Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕዱር ሕማም ፍሽኵልና – ብ ኣማኑኤል ሳህለ

ኣብ ከባቢ 1910 ኤርትራውያን ብገዛእቲ ጣልያን ተዓስኪሮም ናብ ሊብያ ምስ ከዱ፡ ወትሃደራዊ ግቡኦም  ፈጺሞምን፡ ባጤራ (ማርያ ተረዛ) ሒዞምን፡ ናብ ዓዳቶም ይምለሱ ነይሮም። ግንከ ጌና እግሮም ከይኣተወ ነቶም ደቂዓዶም ብንዕቀት የባጭውሎምን የሽካዕልሉሎምን ነይሮም። በዚ እተላዕለ፡ ኣብ

ኣብ ከባቢ 1910 ኤርትራውያን ብገዛእቲ ጣልያን ተዓስኪሮም ናብ ሊብያ ምስ ከዱ፡ ወትሃደራዊ ግቡኦም  ፈጺሞምን፡ ባጤራ (ማርያ ተረዛ) ሒዞምን፡ ናብ ዓዳቶም ይምለሱ ነይሮም። ግንከ ጌና እግሮም ከይኣተወ ነቶም ደቂዓዶም ብንዕቀት የባጭውሎምን የሽካዕልሉሎምን ነይሮም። በዚ እተላዕለ፡ ኣብ ሃገርና ነቲ ናይ ሓውኻ ምንዓቕን፡ ነቲ ምስ ጣልያን ፈሽኰልኰል ምባልን ባህርያት ዓገብ ዚብሉ ገለ ደርፍታትን ኣውሎታትን ይቃልሑ ነይሮም።

ጣልያን እቶም ጸኒሖም ተራኦም ሓሊዎም ዝመጹ ወረርቲ እዮም፡ ቅድሚኦም ግን ቱርክን ግብጽን ከም ዝነበሩ፡ ብድሕሪ ጣልያን ድማ እንግሊዝ ከም ዝነበሩ ክንርስዕ ኣይግባእን። እሞኸ፡ ኣብ ነፍስወከፍ ዘመነ ወረርቲ፡ ኣብ ኤርትራውያን ከምዚ ዝበለ ባህርያት ከይተራእየ ሓሊፉ ኪብሃል ይከኣልዶ?

ብዛዕባ ፍሽኩልና ክጽሕፍ ከለኹ፡ ነቲ ኣንባቢ ክልተ ነገራት ኪግንዘብ እደልዮ። ቀዳማይ፡ እዚ ሕማምዚ ንኹሉ ኤርትራዊ ዚምልከት ኣይኮነን። ኣብ ኩሉ ህዝቢ ዓለም ጀጋኑን ፈሽኳላትን በብዘመኑ ተራእዮምን ኪረኣዩን እዮም። ፍልልዩ ግን፡ ኣብ ገሊኡ ዘመናት እቶም ፈሽኳላት ዝያዳ ዚሰፍኑሉ፡ እቶም ጀጋኑ ድማ ተዋሪዶም ዚነብሩሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ። ኣብ ካልእ ዘመን ድማ እቲ ስእሊ ተገልቢጡ ይረአ። ነዚ ሚዛንዚ ዚውስኖ፡ እቲ ናይቲ ህዝቢ ሕሉፍ ታሪኽን ኣቃውማን ባህሉን ዘቕርቦ ግብረመልስን ኪኸውን ይኽእል። ይኹንምበር፡ ፍሽኩልና ብሓድሓደ ፍጻመ እንተ ዘይተዓጊቱ ወይ ድማ ተማሕዩ እንተ ዘይተደርብዩ፡ ኣብ ገሊኡ ህዝቢ ከም ሕዱር ሕማም ኮይኑ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ይተሓላለፍ እዩ።

