Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መላእ ሃገር አብ ድቕድቕ ጸልማት

ካብ ዝሓለፉ አርባዕተ አዋርሕ ጀሚሩ ከተማታት ኤርትራ ብዘይ ሓይሊ ኤለትሪክ አብ ድቕድቕ ጸልማት ይርከባ አለዋ። አብ መላእ ኤርትራ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ሓይሌ ኤለትሪክ የለን፤ ስለዝኸነ ድማ እቲ ጸገማት አዝዩ ተሓላሊኹ ይርከብ። አብታ ዋና ከተማ

ካብ ዝሓለፉ አርባዕተ አዋርሕ ጀሚሩ ከተማታት ኤርትራ ብዘይ ሓይሊ ኤለትሪክ አብ ድቕድቕ ጸልማት ይርከባ አለዋ። አብ መላእ ኤርትራ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ሓይሌ ኤለትሪክ የለን፤ ስለዝኸነ ድማ እቲ ጸገማት አዝዩ ተሓላሊኹ ይርከብ። አብታ ዋና ከተማ ኤርትራ ዝኾነት ከተማ አስመራ ዳርጋ ንዝሓፈ 20 መዓልታት ብተኸታተታሊ መብራህቲ ዝብሃል የለን። እቲ ስርዓት ነቲ መባእታዊ ሃለኽቲ ነገራትን ሓይሌ ኤለትሪክን ከቕርብ አይክአለን ዘሎ። በዚ ዝተልዓለ ድማ መብራህቲ ጥራሕ ዘይኮነ ፤ህዝቢ ንመሰንከትን መብሰሊ መግብን ካልእን ዝኸውን ቀረብ ስለዘየሎ፤ ነቲ አብ ጠርዚ በጺሑ ዘሎ መነባብሮ ሕዝቢ ካብ ሕማቕ ናብ አዝዩ ዝኸፍኣ ደረጃ አውዲቕዎ ይርከብ። ነዚ አጋጢሙ ዝብሃል ዘሎ ከቢድ ናይ ህዝቢ ጸገም፤ እቲ ምልካዊ ስርዓት ቅድሚ ሕጅ ሕንቃቐ‘ ክብል ብብድዓ ምዝራቡ ዝፍለጥ ኢዩ።
ብሰንኪ ሓይሊ ኤለትሪክ ዘይምህላው አገልግሎተን ዘቋረጻ ወሃብቲ አገልግሎት መዓደሊ ነዳዲ፡ አገልግሎት ቴሌፎን፤ ሆስፒታላት፡ ቤት ጽሕፈታት፡ ናባኒ፡ መጥሓንዝኣመሰለ አገልግሎት ሙሉእ ብሙላእ ጠጠው ክብል ተገዲዱ አሎ። ነዚ አመልኪቱ ህዝቢ ብቐጻሊ መረርኡ ብቕሉዕ ብዘይፍርህን ክዛረብ ጀሚሩ አሎ። ካብቲ ህዝቢ ድዛረበሉ ዘሎ መንግስቲ እንድሕር አሎ፤ ነቲ መሰረታዊ ዝኸነ ባንን ማይን ሕክምና ኤለትሪክ ከቕርብ ዘይክኣለ ከመይ ጊሩ መንግስቲ ይብሃል፤ ምስ ህዝቡ ተዓሪቑ መሰረታዊ ፍታሕ እንተዘናዲ ምሓሸ ዝብልን እዚ መንግስቲ ክእለ አሎ ዝብሎ ናይ ጽርግያ ዕላል ኮይኖም አለው።
አብ ከተማ አስመራ ቅድሚ ሕጅ ሓይሌ ኤለትሪክ አብ ዘይህለወሉ ግዜ ፤ ሰብ አብ ከከባቢኡ አብ ዝርከቡ ሩኸባት ሰባት ጀነሪተራት ዝለዎም ብምኽድ ሞባይል ቻርጂ ክገብሩሎም እናለመኑ፤ ሰብ እናሸገሩ ሞባይሉም ባትሪ ክመልሉ{ቻርጂክገብር ጸኒሑም። ሕጅ ግን እቲ ጸገም ስለዝበዝሓን፤ ናይ ሓጺር ግዜ ጸገም ካብ ሙኻን ሓሊፉ ዳርጋ ናብ ንቡር ስለዝተቐየረ፡ አብ አስመራ ንሓንቲ ሞባይል ቻርጂ ንምግባር ሰብ ጀኒሪተር ስጋብ 10 ናቕፋ ከኽፍሉ ጀሚሮም አለው። ሰባት ሞባይሎም ንግሆ ገዲፎሙሎም ይኸዱ፡ ናይ ምሸት መጺዮም ከፊሎም ሞባይሎም ይወስዱ። ህዝቢ ነቲ መንግስቲ ገዲፉ ናይ ባዕሉ አገባባት ጊሩ ይኽይድ አሎ። በዚ ዝተልዓለ ድማ ስርዓት ህግደፍ አብ ከተማታት ድምጺ ናይ ጀነሪተራት ህዝቢ ይርብሽ ስለዘሎ፤ ጀነሪተራት ከይትውልዑ ብዝብል አብ ሓደ ሓደ ከባቢታት አስመራ ጀነሪተራት ስጋብ ምህጋር በጺሑ አሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፤ ህዝቢ ኤለትሪክን ማይን ይሃሉ አይሃሉ ወርሓዊ ናይ አገልግሎት ክፍሊት የኽፍል አሎ። እቲ ክፍሊት ብወርሓዊ ገምገም ዝለኣኽ እምበር ብመሰረት ቆጻሪ አይኮነን። እዚ አካይዳ አብዚ ወዲ ሰብ በጺሕዎ ዘሎ ምዕባለ ዘየለ፤ ናይዚ አተሓሳስብ መሰረት ድማ ምግባትን ህዝብ ምድካይን ኢዩ።
ህዝቢ ንመብሰሊ ዝኸውን ጋዝ ንምርካብ ካብ ሰሙን ዘይውሕድ ሪጋ ከምዝጽበ ዝፍለጥ ኢዩ። አብ ከተማ አስመራ ንሓደ ኩንታል ዕንጸይቲ ልዕሊ 2000 ናቕፍ ይሽየጥ አሎ። እቲ ስርዓት ህዝቢ ናይ ፖለቲካ ሕቶታት ንኽይልዕል አብ ከቢድ ሽለታዊ መነባብሮ ሸኺልካ ምሓዝ ዝብል አገባብ ኢዩ ዝኽተል ዘሎ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት አብ ባርካ ዝጀመረ ናይ ወርቂ ዓደና ስጋብ ከበሳ ደይቡ፤ እቲ ምፍሓርን ምሻጥ ማዕድን ሃገር የቕጽል አሎ። እተን አብ ዕደና ዝተዋፈራ ካምፓኒታት ድማ ምኽሰብ ይሓፍሳ ክምዘለዋ ይሕብራ አለዋ። እቲ ስርዓት ግን ነዚ ገንዘብ ናብይ የግዕዞ አሎ ዝብል ሕቶ ናይ ኩሉ ሰብ ሕቶ ኮይኑ አሎ። ገለውን ጀነራላት ሰብ ክሸጡ ከለው መኽሰብ ማዕድን ድማ ናይ ኢሳያስን ጉጅልኡን ምኻኑ ይነገር።
ክዱሳት ካብ ኤርትራ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
74 COMMENTS
  • Kidan, Sudan July 13, 2014

