Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልሲ ንሕቶታት ኣንበብቲ ቁጽሪ ሰለስተ፥

መልሲ ንሕቶታት ኣንበብቲ ቁጽሪ ሰለስተ፥ ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣንበብቲ፡ ብመጀመርያ ከምቲ ልሙድ ሕውነታዊ ሰላምታይ ብምቕዳም፡ ሰላም ከመይ ቀኒኹም? ብምባል ዳሃይኩም ክሓትት ፍቐዱለይ? ሊላይ ከም ትብሉኒውን ተስፋይ ልዑል’ዩ። እወ። ሊላይ። ክቡራትን ፍቑራትን፡ ሊላይ ሓደ ቃል ክነሱ፡ ክልተ ትርጉም ግን

መልሲ ንሕቶታት ኣንበብቲ ቁጽሪ ሰለስተ፥
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣንበብቲ፡ ብመጀመርያ ከምቲ ልሙድ ሕውነታዊ ሰላምታይ ብምቕዳም፡ ሰላም ከመይ ቀኒኹም? ብምባል ዳሃይኩም ክሓትት ፍቐዱለይ? ሊላይ ከም ትብሉኒውን ተስፋይ ልዑል’ዩ።
እወ። ሊላይ። ክቡራትን ፍቑራትን፡ ሊላይ ሓደ ቃል ክነሱ፡ ክልተ ትርጉም ግን ኣሎዎ። እቲ ቀዳማይ፥ ጽቡቕ፡ ምልኩዕ፡ ምሩጽ ክኸውን ከሎ፤ እቲ ካልኣይ ትርጉሙ ድማ፥ ሊሎ፣ ለፋይ፣ ሽላ ማለት’ዩ። ኣብቲ ዝሓለፈ ጽሑፈይ፡ ሓደ ዝወዓለ ብዝብል መጸውዒ ስም ዚፍለጥ ሓው፡ “ምጹ” ንዝብል ናይ ዕድመ ቃል፡ ብምጽኡ ስለ ዝኣረምኩ፡ “ምጹ ማለት ድርብ ትርጉም ስለ ዘሎዎ ብጌጋ ክትርእዮ የብልካን” ኢሉኒ ኔሩ። ብጌጋ ደኣ ኣይረኣኹዎን’ምበር “ክልተ ትርጉም ኣሎዎ” ምባሉስ ሓቁ’ዩ።
ኣብ ናይ መርዓ ኮነ ካልእ ንእኡ ዝመስል ኣጋጣሚታት ክንጽሕፍ ከለና ግን ኣብ ክንዲ “ብደሓን ምጽኡ!” ኢልና ንጽሕፍ፡ “ብደሓን ምጹ” ኢልና ስለ ንጽሕፍ’የ ከነጽሮ ፈቲነ። ብዓንዳ ርእሱ ግን ነዞም ከም ብዓል ምጹ፣ ዓላ፣ ለመጸ፣ ወዘተ. ዝኣመሰሉ ክልተ ትርጉም ዘሎዎም ቃላት፡ ሓደ መፍለዪ ክግበረሎም’ዩ ዝግባእ ኔሩ። ኣነ ዝፈልጦ ግን የለን። እዚ ደራሲ ተክአ ተስፋይ ኣብታ “ዘመናዊ መዝገበ ቃላት ትግርኛ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝጸሓፋ መዝገበ ቃላት ተጠቒሙሉ ዘሎ ምልክትውን ብወገነይ ቅኑዕ ስለ ዘይኮነ ኣይሰማማዓሉን’የ። ምኽንያቱ፡ እቲ ንሱ ተጠቒሙሉ ዘሎ ድርብ ምልክት ጥቕሲ፡ ኣብ ስርዓተ ነጥቢ፡ ካልእ ናቱ ስራሕ ስለ ዘሎዎን ድርብ ብምዃኑን ዘይብቑዕ ይገብሮ። ንግዜኡ ግን ብወገነይ መፍትሒ ይኸውን’ዩ ኢለ ኣነ ዝጥቀመሉ ሓደ መስርሕ ኣሎኒ።
ኩሎም እዞም ኣጥቢቕካን ኣፍኲስካን ብምንባብ ትርጉሞም ዝለዋወጥ ቃላት ትግርኛ፡ ኣብ ካልእ ኣገልግሎት ዘይወዓለ፡ ሓድሽ ኣብ ዝባኖም ዝስቀል ናይ መፍለዪ ነጥቢ፡ ክሳዕ ዝማሃዘሎም፡ ነቲ ኣጥቢቕካ ክንበብ ዘለዎ ቃል፡ ብጽሑፍ ንምንጻሩ፡ ነቲ ክጠብቕ ዝግብኦ ፊደል ኣቕኒንካ ብምጽሓፍ (Ctrl + I ) ከተነጽሮ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፥ “ጹ” ክንጽሕፋ ከለና ስም እንስሳ ጹጹላይ ይኸውን ኣሎ። “ምጹ” ክንጽሕፋ ከለና ድማ ዕድመ ማለት፡ ምጽኡ ይኸውን ኣሎ ማለት’ዩ። “ዓላ” እውን ከም ዘላታ እንተደኣ ተጻሒፋ፡ ስም ቦታ’ያ ተመልክት፣ “ላ” ኢልካ ብምቕናን እንተተጻሒፋ ግን ስም ገረብ’ያ ተመልክት፣ ከምኡውን “ለመጸ” እንተ ወሲድና ልሙጽ፡ ዘይሓርፋፍ ማለት’ዩ። “ለጸ” ክጽሓፍ ከሎ ግን ቦያ (ሕብሪ) ለኸየ ማለት’ዩ። ስለዚ፡ ንግዜኡ በዚ ኣጋባ’ዚ ንጽሑፋትና ከነነጽሮ ንኽእል ኢና። ኣይፋሉን እዚ ይበልጽ ዝብል ሰብ እንተሎ ድማ ሃየ ጆባእ በለና እብሎ። ጹ፡ ምጹጹላይ ወይ ድማ ጽቁንቁን እውን ይጽዋዕ’ዩ። በሉ ናብቲ ቀዳማይ ሓታቲ ሓው ሱሌማን ሳልም ክሓልፍ፥
