Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መርገም ድዩ ዕድል፡ ፍርሒ ድዩ ወይስ ዕሽነት?

መርገም ድዩ ዕድል፡ ፍርሒ ድዩ ወይስ ዕሽነት፡ እንታይነቱ ብዘየገድስ ህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ናይቶም ናተይ ዝብሎም ጨካናት ኣማሓደርቱ ካብ ዝኸውን እንሆ ልዕሊ ክልተ ዕስራ  ዓመታት ኣቝጺሩ ይርከብ ኣሎ።  እዚ ኣብ ህዝብና ወሪዱ  ዘሎ ኣደራዕ መግዛእቲ፡ ኣብ

መርገም ድዩ ዕድል፡ ፍርሒ ድዩ ወይስ ዕሽነት፡ እንታይነቱ ብዘየገድስ ህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ናይቶም ናተይ ዝብሎም ጨካናት ኣማሓደርቱ ካብ ዝኸውን እንሆ ልዕሊ ክልተ ዕስራ  ዓመታት ኣቝጺሩ ይርከብ ኣሎ።  እዚ ኣብ ህዝብና ወሪዱ  ዘሎ ኣደራዕ መግዛእቲ፡ ኣብ ካልኦት ህዝብታት እውን በብግዜኡ ወሪዱን ተራእዩን ኢዩ። ኮይኑ ግን፡ ከም ህዝቢ ኤርትራ ምዕይ  ከይበለን ተቓውሞ ከየርኣየን ንዓመታት ዝተገዝኤ ህዝቢ ግን ዳርጋ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። እቲ ካብ ኩሉ ፍሉይ ዝገብሮ  ግን፡ እዚ ህዝቢ እዚ፡ ደኺመ ከይበለን ከይተሓለለን ንልዕሊ ሳላሳ ዓመታት፡ ኵልንትናኡ  ከፊሉ ኣብ ዘምጽኣ ናጽነቱ፡ ብጠላማትን ከድዓትን ሓርነቱ ተመንዚዑ  ሃገር ኣልቦ ኮይኑ ፋሕ ብትን ኣትይዎ፡  ከም ዝተባረራ ኣባጊዕ፡  መፍቶ ተዃሉ ኮይኑ ክትርኢ ከሎኻ እቲ ዝነበረ ኤርትራዊ ኒሕን ሓቦን ኣበይ ኣትዩ ዘብል ጥራይ ዘይኮነስ ምንባሩውን ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእቱ ኢዩ።

ኣብ ዘበነ ግሎባላይዜሽን /ዓውሎማ/ኣብ መበል 21 ክፍለዘመን፡ ዋላ እቶም ብባህልን ቋንቋን ከይተረፈ ዘይራኸቡ ህዝብታት፡ ኣብ ሓደ ከባቢ ስለዝነብሩ ጥራይ፡ ካብ ምብትታን ሓድነት መሪጾም ብዞባን ከባቢን ናብ ሓደ ኣብ ዝጥርነፉሉ ዘለዉ ህሞት፡ ንሕና ኤርትራውያን ግን  ነንሕድሕድና ምስምማዕ ስኢንና ፡ ብኣውራጃን ወረዳን ክንቃየቝ ወርቃዊ ግዜና ከነጥፍእ ብዕድል ሃገርና ክንጣላዕ ክትርኢ ከሎኻ፡  ኣዝዩ ዘገርም ንሰማዒኡን ንረኣዪኡን  ዘደንጹ ነገር ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ዋላ’ውን በቶም ባዕዳውያን ዝበሃሉ ቀዳሞት ገዛእቱ ኣጋጢምዎን ርእይዎን ዘይፈልጥ ዘስካሕኽሕ ውርደት ዘሓልፈሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ተቓወምቲ ኤርትራውያን ነቲ ዝተበገሱሉ ዓላማ ሸለል ኢሎም ኣብ ናይ ውልቆም ዋኒንን ምግባት ሃብትን ተሸሚሞም፡ ነቶም ብንጽህ ልቦም ክቃለሱ ዝወሰኑ እሾኽ ኳዂቶ ኮይኖም ምንቅስቓስ ክኸልእዎም ክትርኢ ከሎኻ እውን፡ ህግደፍ ስለዘግሃዶን ኣብ ስልጣን ኮይኑ ኩሉ ዝርእዮ ገበናት ይፍጽም ስለ ዘሎ እምበር እዚኣቶም እውን  ካብ ህግደፍ ዘይሕሹ ገበነኛታትት ኢዮም ዘየብል ኣይኮነን። ኣብ ሓደ ተኣፋፊ እዋን ኮይነ ንተቓወምቲ ምንቃፈይ፡ ምናልባት ንገለ ሰባት ዘይክውሓጠሎም ይክእል ይኸውን፡ እንተኾነ ነቲ ዘንቀፍ ብዘይ ምንቃፍና ንዝደገፍ ብዘይምድጋፍና ንእወ እወ፡ ንኣይኮነን ኣይኮነን፡ ክንብል በዘይምኽኣልና ዘምጽኦ ድኽመት፡ እነሆ ኣብ ዘይውዳእ ዕንክሊል ኣቲና ንዓመታት ኣብ ዕንክሊል ንነንብር ኣሎና። ነዚ ኣብዚ ዘብጽሓና ድኽመት ተረዲእና ንድኹም ጎድንታትና ኣለሊና ፍታሕ ክንፈጥር እንኽእል ንሕና ባዕልና ጥራይ ኢና፡ ማንም ንጉዳይና ክፈትሓልና ዝኽእል ካልእ ኣካል የልቦን እሞ።