    አብ ከተማ አስመራ ቅድሚ ሕጅ ሓይሌ ኤለትሪክ አብ ዘይህለወሉ ግዜ ፤ ሰብ አብ ከከባቢኡ አብ ዝርከቡ ሩኸባት ሰባት ጀነሪተራት ዝለዎም ብምኽድ ሞባይል ቻርጂ ክገብሩሎም እናለመኑ፤ ሰብ እናሸገሩ ሞባይሉም ባትሪ ክመልሉ{ቻርጂ} ክገብር ጸኒሑም። ሕጅ ግን እቲ ጸገም ስለዝበዝሓን፤ ናይ ሓጺር ግዜ ጸገም ካብ ሙኻን ሓሊፉ ዳርጋ ናብ ንቡር ስለዝተቐየረ፡ አብ አስመራ ንሓንቲ ሞባይል ቻርጂ ንምግባር ሰብ ጀኒሪተር 5 ስጋብ 10 ናቕፋ ከኽፍሉ ጀሚሮም አለው። ሰባት ሞባይሎም ንግሆ ገዲፎሙሎም ይኸዱ፡ ናይ ምሸት መጺዮም ከፊሎም ሞባይሎም ይወስዱ። ህዝቢ ነቲ መንግስቲ ገዲፉ ናይ ባዕሉ አገባባት ጊሩ ይኽይድ አሎ። በዚ ዝተልዓለ ድማ ስርዓት ህግደፍ አብ ከተማታት ድምጺ ናይ ጀነሪተራት ህዝቢ ይርብሽ ስለዘሎ፤ ጀነሪተራት ከይትውልዑ ብዝብል አብ ሓደ ሓደ ከባቢታት አስመራ ጀነሪተራት ስጋብ ምህጋር በጺሑ አሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፤ ህዝቢ ኤለትሪክን ማይን ይሃሉ አይሃሉ ወርሓዊ ናይ አገልግሎት ክፍሊት የኽፍል አሎ። እቲ ክፍሊት ብወርሓዊ ገምገም ዝለኣኽ እምበር ብመሰረት ቆጻሪ አይኮነን። እዚ አካይዳ አብዚ ወዲ ሰብ በጺሕዎ ዘሎ ምዕባለ ዘየለ፤ ናይዚ አተሓሳስብ መሰረት ድማ ምግባትን ህዝብ ምድካይን ኢዩ።
    ህዝቢ ንመብሰሊ ዝኸውን ጋዝ ንምርካብ ካብ ሰሙን ዘይውሕድ ሪጋ ከምዝጽበ ዝፍለጥ ኢዩ። አብ ከተማ አስመራ ንሓደ ኩንታል ዕንጸይቲ ልዕሊ 2000 ናቕፍ ይሽየጥ አሎ። እቲ ስርዓት ህዝቢ ናይ ፖለቲካ ሕቶታት ንኽይልዕል አብ ከቢድ ሽለታዊ መነባብሮ ሸኺልካ ምሓዝ ዝብል አገባብ ኢዩ ዝኽተል ዘሎ።

