ሕብረት ኣፍሪቃ = ሕብረት መራሕቲ ኣፍሪቃ
ሕብረት ኣፍሪቃ = ሕብረት መራሕቲ ኣፍሪቃ ዉድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ከም ኣህጉራዊ ዉድብ ክምስረት ከሎ፣ ብዘገምታዊ ጉዕዞ ንብምልእታ ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ ሓደ መንግስቲን ሓንቲ ባንዴራን ናይ ምጥርናፍ ዕላማ ነይርዎ። እዚ ሓሳብ’ዚ ክልሰ ሓሳባዊ ጥራይ ኮይኑ ተሪፉ እምበር
ሕብረት ኣፍሪቃ = ሕብረት መራሕቲ ኣፍሪቃ
ዉድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ከም ኣህጉራዊ ዉድብ ክምስረት ከሎ፣ ብዘገምታዊ ጉዕዞ ንብምልእታ ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ ሓደ መንግስቲን ሓንቲ ባንዴራን ናይ ምጥርናፍ ዕላማ ነይርዎ። እዚ ሓሳብ’ዚ ክልሰ ሓሳባዊ ጥራይ ኮይኑ ተሪፉ እምበር ከም ሓሳብስ ኣመና ዓቢ ሓሳብ እዩ። ይኹን እምበር እቲ ዉድብ፣ ሓሲብዎ ዝተበገሰ ዓቢ ሓሳብ ከይሰመረሉ ፍርቂ ዘመን መሊኡስ ድሮ እኳ ደኣ ነቲ ዓቢ ሓሳብ ደርብዩ ብሓገዝ ቻይና ኣኼባታቱ ዘካይደሉ ዓቢ ህንጻ ናብ ምስራሕ ኣትዩ። ኣብዚ እዋን መራሕቲ ኣህጉርና ዓመታዊ ሚልዮናት ዝዉድእ እኽለ ማይ እናኣህለኹ ኣብ ዓቢ ህንጻ ክእከቡ ጀሚሮም ኣለዉ። ክሳብ ሎሚ ግን ዓቢ ሓሳብን ዓቢ ህንጻን ንበይኑ ቁም ነገር ከም ዘይሰርሕ ክስወጦም ኣይከኣለን። ምዃን ብቐደሙስ ዕዮ ገዝኦም ባዕሎም ዘይሰርሑ፣ “እኒ ብዕራይ ሕረሰለይ” እንድዮም! ካብዚኣቶም እንታይ ክንጽበ ንኽእል!?
ከምቲ ትፈልጥዎ ሰብ ቀደም ብቋንቋ ሃብታማት እንድዮም ነይሮም! ተኣኪቦም ቁም ነገር ንዘይሰርሑ ሰባት ክገልጽዎም ከለዉ “ብዙሓትን ጥምዙሓትን” ይብሉዎም። ብዙሓት ግን ከኣ ዘይረብሑ ንምባል ዝጥቀምሉ ስነ-ቃል እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት፡ መራሕቲ ናይ ልዕሊ 50 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ መበል 50 ዓመት ምምስራት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝጸንበሉሉ ኣጋጣሚ ብሓባር ዝተሳእልዎ ስእሊ ምስ ረኣኹ ኣብ ኣእምሮይ ቅጅል ዝበለኒ ነገር እንተልዩ እዚ ኣበሃህላ’ዚ እዩ። ንካርታ ዓለም ካብ ዘቑማ ሸዉዓተ ኣህጉራት፣ ዝበዝሓ ሃገራት እትሓቁፍ ኣህጉር ኣፍሪቃ እያ። ዛጊት ብደረጃ ኣህጉር ካብ ዝተመስረቱ ዉድባት ድማ ብዕድመ ኮነ ብግዝፊ ሕብረት ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ እዩ። እንተኾነ ግን ሕብረት ኣፍሪቃ ምስቲ ናይ ሒደት ዓመታት ታሪኽ ዘለዎ ሕብረት ኤዉሮጳ ብምንጽጻር ክረአ እንከሎ ዘፈንፍን ምስሊ እዩ ዝዉንን። ስለዚ ድማ መራሕቲ ኣፍሪቃ ምስቲ ኩሉ ኣጸቢቕና እንፈልጦን ብጭብጢታት ክንዛረበሉ እንኽእልን ልምሰቶምን መጋበርያነቶምን፣ “ብዙሓትን ጥምዙሓትን እዮም” እንተተባህሉ ዝንእሶም እምበር ዝበዝሖም ኣይኮነን። እምበኣርከስ ከምዚኦም ዓይነት መራሕቲ ዝመስረትዎ ሕብረት፣ ንሕብረቶም እምበር ንሕብረት ህዝብታት ኣፍሪቃ ዝዉክል ክኸዉን ኣይክእልን።
ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ካብዚ ቀረባ ዓመታት ኣትሒዙ “I am African. I am the African Union” ዝብል፣ ግን ከኣ ንግብሪ ዘየንጸባርቕ ጭርሖ ኣተኣታትዩ ኣሎ። ዝደናገር ሰብ እንተተረኺቡስ ያኢ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ እቲ ዝለዓለ መግለጺ ኣፍሪቃዉነት ከም ዝኾነ ንምምሳል ዝተማህዘ ጭርሖ እዩ።
ታሪኻዊ ፍሽለት ሕብረት ኣፍሪቃ ካብቲ “ዉድብ ሓድነት ኣፍሪቃ” ብዝብል ስም ዝተመስረተሉ ዓመት እዩ ዝጅምር። ዉድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ብ1963 ክምስረት ከሎ ከም ሸቶ ሒዝዎም ዝተበገሰ ናይ ቀረባን ርሑቕን ዕላማታት እኳ እንተነበርዎ፣ ቀዳማይ ሸቶኡ ግን ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ መግዛእቲ ኤዉሮጳ ተገላጊለን ኣብ ጎደና ሓርነት ከም ዝምርሻ ምግባር እዩ ነይሩ። ቀዳማይ ዕላማኡ ከምዚ ካብ ነበረ እምበኣር ቤት ጽሕፈቱ ኣብታ ንኤርትራ እትገዝእ ዝነበረት ኢትዮጵያ ከም ዝድኮን ምግባሩ ፈላሚ ፍሽለት ናይቲ ዝቖመሉ ዕላማ እዩ። ንታሪኽ ካብ ኣልዓልኩስ ንእግረ መገደይ፣ ዉድብ ሓድነት ኣፍሪቃ (ናይ ሎሚ ሕብረት ኣፍሪቃ) ኣብ ሕቶ ኤርትራ ብዛዕባ ዝፈጸሞ ታሪኻዊ ጌጋ ገለ ክብል፦
