መልሲ ንሓተትትን ወሃብቲ ርእይቶን እሩም ቋንቋ ትግርኛ 7ይ ክፋል፥
መልሲ ንሓተትትን ወሃብቲ ርእይቶን እሩም ቋንቋ ትግርኛ 7ይ ክፋል፥ ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ነበብቲ፡ ብመጀመርያ ሰላምታይ ብምቕዳም፡ ንሎሚውን ከምቲ ልሙድ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ዘቕረብኩሙለይ ሕቶታትን ርእይቶታትን ንኽምልስ፡ በዛ ቀጺላ እትቐርብ ኣገዳሲት መልእኽቲ ሓውና ጸሃየ ኣቢለ ክሓልፍ ፍቐዱለይ? “There
መልሲ ንሓተትትን ወሃብቲ ርእይቶን እሩም ቋንቋ ትግርኛ 7ይ ክፋል፥
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ነበብቲ፡ ብመጀመርያ ሰላምታይ ብምቕዳም፡ ንሎሚውን ከምቲ ልሙድ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ዘቕረብኩሙለይ ሕቶታትን ርእይቶታትን ንኽምልስ፡ በዛ ቀጺላ እትቐርብ ኣገዳሲት መልእኽቲ ሓውና ጸሃየ ኣቢለ ክሓልፍ ፍቐዱለይ?
“There is no doubt that language is not just a communication tool. It is more than that. Language is an identity. Language is the hard drive or the store of a society’s custom and culture. “If someone loses his language, half of the person’s body/soul is dead,” said an Indian Canadian while discussing about the importance of keeping one’s own language. History also teaches us that language was often used to destroy the identity of other societies. It is amazing that there are some Eritreans who think language is nothing but a communication tool. Nothing is more idiotic than this line of thinking.”
“ኣብ ትግርኛ ወላ’ቲ ኣነ ጽቡቕ ምልከት ትግርኛ ኣሎኒ ዝብል ሰብ’ውን ብዙሕ ዝሓልፎ ጌጋታት ከም ዘሎ ኣብዚ ናይ ሕጂ ጽሑፍካ ተዓዚበ። ስለምንታይ እንተ በልካ፡ ብዙሕ ግዜ ኣብዞም ከም ጐ ጕ ጒ ጓ ጔከምኡውን ኰ ኵ ኲ ኴ. . ዝኣመሰሉ ፊደላት ወይ ብኣታቶም ኣብ ዝቘሙ ቃላት ልሙድ ጌጋታት ክትገብር ኣስተውዒለልካ ኣለኹ። ንኣብነት ጐደሎ ኢልካ’ምበር ጎደሎ ኢልካ ኣይጸሓፍን’ዩ። ከምኡ’ውንጐልጎል’ምበር ጎልጎል ወይ ቈልዓ’ምበር ቆልዓ ኢልካ ወዘተ ኣይጸሓፍን እዩ። እዚ ብዙሓት ሰባት ዝገብሩዎ ልሙድ ጌጋ እዩ። ዜርካ ዜርካ ግን ናብቲ ቋንቋ ትግርኛ ስታንዳርድ ስለ ዘይሓዘ ናብ ዝብል ዘረባ ኢናክንኣቱ። ካልእ እንተ ተረፈ ብውሑዱ ንልሙድ ጌጋታት ትግርኛ ዝሕብር ብገለ ግዱሳት ምሁራት ሓደ ማንዋል ወይ መወከሲ እንተ ዝጸሓፍ ኣዝዩ ጠቓሚ ምኾነ ነይሩ እብል። ካብኡ በለ ሰላም ቅነ እናበልኩእሰናበተካ። ሰሰናዩ ንኹላትና።” ዝበለ ሓው እስቲፋኖስ ተመልሶ’ዩ።