    • m July 13, 2014

      okey we talk a lot about sitaution in our motherland evryday, but what we waiting for only we talk and talk, we suffering and dying evryday,we have to be unity and go fight the evil dictator this is the only solution smerrrrrrrrrrrrrrr hizbi Eritrea and be freeee

  • farhan mahamed July 13, 2014

    ኣየ ተኬኤ
    ዓጋመ ዶ ኢልካ ይገርም ኢዩ እቶም ጆጋኑ እንዳበልካ ትሞጎቶሎም ዝለካ ሰባት ነዛ ሃገር ካብ ጸልማት ናብ ድቅድቅ ዝበለ ጸልማት ይኢቴሞ ዘሎው መራሕትካ ክ ካበይ ኢዮም መዚኦም ኣብቲ እስካ ወሪድጋዮ ደለካ ድርቻ ወሪድና እኮ እንተዝይተጻረባና ናይ ሰባት ክብረትን ናይ ደቂ ሰባት ማዕርነት ናኣምን እንተኮና ዓጋም ካኣ ኣብ ትግራይ ዝርክብ ናይ ሰብ ዓዲ ክም ኩሉ ሰብ ብክብሪ ካብ ረቢ ዝተፈጠሩ ሰባት ዝነብሩሉ ዓዲ ኢዩ። ይኮን ግን እቲ ዝግርመካ ነገር ኢሰያስን ሳዓብቱን ካብዚ እስካ ትዛረብሉ ዘለካ ዓዲ ሞኮኖም ዝይምፍላጥካ ኢዩ ኢሰያስ ውዲ ውዱ ንደጌያት ሓጎስ ምራጭ ካብ ተንቤን ዓቤ ዓዲ ኢዩ ካላኦት ካ በጃካ ካብቲ ኣቲካዮ ዘለካ ናይ ጽልኢ መንፍስ ውጻእ ናይ ሃገርና ሺግር ዓለም ዝፈሎጦ ኢዩ

