Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ምእንቲ ክዕወት ተሳታፍነትና ነዕዝዝ

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 2014፣ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኤርትራ ተፈጺሞም ንዝብሃሉ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዘጽንዕ መርማሪ ኮምሽን ክቐውም ምውሳኑ ኣገዳሲ ፍጻሜ እዩ። መሰል ሰብ ኣብ ዘኽብራ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም፣ ኣብ ልዕሊ ዜጋታተን ንዘጋጥሙ

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 2014፣ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኤርትራ ተፈጺሞም ንዝብሃሉ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዘጽንዕ መርማሪ ኮምሽን ክቐውም ምውሳኑ ኣገዳሲ ፍጻሜ እዩ።

መሰል ሰብ ኣብ ዘኽብራ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም፣ ኣብ ልዕሊ ዜጋታተን ንዘጋጥሙ ጭውያን ምሕቃቕን፣ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ሞትን ዝኣመሰሉ በደላት ንምምርማር በብደረጃኡ ከምዚ ዝኣመሰለ መርመራታት የካይዳ እየን። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ግን፣ እቲ ገበነኛ ባዕሉ ስለዝኾነ መርመራ ዝብሃል ኣምር ኣብ መዝገበ ቃላቱ የለን። በዚ ምኽንያት ኣብዚ ዝሓለፈ 23 ዓመታት ናጽነት፣ ኣብ ኤርትራ ተዋህሊሎም ዘለዉ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣዝዮም ብዙሓት እዮም።

እታ በዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ገበነኛ ስርዓት ተመቝሓ ዘላ ሃገርና ኤርትራ፣ ከም ኣባል ስድራቤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት መጠን፣ ተጠቃሚት ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገልግሎታት ክትከውን ግቡእ ኣለዋ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ዋላ ‘ኳ እንተደንጔየ ሓላፍነቱ ዘኪሩ ግቡኣ ብምሃቡ ክምስገን ዘለዎ ስራሕ እዩ።

እቲ ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብእትርከቦም ሰለስተ ኣባላት ዝቐውም መርማሪ ኮምሽን፣ ጸብጻብ ውጽኢት መጽናዕቱ ናብ ካልኦት ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ብምቕራብ ዕማሙ ኣብ ሓደ ዓመት ክዛዝም ምዃኑ እቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተዋህበ መግለጺ የረድእ።

መርማሪ ኮምሽን ጽፉፍ መርመራ ብምክያድ ኣድማዒ ስራሕ እንተደኣ ኣሳሊጡ ንህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መንገድታት ደገፍ ክኾኖ ይኽእል እዩ። ገለ ካብቶም ጠቕምታት እዞም ዝስዕቡ እዮም።

1ይ –  ማሕበረሰብ ዓለም ኣብቲ ሰነድ ተመርኵሱ ብመንገዲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቲ ስርዓት ሰብኣዊ መሰላት ከኽብርን ብኣህጉራዊ ውዕላት ሰብኣዊ መሰላት ክቕየድን ዝሓየለ ጸቕጢ ክገበረሉ ወይ ስጉምቲ ክወስደሉ ይኽእል

2ይ – እቲ ሰነድ ተሰማዕነት ዘለዎ መወከሲ እንተደኣኮይኑ፣ ሃገራት ዓለም ብተናጸል ምስቲ ስርዓት ንዝገብራኦ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክሓስባሉ፣ ዕድመ ናይቲ ስርዓት ኣብ ምንዋሕ ተራ ዘለዎም ወፍርታት ንዘካይዳ ኩባንያታተን ከማኽራን ጸቕጢ ክገብራን ክቕሰባ ክድርኸን ይኽእል

3ይ – ነጻ ማዕከናት ዜና ኤርትራን ዓበይቲ መደበራት ዜና ዓለምን ኣብቲ ሓበሬታ ተመርኵሰን ንበደላት ናይቲ ስርዓትን መሳርሒኡን ብምውዕዋዕ ኣህጉራዊ መልክዕ ከምዝሕዝ (Internationalized) ከምዝኸውን ብምግባር፣ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝንጸል፣ ህዝቢ ዓለም ‘ውን መንግስታቱን ትካላቱን ከምዚ ንዝኣመሰለ ዓመጸኛ ስርዓት ካብ ምድጋፍ ክቝጠቡ ከተሓሳስቡ ክድርኻ ይኽእላ