ሓው ሱሌማን ሳልም ከምዚ ኪብል’ዩ ሕቶኡ ኣቕሪቡ፥ “Do you think we should also say ” ‘za RADIO gda Aryeley – TO Aray RADIO. ” and ” ‘za RADIO gda nab Aray RADIO wesidka aAryeley – to a friend, relative …etc”  ሃሃሃ… ዘይተጸበኹዎ ሕቶ’ዩ ክቡር ሓው። ኣቐዲመ እስከ በል ነዛ ትቕጽል ሕቶ ክሓተካ፥ ን “የቐንየለይ” ስለምንታይ “ቀንየለይ” ዘይንብላ? ን “የዐርየለይ” እውን “ዓርየለይ” ኣይንብሎን ኢና። ምኽንያቱ፡ እዚኣቶም ውሑዳት ካብቶም ብዙሓት ሰዋስዋዊ ሕጊ ስለ ዘይክተሉ ስለ ዝኾኑ። ማለት፡ ኢሰዋስዋዊ ስለ ዝኾኑ። ብሕጊ ሰዋስው ቀዳማይ ኣካል፣ ካልኣይ ኣካል፣ ሳልሳይ ኣካል ኢልና ክንከፋፍሎ ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ፡ “ዓርየለይ” ኣብ ክንዲ ንብል “የዐርየለይ” ኢና ንብል። ተወሳኺ ሕጊ ሰዋስው ዘይክተሉ ቃላት ክጠቕሰልካ፥ መብዛሕትኦም ብሳልስ ዝውድኡ ቃላት ትግርኛ፡ ክበዝሑ ከለዉ፡ ነቲ ሳልስ ናብ ሳድስ ብምቕያር፡ ሆሄያት (ፊደላት) “ታት” ወሲኽና ኢና ነርብሖም።
ንኣብነት፥ ወቕቲ= ወቕትታት፣ ዘይቲ= ዘይትታት፣ ሃብቲ= ሃብትታት ወዘተ.፤ ከም ብዓል “ሰብኣይ፣ ኣድጊ፡ ብዕራይ፣ ጤል ወዘተ.” ዝኣመሰሉ ኢሰዋስዋዊ ቃላት ግን “ታት” ብምውሳኽ ኣይነባዝሖምን ኢና። “ሰብኡት፣ ኣእዱግ፣ ኣብዑር፣ ኣጣል” ብምባል ኢና ነርብሖም። እዚኣቶም ድማ’ዮም ኢሰዋስዋዊ ዝብሃሉ። ብተወሳኺ ሓው ሱሌማን ከምዚ ኪብል ቃላቱ ወስ ኣቢሉለይ ኔሩ፥ “mesinas, awrajawnet gedifka nfuE temaramari nay qwanqwa iKa:: dro ane kabaKa gele temahire aleKu::”  ክቡር ሓው ሱሌማን፡ ንኣይ ካብ ኣውራጃዊ ኢልካ ክትዝልፈኒ፡ እንስሳ ማለት ኣድጊ ወይ ዲቤላ ክትብለኒ ይመርጽ። ምኽንያቱ፡ ካብ ኣብዚ 21 ክፍለ ዘመን ብኣውራጃን ዘውጊን (ወገንን) ዝፈላሊ ሰብ ሙዃን፡ እቲ ንጎይታኡ ብጽዕነት ዘገልግል መጽዓኛ ወይውን እቲ ገንሸል ኣውደኣመት ዚኾነ በጊዕ ሙዃን ስለ ዝመርጽ። ስለዚ፡ ዝሓወይ እዛ “ኣውራጃዊ” እትብል ቃል፡ በጃኻ ካልእ ባጊር (ኣዝዩ ድሑር ሰብ) ድለየላ። ወደሓንካ።
ናብቲ ካልኣይ ነቓፋይ ሓው ተወልደመድህን ክሰግር። ሓው ተወልደ ከምዚ ኢሉኒ ኔሩ፥ “ዝኸበርካ መሲናስ፡ ቋንቋ ትግርኛ እፈልጥ’የ እናበልካ ንትግርኛ ኣይተበላሹዎ።  ሻቦያ ኢልና ጓሓፍህግደፍ ነጽሪ! ሻቦያ ናይ መን ቃል’ዩ። እንታይ’ከ የመልክት።  ሳቦያ ዝበሃሉ ነገስታት ኢጣልያ ኔሮም’ዮም። ኣጸቢቕካ ክትርደኦ ይትስፎ።” ክቡር ሓው ተወልደ፡ ቅድሚ ዝኣገረ ኣነ ትግርኛ እፈልጥ’የ ዚብል ቃል ኣይወጸንን። ንኽፈልጥ ግን ልዑል ታፍላ (ብርቱዕ ህርፋን) ኣሎኒ። “ሳቮያ” ወይውን “ሻቦያ” ናይ ላህጃ ፍልልይ እንተዘይኮይኑ ናይ ትርጉም ፍልልይ ዘይብሉ ንጹር ቃል’ዩ። ኣነ ከም ዝፈልጦን ከም ዝርደኣንን ድማ ኢደይ ኢድካ ማለት’ዩ። ብወገን ኣከለጉዛይ “ሳቮያ” ክብሃል ከሎ፣ ብወገን ሰራየ ወይውን ሓማሴን ድማ “ሻቦያ” ይብሃል። ትርጉሙ ግን ሓደ’ዩ። ከምቲ ዝበልካዮ ሳቦያ ዝብሃሉ ነግስታት ጥልያን ከም ዝነበሩ ግን ዝፈልጦ የብለይን። ብትግርኛ ብኸምዚ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎ ትርጉም ከም ንጥቀመሉ ግን ነታ ኣብ ሜዳ ዝተደርፈት “እኽሊ ሓሪሙዎ ቆፎና” ዘርእስታ ደርፊ ናይ ድምጻዊ ተኽለ ክ/ማርያም (ወዲ ትኹል) ንምስክርነት ንኽትሰምዓ እላበወካ።
ናብ ሓው ፍስሃ ክሰግር። ሓው ፍስሃ ከምዚ ኪብል ሕቶኡ ኣቕሪቡ ኔሩ፥ “Dear Mesinas
I always marvel at your Tigrinia language ability and thank you for reviving this healthy debate about it.