    • m July 13, 2014

      tekie,you think he is from Eritrean no, no, no, we Eritrean we never ever said that we respect the all humanity no mater what, remeber hgdef is not all Eritrean they kill our pepole ,jegnu tegadelti,one by one but the game is over now i hope one day we will know who is the real Eritren

  • silent July 13, 2014

    Do it!
    You have all what you need, the Vatican, Weyane, NED, Soros etc. etc. You have incessantly done your best to tarnish Shaebia and economically harm the nation, sanction,
    refusal to pay 2%, etc. etc. Your report is true, you won.
    You don’t need to live & behave like termites for ever, announce openly your objective to liberate your region. A good civil-war is better for us all, it could solve your twisted mentality. Your current wicked methods to weaken the country by ‘human drainage’ is futile, it’s your children that are perishing in the deserts and seas plus those who are rotting in Tigray.
    Do it!

  • ተኬኤ ክብሮም July 13, 2014

    ዓዲ ጓና ሰጊርኩም ጥልመት ኣይትፈጽሙ። ኣብ ውሻጠ ጸላኢ ኣቲኩም ኣይትተሓብኡ! ኣእዳውኩምን ኣእጋርኩምን! ደም ኣሓተንን ኣሕዋተንን ከፍስሳ ኣይጓየያ። ባህሪ ጥልመት፡ መንፈስ ቅንኢ ዀነ፡ ህርፋን ስልጣን፡ እንተልዩኵም ንኹሉ ግደፍዎ። ካብ ሎሚ ጀሚርኩም ተጠዓሱ እሞ ተናስሑ። ናብ ደምበኩም ጋእ በሉ። ምስ ሕልናኹም ተማኸሩ! ማሕለካ ሕልናኹም በቲክኩም ጸባ ሂወትኩም ኣይትድፍኡ። ብድሕሬና ሳዕሪ ኣይትብቆላ ብምባል ኣይትጸለሉ። ዕርፍን ማሕረሻን ጸላኢ ኣይትኹኑ። ጸላኢ /ወያነ/ ምስተጠቅመልኩም ከም ቅራፍ በለስ ከም ዝድርብየኩም ኣይትዘንግዑ። ኣብ መወዳእታ ብብስጭት ተቀሪጽኩም ክም እትዓርቡ ኣስተውዕሉ! ኣይትታለሉ፡ ኣይትዓሽዉ፡ ለብሙ፡ ጠላማት ኣይትኩኑ! ምርጫኩም ኣለልዩ! መንገዲ ጥፍኣት ሕደጉ!
    ንህዝብን መንግስትን ኤርትራ ከዲዕኩም፡ ነቲ ናይ ህይወትኩም ሕልና ድላይኩም ክትጽሕፍሉ ትኽእሉ ትኮኑ። ንሓንጎልኩም በቲ ዝበለየ ሕሉፍ ሓሳባትኩም መሊእክሞ እንተለኩም፡ ሕጂ ኣብዛ ሰዓት ከተጽርይዎ ፈትኑ፡ ካብ ዝሓለፈ ህይወትኩም ዝተማላእክሞ ዘየርብሕ ነገር እንተሎ ሓግሒግኩም ደርብይዎ፡ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ በርሃው ዝበለ ብርሃን ስለዘሎ፡ ነዚ ዕድል ተጠቀምሉ። ስለዚ ንሓጎስኩም ርከብዎ ክትነብርሉ`ውን ጸዓሩ እታ ግዜ`ውን ሕጂ ኢያ። ወይልካ ከዳዕ! ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ!!

  • Haqi tezareb July 13, 2014

    ኣንታ እዞም ደጋላት ህግደፍ ኣለዉ ዶ፧
    ኣንታ እዞም መዳንገርቲ ታሪኽ ኣለውዶ፧
    ኣንታ እዞም ወዛላት ሓሰውቲ ኣለዉዶ፧
    ኣንታ እዞም ነጋዶ ኣሕዋቶም ጎረባብቶም ኣለዉዶ፧

    እዚ ኹሉ ትምክሕትን ፈኸራንሲ ኣብ ጥራሕ መዓኮርኩም እዩ ኔሩ፧
    ካን ነዛ ናይ ኣርብዓ-ዋት ሉቸ ናይ ሽቓቕ ናይ ገዛ ምብራህ ተሳኢንኩም፧

