Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕድሪ ብግብሪ! ንሰማእታትና ክንሰርሓሎም እንኽእል ነባሪ ሓወልቲ ፡ ልዕልና ሕጊ ዝሰፈና ቅዋማዊት ኤርትራ ምትካል እዩ!

ሕድሪ ብግብሪ! ንሰማእታትና ክንሰርሓሎም እንኽእል ነባሪ ሓወልቲ ፡ ልዕልና ሕጊ ዝሰፈና ቅዋማዊት ኤርትራ ምትካል እዩ! ከመይ ቀኒኺ ሃገረይ! ሃገረይ! ብለግሲ ደም ዝጸደቕኪ ህያብ ሰማእታት ኢኺ `ሞ፡ ሰራውርኪ ተሰሚሙ ቆጽልኺ ከይሓርር፡ ብመሪር ቃንዛ፡ ንብዓትኪ ተጸሚቑ ከይውዳእ፡ ዝሰትኽዮ ደም ፈርዩ

ሕድሪ ብግብሪ!

ንሰማእታትና ክንሰርሓሎም እንኽእል ነባሪ ሓወልቲ ፡ ልዕልና ሕጊ ዝሰፈና ቅዋማዊት ኤርትራ ምትካል እዩ!

ከመይ ቀኒኺ ሃገረይ!

ሃገረይ! ብለግሲ ደም ዝጸደቕኪ ህያብ ሰማእታት ኢኺ `ሞ፡ ሰራውርኪ ተሰሚሙ ቆጽልኺ ከይሓርር፡ ብመሪር ቃንዛ፡ ንብዓትኪ ተጸሚቑ ከይውዳእ፡ ዝሰትኽዮ ደም ፈርዩ ብደቂ ስዉኣትኪ ክንዲ ዝብላዕ፡ ኣሰር ንብዓትኪ ነዚዑ ተመሊሱ ናብ መሬት ከይፈስስ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ልዕሊ ቀንዲ ሱርኪ ተረኲምሽኪ ዘርእኺ ንሓዋሩ ከይበርስ፡  ሕድርኺ ባኺኑ ባህግኺ ከይመክን እሻቐል ኣለኹ `ሞ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ምሸትን ንጉሆን፡ ክድቅስ ክትንስእ ደሃይኪ ንምፍላጥ ዘዘውትሮ ዕለታዊ ጸሎት፡ ኣብ ወርሒ ዝኽሪ ሰማእታት፡ ኣብ ዛ ወርሒ ሰነ ዳግም፡ ከመይ ቀኒኺ ሃገረይ ክብለኪ ፍቐድለይ።

ከመይ ቀኒኺ ሃገረይ!

ነዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ እቲ ብቓልሲ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሓርበኛታት ኤርትራውያን ዝተረጋገጸ ናጽነትኪ ብጥልመት ከሓድያን ኣጒሉ፡ ኣኽብሮት ናጽነትን ኩነኔ ባርነትን ከክንደይ ሚታዊት ከምዝግብአን ክመዝን እናተጻገምኩ፡ ኣብ ውሽጢ ኣካላተይ ዝተፈጥረ ቃጸሎ ስምዒት፡ ማዕረ`ቲ ምልክን ስደትን ዝኣጎደለይ ኲናት  እናቃጸለኒ፡ ንሓጎሰይ ጓሂ ዓብሊሉዎ ብሰንፈላል እየ ሓሊፈዮ።

ካብኡ ናብኡ፡ እዚ ናይ ወርሒ ግንቦት፡ ናይ ወቕቲ ናጽነት ነውጺ፡ ነቲ ብጽንኩር ኩነታት ዝላደየ ኣካላተይ ዓቕሚ ነብሱ `ዩ። ንምረት ዕረ-ባርነት መዓር ናጽነት ቀሚሰ ነብሰይ እናደዓዓስኩ፡ ኣብታ እትቕጽል ዓመት፡ ህዝበይ፡ `ግን፡ እንታይ `ሞ`፡ ዘይብላ፡ ዘይተፈራረቐት ናጽነት ከስተማቕር እናተተስፈኹ ምጒዓዝ ኣየቃረጽኩን።

ካብኡ ንላዕሊ ንጽንዓተይ ኣብ ከብድ ፈተነ ዘእትዎ ቅልውላው `ግን ሕልናዊ ቃንዛ ወርሒ ሰነ፡  ዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ እዩ።