ካልኣይ፡ ዝኾነ ጸሓፊ ከም ተዓዛቢ ኾይኑ ኪጽሕፍ ከሎ፡ ፈትዩ ጸሊኡ ካብቲ ህዝብን ባህርያቱን ንነብሱ ኪንጽላ ኣይክእልን። ስለዚ ኣነ፡ ነዚ ጽሑፍዚ ከም ጻድቕ ኮይነ አቕርቦ ከም ዘየለኹ ኣቐዲመ ከገንዝብ እደሊ። ጌጋታት ህዝብኻን ከባቢኻን ምእማት ወይ ዓገብ ምባል ግን፡ በቲ ሓጥያተኛ ይኹን በቲ ጻድቕ፡ ግቡእ ስለ ዝኾነ፡ ትዕዝብተይን ርእይቶይን ከቕርብ እዋኑ ኾይኑ ይስመዓኒ።

ጀርመን፡ ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ምስ ተሳዕሩ፡ እቶም ንሃገር ጣልያን ብኸፊል ሒዞምዋ ዝነበሩ ናዚስታውያን፡ ብምምጻእ ኣመሪካውያን፡ ኣቕሑቶም ጠራኒፎም ኪወጹ ግዜ ኣይረኸቡን። ነዚ እተመልከቱ ኣገልገልቲ ጀርመን ዝነበሩ መኳንንቲ ጣልያን፡ ወትሃደራት ኣመሪካውያን ብታንኪታት ተዓጂቦም ይመጹ ከም ዘለዉ ምስ ፈለጡ፡ ነቲ ክሳዕ መወዳእታ ዘዘውትሩዎ ዝነበሩ ሃይ ሂትለር ዚብል ናዚስታዊ ጭርሖ ገዲፎም፡ ብ የስ ሰር  ዚብል ናይ ግዙእነት መልስታት ኪትክኡዎ ግዜ ኣይወሰደሎምን። ጣልያን ብፍሽኵልና ፍሉጣት እዮም። ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራ ከይተረፈ ነቶም ብጥንቲ ኣብ ግዜ ጸገሞም ዘገልግሉዎም ዝነበሩ ኤርትራውያን ራሕሪሖም፡ ነቶም ኣብ ዓድዋ ዘዋረዱዎም ኢትዮጵያውያን ሎኽሎኽ ይብሉሎም ከም ዝነበሩ ኣጸቢቐ ዝዝክሮ ትዝታ እዩ።

ኣብታ ዘላታ ተወሰኸታ ከም ዚብሃል፡ እቲ ኤርትራውያን ብምኽንያት ወረርቲ ዘጥረናዮ መግዛእታዊ ናይ ተምበርካኽነት ባህርያት (colonial mentality)፡ ብምምጻእ ጣልያን ኣዚዩ ኪድልድልን ኣብ ኣእምሮና ኪሰርጽን ክኢሉ እዩ። ካብዚ ሕማምዚ ከውጽኣና ዝኸኣለ ግን እቲ ብ 1961 ዝጀመረ ብረታዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ጥራይ እዩ።

ምንቅስቓስ ሓርነታት ኤርትራ፡ ነዚ ሕዱር ባህርያትዚ ብሱሩ ቦንቝሩ ከም ዘልገሶ፡ ንኹሉ ሰብ ብሩህ እዩ። ጅግንነት ኤርትራውያን፡ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ እዩ ብኹሉ ሸነኻቱ እተራእየ። ካብዚ ዚዓቢ ጅግንነት ድማ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ተራእዩ ኣይፈልጥን። ንሰላሳ ዓመታት፡ ሽሾ ጸላእን ታንክታትን ነፈርትን ናፓልምን፡ ሓያል ናይ ጸላኢ ፕሮፓጋንዳን መኪቱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘዘለዎ ኾይኑ ተቓሊሱን ተራባሪቡን እዩ። ይኹንምበር፡ እዚ ንኹሉ ኤርትራዊ ሓበን ዘልበሰ ጅግንነትን ቆራጽነትን ዘይተምበርካኽነትን፡ ድሕሪ ናጽነት እናቐሃመ ከይዱ፡ እቲ ህዝቢ ድማ ነቲ ኣርሒቑ ዝደርበዮ ናይ መግዛእታዊ ተምበርካኽነት ባህርያት (colonial mentality) ከም ብሓድሽ ኪለብሶ ተገዲዱ።

ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ዘሕፍር ካባ ከም ብሓድሽ ኪለብሶ እገገብረ ግን ባዕሉ ዘይኮነስ፡ እቲ ሕጂ ኣብ ስርዓት ዘሎ መንግስቲ እዩ ኣገዲዱዎ። እዚ ስርዓትዚ፡ ኣብዚ እዋንዚ፡ ነቲ ናይ ወራሪ ጣልያን ገጸባህርይ እዩ ኣብ መድረኽ ደዪቡ ዚዋሰኦ ዘሎ። እቲ መራሒ ከም ዱቸ ማለት ሙሶሊኒ፡ ንሕና ህዝቢ ድማ ከም ዓስከር ጣልያን ኴንና፡ ነቲ ዝሓለፈ ፊልም ንደግሞ ኣሎና።

ዝኾነ ገዛኢ፡ ንኺገዝእ ዚጥቀመሉ፡ እቲ ዝዓበየን ምኩርን ሜላ፡ ምፍልላይ ህዝቢ እዩ። ኣብዚ ድማ እቲ ህዝቢ ነቲ ድሌት ህግደፍ ንምትግባር፡ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ፡ ኣይሓመቐን። ከም መፍቶት ህግደፍ ድማ፡ እቲ ሕዱር ሕማም ፍሽኩልና ኣብ ብዙሓት ክፋላት ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን፡ ብእተፈላለየ ገጻቱ ኪረኣይን ኪቃላሕን ግዜ ኣይወሰደሉን።

ኣብ ወጻኢ ሃገር ዘሎ ኤርትራዊ፡ ንሓደ ካልእ ከምኡ ኤርትራዊ ኪረኽቦ ኸሎ፡ ኣብ ኣእምሮኡ ዘንቅዶ ዝንቡዕን ኣፍራስን ከፋፋልን ሓሳባትን፡ ናይ ኣቐዲምካ ምፍራድ ባህርያትን ዝንባሌን፡ ዘርዚርካ ዚውዳእ እይኮነን። ከም ኣብነት፥

ኣበይ እዩ ዓዱ? ወዲ ዓደይ ድዩ? ሃገራዊ ድዩ (ህግደፍ ድዩ ከም ማለት እዩ)?  ኣብ ገለ ኣጋጣምታት ድማ፥ ክርስትያን ድዩ (ንጎይታ ተቐቢሉዎ ድዩ? በዓል ተዋህዶን ካቶሊኽን ክርስትያን ኣይኮኑን ማለት እዩ፡ ካብዚ ዚዓቢ ፍሽኵልና ድማ የልቦን)። ኣብ እስልምና ኣትዮም እውን ኪመቓቕሉ ዚፍትኑ ውሑዳት ኣይኮኑን። ኣነን ሓጺሩኒ እብል፡ ንሱ ድማ ተደቢሩ ይስዕስዕ ከም ዚብሃል፡ ገለ ክፋላት ህዝብና ኣብ ዓድን ኣውራጃን እተመስረተ ማሕበራት የቑሙ ኣለዉ። ህግደፍ ምናልባት ጸሎት ይገብሩ እንተ ኾይኖም፡ ኣምላኽ ንጸሎቶም ሚእቲ ብሚእቲ ይሰምዖ ኣሎ ማለት እዩ።

ፍሽኩልና፡ ኣብቶም ተጋደልቲ እውን ቀልጢፉ ከም ዚኣቱ ተገይሩ እዩ። ድሕሪ ናጽነት፡ መራሕቲ ተጋደልቲ ኣብ ቀበሌታት ኮይኖም ኣበይ እዩ ዓድኻ ምባል ጀሚሮም፡ ኣብ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኣብ ስድራቤቶምን ንዕቀት ኣርእዮም። ሰሚዕናዮ ዘይንፈልጥ ሕቶን ኣብ ግዜ ጣልያን ዝነበረ ንዕቀትን!! ብድሕሪኡ፡ ገባር ድዩ ወይስ ተጋዳላይ ዚብል ዘስደምም ሕቶታት ድማ ተቓሊሑ። ከምዚኦም ዝበሉ ሕቶታት፡ ምምሕዳራዊ ስራሕ ንምቅላል ተባሂሎም ይዝውተሩ እንተ ነበሩ ምንም ኣይኮነን። ግን መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣሉታዊ ውጽኢታት እዮም ዚገድፉ ነይሮም። ኣብ ምፍልላይ ህዝቢ ድማ ዓቢ ተራ ነይሩዎም እዩ።

