Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልሲ ንሕቶታት ኣንበብቲ፡ ቁጽሪ ኣርባዕተ፥

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣንበብቲ፡ ብመጀመርያ ሰላምታይ ብምቕዳም፡ ንሎሚውን ከምቲ ልሙድ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ዘቕረብኩሙለይ ሕቶታት ክምልስ ፍቐዱለይ? “There is no doubt that language is not just a communication tool. It is more than that. Language is an

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣንበብቲ፡ ብመጀመርያ ሰላምታይ ብምቕዳም፡ ንሎሚውን ከምቲ ልሙድ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ዘቕረብኩሙለይ ሕቶታት ክምልስ ፍቐዱለይ?

“There is no doubt that language is not just a communication tool. It is more than that. Language is an identity. Language is the hard drive or the store of a society’s custom and culture. “If someone loses his language, half of the person’s body/soul is dead,” said an Indian Canadian while discussing about the importance of keeping one’s own language. History also teaches us that language was often used to destroy the identity of other societies. It is amazing that there are some Eritreans who think language is nothing but a communication tool. Nothing is more idiotic than this line of thinking.”   ብሓው ጸሃየ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • bilen February 16, 2014

    kbur mesinas,
    aQdime selamta yeqrb. qetsile dma beti tguh tebegsokha yemesgn.
    htoy:
    “makina” kab qanqa Italian malet kab “Macchina” ztewesde iyu.
    beti qnuE Tigrigna entay ybehal? yeqenyeley

  • ሽብለሎም February 17, 2014

    ሓው መሲናስ

    ዋላኳ ካብ ዝሃብካኒ መልሲ ዉርዙይ ማዕዶ ምዃንካ እንተተረዳእኹ ብዝሃብካኒ መልሲ ሕጉስ እየ።ዝብሃብካኒ መልሲን ትሕት ኢሉ ብዛዕባ በሪሱ ትብሎ ባህልናን ክብሪታትን ተራጻሚ እዩ።ብዛዕባ ኣውራጃውነት ቝንቝን ዘይርዳእ ሰብ ከመይ ኢሉ’ዩ’ሞ ቝንቝና በርሰት ሕግታት ደምበታት ዓዲታት ኣብ ኣውራጃታት ዝርከባ ክርዳእ ይኽእል? ከመይ ኢሉ’ዩ’ሞ ብዛዕባ ብርሰት ምስለኔ ፥ ጭቃ ዓዲ፥ ዳኛን ነባሮን ኣብ ኣውራጃታት ዝነብሩ ክርዳእ ይኽእል??
    ኤርትራዊ ትግራይ ዝዓበኻ ወይ ትግራዋይ ኢኻ ኢልካኒ..ሃሃሃሃሃሃ
    ቋንቋ ትግርኛ ግርም ገይርካ ትፈልጦ ኢኻ ግና እቲ ቋንቋ ንኣኻ ኣይፈልጠካን እዩ። ምክንያቱ ቋንቋ ከም ሓደ ባህሊ ናይቲ ተዛረብቱ ሕብረተሰብ እንተተሓሲቡ ክብሪ ወድሰብ ክተርኢ ይግባእካ ነይሩ።

    ኣብ ክንዲ “እንደገና” ንብል “ከምብሓዲስ” ኢና ንብል ኣብታ ዝመደብካኒ ትግራይ

    ንሎሚ ደሓን ወዓል

  • Senay February 17, 2014

    ዝኸበርካ መሲናስ፡
    ስክፍታይ ኣብ ግምት ብምእታው መልሲ ስለዝሃብካኒ ከመስግነካ እፈቱ።
    ነታ “ኣዎንታን እወታን” ብዝምልከት ዘቕረብኩልካ ርእይቶ ክትምልስ ከሎኻ ምሉእ ኣድህቦኻ ኣብቲ ተጠቒሱ ዘሎ ንውሓት ጊዜ ጥራይ ብምሕጻር፡ ነቲ ቀንዲ ሕመረት ናይቲ ርእይቶይ ኣይተንከፍካዮን። እቲ ተጠቒሱ ዘሎ ጊዜ፡ እታ እወታዊ እትብል ቃል ብመንጽር እታ ኣዎንታዊ እትብል ቃል ክትረአ እንከላ፡ ሓዳስ ቃል ምዃና ንምንጻር ዝተጠቐምኩሉ ደኣ’ምበር፡ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎም ቃላት ኩሎም ቅኑዓት’ዮም ዝብል መልእኽቲ የብላን። እቲ ቀንዲ ሕመረት ናይ ርእይቶይ፡ እታ እወታዊ እትብል ቃል ኣብዚ ሓጺር ጊዜ ትተኣታቶ ዘላ ምዃና ብምሕባር ነቲ ኣዎንታ ምባል ዘይቅኑዕ ምዃኑ ንምብራህ ዝተጠቐምካሉ ሓሳብ ከምዘተቐበልኩዎ እዩ ዝገልጽ። እቲ ሓሳበይ ንምድጋሙ ዝኣክል፡ ንሕና “ኣዎ” ኣይንብልን ኢና፡ ስለዚ “ኣዎንታ” ክንብል ኣይግባእን ዘስምዕ መልእኽቲ ኢኻ ጽሒፍካ። እዛ ሓሳብ እዚኣ ከኣ እየ ዘተቐበልክዋ። ቋንቋ ናይ ግድን ኣይኮነን ከምዚ ዓይነት ቅማረ ክኽተል። ነዚ ንብራህ ከኣ እየ “እኖይ/እነይ” ኣብዘይበሃለሉ ቦታታት “ሓትኖይ/ሓትነይ” እንብል ዝብል ንመነጻጸሪ ዝኸውን ቃል ዝጠቐስኩ። “ኣደ” ስለንብል “ሓብቲደ” ክበሃል ኣለዎ ዝብል ርእይቶ ዘለዎ ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን።

    ካልእ፡ ብዝለካ ተገዳስነትን ጀሚርካዮ ዘለኻ ንካልኦት ናይ ምምሃር ተበግሶን ናእዳይ እናገለጽኩ፡ ዝተጠቐምካሎም መወክሳት እንተትሕብር ኣዝዩ ሓጋዚ ምኾነ እብል፡ ብፍላይ ከኣ ከም ሕጊ ወይ መምርሒ ጌርካ ኣብ እትጽሕፎም ሓሳባት። ንኣብነት እዩ/ኢዩ ንዝኣመሰለ ከም ሕጊ ኣጠቓቕምኦም ኢልካ ዘስፈርካዮ ሓሳባት ምስ ካልኦት መምሃሪ ክኾኑ ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ኣይሰማማዕን ወይ ኣይገጥምን። ብተክአ ተስፋይ ዝተዳለወ መዝገበ ቃላትን ብኣማንኤል ሳህለ ዝተዳለወ መጽሓፍ ስዋስውን ኣብ ክንዲ እዩ፡ ኢዩ ይጥቀሙ። እቲ ሓደ’ዩ ቅኑዕ ወይ እቲ ካልእ ንምባል ዘይኮነስ፡ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ተወሳኺ መወከሲ እንተተቕርብ ነቶም ክንመሃር እንደሊ ኣርባሒ ምኾነ ኢለ እኣምን።

    ሰናይ

Post a Reply to bilen Cancel Reply