4ይ – ኣብ ኤርትራ ለውጢ ኣብ ዝረጋገጸሉ እዋን ኣብ ናይ ዕርቅን ስኒትን መስርሕ ንህዝቢ ኤርትራ መወከሲ ክኾኖ ይኽእል

እቲ ኤርትራውያን ከነስተብህለሉ ዘለና ኣገዳሲ ጉዳይ እምብኣር፣ ነዚ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብመንገዲ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣሕሊፉዎ ዘሎ ውሳኔ ኣብ ምዕዋት እጃምና እንታይ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እዩ። ምቛም መርማሪ ኮምሽን መጀመርታ ናይ ‘ቲ ዕማም እዩ። እቲ ኮምሽን ኣድማዒ ስራሕ ከሳልጥ እንተድኣ ኮይኑ፣ ብቐንዱ ሓበሬታ ዝህቡ ርጡባት መሰኻኽር ክርከቡ ኣለዎም። እቶም መሰኻኽር ተሳታፍነት ከርእዩ ቅሩባት ዝኾኑ ኸኣ፣ ኣብቲ ኮምሽንን ኣሰራርሓኡን ምትእምማን ምስ ዝህልዎም እዩ። እዚ ግን ብኸመይ እዩ ክረጋገጽ ዝኽእል?

ቅድሚ ኹሉ እዚ ጉዳይ’ዚ ሃገራዊ ጉዳይ ምዃኑ፣ ጸገም ህዝቢ ኤርትራ ብሕልፊ ድማ ወጽዓ ግዳያቱ ንምምርማር ዝቖመ ኮምሽን ከምዝኾነ ክንፈልጥ ይግባእ። ‘ሳላይ እዩ ተፈጢሩ፣ ውላደይ እኮ እዩ፣ ርኣዩዎ ‘ሞ ክጽብቕ’ እናበልካ ምንያትን ጃህራን ክግበረሉ ዝግባእ ኣይኮነን። እዚ፣ ልክዕ ከምቲ ቅድሚ ቁሩብ እዋናት፣ ከማና ንዝተጸገማ ሃገራት ማእከላይ ኣፍሪቃ (Central African Republic) ከምኡ ‘ውን ንሶርያ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተዋህበ፣ ንኤርትራ ‘ውን ዝተወሰነላ፣ ድምር ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራን፣ ድምር ጻዕሪ ኤርትራውያንን ኣህጉራውያን መሓዙት ህዝቢ ኤርትራን ዘፍረዩዎ እምበር፣ ብ ለበዋ ወይ ሎቢ ሓደ ውልቀሰብ ዝተረኽበ ውሳኔ ኣይኮነን። ዋንኡ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰለት፣ ብጽፍጻፍ መስዋእቲ ተረኺባ መቓልሕ ስዉኣት ዘይስምዓላ ሃገር፣ ናይ ታዕሪፋ ጌርካ ናይ ቕርሺ ዘረባ ቁሩብ ከሕንከና ይግባእ። ህዝቢ የዒንቲ ኣለዎ ክምስክር ‘ዩ፣ ተግባር ከኣ ኣፍ ኣለዎ ባዕሉ ክዛረብ እዩ። ልብን ቀልብን ኣብ ቀንዲ ጉዳያት ከተኩሩ ኣለዎም። ኣብዚ እዋን’ዚ ዝድለ ዘሎ፣ ነቲ ዝዓበየ ዕላማ ንምዕዋት አእጃምና ምብርካት እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዝንባለ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ክርአ ‘ኳ እንተጸንሐ፣ ብመንጽር ኣገዳስነት ናይ’ዚ ዕማም’ዚ፣ ነዚ ጉዳይ’ዚ ከምቶም ዝሓለፉ ሸለል ምባሉ ድኽመታት ከምጽእ ስለዝኽእል፣ ህዝቢ ክልብመሉ መታን ምጥቃሱ ኣገዳሲ ይኸውን።

