Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መላኽነት ወይ Dictatorship እንታይ’ዩ? – ዶር. ዮሃንስ ወ. ጉብሳ (አባል ስኒት ሚነሶታ ሕ .መ. ኣሜሪካ)

መላኽነት ወይ Dictatorship እንታይ'ዩ? ቕድሚ መላኽነት ወይ Dictatorship እንታይ'ዩ? ንዝብል ሕቶ ዝርዝራዊ መልሲ ምሃብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ወይ democratic system ኣንታይ ከምዝኾነ አሕጽር አቢልካ ምርአይ አገዳሲ ይኸውን። ዲሞክራስያዊ ስርዓት ወይ democratic system ካልእ ጫፍ ወይ አንጻር ናይ

መላኽነት ወይ Dictatorship እንታይ?

ቕድሚ መላኽነት ወይ Dictatorship እንታይ’ዩ? ንዝብል ሕቶ ዝርዝራዊ መልሲ ምሃብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ወይ democratic system ኣንታይ ከምዝኾነ አሕጽር አቢልካ ምርአይ አገዳሲ ይኸውን። ዲሞክራስያዊ ስርዓት ወይ democratic system ካልእ ጫፍ ወይ አንጻር ናይ መላኽነት ወይ  Dictatorial system ኮይኑ፡ ህዝቢ ማእከል ጌሩ፡ አብ ሕገ መንግስቲ፡ ልዕልና ሕግን፡ ማዕርነት መሰል ዜጋታትን ተሰሪቱ፡ ህዝቢ ብቀጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ብነጻ ድልየቱ ንየገልግሉኒ’ዮም ኢሉ ዘአመነሎም ወከልቱ መሪጹ ዘቁሞ ስርዓተ መንግስቲ’ዩ። በአንጻር’ዚ፡ መላኽነት ወይ  Dictatorial system መንግስታዊ ስልጣን፡ አብ ህዝቢ ዘይኮነስ አብ ውልቀሰብ ወይ ውሱን ጉጅለ ዝኹመረሉ ስርዓተ ምሕደራ’ዩ።  ስለዝኾነ ከአ መላኽነት ሰለስተ ዓይነት ምልካዊ  ቅርጻ መንግስቲ ወይ ስርዓተ ምሕደራታት የጠቃልል፥ ቀዳማይ ብመላኽነት ብዙሓን ወይ ድማ absolute democracy ወይ majoritarian dictatorship ተባሂሉ’ዝፍለጥ’ዩ። ካልአይ እቲ ብመላኽነት ውሑዳን ወይ collective authoritarian dictatorship ዝፍለጥ’ዩ። እቲ ሳልሳይ’ክአ ብውልቀ መላኽነት ወይ authocratic dictatorship ዝፍለጥ’ዩ።

 

1ይ. መላኽነት ብዙሓን ወይ ድማ absolute democracy ወይ majoritarian dictatorship

እዚ ስርዓተ ምሕደር’ዚ absolute democracy ወይ majoritarian dictatorship ዝብሃል፡ ስሙ ከም ዝእምቶ ካብቶም ካልኦት ክልተ ዝፈልዮ ብ50.1 ሚእታዊት ወይ ልዕሊኡ ዝሓቕፉ  ዓብለልቲ ብሄራት ዓሌታት ወይ ጉጅለ ዘማእከለ ወይ ዝምሕደር ስለዝኾነ ብተዛምዲ ዝሓሸ ምልክነት’ዩ ክበሃል ይኽእል። እዚ ስርዓት’ዚ ብብዝሒ ዝዝውተረሉ ዝነበረ አብ ማእከላይ ዘመን ከም አቴንስ እኳ ኣንተኾነ፡ ዲሒሩ ውን ከም አብ ፈረንሳ ወይ french revolution ዝተራአየ ናይ ራዕዲ ዘመን ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ምልክነት ስርዓት’ዩ። majoritarian dictatorship አብ’ዚ ዘሎናዮ ዘበን’ውን ሓሓሊፉ ዝረኤ እንተኾነ፡ ብዝኽተሎ ዘይምዕሩይ አገባብ ደም ምፍሳስን ምንቛትን ስለዘኸትል ናዕብን ዘይምርግጋእን ብምፍጣር ቐጻልነቱ ኣየውሕስን ወይ ብሓጺር ይኹለፍ። ክም አብነት ናይዚ ካብ ሚያዝያ ስጋብ ወርሒ ሓምለ 1994አብ ሩዋንዳ ብዓብለልቲ ብሄረ ሁቱ አብ ልዕሊ የሕዋቶም ብሄረ ቱትሲ ዝተወስደ ናይ 800,000 ዜጋትት ሂወት ዝቀዘፈ ቅንጸላ ክጥቀስ ይከአል። አብ ዩጎስላቪያ ውን አብ 1998 አብ ኮሶቮ አብ መንጎ አልባንያውያንን ሰርብያውያን መቦቆል ዘሎዎም ዝተራእየ ጥፍአት ካልእ ኣብነት’ዩ።