እቲ ብግንቦት 1963 (ድሕሪ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዕድመ ጎበጣ ኤርትራ ብኢትዮጵያ) ማእከላይ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ገይሩ ዝተመስረተ ዉድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ታሪኹ ንሕቶ ኤርትራ ኣልዒሉ ዘትዩ ኣይፈልጥን። ዉድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ካብ ጉጅለታት ካዛብላንካን ሞንሮቭያን ክዉለድ እንከሎ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሃጸይ ሃይለስላሰ ካብቶም ኣብ ምምስራት’ዚ ዉድብ ቁልፊ ተራ ዝነበሮም ሃገራት ብምንባራ፣ ነዚ ናይ መላእ ኣፍሪቃ ዉድብ ከም መሳርሒ ረብሓታታ ተገልጊላትሉ እያ። ከም ዉጽኢቱ ድማ፣ ዉድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፣ ነቲ መግዛእታዊን ናይ መሰል ርእሰ-ዉሳነን ሕቶ ኤርትራ ከም ዉሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ክጥምቶ እዩ ወሲኑ። ብተመሳሳሊ፣ ዉድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፣ ጉዳይ ኦጋዴንን ተዛመድቲ ጉዳያትን ዝመንቀሊኡ ግጭት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልን ምስ ተወልዐ፣ ኣብ ጉዳይ እዘን ክልተ ኣባላቱ ድምጹ ካብ ምስማዕ ዝተቖጠበሉ ምኽንያት እዉን ንስርዓታት ሃጸይ ሃይለስላሴን ደርግን ንዘይምቕያም እዩ።
ብኣንጻሩ ዉድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፣ ሞሮኮ ብታሪኽን ባህላዊ ምትእስሳርን ንምዕራብ ሰሃራ “ይግብኣኒ እዩ” ኣብ ዝበለትሉ እዋን ነቲ ምእንቲ መሰል ርእሰ-ዉሳነ ህዝቢ ምዕራብ ሰሃራ ዝቃለስ ዝነበረ ግንባር ፖሊሳርዮ ኣፍልጦ ሂብዎ። ሞሮኮ ኣብ ልዕሊ ምዕራብ ሰሃራ ዘቕረበቶ ናይ “ይግብኣኒ” ሕቶ ግና ካብቲ ኢትዮጵያ “ኤርትራ ዘይትንጸል ኣካል ኢትዮጵያ እያ” እናበለት ተቕርቦ ዝነበረት ምጉት ዝፍለ ኣይነበረን። ብተወሳኺ እዚ ገና ፍጥር ክብል ኣትሒዙ ንፍትሓዊን መግዛእታዉን ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ኣፍልጦ ዝኸልአ ዉድብ፣ ሽማግለ ሓርነት ብምቛም ንኹለን ምንቅስቓሳት ናጽነት ኣፍሪቃ እንተላይ ናይ ዚምባብዌ፣ ጊኒ ቢሳዉ፣ ሞዛምቢክ፣ ኣንጎላ፣ ናሚብያን ናይ ጸረ-ኣፓርታይድ ምንቅስቓስ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ይሕግዝ ነይሩ እዩ። ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ግን ጉዳዩ ኣይነበረን። ብዛዕባ ታሪኽ ክንዲ’ዚ እንተ ደኣ ኢለ እኹል ይመስለኒ። ስለዚ ናብቲ ዝቕጽል ክሰግር።
ቅድሚ ገለ መዓልታት ኣብ ዝጸሓፍኩዎ “ፖለቲካ ኣፍሪቃን ማሕለኻታቱን” ዘርእስቱ ዓንቀጽ፣ መበል 50 ዓመት ወርቃዊ ኤዮቤልዩ ምምስራት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ሓድሽ ህንጻ ናይቲ “ሕብረት” ከም ዝተጸንበለ ገሊጸ ነይረ። እዚ ህንጻ’ዚ፣ መንግስቲ ቻይና ኣምሳያ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘካይዶ ዘሎ ናይ 150 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ፣ 200 ሚልዮን ዶላር ወጻኢ ብምግባር ከም “ህያብ” ዝሃነጾ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ ግሩም ህንጻ እዩ። እቲ ካልእ ፍሉይነቱ ድማ ኣብቲ ቀደም ብልምዲ “ኣለም በቃኝ” እናተባህለ ዝጽዋዕ ኣሰቃቒ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረሉ ቦታ ዝተደኮነ ምዃኑ እዩ። እቲ ዝገርም ግን እቶም ኣብ ዉሽጢ እዚ ህንጻ’ዚ ተኣኪቦም ኣብ ምዕራብ ተወዲኡ ዝመጸ ፖለቲካዊ ዉሳነ ዝፍጽሙ መራሕቲ ኣፍሪቃ፣ ኣብተን ዝመርሕወን ሃገራት ካብ “ኣለም በቃኝ” ዝገዳ ኣብያተ ማእሰርቲ ሃኒጾም ኣብ ስልጣኖም ንዝመጽዎም ንጹሃን ኣፍሪቃዉያን ዘሳቕዩ ምዃኖም እዩ።
ተገዳስነት ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ መዓስ ከም ዝጀመረን፣ ዝምድና ቻይናን ኣፍሪቃን ኣብ ኣካይዳ መራሕቲ ኣፍሪቃ እንታይ ዓይነት ኣሉታዊ ሳዕቤን ከም ዘኸተለን ኣብቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎ ዓንቀጽ ገሊጸዮ ነይረ። ኣብዚ እዉን ደጊመ ከነጽሮ ዝደሊ፣ ቻይና ንቦታ ምዕራባዉያን ተኪኣ ናይ ልዕሊ መሬትን ትሕቲ መሬትን ሃብቲ ኣፍሪቃ ክትጉሕጉሕ እምበር ንኣፍሪቃዉያን መስተርሆት ክትፈጥረሎም ኢላ ኣዒንታ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃ ኣየዉደቐትን። ንኣፍሪቃዉያን ናይ ምትዕሽሻዉ ጥበብ ካብ ምዕራባዉያን ተማሂራቶ እያ። ነቲ ምዕራባዉያን ጎይቶት ሃጸይነት ፈቲኖም ዝተዓወቱሉ ሜላ ምዝመዛ ተሓንጊጣ ድማ እያ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ቢልዮናት ዶላራት ወፍሪ ተካይድ ዘላ። ንታሪኽ እንተተወኪስና፡ ምዕራባዉያን ገዛእቲ፣ ሃብቲ ኣፍሪቃ ንምዝማት መሬት ኣፍሪቃ ክረግጹ ከለዉ፣ ፈለማ ወንጌል ንሰብክ ኢና ብዝብሉ ሚስዮናዉያን ገይሮም እዮም ኣትዮም። ንምሸቱ እንታይ ከም ዝገበሩና ከኣ ቃል መራሒ ኬንያ ዝነበረ ጀሞ ኬንያታ ኣጸቢቑ ይገልጾ እዩ። ጀሞ ኬንያታ ንተግባራት ሚስዮናዉያን ክገልጽ ከሎ ከምዚ ዝስዕብ እዩ ኢሉ፦