ብድሕርዚ፥ ተጋደልቲ ባዕላቶም ኣብ ደርብታት ተመቓቒሎም። ናይ ተስዓ፡ ገዲም ተጋዳላይ፡ ወጋሕታ፡ ሳግም፡ ዋርሳይ፡ ይከኣሎ ወዘተ–። ክንዲ ምእካብስ ምዝራው።

ሓደ እዋን ምስ ሓደ ብጻየይ ኣስተምህሮ ንኽንህብ ናብ ማይ-ዓይኒ መዓስከር ኬድና። ኣብኡ ድማ ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ደቅናን ተቐቢሎምና። ኤርትራዊ፡ ዓዱ ኣመና ዚፈቱ ብምዃኑ፡ ነቲ ቦታ ንኣስመራ ከምስሉዎ ዘይፈጠሩዎ ነገር ኣይነበረን። ዝኾነኾይኑ፡ ኣብቲ መዓስከር ክንዘዋወር ከሎና፡ ኣብ ሓደ መንደቕ ዘስደምም ፖስተር ርኢና፥ “ምልክታ፡ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ቲቪ ኤረ ቀሪቡ መደረ ከስምዕ ስለ ዝኾነ፡ ኩሉ ሰብ ተዓዲሙ ኣሎ—-“። እቲ ቲቪ ዚረኣየሉ ቦታን ግዜን ተመልኪቱ ነይሩ። ብምሒር ጭቆናን ኣደራዕን ከም እራብ ንበረኻታት ሰጊርካ ዑቕባ ሓቲትካስ፡ ናይቲ ዝቐጥቐጠካን ሞራልካ ዝሰባበረን ድምጺ ንምስማዕ እንታይ እዩ ክሳዕ ክንድዚ ሃዊኹካ!! ካብ ጥርዙ ዝሓለፈ ፍሽኩልና!! ኣብዚውን ምህለላ ህግደፍ ተሰሚዑ እዩ።

ኣብዚ ዘሎናዮ ሕማቕ ኩነታት፡ ምፍልላይን ምምቕቓልን እንታይ ኣምጽኦ!

ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመት፡ እቲ ከም መስራቲ ፍልስፍና ዚፍለጥ ሶክራተስ ከምዚ ኢሉ ይብሃል፥ ኣነ ኣቴንያዊ (ወዲ ከተማ ኣቴን) ኣይኮንኩ፡ ግሪኻዊ ኣይኮንኩ፡ ኣነስ ናይዛ ዓለምና ዜጋ እየ። ሶክራተስ ከምዚ መበሊኡ፡ ኣብ መንጎ ሰባት ፍልልይ ከም ዘየልቦ ንምግላጽ እዩ። ሓደ ሰብ መጀመርታ ስድራቤቱ ይፈቱ፡ ብድሕርዚ ንዓዱ ይፈቱ፡ ቀጺሉ ንሃገሩ ይፈቱ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ንዓለም ይፈቱ። እዚ ኣብ ናይ ወድሰብ ዘሎ ዘይሕከኽ ውሽጣዊ ባህርያት እዩ። ይኹንምበር፥ ስድራቤትካ ብምፍታው፡ ናይ ካልኦት ስድራቤት ክትጸልእ ኣይግባእን። ዓድኻ ብምፍታው፡ ናይ ካልኦት ዓዲ ክትንዕቕ ኣይግባእን። ንሃገርካ ብምፍታው፡ ናይ ካልኦት ሃገር ከተናሹን ክትወርርን ኣይግባእን። ኩሉ እቲ እትገብሮን እትሓስቦን፡ ኣብ ሓድነትን ስኒትን እተመርኮሰ ይኹን።