I would like to have your opinion on the respectful addressing of elders (akhbrot qal): Nisikhum. Where did the Bihere Tigrinia get this in addressing form for the elders? This kind of akhbrot qal does not exist in Geez or Arabic ? Certainly it doesn’t exist in Tigrayit.Are we perhaps copying from the nobility-minded neighbors in the south?”
ዝኸበርካ ሓው ፍስሃ፡ ብመጀመርያ ብዘይምግናን ቋንቋ ትግርኛ (ግእዝ) ካብ ዓለም እቲ ዝሃብተመ ቋንቋ ምዃኑ ከረጋግዘልካ እፈቱ። በዚ ምኽንያት ድማ ንነፍሲ ወከፍ ፍጻመ፡ ናታ ንጽርቲ ስምን ቃልን ኣላታ። ስለዚ፡ ንስኹም ወይውን ንስኽን ዚብል ናይ ኣኽብሮት ቃላትውን ጌጋ ይኽለኣለይ’ምበር ኣብቲ ግእዝ ዝወለዶ ኣብ ትግርኛ ጥራይ እዩ ዘሎ። ካብቲ ኣብ ባህልና ዘሎ ንዓበይቲ ሰባት ናይ ምክብባር ልምዲ ዝመጸ ድማ’ዩ። መበቈል ነፍሲ ወከፍ ቃል ትርግኛ ኸኣ ግእዝ’ዩ። ብዘይካ’ቲ ካብ ባዕዳውያን ቋንቋታት ዝረዓመ ማለተይ እየ። ካብ ኣብ ደቡብ ዘለዉ ኣሕዋትና ተጋሩ ዝተወርሰውን ኣይኮነን። ንሕና ዚኾነ ይኹን ቃል ካብኣቶም ክንወርስ ኣይንኽእልን ኢና። ምኽንያቱ፡ ንሳቶምውን ካባና ዝተፈልየ ስለ ዘይብሎም። ወላዲ ትግርኛ (ናይ ኤርትራን ናይ ትግራይን) ከምኡውን ኣምሓርኛን ትግረን እቲ ኩልና በብመገድና ንጥቀመሉ ዘለና ቋንቋ ግእዝ ስለ ዝኾነ። ሕቶታትካ ኣብሪሀየን ክኸውን ተፍሳ እገብር።
ዝቕጽል ሓው OZ እዩ። ከምዚ ክብል ድማ’ዩ ሕቶኡ ኣቕሪቡ፥ ሓው መሲናስ
ስለ እቲ እትገብሮ ኣበርክቶ እናመስገንኩ ካብ ጽሑፋትካ ገለ ትግርኛ ተማሂረ እየ. እመስግን ድማ። ኣብዚዚስዕብ ሓሳብካ ግና ርእይቶ ኣሎኒ.
1. “…ምኽንያቱ፡ ቅድሚ ፊደል የ ዚኣቱ ፊደል ኩሉ ኣብ ክንዲ ሳልስ ሳድስ ኪኸውን ስለ ዘለዎ። ስለዚ ኢናድማ ኣብ ክንዲ ኢዮብ እዮብ፣ ከምኡውን ኣብ ክንዲ ኢያሱ እያሱ ወዘተ. እንብልን እንጽሕፍን።” ኢልካኣሎኻ. ኣነ ከምዝፈልጦ ግና ኢዮብ፣ ኢየሩሳሌም፤ ኢየሱስ፤ ኢያሱ እዩ ዝበሃል. ንኣብነት መጽሓፍ ቅዱስትግርኛ ከም መወከሲ እንተተወከስና ነዚ ሓቂ እዚ እዩ ዚገልጽ። ኣብ ኣዘራርባ ካብቲ ጽሑፍ ከምዝፍለ ግናኣይረሳዕክዎን.
2. ኣብ ገለ ግጥምታትካ ድማ ኣነ ፈጺመ ዘይፈልጦም ናይ ትግርኛ ቃላት ኣለዉ. ንኣብነት ኣብ(ፋርስ ኣርማፍትሒ, January 22, 2014)ዝብል ግጥሚ
ደማሒ= *መላኺ
ገብሒ= *ፍርሂ
ፈያት = *ሸፋቱ
ወዘተ ዝብሉ ቃላት ኣለዉ.
ፈያት ዝብል ግእዝ እዩ. ቋንቋ ትግርኛ ካብ ሓደ ከባቢ ናብ ካልእ ከባቢ ተዛማዲ ፍልልይ እኳ እንተለዎ ፈያትዝብል ቃል ግና ኣብ ትግርኛ ክንጥቀመሉ ፈጺመ ሰሚዐዮ ኣይፈልጥን። ስለዝስ ዝኾነ ቃላት ካብ ግእዝ፡ዓረበኛን ኣማርኛን ተለቂሕካ እዚ ትግርኛ እዩ ክበሃል ይከኣልዶ? ከመኡ እንተኾይኑ’ኸ ቃላት ካብ ሓደ ቋንቋናብ ትግርኛ ኣብ እትልቀሓሉ እዋን እንታይ ዓይነት ስሩዕ ኣገባብ ናይ ቋንቋ ኢኻ እትጥቀም?
ዝኸበርካ ሓው OZ፡ ከምቲ ዝጠቐስካዮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ እንኮ ብኽኢላታት ቋንቋ ትግርኛ ዝተጻሕፈ፡ ብመጠኑውን ንሰዋስውን ስርዓተ ነጥብን ኣቓልቦ ብምሃብ ዝተተርጐመ ጽሑፍ ስለ ዝኾነ፡ ገለ ክፋል ሰዋስው ንምምሃር ከም መወከሲ ክንጥቀመሉ ንኽእልኢና። ፍጹም’ዩ ክንብሎ ግን ኣይንኽእልን ኢና። ብርግጽ ካብ ኩሉ ጽሑፋት እቲ ዝሓሸን ዝበለጸን ንሱ ከም ዚኾነ ግን ጥርጥር የብለይን። ጌጋታት ግን ኣሎዎ። ካልእ እዞም ዝጠቐስካዮም ኣስማት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስውን በቲ ቅኑዕ ማለት “እ” እዮም ተጻሒፎም ዘለው። ንኣብነት “መጽሓፍ እያሱ” ኣብ ብሉይ ኪዳን፡ ኣብ ገጽ 200 ኣሎካ ረኣዮ። ከማኡውን “እዮብ’ ኣብ ገጽ 476 ኣሎካ ረኣዮ። “ኢየሱስ” ግን ኣይበሃል’ዩ “የሱስ” እዩ ዝብሃል። ምናልባት ብኣምሓርኛ ወይ ትግረኛ “ኢየሱስ” ይብሉዎ ይኾኑ። ኣየረጋገጽኩን ግን። ከምኡውን “የሩሳሌም” እምብር “ኢየሩሳሌም” ኣይብሃልን’ዩ።