ዝኸበርካ ሓው እስቲፋኖስ፡ ምጉትካ ቅኑዕ’ዩ። ዕላማ’ዚ ብቐጻሊ ዘቕርቦ ዘለኹ፡ ንቋንቋና ዚምልከት ጽሑፍውን ንሱ’ዩ። ማለት፡ ከምቲ ዝበልካዮ ‘ኣነ ብጹእ ናይ ትግርኛ ኪኢላ’የ’ ዚብል ሰብ ስለ ዘይብልና፡ ብግብሪውን ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ ስለ ዘየለ፡ ንሓድሕድና ተመላሊእና፡ ነቲ ሰብ ዘይኮነስ ነቲ ቋንቋ ምሉእ ወይ ብጹእ ንምግባሩ’ዩ እቲ ጻዕሪ። እዞም ዘቕረብካዮም ሓሙሽተ ዝኾኑ ብማንታ ፊደል ዝድመጹ ሆሄያት ትግርኛውን ብርግጽ ክንጥቀመሎም ከለና ምድንጋራት ይፈጥሩልና’ዮም። ኣነውን ከም ሰበይ ብግቡእ ኣብ ምጥቃሞም ጸገም ኣሎኒ። ብዝተኻእለ መጠን ግን ከስተባህለሎም ይፍትን’የ፤ እቲ ልምዲ ስለ ዚስዕር ግን ጉድለታት ይፍጽም ማለት’ዩ። በዚ ምኽንያትኸኣ ንኣኻን ንኹሎም ነበብትን ይቕሬታ እሓትት? ብቐጻሊ ምስትውዓልን ምልምማድን ግን ኣብ ግቡእ ቦታኦም እናኣእተና ክንጥቀመሎም ስለ ንኽእል ብዙሕ ሽግር ዘሎዎ ኮይኑ ኣይስመዓንን።
“ካልእ እንተ ተረፈ ብውሑዱ ንልሙድ ጌጋታት ትግርኛ ዝሕብር ብገለ ግዱሳት ምሁራት ሓደ ማንዋል ወይ መወከሲ እንተ ዝጸሓፍ ኣዝዩ ጠቓሚ ምኾነ ነይሩ እብል።” ዝበልካያ ሕጥበ ጽሑፍ ግን ሓው እስቲፋኖስ ሕቶ ኣላትኒ። መን’ዮም እቶም ሕጊ ክነድፉልና እንጽበዮም ዘለና ምሁራት? ናይ ቋንቋና ምሁራትዶ ዋላስ ናይ ካልእ ቋንቋ ምሁራት’ዮም? ዋላ ደኣ ብዝግባእ ሰፊሑ ኩሉ ከም ዝጥቀመሉን ከም ዝግልገለሉን ኮይኑ ኣይቕረብ’ምበር እቶም ክኢላታት ናይ ቋንቋ ዝብሃሉ ሰባት’ኮ፡ ኣብ 2005 ዓመተ ምህረት፡ ኣብ ኣስመራ፡ ኣዳራሽ ሃገር መድያ ተኣኪቦም፡ ዘጽደቑዎ “ምዕሩይ ትግርኛ መራኸቢ ብዙሓን፡ ብሚኒስትሪ ዜና፡” ዘርእስቱ መጽሓፍ’ኮ መወከሲ ኣሎና። ንዕኡ ከነስፍሕን ብእኡ ክንምራሕን’ኮ ንኽእል ኢና። እቲ ቀንዲ ወሳኒ ግን ተገዳስነትን ጻዕርን ናይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ’ዩ! ኩልና አእጃምና እንተ ጌርና፡ ንኹሉ ጸሚቚካ ብምንጽጻር፡ ነዚ ትብሎ ዘለኻ መወከሲ መጽሓፍ ምድላው ይከኣል’ዩ። ስለዚ፡ ነንፈልጦ ንሓፋሽ ምክፋል ጥራይ ኣይንሕመቕ! የቐንየለይ። ዚቕጽል ወሃብ ርእይቶ ኸኣ ሓው ተወልደመድህን’ዩ።
“ናተይ ቀንዲ ርእይቶይ ኣብ ናትካ ኣገባብ’ዩ። ኣብዚ ክትርደኦ ዘሎካ ኣፍልጦ የብልካን ኣይኮነን ዝብል ዘለኹ፡ እቲ ትህቦ ዘሎኻ ቃላት ይኹን ኣጸሃሕፋ ብናትካ መጽናዕትን ትግሃትን ዝበጻሕካዮ ኢዩ። ነቲትብሎ ዘሎኻ ዚቃወሙ’ውን ክህልዉ’ዮም። ስለዚ ኣብ ክንዲ ከምዚ’ዩ ዝጸሓፍ ኢልካ፡ ኣቐምጥ ተብሎ። ነቲ ኣብ ካልእ ዝረከብካዮ ምስ ኣብነቱ ኣናጠቐስካ ተቅርቦ። ነቲ ባዕልካ ኣጽኒዕካ ዝበጻሕካዮ ከኣ፡ከምሚዛነይ ከም ግምተይ ኢልካ እንተተንብሮ ምሃሸ። ከምዚ’ዩ ዝባሀል ምባል ግን ዝፍቶ ኣይኮነን።