ኣብ ክንዲ ሓጹር፡ ድልድል ወይ ቢንቶ ክትሰርሕ ፈትን። ንዝጎድጎደ ሰጥ ከም ዚብል፡ ንዝቐነነ ወይ ዝጎበጠ ትኽ ንኸተብል፡ ፋሕ ንዝበለ ክትእክብ፡ ንእተፈላለየን እተረሓሓቐን ከተሕብር ፈትን። ኣብዚ እዋንዚ ወድሰብን ዓለምን እትደልዮ ነገር እንተሎ እዚ እዩ። እዚ እዩ ናብ ሰላምን ልምዓትን ዚወስድ መገዲ።

ኣርባዕተ ኣዋርሕ ይገብር፡ ናይ ዲኤንኤ (DNA) ምርመራ ገይረ ነይረ። ከምዚ ዓይነት ምርመራ ጌጋታት ይርከቦ እዩ፡ ግን ነቲ እሙን ዝኾነ ኩባንያ እየ ተወኪሰ። መልሱ ድማ ገሪሙኒ። 65 ካብ ሚእቲ ኢትዮጵያዊ ፈላሻ ኢኻ ኢሎምኒ። ግርም። ኣብ ልዕልዚ፡ ካብቲ እተወለድኩሉ ቦታ ዝረኸብኩዎ ሓበሬታ፡ መሰረት ዓሌተይ ቢለን እዩ፡ ቢለን ድማ ካብ ኢትዮጵያ ዝፈለሱ ህዝቢ እዮም። እዚ ዝብሎ ዘለኹ ነቲ ዘስተውዕል ሰብ ኣዕሚቑ ከም ዚሓስብ ኪገብሮ ይኽእል እዩ። ናይ ዲኤንኤ (DNA) ምርመራ ንሕማም ዓሌትነትን ትምክሕትን ግሩም ዝኾነ መድሃኒት እዩ። መብዛሕትኦም ትምክሕተኛታት ኤርትራውያን ግን ኣይፈትዉዎን እዮም።

ኣነ፡ ንዓሌትን ሃይማኖትን ዓድን ንሃገርን ከም መራኸቢን ከም ድልድልን ደኣምበር ከም መፈላለዪን ከም ሓጹርን ገይረ ክወስዶ ኣይደልን። እዛ ዓለምና ኣብ ተነቃፊ ኩነታት እያ እትርከብ ዘላ። ብጎሎባል ዎርሚንግን ብግብረሽበራን ብኑክለስያዊ መሳርያታትን ብፖለቲካውን ሃይማኖታውን ጥሩፍነት፡ ብስስዐን ህርፋንን ክትዓኑ ዘሎዋ ተኽእሎ ዓቢ እዩ። ስለዚ ንሕና ኤርትራውያን ብዓቕምና ነታ እንኮ ሃገርና ድሕነት ከነውርደላ ንደሊ እንተ ዄንና ኣብ ኩሉ ስራሕና ሓድነትና ኣደልዲልናን፡ ነቲ ንፍሽኩልነት ዘተባብዕ ናይ መግዛእታዊ ተምበርካኽነት ባህርያት (colonial mentality) ራሕሪሕናን ክንጎዓዝ ይግበኣና። ነዚ ምስ ገበርና ድማ ብኣህጉራዊ መገዲ ኣብ ምድሓን ዓለም ክንሳተፍ ንኽእል።

ከምኡውን ነቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረ፡ ብተዛማዲ መገዲ ተግባራዊ ዝነበረ፡ ናይ ቆራጽነትን ሓድነትን ዘይፈሽኳልነትን ባህርያት ኣደልዲልና ክንሕዞ እንተ ደኣ ዘይክኢልና፡ ተፈላሊና ተቓሓሒርናን ኢና ክንነብር። ሰንኮፍን መርገጽ ዘይብሉን ሕልማውን ፈላላይን ባህርያት ሒዝና ድማ ሃገር ክንሃንጽ ከም ዘይንኽእል ኩሉ መስተውዓሊ ሰብ ኪፈልጦ ይግባእ።