እወ፡ ንኽብደት ቅንያት ናጽነት ዝኽእለሉ ምኽንያት፡ ነቶም ንናጽነትና ዘባኸኑዎ መጋበርያ ጉጅለን መጽነቲ ጎይትኦምን ወቒሰ፡ ነብሰይ ዕሽሽ ስለዝብላ ክኸውን ይኽእል`ዩ ። ኣብ ወርሒ ሰነ ግን፡ ነብሰይ ዕሽሽ ናይ ምባል ፍርቂ ይኹን ርብዒ ሓርነት የብለይን። ኪኖኡ፡ ዘፍረኹዎ ረሲዐ ኣብ ዘጥፋእኩዎ ስለዘተኩር፡ ብሕልናይ ምስ ነብሰይ ኣብ ጽዕጹዕ ውልቃዊ ኲናት ስለዝገጥም፡ ምስ ደመይ መርዚ ዝዘውር ዘሎ ኮይኑ እናተሰመዓኒ `የ 29 ዓመታት ኣቚጺረ።

ኣቤት `ባ እቲ ነብስኻ ዓውደ-ኲናት ኮይኑ፡ ተኳሲ ንስኻ፡ ደማዪ ባዕልኻ ኴንካ እተካይዶ ውሽጣዊ ኲናት ክመርር! ውግእ ሕድሕድ ኣዝዩ መሪር `ዩ ይብሃል`ዩ `ሞ፡ ኲናት ምስ ነብስኻስ መዳርግቲ የብሉን!

ስለምንታይ እየ ግን፡ ንሃገረይን ህዝበይን ሓራ ክገብር ክንዲ ዝተቓለስኩን ዝተወፈኹን፡ ኣምሳያ ህይወት መስዋእቲ ክንዲ ዝሓረኹ ንርእሰይ ዝተሳቐ? ሓርነት ካብ ነብሰይ ዶ ኣይኮነን ክጅምር ዘለዎ? ኣሽንባይ ዶ ሓደ ውልቀሰብ ሓደ ወለዶ `ውን ኣብ ዘመኑ ክገብሮ ዝኽእል እጃም ድሩት ምዃኑ ኣሚነ ንነብሰይ ዘየናሕስየላ? ከም ዓለመይ ዘይከውን? እዚኣቶም ፡ ገለ ካብቶም ነቲ ውሽጣዊ ኲናት ዘጻዕጽዑዎ ሕቶታት እዮም።

ካብ ማንም ንላዕሊ ንልበይ ስለዝፈልጥን ስለዝኣምንን ደኣ ንነብሰይ ወኪለ ይዛረብ ኣለኹ `ምበር፡ ኩሉ`ቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ነብሱ ንመስዋእቲ መኒኑ ብዕድሉ ካብ መስዋእቲ ዝተረፈ፡ ኣብ እዋን ናጽነት፡ ህርፋን ናይቶም ንዓመታት ዝተፈልዮም ስድራቤቱ ተጻዊሩ ብቕብጸት ናይቶም ምእንቲ ሃገር ንሓዋሩ ካብ ዓለም ዝተሰወሩ ብጾቱ ዝነብዐ፡ መስዋእቶም እቲ ሰብ ኣብ ዓለም ክኸፍሎ ዝኽእል ዝለዓለ ዋጋ ምዃኑ ኣሚኑ፡ ህላዊኡ ጥልመት ከይከውን ነብሱ ዝሓተተ ሓቀኛ ኤርትራዊ ተጋዳላይ ስምዒቱ ካብ ስምዒተይ ይኹን ካብ ስምዒት ናይቲ ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ ብግቡእ ዝተቐበለ ከምዘይፍለ ፍሉጥ እዩ።