    እዚ ዱድ ዱድ ኢልኩም ጡርምባ ትነፍሕዎ ዝነበርኩምሲ፣
    ይትረፍ ንፋብሪካታት ኢንዱስትሪ ሆስፒታላት ኮለጃት:
    ተራ ቤት ትምህርቲ፣ ቤት ስፌት ኪዳን፣ ቺናማ፣ ቤት ሻሂ …ንእሽቶ ሓይሊ ኤለትሪክ ውን ጨኒቓትኩም፧

    ኣንቱም ወታሳት ሓሰውቲ:
    ንኤርትራ “ካብ ፊውዳል ሃይለስላሴ ናጻ ኣውጺእና ምስ ቀዳማይ ዓለም ክንሰርዓ ኢና፤ ንሕና ኣፍርቃውያን ኣይኮናን፤”
    ትብሉዶ ኣይነበርኩምን።

    ዋእ! እንታይ ደኣ ስርዓት ባርነት መስሪትኩም፣ ጠይቂ ሳሕሳሕ ዓረብ ኴንኩም ?!
    ካን ነዛ ሉቸ ናይ ሽቓቕ ናይ ዓባየይ ስላስ ምብራህ ጨኒቓትኩም፧

    እዋእ እንቋዕ ከም ትምክሕትኹም: ውድቀትኩም ማርያም ኣስመረይቲ ኣርኣየትና።

    -=-=-=

  • ተኬኤ ክብሮም July 14, 2014

    Meretse Asmelash ደምህት፣
    ደምህት ዉጽኢት ዘይፍትሓዊ ኣካይዳ ወያነ እዮም፣
    ህግደፍ ፈጢራቶም ትማሊ፣ጽባሕ ክትቀመሎም፣ ምስዋዶም ስለምንታይ ኣሻቂሉካ? ምስዛ ሕጂ ንኢትየጵያ ትገዝኣ ዘላ ትግራወይቲ መንግስቲ ምትሕግጋዝ ኣይነበረን ድዩ? ዶስ ብሕዱር ሕማም ኣብ ኮማ ኔርካ፣
    ናይ ትማል ህዝባዊ ግንባር ናይ ሎሚ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣብ ወያል ኢትዮጵያ መታን ዘይብዓልቲ ገዛ ወያነ፣ ብዓልቲ ገዛ ክትከዉን ከቢድ ጻዕሪ`ዩ ኣካይዱ ሳላ ከምኡ ዝገበረ ድማ`ያ ወያነ ሎሚ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ተኮይጣ እትርከብ። ብዘይ ዝኮነ ደገፍ ህዝባዊ ግንባር ግን ንሓንቲ እመት`ውን ትኩን ፍሑክ ክትብል ኣይምክኣለትን ነይራ። እዚ እናኮነ እቲ ሓቂ፡ ሓይልን ብቅዓትን ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ብምዝንጋዕ ብመወልታ ዝተዋህባ ትእዛዝ ከተተግብር ወራር ኣብ ልዕሊ`ቲ በዓል ጽቡቃ ክትከፍት`ያ ተራእያ እዚ`ውን በብዝመጾ በርዒኑ`ዩ ተሪፉ። ደጊማ`ውን ካብቲ ዝሓለፈ እከይ መደባታ ስለዘይተማህረት ምስ ዉሽማ ኣዴኻ ተመሳሲልካ ሕደር ዝእምነቱ ወያነ ትዉሸሞ ኣሜሪካ ሒዛ ስራሕ ኣትሒዛትና። ዉሽማ ወያነ ሓያል ውሽማ እዩ፡ ክሳብ ግዚኡ መጺኡ ነበረ ዝኸዉን፡ ብዛዕባ ኣዴኹም ኣሜሪካ እየ ዝዛረብ ዘለኹ። ንሕና ኣብቲ ካልእ ምርጫ ኣቲና ምርጫ ገረብ ብሓኽላ፡ ኣስማሪኖ ዳት ኮም( ዓጋሚኖ ዳት ኮም) መለስለሲ ተርባጽኩም ኣብ ዝሓለፈ እዋን ደምሕት መንነት ሓቲቱ ኣብ ኣስመራ ኢላትኩም፡ ነታ ማስቲካ ሓሶት ሸኮራ ክሳብ ትዉድእ መጺኹማ፡ ክሳብ ሕጂ`ውን ጡፍ ኣይበልኩማን ኻልእ ማስቲካ ሓሶት ክሳብ ትምህዙ። ብዝኮነ ንቀጽል ድኣ ጁኑብ ኣብ መሬትና ኔሮም እንድዮም ቅድሚ ምግንጻሎም፡ ካብ ጀብሀ ዝተረፉ፣ ጸጋመይቲ ኢዶም ጥራሕ ኤርትራዊት ኣብ መሬት ዓጋመ የለዉን ድዬም?
    ቡን ኣፍሊሕካ ምስታይ ዘይስልችዎም ከምዞም ሎሚ ንህዝቢ ኤርትራ ዲሞክራሲ ዶ ሰላም ከነምጻልካ እናበልኩም ኣብ ዘይውዳእ ሓሸውየ እትነብሩ ዘለኩም ፍንፉናት። ስለዚ ኣይትሻቀል ደምሕት ተሓይላ ግድን ክትሕይል እያ።
    ኣብ መሬትና ምህላዎም ስለምንታይ ትሻቀል፣ ኣጋይሽ ኣይትፎቱን ዲኻ፡? ከምኡ ተኾይኑ ኤርትራዊ ኣይኮንካን ማለትዩ። ዓወት ንሓፋሽ!!