ስለ’ዚ፣ ስርሓት ናይቲ ኮምሽን ብኸምዚ ዝኣመሰለ ፋይዳ ዘይብሉ ውልቃዊ ህንጡይነታት ከይፈኵስ፣ ብዓቢኡ እቲ ውሳኔ ናይ ሕቡራት ሃገራት ሚዛኑ ከይጎድል፣ መሰኻኽር ኮነ ኩሎም ኣብቲ ዕማም እጃሞም ከበርክቱ ዝኽእሉ ኤርትራውያን ‘ውን ዝሕጥሕጥ ከይብሉ፣ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ ኸኣ ካልእ ዕድል ከየምልጦ መታን ምስትብሃልን ምምኽኻርን ዘድልዮ ጉዳይ እዩ።

እዚ ኩነታት’ዚ ተመቻቺኡ፣ መርማሪ ኮምሽን ስርሑ ብኣድማዕነት ከሳልጥ እምብኣር፣ ኣብ ወጻኢ ዘለው ብዙሓት ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት (ማሕበራትን ውልቀሰባትን) ናይ ሕጊ ክኢላታትን ጠበቓታትን፣ ዓበይቲ ዓድን ምሁራትን ተነጣጠፍትን ተራኺቦም፣ ብዛዕባ’ዚ ኣገዳሲ ጉዳይ’ዚ ዓሚቝ ምይይጥ ከካይዱ ይግባእ።

ገበናትን ገበነኛታት ናይ ምጽናዕን ምጽብጻብን ዕማም፣ ብዓቢኡ ሰባት ምፍራድ ዘጠቓልል  ጉዳይ ብምዃኑ ኣቕሊልካ ክርአ ዘለዎ መደብ ስራሕ ኣይኮነን። ኣፍልጦ ያታን ባህልን ሕብረተሰብ፣ ሕጋዊ ሞያን ክእለትን፣ ብስለት፣ ንጽህና፣ ካብ ቲፊዞን ሰበይሰብካን ነጻ ዝኾነ ውድዓውነትን ዘይሻራነትን፣ ዝተወሃሃደ ስራሕን ምምኽኻርን ዝሓትት፣ መሰኻኽር ልዑል ምስጢራውነት ዝጠልቡሉ፣ ህዝቢ ግልጽናን ተሓታትነትን ዝደልየሉ ርዝነት ዘለዎ ስራሕ እዩ። ንሞያውያን እምበር ንውልቀሰባት ዝግደፍ ተራ ዕዮ ኣይኮነን።

ኣብ ኤርትራ፣ ዋላ ብዋጋ ህይወትን ሕስረትን ህዝቢ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ምውጣሕ ጥራይ ዝዓጦ ሓላፍነት ኣልቦ ስርዓት ስለዘሎ፣ ብደረጃ ኣፍሪቃ ‘ኳ ክብረት ህዝቢ ኤርትራ ባይታ ዘቢጡ እዩ። እቶም ኣብ ወጻኢ እንርከብ ዜጋታት ‘ውን ስለዘይተጠርነፍናን ዘይተወሃሃድናን፣ ክብረትን ደረጃን ህዝቢ ኤርትራ ክንዕቅቦ ኣይከኣልናን። አእጃምና ከነበርክት ኒሕን ቅሩብነትን ስለዘየርኣና፣ ሞይኡን ዕምቆቱን ብዘየገድስ፣ ዘንቀደ 10 ሚእታዊት ገይሩ 90 ሚእታዊት ከበላሾ ከሎ ከይተረፈ፣ ሸለል ክንብሎ ንግደድ ኣለና። ብሰንኪ እዚ እንታይ ገደሰኒ ዝብል ዝንባለን፣ ተጸባይነትን ድማ ብዙሕ ይበዅረና ኣሎ።

ስለዚ፣ እዚ ብመርማሪ ኮምሽን ክዕመም ተወጢኑ ዘሎ፣ ገበነኛታት ኣብ መዝገብ ንምስፋር ጥራይ ዘይኮነ፣ ዕርቅን ስኒትን ‘ውን ኣብ ምርግጋጽ እጃም ክህልዎ ዝኽእል ስራሕ፣ ደረጃን ምትእምማንን ብዘለዎ መንገዲ ብኣድማዕነት መታን ክሰላሰል፣ እቶም ክብ ክንብል ዝጠቐስናዮም ሰብ ሞያ ተራኺቦም፣ ነቲ ጉዳይ ብምድህሳስ ምስቲ ኮምሽን ክደጋገፍ ዝኽእል ሓደ ርጡብ ግዝያዊ ሽማግለ (Ad hoc Committee) ክመዙ ዕዙዝ ኣገዳስነት ዘለዎ እዋናዊ ዕማም እዩ።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣሰና ፋውንዴሽን

28 ሓምለ 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
37 COMMENTS
  • bereket July 29, 2014

    first of all i would like to thank to all of those who fight for their freedom and our freedom and then whay not come all together united to fight for one enemy and that is one person for 23 year unlike col mongstu haylemariam that’s out first and the last enemy of all us thank u long live for freedom fighters !!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!

  • Fisehaye July 31, 2014

    Antum sebat Flipos bzuhat Ertrawian
    Kemzreshene etomzrekum tfeltu endikum. Kulugizie tezarebulu heji habiru geziyeu akilu.
    Ab geza teray quenka mezerab nezom
    Sebat wziom welahanti aygebromen eyu
    Ertran hzban kerifu entedea koinom
    Ezom chifra hgdef kab equy halafiom
    jemirka kbenkoru alewom.
    Entezey alo bebekika teray suk entekoinu
    Nsom ayktefun eyom hzbi dema aykerifin eyu.

    Fisehaye

  • Truly Truly i say to you July 31, 2014

    ወይ ጉድ! ሥርዓት ኣልቦ ማፍያዊ ግዝኣት ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ኤርታራ ንዝፍጽሞ ዘሎ ገበን ናይ ብሃቂ ካብ ሕዝቢ ዓለም ዝተሰወረ ኾይኑ ስለዝተሰመኣኩም ድዮ መሰኻኽር ዝድለየሉ ምኽንያት? ንምዃኑ ነቲ ዝገበሮ ግፍኢ ብስርዓታዊ መልክእ ምቕራቡ ግቡእን ዝድገፍን እዩ። ግናስ ናይ ኢስያስ ሃጥያት ሙሉእ ዓለም ዝፈልጦ፣ ጸሃይ ዝሞቆ ጉዳይ ብምዃኑ ናይ ግድን ናይ ውልቀ ሰባት ተወሳኺ ምስክርነት ብዙህ ዝደልዮ ኾይኑ ኣይስምኣንን። እንታይ ንማለት እዩ፣ ሕዝቢ ዓለም ቛንቛ ትግርኛ ስለዘይሰምእ ነቲ ኢሳያስ ብቃልን ብግብርን ነቲ ኣብ ልዕሊ ሕዝብና ንዝገብሮ ግፍኢ ያኢ ኣይፈልጦን እዩ ኢልኩም ትስከፉ ተለኹም ትጋገዩ ኣለኹም። ኣይ ኣግሂዱ ብናይ ዓለም ዜናታት መራከቢታት፣ ንኣብነት ምስ ኣልጃዚራ ጋዜጠኛታት ሪዝ ካሀንን ምስ ጄን ዳተን (with Aljazira journalists Riz Kahn and Jane Daton)ኣብዝገበሮ ቃለ መጠይቕ እንድዩ ንሕዝቢ ኤርታራ ቅንጣብ ኣክብሮት ከምዘየብሉ ባእሉ ኣግሂዱ ዝተዛረ ካብዚ መልሲ ንላእሊ መሰካክር የድልየና እዩ ኢልካ ምስካፍ ቁሩብ ከይገረመኒ ኣይተረፈን። ሀደ መራሂ ሀገር እዬ ዝብል ውልቀ ሰብ፣ በቲ በብእዋኑ ሀገር እሾኽ ኮይናቶ ሃጽ ኢሉ ብዝስደድ ዘሎ ዜጋኻ ትግደስ ዲኻ ተባሂሉ ምስተሃተተ፣ ንምንታይ እዬ ዝግደስ ብዛእባ ንሽርሽር ኢሎም ዝወጽኡ ሰባት ኢሉ ከባጭው ከምዘይተሰምኤ፣ ናይ ምንታይ ዲሞክራሲ! ናይምንታይ ምርጫ! ናይ ምንታይ ነጻ ፕሬስ፧ ዲሞክራሲ ማላት እንታይ እዩ? ንኣኻ ንኣኺ መን እዪ ዝቆጸረካ(ኪ) እናበለ ነቶም ጋዜጠኛታት ድህሪ ምልጋጽ፣ ኣብ ኤርትራ ምርጫ ምናልባት ድህሪ ሠላሳ ወይ ኣርብ ዓመት ካልእ ይትረፍ ንሃዋሩም ንከይንግብር ንክእል ኢና ኢሉ ኣብ ልእሊ ሕዝብና ንዘለዎ ንእቀት ከምዘይገለጸ፧ በደይ ሰባዓዊ መሰላት፣ ግቡእ ሕግን ፍትሕን፤ ንሀገር በደይ ቅዋምን ምርጫን፣ ብሥርዓት ኣልቦነት እናሰቃየኻ ካብምግዛእ ንላእሊ ዝኣበየ ገበን ኣሎ ድዩ? ዋላስ ነቲ ናይ ውሽጢ ሀገር ጋዜጠኛታት ንዘቅረቡሉ ህቶታት፣ ሕዝቢ ብስኣን ማይ ህጽረትን ኤሌክትሪክን ጥምየትን ይማረር ኣሎ ኢሎም ምስ ሀተትዎ፣ ማይ ተደልዮም ናብ ማይ ዘለዎ ቦታ ይውረዱ። ኤሌትሪክ ምናልባሽ ናይ 40 ሜጋ ዋት (ናይ ሃንቲ ኣባይ ፋብሪካ ናይ ጸዓት ጠለብ ዘይተማልእ) ክንሰርሃሎም ንፍትን ኢና ኢሉ ንዘባጨዎ ቛንቛ ትግርኛ ስለዝኾነ ሕዝቢ ዓለም ኣይርድኦን እዩ ኢልኩም ሰጊእኩም? ብዛእባ ግልጹነትን ተሃታትነትን ኣድላይነት ኣልኢሎም፣ ነቲ ወርሃዊ ደሞዙ ክንደይ ምኻኑ ክነግሮም ምስሃተትዎ ፥ መን ኮይንኩም ኢኹም ትሃቱኒ ብዘስምእ ቃና፧ መን ኣሎ ድዮ ብደሞዝ ዝቆጸረኒ ኢሉ ብትግርኛ ፣ ብእንግሊዘኛ ተርጚምካ ነቲ ኣብ ሕዝቢ ዘለዎ ንእቀትን ኣሽካእላል ከም ኣቢ ምስክርነት ምቕራቡ ዘይከኣል ስለዝመሰለኩም ድዩ ናይ ውልቀ ሰባት ተወሳኪ ምስክር ዘድለየኩም? ብኣቢኡስ ብ ኣሜሪካን ርዋንዳን ንዝቀረበ ናይ ሰላም ጻዊኢት ነጺጉ ንሣልሳይ ግዜ ውግእ ባድሜ ንክቅጽል ንበይኑ ወሲኑ ብሃጺር ዕዋን ልዕሊ 24ሹህ ዜጋታት ኣጽኒቱ፣ ብእጽፊ ኣሰንኪሉ ናይ ሚልዩን ዜጋታት ናብራ ኣየዘናበለን ድዩ፧ ነቲ ውግእ ብሰላማዊ መንገዲ ንክፍታህ ንዝማኣድዎ ሚኒስትራትን ንጹሕ ዜጋታን ብደይ ፍርድን ፍትሂን ሃይሩ ብሜላ ከምድሃቁ ኣይገበሮምን ድዩ? ዋላ ነዚውን ሕዝቢ ዓለም ስለዘይፈልጦን ወይ´ከኣ ቀሊል ገበን ስለዝተቆጸረ እዩ ተወሳኽ ሚልዮን ገበናት ክእከብ ዝተደለየ? እቶም የእሩክቲ ኢሳያስ ዝነበሩ ሳዳምን ቃዛፊን´ኮ እንትወሃደ ብምርጫ ነሮም ናብ ስልጣን ዝወጽኡ ዝነበሩ። ንህዝቦምን ንሃገርም´ውን ከምዚ ከም ኢሳያስ ብዘስካህክህ ግፍኢ ደይይኮነ እንተዋሃደ ሕዝቦም ብሃገሩ ንክሰርህ ንክማሃርን ንክነብርን የፍቅድሉ ነሮም። በጃኹም እባ ´እኮ ፈጺሙ! ቅንእናን ለባምነትን ካብ ሕዝቢ ኤርትራ ስለዝረሃቀን ስለዝተሰኣነን እንበር፣ ኣብዚ ዓለም´እኮ ከም ኢሳያስ ድኹም፣ ጨካንን ኣረመኔን ሰብ ፈጺሙ ኣይተራኣየን።