“ኤዉሮጳዉያን ኣብ ኢዶም መጽሓፍ ቅዱስ ሒዞም ቃል ኣምላኽ ክሰብኩ መጺኦምና። ንሕና ኣፍሪቃዉያን ድማ በቲ ዝመሃሩና ጸሎተ ሃይማኖት መሰረት ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪርና ጸሎት እናገበርና ከለና ንሳቶም ንመሬትና ዳህሲሶም ንመግዛእቲ ብዝጥዕም ኣገባብ ተቖጻጸርዎ። መወዳእትኡ ከኣ ንሕና መጽሓፍ ቅዱስን እምነትን ጥራይ ሒዝና ተሪፍና ንሳቶም ከኣ ንመሬትና ወኒኖሞ።”
ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ተካይዶ ዘላ ወፍሪ ዉዒሉ ሓዲሩ ዝኽሻሕ ሕቡእ ተልእኾ ኣለዎ። ቻይናዉያን ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘጣይስዎ ዘለዉ ናይ 150 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ንምዉሓስ ካብቲ ቀዳሞት ኤዉሮጳዉያን ጎይቶት መግዛእቲ ዝፈጸምዎ ዘይንእስ ተግባር ካብ ምፍጻም ከም ዘይቁጠቡ ከይተሓልመ ዝተፈትሐ እዩ።
http://demo.archive.assenna.com
* * *
ንሕብረት ኣፍሪቃ ብመንጽር ረብሓታት ህዝቢ ኤርትራ ብሓደ ወገን፣ ብመንጽር ረብሓታት ህግደፍ ድማ ብኻልእ ወገን እናኣነጻጸርካ ምርኣዩ ኣገዳሲ እዩ። ሕቶ ኤርትራ ብቐንዱ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ነይሩ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ጠቒሰዮ ዘለኹ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ንሕቶ ኤርትራ ጸማም እዝኒ ምሃቡ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ንኽዕፈን ሰሪሑ ማለት እዩ። ስለዚ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ዝቐደመ ታሪኽ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ይቕረ ዘይበሃሎ ገበን ከም ዝፈጸመ ዘይከሓድ እዩ። ይቕረ ዘይበሃሎ ገበን እዩ ፈጺሙ ዘብሎ ድማ እቲ ከም ህዝቢ ኣብ ልዕሌና ዝተፈጸመ ጥልመት በቲ ንብዓት ህዝብታት ኣፍሪቃ ክሕብስ ዝተመስረት ዉድብ ዝተፈጸመ ብምዃኑ እዩ። ዝኾነ ኾይኑ ሕብረት ኣፍሪቃ መንግስታት እምበር ህዝብታት ዝዉከሉሉ ዉድብ ስለዘይኮነ፣ ድሕሪ ናጽነት ህግደፍ ዝመስረቶ መንግስቲ ኣባል እዚ ሕብረት‘ዚ ክኸዉን ዘጸግሞ ኣይነበረን። ምኽንያቱ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ዲፕሎማስያዊ ባሪስትነት ኣጸቢቑ ንዝመልኽ ዝኾነ ኣፍሪቃዊ መንግስቲ ዝበለጸ ማሕበር እዩ። ህግደፍ እዉን ነቲ ባሪስትነት ክሳብ ዝኸኣሎ ኣባል ኮይኑ ቀጺሉ እኳ እንተነበረ ንዲፕሎማስያዊ ሕምቀቱ ብኮርነፍነፍ ክሽፍኖ ብምፍታን ኣባልነቱ ንነዊሕ ዓመታት ኣደስኪሉዎ ድሕሪ ምጽናሕ እንደገና ተመሊስዎ ኣሎ።
ነቲ ናይ ቅድሚ ናጽነት ገዲፍና ኣብ ናይ ድሕሪ ናጽነት እዋን ከነተኩር። ህዝቢ ኤርትራ በቲ ባዕሉ ናብ ስልጣን ዘምጽኦ ስርዓት ተጠሊሙ ካብ ግዜ መግዛእቲ ዝኸፍእ ሓሳረ መከራ ምስ ወረዶ ኣእዳዉ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘርጊሑ እንታይ ረኺቡ!? ምንም! ናይ ቀረባ ግዜ ኣብነት ከቕርብ። ስርሒት ፎርቶ ምስ ተኻየደ ኣብ ዓስራይ መዓልቱ (31 ጥሪ 2013) ኣብ ኣፍደገ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ (ኣዲስ ኣበባ) ክሳብ 200 ዝበጽሑ ኤርትራዉያን ስደተኛታትን ኣባላት ፖለቲካዊ ሓይልታትን ዝተሳተፍዎ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ ነይሩ። ዕላማ’ቲ ሰላማዊ ሰልፊ ስርዓት ህግደፍ ደድሕሪ ፍጻመ 21 ጥሪ ንዘካይዶ ዝነበረ ዓፈናን ኣልማማ ማእሰርቲን ደዉ ንኸብሎ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓላፍነቱ ከልዕል ንምዝኽኻር እዩ።