እቲ ምኽንያት፡ ንሕና ክሳብ ሎሚ ቋንቋና ክነመሃይሸሉ ንኽእል ኦድል ኣይረኽብናን።ኣብዘን ናይ 23 ዓመታት’ውን ቋንቋ ትግርኛ መሰረት ክንበረሉ፡ ኣንፈቱ ቀይሩ ዝኾነ ሰብ ምምሕያሽ ክገብረሉ ዝግበኦ ገፊሕዕድል ተኸሲሩ’ዩ። ሰለዚ ንስኻ’ውን ናይ ቋንቋ ትግርኛ ምሁር ወይ በዚ ፍሉይ ትምህርቲ ዝወሰድካ ክትከውን ኣይትኽእልን። ምኽንያቱ እቲ ኦኣውደ ትምህርቲ ይኹን መጽናዕቲ፡ናይቲ ቋንቋ መጽናዕቲ ዘካይዱፍሉጣት ማእከል መጽናዕቲ የለውን። ንስኻ ብድሌት ካብቲ ባህላዊ ኣዘራርባ ይኹን ኣጸሓህፋ መጽናዕቲ ኣካይድካ ናትካ ክእለት ዝሓዝካ ኢካ። እዚ ግን ምሉእ ኣይኮነን። ስለዚ ኣብ ተገዳስነትካ ጽቡቕ ክምስገንዘለዎ’ዩ።
ሎሚ ካብ ብቋንቋ ትግርና ምጽሓፍ እንግሊዝን ካልእ ቋንቋታት ሃስስ ዝብሉ ምሁራት ኤርትራውያን ብዙሃት’ዮም። ንስካ ነቲ ዘለካ ክመሃየሸሉ ዝኽእል ስራሕ ኢካ ትሰርሆ ዘሎኻ፡ ዝምስገን ክትቅጽሎእላበወካ። ግን እቲ እትህቦ ዘሎካ ሚኢቲ ብሚኢቲ ከምዚ’ዩ ዝበሃል፡ ከምዚ’ዩ ክከውን ዘለዎ ኢልካ ተኣማሚንካ ዘይትኸደሉ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ኣገባብ ቅሩብ ሚዛን ክትገብረሉ ኣላበወካ። ስለምንታይ እንድሕሪኢልካ፡ ነቲ ትብሎ ዘሎካ ዚቃወሙ ክመጹ ወይ ጽባሕ ጽፉፍ መጽናዕቲ ኣብ ዝተገብረሉ ነቲ ትብሎ ዘሎካ ዝድምስሱ ኪመጹ ስለዝኽእሉ። እቲ ንስካ ትብሎ’ውን ናትካ ደኣምበር ናይቲ ጽፉፍ መጽናዕቲዚተገብረሉ ኣዘራርባ ኣይኮነን። ስለዚ ንዝኾነ ይኹን ከም ውዱዕን እሙንን ገርካ ምቕራብስ ዝፍቶ ኣይኮነን።
ሰሠናዩ ንዓኻ።
ክቡር መሲናስ፡” ክብል ርእይቶኡ ዝሃበ ሓው ተወልደመድህን’ዩ።
ሰሠናዩ ንዓኻ።
ክቡር መሲናስ፡” ክብል ርእይቶኡ ዝሃበ ሓው ተወልደመድህን’ዩ።
ዝኸበርካ ሓው ተወልደመድህን፡ ብመጀመርያ ንዝሃብካኒ ምኽርን ርእይቶን ከመስግነካ እፈቱ። ብምቕጻል፥ ሓንቲ ንስኻ ኮነ ካልኦት ኣሕዋትን ኣሓትን ክትርድኡለይ ዝደልያ ነገር ኣላ። ብዙሕ ግዜውን ጠቒሰያ እየ። ኣነ ናይ ምፍላጥን ቋንቋኻ ናይ ምምዕባልን ክቱር ህርፋንን ህንጡይነትን እምበር ካልእምንም ነገር የብለይን። በዚ መሰረት ከኣ ንዝፈልጡ ሰባት ከም ቆፎ ንህቢ በርቢረ፡ ፍልጠቶም ክቐስም’የ ዝፍትን’ምበር ‘ኣነ ፈላጥን ብጹእን እየ’ሞ ንዝበልኩዎ ኩሉ ረዓሙዎ ወይ ተጠቐሙሉ’ ኢለ ኣይፈልጥን’የ። ካልእ ኣነ ዘቕርቦ ዘለኹ ጽሑፋት፡ እርማትን ሓበሬታን ጥራይ እዩ። ‘እዚ ጥራይ እዩ እቲ ቅኑዕ’ሞ ንዕኡ ጥራይ ተኸተሉ!’ ዚብል ቃል ግን ወጺኡኒ ኣይፈልጥን’ዩ።