ብዙሓት ጸሓፍትን፡ ደለይቲ ፍትሕን፡ ኣብ ፖለቲካ ተቓወምቲ ኤርትራውያን ሕልኽላኻት እናእተዉ፡ ዝብትንዎ ዘለዉ ግዳማውያን ሓይልታት ምኻኖም የተንብሁ ኢዮም፡  መንዮም እቶም ግዳማውያን ሓይልታት? ካብ መልስታቶም ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብቶም ግዳማውያን ሓይልታት፡ ርግጽዩ ድሌት ኢትዮጵያ  ካብ ኢትዮጵያ ዝሓየለትን ዝማዕበለትን ኤርትራ ክትርኢ ከምዘይትደሊ  ዘማትእ ኣይኮነን፡  ማንም ሃገር እንተኾነትውን፡ ባዕላ ሓያልን ጎብለልን ክትከውን እምበር ጎረቤታ ካብኣ ንላዕሊ ኮይና ክትርኢ እትደሊ ሃገር ዘላ ኣይመስለንን ።  ድሌት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ሕማቕ ኢዩ፡ ድሌት ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ንኤርትራን ህዝባን ንምርማስን ንምጥፋእን ኢዩ ንዝበሃል ግን፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ብጭብጢ ዘይተረጋገጸ ንኣእምሮ ህዝቢ ኤርትራ ንምዝባዕን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ  ዘለዎ ኣረኣእያ ንምጥዋይን ዝዓለመ ባዶ ስነሞገት ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ፡ማለት እዚ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ኢህወደግ፡ ንርእሰ ውሳኔ ህዝቢ ኤርትራ ድግድጊቱ ተዓጢቑ ዘሳሰየ ምኻኑ መን ክርስዕ ይኽእል? እቶም ነፍጠኛታት ዝበሃሉ፡ ተወላዶ ኣምሓራን ገለ ገለ ትግራዎትን ኢትዮጲያ ብዘይወደብ  ክትተርፍ የብላን ን ኤርትራ ናጽነት ክወሃባ የብሉን ኣናበሉ ምስ መንግስቲ ኢህወደግ ክፋጠጡ ከለዉ፡ ነብስሄር ቀዳማይ ሚንስተር መለስ ዜናዊ  ብ ኣምሓርኛ “ እኛ እንደሆነ ውግያ ሰልችቶናል፡ እዋጋለሁ የሚል ካለ ግን፡ መንገዱ ጨርቅ ይድርግለት ብቻ በው የምንለው”።ብምባል ካብ ቤት ጽሕፈቱ ኣየውጸኦምን ድዩ?  ካልኦት ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም በዓል ኣቶ በረኸት ስምኦን እውን በብግዜኡ ንኤርትራ ዳግም ኣካል ኢትዮጵያ ናይ ምግባር ሕልሚ ከምዘይብሎምን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ኣረጋጊጾም ኢዮም። ብውሑዱ እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ኢትዮጵያ ንኤርትራ ናይ ምጽንባር ሕልሚ የብሉን ከምኡ ሕልሚ ነይርዎ እንተዝኸውን ንወደባት ጅቡቲ ናይ ምምዕባል መደባት ሓንጺጹ ኣይምሰርሔን፡ ምስ ጅቡቲ ንዘራኽብ መገዲ ባቡር’ውን ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ኣይመፍሰሰሉን። ኢትዮጵያ ከምቲ ገለ ኤርትራውያን ዝሓስብዎ ዝፈርሕዎን ዘይኮነስ ንልዕሊ 17 ዓመታት ብዘይ ወደባት ኤርትራ ተጓዒዛን ምዕባሌኣ ኣብ ኣፍሪቃን ኣብ ዓለምን እና ኣረጋገጸት ትኸይድ ኣላ። በንጻሩ፡ እታ ክልተ ዓበይቲ ወዳባት ትውንን ዝነበረት ኤርትራ ወደባታ መውዓሊ ጨራሩ ኮይኑ፡ ዝጥቀመሉ ስኢኑ ቁጠባ ኤርትራ ናብ ትሕቲ ባዶ ኣትዩ፡ መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝኸፈኤ  ናብ ዝገደደ ወሪዱስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዓዱ ገዲፉ ናብ ኢትዮጵያን ናብ ካልእን ክስደድ ግድነት ኮይኑ ኢዩ። ብኣረኣእያይ ፡ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓትን እቶም ተቓወምቲ ኢና በሃልቲ እሞ፡ ንጎረባብቱ ከም ጸላእቱ ገይሮም ከርእይዎ ዝፍትኑ ተበለጽቲ እምበር እምበር ስርዓት ኢትዮጵያን ካልኦት ናይ ግዳም ሓይልታት ኣይኮኑን። “ወደን ከይሓምያስ ሰበይቲ ወደን” ከም ዝበሃል ግን ድኽመትና ኣሊና ክንቃለስ ኣብ ክንዲ ምፍታን ንድኻማትና ናብ ካልኦት ከነላግብ ምፍታን መፍትሒ ከምጽኣልና ኣይክእልን ኢዩ።

ኢትዮጵያውያን ሰላም ህዝቢ ኤርትራ ዝደልዩ ህዝቢ ኢዮም፡ ምኽንያቱ ሰላም ንረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት ዘገልግል እንኮ ድንድል ንሱ ጥራይ ስለ ዝኾነ።  ካብዘን  ዝሓለፋ 17 ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣይተጠቕመን። ብፍላይ  ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ግን ብሰንኪ ኢትዮጵያውያን ዘይኮነስ ብሰንኪ ብዕሉግ ምሕደራ ህግደፋውያንን ብሰንኪ ወጣሪ ኩነታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝያዳ ግዳይ ኮይኑ ኣብ ዓዘቕቲ ቑጠባዊ፡ ፖለቲካዊ ማሕበራዊ ቅልውላው ጥሒሉ ኣብ ክወጸሉ ዘይኽእል ወጥሪ ኣትዩ ይርከብ ኣሎ። ሰላምን ምትሕብባርን ምስ ጎረባብትና እምበኣር ካብ ማንም ንላዕሊ ንዓና ንህዝቢ ኤርትራ የድልየናን የርብሓናን። ሰላምና ክምለስ ናብራና ክጣጥሕ እንተኾይኑ ከኣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ኣሳፊሑ ነታ ናይ መወዳእታ ንጥፍኣትና ክርኢ ዘቋምት ዘሎ ገባቲ ስርዓት ካብ ሱሩ ምሒና ክንኣልዮ ምስ እንብገስ ጥራይ ኢዩ። ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ብዘረባን ብፖለቲካዊ ትንታኔታትን ዝፍታሕ ኣይኮነን ብግብርን ውሳኔን ጥራይ ኢዩ ዝፍታሕ። ባዕልና ንዘይተበገስናሉ ቃልሲ ጎርባብትና ኢደን ኣእትየን መሳርዕና ከም ዝበተና ጌርካ  ክትውንጅል ምውዓል ሓቅነት ዘይብሉ ናይ ቀምሽ ኣደይ ሓንኩሉኒ ምኽንያታት ጥራይ ኢዩ። ኢትዮጵያ ትኹን  ካልኦት ሃገራት ክድግፉና ዝኽእሉ፡ ንሕና ምስ ተበገስናን ከነድምዕ ምኻንና ምስ ኣመኑልና ጥራይ ኢዩ። ንሕና ኣብ ሳሎንና ተሓቢእና ኮሎና ባዕላቶም ክዋግኡልናን ኣጆኹም ኢሎም ክጉስጉስና ምጽባይ ግን የዋህነት ጥራይ ኢዩ። ኣብ ናይ ተፈጥሮ ሕጊ ነብስኻ ክትሕግዝ እንተተበጊስካ ጥራይ ኢኻ ናይ ካልኦት ሓገዝ እትረክብ፡ ባዕልኻ ነብስኻ ከይሓገዝካ ካብ ካልእ ሓገዝ ክትረክብ ምጽባይ ዕሽነት ኢዩ። ተቓወምቲ ኤርትራውያን ኢና በህልትን ፖለቲካውያንን ቅድም ንሕና ንስራሕ ንበገስ፡ መንእሰያትና ካብ ንሃገሮም ኣብ ኣብ መገዲ ስደቶም ክሞቱ እንተ መሪጾም፡ ካብ ንሃገሮም ከድሕኑ ኣብ ስደት ኣትዮም ምስቲ ካብ ሃገር ዘባረሮም ስርዓት ወጊኖም ክሰግዱሉ እንተ ጀሚሮም፡ ህዝቢ ኣብ ናይ በለካን ለኸዓካን ናይ ኣውራጃን ዘይጠቅም ትርኪ ምርኪ ክቆማጣዕ እንተ መሪጹ መንዩ ንህግደፍ ክኣልዮ? በየናይ መለክዕን መዐቅንን ኢዮምከ መራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ሓለኽቲ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝውቀሱ?