ስለዚ ሃገረይ፡ ድሕሪ 29 ዓመታት ናጽነት፡ ዕድመ መስዋእቲ ናይቶም ከይፈረዩ ዝሓረሩ መንእሰያት፡ ካብ መዋእል ህይወቶም እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ንስኺ ዘይምዕባይኪ፡ ዘይምውርዛይኪ፡ ዘይምልባምኪ፡ በንጻሩ ምንኣስኪ፡ ምፍኳስኪ፡ ምሕሳርኪ፡ ነቲ ቀቢሩ ዝኣተወ ይኹን ሕድሪ ዝተቐበለ፡ ሞት ህሉዋት እዩ።  ሞት ህሉዋት ካብ ሞት ምዉታት ዝኸፍአ ምዃኑ መቸም ፍላስፋ ዘድልዮ ግድል ኣይኮነን። ሞት ንሙውት፡ ከም ምብርባር ዘይብሉ ነዊሕ ድቃስ ዕረፍቲ `ዩ። ከም ኢሳይያስ ንዝኣመሰሉ ብህሉዋቶም ዝሞቱ፡ ህዝቢ የለኹምን እንክብሎም፡ ህላዊኦም ከእምኑዎ ኣብ መስኮት ቴለቭዥን ዝቕልቀሉ ሰባት ግን፡ ሞቶም 10 ሞት፡ ዘይውዳእ ቃንዛ እዩ።

ሃገረይ፡ 10 ሞት ዝብል ከለኹ፡ ኣጋንኖ ከይቁጸረለይ፡ ብምቕሉል መንገዲ ከረድኣኪ ደልየ `ምበር፡ ግደ ሓቅስ፡ ሞቱ 29 ሓጥያትና ድማ ማዕሪኡ `ዩ።

ከመይ ዝብል ለባም፡ ልብኺ `ሞ ጽን ይበል፡ ምኽንያቱ ክእምትለኪ። ነዞም ዝሓለፉ 29 ዓመታት፡ እቲ ብኡ ንብኡ ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ ዝኸድዐ ጠላም ስርዓት ካብ ጽባሕ ናጽነት 1992 ኣትሒዙ ክሳብ `ዛ ሒዝናያ ዘለና ዓመት 2020 መዓልቲ ናጽነት መጸት ዝጨርሖም ጭርሖታት እንተስተባሂልክሎም፡ ብዓል ኣፍ እምበር ብዓል ጣፍ ከምዘይኮነ፡ መልሓሱ ተነጺፉ ዝሓድር ፍሹል ስርዓት ምዃኑ መሊሱ ክበርሃልኪ እዩ።

ተመልከትለይ፡

1992/ ንዕማም ዳግመ ህንጻ ከም ጉዕዞ ሓርነት ብትብዓት ክንዛዝሞ ኢና!

1993/ ሕጂ `ውን ዕላማና ብልጽግትን ስልጥንትን ሃገር ምህናጽ እዩ!

1994/ ከም ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ዳግመ ህንጻ ተኣምር ንስራሕ!

1995/ ሎሚ `ውን ከም ትማሊ ጽንዓትን ስራሕን!

1996/ ከም ተኣምር ናጽነት ቅያ ልምዓት ክንሰርሕ ኢና!

1997/ ንጹር ራእይ ጽኑዕ መብጽዓ!

1998/ ከም ተኣምር ናጽነት ቅያ ልምዓት!

1999/ ብዘይ ሃገር ክብረት የለን!

2000/ መዓልቲ ናጽነት መዓልቲ ጽንዓትን መኸተን!

2001/ ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ!

2002/ ብጉሳት ንወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ!

2003/ ሓይልና ኣብ ልምዓት ንኹሉ ድሉዋት!

2004/ ጥሙራት ኣብ ማሕላ ሓንቲ ሰንደቕ!

2005/ ልደት፡ ሰብኣዊ ክብረትን ቁጠባዊ ሓርነትን!

2006/ ስራሕ፡ ክብረት ዝህብ ክብሪ!

2007/ ወፍሪ ሎሚ፡ ራህዋ መጻኢ!

2008/ መኸተና ዋሕስ ናጽነትናን ዕቤትናን!

2009/ ናጻ መስመርና ዋሕስ ልምዓት!

2010/ ብስራሕ ንመክት ንገስግስ!

2011/ ውሁድ ቅኒት ንሃገራዊ ክብረት!

2012/ ናጽነትና ክብረትና!

2013/ መኸተ ዕርድና፡ ስራሕ ክብርና!

2014/ ንርሁው ጽባሕ፡ ሎሚ ንስራሕ!

2015/ ልምዓት ብጽንዓት!

2016 / ርብዒ ዘመን ኣብ መኸተን ልምዓትን!

2017/ ብርሃን ንደርማስ ምዕባለ!

2018/ ራኢ ብዕዮ!

2019/ ጽንዓት ብጽንዓት ንልምዓት!

2020/ ንምክት ንስጉም!