ካልኣይ ሕቶኻ ክቡር ሓው፡ ብዛዕባ’ዞም ኣነ ኣብ ጽሑፋተይ ዝጥቀመሎም ዘይዙቱራት ቃላት’ዩ ኔሩ። ኩሎም እዞም ሰሚዕካዮም ዘይትፈልጥ ቃላት፡ መበቘሎም ግእዝ ዚኾነ ትግርኛ’ዮም። ካብ ካልእ ቋንቋ እንተተጠቒመ ከኣ ካበይ ከም ዝመጸ ይሕብር’የ። ደማሒ፣ ገባሒ፣ ፈያት፣ ወዘተ. ግን ኩላቶም ግእዝ ማለት ትግርኛ’ዮም። ቃላት ካብ ባዕዳዊ ቋንቋ ናብ ቋንቋኻ ከተርዕም ከለኻ እትትቀመሉ ኣገባብ ድማ፥ ብመጀመርያ እቲ ቃል ኣብ ትግርኛ ይኹን ኣብ ግእዝ ከም ዘየለ ምርግጋጽ ኪኸውን ከሎ፣ ካልኣይ ነጥቢ ከተስተውዕለሉ ዘለካ ድማ እቲ ከተርዕሞ ዝደለኻ ቃል ብስርሑ ማለት፡ ብኣገልግሎቱ ኣዝዩ ኣድማዒ ምስ ዚኸውን’ዩ። ብመሰረት ኣገልግሎቱ ባዕልኻ ስም ክትምህዘሉ ወይ ክትስይሞ እንተኪኢልካውን እቲ ዝበለጸ’ዩ። እዚ ግን ብሃገራዊ ኮምሽን ቋንቋ ምስ ጸደቐ’ዩ ኣብ ስራሕ ኪውዕል ዝግብኦ። ብኢደወነንካ ኣስማት እናኣጠመቕካ ቃላት ክትጥቀም፡ ኣብ ቋንቋ ሕብረተሰብ ምድንጋር ኪፈጥር ስለ ዚኽእል ፍቑድ ኣይኮነን። ክቡር ሓው ሕቶታትካ ብመጠኑ መሊሰዮ ክኸውን ተስፋ እገብር።
ክቡር ሓው ስምኦን እውን ከምዚ ክብል ሓቲቱ ኔሩ፥ “It would be nice if Mesinas can add the location of where most of these words used.”  መልሰይ ከኣ ኣብ መላእ ገጠራት ኤርትራ’ዩ።
እምብኣርከስ ክቡራትን ክቡራትን ኣንበብቲ፡ ናይ ሎሚ ሕቶታትን መልስን እዘን ኣቐዲምኩም ዘንበብኩመን’የን ኔረን። ካብዚ ብምቕጻል፥ ቅድሚ ናብ ናይ ሎሚ ጣዕሞት እሩም ትግርኛ ምስጋረይ፡ ብዛዕባ’ዛ ብሰለስተ ቃቤላ (ዓንዲ ማእከል) ደው ኢላ ዘላ ሃገርና ኤርትራ ገለ ክብል።
እዛ ሰለስተ ዝሰራውራ ውልዶ ዳዕሮ፡ ካብ ግዝኣት ቱርኪ ጀሚርካ ክሳዕ መግዛእቲ ደርጊ፡ ስፍሪ ኣልቦ እልበት (ሓሳረ መከራ) መኪታ’ያ ኣብዚ በጺሓ ዘላ። ናይዞም ሓሙሽተ ዝተፈላለዩ ገዛእቲ ክፍኣትን ሕሰምን ደማሚሩ ብዝሓየለ መቓርዕ (ሓለንጊ) ሕሰም ዝጭፍጭፋ ዘሎ ግን እዚ “ህግደፍ” ዝብሃል ሻድሻይ ገዛኢ ሓይሊ’ዩ። ንህላዊኣ ዝፈታተን ኣዝዩ ሓደገኛ ኮይኑዋ ኣሎ። ምኽንያቱ፡ ኩላቶም ዝሓለፉ ገዛእቲ ሓይልታት፡ ጨናፍራ በብታራ እናቆረጹ’ዮም ፍሪኣ ከምክኑ ይፍትኑ ኔሮም። እዚ ናይ ሎሚ ጉጅለ ግን ነተን ሰለስተ ሰራውራ’ዩ ክሕርሕረን ጀሚሩ ዘሎ። ንሎሚ ብዛዕባ ሓንቲ ካብተን ሰለስተ ሰራውር ክገልጽ ክፍትን’የ። ማለት፡ ሱር ዳዕሮና ብኸመይ ኢሳያስን ጭፍራኡን ይነቕሉዎ ከም ዘለዉ ክሕብር፥
ኣቐዲመ ሰራውር ዳዕሮ ኤርትራ ሰለስተ ሙዃነን ገሊጸ ኣለኹ። ንሳተን ከኣ፥ ሃይማኖት፣ ቋንቋን ባህሊን እየን። እዛ ዳዕሮ ከኣ በዘን ነቕ ዘይብላ ሰለስተ ዓሚቚ ጥልቀት ዘሎወን ሰራውር’ያ ደው ኢላ ዘላ። ንሎሚ ኸኣ ብዛዕባ እዛ ሓንቲ ሱር ማለት፡ ቋንቋ’የ ገለ ክብል። እንታይነትን ኣገዳስነትን ቋንቋ፡ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፋተይ ደጋጊመ ገሊጸዮ ስለ ዝነበርኩ፡ ሎሚ ብዛዕባኡ ኣይጽሕፍን’የ። ነዛ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ካብ ሓደ ጸሃየ ዝተባህለ ወሃብ ርእይቶ ዝረኸብኩዋ ኣዝያ ዝመሰጠትኒ መግለጺት ኣገዳስነት ቋንቋ ግን ደጊመ ከቕርባ ፍቐዱለይ?