እቶም  ንኢትዮጵያ  ከም ሓላላኺት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ትወስድዋን ተውርዩላን ዘለኹም ተቓወምቲ ውድባት እስከ ምርሑና ብግብሪ እስኪ ነቲ ቃልሲ ኣብ ሜዳ ወሪድኩም ምርሕዎ እሞ፡ ኢትዮጵያ ንኢሰያስ ካብ ስልጣኑ ኣይተውርድዎ ኢላ ደው እንተ ኣቢላትኩም ክንርኢ።

ኣብ መወዳእታ፡ ነዚ ብህግደፍ ከም ዕንጣጢዕ ዝውቀት ዘሎ ህዝቢ ናይ ምድሓን ዓላማ ሕዝና እንተደኣ ተላዕልና፡ ቀምሽ ኣደይ ሓንኩሉኒ ዝዓይነቱ ስንኩፍ ምኽንያታት ገዲፍና ንምድሓኑ ንበገስ። ኣብ ክንዲ ኣብ ባይታ ዘየሎ ፖሊቲካዊ ትንታኔታት እንዳምጻእና ሓንጎል ህዝብና ነናውጽ፡ ነቲ ርኡይ ግፍዓዊ ህግደፋዊ ምሕደራን ዝእለየሉ መገድታትን፡  ነቲ ኣብ ባይታ ዝውሰድ ዘሎ ግድላዊ ስጉምትታትን እነባርትዓሉ ጎስጓሳት እንተ ንጽሕፍ ዝያዳ ተመራጺ ምኾነ። ኢትዮጵያውያን፡ ተጋሩ መንግስት ትግራይ ትግርኚ ክተኽሉ ኢዮም ዝሓስቡዶ ክጎብጡና ኢዮምዶ እንዳበልካ ንኣእምሮ ህዝቢ ክትጠዊ ምፍታን ተቓዋሚ መሲልካ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ንምድንጋር ህግደፍ ዝጥቀመሉ ናይ ፕሮፖጋንዳ ነጋሪት ምቅላሕ ዝግበር ስዉር ውዲትኢዩ።

የግዳስ እቲ ብዓቢኡ ንጉስ ትግራይ ትግሪኚ ክኸውን ዝምነ ዘሎ፡  ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስርዓት ኢህወደግ  ዘይኮነስ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት እንተኾነኸ መን ይፈልጥ? እቶም ኣብ ኤርትራ ዝዓበየ ባጀት ትሰሰሊዑሎም ዘሎ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ደምህትን ካልኦትን ዓላመኦም እንታይ ኮን ይኸውን? ስርዓት ህግደፍ ክንድዚ ዝኣክል ባጀት ሰሊዑ ዘንብሮም ዘሎኸ ንምንታይ ኮን ይኸውን? መራሒ ህግደፍ ኤርትራ ንኢሳትኒ  እሞ  ንትግራይን ኤርትራን ኣብ ሓደ ሓዊሰ መንግስቲ ትግራይ ትግሪኚ ኣቑመ  ባዕለይ ክመርሐን ኢየ። ሰራዊተይ ከኣ ደምሂት ኢዮም ክብል የሓልም እንተሎ መን ይፈልጥ???? ሕልሚ ፈሪሕካ ካብ ድቃስ ስለ ዘይትረፍ፡ ንህዝብና ካብ ዘለዎ ሕሱም ባርነት ንምድሓን ኩላትና በብእንኽእሎ ኢደይ ኢድካ ንበል፡ ዓመት መጸ ብትምኒት ምፍልላይ ካብ ኮነ ሕጂውን  ንዓመታ ናይ ዮሃና እንቋዕ ኣሓጐሰና ዓመት ክትኮነልና እናተመነኹ ክፍለየኩም።

ርሑስ በዓል ሓድሽ ዓመት!!

“ኣምላኽ ሰማይ ኬቕንዓልና ኢዩ እሞ ንሕና ባሮቱ ከኣ ተንሲእና ክንዓዪ ኢና” ነህ. 2፡20

እግዚኣብሄር ንኤርትራን ንህዝባን ይባርኽ!!!