ናይ ፍሽኩልናን ተምበርካኽነትን ባህርያት ሒዝካ ሃገር ንኽትምስርት ካብ ምፍታን፡ ህግደፋውያን ብሰላም መግዛእቶም ኪቕጽሉ መሪቕካ፡ ኣብ ዘዘለኻዮ ሃገር ኴንካ ብህድኣት ደቅኻ ምዕባይን ውልቃዊ ዋኒንካ ምክያድን ዝሓሸ ኾይኑ ይረኣየኒ።

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
65 COMMENTS
  • Luwam March 19, 2018

    It’s called Stockholm syndrome. Loving someone that abuses you.

  • Stefanos Temolso March 19, 2018

    ክቡር መምህር ኣማኑኤል ሳህለ፡ ከም ወትሩ ስለቲ መሃሪ ጽሑፍካ ልባዊ ምስጋናይ ይብጻሕካ። ዘንብብን ዝርዳእን እንተ ተረኺቡ ካብዚ ንላዕሊ ዘገድስ መልእኽቲ ክህሉ ኣይክእልን። ስለዚ፡ ኣይትጥፍኣና።

  • Daniel March 19, 2018

    ብጣኦሚ ጽቡቅ ትምህርቲ የቀኔልና መምህር ኣማኑኤል ሓደ በይንኻ ብጽሑፍ ትዋጋእ ኣሎኻ
    Pen is mighter than sword
    God bless you Sir

  • Solomon March 19, 2018

    Dear Amanuel,
    You stated 65% of being Felasha. Does it mean you are a jew? How about your 35%? East african? North African? Middle Eastern? Please share us.
    I did mine sometime ago and 72% East African, the rest North African and Middle Eastern. But I am from heart of Eritrea with 12 generation inside Hamasien.
    I encourage Eritreans to do DNA test and share it on Facebook.

  • amanuel sahle March 19, 2018

    12% Somali, 11% North African, 7% Middle East

  • Danilo March 19, 2018

    WAwoo, it is shocking. How can DNA result tell us our nationalism? I guess the DNA test is not identify giver. DNA gives only genetic rams nothing else. probably we can say homogeneous us such and such on human beings in general world wide. This is my understanding. I am really looking help.

  • Danilo March 19, 2018

    Pls read as not us.

  • Tesfai March 19, 2018

    “በዚ እተላዕለ፡ ኣብ ሃገርና ነቲ ናይ ሓውኻ ምንዓቕን፡ ነቲ ምስ ጣልያን ፈሽኰልኰል ምባልን ባህርያት ዓገብ ዚብሉ ገለ ደርፍታትን ኣውሎታትን ይቃልሑ ነይሮም።”

    ዝኸበርካ መምህር ኣማኑኤል ፣
    ነዚ ታሪኽ ተወኪስካ እናተዋዘኻ እተቕርቦ ትምህርቲ ምስጋና ይብጻሕካ። እዚ ዝበልካዮ ኣብቲ መግዛእቲ ጣልያን በቶም ኣእምሮኦም ብናይ ገዛእቲ እተሓጽበ: ብትምህርቲ ድማ ብዙሕ ዘይበሰሉ መሳኪን እዩ።
    ኣነ ዝገርመኒ ግና እቶም “ተማሂርና ኢና” … ለባማትን ውርዙያትን “መራሕቲ” ክመስሉ ዝፍትኑ ምስሉያት ሓሰውቲ እዩ።
    ኣብዚ ዘመን እዚ ቋንቋታቶም ባህልታቶም ፈንፊኖም ብሓዊ ዘንደዱ ፤ ብናይ እንዳማቶም ወደኽደኽ ዝብሉ ውን ነውራማት ኣለዉ።

