Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልቀስ ንመምህር መዋእል መብራህቱ!!!!!!

መልቀስ ንመምህር መዋእል መብራህቱ!!!!!!   ወየ!! ኣነነ!!!!!  ወየ ኣነ!!!!!! ወየ!! ኣነ!!!!!!! ኣብ ካሊፎርንያ!!! ኣይጥዑምን ወረ ኣብ ሳንድያጎ!! ኣይጠዓመን ወረ ኣብ ኣመሪካ ተረኽበ ሓዘን ዝመረረ ኣንታ መንእዩ? መርድእ ዘበሰረ መምህር ናይ መማህር ዓሪፉ ሓደረ።   ኣንታ! እንታይ ተረኽበ ሎሚ ቕነ መምህር መዋእል! ከይዱ ወርሒ ሰነ ሓረስታይ ዓድና ዝዘርኣሉ

መልቀስ

ንመምህር መዋእል መብራህቱ!!!!!!

 

ወየ!! ኣነነ!!!!!  ወየ ኣነ!!!!!! ወየ!! ኣነ!!!!!!!

ኣብ ካሊፎርንያ!!! ኣይጥዑምን ወረ

ኣብ ሳንድያጎ!! ኣይጠዓመን ወረ

ኣብ ኣመሪካ ተረኽበ ሓዘን ዝመረረ

ኣንታ መንእዩ? መርድእ ዘበሰረ

መምህር ናይ መማህር ዓሪፉ ሓደረ።

 

ኣንታ! እንታይ ተረኽበ ሎሚ ቕነ

መምህር መዋእል! ከይዱ ወርሒ ሰነ

ሓረስታይ ዓድና ዝዘርኣሉ ረኸበ ሰኣነ

ኣይጥዑምን  ወረ ናይ ለንቀነ

መምህር ጽዒሩ ንፍትሒ ከይቃዘነ።

 

መምህር መዋእል ተስፋ ህዝቢ

ትምህር! ትምዕድ! ንእሽቶ ምስ ዓቢ

ክትምረጽ ፓርላሚ ከም ሹም ንህቢ

ዓንሰባ ዓድኻ! ሓማሴን!  ካብ ከባቢ

ኣብ ባይቶ ትምድር ከም ድቢ

ብዓል ሰፊሕ ኣእምሮ! ብዓል! ዓቢ ልቢ።

 

ኣብ ባይቶ ኢትዮጵያ እንከለኻ

ኣድልዎ ምስተገብረ ኣብ ቅድሜኻ

ዘንባዕ ኣዋጅ! ክእወጅ! ስለ ዝርኤኻ

ካብ ባይቶ ወጻእካ ደቂ ኤርትራ ኣኻኺብካ።

 

ኣባል ከለኻ መርማሪ ኮምሽን

ብሕጊ ትኸይድ ብዘይ ጉምብስ ድንን

ንሓደን ኣይትተክል! ንሓደን ኣይትነቅልን

ፍትሔኛ ነበርካ ንኹሉ ተማዛዝን።

 

ንሜዳ ኣቶኻ ክትጋደል ክትስለፍ

ኣብኡ ጸንሑኻ! ብዓል! ዘይዕጸፍ ዘይትንከፍ

ናይ ኤርትራ ሽግር ዘይውዳእ ዘይሽረፍ

መምህር! ቃልስኻ! ዘይጽንቐቕ ዘይኩለፍ

ትምህርቲ ይኹኖ! መንእሰይና! ይሰለፍ።

 

ቃልሲ በርቲዑ ምስ መረረ

ተጋዳላይ ንስደት ኣምርሔ ተባረረ

ፍትሒ ንኽደሊ ንዓለም ውን ዞረ

ሃገሩ ከይተመልሰ ኣብ ስደት ተቐብረ።

 

ህግደፍ! ባድመ ወሪሩ ምስ ጎበጠ

ኣቶ መዋእል መደረ! ኣፉውን ረምጠጠ

ብዓመጽ መርየት ከምዘይምለስ ስለዝፈለጠ

“ እጀታ ዘየጽናሕካ ኣይሰልጥን ብጎበጠ”

እናበለ መደረ! ህዝብን ከ! ሰሚዑ ኣስቀጠ።

 