 

ሃገረይ፡ ብሰልሚ ውድቀቱ ተዋሒጥኪ፡ ጥልመቱ ዒቕ ኢሉኪ ትነብሪ ብምህላውኪ፡ ነዚ ከተንብቦ ጥራይ ኳ ጋዳ ዝኾነካ ብድርብ ምልከት ስምዒት ዝተወቀጠ ኣሰልቻዊ ጭርሖታቱ ሓደ ብሓደ ምትንታኑ፡ ከም ንቐባሪ ምርዳእ፡ መባኸኒ ግዜ እዩ። ካብዞም 29 ጭርሖታት ሓንቲ `ኳ ኣብ ግብሪ ከምዘየውዓለ፡ ከም ቃላቱ ኣብ ተግባር፡ ኣመት ራእን ሕልምን ኤርትራ ከምዘይብሉ፡ ዕዮኡ ልምዓትን ስራሕን ዘይኮነ ዕንወትን ጥፍኣትን ምዃኑ፡ ጽንዓት ሃገርና ኤርትራ ኣፍሪሱ፡ ክብረት ኤርትራውያን ከምዘሕሰረ፡ መልሓሱ ተነጺፉ ዝነበር ኣርሓ ጭርሖ ምዃኑ ኣነን ንስኽን፡ ንሕናን ንሶምን ሚእቲ ካብ ሚእቲ እንሰማማዓሉ ሓቂ እዩ።

እዚ እዋን፡ ከምቲ ናይ ዘበን ገድሊ፡ ኢሳይያስን ዓሻኽሩን፡ ከም ድሙ ቀልቀሎም እናቐበሩ፡ ንእኩይ ተግባሮም ብምስጢራውነት ብምምኽናይ፡ ንጹህ ተጋዳላይ ነቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ራእይ-ናጽነት እንተዘይኮይኑ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ `ቲ ቅዱስ ዕላማ ዝጸፈዩዎ ርኹስ ውዲት ግበታ ስልጣንን ውልቀመላኽነትን ከየስተብሃለ መስዋእቱ ሰጋእ ከይበለ ከቐጽሉ ዝኸኣሉሉ እዋን ስለዘይኮነ፡ ኣብዚ ከም ደርሆ ነናሻዕ እናጻሕተርካ ሑጻን እኽልን ዝፍለየሉ ዘበን፡ እቲ ዓይንን እዝንን ዘለዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ እናሰምዐ ክድቅስ ሕልናኡ ዘፍቀደሉ ኤርትራዊ ከይተረፈ ዝተፈልየ መረዳእታ ክህልዎ ኣይክእልን `ዩ።

እንተዓመጽቲ እንተ ግዳያት፡ እንተ ተበለጽቲ እንተ ውጹዓት፡ ነዞም ኣብ ልዕሊ መሬት ብህይወት እንነበር ዘለና፡ ገሌና ንኽሓዶ ገሌና ንኾንኖ ብዘየገድስ፡ ነዚ ሓቂ`ዚ ብዕሽሽታ እንተርኢናዮ ዕድኡ ቀሊል ክመስል ይኽእል ይኸውን። እዚ ጥልመትን ክድዓትን ዝመልአ ክዉንነት`ዚ፡ ሓደ ቀጸላ መሬት ፍሒርና ኣብ ልዕሊ እንረኽቦ ዝተረበበ ነፍሰ-ሰማእታት ኤርትራ ተደኲኑ ከምዘሎ ምስ እነስተንትኖ ግን፡ መጻኢ ወለዶ ኤርትራ ኣብ ዘይወዓሉሉ ውግእ ኣስዒርናዮ ከምዘለና፡ ሕድሪ ስዉኣትና ብምጥላምና ጥራይ ዘይኮነ ዕድል መጻኢ ወለዶታት ብምብኻንና ይቕረ ዘይብሃሎ ድርብ ገበን ንፍጽም ከምዘለና ክንግንዘብ ይግባእ። በዚ ኸኣ `ዩ፡ እቲ ናይ ህሉዋን-ሞት ዋናታቱ ኳ እንተለዉዎ፡ ንዓና `ውን ሓጥያት ዘይምሕረና።

መን ይፈልጥ፡ ምናልባት፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ እቲ ብውሑዱ፡ ክንውለድ ንጥምቀት ክንመወት ንፍትሓት ግድን እንኸዶ ኣብያተ እምነትና `ኳ ስኢናዮ ምጽናሕና ንገዛእ ርእሱ መግናሕቲ ልዑል ፈጣሪ ንወለዶና ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ መግናሕቲ ናብ መቕጻዕቲ ከይሰግር ግዜ ምሂሩና እንተኾይኑ ግዳ፡ ምስናይ ጽንኩርነቱ ከም ኣውንታዊ ፈተነ ምተቐበልናዮ።