ኣነ እቲ ብወገነይ ልክዕ’ዩ ዝብሎን ነቲ ጉድለት ኣሎዎ ዝብሎን፡ ጠቒሰን ኣሪመን አቕርብ ኣለኹ። ካልኦት ከምዚ ኸማኻ ዝኣመሰሉ ኣሕዋት ከኣ ንኣይ ‘ከምዚ ኣይትበል!’ ዘይኮነ ክብሉኒ ዘለዎምስ እንታይ ደኣ ነቲ ኣነ ዘቕረብኩዎ ጽሑፍ፡ ካብኡ ዝሓሸን ዝበለጸን ብምቕራብ፡ ጉድለተይን ጌጋይን ብምእራም፡ እዚ’ዩ እቲ ቅኑዕ’ዮም ክብሉኒ ዘለዎም። እዚ ግን ነግፈረግ እናበሉ ማለት፡ ‘ከምዚኣ እያ ይመስለኒ’ እናበሉ ብስራሖም ብምጥርጣር ዘይኮነስ ብርእሰ ተኣማንነት ክምልሱለይ ወይውን ክእርሙኒ ጥራይ እዩ ዘለዎም ይመስለኒ። ኣነውን ነቲ ዝቐረበለይ እርማት ወይ ሓበሬታ፡ ከምዚ ኣይትበሉ ብምባል ዘይኮነስ እዝስ በዝን በዝን ምኽንያት ኣይተቐበልኩዎን ብምባል፡ ምኽንያት ዘይመቐበልየይ ጠቒሰ ከረድኦምን ክላዘቦምን ጥራይ እየ ክፍትን ዘለኒ። በዚ ከምዚ ኣጋባብ ከኣ ንኹሉ ኣወዳዲርና፡ እቲ ዚበለጸን እቲ ዚሓሸን ወሲድና፡ ካብዚ ኹሉ ጸገም ናጻ ዚገብረና ሃገራዊ መወከሲ ቋንቋ ከነቕውም ንኽእል ኢና።
ንኣብነት፥ ሕዚ፣ ሕዪ፣ ሕጂ ዝብላ ቃላት እንተ ወሲድና፡ ሰለስቲአን ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ሃገርና ዝዝረባ ሓደ ዝትርጉመን ቃላት ትግርኛ’የን፤ ካብ ሰለስቲአን ንሓንቲ ማለት፡ “ሕጂ” ትብል ቃል መሪጸ፡ ነዚኣ ክንጥቀመላ ኣለና እንተ ኢለ ኸኣ እተን ዝተረፋ ክልተ ትርጉመን ጌጋ’ዩ ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ፤ እንታይ ደኣ ካብ ሰለስቲአን ብሰለስተ መምዘኒታት ቃል መዚነ’የ ሓንቲ ሓርየ፡ ነዚኣ ንጠቐም ዝብል ዘለኹ። እተን ሰለስተ ቃላት ንምምራጽ ዝጥቀመለን መለኪዕታት ከኣ እዘን ዝስዕባ’የን፥ ላዛ፣ ዓቐን፣ ብዝሒ ተጠቃምነትን ገላጽነትን እየን። በዚ መሰረት ከኣ “ሕጂ” ብኽልተ መዐቀኒታት ማለት፡ ብላዛን ብብዝሒ ተጠቀምነትን ካብ “ሕዪን” ካብ “ሕዚን” ብልጽቲ ኮይና ንረኽባ። በዚ መሰረት ከኣ “ሕጂ” እያ እታ ቅንዕቲ ክንጥቀመላ ዘለና ንብል ኣለና ማለት’ዩ።
ዝኸብርካ ሓው ተወልደመድህን፡ ጽባሕ ንግሆ’ኮ ኣይኮነንዶ ነቲ ዘጠራጥር ቃላትስ፡ ነቲ ዘየጠራጥር ንጹር ቃላትን ሓሳባትንውን ብዝበለጸን ዝቐለለን ኣጋባብ ንምጥቃሙ ዝህንድሱ መሃንድሳት ቋንቋ ማለት፡ ኪኢላታት’ኮ ናጻ ኮይኖም ክሰርሑሉ’ዮም። ዘይሕጂ ዕድልን ባይታን ስለ ዝሰኣኑ’ዮም ከምዘየለዉ ዝቑጸሩ ዘለው። ነዚ ኣነ ሕጂ ምምሕያሻት ዝገብረሉ ዘለኹ ቃላትን ኣጋባባትንውን ቅድመይ ክኢላታት’ዮም ነዚ ዘለዎ ቅርጽን ኣጠቓቕማን ኣትሒዘሞ። ንሳቶም ግን ነዚ ክገብሩ ከለዉ፡ እናተጠራጠሩ ወይ ድማ ከምዚኣ እያ ትኸውን ይመስለኒ እናበሉ ዘይኮኑስ፡ ነቲ ዘምጽኡዎ ሓሳባት ቅኑዕ ሙዃኑ ኣሚኖም፡ ብርእሰ ተኣማንነት’ዮም ኣቕሪበሞ። ንኣኡ ዚእርም ወይ ዘፍርስ የለን ወይ ድማ ንሱ ናይ መወዳእታን ቀያድን’ዩ ግን ኣይበሉን። ቋንቋ ወትሩ ምስ ምዕባለ ሕብረተሰብ እናዓበየን እናተማሓየሸን’ዩ ዚኸይድ። ደሓር ከኣ ጸሓፊ እናተጠራጠረ ዘቕረቦ እርማትከ፡ ነባቢ ብኸመይ እዩ ብርእሰ ተኣማንነት ቅኑዕነት ናይቲ ጽሑፍ ኣሚኑ ከተግብሮ ዝኽእል!? ዝኸበርካ ሓው ተወልደ፡ ምላሸይ ንጹርን ርድኡን ኪኸውን እናተተስፈኹ ፍቓድካ እንተ ኾይኑ ናብ ዚቕጽል ክሓልፍ? የቐንየለይ።
“ክቡር ሓው ዝኾንካ መሲናስ
