Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መሽካዕለልቲ ህግደፍ!

መሽካዕለልቲ ህግደፍ! ብመጀመርያ እንቛዕ ናብ መበል 22 ዓመት በዓል መሬታዊ ናጽነት ኣብቅዓና ክብል እፈቱ። ብምቕጻል፡ ብኣጋጣሚ’ዚ ዓቢ በዓል’ዚ ክብሎ ዝደሊ ነገር እንተሎ፡ ነቶም ጌና ብኣካልን ብኣተሓሳስባን ሓራ ዘይወጹ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ህግደፍ ዘለዉ ዜጋታትና፡ ሕውነታዊ ኣኽብሮተይ

መሽካዕለልቲ ህግደፍ!
ብመጀመርያ እንቛዕ ናብ መበል 22 ዓመት በዓል መሬታዊ ናጽነት ኣብቅዓና ክብል እፈቱ። ብምቕጻል፡ ብኣጋጣሚ’ዚ ዓቢ በዓል’ዚ ክብሎ ዝደሊ ነገር እንተሎ፡ ነቶም ጌና ብኣካልን ብኣተሓሳስባን ሓራ ዘይወጹ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ህግደፍ ዘለዉ ዜጋታትና፡ ሕውነታዊ ኣኽብሮተይ ብምቕዳም፡ ሓንቲ ሕቶ ክሓቶም ምፈተኹ። ብመጀመርያ ኣብዛ ህይወት ኣእላፍ ደቂ ህዝቢ ዝበለዐት ክብርቲ ዕለት’ዚኣ ክሓቱዋ ዘለዎም ሕቶ ‘እዚ ነሕልፎ ዘለና ከርፋሕ ናብራን እልበትን እንታይ ንምርካብ’ዩ?’ ኢሎም ነቲ ‘ስለ ሃገር፡ በጃ ሃገር ወዘተ.’ እናበለ ን43 ዓመት ብዘይምቁራጽ ምሩጻት ደቂ ህዝቢ ዚሕይርን ዚርሽንን ዘሎ ዉልቀ መላኺን ሰልፉ ህግደፍን ክሓቱዎም እምሕጸኖም። ምኽንያቱ፡ ወትሩ ተራ ይኹን ብዓል ስልጣን፡ ዓዃይ ይኹን ምሁር፡ ሰብኣይ ይኹን ሰበይቲ፡ ከይፈላለየ ንድሕነት ሃገር እናተባህለ ብዝወጾ ከይተመልሰ ኪጠፍእ ንርኢ ስለ ዘለና። ካብ መን’ያ ግን ክትድሕን እዛ ሃገር? ካብ ህግደፍ ንላዕሊ ሓደገኛ ተጻባኢ ኣለዋድዩ!? ጠንቂ ኩሉ ጸገማ ንሱዶ ኣይኮነን’ዩ!?
እስከ ነዘን ዝስዕባ ክልተ ተቓረንቲ ምስላታት ወለድና፡ ንክልቲአን ጥቕመንን ጉድኣተንን ብምንጽጻር እቲ ዝሓይሽ ክንመርጽ ንፈትን። ቀዳመይቲ ምስላ፥ ”ከብድኻ ሓምሊ ምልኣዮ፣ ዝባንካ ወዲ ጓና ኣይርኣዮ!” ትብል ክትከውን ከላ፡ እታ ካለአይቲ ድማ “ሓባእ ቁስሉ፣ ሓባእ ፈውሱ!” እያ ትብል። ፈንጊ ህግደፍ ነዘን ምስላታት እዚኣተን ጽቡቕ ጌሩ’ዩ ዝጥቀመለን። ‘ጸላኢ ከይሕጐስ እናበለ ክንደይ ጸይቅን ሕማቕን ተግባራቱ ካብ ህዝብን ዓለምን ብምዕባጥ፡ ኣብዚ ሕጂ በጺሑዎ ዘሎ ተነፊሑ ናይ ምትኳስ ሓደጋ ኣብጺሑዎ ኣሎ።