መምህር ናይ መማህር ካብ ከደ ኣርሒቁ

ዝደንዘዘ ኣእምሮ ንክበራበር   ነቓኒቑ

ኤርትራውያን ተንስኡ ፍለጡ ኣዳቕቁ

ጸገም ህዝብኹም ምሃሩ ኣዕምቑ

መምህር ኣይምለስን ከይዱዩ ኣርሒቑ።

 

መምህር ዝሓዘካ ሕማም ዘየቀኒ

ምስ ግዜ ዘይኸይድ ዘየዳኒ

መላእኽቲ ይውሰዱኻ! ናብ ክርስቶስ ጎኒ

ንዓናስ ምሕሸና ነይሩ ተትቕኒ

ንዓለም ካብ በልካያ ድሓን ኩኒ

ንሙሉጌትን! ንቄሳርን! ርኸበልና ብለን ዓይኒ!

መስዋእትኹም ይኹነልና መወዳእታ ሕሰምኒ

ንስድራቤት ጽንዓት ይሃብኩም ኣይትበሉ ከበድኒ

መምህር ዓንዲ ማእከልዩ! ብዙሕ ኣይትሕዘኒ።

 

ተኻፋሊ ሓዘን

ሃይለ ገብረትንሳኤ

ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 21 ሰነ 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
29 COMMENTS
  • asmeret June 22, 2014

    Well said Haile thank you brother!

  • ahmed saleh June 22, 2014

    Dear Haile
    How nice of you to write a nice poem for a great father figure who inspired many young generation . To mention the name
    of his martyred son ” KESAR ” in respect of FATHER and SON sacrifices was sad and emotional reminder to those who know
    them . Even though my close relationship with Kesar in GHEDLI at out teens age was short lived like many of them who left
    behind at that cruel situation , their spirit will live with us forever . Thanks .

  • oromay June 23, 2014

    Good but there is grammar error. Hazen hagos slezeykone aybsern iyu. Mot/hazen zebesere aybehan iyu, nay Tigrigna grammar tekeyru intezeykonu.

    • Haile G. Tensae June 23, 2014

      Ato oromay!
      Thank you for correction. “Men eyu Ziegler?” can be said.
      I wish you have a courage to get out of the closet and teach us what you know and share the grammar.
      Best wishes
      Haile

  • Teclay June 23, 2014

    ነብሱ ይምሓር

    Ato Haile

    Reading your articles one can easily recognize that you have a good knowledge of Eritrean History and culture.I have seen 4 of your articles all of them were very educational.
    Having said that,let us come to this man . To begin with i know little about this man, so i do not want to comment on him but depending on your article and others,let me ask you 2 questions:
    1, Do you really still believe joining to ELF was a good idea ? were there other options to correct the so called misdeeds by the then Ethiopian rulers?were these misdeeds directed only to the Eritrean ppl or to the whole Ethiopian ppl?
    2, As a wise person,elected member of the parliament ,one expects him to condemn the Ghedli from day one. As its result should have been known to wise ppl as simple as A;B;C;D : What do you think?

    My respect to you is intact.

  • ahmed saleh June 23, 2014

    Teclayies
    If you are an Eritrean we still observe sold-outs who ignore the plight of their own people .
    Before you blame GHEDLI better revisit the sufferings and brutal atrocities inflicted upon
    helpless farmers in Eritrean villages buy Ethiopian army . Then inside Asmera the killings
    of Eritreans dumped everywhere ( coil on their neck ) start to occur .
    Brave good men heard their cry to stop the evil at that period of time .
    Most of us had a good life back then but them the Ethiopians pushed us to the limit to take
    action for the sake of preserving our national integrity to live in peace .
    Now it doesn’t make a sense to put fingers after one man ( ISSAYAS ) who get years unreserved
    popular support and praise began to betray the trust . Learn from past mistakes if you have
    the will to make difference otherwise barking on wrong tree only waste the energy .
    Again , 99 percent of Eritreans voted for INDEPENDENCE and 1 percent probably including you
    voted No .
    Now since majority won accept and honor people’s choice . 30 years war was destructive and
    difficult experience on both sides . Rest past history where it belongs ; MEMORY .