ኣብቲ ካብ ሰዓት 9 ቅድሚ ቀትሪ ክሳብ ሰዓት 2 ድሕሪ ቀትሪ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ኣደ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣባላታን ኣእዛኖምን ኣፍደጊኦምን ዓጽዮም ነቲ ብእንግሊዝኛ ዝተዳለወ መዘክር ንዘይምቕባል ሓንጊዶም። እቶም ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተሳተፉ ኤርትራዉያን ጎረሮኦም ጭርሖታት ብምጭራሕ እናላሕተተን መንበስብስቶም ብመራር ጸሓይ እናነደደን ከሎ ኣዉያቶም ንኽሰምዕ ኣብ ኣፍደጊኡ ተሰጢሖም ዝተማሕጸንዎ ዉድብ ኣእዛኑን መዓጹኡን ለኲቱ “ይርዳእኩም!” ዘይብሉ ብስቕታ ተዓዚብዎም። እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ እዋኑ ብማዕከናት ዜና ደንበ ተቓዉሞ ተቓሊሑ እኳ እንተነበረ ንስቕታ ዶክተር ንኮሳዛና ድላሚኒ ዙማ ዝኹንን ዝኾነ ይኹን ቃል ግን ኣይተዘርበን። እቲ መዘክር ንሕብረት ኣፍሪቃን ሕብረት ኤዉሮጳን ክወሃብ ተመዲቡ ስለዝነበረ፣ ዶክተር ንኮሳዛና ጸማም እዝኒ ምስ ሃበት፣ ሰልፈኛታት ብሕርቃን ነናብ ገዝኦም ድሕሪ ምብትታኖም ተወከልቶም ብኣካል ናብ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኤዉሮጳ ብምኻድ ነቲ መዘክር ኣረከብዎ። በቲ ኣብ ሕብረት ኤዉሮጳ ዝተገብረሎም ፍሕሽዉ ኣቀባብላ ድማ ፍናን ረኸቡ። ምኽንያቱ ዉዕሎ ሰልፈኛታት ኣይ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣይ ካብ ሕብረት ኤዉሮጳ ኮይኑ ንብላሽ ኣይተረፈን።
ስርሒት ፎርቶ ወጽዓ ህዝቢ ዘንቀሎ ፍጻመ ከም ዝነበረ ንሕብረት ኣፍሪቃ ምሕባር ንቀባሪ ምርዳእ እዩ ነይሩ። እዚ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ እገዳ ንኽግበር ቀንዲ ተዋሳኢ ኮይኑ ላዕልን ታሕትን ዝብል ዝነበረ ዉድብ፣ ኣንጻር ህግደፍ ንዝግበር ሰላማዊ ሰልፊ ጸማም እዝኒ ምሃቡ ምስ ምንታይ እዩ ዝቑጸር!? ብሕቡራት ሃገራት ዝቖመ ጉጅለ ተቖጻጸርቲ (Monitoring Group) ብሓምለ 2011 ዝዘርግሖ በዓል 417 ገጽ ጸብጻብ ትዝክርዎ ትኾኑ ኢኹም። ልዕሊ 60 ገጻት ናይዚ ጸብጻብ ንእከይ ተግባራት ህግደፍ ዘቃልዕ እዩ። ካብቲ በቲ ጉጅለ ዝቐረበ መርትዖታት እቲ ዝዓበየ ጭብጢ፣ “ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ግብረሽበራዊ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ ክፍጽም ሓሲቡ ፈሺልዎ” ዝብል እዩ። ንምዝኽኻር ንገለ ምሉእ ሓሳባት ናይቲ ጸብጻብ ከም ዘለዎ ከቐምጦ፦
“The Eritrean Government conceived, planned, organized and directed a failed plot to disrupt the African Union summit in Addis Ababa by bombing a variety of civilian and governmental targets……..If executed as planned, the operation would almost certainly have caused mass civilian casualties, damaged the Ethiopian economy and disrupted the African Union summit……….Since the Eritrean intelligence apparatus responsible for the African Union summit plot is also active in Kenya, Somalia, the Sudan and Uganda, the level of threat it poses to these other countries must be re-evaluated.”
ትርጉሙ፦
“መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ሲቪላዉን መንግስታዉን ዒላማታት መጥቃዕቲ ቦምባ ብምፍጻም ንኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምዝራግ ፍሹል ፈተነ ሓሲቡ፣ ወጢኑ፣ ወዲቡን መሪሑን እዩ።………. እቲ ስርሒት ብኸምቲ ዝተወጠኖ ተፈጺሙ እንተዝነብር ህልቂት ንጹሃን መጋጠመ፣ ቁጠባ ኢትዮጵያ ምተሃስየ፡ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ድማ ምተሰናኸለ። …….እቲ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምዝራግ ተዋፊሩ ዝነበረ ኣሃዱ ስለያ ኤርትራ ኣብ ኬንያ፣ ሶማል፣ ሱዳንን ኡጋንዳን እዉን ስለዝንቀሳቐስ፣ ኣብ ልዕሊ እዘን ሃገራት እዚኣተን ክፈጥሮ ዝኽእል ስግኣት ክሳብ ክንደይ ከም ዝኾነ ዳግም ክጽናዕ ኣለዎ።”
ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ዝተወሰኑ መራሕቲ ስርዓት ህግደፍ ቀዳማይ ዉሳነ እገዳ ከሕልፍ ከሎ እቲ ዉሳነ “ኣፍሪቃዊ ተበግሶ” ዝብል ስም ዝተዋቦ፣ እቲ ናይ እገዳ ሓሳብ ፈለማ ብኢጋድ ጸኒሑ ድማ ብሕብረት ኣፍሪቃ ስለዝተበገሰ እዩ። ስለዚ እምበኣር እቶም ሰላማዊ ሰልፊ ዘካየዱ ኤርትራዉያን ነቲ “መንግስቲ ኤርትራ ብመጥቃዕቲ ቦምባ ኣኼባይ ክዘርገለይ ሓሲቡ ነይሩ” ኢሉ ዝኸሰሰ ዉድብ እዮም ንህግደፍ ክኹንነሎም ሓቲቶሞ። እቲ ዝተዋህቦም ግብረ መልሲ ድማ ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ እዩ። እሞ’ኸ ደኣ ብዛዕባ ሓቅነት ናይዚ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዝተመስረት ክሲ እንተተጠራጠርናስ ኣየምሕረልናን’ዶ ትብሉ!?