ናይቶም መሳርሕን ተለኣኣኽትን ምልኪ ንጎኒ ገዲፍና፡ ሕድገትን ስቕታን `ውን ከቢድ ዕዳ ዘኽፍል በደል ምዃኑ ክርድኣና ኣለዎ። ቃጸሎ ምውላዕ ጥራይ ዘይኮነ ቃጸሎ ዘይምጥፋእ `ውን ኣብ ብርሰትን ዕንወትን ተሓታትነት ከምዘስዕብ መጠን፡ ጥልመት ሕድሪ ሰማእታትና ኮነ ብኽነት መጻኢ ዕድል ወለዶና፡ ብናይ ሓባር ወፍሪ ዝፍጸም ዘሎ ሃገር-ለኸ ኣልማማ ጥፍኣት እዩ።

እምብኣር ሃገረይ፡ እዚ ሓባራዊ ወፍሪ ጥፍኣት ናብ ሓባራዊ ወፍሪ ልምዓት ዝቕየር፡ ጥልመት ሰማእታትና ተቐልቢሱ ህዝብና ዝከሓስ፡ ብጭርሖ ዘይኮነስ፡ ሕድሪ ብግብሪ ምስ ዝፍጸም እዩ። ብርግጽ፡ እዘን ብጓንጓ ጭርሖታት ጸሚመን ዝሓለፋ 29 ዓመታት ባኺነን እየን። ኣብዘን ዝሓለፋ 29 ዓመታት ካብዚ ዘሎ መንግስቲ መንግስቲ እንተዘይህልወኪ ካብዚ ዘለኽዮ ድምሱስ ሃለዋት ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ምሃለኺ። ብርግስ፡ ውድቀት ናይዚ ስርዓት፡ መሬት ሰርሲሩ ውሽጢ ዝኣተወ ብምዃኑ፡ ካብ ዜሮ ንታሕቲ ብኣሉታ ጥራይ እዩ ክዕቀን ዝከኣል።

ሃገረይ፡ እቲ ውልቀመላኺ፡ ገባቲ፡ ብሓቲ፡ መጽነቲ፡ በላዕተኛ ስርዓት ትሕቲ መሬት ወሪዱ ቁሊሕሊሕ እናበለ፡ ህሉው-ምዉት ኮይኑ ስለዝተቐብረ ግን ህዝብና መልሕቕ ምልኪ ፈንጢሱ ጸምበለል ክብል ኣይክእልን`ዩ፡ ሕድሪ ሰማእታትና ንሓዋሩ ባኺኑ ክነበር `ዩ ማለት ኣይኮነን። በቲ ናይ ስዉኣት መንፈስ ደጊምና እንተደኣ ኣስተንፊስና፡ ማዕሪኦም እንተደኣ ተወፊና፡ ትንሳኤኺ ዳግማይ ዘይነበስረሉ ምኽንያት ከቶ የልቦን።

ሓድነትና ዓቂብና ብናይ ሓባር ናዕታ ምልካዊ ስርዓት ብምዕናው፡ ኣብ ክንድኡ ሰላምን ፍትሕን ራህዋን ዘለዎ፡ መሰል ዜጋታት ዝሕሉ፡ ተሳታፍነቶም ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ዘውሕስ፡ ብድሌት ህዝቢ ዝግዛእ፡ ልዕልና ሕጊ ዘኽብር ስርዓተ-ምሕደራ እንተኣጣይስና፡ ትንሳኤን ሕውየትን ሃገርና ግድን ክረጋገጽ እዩ።

እቶም ኣብ መስዋእቲ ብጾት፡ ኣብ ውልቀመላኽነት ጸላእቲ ዝተቐየርና ኣሕዋት፡ ብዳንነት ሕድሪ ተዓሪቕና እንደገና ብጾት ልምዓትን ህንጸትን ክንከውን ኢና፡ እቶም ብነፋሳት ጀላቡ ዝተሰዱ መንእሰያት ብጥጡሓት መራኽብ ተመሊሶም ሞተር ምዕባለን ስልጣኔን ሃገር ክኾኑ እዮም። ሃብቲ ሃገር ናይ ህዝቢ፡ ህዝቢ ድማ ናይ ሃገር ክኸውን እዩ።