 

2ይ.  ምልክነት ውሑዳን ወይ collective authoritarian dictatorship

እዚ ብውሑዳን ጉጅለ ዝምሕደር ናይ ምልክነት ስርዓተ መንግስቲ’ዩ። እዚ ስርዓት’ዚ ናይቶም አብ ስልጣን ዘለዉ ብፖለቲካ፡ ብመቦቖል፡ ብዘርእን ካልእ ጥቅምታትን ዝተአሳሰሩ ዉሕዳት ድሌት ጥራይ ዝምእዘዝ’ዩ። ብዙሕ እዋን በዚ ስርዓት’ዚ ዝመሕደራ ሃገራት ሕገ መንግስትን ባይቶን’እኳ እንተሃለወን ናይቶም አብ ስልጣን ዘልዉ ብፖለቲካ ብመቦቖል ብዘርእን ካልእ ጥቅምታትን ዝተአሳሰሩ ዉሕዳት ድሌቶም ጥራይ ዘማልእ ይኸውን። አብነት ናይዚ ብንኡስ ብሄር ወይ ብሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ ወይ ብኮሚኒዝም ዝእለያ ሃገራት ወይ ድማ ርሑቅ ከይከድና ከም አብ ኢትዮጵያ ንርእዮ ዘሎና ምሕደራ’ዩ። ክልእ አብ ዞባና ምስ’ዚ ክቃራረብ ዝኽእል ኩነት ናይ ሶማልያ’ዩ። ምስ መላኽነት ብዙሓን ወይ ድማ ምልክነት ውሑዳን አተአሳሲሮም ብዙሓት ኤርትራዉያን ሓልዮት ዝመበገሲኡ የዋህነት ‘አዚ አብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት እንተወዲቁ ሃገርና  አብ ደም ምፍሳስን፡ ምንቛትን፡  ናዕብን፡ ዘይምርግጋእን አትያ ከም ኢትዮጵያ ወይ ሶማልያ ክትከውን’ያ’ ክብሉ ይስምዑ። እዚ አተሓሳስባ’ዚ አብ ኤርትራ ምኽኑይ አይኮነን ምኽንያቱ ቀዳማይ ህዝቢ ኤርትራ መግዛእቲ ዝፈጠሮ ኪኖ ዘርአውን መበቆላውን ፍልልያት ሰሚሩ ዝተቃለሰ ህዝቢ ስለዝኾነ፡ ካልአይ አብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ብውልቀ መላኺ ዝዝወር እምበር ብዓብለልቲ ብሄራት ዓሌታት ወይ ዝበዝሔ ህዝቢ ዝሓቁፍ ጉጅለ ዝምሕደር ስለዘይኮነን፡ እዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ንፍትሒ፡ አንጻር ጃንዳ ህግደፍን መራሒኡ ውልቀ መላኽን  እምበር አንጻር ሓደ መቦቆል፡ ብሄር፡ ቀቢላ ወይ ዓሌት ዝውክል ስርዓት ስለዘይኮነ፡ ኣብ ኤርትራ ከምዚ ኣብ ካልኦት ሃገራት ከም ብዓል ሩዋንዳ፡ ሶማል፡ ሊብያ፡ ሶርያ፡ ዒራቕ፡ የመን፡  ዩክሬን ነንሓድሕዱ ብሃይማኖት ይኹን ብዓሌት ክፈላለን ክገራጮን  ዘይሕሰብ ኢዩ።  ስለዝኾነ ምእላይ ናይዚ አብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ናብ ሕንፍሽፍሽን ደማዊ ጎንጺን ከየምርሕ ዝብል ስግአት ምኽንያታዊ አይከውንን።