  • B. Michael August 4, 2014

    demo.archive.assenna.com

    What happened to post below issued on Monday, July 28, 2014? surely, you are aware we lost in its entirety?

    Eritreans Need the UN Commission of Inquiry & the Commission of Inquiry Needs Support from Eritreans.

    Could you, please, explain?

    B. Michael

  • THOMAS TEWELDE August 6, 2014

    “ኣማhttp://www.sbs.com.au/yourlanguage/tigrinya/highlight/page/id/352212/t/Interview-with-Elsa-Chyrum-Part-2/ኒኤል ኢያሱ እንድሕር ይቃለስ ኣሎ ኮይኑ ክጉስጉስ እምበር ንዝሰርሑ ከካሻምሽ ኣይንጽበዮን ኢና” ኤልሳ ጭሩም ፡ Interview with Elsa Chyrum Part 2 SBS RADIO

  • THOMAS TEWELDE August 6, 2014

    “ኣማኒኤል ኢያሱ እንድሕር ይቃለስ ኣሎ ኮይኑ ክጉስጉስ እምበር ንዝሰርሑ ከካሻምሽ ኣይንጽበዮን ኢና” ኤልሳ ጭሩም ፡ Interview with Elsa Chyrum Part 2 http://www.sbs.com.au/yourlanguage/tigrinya/highlight/page/id/352212/t/Interview-with-Elsa-Chyrum-Part-2/

  • gedem August 6, 2014

    ቅድሚ ኹሉ እዚ ጉዳይ’ዚ ሃገራዊ ጉዳይ ምዃኑ፣ ጸገም ህዝቢ ኤርትራ ብሕልፊ ድማ ወጽዓ ግዳያቱ ንምምርማር ዝቖመ ኮምሽን ከምዝኾነ ክንፈልጥ ይግባእ። ‘ሳላይ እዩ ተፈጢሩ፣ ውላደይ እኮ እዩ፣ ርኣዩዎ ‘ሞ ክጽብቕ’ እናበልካ ምንያትን ጃህራን ክግበረሉ ዝግባእ ኣይኮነን። እዚ፣ ልክዕ ከምቲ ቅድሚ ቁሩብ እዋናት፣ ከማና ንዝተጸገማ ሃገራት ማእከላይ ኣፍሪቃ (Central African Republic) ከምኡ ‘ውን ንሶርያ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተዋህበ፣ ንኤርትራ ‘ውን ዝተወሰነላ፣ ድምር ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራን፣ ድምር ጻዕሪ ኤርትራውያንን ኣህጉራውያን መሓዙት ህዝቢ ኤርትራን ዘፍረዩዎ እምበር፣ ብ ለበዋ ወይ ሎቢ ሓደ ውልቀሰብ ዝተረኽበ ውሳኔ ኣይኮነን። ዋንኡ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰለት፣ ብጽፍጻፍ መስዋእቲ ተረኺባ መቓልሕ ስዉኣት ዘይስምዓላ ሃገር፣ ናይ ታዕሪፋ ጌርካ ናይ ቕርሺ ዘረባ ቁሩብ ከሕንከና ይግባእ። ህዝቢ የዒንቲ ኣለዎ ክምስክር ‘ዩ፣ ተግባር ከኣ ኣፍ ኣለዎ ባዕሉ ክዛረብ እዩ። ልብን ቀልብን ኣብ ቀንዲ ጉዳያት ከተኩሩ ኣለዎም። ኣብዚ እዋን’ዚ ዝድለ ዘሎ፣ ነቲ ዝዓበየ ዕላማ ንምዕዋት አእጃምና ምብርካት እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዝንባለ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ክርአ ‘ኳ እንተጸንሐ፣ ብመንጽር ኣገዳስነት ናይ’ዚ ዕማም’ዚ፣ ነዚ ጉዳይ’ዚ ከምቶም ዝሓለፉ ሸለል ምባሉ ድኽመታት ከምጽእ ስለዝኽእል፣ ህዝቢ ክልብመሉ መታን ምጥቃሱ ኣገዳሲ ይኸውን።