ኣብ ቀዳማይ ገጽ ናይ 16 ግንቦት 2013 ሕታም ሓዳስ ኤርትራ እንተተመልኪትና ምስዚ ዝብሎ ዘለኩ ዝተኣሳሰር ካልእ ዘስደምም ዜና ንረክብ ኢና። እቲ ዜና ኣደ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ብምኽንያት መበል 22 ዓመት ጽንብል ናጽነት ናብ “ፕረዚደንት” ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ከም ዝሰደደት ዝገልጽ ኮይኑ ገለ ክፋል ካብ ትሕዝቶኡ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፦
“ኣደ–መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ዶክተር ንኮሳዛና ኣብ መልእኽታ፡ ዘላቒ ሰላም፡ ምርግጋእን ሓድነትን ኣህጉርና ብሓፈሻ ዞባና ድማ ብፍላይ ኣብ ምስፋንን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ምሕያልን፡ መንግስቲ ኤርትራ ደገፉ ከም ዝቕጽሎ ዘለዋ ጽኑዕ እምነት ገሊጻ። ዶክተር ንኮሳዛና ኣስዒባ፡ ራእይ ናይ’ቲ ውድብ ንምስማርን ብድሆታቱ ንምግጣምን፡ ምስ ኤርትራ ብቐረባ ክትሰርሕ ከም እትደሊ ኣስሚራትሉ።”
ወዮ’ቲ ዓንተቦ ዝበልኩዎ ነገር እንዶ ደኣ መጺኡ! ፖለቲካ ሕብረት ኣፍሪቃን ምንዝርናን – ክልተ ገጽ ናይ ሓንቲ ሳንቲም! ዶክተር ንኮሳዛና ቀዳመይቲ ኣደ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይና ዝለዓለ ሓላፍነት ናይቲ ዉድብ ድሕሪ ምርካባ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ብጥሪ 2013 ኣብ ዘቃንዖ ጉባኤ መራሕቲ፣ ብዛዕባ ኣገዳስነት ሰላምን ጸጥታን ኣብ ምዉሓስ ቀጻልነት ዘለዎ ዕብየት ትምድር እያ ነይራ። እሞ’ኸ ደኣ ነዚ ጸረ ሰላምን ጸጥታን ዞባና ዝኾነ ስርዓት ዝኹንን ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈትካ እናተኻየደ ከሎ ምጽቃጥ እንታይ እዩ ትርጉሙ!? ብርግጽ ሕብረት ኣፍሪቃ “ዉድብ ሓድነት ኣፍሪቃ” ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ኣብ ዉሽጣዊ ጉዳይ ኣባል ሃገራት ጣልቃ ንምእታዉ ዝኽልክል ሕጊ ይዝዉተር ነይሩ እዩ። እንተኾነ ግን ስም ናይቲ ዉድብ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ዝቕየር ንደሓር እዚ ሕጊ’ዚ ከም ቀይዲ ክዉሰድ ኣይጸንሐን። ብፍላይ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝምርሓሉ ቅዋማዊ ድንጋገ (Constitutive Act) ዓንቀጽ 4፣ ንኡስ ዓንቀጽ 8 ብንጹር ኣቐሚጥዎ ከም ዘሎ፣ ዕቱብ ኣቓልቦ ዘድልዮም ኩነታት ከም ገበናት ኲናት፣ ጃምላዊ ህልቂትን ገበናት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ኣባል ሃገራት ክረአ ከሎ ምትእትታዉ ንኽግበር ይፍቀድ እዩ።
በዚ መሰረት፣ ኣተሓሕዛ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ዘመነ ዉድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ፍኹስ ዝበለ ስለዝኾነ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ዕድሚኡ፣ ዋላ እኳ ዕዉታት ወፍርታት እንተዘይኮኑ “ንኣፍሪቃዊ ሽግር ኣፍሪቃዊ ፍታሕ ምንዳይ” ብዝብል ጉልባብ ብድርኺት ምዕራባዉያን ዝተፈጸሙ ዝተፈላለዩ ምትእትታዋት ኣብ ኮንጎ፤ ዳርፉር፤ ላይበርያ፤ ርዋንዳ፤ ብሩንዲ፤ ሶማል፣ ሊብያ፣ ማሊን ካልኦትን ተራእዮም እዮም። በዚ ዝገልጾ ዘለኹ ኣገባብ ዋላ ኣይኹን ንስርዓት ህግደፍ እዉን ሓደ መገዲ ክናደየሉ ኣለዎ። እንተዘየሎ፣ እዛ ካብ ምሒር ምንቁልቋል ዉድቕቲ ሃገር (Failed State) ናብ ምዃን ገጻ ትኸይድ ዘላ ሃገርና ንኣፍሪቃን ዓለምን ሰከም ክትከዉን እያ። ኣብዚ ዞባ’ዚ ካልእ ሶማልን ካልእ ማሊን ንኽትፍጠር ዕድል ክወሃብ የብሉን። እዚ ክብል ከለኹ ግን ሕብረት ኣፍሪቃ ነዚ ንብሎ ዘለና ስጉምቲ ክዉዕሎ እንተኾይኑ ካብቶም ብሪሞት ኮንትሮል ዝቆጻጸርዎ መወልቱ ቀጠልያ መብራህቲ ክረክብ ኣለዎ። ካብኡ ዝተረፈ ግን ሕብረት ኣፍሪቃ ብናቱ ተበግሶ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ኣድማዒ ስጉምቲ ክወስድ ምጽባይ ሕልሚ ደርሆ ጥራይ እዩ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ምዕራባዉያን ከም ድላዮም ኢዱ ጠዉዮም ዘመንግግዎ ዉድብ ከም ዝኾነ ንምፍላጥ ነታ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ታቦ እምቤኪ ባዕሉ ዝጸሓፋ “THE AFRICAN UNION AT 10 YEARS OLD: A Dream Deferred!” ዘርእስታ ጽሕፍቲ ምንባብ እኹል እዩ። ነታ ጽሕፍቲ ከተንብብዋ እንተ ኽኢልኩም ታቦ እምቤኪ ነዚ ብዘይግብኦ ስም ዝጽዋዕ ዘሎ ዉድብ ከመይ ገይሩ ከም ዝገለጾ ምረኣኹሞ’ሞ ምገረመኩም። ታቦ እምቤኪ ኣብዛ ጽሕፍቱ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ንዝፍጠሩ ኢ-ደሞክራስያዊ ስርዓታት ኣቐዲሙ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከም ዘየማዕበለን ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ድማ ዝበዝሕ ባጀት ባይቶ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ በቶም ኣብ ኣፍሪቃ ፍሉይ ረብሓ ዘለዎም ምዕራባዉያን ስለዝሽፈን ምዃኑን ብምግላጽ ኣስዒቡ ከምዚ ይብል፦