3ይ. ብውልቀ መላኽነት ወይ authocratic dictatorship ዝፍለጥ

ስሙ ከምዝሕብሮ፡ ብሕጊ ዘይቅየድ ብሓደ ገባርን ሓዳግን ውልቀሰብ ዝዝወር ኮይኑ፡ ኣቲ ውልቀ መላኺ ስልጣን አብ ቤት ጽሕፈቱ ጥራይ ኮሚሩ፡ ንፖለቲካዊን ቁጠባውን ትሕዝቶ ሃገር፡ ዋላ ማሕበራዊ ሂወት ናይ ሓንቲ ሃገር ዜጋትት ዝምልከት ከይተረፈ ብሕጋዊ አገባብ ዘይኮነ ብዝመስሎን ስልጣኑ ብዘውሕሰሉን መገዲ ጥራይ ዝውስነሉ ስርዓት’ዩ። ስለዝኾነ ከአ፡ ሕገ መንግስቲ ወይ ንስልጣኑ ዝውስንን ዝድርትን  ዝኾነ አገባብ አብ ጥቅኡ ከቅርብ አይደልን። ሓደ ሓደ እዋን ሓደ ውልቀመላኺ ጸቅጢ በዚሕዎ ሕገ መንግስቲ እንተፍቀደ’ውን፡ በቲ ንሱ ዝደልዮ አገባብ ጥራይ ክጽሓፍ ይደሊ ወይ ንዓንድታት አብቲ ሕገመንግስቲ ዝሰፈሩ ዓንቀጻት በብሓደ እንዳአዕነወ ስማዊ ጥራይ እምበር ተግባራዊ ዘይክውን ባዶ ሰነድ ይገብሮ። ውልቀ መላኺ፡ ስልጣኑ ደረት ስለዘይብሉ ዝወስዶ ስጉምትታት በይናዊ፡ ንድሕነት ሰባትስ ይትረፍ ንስነምግባራዊ ማሕበራዊ ወይ ሞራላዊ ሳዕቤናት’ውን ኣብ ግምት ዝእቱ አይኮነን። አነ ዝበልክዎ ወይ ቃለይ ጥራ’ዩ ሕጊ ስለዝብል አምሉኽኒ ወይ ከአ personality cult ወይ ብጀካይ ክመርሕ ዝኽእል የሎን ወይ አይተፈጥረን ዝብል አረአእያ ብዝቆጻጸሮ መራኸቢ ብዙሓን ወይ ካልእ ሜላታት አብ ህዝቢ ከስርጽ ህርድግ ይብል። ከም አብነት ናይዚ፡ አብ ምሕደራ ሂትለር  “ቃል መራሒና፡ ሕጊ ናይ ጀርመን’ዩ” ዝብል’ዩ ኔሩ። አብ ዘለናዮ ዘመን አብ ከባቢና ቓዛፊ ናይ ሊብያ፡ ሙጋቤ ናይ ዚምባብዌ፡ ሳዳም ናይ ዒራቅ፡ መራሒ ናይ ሶርያን፡ መራሒ ናይ ኤርትራን ናይዚ ብውልቀ መላኽነት ዝግለጽ ስርዓት ይውክሉ።