ሰማእታትና፡ ነቲ ዝኸበረ ዋጋ ዝኸፈሉ፡ መጻኢት ኤርትራ ካብ ውልቀ-ህይወቶም ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ እኩብ-ህይወቶም `ውን ክትዓቢ መብጽዓን እምነትን ስለዝነበሮም እዩ። ንሕና ከም ኤርትራውያን ድማ፡ ነቲ ምልኪ ዝደምሰሶ ምስሊ ኤርትራ ክንቅበል ዘይኮነ፡ ነቲ ስዉኣትና ዝሃቡና ሕድሪ ብምፍጻም፡ መብጽዓኦም ህያው ናይ ምግባር ግዴታን ሓላፍነትን ኣለና።

እወ፡ ንሰማእታትና ክንሰርሓሎም እንኽእል ነባሪ ሓወልቲ ፡ ልዕልና ሕጊ ዝሰፈና ቅዋማዊት ኤርትራ ምትካል እዩ! ቅዋማዊት ኤርትራ ድማ፡ ውቅያኖስ ዘይዓምቋ፡ ጠፈር ዘይርሕቃ ሃገር ክትከውን እያ!

ምልኪ ይፍረስ፡ ሕጊ ይንገስ!

ሰማእታትና ወትሩ ብግብሪ ይዘከሩ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

07 ሰነ 2020

yakobe@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • ወዲ ሃገር June 8, 2020

    “ሓድነትና ዓቂብና ብናይ ሓባር ናዕታ ምልካዊ ስርዓት ብምዕናው፡ ኣብ ክንድኡ ሰላምን ፍትሕን ራህዋን ዘለዎ፡ መሰል ዜጋታት ዝሕሉ፡ ተሳታፍነቶም ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ዘውሕስ፡ ብድሌት ህዝቢ ዝግዛእ፡ ልዕልና ሕጊ ዘኽብር ስርዓተ-ምሕደራ እንተኣጣይስና፡ ትንሳኤን ሕውየትን ሃገርና ግድን ክረጋገጽ እዩ።”

    ኣማኑኤል ኢያሱ

    07 ሰነ 2020

    ————–

    ኩቡር ኣማኑኤል፡

    እዚ ኣብ ላዕሊ ዝበልካዩ ፥ ሕልሚ ኩሉ ሃገሩን ህዝቡን ዝፈቱ ኤሪትራዊ እዩ ።
    ስርዓት ህግደፍ ዝመርሑ ሰባት ፥ ደም ኑጹሃት እንዳ ኣፍሰሱ ክነብሩ ዝወሰኑ ፥ ሕልኖኦም ቀደም ዞሞተ ጉጂለ-ገበን እዮም።
    ሕድሪ ሱዉኣት ረሲዖም ዶ በልካ ? ፥ ፈጺሞም ሓሲቦምዎ ኣይፈልጡን ባሃላይ እየ። ንዑኡ ዝኾውን ሕልና የብሎምን። ብሱዉኣት ዝግደስ ፥ ንሱንኩላን ብጂምላ ፥ ብተመልከተለይ ኣይቀትልን።
    ሃገረይ ዝብል ኤሪትራዊ ፥ ህዝብና ተጠርኒፉ ነብሱ ዘድሕነሉ ስራሕ ንኽጻፍፍ ፥ ሓለፍነት ክስከም ኣሎዎ።

  • k.tewolde June 9, 2020

    ((እወ፡ ንሰማእታትና ክንሰርሓሎም እንኽእል ነባሪ ሓወልቲ ፡ ልዕልና ሕጊ ዝሰፈና ቅዋማዊት ኤርትራ ምትካል እዩ! ቅዋማዊት ኤርትራ ድማ፡ ውቅያኖስ ዘይዓምቋ፡ ጠፈር ዘይርሕቃ ሃገር ክትከውን እያ!))>>> Hizbey are you listening,you are being offered the cure time and time again,is there anybody out there? 29 years have swept by,3 leaders have changed hands south of the border,a baby born almost the same day as our nation is the CEO of the most powerful fortune 500 company today, we went through 6 presidents here,more of our people have been murdered,disappeared and displaced during the the tenure of this brutal regime than the whole liberation war era combined, what is behind this total complicity? is there an audience left?————-is anybody out there?!!!!.

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply