am proud what wrote our hero massages
this is remanded what was our brothers in the fighting with enemy
i am happy and dissuaded what i can do my self for our people
thanks very much for the perfectly massage
Kbur haw, selamtay tekeble. Ezi abahahla hak net alewo. Sala ezom tebaat tegadelti kulum bjeka Isayasn etom gugmangug mesharktun nhayalat mengstat deremomn nhayal serawit Ethiopia serom zkfel kefilom Hager netsa zgeberu yehwat eyom nskawn tfelton tekbron eyu. Isayas kihidu nhna kem terekebti hadera ferihna trah zeykones nswatnan resiena.
So please you and all of us mast unite with out any preconditions and get rid Isayas and his gug mangug supporters.
Kuluna beja swaatna nhlef.
Thank you kubur haw.
Abnesa As mara yerakbena.
I think and believe that it is a curse to die and be disabled for the sake of the Eritrean people.
People who paid dearly are forgotten and hardly respected , while the thieves, torturers, and killers like Iseyas were respected although at this time by few.
The war disabled are living in a very deplorable condition at this time, where no running water, electricity, and above all the sewage system is overflowing and resulting in unbearable smell.
The life and living condition for war disabled is hellish.
Therefore, ing and maiming for our people -zibereke tsehayom and zimese nighsom is meaningless.
I have great respect for our “SUNKILAN TEGADELTI”. Thank you for your deep and touching analysis of the situation.
Your main target seems to be only Isayas. I wish you also gave us names of your compatriots who are assisting him to destroy our country.
I believe the objectives of Hizbawi Genbar were tarnishing many years before independence.
Otherwise you will be remembered for ever in our history.
When Eritreans gather to commemorate Martyrs day under HGDF office