ቕድም ኢሉ ከም ዝተገልጸ፡ ውልቀ መላኺ፡ ከም ባህርይ ካብ ዝጸልኦም ነገራት እቲ ናይ መጀመርያ ተሓታትነት ንህዝቢ ዝሰረቱን ንዕድመ ስልጣን መንግስቲ ዝውስን ዝኾነ ሕጊ፡ ንምሳሌ ሕገ መንግስቲ’ዩ፡ እቲ ካልአይ፡ ህዝቢ ዘማእከለ ስርዓትን አሰራርሓን ክህሉ አይደልን። ስለዝኾነ  ክአ ንተራ ህዝቢ’ስ ይትረፍ ዋላ ዓበይቲ ዓድን  ሙሁራንን እንታይ ሪኢቶታትን  ምኽሪን ከምዘለዎም ንምስማዕን ንምቕባልን መድረኽ ንምፍጣርን ፍጹም  አይቅበሎን’ዩ። ሓደገኛን ጨካንን አገባብ ስለዝኽተል፡ ዝበዝሔ ክፋል ጸጋት ሃገር አብ ወታሃደርዊ ዕንደራን አብ ስለያን ጥራይ የዋፍሮ። ንህዝቢ ብአፉ ብኽብዱን ብኢዱን ጠፊሩ ብምሓዝን ብምርዓድን፡ ንስልጣነይ ክፋታተነኒ ይኽእል’ዩ ዝበሎ ውልቀሰብ ወይ ጉጅለ ወይ ንህዝቢ ብአልማማ አብ ምድሃል፡ ምቅፋድን፡ ምቅንጻልን፡ ምጽናትን ይጽመድ። ብዙሕ እዋን ውልቀ መላኺ ንነብሱ ከም ወናኒ ሃገር ጌሩ ስለ ዘቀምጣ፡ አብ ዝኾነ ሃገራዊ ጉዳይ በይናዊ ስጉምቲ ጥራይ ይወስድ፡ ዋላ ንስም ሚኒስተራት እንተመዘዘ፡ ባዕሉ ዊን አብ ዝበሎ ዝሾሞም፡ ዝሶጎም፡ ተራ ዘይብሎምን ከምድላዩ ዝዝውሮምን፡ አነ ዝበልኩኹም ጥራይ ስምዑንን አተግብሩን ዝባሃሉ ይኾኑ። ኪኖ’ዚ ስልጣኑ ብዘየገድስ ዕምም ዝበለ በዓል መዚ፡ ይድስክል፡ ይቅፈድ ወይ’ውን ይቅንጸል። ብመንጽር’ዚ፡ ንአካይዳ ናይቲ ውልቀ መላኺ ዝረዓሙ ሰበስልጣን ስማዊ ሰብመዝታት ጥራይ ይኾኑ፡ ወይ ንስልጣን ናይቲ ውልቀመላኺ ብዘይትንክፍ፡ መዝነቶም አብ ክንዲ ንአገልግሎት ህዝቢ፡ አብ ብልሽውና ተሽሚሞም ንህዝቢ ይሳጽዩ። እቲ ውልቀ መላኺውን ነቲ ዘካይድዎ ብልሽውናን ዝረኽብዎ ጥቅምን፡ ከም ዓስቢ ይቆጽረሎም ወይውን ዕጥይጥይ እንተሎም ነዝን ካልእን ጠቂኑ ክአልዮም ከም ምስምስ ይጥቀመሉ ።

ከም ምልካዊ ስርዓት እምበአር፡ ውልቀ መላኽነት ምዕቃብ ስልጣን ኣንተዘኮይኑ፡ ህላውነትን ቀጻልነትን ሃገር፡ ሰላም ጸጥታን ምርግጋእን ህዝቢ፡ ብቕዓትን ኣፍራይነትን ዜጋታት፡ ብጠቅላልኡ ፖለቲካዊ ቁጠባውን ማሕበራዊ ውሕስነት ናይ ሓንቲ ሃገር፡ ታሪኽን ባህልን ክብርታትን ሃገር ከይተረፈ ብኻላአዊ ዝርኢ ወይ ዘቀምጥ ስርዓተ ምሕደራ’ዩ። ከም ሳዕቤን ናይቲ ዘዋደዶ ሕጊ አልቦ ምሕደራ፡ ልዕልና ሕግን ተሓታትነትን ባይታ ይስእን፡ ብልሽውናን ብስልጣን ምብዕላግን  ይነግስ፣ ጸጋትት ሃገር አብ ስለያዊ ስርሓት፡ ወታሃደራዊ ዕንደራን ራዕድን አብ ምፍጣር ብኸንቱ ይባኸን፡ ህዝቢ ፍትሕን ሰናይ ምምሕዳርን ይስእን፡ ፖለቲካዊን ቑጠባዊን ሓርነት ይሕረሞ፡ ሰላምን ሕግን አውሒሱ ወፊሩ ሰሪሑ ክአቱ አይክእልን፡ ብልምዓትን ቁጠባዊ ዓቅምን ንድሕሪት ዝተረፈ ይኸውን፡ ጸጋትት አብዘይተሳእነ ህዝቢ ብድኽነት ይሳቐን ይጣራዕን፡ ስእነት ሰላም፡ ራዕድን፡ ፍርሕን ይበራረይሉ፡፣ አብ መጨረሻ ከአ ግዳይ ቀይድን ስደትን ይኸውን።

ከም መጣቃለሊ፡ እዞም 3 ዓይነታት  ምልክነት ብሓባር ዘርእይዎ ባህሪ አለዎም። ብዙሕ እዋን፡ መለኽቲ ወይ dictators ብዲሞክራስያዊ አገባብ ዘይኮነ; ብዕልዋ መንግስቲ ወይ ሓደ ፍሉይ ታሪኻዊ ህሞት ናብ ስልጣን ይመጽኡ። ደረት ዘይብሉ ናይ ፖለቲካ ስልጣን ወይ ገባሪ ሓዳግነት አብ ሓደ ቦታ ወይ ሓደ ውልቀሰብ፣ ወይ ሓደ ጉጅለ ወይ ክፋል ሕብረተሰብ ጥራይ  ስለዝኹመር፡ አብ ዓንዲ ሕግን ስርዓትን ዝተሞርኮሰ አሰራርሓ ወይ ቀዋሚ ሕጊ ዝበሃል አይፍለጥን፡ ሕጊ አሎ እንተተባህለ’ውን ውሕስነት ዘይብሉን ብሃውሪ ዝቃያየርን ይኸውን። ኩሎም ዓይነታት መለኽቲ፡ከም አሰራርሓ ንህዝቢ አየማእክሉን ጥራይ ዘይኮኑ ካብ ህዝቢ ዝመጽእ አማራጺ ሓሳብ’ውን አይቅበሉን። ብፍላይ ውልቀ መላኽነት አዚዩ ሓደገኛ ዝገብሮ አብ በትሪ፡ ምድሃልን፡ ምፍርራሕን ዜጋታት ጥራይ ስለ ዘተኩር፡ መሰል ዜጋታት ወይ መርበብ ድሕነት ፍጹም ቦታ የብሉን።  ስለዝኾነ፡ ዜጋታት ብሰበ ስልጣን አብ ርእሶም ንዝወርዶም ዓመጽ ወይ ግህሰት መሰል፡ ዝከላኸልሉ ባይታ ፍጹም ስለዘይሕሰብ፡ ውልቀ መለኽቲ፡ ተቃውሞ አርእዩ ኢሎም ንዝሓስብዎ ዜጋ ኩሉ ብዘይ ንሕስያ ሰብአውነት ብዝጎደሎን አገባብ ይኽርድንዎ ወይ ጨውዮም ህጣሙ የጥፍእዎ። ነዚ ንምትግባር ናይ ስለያ መርበባቶም አብ ኩሉ ሕብረተሰብ የዋፍሩ፡ ነጻን ናይ ብሕትን መራኸቢ ብዙሓን አየፍቅዱን፡ ነቲ ዘሎ መራኸቢ ብዙሃን’ውን ምሉእ ብምሉእ ተቖጻጺሮም አብ ናቶም ፕሮፓጋንዳ ጥራይ ዘይኮነ ዘውዕልዎ ፡ ብሓሶት አብ ምጥባር ህዝብን፡ ንነብሶም አብ ምውቃብን ምሙጋስን ጥራይ ይሓጽርዎ።  ከም ውጽኢት ናይዚ፡ አብ ትሕቲ ውልቀመላኺ ፖለቲካዊን ቑጠባውን ሓርነት፣ ሰብአውን ዜግነታውን መሰል፡ ፍትሕን ዴሞክራሲያዊ ስርዓትን ስለዘይፍለጥ፡ ጥርዚ ዘይብሉ ብልሽውና ይስውድ፡  ሃገር ብልምዓት ንድሕሪት ትተርፍ፣ ህዝቢ ሰላምን ራህዋን ይርሕቆ፣ ብስእነት ሰላምን ብድኽነትን ይሳቐ፣ አብ መጨረስታ ከአ ህዝቢ ተስፋ ቆሪጹ አላሽ ብምባል ሃገሩ፡ ቤት ንብረቱ፡ ስድርኡ፡ ራሕሪሑ ዕጭኡ ስደት መከራ ሕሰም ጥፍአት ወይ ዘልአለማዊ  ሞት ጥራይ ይኸውን። እቲ አማራጺ ስኢኑ ብሂወት አብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ዜጋ’ውን ሕሰምን መከራን ጥራይ ዘይኮኑ ዝበራረይሉ  ሃገሩን ክብሩን  ብውሽጥን ብግዳምን ከይተረፈ ብማንም ተደፊሩ ኣሜን ኢሉ ብምቅባል ክሳዱ ከድንን ይቅሰብ ወይ ድማ ሳቮያ ኢሉ አንጻር ምልኪ ክለዓል ይግደድ።