“ሓዲሽ “ ብ “ሓድሽ” ኣ ሪምካዮ ኣሎኻ፣ ምንጪ ናይቲ ቃል ግና ግዕዝ ስለ ዝኾነ “ሃዲስ” ወይ ድማ ብትግረን ዓረብን “ሓዲስ” ኢዩ፣፣ ስለዚ “ሓድሽ” ትኽክል ትግርኛ ኣመስለንን፣”
ዝኸበርካ ሓው ፍስሃየ (1)፡ መብዛሕትኡ ቃላት ትግርኛ ካብ ቋንቋ ግእዝ’ዩ ወጺኡ ዚብል ኣምነት’ዩ ዘሎኒ። ኩሉ ግን ከምቲ ኣብ ግእዝ ዝነበሮ የለን። ናብ ትግርኛ ምስ ረዓመ ብቕርጽን ድምጽን ምቕይያራት ይግበረሉ’ዩ። ንኣብነት፥ እዛ ዝጠቐስካያ ቃል፡ ብግእዝ “ሐደሰ” ብትግርኛ ከኣ “ሓደሰ” ከም ትብሃል’የ ኣነ ዝፈልጣ። ንተወሳኺ “ዘመናዊ መዝገበ ቃላት ብተክአ ተስፋይ” ኣብ ገጽ 92 ክትርኢ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ፡ እቲ ፍልልይ ኣብ ካእብን ራብዕን ጥራይ እዩ ዘሎ። ናብ ትግርኛ ኣርዒምካ “ሓድሽ” ምባሉውን በተን ሰለስተ መዐቀኒታት ቃል እንተ መዚንናዮ ጸገም የብሉን። ምኽንያቱ፡ ኣብ ትርጉም ኮነ ኣብ ቃና ዘምጽኦ ለውጢ ስለ ዘየለ።
ተወሳኺ መብርሂ ንሓው ፍሳሃየ ብዛዕባ’ቶም ኣብ ፊደላት ትግርኛ ድርብ ስለ ዝኾኑ ንከይንጥቀመሎም ተሪፎም ዘለዉ ሰለስተ ሆሄያት (ፊደላት) ማለት፡ ኀ፣ ሠ፣ ፀ፣ ኣብ ግእዝ ናታቶም ፍሉይ ምስጢርን ትርጉምን ከም ዘሎዎም ይግለጽ’ዩ። ንኣብነት፥ ኀ= ብዙኃን ወይ ኃይል ይብሃል፣ ሠ= ንጉሥ ይብሃል፣ ከምኡውን ፀ= ፀሓይ ይብሃል። እቶም ተመሳሰልቶም ከኣ ሀ= ሃሌታ ወይውን ሀብት ይብሃል፣ ሰ= እሳት ይብሃል፣ ጸ= ጸሎት ይብሃል። ተባሂሎም ተፈላልዮም ኣለዉ። በዚ መሰረት ከኣ ግእዛውያን ‘ፀሓይ እምበር ጸሓይ ኣይጸሓፍን’ዩ’ እዮም ዝብሉ። ከምኡውን ‘ሠረቀ እምበር ሰረቀ ኣይጽሓፍን’ዩ’ ይብሉ’ዮም።
ምኽንያቱ፡ ‘ሰረቀ ማለት ዓመጸ ማለት ኪኸውን ከሎ፣ ሠረቀ ማለት ግን ተወልደ ማለት’ዩ።’ ብምባል፡ ፍልልያቶም የርድኡ’ዮም። እዚ ግን ምናልባት ኣብ ግእዝ ብቑዕ ምኽንያት ኪኸውን ይኽእል ይኸውን’ዩ፤ ኣብ ትግርኛ ግን ኣድላዪ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ፡ ብትግርኛ ሰረቐ ዓመጸ ማለት ኪኸውን ከሎ፣ተወልደ ማለት ድማ ተወሊዱ ማለት’ዩ። ኣይፋል! እዚ ኪቕየር የብሉን፡ እትብሉ እንተ ኣሊኹም ግን ኣብ ክንዲ ፀሓይ፡ ጸሓይ፣ ኣብ ክንዲ ሰረቀ፡ ሰረቐ ኢልና ብምጽሓፍና ዘምጽኦ ጸገም እንተልዩ፡ ኣረዲእኩም ከተእምኑና እትስፎ። ብወገነይ ግን ካብዞም ብድምር 187 ሆሄያት ትግርኛ፡ ሰለስተ ተደገምቲ እንተ ኣጉደልና ዘምጽኦ ጸገም ኣይረኣየንን። ምኽንያቱ፡ ምጥኑነትን ቅርጽጡውነትን ናቱ እወታዊ ረብሓ ስለ ዘሎዎ ኣብ ግምት ምእታዉ ኣገዳሲ’ዩ። የቐንየለይ።
“I would suggest two things when you write or are criticised for your writings; first never say it’s my way. Second please tell your readers where the word comes from; and please use simple words unless you have to.