    • Teclay June 23, 2014

      Ahmed Saleh

      Brother my comment is to Ato Haile not to you Ok!

      1,I told you once i don not want to debate with you.You have to respect your self .
      2, “Teclayies” My name is Teclay, plural Teclays but not Teclyies if you don not mix with other languages,most probably with Arabic language.Listen !this is English,it has owners(the British),,you had better not play with it.
      No Jihad on English language as it was against the poor Tigre books (the burning of Tigre Books By Jihadist in fever of Arabic language) Madness !
      3,About your history lecture.In 2014 no body is going to buy this product.Even the Camels in Barka will not buy it ,this is an expired product,valid only to garbage.

      Again Respect your self i do not want to debate with you !

      • ahmed saleh June 23, 2014

        The spelling was an error . Again re-read your response to bring Jihad wedi Jihad to bring religious
        tension between AHMED the Moslem guy and TECLAY the Christian guy , what a shame .
        By the way do not think to find a free ride in this forum to underestimate and tarnish the honor of our patriotic heroes who paid their
        life dearly for the love of their country , NO WAY JOSE . When you cross the line to betray them it becomes personal brother because
        they represent Eritrean pride .

    • Haile G. Tensae June 25, 2014

      Ahmed Saleh
      Thank you for unreserved contributions you do. I may say look the bright side of the comments you do. Do not give credence the negative argument.
      Hawka
      Haile

