Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መላእ ሃገር አብ ድቕድቕ ጸልማት

ካብ ዝሓለፉ አርባዕተ አዋርሕ ጀሚሩ ከተማታት ኤርትራ ብዘይ ሓይሊ ኤለትሪክ አብ ድቕድቕ ጸልማት ይርከባ አለዋ። አብ መላእ ኤርትራ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ሓይሌ ኤለትሪክ የለን፤ ስለዝኸነ ድማ እቲ ጸገማት አዝዩ ተሓላሊኹ ይርከብ። አብታ ዋና ከተማ

ካብ ዝሓለፉ አርባዕተ አዋርሕ ጀሚሩ ከተማታት ኤርትራ ብዘይ ሓይሊ ኤለትሪክ አብ ድቕድቕ ጸልማት ይርከባ አለዋ። አብ መላእ ኤርትራ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ሓይሌ ኤለትሪክ የለን፤ ስለዝኸነ ድማ እቲ ጸገማት አዝዩ ተሓላሊኹ ይርከብ። አብታ ዋና ከተማ ኤርትራ ዝኾነት ከተማ አስመራ ዳርጋ ንዝሓፈ 20 መዓልታት ብተኸታተታሊ መብራህቲ ዝብሃል የለን። እቲ ስርዓት ነቲ መባእታዊ ሃለኽቲ ነገራትን ሓይሌ ኤለትሪክን ከቕርብ አይክአለን ዘሎ። በዚ ዝተልዓለ ድማ መብራህቲ ጥራሕ ዘይኮነ ፤ህዝቢ ንመሰንከትን መብሰሊ መግብን ካልእን ዝኸውን ቀረብ ስለዘየሎ፤ ነቲ አብ ጠርዚ በጺሑ ዘሎ መነባብሮ ሕዝቢ ካብ ሕማቕ ናብ አዝዩ ዝኸፍኣ ደረጃ አውዲቕዎ ይርከብ። ነዚ አጋጢሙ ዝብሃል ዘሎ ከቢድ ናይ ህዝቢ ጸገም፤ እቲ ምልካዊ ስርዓት ቅድሚ ሕጅ ሕንቃቐ‘ ክብል ብብድዓ ምዝራቡ ዝፍለጥ ኢዩ።
ብሰንኪ ሓይሊ ኤለትሪክ ዘይምህላው አገልግሎተን ዘቋረጻ ወሃብቲ አገልግሎት መዓደሊ ነዳዲ፡ አገልግሎት ቴሌፎን፤ ሆስፒታላት፡ ቤት ጽሕፈታት፡ ናባኒ፡ መጥሓንዝኣመሰለ አገልግሎት ሙሉእ ብሙላእ ጠጠው ክብል ተገዲዱ አሎ። ነዚ አመልኪቱ ህዝቢ ብቐጻሊ መረርኡ ብቕሉዕ ብዘይፍርህን ክዛረብ ጀሚሩ አሎ። ካብቲ ህዝቢ ድዛረበሉ ዘሎ መንግስቲ እንድሕር አሎ፤ ነቲ መሰረታዊ ዝኸነ ባንን ማይን ሕክምና ኤለትሪክ ከቕርብ ዘይክኣለ ከመይ ጊሩ መንግስቲ ይብሃል፤ ምስ ህዝቡ ተዓሪቑ መሰረታዊ ፍታሕ እንተዘናዲ ምሓሸ ዝብልን እዚ መንግስቲ ክእለ አሎ ዝብሎ ናይ ጽርግያ ዕላል ኮይኖም አለው።
አብ ከተማ አስመራ ቅድሚ ሕጅ ሓይሌ ኤለትሪክ አብ ዘይህለወሉ ግዜ ፤ ሰብ አብ ከከባቢኡ አብ ዝርከቡ ሩኸባት ሰባት ጀነሪተራት ዝለዎም ብምኽድ ሞባይል ቻርጂ ክገብሩሎም እናለመኑ፤ ሰብ እናሸገሩ ሞባይሉም ባትሪ ክመልሉ{ቻርጂክገብር ጸኒሑም። ሕጅ ግን እቲ ጸገም ስለዝበዝሓን፤ ናይ ሓጺር ግዜ ጸገም ካብ ሙኻን ሓሊፉ ዳርጋ ናብ ንቡር ስለዝተቐየረ፡ አብ አስመራ ንሓንቲ ሞባይል ቻርጂ ንምግባር ሰብ ጀኒሪተር ስጋብ 10 ናቕፋ ከኽፍሉ ጀሚሮም አለው። ሰባት ሞባይሎም ንግሆ ገዲፎሙሎም ይኸዱ፡ ናይ ምሸት መጺዮም ከፊሎም ሞባይሎም ይወስዱ። ህዝቢ ነቲ መንግስቲ ገዲፉ ናይ ባዕሉ አገባባት ጊሩ ይኽይድ አሎ። በዚ ዝተልዓለ ድማ ስርዓት ህግደፍ አብ ከተማታት ድምጺ ናይ ጀነሪተራት ህዝቢ ይርብሽ ስለዘሎ፤ ጀነሪተራት ከይትውልዑ ብዝብል አብ ሓደ ሓደ ከባቢታት አስመራ ጀነሪተራት ስጋብ ምህጋር በጺሑ አሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፤ ህዝቢ ኤለትሪክን ማይን ይሃሉ አይሃሉ ወርሓዊ ናይ አገልግሎት ክፍሊት የኽፍል አሎ። እቲ ክፍሊት ብወርሓዊ ገምገም ዝለኣኽ እምበር ብመሰረት ቆጻሪ አይኮነን። እዚ አካይዳ አብዚ ወዲ ሰብ በጺሕዎ ዘሎ ምዕባለ ዘየለ፤ ናይዚ አተሓሳስብ መሰረት ድማ ምግባትን ህዝብ ምድካይን ኢዩ።
ህዝቢ ንመብሰሊ ዝኸውን ጋዝ ንምርካብ ካብ ሰሙን ዘይውሕድ ሪጋ ከምዝጽበ ዝፍለጥ ኢዩ። አብ ከተማ አስመራ ንሓደ ኩንታል ዕንጸይቲ ልዕሊ 2000 ናቕፍ ይሽየጥ አሎ። እቲ ስርዓት ህዝቢ ናይ ፖለቲካ ሕቶታት ንኽይልዕል አብ ከቢድ ሽለታዊ መነባብሮ ሸኺልካ ምሓዝ ዝብል አገባብ ኢዩ ዝኽተል ዘሎ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት አብ ባርካ ዝጀመረ ናይ ወርቂ ዓደና ስጋብ ከበሳ ደይቡ፤ እቲ ምፍሓርን ምሻጥ ማዕድን ሃገር የቕጽል አሎ። እተን አብ ዕደና ዝተዋፈራ ካምፓኒታት ድማ ምኽሰብ ይሓፍሳ ክምዘለዋ ይሕብራ አለዋ። እቲ ስርዓት ግን ነዚ ገንዘብ ናብይ የግዕዞ አሎ ዝብል ሕቶ ናይ ኩሉ ሰብ ሕቶ ኮይኑ አሎ። ገለውን ጀነራላት ሰብ ክሸጡ ከለው መኽሰብ ማዕድን ድማ ናይ ኢሳያስን ጉጅልኡን ምኻኑ ይነገር።
ክዱሳት ካብ ኤርትራ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
74 COMMENTS
  • ተወልደመድኅን July 12, 2014