“Thus in many respects, the failure of the AU to achieve what we visualized when it was established had little to do with the absence of will, but more to do with who would provide the resources to express Africa’s will in practice……This was expressed in its most acute form in the 2011 conflict in Libya during which the Western powers brazenly arrogated to themselves the unilateral right to decide the future of this African country, determined to treat the decisions of the AU with undisguised contempt.”
ትርጉሙ፦
“ስለዚ ኣብ ብዙሕ መዳያት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ክምስረት ከሎ ዝቖመሎም ዕላማታት ክትግብር ዘይምኽኣሉ ድሌት ስለዘይብሉ ዘይኮነስ ነቲ ሕልሚ ንምግሃድ ዘድሊ ጸጋታት ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ስለዝርከብ እዩ። እዚ ኩነታት’ዚ ድማ ብዝኸፍአ መልክዑ ኣብ ናይ 2011 ግጭት ሊብያ ተንጸባሪቑ። ምዕራባዉያን ንዉሳነ ሕብረት ኣፍሪቃ ዕሽሽ ብምባል ብዘይ ሕንከት ኣብ መጻኢ እዛ ሃገር በይናዊ ዉሳነ ንኽወስዱ ንነብሶም ስልጣን ሂቦማ።”
* * *
ስርዓት ህግደፍ ነቲ ባዕሉ ተሓሲምዎ ዝነበረ ኣባልነት ዳግመ ግምት ብምግባር ናብ ደንበ ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ዝምለስ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ገይሩ ኣሎ። እቲ ምልሶት ዘርብሖ ክኸዉን ከም ዝኽእል ዝግምቱ ወገናት ኣለዉ። ኣብቲ ፈለማ እገዳ ምስ ተወሰነ ድማ የማነ ገብረኣብ ኣብ ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ቀሪቡ፦ “ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘይምጽናሕና ንወያነ ዕድል ሂብናዮም ኢና ጸኒሕና” ብምባል ነቲ ግምት ዘራጉድ ዘረባ ተዛሪቡ ነይሩ። ነዚ ኣበሃህላ’ዚ ብመንጽር እቲ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ጸወታ እንተርኢናዮ ናብ ሓቂ ዝቐረበ ክኸዉን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ናይ ወጻኢ ፖሊሲኡ መሰረታዊ ለዉጢ እንተዘይገይሩ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ብምምላስ ጥራይ ዝልወጥ ነገር ኣይህሉን። ብግብሪ ንዕዘቦ ዘለና እዉን ከምኡ እዩ።
ግርማ ኣስመሮም ካብ ዓመት ናብ ዓመት ብዝሒ ገጻቱ ዘይዉስኽ፣ ትሕዝቶኡ ዘይቅየር መደር ብምቕራብ ሰብ ከሰልቹ ጥራይ ኢና ንርኢ ዘለና። መደረታቱ ነቲ ልሙድ ናይ ልመና ቃላትን ሓረጋትን ዝሓዙ እዮም።
ኣብ ነፍስ ወከፍ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መኽፈቲ መደረኡ፦
“ኩሉኹም ከም ትፈልጥዎ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓደ ካብ ኣዉሓስቲ ስምምዕ ኣልጀርስ እዩ” ብዝብል ምሉእ ሓሳብ እንተጀሚሩ፣ ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፦
“ብሕጋዊ ብይን ዝተፈትሐ ‘ዶባዊ ግጭት’ ብሰንኪ ኣንፈቱ ዝሰሓተ ጂኦ-ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ምምሕዳር ኣሜሪካ ኣብ ግብሪ ንኸይዉዕል ተሰናኺሉ ኣሎ” ይብል።
ኣብ መደምደምታ ከኣ፦
“ስለዚ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓደ ካብ ኣዉሓስቲ ስምምዕ ኣልጀርስ ከም ምዃኑ መጠን ኢትዮጵያ ካብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ እንተላይ ባድመ ንኽትወጽእ ጸቕጢ ክገብረላ ንጽዉዕ!” ኢሉ ይዛዝም።
እዚ ንባድመ ከምልሰሎም ዝልምንዎ ዉድብ ግን ደድሕሪ ነፍስ ወከፍ ኣኼባኡ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም “እስራኤል ካብቲ ወሪራ ዝሓዘቶ መሬት ፍልስጤም ክትወጽእ ኣለዋ” ዝብል ዉሳነ እምበር “ኢትዮጵያ ካብቲ ጎቢጣቶ ዘላ መሬት ኤርትራ ክትወጽእ ኣለዋ” ዝብል ዉሳነ ኣሕሊፉ ኣይፈልጥን።
ኣየ እንዳ ህግደፍ! እቲ ቀደም ዓለም እናለመነቶም ከላ ብትምክሕቲ ሰኺሮም “ካብ ባድመ ወጻእና ማለት ጸሓይ ዳግም ኣይትበርቕን እያ ማለት እዩ!” እናበሉ የዐሽዉና ከም ዘይነበሩ ሎሚ ዘመን ተገልቢጥዎም ኣብቲ ዝነዓቑዎ መንግስቲ ዘመሓድራ ሃገር ኮይኖም “ንባድመ ኣዉህቡና” እናበሉ መዓጹ ሕብረት ኣፍሪቃ ክኹሕኩሑ ክንርእዮም ከለና ኣብ ክንድኦም ንሕና ንሓንኽ። እንተ ንሳቶም ሕፍረቶም ሸይጦም በሊዖማ እዮም። ይረድኣዮም ኣይረድኣዮም ንነብሶም ጥራይ ግን ኣይኮኑን ኣዋሪዶማ ዘለዉ። ንህዝብና እዉን እዮም ኣዋሪዶሞ ዘለዉ። ህዝብና ልዕሊ ነገራዊ ሃብቲ ክብረትን ሓበንን ዘቐድም ህዝቢ እዩ። ሳላ ህግደፍ ግን ዝተሳእነ እምበር ዝተረኽበ የለን። ኣይ ነገራዊ ሃብቲ! ኣይ ሓበን! ካብ ክልቲኡ ዜሮ ኣትሪፎሞ ኣለዉ። ንሳቶም ግና ክንዲ’ታ ሕልሞም ደኣ ኣይትኸዉንን እምበር፣ ኣብታ ንበይኖም ብሒቶማ ዘለዉ ኤርትራ ካብ ዜሮ ናብ ሄሮ ተሰቒሎም ኣለዉ። ነዊሕ ኣብ ዘይኮነ ግዜ ግን ካብ ሄሮ ናብ ዜሮ ክወርዱ ምዃኖም ዘጠራጥር ኣይኮነን!! እዚ ግን ናብቲ ማሕበር መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝኾነ ሕብረት ኣፍሪቃ ጥርዓን ብምቕራብ ዘይኮነ ቅልጽም ሓፋሽ ኣስሚርካ ብምቅላስ ጥራይ እዩ ዝትግበር።
ኣማኑኤል ማህደረ
(iamamanuel@yahoo.com)
Kemal Ali June 14, 2013