  • Haile G. Tensae June 23, 2014

    እቶ ተኽላይ
    ኣቐዲመ ሰላምታይ ይብጻሕካ። ኣስዕብ ኣቢለ ንዝሓተትካዮ ክልተ ሕቶ ክምልስ ፍቐደለይ? ኣነ ሕጂ ክምልሰልካ ከለኹ፡ ኣብቲ ግዜ ንእስነተይ ዝነበረ እዋንን፡ ኣተሓሳስባ መሰረት ብምግባር እዩ። ኣብ ግዜ ስሳታትን፡ ኣብ ግዜ ሰብዓታትን ዝነበረ ኣተሓሳስባ መሰረት ብምግባር እዩ።
    ሃገርና ኤርትራ፡ ኣብ 1988 ኣብ ግዜ ጣልያን ኣብ መግዛእቲ ተቖርነት። ካብ መግዛእቲ፡ ክትድሕነ መኸኣለት ነይራ ድሕሪ ኩናት ዓድዋ፡ እንተኾነ፡ ሃጸይ ምንሊክ ድሕሪ ኩናት ዓድዋ ኣይፈቀዱን። ራእሲ ኣሉላ፡ ንሃጸይ ምንሊክ! ጃንሆይ!!!! መረብ ሰጊረ ንጣልያን ከባርሮ ፍቐዱለይ ኢሎም ሓተቱም! ዝሕተትዎ ሕቶ፡ ስለዘይፈቐዱሎም፡ ጣልያን ካብ ኤርትራ ኣይተባረረን።
    ሃጸይ ምንሊክ፡ ምስ ጣልያን ዕርቂ፡ ኢዩ ዝሓይሽ ኢሎም፡ ን ኤርትራ ኣቐዲሞም ብዝ ኣተዉዎ ምስጢራዊ ዉዕል መሰረት ብምግባር፡ ኤርትራ ንጣልያን ተሸጠት። ቀጺሉ፡ ወለድና፡ ሓደ ኢዶምን ሓደ እግሮምን ክቑረጽ ተገብረ። ኣብዚ ግዜኡ ዝፈረዱ፡ ራእሲ መንገሻ ዮውሃንስ ነበሩ። ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ቂምን ቅርሕንትን ተፈጥረ። ሰበ ስልጣን ሽዋ፡ ግና ደቂሶም ሓደሩ።
    ህዝቢ ኤርትራ ግዙእ ጣልያን ኮነ። 1941 ብ ኣመሪካን ብዓባይ ብሪጣንያን ሓራ ወጸ። እንተኾነ፡ ጣልያን ረድዮ ማሪና ዝባሃለ ሰሪሑ ብምንባሩ፡ ጸላ ኢና ፈጢሩልና ከደ። ራድዮ ማሪና፡ ካብ ሮማ ናብ ኣስማራ ዘራኽብ ስለ ዝነበረ። ናይ ኣመሪካ ወታሃደራት ኣብ ኣስማራ ምስ ኣተዉ፡ ንእንግሊዛውያን ወታሃደራት ኣዘንጊዕም ወይስ ቀዲሞም ስለዝሓዛዋ። ኣብ ኣስመራ ኮይኖም፡ ራድዮ ወሊዖም ምስ ኣብ ዋሺንግቶን ዝርከብ ዋና ወታሃደራዊ ምምሕዳር ኣመሪካ ( ፐንታጎን) ተራኸቡ፡ ኣብ ኣስመራ ኮይኖም ምስ ጀነራል ኣይዘንሃወር ኣብ ሎንደን ተራኸቡ፡ ምስ ጀነራል ማካርቲ ኣብ ፊልፕኖ ተራኸቡ። ሓዲሽ ጸላኢ፡ ንህዝቢ ኤርትራ መርየትና ስለ ዝኾነ፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ፈደራል ኢትዮጵያ ንኽትከውን መንግስቲ ኣመሪካ ወሲኑ ተዓጥቀ።
    1952 ኢርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደራልዊ ተቖርነት። ህዝቢ ኤርትራ፡ ተቐቢልዎ ነበረ።
    እንተኾነ፡ መንግስቲ ሽዋ፡ ሃጸይ ሃይለ ስላሴ፡ ብትዕቢትን፡ ብንዕቐትን ተቐበሎ፡ ህዝብና ዝተጸበዮ ኣይረኸበን።
    1962 ናይ ኤርትራ ባይቶ ፈረሰ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ናይ ካል ኣይ ዜግነት ተዋህቦ።
    “ኣምባሰደር ዘውደ ረታ ኣብ ዝጸሓፍዎ መጽሓፎም ኣብ ዘስፈርዎ፡ ኣቶ ተድላ ባይሩ መራሕ መንግስቲ ኤርትራ ን ኣዲስ ኣበባ ክመጹ ከለዉ ጋዜጠኛ ኮይነ ዝረኤኽዎ፡ ኣቶ ተድላ፡ ከም ኩሉ ናይ ወጻኢ ሃገር ብዓል ስልጣን ዝግበር ሙሉእ ፕሮቶኮል፡ ኣቀባባል ር ኤኹ። ድሕሪ ፈደረሽን ኤርትራ ምፍራሱ፡ ዝነበረ ፕሮቶኮል፡ ተረፈ” ይብሉ።
    ሰብ መግቢ ጥራሕ ኣይኮነን ዘንብሮ፡ ዝባሃል ኣዘራርባ ንመልከት፡ ኤርትራውያን፡ከም ካልኣይ ዜጋ ክቕበሉዎ ኣይከኣሉን ።
    ቐጺሉ፡ ኣብ ግዜ ደርጊ፡ ኤርትራውያን ወይ ኢትዮጵያውነቶን ኣሚኖም ይቀመጡ፡ ወይ ክኣ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ንሓውሶም ዝብል ብናይ ጎጃም ክፍለ ሃገር ኣመሕዳር ደገዝማት ሃይለማርያም ኣብ ኣዲስ ዘመን ጋዜጣን፡ ኣብ የዛሪቱ ኢትዮጵያ ዝተባህለ ጋዜጣ 1974 ተጻሕፈ።
    ደርጊ፡ ስልጣን ምስ ሓዙ፡ ክቡር ዘብዔኛ ናብ ኤርትር ኣብ ወርሒ ጥሪ 1975 መጹሞ! ኣብ ደቀምሓረ ተኣኻኸቡ፡ ታንክን መካይንን፡ ኣምሪሖም ኣስመራ ክኣትዉ ከለዉ፡ ከም ወራሪ ሓይሊ “ እምቢ ያለ ሰው ጥይት ኣጉርሶው” እናበሉ፡ ካብ ጎዳይፍ፡ ብክሮቸረሳ፡ ብመገዲ ባጽዕ፡ ብጎደና ንግስቲ ሳባ ንዕዳጋ ሓሙስ እናጨፈሩ ኣስመራ ኣንቀጥቀጥዋ።
    ሰበ ስልጣን ሽዋ፡ ካብ 1890 ክሳብ 1991 ሓደ ዓይነት መርግጽ ነበሮም። ኣብ ሽዋ ዝመሰረቶም መርሃ በቴ፡ ወይ ተጉለትና ቡልጋ፡ ወረዩና፡ ከረዩ ዝባሃሉ፡ ንህዝቢ ኤትዮጵያ ኣሳቐይዎ።
    ኤርትራውያን ካብ ኣቶ ለሮንሶ ታእዛዝ 1945 ክሳብ 1974 ጀነራል ኣማን ዓንዶም ኣገልገልቲ እምበር እሙናት ዜጋ ኣይነበሩን፡ ኣብ ግዜ ደርጊ እንተኾነዉን ጀነራላት ደቂ ኤርትራ ኣብ ዓይኒ ጥርጠራ ከም ዝነበሩ ታሪኽ ይነግረና።
    ቅድሚ ኣቶ መዋእል፡ ኣቶ ኢድሪስ መሓመድ ኣደም ፕረሲዳንት ባይቶ ኤርትራ
    ኣቶ ተድላ ባይሩ ቀዳማይ ፕረሲዳንት ኤርትራ 1952 ክሳብ 1958
    ኣቶ ወልደኣብ ወለደማርያም ጋዘጠና
    ጀነራል ዘሬ ማርያም ኣምባሳደር ኣብ ጋና
    ጀነራል ጎይቶኦም ገብረዝጊ ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ
    ኣቶ በረኸት ሃብተስላኤ ኣብ ኤትዮጵያ ኣኽባር ሕጊ ዝነበሩ
    ሻምበል ሚካኤል ኣባል ደርጊ ፖሊቲካ ክፍሊ
    ኣብ ኢትዮጵያ ተማሃሮን፡ ኣብ ወታሃደርን ምምህርንን ሲቪላዊ ስራሕን ንግድን ዝዋሱኡ ዝነበሮ 1974 ንደሓር ንበረኻ ሃገሮም ኣምርሑ።
    ብዙሓት ዝተማህሩን ሰበስልጣን ዝነበሩን ናብ በረኻ ኤርትር ተጟዕዙ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝብልዕ ኣይሰ ኣኑን፡ ዝሰ ኣንዎ፡ ኢትዮጵያዊ ዜግነትነቶም ስለዘይተኸብረን፡” ካብ ሽሕ ዓመት ዉኻርያ ሓደ መዓልቲ ኣንበሳ” ይሕሸና ኢሎም ናብ በርኻ ሃገሮም ኣምርሑ ።
    ዝነበረ 1974 ኣተሓሳስባ “ ግዜ ከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ንሃገርካን ህዝብኽን ተዓጠቕ።
    ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኮነ ህዝባዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ምእንቲ ህዝቢ ንነጻነትን ሓርነት ዝቖማ ኤየን ህዝብና ዝፈልጠን ዝነበረ።