እቲ ጾር ሃገር ብኹሉ ኣብ እንግዳዓኡ ተሰኩሙ ክነሱ ከቢዱኒ ዘይበለ መዘና ኣልቦ ግህሰት መሰልን ውርደትን ዝበጽሖ ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይከ ካብ 1994 ጀሚሩ ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ጀሆ እንድዩ ተታሒዙ ዘሎ። ኣይ ንወለዱ ሓጊዙ፡ ኣይ ናብራኡ ጌሩ ሓዳሩ ኣሊዩ፡ ኣይ ብግቡእ ተማሂሩ ሃገሩ ኣማዕቢሉ፡ በቃ ከም ኣህባይ ኣብ በረኻ ሰፊሩ፡ ዕድመ ንእስነቱ ብከንቱ የሕልፎ ኣሎ። ከም ገለ ጽጉማት ስድራኡ ኪረድእ ኢሉ፡ ሓደ ክልተ መዓልቲ እንተ ኣሕለፈ ከኣ ሰብ ጠበንጃ ልኢኾም ብምቕያድ ኣብ ካፍሮት (ንእሽቶ ጉድጓድ) ደርብዮም ወትሩ የሳቕዩዎ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብዛ ሃገር ዝኾነ ይኹን ክገብር ዓቅምን ድሌትን የብሉን። ኣብነት፥ ወትሩ ‘ሃገር ካብ ወራር ወያነ ንከላኸል ኣለና’ ዝብሎ መደናገሪ ቃል ሓሶት ምዃኑ ክልተ ኣብነታት ክንጠቅስ፥ 1ይ ብሕጊ ናትና ምዃኑ ዝተበየነ መሬትና፡ ወያነ ብሓይሉ ዘይኮነስ ብድኽመት ህግደፍ ብንዕቀት ኮፍ ኢሉዎ ከሎ እቲ ፕረዚደንትና ዝብሉዎ መላኺ ግን ተወሪሩ ዝበሎ መሬት ከም ቀደሙ ብሕጊ ዘይኮነስ ብሓይሊ ካብ ምምላስ ተቖጢቡ፡ ቀጻሊ ይቑዝም ኣሎ። ብኣንጻሩ ወያነ ኣብ ባህ ዝበሎ ቦታን ግዜን ናብ ውሽጢ መሬትና ኪሎሜርትራት ጥሒሱ ብምእታው፡ ድሌቱ ፈጺሙ ብዘይተቓውሞ ይኣቱን ይወጽእን ኣሎ። እዚ ኣይኮነንዶ ተንኪፍካዮስ ብጎቦ ዓይንኻ ጠሚትካኒ ኢሉውን ዝናኸስ ዝነበረ መላኺ’ዚ ኸኣ ተናዒቑ ኣንዒቑና ኣንበሳ ውሻጠ ኮይኑ ስልጣኑ ኣብ ምሕላው ይነብር ኣሎ። ኣብቲ ርብዒ ካብ መሬትና ዘገበተ 3ይ ወራር፡ ወያነ “ድሕሪ ሕጂ ወስ እንተደኣ ኢልካ ኣብ ዶባት ንጹሃት ደቂ ህዝቢ ቀቲለ ኣይኮንኩን ዝምለስ፡ ኣብ ኣስመራ ኣትየ እየ ብክሳድካ ዝሓንቀካ!” ብምባል ብንጹር ቃላት ስለ ዘጠንቀቖ፡ ሎሚ ወያነ ዝገበረ እንተገበረ፡ በታ ስልጣኑ ከይመጾ ፈሪሑ መላኺ ወስ ይብል የለን። እዚ መጠንቀቕታ’ዚ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ህልቂት ዘድሓነ ኣገዳሲ መጠንቀቕታ’ዩ ኔሩ። እምበር ከምኡ እንተዘይከውን ኔሩስ መላኺ ከምቲ ዝሓለፈ ብዶብ ኣመኽንዩ ኲናት ብምስዋር ህዝብና ዘህለቐ፡ ሕጂውን ‘መሬትና ከነምልስ’ ብምባል፡ ወግሐ ጸብሐ ኲናት እናኸፈተ ከም ቀደሙ ኣእላፍ ጀጋኑ መህለቐ ኔሩ’ዩ።