You will be amazed how Tigrinia is tied up to Geez, Tigrayit and Arabic; Hebrew too. Nobody’s Tigrinia surprises me as yours: perhaps you are special.”
You will be amazed how Tigrinia is tied up to Geez, Tigrayit and Arabic; Hebrew too. Nobody’s Tigrinia surprises me as yours: perhaps you are special.”
ክቡር ሓው ፍስሃየ(2) ምስጋናይ ብምቕዳም ናይ ርእይቶኻ መብርሂ ክህብ ፍቐደለይ? ‘ብመገደይ እዩ ኣይትበል!’ ኢልካኒ፡ ክቡር ሓው እንታይ ደኣየ’ሞ ክብል? ካብ ዚኾነ ይኹን መጽሓፍ ቀዲሐ ወይ ካብ ሰብ ሰሚዐ ዘይረኸብኩዎ ነገር ብኸመይ መገዲ’የ ናይ እከለ ኣበሃህላ’ዩ ክብሎ? እዝስ ከመይ ኢሉ ከምዚ ይኸውን ብኸምዚ እንተ ዚትካእ ይበልጽ ኢለ ዘማሓየሽኩዎ እንተ ኮይኑ፡ ናይ ግድን’ዩ ከም ዘለዎ ከቕርቦ። ኩሉ ግን መሰረቱ ካብ ዝተፈላለየ መጻሕፍቲ ነቢበ ዝረኸብኩዎን ኣወዳዲረ ምምሕያሻት ዝገበርኩሉን’ምበር ባዕለይ ዝመሃዝኩዎ ቃል ወይ ሓሳብ ክሳዕ ሕጂ የለን።
“please tell your readers where the word comes from” ክቡር ሓው ፍስሃየ፡ ኣነ ዝጥቀመሎም ኣብ ትግርኛ ዘይዝውቱራት ቃላት፡ ብምሉኦም መበቈሎም ግእዝ’ዩ። ካብ ካልእ እንተ ኮይኑውን ናይ መን ሙዃኑ ይገልጽ’የ። ንኣብነት፥ *ኣውቶታርኪ ማለት *ርእሰ ምኽኣል ብግሪኽ ብምባል ይገልጾ’የ። ብዝተረፈ እቶም ካልኦት ቃላት ግን ትርጉሞም ንዚኾነ ናይ ቋንቋ ግእዝ ኣፍልጦ ዘሎዎ ሰብ ሓቲትካ ከተረጋግጾም ትኽእል ኢኻ። ብዝተረፈ ብዙሓት ካብ ዝነበብኩዎም መጻሕፍትን ካብ ዝሰማዕኩዎም ቃላትን ኣብ ማህደረይ በብግዜኡ ዝኣከብኩዎም ቃላት ትግርኛ’ዮም።
“please use simple words unless you have to.” ክቡር ሓው እዞም ኣነ መሪጸ ዝጥቀመሎም ዘለኹ ቃላት፡ ካብቲ፡ “ኣገዳሲ ዕማም ስነ ጥበበኛ፡ ንዝተረስዑ ቃላት ምዝኽኻርን ንዘይፍለጡ ቃላት ምልላይን እዩ!” ዚብል ብሂል ብምብጋስ’የ ዘይዝውቱራትን ኣዝዮም ገለጽትን ቃላት ዝጥቀም። ንኣብነት፥ “ሮሶብ” ማለት ጸሊም ጽዑቕ ደበና ማለት’ዩ። ስለዚ፡ ኣብ ክንዲ ‘ጸሊም ጽዑቕ ደበና’ ዝጽሕፍ ‘ሮሶብ’ ይጽሕፍ ማለት’ዩ። ዝኸበርካ ሓው ፍስሃየ፡ ከምቲ ኣቐዲመ ገሊጸዮ ዘለኹ ኸኣ ንቓላት ብሰለስተ መዕቐኒ ደረጃታት’የ ዝመርጾም። 1ይ ላዛኦም፣ 2ይ ዓቐኖም፣ 3ይ ብዝሒ ተጠቃምነቶምን ገላጽነቶምን እዩ። እዚ ኸኣ ሃብታም ቋንቋ ከለናስ ከምቶም ድኻታት ቋንቋታት ብሓደ ክልተ ተደጋገምቲ ቃላት ጥራይ ሰለይ ክንብል ምኽኑይ ስለ ዘይኮነ’ዩ። ንምንታይ ዘይዙውቱራት ቃላት ይጥቀም ከም ዘለኹ ተረዲእካለይ ኪትከውን ተስፋ እገብር። የቐንየለይ።
ኣብ መወዳእታ ከተሓሳስቦ ዝደሊ ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ነቐፌታን እርማትን መብረድ ስነ ጥበበኛ ስለ ዚኾነ፡ ልዑል ነቐፌታኹምን ሓበሬታኹምን ኣብ ቀጻሊ ከይፍለየኒ እናተላበኹን ልባዊ ምስጋናይ እናኣቕረብኩን ርሑስ ልደትን ዓመተ ፍትሕን ሰላምን ኪገብረልና ልዑል ፈጣሪ እናተመነኹ ናብ ናይ ሎሚ ጣዕሞት እሩም ቋንቋ ከሰጋግረኩም ፍቐዱለይ?