 

Teame Berhe

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
24 COMMENTS
  • ogbai January 1, 2015

    መርገም ኣይኮነን ፈተነ እዩ’ሞ፡ ካብዚ መሪር ተሞክሮ ተማሂርና ነቲ ዘድለ ምርቓን ተስፋን ኣብዚ ቀረባ እዋን ክንበጽሖ ምኻና ንእመን። ውርቂውን ድሕሪ ብርቱዕ ረስኒ ጋህሪ እዩ ጸርዩ ዝወጽእ፡ ስለዚ ኤርትራና ከኣ ድሕሪ’ዚ ዘይተጽበናዮ ተርእዮታት፡ መድረኽ በሲሉ ንኹሉ ፈተነታት ሰገሩ፡ እቲ ሓቀኛ ዕላምኡ ክሃረም እዩ። ኽቡር ሓው ተዓመ መልእኽትኻ ኣዝዩ መሃሪን ዝባሃል ሓቂውን ዝመስልውን ስለዝኾነ ንቡዙሓት ኣብ ፍርህን ራዕድን ዝእተወን እዩ። እዚ ግን ኩሉ በቲ ተንኮል ግብሩ ኢሳያስ ዘተማህዘ ምኻኑ ክንግንዘብ ይግባእ። ናይ ሓሶቱ ሓሶት ኣብዚ ናይ ትማሊ ብምኽንያት ሓዲሽ ዓመት ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ኣብነት እንተወስድና፡ “ኣብ ከባቢና ጎብለላት \ዓተራት\ ኮይኖም ጽግዕተኛታት ናይ ገለ ሓያላት ዝብልዎም መሳሪሒ ኮይኖም ክራዩ ዘደልዩን” ክብል ኣፉ መሊኡ ክዛረብ ክከስሰን ክትስምዕ ከለኻ ኣዝዩ ዘስደምም ጉድይ ምኻኑ እዩ። ኢሳያስ ኣብ ቃልሲ ምስታፍ ካብ ዝጀመረሉ ጊዜ ኣትሒዙ ብስዉር ሜላታት ይኹን ብጋህዲ ን.ተ.ሐ ኤርትራ ነዲሑ ንኽልኦት መሻርኽቱ ዝነበራ ውድባት ጋዕጺጹ። ንብዙሓት ውልቀ ሰባት ዓገብ ንዝበሉ ምሁራት፡ ለባማት፡ ግዱሳት ሃገራውያን ጫፋሊቑ ኣብ ስልጣን ከምዘይሓኾረ፡ ዽሒሩውን ንወያኔ ነቶም ንመጀመርያ ንልዕላውንት ኤርትራ ዛኣመኑ መላፍንቱ ንዝነበሩ ከም ኣመሉ ኣፉ ሃህ ኣቢሎ ክውሕጦም ከምዘይሃቀነ፡ ብኣኻስ ኣይንዋሓጥንማ፡ ዕጭ እምብልና ስለ ዝበሉ፡ ክሳብ ክንደይ ሃተፍተፍ ከምዘድሃበሉን ዕንትርንኡ ኣብ ኩናት ባደመ ምስ ፈሸለ፡ክንስምዖ ቀኒና እንታይ ከምዝበለ። ግደ ሓቂ ንምዘራብ ኢሳያስ እዛ ኤርትራና ድሕሪ ነጻነት በተን ካብ ደርጊ ዝማረኸን ሄሊኮፕተር ጌሩ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰዓት ምስ ዞራ ዝተጥዕሰ ይመስል። ዋይ ወዲ ኣፈወርቂ ‘መድህን በራድ’ ነዚኣ ድየ ክንድዚ ዓመታት ተንካራቲተ ብማለት ናብ ኩሉ ሸነኻት ብፍላይ ከኣ ናብ ኢትዮጵያ ቀልባዕባዕ ክብል እዩ ጀሚሩ። ሕጂ’ሞ ዘበለ እንተበለ መን እዩ ክኣምኖ፡ ጎብለል ኣይኮንኩን ዓንተር ኣይኮንኩን ክብል እንተጋዓረ፡ ኣንስ ዋሕስ ምበልኩዎ ኣግብእ ክኽተለ ኣብይ’ሞ ቤት ፍርዲ ዘየለ፡ ግደፍዎ ይግዓርንገለመስኺን እንተኣታለለ። ”ሕልሚ ፈሪሆም ከይደቀሱ ይሕድሩ’ ከም ዝባሃል እዚ መላኺ ስርዓት ብዝዘርኦ ናይ ራዕድን ሽብራን ፕሮፖጋንዳ ተሸሚሞም ዝጉተቱ እካ እንተዘይተሳእኑ እንተለፍለፉን፡ ገለ ሽታ ሓቂውን የብሎምን። ኹሉ እቲ ብዱዕ ስርዓት ዝፈጠሮ ጣቓ ክቕንጠጥ ቀሪቡ እዩ፡ ሎሚ ትማሊ ኣይኮነን ዲክታተርያዊ ስርዓት ዋላ ሕብሩ እንተቐያየረ፡ ዕጅብ ኣይብለናን እዩ ዘበለ እንተበለ፡ ንበገስ ድኣ ብፍትሕን ሕግን ንማእከለ፡ ኣብ ደንበ ዲሞክራስያ ኩሉ ጉዳይና ክዕረ፡ ብዙሕ ኣይንሰከፍ ብዙሕ ስለዝተባህለ። ብብቕዓት ነለልዮ ነቲ ኩሉ ዝባሃለ፡ መኽባዕቲ የድልየና ኣሎ ድቓን ጸራይን ንኽፍለ። ምድረ ቤትና ከየጽረና ኣይንስከር ብበለካ ልኽዓካ፡ ብናይ ሓፋሽዶ ፈሽፋሻት ናይ ሓሶት ሄናታት ማዕከን፡ መምዘኒ ኣለዎ ንኹሉ ዝንገር ብቐሊሉ ኣይንደናገር፡ ብፎኪስ ዕላላት ወረ ወዲ ወረ፡ ንሓቅን ፍትሕን ሕግን ይኹን ናትና መደረ።
    ዓወት ንሓፋሽ ባኣፍ ዘይኮነስ ብግብሪ! ናይ ግድን ክንዕወት ኢና! ንዛረብ ንስራሕ ርእስና ኣቕኒዕና!
    ጊዜና ኣይንቕተል ቀሚሽ ኣደይ ኣሕንኪልኒ እንድልና!

    • Dawit Meconen January 2, 2015

      Genuine Eritreans,

      As we say, Anafra Quoquah Zeyfelts Ayhadanain, Te-ame Berh, Ogbai etc. are woyane undercover agents, launched with a mission of portraying the evil woyane, the arch enemy of our people, as a friend of Eritrean people and proponent of their independence and Sovereignty, while at the same time, they smear every one of the PFJDs and the con artist isaias afeweerqi as equal partners in crime.