  • Meretse Asmelash July 14, 2014

    ተኬኤ ክብሮም
    መጀመርያ ሰላም
    ኣንታ ተኪኤ እንታይ ደኣ ካብቲ ቀዳማይክስ ዳሕራዋይካ ገዲዱ። ኣብዛ ዘይትጠቅም ዋህዮካስ ዘይቖጸርካዮ ነገር የሎን። ናይ ሕሉፍ ኣይትገድፍ። ናይ ትሩፍ ኣይትገድፍ፡ ናይ ምድሪ፡ ናይ ባሕሪ፡ ናይ መረበትካ፡ ናይ ጎረቤትካ ወረ ክንደይ ክብሎ? ናይ መን እሞ ዘይ ኣልዓልካ? እስኪ በል፡ ደስ ክብለካ። ነቲ ቛጺርካዮ ዝመጽእካ በብሓደ ፈቲሽና ቦትኡ ከነትሕዞ። እዚ’ውን ንስለ ክብረትካ።
    ሀ/ ህግሓኤ ኤርትራ ንወያኔ ፈጢራቶም? መልሲ ዎ ዎ ዎ!
    ለ/ ህግሓኤ ንወያኔ ክትፈጥራ እንከላ ንምትሕብባር’ዶ ኣይኮነን ኔሩ እቲ ዕላማ?
    እንድዒ እዚ ሕቶ’ዚ ንክልቲኦም ሸነክ ዝምልከት እዩ። ኣነ ተሓቲተ ክምልሶ ኣይጥዑምን። እዚ ኣያካን ተሓባበርቲ ኣያካን ይመልስዎ።
    ሐ/ህግሓኤ ንወያኔ ምስ ኢትይጵያ ኣጣብያታ። ህግሓኤ እንተ ዘይትሕግዛ ካብ በረካ ደደቢት ፍሕት ኣምበለትን። ኣየ ርእሲ? ኣየ ሽክና ሻዕብያ!
    መ/ ንወያኔ ህግሓኤ በዓልቲ ገዛ ክገብራ ሓያል ጽዒሩ? ህግ ካብ መኣስ መጣበዊት ዝኮነት? ነብሳ ኣፍቂራ ዘይትፈልጥስ ነብሲ እናዳማታ? ነቲ ሓቂ ጎሲካ ነቲ ውጽእ ሓሶት ሓቒ ምምሳልስ ተንኮል ኣያካ ካብ ምዃን ሓሊፉ ናባክን ናብ ደቅካን ምሕላፉ’ዩ እቲ ዘገርም።
    ሠ/ ህግሓኤ ፈታዊት ጽቡቅ’ያ። ካብ መኣስ?
    ህግ (ናይ ሎሚ ህግደፍ) ኣፍቃሪት እፉፍ እያ ምባል ገዲፍካስ ፈታዊት ጽቡቅ እያ ክትብል? ህግ (ህግደፍ) ካብ ሓዳራ፡ ሓዳር እንዳማታ ዝዓጣ፡ ተንኮለና፡ ዓሻ…. ምባል ገዲፍካስ ናበይ ናብ ጽቡቅ ትምኒት።
    ህግደፍ፡ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓሊፉ ክሳብ ኣብ ጉዳይ ሽሪላንካ ኢዱ ዘእተወ ውድብስ ሰናይ ትምኒት ዘሎዎ ውድብ ጌርካ ከተቅርቦ ትፍትን ኣሎኻ? ከማካን ከማካ ዝኣመሰሉ ህዝቢ ሒዙ ውዕል ሕድር ምባሉ ዘገርም እዩ። ደሓን ግዲ የብልካን ቀሪቡ እዩ ክፋኖ ምበልኹካ ግን ንዓካ እንታይ ክዓብሰልካ። ማለትስ እቲ ሕማቅ ስለዝኾነ ጽቡቕካ።