ጠዓሞት እሩም ቋንቋ፥
ኣረባብሓ ቃላት
ቃላትና ከነብዝሕ ከለና፡ ዝተፈላለየ ጌጋታት ንፍጽም ኢና። ንኣብነት፥ ሽኮር= ሽኮራት: ሑጻ= ሕጻታት ወዘተ. ክንብል ኣይግባእን። ምኽንያቱ: ዘይቁጸሩ ነገራት ከም እኒ ሽኮርን ሑጻን ኣይባዝሑን’ዮም። እቶም ዚባዝሑ ስማት ከኣ ብዘይካ ውሑዳት ኣጋባብን ሕግን ዘይክተሉ፡ ማለት ከም ሰበይቲ= ኣንስቲ፡ወኻርያ= ወኻሩ፡ ኣድጊ= ኣእዱግ፡ በጊዕ= ኣባጊዕ ወዘተ. ዝኣመሰሉ ኣስማት ገዲፍካ፡ ካልእ መብዛሕትኦም ስሩዕ ሕጊ ኣሎዎም። ንኣብነት፥ ኩሎም ብሳልስዚውድኡ ቃላት፡ ነቲ 3ይ ፊደል ናብ ሳድስ ብምቕያር “ታት ወሲኽና ነብዝሖም። ንኣብነት፥ ቃልሲ= ቃልስታት፡ ወግዒ= ወግዕታት ወዘተ. ነቶም መወዳእታ ፊደሎም ሳድስ ዝኾነ ኸኣ ነቲ ሳድስ ፊደል ናብ ራብዕ ብምቕያር “ት ንውስኸሎም። ንኣብነት፥ ሓሶት= ሓሶታት፡ ዓመት= ዓመታት ወዘተ. ንዘይህይወታውያን ነራት ወይ ድማ ንረቀቕቲ ዝኾኑ ነገራት ከነብዝሕ ከለና ግን ናብ ኣንስታይ ለዊጥና ኢና ከነብዝሖም ዘለና። ንኣብነት፥ እቲ ትልሚ=እተን ትልምታት፡ እዚ መጽሓፍ= እዘን መጻሕፍቲ ወዘተ. ይኸውን። እቶም ትልምታት ወይ ድማ እዞም መጻሕፍቲ ምባል ግን ጌጋ’ዩ።
እግበአኒ፡ ኣለቀሐኒ ኣረደአኒ፡ ኣብጽሐለይ፡ ኣምጽአለይ ወዘተ. ኢልና ኣብ ክንዲ ምድማጽን ምጽሓፍንውን ይግብኣኒ፡ ኣለቅሓኒ ኣረድኣኒ፡ ኣብጽሓለይ፡ኣምጽኣለይ ወዘተ. ክንብል ይግባእ! ምኽንያቱ፡ እግበአኒ ወይ ድማ ኣለቀሐኒ ኢልካ አ ወይ ሐ ግእዝ ምጥቃም ጌጋ’ዩ። እዚ ኣደማምጻ’ዚ ተጋሩ ከዘውትርዎ’ዮም ዝስምዑ። ንሳቶምውን እንተኾነ፡ ብጌጋ’ዮም ዝጥቀሙሉ ዚብል ርድኢት’ዩ ዘሎኒ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንብዓል ዐ፡ ሐ፡ ሀ፡ አ፡ ወዘተ.ኣብ ክንዲ ብግእዝ ብራብእ ስለ ዝጽውዑዎም። ንኣብነት፥ ን ሀ ግእዝ ሃ ራብእ ን ሐ ግእዝ ሓ ራብእ ን ዐ ግእዝ ዓ ራብእ ን አ ግእዝ ኣ ራብእኢሎም’ዮም ዘንብብዎም። ስለዚ ንሕና፡ ኣብልዓኒ ወይ ኣረደኣኒ ብምባል ዓ ራብእ ከምኡውን ኣ ራብእ ክንጥቀም ይግባእ። ብተወሳኺ ድረአኹዎ፡ድስመዐኒ፡ ድሰተኹዎ፡ ወዘተ. ኣብ ክንዲ ምባል ዝረኣኹዎ፡ ዚስማዓኒ፡ ዝሰተኹዎ ወዘተ. ክንብል ይግባእ! ዚስማዓኒ ብ ዚ ተጻሒፉሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ኣብ ክንዲ እስምዓኒ ይስማዓኒ ስለ ንብል’ዩ። ኣብ ነብስኻ ዚፍጸም ነገር እንተ ኾይኑ ይ ኢኻ ክትጥቀም ዚግባእ።
ኣሰብኡት፡ ኣቘልዑት፡ ኣንሕና… ኣብ ክንዲ ምባልውን ሰብኡት፡ ቈልዑ፡ ንሕና… ኪብሃል ይግባእ!