    ንጉስ ዕራቖቱ ወጺኡ ዝብሉዎ ዛንታ ኤውሮፓያን ኣሎ።……ሕጂ ከኣ ወዮ ምሉእ ምኻኑ ከምስክር ኣብትን ኣብዝን ዚብል ስርዓት ብኩሉ መዳይ ዕራቖቱ ወጺኡ።ብዝኾነ መንገዲ ሕፍረቱ ዝኽውልውሉ ኣብዘይብሉ ቅሉዕ በጺሑ።

  • Kidan, Sudan July 12, 2014

    Eritrea has dead government, out of normal situation . change change change …………your mother is dying due to lack of basic services.

  • peace July 12, 2014

    wei gud amlak mihret yewuredlina !1

  • Noch July 12, 2014

    Nabey yegezo alo mo ko ekul aykonen. Meseretawi ftah nmrkab kwsed zelewo sgumti mwsad e u. Do Wela ella nay madn mssebqee e u eti sgumti kwsed. Shueu mo Issaias wn baelu kabta hager ywexie ykewn eu

  • ተኬኤ ክብሮም July 12, 2014

    እዚ ክንድዚ ዝኣክል ሃለውለው እንታይ ንምርካብ ተባሂሉ ዝግበር ዘሎ ኮን ይከውን? እንተ ንህዝብን መንግስትን ኤርትራ ግን እዚ ኣበሃህላ ዝበለጸ ናይዚ ሰሙን ዳእላ ካብ ሙኳን ሓሊፉ ካልእ ክፍይዶ ዝክእል ነገር ከምዘየለ ዝተረድኣኩም ኣይትመስሉን። ንህዝብን መንግስትን ኤርትራ ንምንቋት ተባሂሉ ኣብ ቤት ጸላእትና ተመስሪሑ ዝጋዋሕ ሓቅነት ዘይብሉ ቤላ ቤለው እናኮነ እንከሎ ደኣሞ ስለምንታይ ክንድዚ ኮንቱ ጻዕሪ ኣድለየ፡ ሓሶት እንተተደጋገመ ሓቅነት ለቢሱ ሰባት ከደናግር ይክእል`ዩ ዝብል ግምት እንተልይኩም ውጥንኩም ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ተቀባልነት የብሉን። ምክኒያቱ ህዝቢ ኤርትራ ተጽግቦ ቅጫ ኣብ መቅሎ እንከላ ስለዝፈልጣ፡ ስለዚ ነቲ ጽኑዕ መሪሕነትና ከናሹ ዝህቅን ዝኮነ ይኩን ተጻባኢ ወገን እከይ ብህሎታቱ ኮንቱ`ዩ። ዓወት ንሓፋሽ!!