      Contrary to their make-belief habes-qedes, the following facts conclusively establish the truth that woyane is the arch enemy of our country and people:

      1. Its 1977 Manifesto,laying claim to Eritrea

      2. Its 1998 inhumane mass deportation of law abiding Eritreans from every corner of Ethiopia;

      3. its unprovoked border instigation that stretched from 1995 to 1998

      4. Its illegal and forceful expulsion of Eritreans from Badme

      5. Its desecration of the resting places of our Martyrs

      6. Its illegal occupation of Badme by refusing to abide by the decision of EEBC which it had signed to accept as Final and Binding

      7. Etc.

      And contrary to their deceptive declaration that woyane and con artist isaias afeweerqi are mortal enemies, the following truths expose their foxy intrigues:

      1. The 1990 secret interview the now dead meles zenawi gave to Paul Hanze, a veteran CIA and a former National Security Advisor, in which he categorically stated that the con artist isaias afeweerqi did not accept Eritrean independence. The reason that the con artist isaias afeweerqi was moving towards declaration of Eritreans independence , meles zenawi affirmed, was because isias afeweerqi did not have the power to stop it.

      The following bears out the veracity of meles zenawi statement:

      A. the interview of Yemane in which he said that the con artist isaias afeweerqi unilaterally handed Badme to woyane.

      B. The con artist isaias afeweerqi could have nipped the woyane border instigations once and for all through appropriate International Law.

      The following successive scenarios:——

      …. The illegal disposal of Badme to woyane;

      …. The woyane border instigations;

      …. The illegal and unnecessary war the con artist isaias afeweerqi launched on Ethiopia;

      ….The complete control of the con artist isaias afeweerqi of the EDFs just before the Third Woyane offensive and the transpired its military success on the Western front etc…….. were all predesigned between meles and the con artist as a means of placing the Eritrean Government under absolute grip of the con artist.

      Genuine Eritreans,

      The con artist isaias afeweerqi and woyanes are our twin enemies. Do not be dazzled by their deceptive words of theatrical animosities.Do not accept their empty slogans and grand words. The con artist may show you the woyane pilots who, with their war helicopters, allegedly deserted to Eritrea. All these and many others are schemes and ploys to catch you by surprise. Remember, the con artist isaias afeweerqi is surrounding himself with tegaru cabals. Do not forget his private army, the Demhits. They are all tegaru disguised as tigrai liberation fronts. But again, they are not in tigrai but at Asha Golgol, a vicinity of Asmera. Be critical, connect the dots!!!

      To be continued……

        • Dawit Meconen January 2, 2015

          Assena,

          Yes, you are right. I will do my best to comply with your ruling in the future. But again, shorter entries may not adequately expose the treacherous intrigues the con artist isaias afeweerqi and woyane had woven to bring about the current unfathomable suffering our people have been going through in such a manner that has deceived many genuine Eritreans into believing that the con artist launched the war against woyane in the interest of our people and country.
          By the way, unless we all accept the above premise that woyane and isaias afeweerqi are two faces of the same coin, our struggle will never bear fruits because these two evils will have free hands to set us against each other.

          And the longer the current deteriorating situation of our people and country continues, the faster the Point of No Return approaches, which the two evils can’t wait to see.

      • Simon G. January 2, 2015

        ኣንታ መኮነን ሓውና:
        ካን ዶ ኮይንኳ ወያነ ክትብል ክዓርበካ ደልዩ? ዝሓለፈ ኣስታት ክልተ ዓመታት ጥራይ ‘ኳ ኣነ ዝዝክሮ። በጃኻ ኢልናካ ካልእ ሓድሽ ኣምጽእ። ከምቲ ኣጸሓሕፋኻስ ምሁር ትመስል።
        ከም በዓል ጎደፋ: ኪዳነ: መሲናስ: ኣማኑኤል: እስቲፋኖስ:(ኣቶ ፍጹም ኳ ዛ ገዛና ገዲፉዋ ሎምስ) ወዘተረፈ… ወረቓቕቲ ጸሓፍ። ወይ ድማ ከም በዓል ገነታ: ኤሪትራዊት: ሰለማዊት: ኣሕመድ: ረዘን: ኣቶ መረጸ ዘግሬት: ወዘተረፈ… መሰልቲ.. ሓደስትን መሃርትን ዝኾኑ ርኢቶታት ኣበርክት። ሓድሽ ዘይንፈልጦ እስክ ጸሓፍ። እምበር ከምዛ ዓመት ምሉእ ሽሮ ጥራይ ምብላዕ ኳ ኮይኑ።