“There is no doubt that language is not just a communication tool. It is more than that. Language is an identity. Language is the hard drive or the store of a society’s custom and culture. “If someone loses his language, half of the person’s body/soul is dead,” said an Indian Canadian while discussing about the importance of keeping one’s own language. History also teaches us that language was often used to destroy the identity of other societies. It is amazing that there are some Eritreans who think language is nothing but a communication tool. Nothing is more idiotic than this line of thinking.”
ኣነ ከም ዝፈልጦ፡ ሸሞንቲአን ቋንቋታት ኤርትራን ቋንቋ ዓረብን ንነፍሲ ወከፍ ብሄር ብስም “ቋንቋ ኣደ” ክሳዕ ሓሙሻይ ክፍሊ ትምህርቲ ከም ዝወሃበለን’ዩ። ብድሕሪኡ ናይ ሓባር ቋንቋ ማለት ሃገራዊ ቋንቋ (national language) እንግሊዝ እዩ ዝትክኦ። ካብኡ ንንየው ቋንቋ ብሄራት ኤርትራ ክሳዕ ኮለጃት ህግደፍ ወዲእካ ትምረቕ፡ ደሃየን ኣይትሰምዐንን ኢኻ። ኣብዚ ቋንቋ እንግሊዝ ከመይ ኢሉ ሃገራዊ ቋንቋ ይኸውን? ኢልኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ቋንቋና ስለ ዚኾነ ኣይብለኩምን’የ። ብዘይካኡ ካልእ ክሳብ ዩኒቭርስቲ ዚቕጽል ሃገራዊ ቋንቋ ስለ ዘይብልናን ቋንቋ እንግሊዝውን ነዚ ስለ ዝወከለን’የ ሃገራዊ ቋንቋ ክብሎ ተገዲደ።
ጌጋ ይኽለኣለይ’ምበር እታ እንኮ ካብ ሃገራት ዓለም፡ ሃገራዊ ቋንቋ ዘይብላ ሃገር፡ ኤርትራ ሃገርና ጥራይ እያ። እዚ ስለ ዚኾነ ኸኣ ኩላቶም ብሄራት ኤርትራ፡ ብዘይካ ብሄረ ትግርኛ ናይ ምርድዳእ ጸገም የጋጥመን ኣሎ። ንብሄረ ትግርኛ ጸገም ዘየጋጠመሉ ምኽንያትውን እቲ ጉጅለን ምምሕዳራቱን ብቋንቋ ትግርኛ ስለ ዝሰርሑ ጥራይ እዩ። ንኣብነት፥ ሓደ ካብ ደንከል ዝመጸ ዓፋረታይ፣ ከምኡውን ሓደ ካብ ኣከለጉዛይ ዝመጸ ሳሆታይ፣ ወይውን ሓደ ካብ ጋሽ ባርካ ዝመጸ ኩናማታይ ኣብ ኣስመራ ተረኺቦም ጉዳያቶም ከሳልጡ እንተ ኮይኖም፡ ንሰለስቲኡ ቋንቋን ትግርኛን ዚኽእል ተርጓሚ ሒዞም ናብ ቤት ጽሕፈታት ህግደፍ ክኣትዉ ኣለዎም። ምኽንያቱ፡ ዝተማሃሩዎን ኣብ ኩሉ ዝረዳድእሉን ሃገራዊ ቋንቋ ስለ ዘይብሎም፡ ግድን’ዩ ተርጓሚ ሒዞም ክኣትዉ። ወይውን ባዕላቶም ሓርኮትኮት ኢሎም ካብ ጎረባብቶምን ካብ ጎደናን ስርዓቱ ዘይሓለወ ትግርኛ ኣጽኒዖም፡ ብዝጥዕሞም እናሰባበሩ ክረዳድኡ እንተ ክኢሎም ከኣ ዕድለኛታት’ዮም።
ጉጅለ ህግደፍ ብወግዒ ሃገራዊ ቋንቋ ዘቖመሉ ምኽንያት ክገልጽ ከሎ፥ “ንኹለን ቋንቋታት ኤርትራ ማዕርነተን ንምሕላው’የ” እዩ ዝብል። ካብ ሸሞንቲአን ሃገራውያን ቋንቋታት ሓንቲ መሪጽካ ናይ ሓባር ስለ ዝገበርካ፡ እዚ ቋንቋ’ዚ ንምንታይ ሓለፋን ብልጫን ተጌሩሉ ኢሉ ዝኸስስ ኤርትራዊ ዘሎ ግን ኣይመስልንን። ኩናምኛ ይኹን ብሌንኛ ንኹልና ዝጠምርን ዘራዳድእን ቋንቋ ክግበር ዝኽእል እንተኾይኑ፡ ሓንጎፋይ ኢልና ኢና ክንቅበሎ ዘለና። ምኽንያቱ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ቋንቋ ስለ ዚኾነ። ኣይፋል ሃገራዊ ንምግባሩስ ትግረ ወይ ትግርኛ ይቐልል’ሞ ንሱ ንጠቐም እንተተባሂሉውን ግርም። ጥራይ ናይ ሓባር ኩልና ብዘይጸገም ንረዳዳኣሉን ነማዕብሎን ሃገራዊ ቋንቋ ይሃልወና። ገለ ሰባት “ግእዝ ኣብ ሃይማኖት ክርስትና ስለ ንጥቀመሉ፡ ንምንታይ ግእዝ ዘይከውን ሃገራዊ ቋንቋና?” ገለ ድማ “ቊርኣን ብዓረብ ስለ ዚኾነ፡ ሃገራዊ ቋንቋና ብዓረብ ዘይከውን?” ኢሎም ዝሓቱ ሰባትውን ኣይሰኣኑን ይኾኑ። ሃይማኖትን ቋንቋን ግን ብምንም ምኽንያት ክተኣሳሰር የብሉን። ቊርኣን ብዓረብ ስለ ዚኾነ፡ ኩሉ ንኽጥቀመሉን ንኽርደኦን ናብ ሃገራዊ ቋንቋና ተተርጒሙ ክዝርጋሕ ኣለዎ። እቲ ብግእዝ ዝተጻሕፈ ኣቕሽሽቲ ጥራይ ዝርድኡዎ መጽሓፍ ቅዱስውን ከምኡ።