    ኣብዚ ሰዕት እዚ ዘሎ ስርዓት ሽፍታ፡ ኣጽናቲ፡ ኣልማሲ፡ ቀታሊ ስርዓት ኣብ ግምት ማንም ኤርትራዊ ዘይነበረ ኣተሓሳስባ እዩ።
    ብሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ጥርጠራ፡ ዘይምትእምምና፡ ጓንነት፡ ጽልእን፡ ንዕቐትን፡ ድ ኣምበር ኣማራጺ ካልእ ኣይነበረን “ ምን ሁኖ ነው የታባቱ ሊደርስ ነው” እዩ ዝነበረ።
    ኣቶ መዋእለ ንበረኻ ዘምረጾ፡ ኣብ ኣስመራ መንእሰያት ብስልኪ ምስ ተሓንቑ፡ ኣብ ቤተክርስትያ ወኪ ድባ ከለዉ እናጸለዩ ከባቢ ኣስመራ ምስተረሸኑ፡ ብዘይ ህዝበይ ክብሪ የብለይን ኢሉ፡ ቅድም ቄሳር ወዱ፡ ሙሉጌታ ከምኡውን ቀጺላ ጓሉ ምስተሰለፈት ደድሕሪ ደቁ ተሰለፈ።
    ብዝሓጸረ እዚ ከም መረዳእታ ክኸውን ኢለ ይኣምን
    ሓውካ
    ሃይለ ገብረትንሳኤ ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
    23 ሰነ 2014

