Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መላእ ሃገር አብ ድቕድቕ ጸልማት

ካብ ዝሓለፉ አርባዕተ አዋርሕ ጀሚሩ ከተማታት ኤርትራ ብዘይ ሓይሊ ኤለትሪክ አብ ድቕድቕ ጸልማት ይርከባ አለዋ። አብ መላእ ኤርትራ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ሓይሌ ኤለትሪክ የለን፤ ስለዝኸነ ድማ እቲ ጸገማት አዝዩ ተሓላሊኹ ይርከብ። አብታ ዋና ከተማ

ካብ ዝሓለፉ አርባዕተ አዋርሕ ጀሚሩ ከተማታት ኤርትራ ብዘይ ሓይሊ ኤለትሪክ አብ ድቕድቕ ጸልማት ይርከባ አለዋ። አብ መላእ ኤርትራ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ሓይሌ ኤለትሪክ የለን፤ ስለዝኸነ ድማ እቲ ጸገማት አዝዩ ተሓላሊኹ ይርከብ። አብታ ዋና ከተማ ኤርትራ ዝኾነት ከተማ አስመራ ዳርጋ ንዝሓፈ 20 መዓልታት ብተኸታተታሊ መብራህቲ ዝብሃል የለን። እቲ ስርዓት ነቲ መባእታዊ ሃለኽቲ ነገራትን ሓይሌ ኤለትሪክን ከቕርብ አይክአለን ዘሎ። በዚ ዝተልዓለ ድማ መብራህቲ ጥራሕ ዘይኮነ ፤ህዝቢ ንመሰንከትን መብሰሊ መግብን ካልእን ዝኸውን ቀረብ ስለዘየሎ፤ ነቲ አብ ጠርዚ በጺሑ ዘሎ መነባብሮ ሕዝቢ ካብ ሕማቕ ናብ አዝዩ ዝኸፍኣ ደረጃ አውዲቕዎ ይርከብ። ነዚ አጋጢሙ ዝብሃል ዘሎ ከቢድ ናይ ህዝቢ ጸገም፤ እቲ ምልካዊ ስርዓት ቅድሚ ሕጅ ሕንቃቐ‘ ክብል ብብድዓ ምዝራቡ ዝፍለጥ ኢዩ።
ብሰንኪ ሓይሊ ኤለትሪክ ዘይምህላው አገልግሎተን ዘቋረጻ ወሃብቲ አገልግሎት መዓደሊ ነዳዲ፡ አገልግሎት ቴሌፎን፤ ሆስፒታላት፡ ቤት ጽሕፈታት፡ ናባኒ፡ መጥሓንዝኣመሰለ አገልግሎት ሙሉእ ብሙላእ ጠጠው ክብል ተገዲዱ አሎ። ነዚ አመልኪቱ ህዝቢ ብቐጻሊ መረርኡ ብቕሉዕ ብዘይፍርህን ክዛረብ ጀሚሩ አሎ። ካብቲ ህዝቢ ድዛረበሉ ዘሎ መንግስቲ እንድሕር አሎ፤ ነቲ መሰረታዊ ዝኸነ ባንን ማይን ሕክምና ኤለትሪክ ከቕርብ ዘይክኣለ ከመይ ጊሩ መንግስቲ ይብሃል፤ ምስ ህዝቡ ተዓሪቑ መሰረታዊ ፍታሕ እንተዘናዲ ምሓሸ ዝብልን እዚ መንግስቲ ክእለ አሎ ዝብሎ ናይ ጽርግያ ዕላል ኮይኖም አለው።
አብ ከተማ አስመራ ቅድሚ ሕጅ ሓይሌ ኤለትሪክ አብ ዘይህለወሉ ግዜ ፤ ሰብ አብ ከከባቢኡ አብ ዝርከቡ ሩኸባት ሰባት ጀነሪተራት ዝለዎም ብምኽድ ሞባይል ቻርጂ ክገብሩሎም እናለመኑ፤ ሰብ እናሸገሩ ሞባይሉም ባትሪ ክመልሉ{ቻርጂክገብር ጸኒሑም። ሕጅ ግን እቲ ጸገም ስለዝበዝሓን፤ ናይ ሓጺር ግዜ ጸገም ካብ ሙኻን ሓሊፉ ዳርጋ ናብ ንቡር ስለዝተቐየረ፡ አብ አስመራ ንሓንቲ ሞባይል ቻርጂ ንምግባር ሰብ ጀኒሪተር ስጋብ 10 ናቕፋ ከኽፍሉ ጀሚሮም አለው። ሰባት ሞባይሎም ንግሆ ገዲፎሙሎም ይኸዱ፡ ናይ ምሸት መጺዮም ከፊሎም ሞባይሎም ይወስዱ። ህዝቢ ነቲ መንግስቲ ገዲፉ ናይ ባዕሉ አገባባት ጊሩ ይኽይድ አሎ። በዚ ዝተልዓለ ድማ ስርዓት ህግደፍ አብ ከተማታት ድምጺ ናይ ጀነሪተራት ህዝቢ ይርብሽ ስለዘሎ፤ ጀነሪተራት ከይትውልዑ ብዝብል አብ ሓደ ሓደ ከባቢታት አስመራ ጀነሪተራት ስጋብ ምህጋር በጺሑ አሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፤ ህዝቢ ኤለትሪክን ማይን ይሃሉ አይሃሉ ወርሓዊ ናይ አገልግሎት ክፍሊት የኽፍል አሎ። እቲ ክፍሊት ብወርሓዊ ገምገም ዝለኣኽ እምበር ብመሰረት ቆጻሪ አይኮነን። እዚ አካይዳ አብዚ ወዲ ሰብ በጺሕዎ ዘሎ ምዕባለ ዘየለ፤ ናይዚ አተሓሳስብ መሰረት ድማ ምግባትን ህዝብ ምድካይን ኢዩ።
ህዝቢ ንመብሰሊ ዝኸውን ጋዝ ንምርካብ ካብ ሰሙን ዘይውሕድ ሪጋ ከምዝጽበ ዝፍለጥ ኢዩ። አብ ከተማ አስመራ ንሓደ ኩንታል ዕንጸይቲ ልዕሊ 2000 ናቕፍ ይሽየጥ አሎ። እቲ ስርዓት ህዝቢ ናይ ፖለቲካ ሕቶታት ንኽይልዕል አብ ከቢድ ሽለታዊ መነባብሮ ሸኺልካ ምሓዝ ዝብል አገባብ ኢዩ ዝኽተል ዘሎ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት አብ ባርካ ዝጀመረ ናይ ወርቂ ዓደና ስጋብ ከበሳ ደይቡ፤ እቲ ምፍሓርን ምሻጥ ማዕድን ሃገር የቕጽል አሎ። እተን አብ ዕደና ዝተዋፈራ ካምፓኒታት ድማ ምኽሰብ ይሓፍሳ ክምዘለዋ ይሕብራ አለዋ። እቲ ስርዓት ግን ነዚ ገንዘብ ናብይ የግዕዞ አሎ ዝብል ሕቶ ናይ ኩሉ ሰብ ሕቶ ኮይኑ አሎ። ገለውን ጀነራላት ሰብ ክሸጡ ከለው መኽሰብ ማዕድን ድማ ናይ ኢሳያስን ጉጅልኡን ምኻኑ ይነገር።
ክዱሳት ካብ ኤርትራ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
74 COMMENTS
  • Nesri July 12, 2014