ንኣብነት፥ ብዛዕባ ነብሰይ ክዛረብ እንተ ኮይነ፡ ኣነ ስርዓት ደርጊ ስልጣን ምስ ሓዘ’የ ልሳነይ ኣጽርየ። ብዘይካ ካብ ወለደይን ካብ ከባብየይን ከኣ ዋላ ከምዚ ሕጂ ዘሎ ክሳብ ሓሙሻይ ክፍሊ መባእታዊ ቋንቋ ኣደ ዝመሃረኒ ሰብ የለን። ሽዑ ግን ከምዚ ሎሚ ከይኮነ፡ ኩሉ ሕብረተሰብ ኤርትራ’ዩ ምስ መግዛእቲ እናተሃላለኸ፡ ቋንቋኡን ባህሉን ንምዕቃብ ይቃለስ ኔሩ። በዚ እውን’ያ ሱር ዳዕሮና ከምዚ ሎሚ ብመለኽቲ ዘይተነቓነቐት። ሎሚ ግን ህዝቢ ብእኡ ዝሰርሕን ዝምድርን ጉጅለ ስለ ዝረኣየ፡ ከምዛ ዘይናቱን ዘይምልከቶን፡ ነዚ ብዘይካ ስልጣኑ ናይ ካልእ ዚኾነ ይኹን ነገር ፋዓራ ዘይብሉ ጉጅለ ስለ ዝደርበየሉ፡ እኖሆ ከም ድላዩ ሓታቲ ዘይብሉ ይጻወተሉ።
ነተን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ፡ ብገንዘብ ህዝቢ ዝተፈላለየ ሓሶታት ናብ ህዝቢ ክነዝሓ፡ ዕስራን ኣርባዕተን ሰዓታት ዓንገረር ዝብላ ልሳናቱ፡ ቲቪ፣ ራድዮን ጋዜጣን እሞ ልቢ ኢልኩም ኣድምጹወንን ኣንብቡወንን፡ ትግርኛ ህግደፍ ጽቡቕ ጌሩ ክርደኣኩም’ዩ። እታ ኣብ እዋን መግዛእቲ ደርጊ ብትግርኛ ትሕተም ዝነበረት እንኮ ጋዜጣ ትግርኛ፡ “ጋዜጣ ህብረት” 100% ካብ 100% ካብ ጋዜጣ “ሓዳስ ኤርትራ” ትበልጽ። እዚ ምግናን ኣይኮነን። እታ ጋዜጣ ዘላትኩም ሰባት፡ ምስ’ዛ ናይ ህግደፍ ጋዜጣ’ሞ ኣነጻጺርኩም ረኣዩዋ፡ ናይዚ ዝጠቕሶ ዘለኹ ሓቅታት ጭብጢ ክትረኽቡ ኢኹም።
ከምኡውን እዞም ድሕሪ ናጽነት ዝተወልዱ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝዛረቡዎ ቃላት ትግርኛ ልቢ በሉ። “ኣሰብኡት፣ ኣቘልዑት፣ ምስ ነገርኩኻ ኔረ፣ ደርፊ ምርጫ፣ ትውልዲ ሃገር፣ ደም ብዝሒ፣ ወዘተ.” ዚብል ጌጋታት መወዳእታ ኣይክትረኽብሉን ኢኹም። እዚ ኹሉ እርማት ዘድልዮ ነገር’ዩ። ብኸምዚ እንተተወራሪሱ ግን ኣብ መወዳእታ ከም ዝፈሰሰ ማይ ዘይሕፈስ ክኾነና’ዩ። ኣብ ኩለን ከተማታት ዘለዋ ዋላ ኣብቲ ምምሕዳራት ህግደፍ ዘሎ ታቤላታትን ካልእ ሓባሪ ጽሑፋትውን ረኣዩዎ። ከምኡውን ኣብ ኩለን ፊልምታትን በብግዜኡ ዝሕተማ ዘለዋ መጻሓፍትን ዘሎ ኣዘራርባን ኣጸሓሕፋን ስምዑዎን ረኣዩዎን። 90% ዘይእሩም ቋንቋ’ዩ። ንዕኡ ዝቋጻጸር ኣካል ስለ ዘየለ ኸኣ ከምኡ ኢሉ ይቕጽል ኣሎ። ኣብቲ “እንዳ ዜና” ዝብሃል ትካል ፕሮፓጋንዳ (ስብከት፡ (ብጥልያን)) ህግደፍ ዘላ ቁጽጽር ሓንቲ’ያ። ንፈንጊ (ንጉጅለ) ህግደፍ ትነቅፍ ቃል ወይ ፊደል ከይትሓልፍ ምሕላው ጥራይ። ኣብዚ ግን ጸቒጠ ከስምረሉ ዝደሊ ነገር ኣሎ። ጌጋ ክረኣየካን ክትእርምን እንተኴንካ፡ ንቕድም እቲ ቅኑዕ ኣየናይ ምዃኑ ክትፈልጥ ኣለካ። በሉ ኣብ ቀጻሊ ብተመሳሳሊ የራኽበና። ክሳዕ ሽዑ ግን ሰሰናዩ ንኹልና። የቐንየለይ።
ጣዕሞት እሩም ቋንቋ፥
ትውልዲ ሃገር ኣብ ክንዲ ምባል፡ ዝተወለድካሉ ሃገር፡ ናይ ትውልዲ ሃገርካ/ኪ፡ ቦታ ትውልዲ ወይ ቦታ ልደት፡ ኪብሃል ይግባእ።
ክነግረካ ኣይክእልን’የ! ኢልና ኣብ ክንዲ ምድናቕ፡ እንታይ’ሞ ክብለካ’የ! ኪንብል ይግባእ።
በሃም ማለት ዓሻ ማለት ዘይኮነስ ኪሰምዕ እናኸኣለ ኪዛረብ ግን ዘይክእል፡ ዓባስማለት’ዩ።
ደም ብዝሒ ኣብ ክንዲ ምባል፡ ጸቕጢ ደም ኪብሃል ይግባእ።
መንነት ወረቐት ኣብ ክንዲ ምባል፡ ወረቐት መንነት ኪብሃል ይግባእ።
ወጻኢ ጉዳያት ኣብ ክንዲ ምባል፡ ጉዳያት ወጻኢ ኪብሃል ይግባእ።
ደም መርመራ ኣብ ክንዲ ምባል፡ መርመራ ደም ኪብሃል ይግባእ።
ብስራሕ ምኽንያት ኣብ ክንዲ ምባል፡ ብምኽንያት ስራሕ ኪብሃል ይግባእ።
ደርፊ ምርጫ ኣብ ክንዲ ምባል፡ ምርጫ ደርፊ ኪብሃል ይግባእ።
ንሎሚ እዚ ወዳሓንኩም። ኣብ ቀጻሊ የራኽበና።
እፎይ ኢልና ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 07/02/2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
29 COMMENTS
  • Twida February 8, 2014