initiatives while issues in concern of our disabled veterans had
been ignored made people look phony . I always believe disabled
veterans deserve highest regard second to our MARTYRS . And to
politicize their cases was misleading and irresponsible efforts
to justify higher-up failed policy . In fact they are in dire
need of humanitarian assistance than words of appreciation .
When I think about their plight inside the country and in Sudan,
I feel ashamed from self guiltiness as an Eritrean because we
we were followers rather than act independent players .
tesamo nfthiy April 6, 2016

naybhaky hmak weldo zekones hmack abnet bkdmena sleztnhana enna jajewty kona
ember nmeselu zkatae aya mherna entzkwun abey mhalena gn tem bel lkbat endtbhlna
zabena da enty zygebrna balatom lekbet kelowu naana kndnker germuna
tgadeltn agelglotn felalyomna bzkne nay bhky ab angeka zatu melekty bmsdadkum yemsgnkum
ተወልደመድኅን April 6, 2016
ዝከበርኩም ተጋደልቲ ኣብዚ ኣሰካፊ ኩነታት’ዚ ድምጽኹም ምስማዕ ክነኣኣስ ዘይግበኦ ተግባር’ዩ።ነቲ ክትብልዎ ዝደለኹም’ውን ብግቡእ እርደኦ።ግን ሓንቲ ሕቶ ክሓተኩም፡ ……………………………………………………………………………………..ቅድሚ ሕጂ ሓደ ጀነራል ( ወዲ ልብሱ ) ህግ ወዲ ኣዳም ክጻወሮ ዘይክእል ተጻዊሩ’ዩ ናጽነት ኣምጺኡ ክብል ሰሚዔ ኔረ።ንሱ ከም ምግናን ክወስዶ ይኽእል ዝብል ግምት ኔሩኒ።…….ሕጂ ከኣ ኣብ ጽሑፍኩም ፍጡር ወዲ ኣዳም ክጻወሮ ዘይክእል ጽንኩር ኩነታት ብጽንዓት ተጻዊርና…..ዝብል ጽሑፍ ኣሎ።ብልክዕ ክንመዝኖ እንከሎና፡ወዲ ኣዳም ክጻወሮ ዘይክእል ኩነታት እንተኔሩ፡ካብ ወዲ ኣዳም እንታይ ዓይነት ፍሉይ ህያብን ክእለትን ስለዘለዎ’ዩ ተጋዳላይ ክጻወሮ ኪኢሉ።ምግናን ድዩ ብሓቂ ከም ኡ ዝበለ ኣረኣእያ ኣለኩም።ናብራ ገድልን ኩነታት ቃልስን ጥዑም ዘይምኳኑ፡ንናይ ምቅላስ ድሌትካ ይኹን ካልእ ባህግታት ዘሰናኽል ምዃኑ ኣይስሕቶን’የ።ግን ተደጋጋሚ ወዲ ኣዳም ክጻወሮ ዘይክእል……ተጋዳላይ ወዲ ኣዳም’ዶ ኣይኮነን።እቲ ኣዘራርባ ናብቲ ንሕና ፍሉያት ህዝቢ ኢና፡ህዝቢ ኤርትራ ፍሉይ ህዝቢ’ዩ ናብ ዝብል ንገለ ሰባት ኣጸሊሉ ዘሎ ማለት ልክዕ ናይ ኣተሃሳስባ ናዚስት ክንሕዝ ጌሩና ዘሎ ኣዘራርባ ህግደፍ’ዩ ዘመሳስል።ብናተይ ኣረኣእያ ጽንኩር ኩነታት ሰጊርና ኢና ኣብዚ በጺሕና ምባል ወሓለ ቃል’ዩ።ነቲ ክትብልዎ ዝደለኹም ቅምጥ ኣቢሉ ዝገልጽ’ዩ።እንተ’ዚ ወዲ ኣዳም ክጻወሮ ዘይክእል ምባል ግን ነቲ ህግደፍ ፍሉያት ኢና፡ፍሉይ ህዝቢ’ዩ ህዝቢ ኣኤርትራ፡ኣመራርሓና ፍሉይ’ዩ እናበሉ ዜጋታት ኣበላሽዮም ዘለው ዝሕግዝ ቃል’ዩ እሞ፡ክትህቡዎ ዝደለኹም መሃሪ ኣራሚ ኮይኑ ምእንቲ ክቅረብ ካብ መጠን ንላዕሊ ዝተጋነነ ቃላት ንዮው ምባል ንመልእኽትኹም የመቆሮ’ዩ።