What an outstanding timely analysis brother Amanual, as usual I am really proud of you man. You just nailed the issue at the head, and as you finalize you well organized article the only solution to all our Eritrean misery is deep rooted on us as Eritreans. Please keep enlightening your people brother. I believe at least those of us who get a chance by default to gain a higher education from the late UoA we our people a great deal, yes our people who enlighten us to what we are today with its meager resources. But I don’t know how many of us could get and read this idea from the right perspective, and how many of us work to fulfill the burden we are dragged in with out our consent. This is something to be addressed before it is too late, cos our decent people does not deserve this unimaginable day time terror or a curse we as a nation experienced under this irresponsible self appointed totalitarian regime. Yes the answer is we need to be united unconditionally for our just cause and we need to supplement our ideas with appropriate action…cos always action matters…and those gangs know what they are doing, and the damage has been done for long time with a deliberate intentions just to ruin as a nation let alone to live in dignity and with pride. So it is time for a united action(SIMRET or BIDHO).
Ermiyas hagos June 14, 2013
Wedi Mahdere Ema !!! you hit the nail cant say more, i red your wrighting more than once as allways keep nailing, expose all who are against human sprit the West, Chainiss, African union,Arab Lige and others beside all Hgdf Mendef, we as ppl.must revolt against all odds no matter were no matter who lets organise and put all our energy, time,resourses and united to defeat the internal& external enemies and Action on the ground.
10 X Aman M. keep walking & fighting till the desired Gaul (Aim) is done !!!
yonas kidane June 14, 2013
ኤማ
ኣማኤል ማህደረ ብሐቂ (ማህደር )ኢካ ፡ነቲ ዐሚዩቅ ፍልጠትካ ዝገልጽ ዐቅሚ የብለይን ሐንቲ ዝብለካ ግና አይትጥፍአና ።ዋላካ ሽምካ ጺሕፍካ ኣብዚ ዌብ ሳይታት ተለጢፍካልና እኩልዩ(ተስፋዩ) ኣጆካ በርትዕ።
ghezai June 14, 2013
you look like school boy but you are very intelligent person keep the good job amanuel you are one in a million
sara gual eritra June 14, 2013
bhaki glutsin teba’en tshuf
emo kea ab afrika qenka
nmerahti afrika n’ekubomn (mahberom) n hgdfn
zigedefkalom yeblkan jigna ika
YEDNKEKA
senay June 14, 2013
What an outstanding article, brother Amanuel you are very skillful writer, i would like to encourage you to continue writting. Thank for all your efforts again.
Kabbire June 14, 2013
This so called Bayto Hawasa is the most worthless of all political organizations. Though more than 15 of its members are residents of north eastern Sudan, none of these so called mouth less members or their parent organization, Hagerawi Bayto, based in Addis Ababa has done anything to raise the plight of Eritrean refugees living the life of slavery under the savage Arabs in Sudan, Libya and Egypt.
This organization is the most worthless of all Eritrean diaspora political groups. These cowards cannot even equal, as a group, to the one and only, Meron Estifanos, a brave Eritrean woman, who recently stood up in a significant African forum to expose the degrading savagery taking place against Eritrean refugees in Libya, Sudan and Egypt. Not only Meron but also other very few heroic women have done the same, but these worthless able bodied Eritrean men, do not know even how to tighten up their pair of trousers let alone to stand up like men. These are full of Jelfafat and good for nothing. My advice to these worthless groupies is to learn how to stand up and tighten their belts on their trousers like Meron, Elsa and Amanuel.
