Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕልናኹም ኣበይ ኣሎ!?

ኣንታ! ለታይ ተላዓሊ ንኺድ ዓድና ኢልኩም ዶ ኣይተፋነኹማን ‘ታ ቦለኛ ‘ታይ ኣምጽኦ ሕጂ ሃንደበት ቅልውልው ድሮ ናጽነት ዶ ኣይበልኩማን ቻው ቻው? [gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2014/07/BOLOGNA-2014.pdf"]

ኣንታ! ለታይ ተላዓሊ ንኺድ ዓድና

ኢልኩም ዶ ኣይተፋነኹማን ‘ታ ቦለኛ

‘ታይ ኣምጽኦ ሕጂ ሃንደበት ቅልውልው

ድሮ ናጽነት ዶ ኣይበልኩማን ቻው ቻው?

aseye.asena@gmail.com

Review overview
28 COMMENTS
  • Sorobeti July 3, 2014

    Aman, you have a great and vivid conscience but the conscience of the people you are calling has been dissolved by DIA.

  • Selamawi' July 3, 2014

    ንዓይ ከምዝመለኒ፥ እቶም ሓንጸጽቲን ተለምትን ውሻጠ ግደፍ፥ ሕልና የብሎምን። ሕልና እንተ ዥልዎም ነዚ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ምደንገጹሉ፥ ኣይመጥፍኡዎን ኔሮም።

    እቶም ሰዓብቶም ግን፥ ገለ ብገርህነት፥ ገለ ብኽፋእ፥ ገሊኦም ክኣ ብጠቕሚ ኢዮም። ኣብ መወዳእታ ሕልና ኣሕዋትና ስለዝሞተት፥ ንሳቶም ክስዕስዑ ከለዉ ንሕና ግን ክንበኪ የድለየና።

    ምእንቲ ሕዝብና ንብከ
    ምእንቲ እዞም ዓይኖም ዘነትዔ ዜጋታትና ንብከ
    ምእንቲ እሱራት ነእዊ
    ምእንቲ እቶም ኣብ ዕርድታት ተሓዪሮም ዘለዉ እግዚኦ ንበል
    ምእንቲ ደቅንስትዮ ኡይ ንብለ
    ምእንቲ ሕጻናትን፥ ሕሙማትን፥ ሽማግለታትን፥ ድኹማትን ዓገብ ንበል
    ምእንቲ እቶም ሕልናኦም ዝሞተቶም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንብከ

    ሕግደፍ ሃገርና ናብ ገሃነም ቀዪሪማ፥ ንሞት ፈሪዶም እዮም። እንቲ ከይሰልጦም ናይ ሓይሊቦና ንስራሕ።

  • Teclay July 4, 2014

    IT WAS A MISTAKE

    ” ለታይ ተላዓሊ ንኺድ ዓድና”

    This was the slogan of blind nationalists now it is proved to be a mistake while ለታይ has been dying in diaspora her grandson Daniel has been dying somewhere in Arab deserts.Had we had intelligent ppl like Yosief Ghebrehiwet in the 70s and 80s we could have spared from this tragedy.But unfortunately in Eritrea the uneducated and the professor used to make Guayla at the same rhythm. Now that is the result humiliation in front of the world.

    • m July 4, 2014

      you are right bro

      • Selamawi July 4, 2014

        Hey Teclay,

        Dr Tesfatsion Medhanie did warn that giffa and wars would result in ‘DESRTIFICATION’ of the Eritrean society (I read his book, Dynamics in Eritrea…long ago, therefore, I do not remember the exact words – would love to read it again…)

        Unfortunately we are where we are, and some of us have not even begun to understand the consequences of our action on our children…

        May God save us from the NUMBING consequences of the dancing citizens and the long term repercussions of their shot-nearsightedness.Amen!