 

እሞ ህሉው አካይዳን ኩነታት ሃገርና ኤርትራን ካብዚ አብ ላዕሊ ተዘርዘረ ሓቅታት ብምንታይ ይፍለ? ንዝብል ሕቶ፡ ስቃይ ሃገረይን ህዝብን የሕመኒ’ዩ ንብል ዜጋታት ኩላትና ብግቡእ ክነስተንትኖን ግቡእ መልሲ ክንረኽበሉን እዋን ይሓተና’ሎ።

 

ዶር. ዮሃንስ ወ. ጉብሳ (አባል ስኒት ሚነሶታ ሕ.መ. ኣሜሪካ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Anti-DIA November 22, 2016

    Thank you ዶር. ዮሃንስ ወ. ጉብሳ

    Please keep up the good work

  • Eritreawit November 22, 2016

    Dr,. Yohanes Gubssa , you explained very well. “መላኽነት ወይ Dictatorial system፡ መንግስታዊ ስልጣን፡ አብ ህዝቢ ዘይኮነስ አብ ውልቀሰብ ወይ ውሱን ጉጅለ ዝኹመረሉ ስርዓተ ምሕደራ ‘ዩ። ” exactly what is going on in Eritrea.

  • k.tewolde November 23, 2016

    A brief introduction and explanation for those who can’t recognize what an authoritarian dictatorship looks like,I hope this is an aha! moment,an epiphany,it cannot be written in a clear and concise way,most of all in a language all of us can understand, specifically us- the tgrigna speaking highlanders.Thanks a million Dr.Yohanes,keep empowering the dis-empowered..

  • Eritreawit November 24, 2016

    Our people are fighting hgdf stooges in their communities,, this is one example.

    http://kfai.org/sites/default/stream/player.php?url=http://uno.kfai.org/SNITEritreanMN/SNITEritreanMN_2016-11-20.mp3

  • habtagabr November 25, 2016

    hi doktor yowhhans bmejemerya kemey tkewn aleka bemejemerya selam tienan ymneyelaka bzaeba diktatorn hgn abe rediyo asena semie nezi menesey eritrea kemeu eyu zdlyena zelo dokte alekumna eka lebamat felatatn yehwatna hade malts eza hager seb alewa tbl kemzi natka lebamat ktseme keleka amlak edmen tenan yhabka

Post a Reply to Eritreawit Cancel Reply