    I just called Asmera and my brother in law told that it is the darkest age. We can’t work….no words to express the misrey…. GOD! I don’t know what the Dictator and his junta will say. They said in the past hankiku…now what…

  • ተወልደመድኅን July 12, 2014

    ደሃን ድዮም እንዳ ህግደፍ ኣብ መገሻ ንዘሎ ወልደሚካኤል ኣብርሃ ሽመት ሂቦም።እስከ ገለገለ በሉ፡ከምዚ ናተይ ገለ ምልክት እንተረኺብኩም።የማነ ገብረኣብ ኣብቲ ኣብ ቦሎኛ ንማሕበረ ኮማትን ንመናእሰያት ህግደፍ ዝሃቦ መልእኽቲ ምስ መትከል ህግ ክሰርሑ ተላብዩ።ኩነታቱ’ውን ባህ ዘየብል ዝሰንበደ ይመስል።እዛ ቡርኩታ ገለ ኣላታ’ዩ።

  • Berhe Tensea July 12, 2014

    Long live Demhit People must behave if not The Temben forces are going to protect our beloved leader, the Lion of Nkfa.
    The Lion of Nakfa is an example to Africa. Africa needs leaders like Isu the father of unseen development in the continent.
    Viva Wedi Afom Bree Care taker of the largest animal farm.

  • efrem July 12, 2014

    berhe you have no ears to hear,no aye to see and no brain to think.only you got fingers to type meaning less collection of letters.

  • Mesinas July 12, 2014

    “ኣቱም ኣሕዋት ማማ እምበር ሓሚማ
    መራሚርኩማዶ ካብ መን’ዩ ጸገማ?
    ኣቱም ኣሕዋት ማማ ትሓመና ኣላ ማማየ
    ኣቱም ኣሕዋት ማማ ትሞተና ኣላ ማማየ!

    ወገነይ ወገንካ *ጨንደል ምስ ወለደ *ከየሰመረ ተረፈ፣ ተበላሸወ
    ቁስላ’ዩ ዝጉዳእ ዳሕራይ ዚገደደ
    ዕዳጋ *ሃዚላት ጭርጭር ዓበደ *ዓያሹ
    ይዘንብዶ ኮይኑ ኩሉ ዚነጎደ
    ሓይልና ጥምረት’ዩ ተሳኒና ንዕየ!” ኢሉና ህቡብ ድምጻዊ ወዲ ህዝቢ ምሕረትኣብ ሚካኤል። ሓቂ ብሓቂ!