    ረ/—ጸኒሕካ ወያኔ! ወያኔ! ምባል ኣይጸገብካን ይመስለኒ- ንሓንቲ እመት’ውን ትኩን ብዘይካ ሓገዝ ህግሓኤ ፍሕት ኣይምበለትን። ዶ? እዚ’ሞ ሰፍ ዘይብል ሕቶ ስለ ዝኮነ ሰፍ ዘይብል መልሲ ዘድልዮ ይመስለኒ–ንግዝይኡ ግን “ጓል ንኣዲኣ ሕርሲ ከትምህራ ፈተነት”
    ሰ/ወያነ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ወረራ ኣካይዳ? ምድሪ ጸልሚትዃ’ሎ። ኣበይ ኾንካ ድኻ ትጽሕፍ ዘሎኻ? ኣብ ኣስመራ ኾንካ እንድሕሪ ትጽሕፍ ሃሊካ ሓቅኻ ኢካ ዘይተጻሕፈ ከተንብብ። ብርሃን ተጸበ ከይንብለካ ከኣ ካብቶም ኣብ ብርሃን ዓይኖም ዝዓውሩ ወይ ብርሃን ዘይመባሎቶም ኮንካ ተሰሚዕካኒ፡
    ሸ/ ደምሒት/ ጉንበት 7(ቅንጂት) ደቂ ኣሉላ/ ኣልሸባብ/ ወዘተ ተረፈ ምሕደራ ወይነ ዝጻብኡ ኣንጻር እዚ ሕጂ መትሓዚ ተስኢንዎ ዘሎ ሰማይ ዝተሰቅለ መንግስቲ ኢትይጵያ እንተ ተጠቕምናሎምስ እንታይ እዩ ሽግርካ? ሽግረይዶ? ብከፈር። ኣነ ካብቶም ስርናይ ዘርኦም ስርናይ ክሓፍሱ ዝጽበ እምበር ካብቶም ክርዳድ ዘሪኦም ስራናይ ክሓፍሱ ዝትምነ ኣካል ኣይኮንኩን፡ ሓሊመዮ እውን ኣይፈልጥን። ኣብዚኣ ግን ሓቂ ከይተፈለጠካ ከም ዘምለቝካ ፍለጥ።
    ቀ/ ብዛዕባ ብወያኔ ተታሒዙ ኣሎ እትብሎ መሬት ብሰንኪ እቲ እኩይ ሕልሚ ኣያካ ድሕሪ ውግእ ካብ ዝመለስካዮ ዘፋነካዮ ቦታ ይዓቢ። ንዓካን ንከማካን ኤረትራ ማለት ኣስመራን ባድመን ጥራሕ እዩ። ንዓና ግን ኤርትራ ማለት ጠቅላላ ህዝባን ንቡር ዶባታን እያ ኤረትራ።
    ቐ/ኣሜሪካ። ሕጂ’ን ፈቲካ ጸሊእካ ኣሜርካ መላዕልትካ ኣይኮነትን።
    በ/ጋሻ ኣይትፈቱን ድካ? እዚኦምስ (ደምሒት)/ 7 ጉንበት/ ኣልሸባብ/ እንዳ ኣሉላ/ወዘተ ስራሕና ምስ ወድእና ንጽባሒቱ ዝፋነዉ ኣጋይሽ እዮም፡ ክሳብ ሽዑ ኣያይ እንተ ተጠቅመሎም እንታይ’ዩ ጸገምኻ? እዚ ከምቲ ሓደ ኣቦ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ከምዚ ናትካ ዝመሰለ ጉዳይ ምስ ኣጋጠሞም “ዒመር ዘይመርመርዎ ይምርመር” ስለ ስለዝኮነኒ ኣይምርመረሉን።
    ተ/ኣቶ ተኪኤ ዕረፍ። ካብ ኣቶ ተኪኤ “ዕንዳይ ተኪኤ” ምዃን ኣይትምረጽ። እዚ ንክተረጋግጽ ግን ኣብ ጥቓካ ንዘሎ ሰብ እስኪ ቐንጥዎኒ በል።