Qdm: sre mE’Taq temeharu: jajewti: ቅድም: ስረ ምዕጣቕ ካብ ሜሮን ኤልሳ ኣማኑኤልን ተማሃሩ ::
Here is what is happening to Eritrean refugees. I wrote this after reading this Deutche Welle report, read and judge,
Henious crimes committed by the Sudanese police on Eritrean family who were kidnapped and sold to the Egyptian Arab Bedouins:
http://www.dw.de/anguish-for-eritrean-refugee-over-daughters-sinai-fate/a-16870454
Harrowing stories
Captives were often left lying in the dirt for days or weeks, he said. The traffickers used stones, chains, or branches from a tree to beat victims on their legs, back and even his head, Mulugeta explained. The pain was excruciating, but after a while, he admitted, he didn’t even feel it, his body was numb and it all became a blur. He often went in and out of consciousness. Then I asked him, as tenderly as possible: “Were you ever raped?” Wuldu struggled translating the question. Mulugeta stared at the city lights for what seemed to be hours, though it was only a couple of minutes. Finally Wuldu turns to me exasperated. “How can he talk about these things? What can he say? His concern is not for him. He worries for his daughters.” Mulugeta pulls out a tissue and begins to dab his eyes.
His upper body bent over, he stumbles when he tries to speak. Wuldu continued waving his hands in the air. “What could he do? He doesn’t remember much about the beatings.” Mulugeta said if wanted to see his daughters, the traffickers would bring the girls to him and rape them in front of him. There was nothing he could do. They cried for him, but he was forced to watch as they screamed and were violated, stripped and beaten.
The traffickers demanded $30,000 for each of them. The translator explained that many people in Mulugeta’s community in Eritrea raised the funds and gave them to his wife. When she sent money, the traffickers told him: “If we let one of the girls go, we don’t know if she will make it out, she might get taken by someone else, so you go – and send us the money. Your daughters will be safe here.”
Mulugeta arrived in Tel Aviv in November last year – forced to abandon his daughters. He was released after three months along with four others and brought to Israel where they were left out on the street. He says he is comfortable at the shelter. There are many men there who have gone through similar experiences. Wuldu expresses his admiration for Mulugeta. He often seeks his advice, his comfort and they pray. Mulugeta is grateful to the Israelis for giving him somewhere to say. “I want to give thanks,” he said.
MightyEmbasoyra June 14, 2013
What did Mao tell to this OAU (now AU) one time??? He might be correct on that.
hailu June 14, 2013
Hi Amanuel ,
i really appreciate analysis and i have similar view in all respect.
The main points that strike me are;
1.The snare tactics of China in African future, many people are deceived. But China is a very dangerous to the basic development in Africa for the following reasons;
a) It encourages dictatorship; Chinese business man does not care with whom they are dealing, except pumping all resources to their country. This un-accountability behaviour is a fertile ground for dictatorship and that is why most/all African leaders go after chine for business.
b) As Chinese business people originated from corrupted system of governance in their home country, most or all chine’s business people are those loyal to the revolution and the huge wealth they collected is due to corruption.
c) It paralyses the local skills and local products and farmers in all African countries will end up with no products of their own and no land too.
d) The is no human rights respect in the eyes of the chine’s business people/leaders and they will not give a single voice against human rights abuses that will happen in the countries that they deal.
2. The Weakness of the African union, almost all African leaders in the past and now come to power militarily or they were freedom fighters. An organization which is lead by people whose language is only military strength and power is very clear.
So one cannot expect to wait any fruitful result from African leaders and moreover all are corrupted due to the huge amount of money they sack from the resources.
3.The manoeuvring of the African Union by the world lead powers, this is another problem in which the leaders ar chained by, however it is not as severe as their personal wealth. If they were free of corruption they could have challenged this problem. If the leaders were to do proper accountability in their resources in their respective countries funding the African Union a tiny dot.
There will be many unexpected developments in the near future in the world and North African in particular .The rise of the Egyptian water concerns, the dominance of Islamists in the Middle East and North African countries will change the game for ever. And if the opposition and we all Eritrean people does not remove HGDEF soon, it may benefit from it and prolong its ruling.
kilite mot June 14, 2013
Ma men aman,good article good job.
amanuel June 14, 2013
ዝኸበርካ ኣማኒኤል
ጽሑፍካ ነቲ ህልዊ አብ ኤርትራዊያን ዘሎ ካብ ሓላፊነትካ ናይ ምህዳም ሕዱር ሕማም ስለ ዘርኢ ልቦና ንዘለዎ ጽቡቕ መምሃራይ እዩ ይብል::
እቲ ናይ ዚኸረመ ገዲፈ ነቲ ናይ ሕጂ አብ ባይታ ዘሎ ቁሩብ ክብል:-
አብ አዲስ አበባ ብግምት ልዕሊ 20,000 ኤርትራዊያን አለዉ አብ ኢትዮጵያ ካዓ ኣስታት 500,000 አለና ኤርትራዊያን ናይ ዓዲናን ህዝብናን ጉዳይ ዝገድሰና እንተንኸዉን 200 ኮይና ሰለፊ አይንወጸእናን ብአሸሓት እምበር::
ሕብረት አፈሪቃ አብታሪኹ ጌርዎ ብዘይፈልጥ ብሕቡረት መንግስታት ማዕቐብ አብልዕሊ መንግስቲ ህግደፈ ክግበር ወሲኑን ማዕቐብ አግቢሩን እዩ:: ንሕና ግን ክንዲ ንህግደፍ ምዉጋእ ሀሃዲምና አዉሮፓን አሜሪካን ንሕባእ, ክንዲ እንሓብር ንብተን, ካብ ኩሉ ዝኸፍእ ካዓ ንድኽመትና መሸፈኒ ዚኾነና ንምረካብ ሃሰዉ እናበልና ጊዜና ነጥፍእ::
እዛ ጽሕፍትኻ “ወደንያ ከይሓምያስ ሰበይቲ ወደን ይሓመያ” እያ እተብል