    • Teclay June 24, 2014

      Ato Haile

      Tank you for you answer ,i see myself privileged to get an answer from you and to read your articles in general.
      About my question you answer it in the first sentence ” ኣነ ሕጂ ክምልሰልካ ከለኹ፡ ኣብቲ ግዜ ንእስነተይ ዝነበረ እዋንን፡ ኣተሓሳስባ መሰረት ብምግባር እዩ። ኣብ ግዜ ስሳታትን፡ ኣብ ግዜ ሰብዓታትን ዝነበረ ኣተሓሳስባ መሰረት ብምግባር እዩ። ”
      I got a some new stuff from the supplementary events too.
      I apologize for consuming you time and for the uncomfortable questions from unrest-ed mind .

      May i add one comment? May i ?
      Let us assume you allow me :

      Unfortunately we have read 2 መልቀስ from you to your friends.Again unfortunately the death rate among diaspora Eritreans will continue. Although it looks strange may be all of us have been dead or dying .What is life after all if we are dispersed from Sinai – Lampedusa -Mexico etc. In short the whole KEBESSA is at the verge of extinction,if there is no interruption by God .If so may be you write one big መልቀስ to all of us.And one poem to the cruel Eritrean mountains and plains which do not care about its true owners ,but ready to accommodate any body coming after us whether Indians ,Egypians or any other race this is what they call it betrayal .

      Thanks Brother again

      • Haile G. Tensae June 24, 2014

        ኣቶ ተኽላይ 2
        ኣቐዲመ ሰላምታይ የቕርበልካ? ሕቶኻ ሃናጺ ሕቶ እዩ። እዛ ሕጂ ኤርትራ ትብሃል ዘላ ሃገርና፡ ከም ጆግራፍ ዕድሜኣ 120 ዓመት ገይሩ ኣሎ። ኣብ ሓደ ጥርኑፍ ምምሕዳር ኮይኑ፡ ገድሊ ኤርትራ 9 ብሄራት መዝጊቡልና ኣሎ። ብሄር ጀበርትን፡ ብሄር ኢሮብን፡ ብሄር ኢሊትን ምስ ተወሰኹ 11 ብሄራት ክህልዋን እየን።
        ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሩ፡ ካብ ዝነብር ልዕሊ ሸውዓት ሽሕ ዓመታት ኣለዎ። ዓልየቱን፡ እምነቱን ተኸባቢሩ ይነብር ነበረ። ሕጂዉን ይነብር ኣሎ።
        እምበኣር ዕድመ ዘበናዊ መንግስትነት ኣብ ሃገርና ድሕሪ ራእሲ ዓንደ ሃይማኖት ጸዓዘጋ፡ እዛ ናይ ሕጂ ኤርትራ 120 ዓመታት እዩ። ብደቃ ኤርትራውያን እዞም ሸፋቱ፡ ከመሓድርዋ ድማ 23 ዓመታት።
        1. እዚ ናይ ሕጂ መንግስቲ ዝባሃል፡ግና፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ሰብ ኣብ ዓለም ከይነብር ክፋእ ክፍሕስ ክመክርን፡ ዝሓደር መራሒ እዩ።
        2. ንሕናውን ከም ህዝቢ፡ መሰልና ዘይነኽብር፡ ሓውና ብዘይ ኣግባብ ተጨውዩ እና ጠፍኤ፡ ሓወይ ኣበይ ከደ፡ መን ወሰደልይ ኢልና ዘይምሕታትና፡ ንጥፍኣትና ነቃላጥፍ ኣለና።
        3. እዚ ወሪድና ዘሎ ሽግርን፡ መከራን፡ ስደትን፡ ቕዝፈታትን፡ ነፍስ ወከፍ ኤርትራዊ፡ ዓቢ ኮነ፡ ንእሽቶይ፡ ወድና ጓልና፡ ሰብ ኣይ ይኹን ሰበይቲ፡ መምስ ነብስና እንተዘይመኺርና፡ ልክዕ ክንበርስ ኢና።
        4. ንምንታይ ከምዝተቓለስና ትርጉም ኣብዘይርከቦ፡ ሃዋሁው ከምዘለና ክንፈልጥ ይግባእ።
        5. ኣብ ስደት ዝርከብ ዕለታዊ እንጀራ ጸጊቡ ስልዝሓደረ፡ መንፈሱኑን፡ ቀልቡን፡ ቀሲኑዩ ማለት ኣይኮነን።
        6. ተስፋ ኽንቖርጽ የብልናን፡ ነዞም መጽነቲ ሃገርና ማፍያ ህግደፍ፡ክንምክቶም ኣለና፡ ሃገርና ከይጸነተት ከላ።