Afo April 6, 2016
Kbur haw, selamtay tekeble. Ezi abahahla hak net alewo. Sala ezom tebaat tegadelti kulum bjeka Isayasn etom gugmangug mesharktun nhayalat mengstat deremomn nhayal serawit Ethiopia serom zkfel kefilom Hager netsa zgeberu yehwat eyom nskawn tfelton tekbron eyu. Isayas kihidu nhna kem terekebti hadera ferihna trah zeykones nswatnan resiena.
So please you and all of us mast unite with out any preconditions and get rid Isayas and his gug mangug supporters.
Kuluna beja swaatna nhlef.
Thank you kubur haw.
Abnesa As mara yerakbena.
ኣርዓዶም April 7, 2016
ተወልደመድህን
ጽሑፍካ፡ ካብ`ቲ ሕመረት ጽሑፎምን ሓሳባቶምን ፍልልይ ኣለዎ። ኣቶ ትወልደመድህን፡ ምናልባት ንሶም ከም ኣንበሳ ንዓረር ክንዕቑን፡ ምናልባት 20 ምዓልታት ወይ ልዕሊኡ፡ ብዘይምግቢ ምስ ከቢድ ኩነታት ወይ ልዕሊኡ ዝሓልፍ ከቢድ ህሞት ከምዝሓለፉ ህያው ዝረኣናን ሰብነቶምን ይነግርን ኢዩ።
`ፍጡር ወዲ ኣዳም ክጻወሮ ዘይክእል` ስለዝበሉ መምህር ኮይንካሎም። ኣብ ባህልና እዚ ኣዘራርባዚ ንቡር ኢዩ፡ እዚ ድማ ከም ኣዝዩ ጽንኩ ኩነታት ዝሓለፉ፡ ማለት ኣብ`ቲ ንፍቕሪ ህዝብን ሃገርን ዝግበር ቕልስ፡ ምናልባት ኣብ ዓለማት ዘለዋ ሃገራት ነናተን ባህልን ልምድን ኣቐላልሳ ይህልወን ኢዩ።
እዚ ድማ፡ ገሊኦም ሰባት፡ ጽምኢ ዘይጻወሩ` ጥምየት ዘይጻወሩ፡ ኣብ ኩናት ሕማቓት ወይ ክትኩሱ ዘይክእሉ ዝውንና ሃገራት ብዙሓት ኢየን። ልክዕ ብጥበብን ፍርያትን ልዕሊ ሰብ ኢና ዝብል ግምት የብለይን፡ እንተ ብጽንዓትን ቖራጽነትን መጺኻ ግን ከም`ቲ ዝበልዎ ኢዩ፡ ካብ ዝሓለፈ ርብዒ ዝመን ገዲፍካ፡ ከም ኤርትራዊ ወይ ኤርትራዊ ተጋዳላይ ኣይነበረን።
ኣቶ ተወልደመድህን ግን ክትዋራዘ ፈቲንካ፡ ልክዕ ሎሚ ንኤርትራዊ እንተተዋራዘኻሉ ኣየኽፍኣልካን ኢዩ፡ ግን ነቲ ዝሓለፈ መስተንክር ትብዓትን ተጻዋርነትን መምህር ክትኮነሉ ምፍታን፡ ሃየንታ ኢዩ። ካልኣይ ድማ፡ መልሓስካ እኮ ዘየጽረኻ፡ ዝሰምዓካ ድኣ ድሩት ይኸውን እምበር፡ ኣምሓርኛኻ ገርካ እንተትጽሕፈሎም ከማን ቑሩብ መጸበቐልካ።
ቐጺለ ክብሎ ዝደሊ ግን ካብ`ቲ መልእኽቲ ወጻኢ ምጽሓፍ ኣድላይ ኣይነበረን።
ክብሪ ንጀጋኑ ስንኩላን ተጋደልቲ
ዘለኣለማዊ ንስው ኣትና
ህግደፍ ኣብዘለዎ ይጽደፍ
ተወልደመድኅን April 7, 2016
ዝኸበርካ ኣርዓዶም ፡
ጽሑፈይ ብግቡእ ኣይተረዳእካዮን።ስለዘይተረዳእካዮ ኢኻ ከኣ፡ኣፍካ ዘየጽረኻ በምሓርኛ እንተትጽሕፍ ሰብ ምተረደኣካ ዝብል ኣስፊርካ ዘሎካ።ምናልባት ጽሩይ ትግርኛ ክጽሕፍ ኣይክእልን።ትግርና ከኣ ብባህሊ’ምበር ኣብጽሑፍን ኣብ ምንባብን ዝተመስረተ ምስ ናይ ሰዋስዉ ኣይተመሃርናን።ኣነስ ተማሂረ ትብል እንተኾንካ ኣይካታዓካን።
ምላሽካ ሃናጺ ዘይኮነ ናይቲ ኤርትራዊ ባህሊ እናኾነ ዝመጽእ ዘሎ ምቁንጻብ ምጽራፍ ወይ ዘሰክፈካ ስለዝኾነ ብእዋኑ ምድቋስ፡ብሰባት ከምዝጽላእ ምግባር ዝብል ባህሪ መለኽቲ’ዩ።
እዚ ነዊህ መልእክቲ ክጽሕፉ ንማለቱ ኣይኮነን።ሰባት ምእንቲ ክምህሩ፡ኣብ ኣድላይ እዋን’ዩ ዝመሓላለፍ ዘሎ።ግን እቲ መልእኽቲ ከኣ በቲ ኣገባቡ ደኣ ክኸውን ኣለዎ’ምበር ካብቲ ህግደፍ ዝዝምረሉ ቃላት ዝረሓቐ ክኸውን ኔሩዎ።እዚ ከኣ ምውርዛይ ኣይኮነን።ዝኾነ ጽሑፍ ሃናጽን ድኹም ጎድኒ ኣለዎ፡ስለዚ ነቲ ኣድላይነት ዘይብሉ ሰባት ናብ ሕማቕ ኣተሓሳስባ ክመርሕ ዝኽእል ስለዝኾነ’የ መልእክተይ ዘስፈርኩ።ንባዕልኻ’ውን “ምናልባት ንሶም ከም ኣንበሳ ንዓረር ክንዕቑን፡ ምናልባት 20 ምዓልታት ወይ ልዕሊኡ፡ ብዘይምግቢ ምስ ከቢድ ኩነታት ወይ ልዕሊኡ ዝሓልፍ ከቢድ ህሞት ከምዝሓለፉ ህያው ዝረኣናን ሰብነቶምን ይነግርን ኢዩ ” ዝብል ጽሑፍ ኣስፊርካ ኣሎኻ።መግቢ ዘይብሉ ዘይኮነ ብቅሩብ ቁራቦ ዝተሃልፈ፡ሽኮር ተበጽቢጹ ይኹን ንጋፍ ናይ ካሻ እናኣለኻ ዝተሃልፈ ኩነታት ክህሉ ይኽእል።ካልእ’ውን ኣጸጋሚ ከምዘሎ ፍሉጥ ‘ዩ።20 መዓልታት ወይ ልዕሊ ብዘይመግቢ ዝከይድ ወዲ ኣዳም ክሳብ ሕጂኢ ኣይተራእየን።ምናልባት ቃልሲ ዘይፈልጥ ቢደይ ዘይተንከፍኩዎ ወዲ ሹቕ ኮይኑ ይስመኦኣካ ይከውን።ወዲ ኣዳም ኮይኑ ንዓረር ዝንዕቕ እንተልዩ ሕጂ’ውን ካብ ወዲ ኣዳም ፍልይ ዝበልካ፡እቲ ህግደፋውያን ኣብ ኣእምሮና መሊኦም በቲ ቃላት’ቲ ክገዝ ኡና ዝገብሩዎ ፈተነ ትፍትን ኣሎካ ወይ ገና እቲ ቃላት ናይ ህግደፍን ኣሰራርሃኡን ብፍልስፍና ትቕበሎ ብገለ ጉዳያት ምስ ህግደፍ ዘይትሰማማዕ ማለት’ዩ።
ብሕጽር ዝበለ ብድላይካ ሰዶ ጽሑፈይ፡ጌጋ መልእኽቲ ምሃብ ንቖጠብ።እቲ ጌጋ መልእኽቲ ግጉያት ሰባት’ዩ ዘፍሪ።ግጉይ ሰብ እንተፈርዩ ከኣ ተመሊሱ’ዩ ንዓና ነቶን ጌጋ መልእኽቲ ዘመሃላለፍና ዝጎድኣና ንምባለ ደልየ’የ።ተረዳእ ሳዋ፡ቕምጥ ኢሉ ህግደፍ ዝደልዮ ዜጋ ንምህናጽ ዝተፈጥረት’ያ።ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ኣብኣ ተበቲኹ’ዩ።ዝተረፈ ከኣ ከምዝስደድ ጌሮሞ ኢዮም።እዚ ኩሉ ጌጋ መልእኽቲ ሂቦም ስለዘሰልጠኑዎም’ዩ’። ሎሚ ፍሉይ ኣረኣእያ ዘይብሉ ላንጋላንጋ ወለዶ ምኳኑ ከኣ ብሰንኪ’ቲ ጌጋ ትምህርቲ’ዩ።ስለዚ ሕጂ’ውን ንስካ ብዝደለካ ውሰዶ ኣነ ናይ ምትህልላኽ ወይ በለጸኒ መን ፍለጥ ኢሉዎኦኦኦ ዝብል ሕማቕ ባህሪ የብለይን።ብንጹር መልእክትና ንጹር ዜጋ ይምዕብል፡ንጹር ዜጋ ዘለዋ ሃገር ከኣ ኩሉ እቲ ቀዳውን ጽቡቕ መገዲ ትህዝ ስለዝኾነ ጽባሕ ምእንቲ ንሕና ቀዳሞት ተጠቀምቲ ክንከውን ንጹር መልእኽቲ ነመሃላልፍ።እዚ ወድሃንካ….
ኣርዓዶም April 7, 2016
ኣቶ ተወልደመድህን
“እዚ ነዊህ መልእክቲ ክጽሕፉ ንማለቱ ኣይኮነን።ሰባት ምእንቲ ክምህሩ፡ኣብ ኣድላይ እዋን’ዩ ዝመሓላለፍ ዘሎ።ግን እቲ መልእኽቲ ከኣ በቲ ኣገባቡ ደኣ ክኸውን ኣለዎ’ምበር ካብቲ ህግደፍ ዝዝምረሉ ቃላት ዝረሓቐ ክኸውን ኔሩዎ።”tewoldemedhn)
ክሓተካ`ሞ ፡ ኣብዚ ጽሑፍ እንታይ`ዮም በዲሎም ! `እታ ፍጡር ወዲ ኣዳም ክጻወሮ ዘይክእል` እትብል ሓዊሶም ዲኻ፡ ክንድዚ ኣዛሪባትካ ወይሲ ካልእ ኣጀንዳ ኣለካ።