  • Berhe Tensea July 14, 2014

    Cry for me Cry for poor Eritrea. Eritrea is cursed nation without any hope, it may or not exist few years. The curse of the forgotten martyrs is working miracles.
    People get what they deserve, so be it.

  • belo July 15, 2014

    ብዛዕባ ህልው ኩነታት ዝነበርኩሉ ስለዝኾነ ንኡስ ዘይኮነ አፍልጦ ኣሎኒ። ይኩን እምበር ኣብቲ ትንተና ናይቲ ህልዊ ኩነታት ክንፋላለ ክውንነት እዩ. ነገራት ካብ ሱር-ነገሮም ምስ ዓለማዊን ታሪካዊ ጠመተ ምስ ዝትንተኑ ኤርትራ ትኽተሎ ዘላ ኣካይዳ ምስ ኩሉ ድኹም ጎድንታቱ ነቕ ዘይብል ሰረት ንቕሎ ናብ ዝማዕበለት ሃገር መርሐ ጎደና ምኻኑ ተረዳእ. ኣብዚ ጉዕዞ ብዙሕ ሓጎጽጎጽ ከምዘሎ መባእታዊ መረዳእታ እመስለኒ. እቲ ካልእ አማራጺ would be a short cut: a nation for sale. ተፈደል ! Pick your choice

    • Keren July 15, 2014

      ሓደ እግርኽን ኣብ ጉድጓድ ኣትዩ፣ ሎሚ ጽባሕ ትብላ ዘልኽንሲ ብዛዕባ ” ነቕ ዘይብል ሰረት ንቕሎ ናብ ዝማዕበለት ሃገር መርሐ ጎደና ምኻኑ፤ ”
      ዝበልካዮ ዝበለያ ፕሮፓጋንዳ ትልፍልፍ ኣለኻ፧

      ንኤርትራ ተሪፍዋ ዘሎ ዶገዓ መልቀስ ጥራይ እዩ። ቀደም ሰውራ ኢልኩም መቃብራ ዝፈሓርኩምላ መሬት።
      መንእሰያታ ፈንፊኖምዋ ሃጽ ዝብሉ ዘለዉ። ዓለም ሙሉእ ዝፈንፈና ዓዲ መሳኪን ህዝቢ።

  • መድሃኔ July 15, 2014

    ተክኤ ክብሮም ኣንታ ንመን ኢካ ክትውራዘ ኣምላኪ ዉልቀ ሰብ ዝበልካ እንተበልካ ጸላእቲ ክተፍሪ ክትፈጥርን ኣይትጽዓር እንዳያካ ህግደፍ ናይ ነብሶም ቀዳሞት ጸላእቲ ባዕሎም እዮም፡፡ተዓዘብ ጽዩፍ ተግባራቶም ካቶሎሊካዉያን ጳጳሳት ዝብልዎ ሓቂ ንበበብ፡፡ ወይከወስ ነዞም ካህናት ሳዕበና ትፈልጥዋ ኢኩም እንቶ ከማካ በሃይም ቅድም ነቲ ሰርዓት ትኵሕድዎም ንስካትኩም ኢኩም፡፡

POST A COMMENT