      • ogbai January 2, 2015

        ሓው ዳዊት መኮነን ንትሕዝቶ ርእይቶይ ዘተረዳኻኒ ኣይምስለንን፡ ብዝኾነ ነዚ ናይ ሓሳባት ርእቶታትን ንምልውዋጥ እንጥቀመሉ ዘለና ናይ ኣሰና ወብ ሳይት ብዙሕ እንዳመስገንኩ፡ ንዝሃብካና ኮንቱ ጸለመውን ፍቓደኛ እንተኾንካ ክብራህልካ ፍቐደለይ። ብመጀመርያይ ኣብቲ ትሕት ኢልካ ዝጠቐስካይ ትንተና መስመር ኢስያስን ሳዓብቱን ምስ ወያኒ ብዙሕ ሕቡእን፡ ግሉጽን ዝምደናታት ከም ዘሎ ምሕባርካ ኣዝዩ ኣሰካፊ ጉዳያት እንዳኾነ ይመጽእ ምህላዉ ምግንዛብካ ምስ ርእይቶኻ እሰማማዕ ጨለ ከኣ ክብለካ እፈቱ። ቀጺል ከኣ ካብ እቶም ተረፍ መረፍ ናይ ተ.ሐ.ኤርትራ ሻዕብያን ዓሻክር ወያኔ ኢልካ ዘጠምቕካና፡ ንዓይን ሐው ጠዓመን ከንቱ ጸለመ ምኻኑ እዩ። ተቓዋማይ እየ እንዳበልካ መቃልሕ ህግደፍ ምኻንካ ብዙሕ ከይገርመኒኣይተረፈን ምኽንያቱ እዚ ቃላት’ዚ መጽረይ ኣፎም ምኻኑ ትስሕቶ ኢኻ ኣይብልን። እንተ እቲ ዝምድናን መቦቆላዊ ጥንተ ጥንሰ ሓሳባትን ሕሉፍ ተግባራዊ ዘምድናታትን መሪሕነታት፡ ብፍላይ ጉጀለ ኢሳያስን ወያኔን፡ ትግራይ ትግሪኚ መሰረታዊ ዕላማ ጌሩ ይሰርሕ ከም ዝነበረን ሕጂውን ብስዉር ናብኡታት ገጾም ዘድህቡ ብኽልቲኡ ሸነኻት ኣይክሳኑን እዮም። ነዚ መቦቆላዊ ጥንተ ሓሳብ ናይ ምፍሻሉ ከኣ ናትና ብቕዓት ጥርሕ እዩ ዝውስኖ። እንተ እቲ ንዓና፡ ብፍላይ ንዓይ ክብል ምኽንያቱ በጀካ እዛ ዛዕባ ተዛርበና ዘላ ዓንቀጽ ትዕዝብተ ርእይቶ ናይ ሓው ጠዓመ፡ እንተዘይኮይኑ በኣካል ስለ ዘይፈልጦ ኽጣበቐሉ እካ እንተዘይካልኩ፡ ኣብ ትንተናታቱ ነቲ ናይ ‘ህግደፍ’ ዝፍንዎ ፕሮፖጋንዳ መሰረት ዘይብሉ ጸለመታት ምኻኑ ስለ ዘቃለዔ፡ ኣነውን ደጊፈዮ። እጃሞም ዝበልካዮ ጸለመውን ጠቂንካና። ብወገነይ ተቓዋሚ ኢኻ ኢለ ስለዝኣምን ንምብላሕ እንተኾይኑ ጽቡቕ እዩ ጥራሕ ኢለ ክሓልፎ ምመረጽኩ። ኣብ መብዛሕትኡ ትህቦ ርእቶታት ግን ተጋጫዊ ርእይቶታትካ ይጋጥመኒ ክዕዘብን ጸኒሔ እየ። ትምህርቲ ዝጸገብካ ትኸውን ኢለ ይግምት፡ እኹል ተሞክሮ ዘጥረኻ ኮይኑ ግን ኣይስማዓንን። እዚ ክብል ከለኹ ግን ነቲ ኣውንታዊ ጎንኻ ብዘይምርኣይ፡ ብስሚዓት ጥራሕ ተደሪኸ ኣብ ዝኾነ ከጸጋዓካ ኣይመርጽን። ኣብ ኣተሓሳስባ ዕበ ጎብዝ በርትዕ ክብለካ ፍቐደልይ ምስ ትሕትናን ኣኽብሮትን እዩ። ከም ሓቤሬታ ግን ብዝዕባይን መሰልተይን ክትፈልጥ እንተድኣ ደሊኻ፡ ብፍላይ ብዝዕባ ወያኔ ዘለኒ መርግጽ ፍሉጥ እዩ። ኣብ ተ.ሐ.ኤርትራ ተጋዳላይ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ዘተዋድቕኩ ሰብ እየ። ኮይኑ ግን ‘ወደን ክይሓምያስ ሰይቲ ወደን’ ከም ዝባሃል ‘ዘዕበኹዎ ድሙዶ የምጻለይ ተመንየ’ ከምዝባሃል ነቲ ናይ ሽዑ መንደላይ ተመን ናይዚ እዋን ከኣ ገበል ዝኾነ ኣብ ክንዲ ንወያኔ ንኢሳያስን ሳዓብቱን እየ ዝሓሚ። እንተ ብፍላጥ እንተ ብዘይ ፍላጥ ተስፋ እገብር ኣብቲ እዋን እቲ ሓደ ሊሎ ውይ ዕስለ ናቱ ነይርካ ከይትኸውን። እንተ ነበርካውን ብዝሓለፈ ክቑዝም ኣይነብርን፡ ሕጂውን ንኻልኣይ ጌዜ ክኸስረካ ወይ ክኽሰካስ ክንብር ኣይመርጽን። ብተውሳኺ ቕድሚ ሕጂ ይኹን ብሕጂ ብጉዳይ ልዕላውንት ሃገረይ ምስ ዝኾነ ውረድ ደይብ ዝባሃል ሕልሚውን የብለይን። እንተኾነ በዚ እኩይ ኢስያስ ንውልቃዊ ረብሕኡ ክብል ዘወሎዖ ባርዕ ባድመ፡ ዝጥፍኤ ህይወትን ንብረትን ውልቃዊ ሚዛነይ ክጥመቶ ከለኹ ኣድላይነት ዘይንበሮ ናይ ከንቱ ናይ ክልተ ዓናትር ግጥምያ እዩ ነይሩ። ንዕርቂ ተለሚኑ እምቢ ዘበለ ጎብለል ኢስያስ ከምዘነበረ፡ ሽዑ ዓው ኢለ እተዛረብኩሉ ጉዳይ እዩ። ናብዙያት ተመሊስካ ምድግጋም ከይከውን ኣድላይነት ዘለዎ ኮይኑ ኣይስማዓንን ዓለም ዝፈልጦ ጉዳይ ስለ ዝኾነ።
        ብተውሳኺውን ኣብ 2001 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘተኻየደ ናይ ተቓውምቲ እኼባ ኣብ ጉዳይና ናይ መንግስቲ እትዮጵያ \ወያኔ\ ኢድ ምትእትታው ተቓውምኡ ኣስሚዑ፡ ሎሚ ጉንብሕ ጉንብሕ ጽባሕ ከኣ በጠበጥ ኣይንኸይድን ብማለት ወይኔ ኢድኩምን እግርኽምን ኣክብልና ከምተባህለ ሰሚዕካ ክትከውን ተስፋ እንዳገበርኩ። እሞ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብግሉጽ ንዝትቃወመ መስመር ዝደገፍኩ ሓደ ምኽነይ ከይጠቐስኩልካ ክሓልፍ ኣይደልን። ብዘይ ቅልዓለም ጸላኢናን ፈታዊናን ኣነጺርና ምፍላጥ ዓቢ ኣገዳስነት ኣልዎ። ብዘተረፈ እዚ ኣሮግቶት እንታይዶስ ዘመዴስ ዝባሃል ናይ ለባማት ዘይኮንስ፡ ናይ ባሃማት ኣዘራርባውን ክተርፍ ይግብእ። ብዕድል እካ ካብ መስዋእቲ እንተተረፍና ጀብሃና ሻዕብያና እኮ ኣብ ዓለም ቅያ ንናጽነት ኤርትራ ህያው ዝገብርና ኢና እንተኣርግናስ ንውሪ ድዩ። ደድሕሪ ዲክታተር ኢድኩም ክሳብ ዝምለጥ ከምዘይ ኣጣቕዕኩም፡ ክርዳድን እኽልን ምፍላጦ እንተጠፋኩምስ፡ ነብስኹም ከይትሓምዩስ ተርፍራፍ እምባር ተባሂልና። ኣነ ዘስክፈንስ እዚ ሕልኩስ ወለዶ ናትኩም ከይጎብዝኩም ዛኣረኩም እቲ ቀጻሊ ወለዶ እንታይ ሽም ኮን ይርኽበልኩም ይኽውን? ‘ክንዳኻ ዘያኽላስ ባኻ ይዋዕላ’ ናይ ኢሳያስ ቃላት ካብ ክትደጋግመ ካብ ትውዕሉስ ዘይትዋናጫፉ።
        ኣይናይ ቦታን ስልጣንን ሒዝና ድኣ ምውፋር ከሊናኩም፡ እቲ ሓቂ ከትዕለብ ኣብ ዘይትፈልጥዎ ክትዋጠጡ ከም ኣቦታትኩም ንጸላአኢ ህዝብና ነጺርኩም ጨምቱ ኣብ እዋኑ ኣብ ስዓቱ፡ ኣስተውዕሉ ግዳ ተባላሓቱ፡ ኣርክብዎም ነቶም ኣሕዋትኩም ብሓቂ ዝምክቱ።