        “ሰብ ኣብ ዓዱ፡ እኽልንከ ኣብ ዓውዱ” ብዘይ ሃገር ክብረት ስለ ዘየሎ፡ ዝተቃለስናዩ፡ ኣብ ዓወት ምስ በጽሔ፡ ዝተሓጎስናዮን፡ ብትዝሕጓስ ዝበኸናዮን፡ መግለጺ ኣይርከቦን እዩ።
        ኣብ ኣዲስ ኣበባ 1973 ናይ ጃንሆይ ዘውዲ ዋንጫ ኩዑሶ ኣብ መንጎ ጋንታ ኤርትራን፡ ጋንታ ሽዋን ኣብ ዝነበረሉ፡ ቀደማዊ ሃጸይ ሃይለስላሴ ንጉሰ ነገስት ዘኢትዮጵያ ኣብ ዘለዉሉ፡ ንጋንታ ኤርትራን ደገፍቶም፡” ቢምቢ….ቢምቢ…ቢምቢ….” ተብሃልና። ቢምቢ ጣንጡ ማለት እዩ፡ ደም ዝመጺ።
        ሃገረይ እትብሎ ኣብ ዋና ኸተማ ሃገርካ ከድካ ከምሰብ ከይተቖጸርካ፡ ገዛኢ ስርዓትን ሰዓብቱን፡ “ጣንጡ “ መጻይ ደም ክብሉኻ እንታይ ይስመዓካ? ክቡር ኣቶ ተኽላይ? ህዝቢ ኤርትራ ብሰበ ስልጣን ሽዋ፡ ጣንጡ ተባህለ፡ ኢሎማና ኣብ ቅድሚ ዓይናን።
        ደርጊ ፖለቲካ እሱራት ክፈትሑ ከለዉ፡ ኤርትራውያን ናይ ፖለቲካ እሱራት ግና ኣይተፈትሑን፡ ዝተዋህበ ምኽንያት “ ኣገር ለመቁረስ” ተባሂሉ ከይተፈትሑ ተረፉ።
        ነብሲ ሄር መምህር መዋእል፡ ንኹሎም ኣባላት ባይቶ ኣሰማሚዑ፡ ብትሕትና፡ ካብ ባይቶ ኢትዮጵያ “ኣብ ኢትዮጵያ ዝወጽእ ኣዋጅ ንዓና ኤርትራውያን ዝተፈልየ ኣዋጅ ካብ ወጼ፡ ብሰላም ንሰናበተኩም” ኢሎም ወጹ።
        ካልኣይ ዜጋ እንተድእ ኮንካ፡ ሰብ ኣይኮንካን ከማና ማለት እዩ።
        ኣጆኻ ዓቕሊ ኣይተጽብብ፡ ክንዕወት ኢና፡ ዓድና ኽክንምለስውን ኢና።
        ሓውካ
        ሃይለ ገብረትንሳኤ
        ኢንድያናፖሊስ

  • Habte K. June 24, 2014

    Dear Haile,

    Thank you for your good Melkes for a great person.
    I use to love him too, because we as young boys in Asmara to see a young parliamentarian was a good inspiration and a role model of resistance in the belly of the enemy.
    Just a small correction:
    ኣንታ መንእዩ? መርድእ ዘበሰረ
    Bisrat is for good news and you should say MERDII ZINEGHERE and not ZEBESERE> Bisrat is for good news.
    Keep that word and we will use it soon when the MAFIA leader is Killed ” ዘበሰረ” BISRATKA TITAM!!