እቲ ከይስዕርር እትብሎ ዘለኻ ስክፍታ እንታይ ኢዩ ? እዚ ህዝቢ ብኽንደይኩም ክህደን ትደሊ? እቲ ሓቒ ከም`ቲ ስንኩላን ተጋደልቲ ዘብርህዎ፡ ብዓቕመይ ከረድኣካ ፈቲነ፡ ንሶም እውን ኤርትራዊ ብኣና ትወጺዑ ኢዩ፡ ኢዮም ዝበሉ፡ ግን ኣቲ ቕድሚ 25 ዓመታት ዝነበረ ምድሪ ዘይወድቕ ትብዓቶም ጂግንነቶምን ኣብዚ ፈታኒ እዋን እዚ የድልየና ጥራይ ዘይኮነ ካብኡ ሃልዩና ነዚ ጨቝኒ ጠላም ስርዓት ካብ ስሩ ምሒና ክንድርብዮ ምሓገዝና።
ሕጂ ነዚ ከም ስክፍታ ወይ ትዕቢት ዝደለና ገርካ ኣይትረድኣዮ፡ ንሓቒ ሓቒ ንሓሶት ሓሶት ኢልና ንፍረድ። ኣብ ግዚኦም ከም ሽደን ኣናብስ ኢዮም ነይሮም፡ ብዘይካ ናጽነት ኤርትራ ድማ ካልእ ኣይተራእዮምን። ኣነ ነቲ ትብዓቶምን ተጸዋርነቶምን ድኣ እየ ዝድንቖም ዘለኹ እምበር፡ በቲ ኣገባቦም ኣይኮንኩን ዘድነቅክዎም። ንሶም እውን ደጊሞም ነብሶም ነቂፎም፡ ብሰንክና ብሰንኪ ስቕታና፡ እዚ ኩሉ ክፉእ ድሕሪ ናጽነት መጽዩን፡ ህዝቢ በታቲኑን፡ ኢዮም ዝበሉ።
እዚ ወለዶ፡ ልክዕ ብኣገባብ ኣመራርሕኦም ክኸይድ ኣይምነየሉን ኢየ፡ በቲ ዝነበሮም ትብዓትን ተጸዋርነትን ግን እወ ዘይክሓድ ሓቒ ስለዝኮነ፡ ነዚ ወለዶ ከም`ኡ ክህልዎ ይምነ።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ህዝብን መንእሰያትን፡ ተዳሃልቲ፡ ኣንነት ዘይስምዕም፡ ተገዛእቲ ፈራሓት ምእዙዛት ክኾኑ ትምነ ትሃሊኻ፡ ጌጋ ኢዩ፡ ብርግጽ ድማ፡ እቲ ትምኒት እንሆ ኣብ ዓይንና ንርእዮ፡ ብዘይካ ተበላጽን ንዓይ ይጥዓመኒ ብሃልን እምበር፡ ሃገርይ ሓወይ ክሕግዝ ንሓርነት ክቓለስ ዝብል መንእሰይ የለን።
ነቲ ጽቡቕን ሓቐኛን ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ተስዒብና፡ ሕጂ`ውን ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቐረባ ክኸውን ይኽእል ኢዩ፡ ከምዚ ትብሎ፡ ኣይተሻድኖም ወዘተ ኢልካ ምሕሳብ ግን ጠቓሚ ኣይኮነን።
የቐነይለይ
ክብሪ ንጀጋኑ ስንኩላን ተጋደልቲ ኤርትራ
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ስውኣትና
ህግደፍ ምስ ደገፍቱ ይጽደፍ።
ተወልደመድኅን April 8, 2016
ክቡር ሓው፡
ፈለማ ክብሎ ዝደሊ ኣነ ተጋደልቲ ወይ ብውጉኣት ሓርነት’ምበር ብስንኩላን ኣይፈልጦምን’የ።ስንኩልን ውጉእ ሃርነት ፍልልይ ኣለዎ።ስንኩል ማለት ካብ ኣወላልዳ ኣትሒዙ ጸገማት ዘለዎ፡ብፍላይ ናይ ኣእምሮ ምስዝከውን።ኣዚኦም ግን መውጋእቲ ዘለዎም ሰባት’ምበር ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎም ኣይኮኑን።ስለዚ ንስካ ክተጸብቖም ደጋጊምካ ስንኩላን በሎም።ኣነ ግን ተጋደልቲ ወይ ውጉኣት ሓርነት’የ ዝብሎም።እዚ ስንኩላን ዝብል ቃል ብመሰረቱ ኣብቲ ብመጽናዕቲ ተሰንዩ ዘይዝረበሉ ዝነበረ ግዜ ቃልሲ ቀስ እናበለ ዚ ኣተወ ሕማቕ ስለዝኾነ ይቅጽል ኣሎ።እዚ ካብቲ ሕማቕ ቃል ዝብል ወቐሳይ’ዩ።
ቀጺለ ኣነ ይተሃላለኽ ወይ ከኣ መን ፈላጥ ጌሩካ ወይ መን ፈላጥ ገይሩዎም፡ኣነ ትግርኛ ጽቡቕ ዝኽእል ፈላጥ’የ ኢለ ፡እቲ ካብ ነዊሕ ጀሚሩ ብገሊኡ ካብ ኅብረተሰብና ቀጺሉ ብግዜ ሰውራ ኣዳዕዲዖም ተጃሃርትን መን ከማይ ክንብል ዝመሃሩና ኣብ ርእሰይ ሰፊሩ ዕንኪልል ኣቢሉኒ ኣይኮንኩን ዝጸሓፍኩ ፈለማ።