    ክቡር መሲናስ

    ደረውህ = ኣደርሁ= ዶርሁ?

    Which one is right? Can all the above words describe chickens (plural). In English , a young chicken is called a chick. What do we call a young chicken in tigrina?

    • Blocked February 8, 2014

      Derhu is the correct one. “Aderhu”? That one is totally wrong. If you mention it again, I will take you to court:-)
      Young chicken is called chaquit.

      • Twida February 9, 2014

        Thanks Blocked. ትግርኛ ከም ሓጺር ስረ ትሓጽረኒ አያ 😉

  • Haile G. Tensae February 8, 2014

    ኣቶ ተስፋማርያም ወይ ኣቶ መሲና
    ኣቐድም ኣቢለ ሰላምታይ የቕርበልካ፡ ኣስዕብ ኣቢለ ንዝጀመርካዮ ተገዳስነትን፡ ሓልዮትን፡ ብጉዳይ ቛንቛ ትግርኛ ከመስግነካ ይፈቱ።
    ድሕሪ ሓገርና መርየት ነጻ ምውጻኡ፡ ሓዳስ ኤርትራ ዝብል ጋዜጣ ምስጽሓፍ ጀመረ፡ እንተኾነ፡ “ከይ በቖለ ሓረረ “ ከም ዝብሃል፡ ቛንቛ ትግርኛ ናብ ምብራስ ገጹ ክኸይድ ርኣናዮ።
    ቛንቛ ትግርኛ፡ ክፈርስ ዝጀመረ ግን “ህዝባዊ ሓይልታት ኤርትራ” ካብ ዝምስረት ምኻኑ ንዝፈልጥ ይርድኦ እዩ። ብዝጀምርካዮ ኣጽኒዕካ ክትቅጽሎን፡ በብንኽእሎ ንምትሕብባር ግን፡ ናይ ኩሉ ዜጋ ግዴታ እዩ። ሓዳስ ኤርትራ ጋዜጣ ንባብ ካብ ዝገድፎ 1994 እዩ።
    “ሃላኺ” ዝብል ቃል ህግሓኤ፡ ኣብ ቦታኡዶ! ኣእትይዎ ይመስለካ? እቲ “ ሸመታ” ዝብልከ! ኣበይ ኮን ይኸውን ቦታኡ?
    መልስኻ እናተጽበኽU እየ።
    ደጊመ የምስግነካ ዝንኣድ ስራሕ ብምጅማርካ፡ ቛንቛ መንነት ሓደ ሕዝቢ እዩ። ወግዒ ኣነባብራኡ ዝገልጸሉ፡ ኣብ ሓጎስ ኮነ፡ ኣብ ጸገም፡ ዝነባበረሉ፡ ታሪኹን ባህሉን ዝዕቅበሉ፡ መስትያት መንነቱ ብቛንቛ እዩ ዝገልጸሉ።
    ብሰላም የራኽበና
    ሓውካ
    ሃይለ ገብረትንሳኤ
    ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና

    • Blocked February 8, 2014

      The PFDJ can be blamed for many things, but I don’t think messing up the language is one of them. The Tigringa language may not be in a great shape today, but it certainly is much better than during the Derg era. Please trust me on this one.

    • Suleiman Salim February 9, 2014

      If people do not write and translate from other languages how do you expect the language to develop. Translation enriches a language by introducing new ideas and vocabularies.

  • Blocked February 8, 2014

    Minas,
    To create something to differentiate tight words from the loosen ones is a great idea, thanks. But italics is not a good idea because you can’t use it in hand writings. A dot or line above the letter would be better.

  • Mesinas February 9, 2014

    ብመጀምርያ ሓው ወይ ሓብቲ ንኽብል ጾታኻ/ኺ እንተተነጽረ/ርለይ ደስ ምበለኒ? ካልእ ትግርኛ ብዘይምፍላጥካ/ኪ ክሕፍረካ/ኪ ወይ ከጉህየካ/ኪ የብሉን። ብኣንጻሩ ቋንቋኻ/ኺ ክትማሃር/ሪ ምድላይካ/ኪ ከኹራዓካን/ክን ከሐጉሰካን/ክን’ዩ ዘለዎ። ነዘን ብዛዕባ ደርሁ ንኽንጽረልካ/ኪ ሓቲትካየን/ክየን ዘለኻ/ኺ ድማ ክቡር ሓው ብሎክድ ቅኑዕ መልሲ ስለ ዝሃበካ/ኪ ንእኡ አመስግኖ። ከምቲ ዝበሎ “ኣደርሁት” ብፍጹም ኣይበሃልን’ዩ። እቲ ቕኑዕ “ደርሁ” እዩ። ኣብ ኣውራጃ ሓማሴን ኣብ ከባቢ ዓንሰባ ዝቕመጥ ክፋል ህዝብና ድማ “ደረውህ” ኢሎም ይጽውዕወን’ዮም። እዚ ግን ካልእ ስም ዘይኮነስ ናይ ላህጃ ፍልልይ ጥራይ እዩ። ካልእ ክበርሃልካ/ኪ እትደልዮ/ይዮ ንክትሓትት/ቲ ኢለ’የ ክሳዕ ናይ ሓባራዊ መልሲ ዝህብ ዘየጸበኹኻ/ኺ። የቐንየለይ።