    Best regards,
    Habte

  • Kinfe Weldegeorgis June 24, 2014

    Dear Mr. Teclay,

    If you are some one from Eritrea who has hint of what the ignorant Amhara feudals at the top of Haileselassie’s feudal regime were doing in Eritrea, you wouldn’t have dared to question aboy MewaEl Mehrahtu’s suporting stand to the Eritrean national struggle from the beginning. The claim of feudal Haileselassie to include Eritrea in his feudal government was historically unbased. In order to realize his clain, Haileselassie and his feudal fanatists were terrorizing Eritreans who were suporting the choice of Eritrea for Eritreans. Many grandfathers were killed by bandits who were sent to Eritrea by the feudals. At the end they killed Tedla Oqbit whom they had deceived at the beginning but came to his mind at last. So all the politics which the regime of feudals was doing, was simply a crime committed to a people by force, deception, terrorizing, bribing …etc. So, Mr. Teclay how can Aboy MewaEl Mebrahtu keep his eyes blind and make his wisdom null in face of such a reality? After all Aboy MewaEl was a man of justice, the father of wisdom and corraggeous, not coward like me and you, so not natural for him to keep silent. In the following periodes of time the criminality of the Amhara feuddals of Hailesellassie increased in magnitude and became genocide and mass extermination of humans and of animals in Eritrea. Can you expect a man of justice and wisdom like the corrageous MewaEl Mebrahtu to have kept silent? MewaEl Mebrahtu was not only interested in law and justice in Erirea, but in the whole of Ethiopia, because he was a witness of injustices in Ethiopia as well, eventhough the criminality and injustices were extreme in Eritrea. So he did not keep his eyes away from what was happening in Ethiopia, he was a man of law, justice and morals.
    Dear Teclay, I wish you would reconsider you ideas and change you mind about the past history. For that you better read past historical happenings.

    • Teclay June 24, 2014

      Dear Mr. Kinfe

      First i want to thank you for addressing your point of view in a civilized manner.After all we all of us have a common interest and concern that is our initial point.We start to have a different point of view ,ie how all this disaster which threatening us even to the verge of our extinction started.Was it avoidable or not ?
      Let me ask you simple questions:
      1, Are we brothers with Tigray or not ? If yes ,it is very natural to live together ,after the enemy(colonizer Idalia)left our common country and continue our old civilization.
      2, About what you said,killings of Eritreans by feudal Amhara: Isn`t it the character of every ruler in the world to kill its opponents? Were Amharas also the victims of Amhara rulers or not ?
      -How many thousands if not millions died during Wolo starvation ? were they Amharas or not ?
      -How many Amharas died During the infamous red-terror campaign (key shibir) in Gonder ,Addis ,Bale etc ?
      So first of all the unfortunate mass killings in Eritra was in 60s and 70s that means it was not a cause but a consequence .Secondly mass killings even though it is evil it is not enough reason to wage a secessionist war .Had it been so Addis ,Gonder and Bale would have been highly qualified.
      So bring a tangible and convincing argument. I desperately want to be proved Wrong.

      -Ato Kinfe you said ” MewaEl Mebrahtu was not only interested in law and justice in Erirea, but in the whole of Ethiopia”
      That is the point,for that role Ato Mewael should be appreciated. Had Ato Mewael formed a collision of underprivileged Abisinians including Amhara,every thing would have been better in East Africa and we would not have ended up us refugees every where in the World.

  • gherima g meskel June 24, 2014

    HAile,
    Thank you for one of the most splendid contribution you did for Mewael. I remember his article of 1977 in which he wrote ,, ab kndi nslTan CheAa tqedadenu, smret mHashekum . Ita slTankum inteKone slTan CheAa iya,,

  • tegerime June 24, 2014

    ኦሮማይ
    ንስካ ሐደ ሐሽላክ ክንዲ ሕጻብ እግሪ ሃይለ አይትአክልን ኢካ ሃይለ ሐደ ተባዕ ወደባት እዩ ከማካን ወዲ ከማካን ሐሽላካት ካብ ኤርትራና ክጽረጉ እዮም ።
    አጆካ ሃይለ ንሕና ደቀባት ኤረትራዊያን ሕቡናት ኢና ብአካ ክረክበካ እዩ አብቲ ዘለካዮ ክመጽእ አዩ አብ ቀረባ ጊዜ።