Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መርማሪ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ከቕርቦ ብዛዕባ ዝዳለወሉ ዘሎ ጸብጻብ ዝተጨነቐ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ጸብጻብ ንምቍንጻብ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ክእክቦ ዝፈተነ ፌርማታት ምእካል ስለዝኣበዮ፣ ኣባላት ‘ግንቦት ሰባት’ ተቓዋሚ ውድብ ኢትዮጵያ ፌርማታት ክቶዅቡሉ ብጥብቂ ኣብ ምልማን ወዲቑ።

መርማሪ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ጸብጻቡ ዘቕርበሉ መዓልታት እናተቓረበ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን ብኡ መጠን ክቱር ጭንቀቱ እናዓረገ ዝኸይድ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ጸብጻብ ንምቍንጻብ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ክእክቦ

መርማሪ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ጸብጻቡ ዘቕርበሉ መዓልታት እናተቓረበ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን ብኡ መጠን ክቱር ጭንቀቱ እናዓረገ ዝኸይድ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ጸብጻብ ንምቍንጻብ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ክእክቦ ዝፈተነ ፌርማታት ምእካል ስለዝኣበዮ፣ ‘ግንቦት ሰባት’ ዝተባህለ ተቓዋሚ ውድብ ኢትዮጵያ ሎሚ ቕነ ኣብ ኣመሪካ ናብ ዘካየዶ ኣኼባ ወኪሉ ብምልኣኽ ኣባልት ናይቲ ተቓዋሚ ውድብ ኢትዮጵያ ፌርማታት ክቶዅቡሉ ብጥብቂ ኣብ ምልማን ወዲቑ።

ከምዚ ቀጺልኩም እትሰምዑዎ፣ ሓደ ካብ መራሕቲ ግንቦት ሰባት ኣብቲ ኣኼባ፣ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ እንኮ ደጋፊና ዝኾነ ስርዓት ንምድኻም ውዲት ኣብ ምእላም ይርከብ ከምዘሎ ጠቒሱ፣ ኩሎም ኣባላት ግንቦት ሰባት ፌርማኦም ክልግሱ ብጥብቂ ለሚኑ። እቲ ተቓዋሚ ውድብ ኢትዮጵያ ብወግዒ ብዘመሓላለፎ መምርሒ መሰረት ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኣባላቱ፣ ንርእሱ ወሲኽካ፣ እቲ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ዘመተ ምእካብ ፌርማታት ብምስታፍ ድሮ ፌርማኦም ከምዝሃቡ ብምርግጋጽ ከኣ፣ መድረኽ ነቲ ንምልካዊ ስርዓት ወኪሉ ፊርማ ኣባላት ግንቦት ሰባት ክልምን ዝመጽአ ሃይለ ዝተባህለ ወኪል ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣረኪቡዎ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ ገበናት ካብ ማንም ንላዕሊ ዝፈልጥ እኩይ ስርዓት፣ መጻርዪ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቲ ስርዓት ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ፈጺሙ ክኸውን ይኽእል እዩ ክብል ንዝበጽሖ መደምደምታ ንምጽራይ ዓሚ ቀጻሊ ተልእኾ ካብ ዝወሃቦ ኣትሒዙ፣ በቲ ኣብ ኣህጉራዊ መጋብኣያ ሕጊ ከሕትቶ ዝኽእል ጉዳይ ቅሳነት ስለዝሰኣነ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ፌርማ ናይ ምእካብ ናይ ዓቕሊ ጽበት ዘመተ እዩ ተዋፊሩ ጸኒሑ።

ከምቲ ኣብ ዜናታት ኣሰና ብተደጋጋሚ ዝሓበርናዮ፣ ብሕልፊ ኣብቶም ቅሱን ናይ ስደት ህይወት ዘይብሎም ኣብ ከም ብዓል ስዑዲ ዓረብ፣ ሱዳን እስራኤል ዝኣመሰሉ ሃገራት ንዝነበሩ ኤርትራውያን ታርጌት ገይሩ ካብ ኣብያተ ክርስትያናትን እንዳ ሻህታትን ፌርማታት ዘዋህልሉ ሃሱሳት ልኢኹ ዝገበሮ ጻዕሩ ስለዘይተዓወተ፣ ህዝቢ ኤርትራ ፎእ ስለዝበሎ ድማ እዩ ኣብ ምጽወታ ፌርማ ኢትዮጵያውያን ተቓወምቲ ወዲቑ።

እቲ ዓቕሊ ጽበቱ ምጽዋር ዝሰኣኖም ምልካዊ ስርዓት፣ ነዚ ክዝርጋሕ መዓልቱ ተቓሪቡ ዘሎ ጸብጻብ መርማሪ ኮምሽን ንምቍንጻብን ምድኻምን ኣብ ቀጻሊ ጋዜጣዊ መግለጺታት ተጸሚዱ ከምዘሎ ‘ውን ይፍለጥ።

ነቲ ደም ንጹሃት ኤርትራውያን ዝተጸየቐ ምልካዊ ስርዓት ቀለም ፌርማታት ከንጽሆ ዘይሕሰብ ኳ እንተኾነ፣ እቲ ብጭንቀት ተተኵሱ ዘሎ ርእሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ክትኮስ ግን፣ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብቲ ኣብ ን 23 ሰነ ኣብ ጀነቫ ዝካየድ ንመርማሪ ኮምሽን ዝድግፍ ነቲ ገበነኛ ስርዓት ዝዅንን ሰላማዊ ሰልፊ ተረኺቦም ግብራዊ ምላሽ ክህቡ ድምጺ ኣሰና ትጽውዕ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
34 COMMENTS
  • netsanet June 8, 2016

    No body will care when a small dog is barking . My friend you are so late the blood of my lovely innocent fathers, mothers, brothers and sisters who made nothing except their patriotic duty to the nation are now in the holes just like a Fox. Some are died. So would you like this to happen to you or your family.I don’t think so your answer is yes. But because of some very minor things to get advantage from this situation you and others like you are engaged to kill your own people. Don’t worry we know you ,time will give you the correct answer lobbyist.

Post a Reply to netsanet Cancel Reply