          • AHMED SALEH !!! January 3, 2015

            Ogbay
            Disrespectful languages (sidi Zereba ) to belittle patriots used to be heard from Issayas
            mouth . Those young generation who practice same
            provocative words are either his supporters or
            expectant for hand over from others sacrifices .
            Issayas called opponents GHILET HATELA long time
            ago in Wash.DC public meeting and any low life
            looser can follow his negative example .
            Those TEREF-MEREF AREGHEWTI were courageous men
            and women at their young age in our history .
            At the same time , we must understand that some
            suspicious guests try to create provocation among participants in this forum .
            Are they HGDF puppets or people from across the border ?
            Nobody knows we just wonder .

  • oromay January 1, 2015

    ተስፋ ተሎ ዝቖርጽ ሰብ ክዕወት ኣይኽእልን እዩ። እቲ ኣካይዳን ድኽመትን ተቓውምቲ ብምርዓይ ግና ሕጂ እውን ህግደፍ የላግጽ ኣሎ። ኣብዚ 2015 ህጊ ሰሜን ኮርያ ከተኣታቱ እየ ይብል ኣሎ መራሒ ህግደፍ። ፕሮፈሰር በረኸት ሃብተሰላሰን ብጾቱን ዝደኸምሉ ቅዋም ሞይቱ እዩ። ንዕላማይ ዘገልግለኒ ብናይ መዳ ተመኩሮ ዝሰራዕኩዎም ተለኣኣኽተይ የማነ መንኪን ዘምህረትን ብሓላፍነት ክጽሕፍዎ እዮም። 2015 ነዚ ዝሓስቦ ዘለኹ መንጠሪት ባይታ ክትኮነኒ እያ። ከም ሮበርት ሙጋበ ድማ ክሳብ መወዳእታ ክገዝእ እየ። ዒም ዝበለ ይተሓጎም። ጻማ ዝበሃል የለን ብጥሙይ ከብድኹም ገና ክተገልግሉኒ እኹም።ፈቲኹም ጸሊእኩም። ናይ ቀውዒ ኣይግድሰንን እዩ። ህዝባዊ ሰራዊትን ምዱብ ሰራዊትን ንሰርዓተይ ኽከላኸል ኣለዎ ንዓይ ድማ ደምሒት። ተመሂረይ እየ ካብ 1993 ክሳብ ሕጂ እንተኮነ እቲ እተምሃርኩዎ እርስዖ’ሞ እንደገና ክመሃር እንተበልኩ ርእሰይ ስለዘናውጸኒ ምርዳእ ይኣብየኒ። ጎብለል ዞባና ወስ ምስበሉ ይዝከረኒ ዘራይ ስኢነይ እንታይ እሞ ክገብር። ናብ ኣምላኽ ሓግዘኒ ኢለ ከይጽሊ ድማ ምስኡ ተባኢሰይ እየ።

  • Yafet Bereket January 1, 2015

    The younger generation from which leaders will necessarily have to emerge, must shift the conversation away from the fruitless polemics of the past and re-focus it towards a more productive and hopeful future. Every revolution is meant to make situations and life’s better, however this Eritrean revolution is a strange revolution indeed – we have almost lost everything of Eritrea.

    • ogbai January 4, 2015

      Yafet weday “Aytbke Endyu Zebkiyani’ I can take the blame game for the older generation that is ok. As the saying goes ‘Every generation blame the other’ that is okay. But My problem is the fact that we handed you a country with independence after 30 years plus paying a huge sacrifice. I am sorry we were short of achieving full freedom. Because of the Home grown Dictator. There fore it is your moral duty to finish the job by any means. And remember you are our product and we want you fruitful not fruitless bowing over 23 years for the dictator. This matters much than any thing said.

  • haki January 2, 2015

    Teame , eti fitah ab edna zello nsu ddima HADNET eyu. Aytiashu Ethiopia tikun kale hager kulu gizie mis hayal eya tiwigin , nihna dima hayli silezeygeberna kulu yitsawetelna allo. Higi endo emo hade abi hagerawi hayli wey hadinet nifter, Ethiopia tikun alem keyfetewu eyom zihguzuka. ‘silezi Ethiopia mibal himek eyu gin kea keyhayelka zeteamamin meseret keygeberka kab Ethiopia miliman fayda yeblun.
    Meseret nay kalsina ab wishtina yikun, entezeykoynu metsaweti eka tikewin. Alem nay hayalat eya Teame, nay wutsuat aykonetin. AJOKA KERIBNA ENA EZI KINHALFO ZITSENAHNA HAGOTSGOTS MESRIH EYU , TIRAY BEBIZELENAYO ASFIHINA N’AMIT , HATSIR AWET YELEN. BEBIZELENAYO BOTA KEA KEYTEHALALEKNA FIKRI NIGBER.