    • michealembaye.yahoo.com July 12, 2014

      Anta eti ane zfelteka tekie kbrom keytkewn.

      slezgihere sdrabet entehalyomka nsdraka hatitka
      eti haki fletn eti haki nzarebn . aykonenn
      abzhsheka sefirka beti ab delhamet zelo zteshegere hzbi aytlagets aytweraze
      ms akbrot
      aranchi

    • m July 12, 2014

      Tekiea kubrom? you are crazy or sick, we Eritrean suffering and dying evryday and you said okey idiot undercover hgdef

  • ሶሎመ July 12, 2014

    እተን ሞተረታት ናይ ሕርጊጎ 4 እየን ካብዚኣተን እተን 3 መንግስተ ሰማይ ካብዘዋርሰን 3ተ ዓመት ጌረን እታ ዘላ ሐንቲ ከም ሐሙስ ድማ
    ፈርነስ ማለት ናታ ነዳዲ ከቢርና ብዶላር ክንገዝኦ ይብሉ!መሳኪን ህግደፍ ሃገር ምምሕዳር ማለት ዕቍብ ባዓላደይ ምምሕዳር ማለት ኣይኮነን ህዝቢ ኣስመራ ድማ ካብ 1961 ስጋብ 1991 ኣስተማቂርዎ
    ዘይፈልጥ ሽግር የስተማቅር ኣሎ በቶም ኣብ 1991 3መትሮ እንዳዘለለ ዚተቀበሎም ሉኡካት ሳጥናኤል የሕዝን ብሐቂ !

  • ኣርዓዶም July 12, 2014

    The problem is now about the opposition, we the opposition need to united and take real steps, otherwise you can not just tell us like this every-time, we are so tired and the people are so tired of waiting to us. So please talk about the opposition that needed urgent action over hedef and its governance of the people… if we are waiting now like that, there will be Eritrean people, the land will remain destroyed and the people will be enlisted, so lets take urgent action.
    Action is the better than anything we we have to return back our people and country from the destruction of this mafia regime.

    • m July 12, 2014

      Aradom you are right my bro,we must go fight to the Evil dictator Isaias with his mafia gruope, they will run like ratss,if we do fight he will gon i am sure, this is the only sloution

  • haile July 12, 2014

    Thank you for the report assenna. IT is funny the other day i was at PFDJ’s paltalk room a person name Sirak was claiming the number who attended the festival were over 20000 that is right 20K. By looking the pictures the numbers does not even look 2000 let alone 20K. That was a big lie.

  • Dan July 12, 2014

    Tekie kibrom niska wey zemedka nay zemena habtamat nay kulit negado tikewn

  • Berhe Tensea July 12, 2014

    The life in Asmara and other towns is beyond imagination. I called Asmara last week and my sisister told me if I did not answer it means I have no charge. The solution she said is to pay 25 nakfa and have your cell phone charged by people who own generator.Animal manure for instead the non existant firewood is fetching top nakfa.
    People must rise up and say enough is enough, to the cruel colonization of the Tembenis.

    • ኣርዓዶም July 12, 2014

      በርሀ ተንሳኢ
      ንሕና ዘይተለዓልና ድ ኣ ንሶም ከምይ ገይሮም ክልዓሉ ብጥምየትን ስእነትን ዝሳቐዩ ደለዉ ህዝቢ። እቲ ክልዓል ዝግብ ኦስ ኣብ ወጻኢታት ዘሎና ኢዩ። ህዝቢ ከም`ዚ ክኸውን ከሎ ምንም ዝገብሮ የብሉን። ነታ ዝበልዓ ድራር እለቱ ከማን ክኸውን ዘይክ ኣለ ከመይ ገይሩ`ሞ ክልዓል ትደልዮ። ስለዚ እቲ ፍታሕ ኣብ ኢድ ተቓወምቲን መራሕቲ ተቓወምትን ኢዩ ደሎ። ህዝቢ ምስ ጀመርካሉ`ውን ክስዕበካ ይኽእል እምበር ጥራይ ከም`ዚ ኮይኑ፡ ከምዚ ተሳኢኑ፡ ከምዚ ዓንዩ፡ ምባል ዋላሓንቲ ለውጢ ከምጽኣሎም ኣይክእልን ኢዩ። ብጣዕሚ ረዲኣኤትና ይጽበዩ ምህላዎም ተገንዚብና ግን ተንሲ እና ንመስዋእቲ ቑሩባት ክንከውን ብመስዋእትና ድማ እቲ ዝጠፍእ ዘሎ ህዝቢን ሃገርን ምድሓነ ብሰላም ከምኩሉ ሃገራት ምነበረን።
      ህዝቢ አኤርትራ መግዛእቲ መሪርዎ ክገብሮ ዝኽእል ዋላሓንቲ የለን፡ብዘይ እኽለማይ ዝቓለስ የለን። ስለዚ ተቓወምትን ኣብ ኩሉ ካብ ኤርትራ ወጽዩ ዝነብር ህዝብን ክሓስበሉ ይግባእ። ነብስኻ ሓቢእካ ከምዚ ኮነ ምባል ግን ትርጉም የብሉን።

POST A COMMENT