    ወዲ ሚኪኤል ኣንበሳ! “ኣብ ርእሲ ልብኻ እንተ ዝውስኹኻ ከም ዚብሃል” ኣብዘን ልዕል ኢለ ጠቒሰየን ዘለኹ ናዕታታትካ ካብቲ ንስኻ ኢልካዮ ዘሎኻ እንታይ ምቅይያራት ጌረለን ከም ዘለኹ ከተስተብህለለን ብትሕትና እሓተካ ዝሓወይ። ምኽንያቱ ኣንቱም ንብዙሓት ዘይኮነስ ንንጽል ኮይኑ ንዓበይቲ ወይ ድማ ንኣርካናት መጸውዒ እንጥቀመሉ ተውላጠ ስም እንድዩ ኣብ ክንዲ ኣንቱም ኣቱም እዩ ክብሃል ዘለዎ። ከምኡውን የሕዋት ዘይኮነስ ኣሕዋት’ዩ ኪብሃል ዘለዎ። ኣብ ክንዲ እቲ ብዙሓት ዘይትርጉሙ ዝህቡዎ በሃማት (ዓባሳት) ምባል ሃዚላት (ዓያሹ) ምባልካውን ኣዝየ እየ ኣድኒቐካ። ከምኡውን ጨንደል (ከይሰመረ ተረፈ ወይውን ተበላሸወ) ንምባል ጨንደር ኢልካዮ ስለ ዘለኻ ኣብዚኣውን ናይ ሓንቲ ሆሄ (ፊደል) ጌጋ ብምግጣማ ነታ ቃል ትርጉም ዘይብላ ጌራታ ስለ ዘላ ንመጻኢ ዘይዝውቱራት ቃላት ኪትጥቀም ከለኻ ደጊምካ ክተረጋግጾ እላበወካ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ህዝቢ ብብዝሒ ዘይጥቀመሎም ቃላት ብምጥቃም ቋንቋና ኣብ ምህብታም ትጻወቶ ንዘለኻ ኣበርክቶ ድማ ብልቢ አመስግነካን አድንቀካን። ሓውካ መሲናስ።

  • MohammedKeren July 12, 2014

    “እቲ ስርዓት ህዝቢ ናይ ፖለቲካ ሕቶታት ንኽይልዕል አብ ከቢድ ሽለታዊ መነባብሮ ሸኺልካ ምሓዝ ዝብል አገባብ ኢዩ ዝኽተል ዘሎ።”
    you collaborated with weyane’s conspiracy to weaken Eritrea, one of which is for you to stop supporting your country with the 2%. Now once you stop the support, how the hell do you think our government provides electricity, etc ? Imagine, before, it was able to provide the services effectively because of your support. now it cant, because you dont support.
    You diaspora “oppositions” are sick in your minds. Hoping to penalise our government, you throw our people into the dark. and what can the government do???
    had it not been our people’s texewarinet, according to your shrewed politics, it would have been in real crisis.
    you dont agree on almost any eritrean affairs. so I thank alah, you are kept there thousands of killomenters away.

    Death to the kedemti
    death to the korakur agaminos,
    death to the unreal eritreans/complainers
    Long life to our Lion of Nakfa

    • Sorobeti July 12, 2014

      MohammedKeren

      Take care, one day the dogs of DIA will arrest you to disappear forever under the pretext of JIHAD as they have done with hundreds of Muslims from Keren and several other towns.

  • angossom July 12, 2014

    ezi hasot eyu,
    I am browsing the net from home, ab maakel asmera koyne. We have electricity, we have water.
    where did you get this news?

    people, becareful, this website is serving no one but weyane!

    • selamawit2 July 12, 2014

      Dear Amanuel Eyasu,

      it is Your legitimated right to udjust fabrications. You as a webmaster have the information whether “agossom” is really in Eritrea or not.
      Please tell us at least in which continent he is located. Between all the sad news about our people, this would be something to laugh..;-)

  • Justice4all July 12, 2014

    Mengistikum hamimu teselilu aka ” nusom nusu”

  • sara gual ertra July 12, 2014

    tekie kibrom
    tetsgbo kicha ? abey ala?
    nsa yela mesenketiA yele ybl alo
    hizbi beti zelo tezareb n gide HAKI

  • sara gual ertra July 12, 2014

    angesom
    weyane ayedluyunan iyom
    sidray ab maekel asmera alewu
    eta zela kula ynegruni iyom

    • angossom July 12, 2014

      sara hafti,
      may be your family didn’t pay the bill and had their services cut. did you check that please?

POST A COMMENT