  • haki January 2, 2015

    KEYTEHALELNA FIKRI NIGBER

  • Habte January 2, 2015

    ክቡር ሓው ጠዓመ፣

    ትሕዝቶ ጽሑፍካ ኣብ ሓቂ ዝተመኮሰን ህሉው ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ብንጹር ዝገልጽን 100% ዝድግፎን ትንተናን እዩ።
    ኣብ ርእሲ ትሕዝቶ መግለጺ ጽሑፍካ ክውስኸሉ ዝደሊ ርእይቶ እንተልዩ፣ እዚ ሕጂ ዘሎ መንእሰይ ወለዶ ካብ ኣቦታቶም ክወርስዎ ዝኽእሉ ሃናጺን ኣወንታውን ትሕዝቶ የብሎምን። ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ህሉው ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ እዚ ካብ ኮነ፡ ኣብዚ ዝተመርኮሰ ሓድሽ መዋጽኦ መንገዲ ክቕይሱ (ክህንድሱ) እንተኺኢሎም ጥራይ እዩ እቲ እንኮ መዋጽኦ።
    ካብ ኣተሓሳስባ ህግድፍን ከምኡ ውን ብስም ተቛወምቲ ሓይልታት ዝፍለጡ ተረፍ መረፍ ተሓኤን (ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ) ወጺእካ ምሕሳብን ምስራሕን’ዩ እቲ ኣማራጺ።
    ተረፍ መረፍ ተሓኤን መሰልቶምን፡ ኣረጋውያን ዕድመ ዝበልዑ ኣብ ርእሲ ምዃኖም ዕድሚኦም ምሉእ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይገበሩ ብናይ ሕሉፍ ናይ ቃልሲ ታሪኾም ዝረጋገጽ ሕቂ እዩ። ስለዚ እዋኑ ዘሕለፈ ዝቖንቆነ (ዝኣረገ) ኣተሓሳስብኦምን ካብቲ ናይ ዲክታተር ኢሰያስ ዝፍለ ኣይኮነን። ዝፈልዮም ነገር እንተልዩ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ንኽድይቡ ዕድል ስለዘይረኸቡ ጥራይ እዩ።

    ኩላቶም ብመንእሰይ ወለዶ ዝቖመ ወይ ዝተመስረተ ናይ ተቛወምቲ ውድባት ካብዚኣቶም ርሒቖም ብናይ 60ታት ዘይኮነ ብናይ 21 ክፍለዘመን ኣብ ህሉው ውድዓዊ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ዝተመርኮሰ ኣተሓሳስባ ምስዝሰርሑ ጥራይ’ዮም ህዝቢ ክዓስሎምን ክዕወቱን ዝኽእሉ።

    • Hakim January 2, 2015

      ካብ ኣተሓሳስባ ህግድፍን ከምኡ ውን ብስም ተቛወምቲ ሓይልታት ዝፍለጡ ተረፍ መረፍ ተሓኤን (ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ) ወጺእካ ምሕሳብን ምስራሕን’ዩ እቲ ኣማራጺ።

      Habte

      Who are you and what was your contribution to the making of Eritrea, to call Tegadelti who spent their young age fighting for freedom of their people, “ተረፍ መረፍ”. You must be a shameless person.

      • AHMED SALEH !!! January 2, 2015

        Well , the writer’s article has some points I
        agree with . But his accusation in defense of
        Ethiopia is baseless and suspicious .
        If he thinks all Ethiopian politicians can be
        trusted and do not deserve criticism , he is
        out of touch from reality .

        • AHMED SALEH !!! January 2, 2015

          Hakim
          He said ” iti ENKO mewaxO ” .
          Tell him we heard you brother ENKO from across south border .

          • Simon G. January 2, 2015

            Brother Yafet,
            I don’t think that was what Ahmed implied but Enko is a perfect tigrigna. Besides, if my memory serve me right, Enko was originated from Saho – which is Enik and Ahmed is himself from those fine Saho descendants (I could be wrong).
            I think you might not been at Assenna for that long but I assure you Ahmed is indeed as Eritrean as yourself.
            Just my 2 cents.

  • Ahmed salih January 2, 2015

    I think this guy is undercover HGDEF . We need to find people like this and keep them away for a while because they are worth of anything but they are damaging our struggle.

  • 24 ጉንበት January 2, 2015

    abotatkom ELF tesaerom ksab hgy ymdru alewo nskum wn kemom ktzarebu tray ktnebru ekum awet n HGDF

  • Bereket January 2, 2015

    selam teame,

    Your article was well started, it is very frank. My point is that Issaias has nothing to do with what you called “ትግራይ ትግሪኚ”. Issaias is another slave or Abeed who is ashamed of his own history, heritage and identity.

    As usual, people with poor borrowed identity remain stooping and kneeling for other aliens.

  • Lilay January 4, 2015

    “ኣብ ዘበነ ግሎባላይዜሽን /ዓውሎማ/ኣብ መበል 21 ክፍለዘመን፡ ዋላ እቶም ብባህልን ቋንቋን ከይተረፈ ዘይራኸቡ ህዝብታት፡ ኣብ ሓደ ከባቢ ስለዝነብሩ ጥራይ፡ ካብ ምብትታን ሓድነት መሪጾም ብዞባን ከባቢን ናብ ሓደ ኣብ ዝጥርነፉሉ ዘለዉ ህሞት፡ ንሕና ኤርትራውያን ግን ነንሕድሕድና ምስምማዕ ስኢንና ፡ ብኣውራጃን ወረዳን ክንቃየቝ ወርቃዊ ግዜና ከነጥፍእ ብዕድል ሃገርና ክንጣላዕ ክትርኢ ከሎኻ፡ ኣዝዩ ዘገርም ንሰማዒኡን ንረኣዪኡን ዘደንጹ ነገር ኢዩ።”

    ብፍላይ እዘን ናእሽቱ ብሀራት ምሒር ኣብዚሐንኦ ብዘይካ ትግርኛን ትግረን ኩለን ካልኦት ብሀራት ካብ መስመር ካብ ዚወጻ ዓመታት ኮይኑወን ዩ። ግንባር ኩናማ፣ ግናብር ሳሆ፣ ግንባር ብለን፣ ግንባር ኣፋር፣ ግንባር ናራ፣ ግንባር ሚንዓምር ከምኡ ድማ ግንባር ጀበርትቲ።

    ዘላ ሓንቲ ኣማራጺ፥ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ገቢሉ ኪዉሕጠን ኣለዎ። ሓድነት ዉን ብሓይኒ ይመጽእ ዩ ካብ ተሞኩሮ ህዝባዊ ግንባር ክንመሃር ንኽእል ኢና።

POST A COMMENT