  • Mesinas February 9, 2014

    ብመጀምርያ ሓው ወይ ሓብቲ ትዊዳ ንኽብል ጾታኻ/ኺ እንተተነጽረ/ርለይ ደስ ምበለኒ? ካልእ ትግርኛ ብዘይምፍላጥካ/ኪ ክሕፍረካ/ኪ ወይ ከጉህየካ/ኪ የብሉን። ብኣንጻሩ ቋንቋኻ/ኺ ክትማሃር/ሪ ምድላይካ/ኪ ከኹራዓካን/ክን ከሐጉሰካን/ክን’ዩ ዘለዎ። ነዘን ብዛዕባ ደርሁ ንኽንጽረልካ/ኪ ሓቲትካየን/ክየን ዘለኻ/ኺ ድማ ክቡር ሓው ብሎክድ ቅኑዕ መልሲ ስለ ዝሃበካ/ኪ ንእኡ አመስግኖ። ከምቲ ዝበሎ “ኣደርሁት” ብፍጹም ኣይበሃልን’ዩ። እቲ ቕኑዕ “ደርሁ” እዩ። ኣብ ኣውራጃ ሓማሴን ኣብ ከባቢ ዓንሰባ ዝቕመጥ ክፋል ህዝብና ድማ “ደረውህ” ኢሎም ይጽውዕወን’ዮም። እዚ ግን ካልእ ስም ዘይኮነስ ናይ ላህጃ ፍልልይ ጥራይ እዩ። ካልእ ክበርሃልካ/ኪ እትደልዮ/ይዮ ንክትሓትት/ቲ ኢለ’የ ክሳዕ ናይ ሓባራዊ መልሲ ዝህብ ዘየጸበኹኻ/ኺ። በዚ ኣጋጣሚ ካልኦት ኤርትራውያንውን ዝፈልጡዎ ከምዚ ሓው ብሎክድ ዝገበሮ ብምግባር፡ ንኣሕዋቶም መልሲ ክህቡ እላቦ። የቐንየለይ።

  • freeprisoners February 9, 2014

    messinas good man, but
    Aela = gereb
    Aela= shm bota
    Aela = t’aum seb, tewazay,mes’hak,m’sau kt’all des zebl seb Aela tblo.

    Lemexe = lekeye…
    Lemexe= shetet bele..
    Lemexe = kostere, wed’ae,wd’a wa’aelom…

    yesus = Iyesus (correct) slemntay ‘Iyesus,Iyerusalem…’ aeybhaln elka? mknyat !
    Iyesus zbl aeb teketelti orthodox kkewn kelo, yesus zblu dma aeb teketelti pentekostal mkanu’ye zfelt.

  • Suleiman Salim February 9, 2014

    ትውልዲ ሃገር ኣብ ክንዲ ምባል፡ ዝተወለድካሉ ሃገር፡ ናይ ትውልዲ ሃገርካ/ኪ፡ ቦታ ትውልዲ ወይ ቦታ ልደት፡ ኪብሃል ይግባእ።
    ክነግረካ ኣይክእልን’የ! ኢልና ኣብ ክንዲ ምድናቕ፡ እንታይ’ሞ ክብለካ’የ! ኪንብል ይግባእ።
    በሃም ማለት ዓሻ ማለት ዘይኮነስ ኪሰምዕ እናኸኣለ ኪዛረብ ግን ዘይክእል፡ ዓባስማለት’ዩ።
    ደም ብዝሒ ኣብ ክንዲ ምባል፡ ጸቕጢ ደም ኪብሃል ይግባእ።
    መንነት ወረቐት ኣብ ክንዲ ምባል፡ ወረቐት መንነት ኪብሃል ይግባእ።
    ወጻኢ ጉዳያት ኣብ ክንዲ ምባል፡ ጉዳያት ወጻኢ ኪብሃል ይግባእ።
    ደም መርመራ ኣብ ክንዲ ምባል፡ መርመራ ደም ኪብሃል ይግባእ።
    ብስራሕ ምኽንያት ኣብ ክንዲ ምባል፡ ብምኽንያት ስራሕ ኪብሃል ይግባእ።
    ደርፊ ምርጫ ኣብ ክንዲ ምባል፡ ምርጫ ደርፊ ኪብሃል ይግባእ።

    I totally agree with you. I see Amharic influence in the mistakes that you mentioned. ብትግርኛ ” ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ” በምሓርኛ ” የውጭ ጉዳይ ሚኒስተር ” የስምዕ። ብተማሳሳሊ ብትግርኛ ” መርመራ ደም ” በምሓርኛ ” የደም መርመራ “።

    ኣነ ካብ ኩሉ ኣዝየን ንምስመዐን ጸገም ዝኾናኒ ከም በዓል ” ኮምፔተር” ” ባርሴሎና ” ” ፕረዜዳንት” ” ሄሎ ” ዝኣመሰላ ቃላት እየን።

    ካልእ ገለ ንትግርኛ ጽቡቕ ጌሮም ዝፈልጥዋ ሰባት ንገለ ቃላት ኣብ ክንዲ ብ ” ዝ ” ብ ” ዜ ” ክጅምር ኣለዎ ክብሉ ትሰምዖም። ኣነ በዛ ነብሰይ ብ ” ዜ ” ክጅምር ቅሩብ ኣጸጋሚ ኮይኑ እየ ዝረኽቦ።

  • Suleiman Salim February 9, 2014

    መሲናስ

    “ኣሰብኡት፣ ኣቘልዑት፧”

    ኣቖልዑት፡ቐለውዕ ( ኣየናዮም ቅኑዕ ምዃኑ ክንፈለዮ እኳ እንተ ዘይከኣልና) ክበሃል ንሰምዕ፡ እዛ ኣብ ” ኣሰብኡት ” ትብል ቃል ግን ዘስፈርካያ ናይ ሕቶ ምልክት ክትርዳኣኒ ኣይከኣለትን። መብርሂ ክትህበና ዶ ምስ ከኣልካ፧

    • Suleiman Salim February 10, 2014

      Mesinas

      seb’ay( nSl) = seb’ut ( drb) malteka kem zKone teredi’uni::

  • Suleiman Salim February 10, 2014

    Qol’A (nSl)= Qol’ut (drb)

    / seb’ay seb’ut anbessa Qol’ut /

  • ሽብለሎም February 12, 2014

    ሓው መሲናስ

    ብትገብሮ እኒሄኻ እርመት ቋንቋ ትግርኛ ምስጋናይ ይብጸሓካ። ኣብ ትጥቅዖ ምሃሪ ጽሑፋትካ ሓደ ሓደ ባህ ዘይብሉ ሓሳባት ተጥብቕ ኰይንካ።

    ካብ ትግርኛዊ ኪብሉኻ ኣድጊ ኪብሉኻ ምምረጽካዶ ወይ ከኣ ድዑል ኪብሉኻ ምምረጽካዶ

    ምስ ምውቕ ሰላምታ

POST A COMMENT