ቈጸሮ ኣብ ክንዲ ምባል ቈጸራ ኪብሃል ይግባእ።
ነጻነት ኣብ ክንዲ ምባል ናጽነት ኪብሃል ይግባእ። ነጻ ወጺና ዘይኮነስ ናጻ ወጺና’ዩ እቲ ቅኑዕ።
ማሸላ ኣብ ክንዲ ምባል መሸላ ኪብሃል ይግባእ።
ጨሪሱ ኣብ ክንዲ ምባል ጠሪሹ/ጠሪሱ ኪብሃል ይግባእ።
ዒላማ ኣብ ክንዲ ምባል ዕላማ ኪብሃል ይግባእ።
እሱ/እሳ/እሳቶም ወዘተ. ኣብ ክንዲ ምባልውን ንሱ/ንሳ/ንሳቶም ወዘተ. ኪብሃል ይግባእ።
ለስላሳ መስተ ኣብ ክንዲ ምባል ልስሉስ መስተ ኪብሃል ይግባእ።
ናይ ሎሚ ክልተ ዓመት ኣብ ክንዲ ምባል ክልተ ዓመት ይገብር ወይ ድማ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኪብሃል ይግባእ።
እምበኣርከስ ክቡራት ኣሓዋትን ኣሓትን፡ ቅድሚ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ምዝዛመይ ነዘን ዝስዕባ ሓሙሽተ ቃላት ትግርኛ፡ ትርጉመን ብግቡእ ክትገልጹለይ ብትሕትና እሓትት? እተን ቃላት፥ በሃም፣ ያታ፡ ምጉዋሕ፣ መሲናስ፣ ፍሕሽው ዝብላ ኮይነን ቅኑዕ ትርጉመን እንታይ እዩ? ንምትሕብባርኩም ኣቐዲመ አመስግን። ኣብ ቀጻሊ ብተመሳሳሊ ክሳዕ ንራኸብ ንኹልና ሰላምን ጥዕናን እምነ። ሰላም።
ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ልደትን ይግበረልና!
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!
ካብ ሓው መሲናስ 07/01/2015
tesfa yhaile January 10, 2015
Good explanation
Yohannes Ge September 9, 2017
መልሲ ናይ ሕቶካ እስከ ክንፍትን: ነቲ ጌጋታት ከኣ ኣርመኒ
1. በሃም-ዓሻ: ዓባስ: ክዛረብ ዘይክእል
2. ያታ-ታርኽ:ዛንታ
3.ሪም-ብጽሒት:መሰል:ግደ:ውርሻ
4.ምጉዋሕ-ምቅላሕ
5.ፍሕሹው-0ተፈታዊ:ምቅሉል ኣቀባብላ ዘለዎ ሰብ
6.መሲናስ-ለጋስ:ሃያብ:ለዋህ
girmay June 29, 2018
ሓውና ጻዕርካ ቅጽለሉ!!
ብዛዐባ ላዛ አበየናይ ከባቢ ኬድካ ኢኻ መለክዒ ጌርካ?”“ሕጂ” ትብል ቃል መሪጸ’ ኢልካ ።እስኻ ”ሕጂ” ትመርጽ፣ ከማይን ካላኦትን ከኣ ”ሕዚን” “ሕዪን” ንመርጽ። ቋንቋ መረዳድኢ ጥራይ ዘይኮነስ መለለይ መንነት ስለዝኾነ ሰለስቲኡ እንተተጠቅምና ጌጋ አይመስለንን።ከምቲ ነዓኻ ”ሕጂ ”ላዛ ትህበካ ንኻላኦት ናይ ቋንቋ ትግርኛ ተመራመርቲ ኽኣ” ሕዪን” ”ሕዚን” እየን ላዛ ዝህቦኦም። ሶርያውያን ፣ሱዳናውያን፣ከልጅ፣ዒራቃውያን ፣ሞሮካውያን ፣ሊብያውያን ምስራውያንን ኩሎም ቋንቋ ዓረብይዛረቡ፣ ላዛ ቋንቋኦም ኻኣ ዝተፈላለይ እዮ እንተኮነ ግና ይረዳዳኡ ኣለዉ።ናትኩም ጌጋ እዩ ዝበለ የለን።መንነቶም ካኣ ካበይ ከም ዝኾነ ብቋንቋኦም ይፋለጡ።