    This paragraph cleary says the writers intention.Dont try to cover up your ill-feeling towards others in the name of Eritrean people .If you are standing against DIA ,you better come up with ideas that supports every one who is fighting DIA.You are breaching Eritrean unity and trust by infltrating some distractive ideas.come clean and focuse on overthrowing the dictator .

  • nati August 6, 2014

    @gedem
    if we knew yesterday what we know today things would have been different my friend. today we know who exploits our suffering for his own good and who stands by the people no matter what. it is no secret that Amanuel Assenna has enemies. we also know who they are and what their intentions are. Elsa as someone in this forum has called her ‘cheguara’ or was is arazazene has been spreading venom all over the place for a while now. we know what she has been saying. it is ironic though that she decided to fight against someone who is doing more than his fair share to save a people and a nation. her intention to pick up a fight was in vain this time around. for i believe Mr. Amanuel does not give her the time of day. that must be frustrating for her because i know from personal experience she is someone who goes picking up fights. poor cheguara! the point of the matter is her and medrek’s nightmare has become a reality: Assenna has become the beacon of hope for Eritreans. by the way gedem no one expects them to like that. because by now we all know what they are after. so i wish their messengers of puppies loads of luck in their mission to tarnish a good name. you get paid by chaguara and arazazene to do the dirty work. you deserve pity. apart from that no one takes cheguara, arazazene and puppies seriously. work hard and you will achieve but you guys are so lazy that you know you would never work as hard as Amanuel so the best thing to do for you is to work against him.