ጅር ህግደፍ ዓንዲ ሃገር እናፍረሰ ከሎ፡ ዓይኑ ብጨው ተሓጺቡ ‘ሃገር የልምዕ ኣለኹ’ዩ’ ዝብለና ዘሎ። ልምዓት’ኮ መልክዕ ሃገር ንምቅያርን መነባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽን’ዩ ዝግበር። ልምዓት ማለት ንህግደፍ ግን ምስሊ ሃገርን ክብሪ ህዝብን ብምድዋን’ዩ። ምስ ዓለም ምሉእ ብምጽላእ፡ ማዕጾ ደንበኻ ረጊጥካ፡ ነቲ ናይ ሓበሬታ ጽምኣት ዘሎዎ ህዝቢ፡ በታ እንኮ ክሰምዓላ’ምበር ክዛረበላ ወይ ሓሳቡ ክገልጸላ ዘይተፍቅደሉ ድምጺ ሓቂ እትጽዋዕ ልሳን ሓሶት መላኺ ዝኾነት ተለቪዥን፡ ኣሎ ዝብሃል ናይ ዓለም ክፉእ ነገር ኣራሪኻ፡ ብስእልን ብድምጽን ብምቅላሕ፡ ‘ረአ ዓለም ትኾኖ ዘላ፡ ኣብ ሽግርን መከራን’ያ ዘላ። ንስኻ ግን ጽቡቕ ኢኻ ዘለኻ። ዝጎደለካ ነገር የለን ዝብል መልእኽቲ ንምትሕልላፍ’ዩ 24 ሰዓት ዓንገረር ዚብል።
ነተን ንሱ ማሕበራዊ ፍትሕን መሰል ናጽነትን ኢሉ ዝሰምየን ነገራት፡ ማለት፡ ቀጻሊ ምክትታል ዘይግበረሉ ጽርግያ ብምስራሕን ግቡእ ሓለዋ ጽሬት ዘይግበረሉ ሓደሓደ ዒላታት ብምኹዓትን ኣብዛ ሃገር ተኣምር ይሰርሕ ከም ዘሎ’ዩ ከረድእ ዝፍትን። ኣብዚ ውሽጢ 22 ዓመት ግን ኣብዛ ብህግደፍ ትማሓደር ዘላ ኤርትራ፡ ብልምዓት ዝተቐየረት ከተማ ወይ ገጠር ኣላድያ!? እስከ ናብታ ሓበን ኩልና ኤርትራውያን ዝኾነት ምጭውቲ ርእሰ ከተማና ኣስመራ ዘወር ኢልና ኩነታታ ንተዓዘብ! ኣብዚ ናይ 22 ዓመት ባርነት ህግደፍ መነባብሮኡ ኣመሓይሹ ናብራኡ ዚቐየረ ኤርትራዊ ዜጋ ኣሎድዩ!? ፍሕት ዘዝበለ ሕርኩት ነጋዳይ ይኹን ጻዕራም ሓረስታይ እናደቖሰዶ ኣይኮነን ብምልኡ ህዝቢ ኤርትራ ብኩፖን መቑነኑ ኪዕደል ኣብ ጸሓይ ቀራዕ ክብል ከም ዝውዕል ጌሩዎ ዘሎ። ወረ ሕጂስ ናይ ኩፖን ምጽወታውን ስኢኑዎ ኣሎ። ስለዚ፡ እዚ ሓርበኛ ህዝቢ’ዚ 30 ዓመት ምስ ገዛእቲ ኣብ ጦርነት፡ 22 ዓመት ድማ ምስ ህግደፍ ኣብ ባርነት እንድዩ ዕድሜኡ ኣሕሊፉዎ። ጌናውን ካብ ባርነት ህግደፍ ኣይተላቐቐን ኣሎ። እዚ’ዩ እቲ ኣብ ሃገርና ዘንጸባርቕ ዘሎ ሓቂ።
እግሩ ብሕዩሩ ኣፉ ብዕቡሱ
ናጽነቱ ከብዕል ህዝቢ ተሓጒሱ
ዳስ ጓይላ ኪተክል ዳስ ሓዘን ኣፍሪሱ
መሽካዕለልቲ ህግደፍ እኖዉ ይጉስጉሱ!
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
16-05-2013 ካብ ሓውኹም መሲናስ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
35 COMMENTS
  • NEW HOPE ERITREA May 17, 2013

