ ተኺሉ ንምጥርናፍ ጸገም ኣብ ዝኾነሉ ኩነታት ንርከብ፡፡

እዚ ወድሓንኩም፡፡

ሰመረ ፍስሃየ

ፈረንሳ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
40 COMMENTS
  • HGDEF December 26, 2013

    ኣይይይይይይይ!! ነዚ ክትዕታዶ ክንድዚ ትርህጻ? ንወልደ ዳዊት በይንኻ ተጣቢካ መንግስተ ሰማይ ትእትዎዶ መሲሉካ ይከዉን? “ምስ የሱፍ ስሌማን ኮንና ብዝገበርናዮ መጽናዕቲ ቀተልቲ ካብ ኢሳያስ ከም ዝተላእኩ ርጉጽ ሓበሬታ ረኺብና” ካብ በልካሲ እቲ ሓበረታ ምጽሓፉ እንታይ ኣጸገመካ? መልኣከ ተክለ መን ከም ዝቀተሎ ከ ገለ መጽናዕቲ ኣይካየድካን? ተ.ሓ.ኤ ምስሊ ህዝቢ ኤርትራ እያ ነይራ፡፡ ኩሉ ዝንባለታት ህዝቢ ኤርትራ ጸይራ ትጉዓዝ ዝነበረት ውድብ እያ ነይራ ዶ ከኣ በልካና? “ዝሞተ ቆልዓ ክሳዱ ነዊሕ” ድዩ ዝበሃል? ከምኡ እንተትነብርሲ ፋሕ ኣይምበለትን። ፋሕ እንተ በለትዉን ምጥርናፍ ኣይመጸገማን። ብረት ስዉኣታ ሸይጣ ዝተማቀለት ዉድብ ኣየ ክትብለላ ከሎካ “ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ከይዱ ቆርበት ኣንጽፉለይ በለ” ጥራሕ ክብለካ፡፡

    • Mesfin Bahlibi December 26, 2013

      ኣንታ ብHGDEF መጸውዒ እትፍለጥ ፍጡር ሰብ እቲ ከም ርእይቶ ኣስፊርካዮ ዘሎኻ ጽሑፍ ንተጋደልቲ ጀብሃ ዝነበሩ ጥራይ ዘይኰነስ ንኹሉ ኤርትራዊ ዓጽሚ ዝሰብር እዩ እሞ ነቲ ግዕዘይ ቃላትካ መአረምታ ይርከቦ ኢለ እኳ ኣይኣምንን ፡ ኤርትራዊ ደም ዘይብልካ’ውን ትኸውን ፡ እምበር ተጋደልቲ ናይ ጀብሃን ህ.ግ.ን ከምዚ ናትካ ዓይነት ፍንፉን ክሲታት ተኻሲሶም ኣይፈልጡን ፡፡ ናይ ኩሉ ዝበልካዮ ርእይቶኻ ምተባህለ እንተ ብረት ሸይጦም ዝበልካዮ ግን ፡ ኤርትራዊ ኣብ ዝነበረ ውድብ ይንበር ብረት ይዛበጠሉ እምበር ኣይሸሽጦን እዩ ኔሩ ፡፡ ኤርትራዊ ኣይትኸውንን ድኣ’ምበር ፡ ኤርትራዊ እንተዀንካስ ምእንቲ ከማኻ ዓይነቱ ሽለት ይትረፍዶ ጅግና ተጋዳላይ ከልቢ እኳ ክስዋእ ኣይግባእን ፡፡

      • Andu December 26, 2013

        zeytenegre ember zeytegebre kemzeyelos yrdeana eyu kabu zikhefi win kinsemie enna aqli trah

    • Andu December 26, 2013

      arkey deqiska aytitshaf teberaber. Ni asha derguhalu trah kounu zirdeakum.

    • Keren December 27, 2013

      Is this how Jebha narrates to its history? When will the honest among Jebhas rise up and tell us about the massacre of Sryet Addis, the liquidation of Haraka/Mahber Shewate, the killing fields of Barentu and Kunama, the annihilation of Falul, the heinous round up Giffa of the young boys and girls of Seraye, Qohain, Adi keyh and Senafe?

      The white washed stories of Jebha are worse than Higdef’s sanitized stories.

  • TesfaHager December 26, 2013

    “ምስ የሱፍ ስሌማን ኮንና ብዝገበርናዮ መጽናዕቲ” ኣይኮንን ኢሉ፡፡
    እቲ ጽሑፍ ዝብሎ፡
    “ብድሕሪኡ ዝገበርኩዎ ምክትታል፡ ምስ ወልደዳዊት ዝነበረኒ ቆጸራ ሓደ ሰብ ጥራሕ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ምስኡ ኮንና ብዝገበርናዮ መጽናዕቲ ቀተልቲ ካብ ኢሳያስ ከም ዝተላእኩ ርጉጽ ሓበሬታ ረኺብና”

  • sara gual eritra December 26, 2013

    HGDEF
    ISAIASN GUJIL’UN AYKONEN DO N ELF

    N HIZBI ERTRA EQA FAHHHHH abilomo alewu
    eti zehzin ELF men’net isayas (gbru) wuditun
    ynegru neyrom gn AYSEMAENAYOMN

  • Tewelde December 26, 2013

    አየ ኤርትራውያን ቁሓምዮ ተበልኩዋስ ትጎስሞ ! ! ! !
    አንታ ብ ህግደፍ ኢልካ እንታይነት ተሓኤ ዝተንተንካ ቡዙሕ ዝብለካ የብለይን እቲ ምንታይ ዝወደቐ ገረብ ሓኽሊ ይበዝሖ ስለዝኾነ። አቶ ሰመረ ድማ ( ምዒድካን አይልቢ መዊጽካን አይስኒ ) ስለዝኾነ አብ ተሓኤ ጀጋኑን ሃገር ክመርሑን ዝግቦኦም ዝነበረ ዳይናሚክ ሓንጎል ዝነበሮም ተሳኢኖም’ሲ ወልደዳዊት ተመስገንን ፤ መልአከ ተኽለን ፤”ሰብ ጸውዕ ተበልኮዎስ ባዓል በለስ” ዳሓር ከአ አብ ቀዳማይ ጹሑፍካ እስኻ መን ምዃንካ ክነግረካ ዋላ ኢመይለይ ክይተረፈ ጺሒፈልካ ኔረ እንተኾነ ግን አብ መበል 21 ክፍለዘመን ብ19 ክፍለዘመን ትሓስብ ስለዘሎኻ አየስተባሃልካሉን መዓስ እሱ ጥራሕ እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ከአ ስውእ ወልደዳዊት ኢልካ ናትካ ስእሊ ብምግባርካ ክሳብ ክንደይ ብስውአት ትላገጽ ምህላውካ ኢዩ። ካብዚ ንላዕሊ ዝብሎ የብለይን ምሳኻ ምህውታት ከማኻ ምዃን ስለዝኾነ።
    ግን አብ ሓደ ነገር ይኣምን ኢሱ ኸአ ፤ ሳይበር ኢንተርነት ክበሃል ከሎ ነዛ ንነብረላ ዘሎና ዓለም ቁልጡፍ ሓበረታ መላዋወጢ ስለዝኾነ ሓቅነቱን አገዳስነቱን ክትመዝኖ ከሎኻ ነዛ ዓለምና አንኢስዋ ጥራሕ ዘይኮነስ አብ ሓደ ጠርኒፍዋ ክባሃል ይካአል፤ እዚ ከብል ከሎኹ ግን ብጉቡእ ምስ እንጥቀመሉ ጥራሕ ኢዩ። አቶ ሰመረ !!! (መርመም) ከምኡ ኢልካ አሎኻ (ኦድ Odd…..)

    ተወልደ

  • jack December 26, 2013

    i call my self crazy , reading this shit article.

    • Hewan December 26, 2013

      ሰመረ ገንዘብ ህዝቢ ዘሚትካ መንበሪ ገዛን መነብሮኻ መመሓየሺን ዝገበርካ ሰብ ኣፍካ እንተትሕዝ ምሓሸካ። ብዛዕባ እተልዕሎ ዘሎኻ ጠዋይ እርእስቲ ቅድሚ ምዝራብካ ክሳብ ክንደይ ሰባት ብዛዕባኻን ሕሉፍ ታሪካን ከም ዝፈልጡ ዘንጊዕካ ኣሎኻ። ቑስልና ኣይትሕከክ።

  • ተወልደመድኅን December 26, 2013

    ኣየ ኤርትራውያን ኩሉ ስንኩፋት ኢና።ስንክፍናና ከኣ ጸገም ሰብ ዘይንርዳእ፡ናይ ሰብ እሕሕታ ዘይስመኦና ደረቕ ልቢ ኢና።ከም ኡ ስለዝኾና ኢና ከኣ ሃገር እንዳጠፍ አት፡ናይ ኣማኢት ዓመታት ታሪኽ ዘለዎ ገጠራት ኣኤርትራ ጭውጭው እናበለ ኣብ ወጻኢ ኮይና ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና ክንብል ጎደና ኣኤውሮጳን ኣኤሜርካን ክነጽምም ንውዕል ዘሎና።ቅርዓት ኦኣድና ይጽሚ ንሳትኩም ከኣ ኣብ ጎደና ኣኤውሮፓ ጫውቻው ትብሉ።ኣቶ ሰመረ ዘቕርቦ ዘሎ ካብቲ ሃደ ታሪክ ህዝቢ ኣኤርትራ’ዩ።እቲ ታሪኽ ከኣ ናይ መካይን ብጽርጎያ ምኳድ ኦራላት ናይ ምውናን ታንኪ ጋንታ ዘይኮነ ኣብ ኣኤርትራውያን ዝተፈጸመ ግህሰት መሰልን ቅንጸላን ኢዩ።እዚ ታሪክዚ ኢዩ ልሞ ንሰብ ኣቀያይሙ ጸጸግዑ ኣትሂዙዎ ዘሎ።እዞም ክልተ ሰባት ወልደዳዊትን መልኣከን ኣይፈልጦምንየ።ግን ኣብ ተሓኤ ብግፍዒ ከምዝተቀንጸሉ ይንገር’ዩ።ዝኾነ ይኹን ሃላፍነት ዚነበሮ ጌጋ ክፍጽም ከሎ ካብ ሃላፍነቱ ይወርድ ይእሰር።ካብ ኡ ሓሊፉ ብሞት ክፍርደ ኣይግበኦን።ንፉኦኣት ጀጋኑ ኔሮም ኣይኮኑን ዘይኮነ ኣቲ እዞም ሰባት ኣዚኦም ብግፍዒ ብሸርሒ ዝተቀትሉ ኢዮም።ታሪኽ ከኣ ክዝክሮም ይነብር።ስለዚ ኣቶ ሰመረ እትገብሮ ዘሎካ ጽሑፍ ብናይ ክልተ ሰለስተ ጠዋይ ኣረኣኣያን ናይ ውልቒ ቅርሕንቲ ዘለዎም ኣይትኮለፍ።ኣቶ ታደሰ ዝጽሕፎን።ኣቶ የማነ ዝጸሃፎን እንታይ ኦኣይነት ተቃውሞ ይጸሃፍ ምንባሩ ኣንቢብካ ትከውን።ስለዚ ብናይ ጠዋያትን ተጎላባታትን ጽሑፍ ኣይትሰናከል፡ብዘይካኡ ጽሑፍካ ባገባብ ኦኣቒብካ ክተቐምጦ ኣሎካ።ኣዚ ጽሑፍዚ ጽባሕ ካብቶም ኣድለይቲ ዝኾኑ መዛግብ ኣኤርትራ ክከውን’ዩ።ስለዚ ኣጆካ ኣሸሃት ጽሁፍካ ዘንብቡ ኣለው።ህቶ ብቅንጸላ

  • Tewelde December 26, 2013

    አቶ ሰመረ! ከምዚ ኢልካ ካብ ጀመርካዮ ዘይትቕጽሎ እቲ ታሪኽ ፡

    ቀዳማይ ሓሶት፡

    ኣብ መንጎ መወዳእታ 1975ን መጀመርታ 1976ን፡ ብመሰረት ውሳኔ 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ተ.ሓ.ኤ፡ ነቲ ፈተውቲ ሃገራት ሰውራ ኤርትራ ዝገበሩልና ናይ ስምረት ጻዊዒት ኣኽቢርና ሓንቲ ናይ ዘተ ሽማግለ ብምቛም ኣብ ካርቱም ምስታ ወካሊት ህዝባዊ ሓይልታት ኮይና ዝቐረበት ሽማግለ ንራኸብ፡፡

    መልሲ
    ብወገን ተሓኤ ተወኪላ ዝኸደት ዓንዳብ ገብረመስቀል ዝመርሓ ስብሓት ተኽለ ድማ ተመሪጹ ዝነበረ ክነሱ ግን አብ ምምሕዳር ቁጽሪ 9 ስለዝነበረ አብ መንገዲ ከሎ ገና አብ ካርቱም ከይበጽሐ እቲ አኼባ ተወዲኡ ተባሂሉ እዚ ድማ ባዓል ዓብደላ ዝገበርዎ ኢዩ ።

    ካላአይ ሓሶት፡

    ስዉእ መልኣከ ተኽለ ንምምሕዳር ቁ.8፡ ስዉእ ዓብደላ ኢድሪስ ክኣ ንምምሕዳር ቁ.9 ተመዲቦም ንከበሳ ይድይቡ፡፡ ኣብ ምምሕዳር ቁ.9 ስዉእ ዓብደላ ብዓረብኛ ይገልጽ ስለ ዝነበረ፡ ስዉእ ወልደዳዊት እዩ ዘተርጉም ነይሩ፡፡ ምስ ሓንቲ ካብተን ሓይልታትና ኣኼባ ተጸዊዑ መግለጺ ክውሃብ ምስ ጀመረ፡ ሓደ ተጋዳላይ ተሲኡ፡ ንሕና እዚ ትህብዎ ዘለኹም መግለጺ ክንሰምዖ ኣይንደልን ኢና ኢሉ ነቲ ኣኼባ ፋሕ ከብል ይጽዕር፡፡ ስዉእ ወልደዳዊት ይብሎ፡ ‘ብጻይ ንስኻ ክትሰምዕ እንተዘይደሊኻ እዝንኻ ጡጥ ወትፎ፡ ንሕና ግን ክንሰምዕ፡ ሰሚዕና ኽኣ ሕቶታትና ከነቕርብ ስለ ንደሊ ግደፈና’ ይብሎ፡፡

    መልሲ
    እዚ ትብሎ ዘሎኻ አብ ሓጺና ምሓጥ አዋልድ ዝባሃል ጀብሃ ሓደሓደ ግዜ ካብ ናይ ነፋሪት መጥቃዕቲ ንምክልኻል ተባሂሉ ከም ዕዳጋ ትጥቀመሉ ዝነበረት ጹኑዕ ቡታ ኢዩ።
    ዓብደላ 30 ዝኾኑ ቶዃሪር ደቂ ዓዱን ፤ ዓንዳአብ ገብረመስቀል አባል ገድላዊት ባይቶን ናይ ጽጥታ ሓላፊ ናይ ሰለስቲኤን ከበሳን ፤ ዶክቶር ሃብተን ኢዩም ካብ ባርካ ንኸበሳ ደይቦም። መልአከ ተኽለ ናይ ጽጥታ ሓላፊ ናይ ቁጽሪ 8 ስለዝነበረ ካብ ሓማሴን ነቲ አኼባ ሲዒቡ መጺኡ፤ መዝገበ ገብርሂወት ድማ ናይ ቑጽሪ 9 ናይ ሰራየ ናይ ጸጥታ ሓላፊ ስለዝነበረ ካሎኦት ሓለፍትን አብቲ አኼባ ተረኺቦም ፤ ንዓብደላ አብ ቀይዲ አእትዮሞ እቶም ምስኡ ዝመጹ 30 ዝኾኑ ቶዃሪር ዘምጽእዎ ሳዕቤን አብ ግምት ብምእታው ዓንዳአብ ገብረመስቐል ካብቲ ቀይዲ አናጊፍዎ ።( በቲ ሓደ ወገን ጹቡቕ ጌሩ ፤ ብኻልእወገን ድማ ምናልባት ዓብደላ ሹዑ ጠፊኡልና ተዝኸውን ጀብሃ አብ ከምዚ ደረጃ አይምበጽሐትን) ዓንዳአብን መዝገብን ግን ክንድቲ ጹቡቅ ግብሮም ብሽርሒት ዓብደላን ፤ ወልደዳዊትን ፤ መልአከን ብሽም ፋሉል ልዕሊ 5 ዓመት አብ መጎራይብ ተአሲሮም። እዚ ኢዩ እቲ ሳይበር ኢንተርነት ዘበለኒ አብ ናይ ሎሚ ማዓልቲ ቀዳማይ ጹሑፈይ። ምኽንያቱ ጌጋ ሓበረታ ነቲ ሳይበር ሕማም መንሽሮ ትኾኖ አሎኻ

    አቶ ሰመረ ወድሓንካ………

    ተወልደ

    ንሓበረታ ፤

    ዓንዳአብ ገብረመስቀል ጀብሃ ካብ ማእሰርቲ ንካርቱም ሒዛቶ ምስ ወጸት ንአመሪካ ብምኻድ አብ 1998 ጠቅሊሉ ንኤርትራ ብምእታው አብ አውስትራልያን ኒውዘላንድን ከም ኤምባሲ ኤርትራ ኮይኑ የገልግል ኔሩ ሕጂ አብ ኤርትራ መንግስታዊ ስራሕት የገልግል አሎ።

    መዝገበ ገብርሂወት አብ ባጽዕ አብ ሓይሊ ባሕሪ ተመዲቡ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ግዝይኡ እዚ ከብሎ አይክእልን ብሕማም ምኽንያት አብኡ ተሰዊኡ።
    ወልደዳዊት ኮነ መልአከ ጀጋኑ አይነበሩን አይኮነን እቲ ሕቶ ብሰንኮም ግን ጀብሃ ከምዚ ዘላቶ ኮይና። እዚ ኢዩ እቲ ሓቂ።

    • Mesfin Bahlibi December 26, 2013

      ኦ ተወልደ መልኣከ ተኽለ ናይ ቁ8 ናይ ጸጥታ ሓላፊ ከምዝነበረ ኢኻ እትፈልጥ ? እሞ እዚ ዓቕሚ እዚ ሒዝካ ኢኻ ንሰባት ክትሕብር ትፍትን ዘሎኻ?

  • tesfamariam ghebre December 26, 2013

    I hate you I don’t need to remember you and meleake what you did to me I hope you will remember it don’t forget you used to heart a lot of peaple

  • nakfa December 26, 2013

    meskineyti gebha diheri 32 amet telkusula alekum hulkusat halkeskes kitblu zetfaekuma wudb temararihekum n sudan eti mesariya mokos koynu neti mokos kithezuwo aykalkumn kabtom gebha kititefie kela zihazenku 1 eye

  • Hadge'anbes December 26, 2013

    ኣየ ሕልሚ ጀብሃ ዓባይ ፤ ዘይ’ንስኹም ደኣ እዚ ኹሉ ጸገም መን ኣምጺእዎ። ሰመረ ፍስሃየ ካብ ናይ ህግደፍ ንላዕሊ ህዝቢ ከየጥፈአት ፡ ጀብሃስ እንቋዕ ጠፍአት ፤ ንስኻ ግን ካብ ሕልምኻ ተበራበር። ኣብዚ ሓደ ከይሓበርኩኻ ክሓልፍ ዘይደሊ ካብ 1975 – 1979 ኣነ ኣብ መንደፈራ እየ ኔረ ፤ ብዛዕባ እዚ ከተዕልሎ ዝወዓልካ ጽውጽዋይ ድማ ካባኻ ንላዕሊ ከምዝፈልጦን ኩሉ ዝበልካዮ ሓሶት’ዩ ክብል እኳ እንተዘይደፈርኩ ፈጠራ እዩ ኢለ’ግን ኣፈይ መሊኤ ክዛረብ ይኽእል። እቲ ምስ ወልደ ዳዊት ዘለካ ዝምድና ንሓቂ ክቐብራ ግቡእ ኣይኮነን ፤ ዘጸበቕካዮ መሲሉካ ድማ ኣይተኽፈኣዮ። ብዛዕባ ተቓላስይነት ወልደ-ዳዊት ግን ዝጠራጠር ኤርትራዊ የለን። ኢሰያስ ውን እኮ ተቓላሳይ እዩ(ሽሙ)። ተቓሊሱን ኣቃሊሱን ውን እኮዩ ፤ የግዳስ እቲ ቃልሱ ንረብሓ ውልቃውነቱን ርእሰ-መላኽነቱን እምበር ንህዝቢ ብዘይምንባሩ ነዚ ሕጂ ኤርትራን ኤርትራውያንን ወዲቕናዮ ዘለና ሃዋህው ኣብቂዑና ይርከብ። ኣምላኽ ከውጽኣና ግን ጀብሃ እንቋዕ ኣይተዓወተት ፤ ሽግራን ፍልልያታን ከይጾረት ከተማ ኣትያ ህዝቢ እንቋዕ ኣየዋደአት። ኤርትራ ናብ ሱማል ፣ ኣስመራ ድማ ናብ መቓድሾ እንቋዕ ኣይተቐየራ ፤ እግዚኣብሄር ሰቲሩና።

    ተወልደ ንዝገለጽካዮ ሓቅነት ከየመስገንኩኻ ክሓልፍ ኣይደልን በዓል ሰመረ ፍስሃየ ግን ንልዕሊ 30 ዓመት ኣብ ኤውሮጳ ተቐሚጦም ገና እቲ እቲ ሳዕቤን ኣይተረደኦምን።

1 2 3

POST A COMMENT