  • nati August 6, 2014

    Daniel Teferi said,
    በትሪ ሓቂ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን ኢዩ ደቂ ዓበይቲ። ንሕና እናርኣና ከምዘይርኣና ክንከይድ ዝጸናሕና ስቓይ ህዝብና እንተተቓለሐ ዶ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ህጹጽ ፍታሕ ይረክብ ኢልና ከምዝኾና ዘይፈልጥ ደላይ ጽቡቕ ህዝብና የለን። ይኹን እምበር ከም በዓል ኤልሳ ጭሩም (ኣባ ጨጎራ) ዓንደብራሃን መጫፍርቱን ኮራኹሮምን (ዓረዛዝነ) ነዚ ንሕና ኤርትራውያን ደቂ ህዝቢ ህጹጽነት ተሰሚዑና እስከ ይኹን እናበልና ዘሕለፍናዮ ከም ስራሕ ዓያሹ ቆጺሮሞ ምስ ዓያሹ ሰሪዖምና ካብ ደለይቲ ፍትሒ ግቡእ ሕቶን ግቡእ ነቐፌታን ክልዓል እንከሎ ኣብ ክንዲ ግቡእ ምላሽ ምሃብን ብቕንዕና በደልካ ኣሚንካ ንህዝብኻ ክትክሕስ ምጉያይን ናብታ ናይ ህግደፍ ምዃና ኩልና ኣዳዕዲዕና ንፈልጣ ንዉፍያትን ተባዓትን ተቓለስቲ ንምጽልም ትጓየ ኣንጭዋ ዝኾነት መንበድበዲት ኣብ ጽላል ዕሱብ ወዲ ጀነራል ተዓቚቦም ኣንጻር ደለይቲ ፍትሒ ክንቀሳቐሱ እናርኣናዮም ሱቕ በሉ ክትብሉና ዓገብ ኢዩ። ሓቂ እንተልይኩም ዓገብ ክትብሉዎም ዘለኩም ነቶም ሓዊ ክጽሕትሩ መናእሰይ ኤርትራ ከም መሳርሒ ተጠቒሞም ከናቑቱ ኣብ መንጎ ደለይቲ ፍትሒ ስምምዕ ከምዘይርከብ ዝገብሩ ዘለዉ ንኣሰናን ንኣቶ ኣማኑኤል ኢያሱን ኣብ መስከረም ክውንጅሉዎ እንከለዉ ዓገብ ምበልኩም። ናትኩም ነገር ግን ዕበጦ ዕበጦ ኢልካ ሓቂ ረጊጽኩም ቅኑዕ ይወንጀል ሞ ኣፉ ሒዙ ኩሉ ይግደፎ እቲ ወንጃሊ ከኣ ከምድላዩ ይህለል ኮይኑና። ወዲሃገር ህግደፋዊ ትብለኒ ንስኻ ኸ ኩርኩር መድረኽ ወይ ኩርኩር ኤልሳ ጭሩም ዲኻ? መድረኻይት ወይ ከኣ መድረኻዊ ኢለካ ኣለኹ። ብዛዕባ ኣብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንንቀሳቐስ ኣለና ንህግደፍ ንቃወም ኣለና እንዳ በሉ ኣንጻር ተቓለስቲ ዝዓጠቑን ህግደፍ ክጽገን ምበር ካብ ሱሩ ክምሖ የብሉን ዝብሉና እቲ ሓቂ ስለዝተዛረብና ህግደፋውያን ክትብል ኣይትሓፍርን ቁሩብ። መድረኽ ኮ ካብ ደገፍቲ ህግደፍ ዝገደደ ህግደፍ ኢዩ ምኽንያቱ ሲ እቶም ደገፍቲ ለውጢ ምስ መጸ ምስ ቲ ሓድሽ ስርዓት ኮይኖም ከዳኽሩ ኢዮም። መድረኽ ግን ህግደፍ ይንበረልና ንዘልኣለም ኢዮም ዝብሉና ዘለዉ። እንታይ ይመስለካ ምውርዛይ ጥቕሚ የብሉን። ሓቂ ተዛረብ ሞ ኣብ መንገዲ ባቡር ዋላ ኣብ መንገዲ ውሕጅ ደቅስ። እዚኦም ኤርትራዊ ኣበይ ኮይኑ ይቃለስ ክውሱኑሉ ዘይሓፍሩ ፍጮ ክስተኻኸሉ እንተዘይኮይኑ ከኣ ክእለዩ ኣለዎም። ኤልሳ ኣባ ጨጎራን ጅንዳ ዓንደብርሃን ዓረዛዝነን ኮራኩሮምን ግን ንፈልጦም ስለዝኾና ኣይትውቀሱዎም ኣይትብለናን ኢኻ። ንሳቶም ሰብ ክውንጅሉ ሓግዮም ኣለዉ ንሕና ግን መሰረት ዘለዎ ዘረባ ኢና ንዛረብ ዘለና። እምበሺ ኳ ዳኣ ኣነ ሓንቲ ናብ ኣቶ ኣማኑኤል ኢያሱ ዝቐንዐት ነቐፌታ ኣላትኒ። ንምንታይ ኢዩ ነዚ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኮይኑ ዘሎ ኣንጻሩን ኣንጻር እታ ድምጺ ዉጻዓት ኣሰናን ዝቐንዐ ጎስጓሳት ዘይዓጥቀሉ? ሕሉፍ ሓሊፉዎም ኣሰና ናብ ዋንነት ህዝቢ ክትሰጋገር ኣለዋ ክብሉ ኣፎም መሊኦም ዝዛረቡ በዓል ኣባጨጎራ ክዳን በጊዕ ተኸዲንካ ስራሕ ቶኽላ ክሳብ ለይቲሎሚ ተጻዊርናዮ ኢና። ግርም እምበር ባድላን ክራቫታን ጌርካ ሸነን ናብ ማይክሮፎን። ወዳጀ ውራይ! ሰይ ኮቲ! ኣያ የኽፍኣልካ ኣሎ ኣበይ ድኣ ቐኒኻ ዝብሎ መንእሰይ ምስ ተረኽበ ከኣ ናብ መስከረም ኬድካ ርድኡኒ ክዛረብ ደልየ ኣይንሰምዓካን ኢሎምኒ ደለይቲ ፍትሒ ይብሃል። ወረ ጠሪጣስ ተትሓንከለይ ትብል ኣሞይ ተበርህ። i like this guy. what about you gedem? i hope you do.