  • Tesfai Yitbarek March 20, 2018

    ዝኸበርካ መምህር
    ከምቲ ዘልዓልካዮ ኣርአስቲ ንኹሉና ኣብ ርስሓት ናይ ኣተሓሓባ ከይአትወና ዘፍርሕ ኩነታት ኢዩ።ሰብ ነሰብ ከምኡ አንተዘይኽበረስ ነቲ ዘይርአዮ ፈጣሪየይ ዝብሎ ነገር አውን ከኽብር ዓቕሚ ክገብር ዝኽአል ኣይመስልን።
    ዀይኑ ናይ መግዛአቲ ጥራይ ኣይኰነን መዓዝ ከምዝተጀመረ ደኣ ስለዘይፈለጥና’ምበር ኣብ ሃገርና ወይ ኣብ ወጻኢ ንንበር ምሳና ዝጉዓዝ ዘሎ ሕማም ሕዱር አዩ ዝመስል። ነዚን ንኸምኡን ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ክንዲ ንመሃር ኩሉና ኤርትራውያን ኣብ ፖለቲካ ዓዘቕቲ ኣቲና ከም ኣብ ታኼላ ዝኣቶና ንመስል ኣሎና። ለባም ዘይብሉ ህዝቢ ኢን አንመስል ዘሎና ኣብዚ አዋን። የቕልሎ ኢልካ ዘይሕለፍ ጸገም ናይ ሕብረተሰብና ኰይኑ ክንሓስበሉ ዝግባአ ህጹጽ መፍትሒ ዘድልዮ ኢዩ ዝመስል። ጘለ ምድሪ ወላድ ኢያ’ሞ ገለ ከም ገለ ልባማት በሎኽ ኢሎም ክምህሩን ክአርሙን አንተዝፍትኑስ ክንደይ ኰን ምሓሸ። ካብዚ ጽሑፍካ ተበጊስና ናይ ኣተሓሳስባና ለውጢ ከምዘድሊ ክንግንዘብ ዘሎና ምዃኑ ግዚኡ ዝኣኸለ ይመስል ኣሎ።
    ሃዩ ደቂ ሃገር ኢደ ኢድይ ኢልና ንገዝአ ርአስናን ነወገናትናን ነድሕን። ጸድፍን ስንጭሮንሲ ኣብ ጥቓናዮም ዘለዉ። ጠመራሪሓና ከይንጸድፍ ሓደራ ትምህርታዊ መአረምታ ዘድልዮ ብዙሕ ነገራት አኳ አንተሎ፡ ናይ ኣተሓሳስባና መቐይሮ ከምዘድሊ ግን ኩሉና ኣንስሕቶን ይመስለኒ። ናይ ኤርትራውያን ኣተሓሳስባ (psych) አናተባህለ ይዝረብ ኣሎ፡ መፍትሒን መድሃኒትን(ፈውሲ) ሓደራ ኩሉና ንርከበሉ። ብኸመይ ንዝብልከ አንታይ ንግበር ዝብል ሕቶ ከምዘሎ ከኣ ኣንዘንግዕ። ሓቢርካ ምምኽኻርን ናይ ኩሉና አንሽረጠሉ ቴራፒ (Therapy) ምርካብ ንጽዓር። ፍሽኩልና ጥራይ ዘይኮነ፡ ሽግርና ካልኦት ሕማምትን ከም ዘይምትአምማንን ምክሕሓድን ወዘተ………..

  • k.tewolde March 20, 2018

    “ናይ ፍሽኩልናን ተምበርካኽነትን ባህርያት ሒዝካ ሃገር ንኽትምስርት ካብ ምፍታን፡ ህግደፋውያን ብሰላም መግዛእቶም ኪቕጽሉ መሪቕካ፡ ኣብ ዘዘለኻዮ ሃገር ኴንካ ብህድኣት ደቅኻ ምዕባይን ውልቃዊ ዋኒንካ ምክያድን ዝሓሸ ኾይኑ ይረኣየኒ።” It just takes a prudent person to put it in a clear and concise way. Forget building a nation,with the characteristics which Sahle mentioned,you can’t put together legos.

1 2 3

POST A COMMENT