ኣነ ዝጸሃፍኩ ወላ ንእስቶ ትኹን’ምበር ሕማቕ ንምእላይ ኢዩ።ሕማቕ ስቕ ኢልካ እንተሪኢኻዮ በቲ ሕማቕ’ቲ ዝመጽእ ሰበብ ኣሎ።እቲ ኣነ ዘስፈርኩዎ ነቲ ሎሚ ምብቋሱ ኣብዩ ዘሎ ኣብ ግዜ ቃልሲ ሰላሕ እናበለ ዝ ኣተወ ሕማቕ ኣዘራርባን፡ሕማቕ ኣተሓሳስባ፡ሕማቕ ኣተገባብራ’ዩ።እቲ ጽቡቕ ብጽቡቕ ሃሊፉ’ዩ።ጽቡቕ ስለዝኾነ ከኣ ልክዕ ከምኡ ጽቡቕ ክድገም ኣይክእልን፡ምኽንያቱ ዘጸበቖ ኩነታትን ግዜን ቦታን ስለዝኾነ እቲ ናይ ሽዑ ጽቡቕ ሎሚ ክንጥቀመሉ ወይ ክንማሃረሉ ኣይንኽእልን።ኣብ ግዜ ቃልሲ ናብ ናጽነት ንምብጻሕ ጥራይ ዝተገብረ ስለዝኾነ እቲ ኣገባብ ናብ ናጽነት ኣብጺሑ’ዩ።ድሕሪ ናጽነት ክመጽእ ዘለዎ ኣገባብ ከምቲ ቅድሚ ናጽነት ኩናት ውግእን ነንሕድሕድካ ምስልላይን ኣይኮነን።እቲ ከም ባህሊ ዝተተኽለ ጽቡቕ ክተሓዝ ዘለዎ’ሎ፡ገሊኡ ከኣ እዋኑ ሃሊፉዎ’ዩ።
ኣብ ግዜ ቃልሲ ዝተተኽለ ሕማቕ ሳዕቤኑ ክሳብ ሎሚ ኮለል የብለና ምህላው ኣይትረስዕ።ኣዚ ክክክክኩሉ እክብ ይብሉ’ሞ ናብ ፋሕ ዘምርሑ፡ተኣኪብና ብምጽራፍን ምግጫውን፡ምውቕቃዕን፡ምትህልላኽን፡ከይቀደመኒ ክቅድሞ፡ከይረከበኒ ከርሕቖ ክድህሎ ዝብል ኣብ ግዜ ቃልሲ ሱር ሰዲዱ ዝመጸ’ዩ።ሞራል ተባሂሉ ዝዝረብ ቃል ኣሎ።ኣብ ግዜ ቃልሲ ሞራል ሃቦ ክበሃል ከሎ፡ናብቲ ናትካ ኣረኣእያ ክ ኣተወሉ ዝኽእል ቃላትን ሃሳብን መሊእካ ነቲ ኣብ ርእሱ ዘሎ ከምዝድምስስ ግበር፡ዝኾነ ዘይኮነን ኣካኺብካ ኣደናግሮ፡ከምዘየስተውዕል ግበር’ዩ።ሞራል ብርእሱ ግን፡ንዝኾነ ጉዳይ በቲ ናትካ ናይ ኅልናካ ኣገባብ ነገራት ሪኢኻ ምፍራድ’ዩ።ስለዚ ብዙሕ ኣብ ግዜ ቃልሲ ዝሳዕረረ ሕማቕ ሎሚ ድከትና የጽግበና ኣሎ።
ስለዚ ኣነ ነቲ ንሳቶም ዝበሉዎ ንስካ ከኣ ደጊምካ ልዕሊ ዒይስራ መዓልቲ ብዘይመግቢ ዝብል ምግናን ዝሰምዐ ወለዶ ክሕዞ ዝኽእል ሕማቕ ስለዘሎ’የ ዝጸሃፍኩ።ልክዕ’ዩ ጽሑፎም ንባዕላቶም ዝተጋገዩዎ፡ክገብሩዎ ዝግበኦም ዘይምግባሮምን ካልእ ኣስፊሖም ጠቒሶሞ ኣለው፡በዚ’ውን ኣብ ኣዳላይ እዋን ኣድላይ ጽሑፍ ኢለ’ዮ ኣለኹ።ግን ከኣ ካብ ከምዚ ንስካ ዝበልካዮን ከምቲ ኣብቲ ጽሑፍ ኣስፊሮሞ ዘለው ….ወዲ ኣዳም ዘይሰርሖ…..ዝብል ደጋጊሞም ዝዛረቡ ሰባት ብዙሓት ተጋጢሞምኒ’ዮም።ቃልሲ ጽንኩር ምዃኑ ባዕሉ እቲ ቃልሲ ዝብል ቃል’ውን እኹል ምስክር’ዩ።እቲ ኣጋኒንካ ምጥቃም ግን ባዶ ሰባት ናይ ምህናጽ ወይ ሰባት ኣጃጂኻ ናይ ምሓዝ ዝግበር ህግደፋዊ ኣተሃሳስባ’ዩ።ልክዕ’ዩ ቃላት እንተደጋጊምናዮም፡ንሃሳብና፡ሃሳብና ንባህርና፡ባህርና ከኣ ንዕድልና ይጸልው’ዮም።እዚ ስለዝኾነ’ዩ ዕድል ህዝቢ ኤርትራን፡ዕድል’ትም ውጉኣት ሓርነት እዚ ንርእዮ ዘሎና ኮይኑ ተሪፉ።እቶም ብሸለልትነት ዝደገምናዮም ቃላት ንዝከማና ኣሰኪፎም፡ኣፍሪሆም ኣፎም ክሕዙ ንመላኺ ሰቒሎም።ስለዚ ቃላትና ንጠንቐቐሎም፡ቃላት እንተተኣኪቦም ክንዲ ኩርባ ኮይኖም ክቆጻጸሩና ይኽእሉ፡ብ ኡ ኣቢሉ ከኣ ከባቢና ክንልክም ንኽእል ብማለት’የ።ብዛዕባ’ቲ ጽሑፍን ሒዙዎ ዘሎ መልእኽቲ ብሃፈሻ ኣይተቃወምኩን።እቲ ንስካ ብዛዕባይ ትብሎ ዘሎካ ንዓኻ ዝምልክት’ዩ ንዓኣይ ግን ስኽፍ ኣይብለንን’ዩ።
ወደሓንካ።
ተወልደመድኅን April 6, 2016
መኣረምታ ፡…..ንናይ ምቅላስ ድሌትካ ይኹን ካልእ ባህግታት ዘሰናኽል ሕማቕ ባህሪ ሰባትን ናይ ኣየር ኩነታትን ከምዘሎ …….ተባሂሉ ክንበብ እፈቱ
ኣርዓዶም April 8, 2016
ሰላም ተወልደመድህን ሓው፡
ብዛዕባ`ቲ ናይ ስንክልናን ውጉኣት ሓርነትን ዝብል ቓላት ንእሽቶ ርእይቶይ ክህብ። መቸም ዘረባ እንድሕሪ ደሊኻዮ ብዝኮነ ሰበብ ዘረባ ክትመጥጥን ኣብዘተድሊ ኩነታት ሸንኮለል ክትብልን ይክኣል ኢዩ።
ክቡር ሓው ኣነ ዝጽሕፎን ዝብሎን ዘለኹ ትርድኦ ዘለኻ ኮይኑኣይር ኣይስምዓንን። ምናልባት ከም`ዞም ንዓይ ስምዑ ዝብልዎ እምበር ካልእ ዝብሎ ክሰምዑን ክርድኡን ዘይደልዩ፡ ዓይነታት ሰባት ተኾንካ ኣይፈልጥን።
ብዛዕባ እቲ ውጉኣት ሓርነትን ስንኩላንን ኢልካ ነገራት ዘጋፋሕካዮ ክንምለስ፡ ስንክልና ብመውጋእቲ ኢዩ መጽዩ። ልክዕ ስንክልና ዝተፈላለየ ባህሪ ዝሓዘ ኢዩ። ዕረት ኣሎ፡ ጽመት ኣሎ፡ መቑረጽቲ ኣሎ፡ ካልእ ናይ ሓንጎል ስንክልና`ውን ኣሎ። ከም`ቲ ንስኻ ትሓስቦን ነገራት ተሳብቦን ኣይኮነን፡ ግን ዋላ ኣብ ገድሊ`ውን ኮ ናይ ሓንጎል ሽግር ገጋጥም ንቡር ኢዩ። ኣብ በረኻን ኣብ ገዛን ንዘጋጥም ናይ ሓንጎል ጸገም፡ ፍልልይ የብሉን፡ ስንክልና ኢዩ። ብምንታይ ምኽኒያት ሰንኪሉ ግን ልክዕ ነናቱ ኩነታት ኣለዎ።
ጀጋኑ ውጉኣት ስንኩላን ተጋደልቲ፡ ስንኩላን ስለዝበልኩ ከም ምስትንዓቕ ኣይኮነን፡ ስንክልንኦም ጅግንነት ምኵኑ ንኣምንን ነኽብሮምን፡ ንሶም እውን ብስንክልንኦም፡ ልክዕ በዚ ዘሎ ኩነታት ሃገርና ሕጉሳት ኣይኮኑን እምበር፡ በጃ ህዝቢ ምንባሮም ሕጉሳት ኢዮም። እቲ ቕይኦምን ክብረቶምን ኣብ በትኡ ከሎ፡ እቶም ብኻልእ ምክንያት ዝሰንከሉ ከ ንምንታይ ክብሪ ይንፈጎም ! ንሶምሲ የሕዋትና እንድዮም፡ ንስንክልና ስም ተውጺኻሉ፡ ንሶም ከ ብስንክልንኦም ክትጽውዖም ደስ ይብሎም ድዩ፡ ኣብ ስንክልና ኣቲኻ ምጉንጫል ዋላሓንቲ ጥቕሚ የብሉን፡ ንውጉኣት ስንኩላን ተጋደልቲ፡ ኣቲ ዝግብኦም ድኣ ገበረሎም እምበር፡ ኣብ ኣጸዋውዓ ኣቲኻስ ኩሉ ሓደ ኢዩ፡ ስንክልና ስንክልና ምዅኑ ኣይተርፎን ኢዩ።
ብዛዕባ ዝነበርዎ ኣነ ኣየጋነንኩን፡ ኣጋኒንካ ልዕሊ 20 ምዓልታት ብዘይመግቢ ነይሮም ኢልካ ትብል ኣለኻ፡ እወ ነይሮም መጽሓፍቲ ታሪኽ ኣንብብ፡ ኣብ ኩናት ዘይውዓለ በሊሕ ኮይንካ እምበር፡ ብኹባያ ሽኮር፡ ብሓንቲ ኩላሶ መግቢ፡ ን ኣዋርሕ ኩናት ክትገጥም፡ ጽንዓትን ተስፋን ተወፋይነትን የድሊ። እዚ ስለዝነበሮም ድማ፡ ዘይክሓድ ሓቒ ኢዩ፡ ጅግንነቶም ኣብነታዊ ኢዩ።
ዘይቅበሎ ነገር ተሃልዩ ግን፡ በቲ ዝምርሕሉ ዝነበሩ ኩነታትን ድሕሪ ናጽነትን ኢዩ። እቲ ኣመራርሓ ይኹን ኣገባብ ቕቡል ብዘይምንባሩ፡ ሃገርን ህዝብን ኣብ ከምዚ ደልሃመት ክወድቕ ክኢሉ።
ክብሪ ንውጉ ኣት ስንኩላን ጀጋኑ ተጋደልቲ
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና
ህግደፍ ምስ ስዓብቱ ይጽደፍ።
ተወልደመድኅን April 9, 2016
CIAO MNYIA KOLEL
k.tewolde April 6, 2016
Even though the pledge is directed to one segment of the population, it is a timely,self frisking,yesteryear reminding call. It’s never too late.
Teweldeberhan Araya April 6, 2016
Hi I am Esaias’s against.
My name is Teweldeberhan Araya from Sweden,Gothenburg
I want freedom and democracy in Eritrea
Berhe Tensea April 6, 2016
I think and believe that it is a curse to die and be disabled for the sake of the Eritrean people.
People who paid dearly are forgotten and hardly respected , while the thieves, torturers, and killers like Iseyas were respected although at this time by few.
The war disabled are living in a very deplorable condition at this time, where no running water, electricity, and above all the sewage system is overflowing and resulting in unbearable smell.
The life and living condition for war disabled is hellish.
Therefore, ing and maiming for our people -zibereke tsehayom and zimese nighsom is meaningless.
semere 2 April 6, 2016
I have great respect for our “SUNKILAN TEGADELTI”. Thank you for your deep and touching analysis of the situation.
Your main target seems to be only Isayas. I wish you also gave us names of your compatriots who are assisting him to destroy our country.
I believe the objectives of Hizbawi Genbar were tarnishing many years before independence.
Otherwise you will be remembered for ever in our history.
AHMED SALEH !!! April 6, 2016
When Eritreans gather to commemorate Martyrs day under HGDF office
initiatives while issues in concern of our disabled veterans had
been ignored made people look phony . I always believe disabled
veterans deserve highest regard second to our MARTYRS . And to
politicize their cases was misleading and irresponsible efforts
to justify higher-up failed policy . In fact they are in dire
need of humanitarian assistance than words of appreciation .
When I think about their plight inside the country and in Sudan,
I feel ashamed from self guiltiness as an Eritrean because we
we were followers rather than act independent players .
ኣማን April 6, 2016
ብጣዓሚ ልብኻ ዝመልስ ወረጃ ጽሑፍ፡ ኣብ ጎንኹም ኣለና። እቲ ኣብ ሰሌዳ መርድእ ተጋዳላይ፡ ዝብል ጽሑፍ እንተ ሪኢና ድንጋጸ ብዘይብሉ ተሪር ልቢ ብጎቦ ዓይንና ጠሚትና ጉዳይና ክነተግብር ዝገበረና ባህሪ ጽልኣት ተጋደልቲ ናብ ክብሪ ዝቕይር ሓሳብ’ዩ። ገባርን ተጋደልትን ኢሉ ፈላሊዩ መጋበርያ ጌሩና ዕድመ ስልጣኑ ከንውሕ። ብድሆ!