    Truly Truly,

    I agree with you ,I prefer my proud ancestors in Tigray ..that this identity deprived deQi arbaA.

    I am Eritrean ,they are Ethiopians..national identity may differ ,but ethnic identity..that never changes We are tigrawot of kebessa.I am 55 years old & since long time even while we accepted the eritrean identityt..we never denied our tigrawnet.
    thanks truly

    • Salim May 17, 2013

      You are Tigrayan. The other day you were singing:

      Agame Agame aytbeluna
      genzeb s’ina ‘mber deqi seb ina!!!!

      • Tamrat Tamrat May 18, 2013

        Let us not generalize. We have ethiopinas who sing any one who oppose tplf as shabia shabia. And the same Group comes to the west and use thier ethnicity to get permission to stay there. And many of them succeded.

        There are millions decent People in both sides who never exposed to this mental degeneration.

  • Salim May 17, 2013

    b’Serfka seb anSerSiru wg’ zKeft ‘nte mesiluka nay bHaqi mesyuka alo malet ‘yu:: ha ha ha ha!!!

  • NEW HOPE ERITREA May 17, 2013

    ¨ጸምዩኒ፣ ኣነ ጥራይ ለባም ኮይነ¨

    ኣንታ ማህቡላ ዶ ጌሮምኒ መሲለዮም ማርሞ
    ገልዳምዶ መሲለዮም ስፓጌቲ ብሽሮ ዘጽመሞ፧
    ከም ሓፋሽና ቆጺሮምኒ ንጸላኢኡ ዘይግጥሞ
    ሳኽራም ኣይኮንኩን ድሙ ድሙ ዝገበሮ ዘርሚ ዘርሞ
    ጻህያይ ኢሎም ኣታሊሎም ወደይ ካብ ሑቝፈይ ወሲዶሞ
    ኣብ ዘይረብሕ ኵናት ጠቢሶም ወደይ ኣጥፊኦም
    ተሰዊኡ ክብሉኒ ባዕሎም ኣሕሪዶሞ

    ንሓምሳ ዓመት ንስምዒታዊ ህዝቢ ከዔሽውዎ
    ከም ግራት ዋለኻ ዝደለዩ ክዘርእዎ
    ካብ ናጽነቱ መንዚዖም ባርያ ክገብርዎ
    ኣይፋልኩምን እንተበለ ከምዚ ኸማይ ኣእምሮ ዘለዎ
    ምታንታ ኣምሓሩ ካልሲ ወያነ ይሰምይዎ
    መጨረሽኡ ርኣዩዎ ንመን ከፊኡዎ ፧

    ዓሻስ ድሓን ኣሎ፣ዘመድ ዓሻ እዩ ተሳቕዩ
    ዓቢ ዘይብሉ ዓዲ ኣንጻር ጥቕሞም ዝጎይዩ
    ሲናይ ትመስክር ሸቐጥ ሙዳዳ ሳስዩ
    ኣንኳይ ጓልሲ ወዲ´ውን ድንግልና ተጨውዩ
    ግብረ ሶዶማዊ በደዊን ጽምኢ ርካቡ ኣርውዩ
    ኤርትራዊ ተባዕታይ ተጋሂሱ ተባላሽዩ።

    ኣታ ክትዛረበሉ ዘንዽድ ዘዬሐሱ
    ዮውሃንስ ክቕየር ናብ ሃንሱ
    ፍቕረቅዱስ ክልወጥ ናብ እምበይተይ ቀደሱ
    ካሕሳይ ነብሱ ቀቲሉ ምስ ቀየርዎ ናብ ኣደይ ካሕሱ
    ኤርትራዊ ንጸላእቱ ክንደይ ጊዜ ተጎምቢሱ
    ዕድመ ንሽፍታ፣ ሙዳዳ ሻዕብያ ተሓጕሱ
    ሕድሪ ቃኘው ሎሚ ተኻሒሱ
    ጃንሆይ ይተስኡ__ኢሳያስ ግርማ ለቢሱ
    ደቂ ባንዳ ናይ ሓሶት መንነት ዝለበሱ
    ሂወቶም ኣባኺኖም ፣ባርነት ዘንግሱ
    ኣበይ ድኣ ኣለዉ ሕጂ ብዓል ብሳይበር ሰብ ዘባሳብሱ ፧
    ኣንኳይ መሬትናን ባሕርናን ደቅና ክግሃሱ
    ምናልባሽዶ ከይዶም መሬትና ካብ ወያነ ከምልሱ፧
    ንበይነይ ለባም ምዃነይ፣መርገም እዩ ንሱ !!!!!

    • Salim May 17, 2013

      yedebub hzboch stationed in Tigray are fu..ing Tigrayan women and producing thousands of little yedebub hzboch lijoch!!!
      ha ha ha!!!!

Post a Reply to NEW HOPE ERITREA Cancel Reply