        • Teclay July 4, 2014

          Selam Selamawi

          Thanks for the information you shared with us.I heard about Dr.Tesfatsion and his book little ,i will try to find it in book store.What about the other Drs ,and professors like Dr. Amare and Dr Bereket etc they used to help this empty terrorist organizations.Look how can one Dr support secession understanding fully the advantage of big country and big economy even if it was peace in Eritrea.Let me tell you about one Sri Lankan answer to my Question :
          -When the Tamil tigers were defeated and destroyed once and for all,i asked one Tmili whom i know,to give me his opinion.
          -The answer from this uneducated Tamil was not emotional.It was like this”you know it is good the Tamil Tigers were defeated.Sri Lanka is already a small country,why do we need another small country in already small country ?”
          This was an answer from uneducated Tamil.What about our good professors ?

          • Genet-orginal July 6, 2014

            Ethiopia is not a small country. It is a big country with 80 million people. A small number of minority can oppress the majority, to the point of suffocation at any given time. Therefore, Sri Lanka is not equal to Ethiopia; Tamil Tigers are not the same as Eritrean.

        • Sorobeti July 4, 2014

          The good Doctor Tesfasion had even warned Eritrean people to let pass the opportunity from EPLF to control Eritrea by accepting a temporary peace accord with Derg because According to his conviction, if Eritrea was controlled (Liberated) by EPLF it will be like Iraq of Saddam and Chile of Augusto Pinochet.

          • ahmed saleh July 5, 2014

            I remember Dr. Tesfazion was one outspoken scholar against Issayas politics since GHEDLI .
            Long time ago he tried to warn our people about the danger policy of this leadership .
            Unfortunately they succeed to portray him like an enemy of Eritrean people .
            Our young justice seekers may learn more about Eritrean politics if they read his books .
            Sometimes his writings are controversial but educational on various aspect of arguments
            for open minded people .

  • ahmed saleh July 4, 2014

    HILINAKHUM ABEY ALO ?
    DOES IT MAKE SENSE TO BORROW OTHERS SINS TO TAKE PART OF IT ?
    DOES IT MAKE SENSE TO SELL OUT YOUR SOUL TO IMPRESS OTHERS ?

  • Mesinas July 4, 2014

    ሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ሓው ኣማኑኤል እያሱ ነቲ ገለ ውሑዳት ብሓንቲ ወንጭፍ ክልተ ዑፍ ከውድቑ ዘይደልዩ ሃካያት ዝኸዱሉ መገዲ ኪጓዓዝ ዚመረጸ ይመስል። ምኽንያቱ ንሳቶም ‘ሎሚ ኣብ ቃልሲ ስለ ዘለና ብዛዕባ ቋንቋናን ባህልናን ምግዳስ ኣየድልየናን’ዩ! ደሓሪ ውድቀት ህግደፍ ነርክበሉ ኢና’ በሃልቲ’ዮም። እዚ ግን ቅቡል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ብፈረስ ኪትጋልብ እናኸኣልካ ብኣድጊ ከም ምምራሽ’ዩ ዚሕሰብ! እቲ ካብ ጥፍኣት ጃንዳ ህግደፍ ክድሕን ዘለዎ ኸኣ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ጥራይ ኣይኮነን። እንኮላይ ቋንቋናን ባህልናንውን እዩ። መሲልካ እንታይ ኣምጻእካ ከም ዚብሃል ከምዚ መበልየይ ዋና ምኽንያት እዛ ርእይቶይ ዝህበላ ዘለኹ ዓቐን ኣልቦ ናዕታ ሓውና ኣማኑኤል እያሱ’ያ።

    ብርግጽ ንቃላታ ሓደ ብሓደ ብምትንታን ኣስፊሐ ክገልጻ ምኸኣልኩ ኔረ’የ ግዜየይን ግዜኹምን ንምቑጣብ ግን ኣሕጽር ኣቢለ ኣብ ቀንዲ ጉድለታታ ኣተኲረ ክሓልፍ።

    ቀዳማይ፦ ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ ዓቐና’ዩ፤ ክንድዚ ዚኣክል ስታንዛ ዝሓዘ ናዕታ ብሓደ ኣርእስቲ ክትጽሕፍ ንኹሉ ሃስያ እዩ። እቲ ምጡን ኪኸውን ዘለዎ 10 ስታንዛ እዩ። ነዊሑ እንተተባህለ ኸኣ 12 ኪበጽሕ ይኽእል፤ ካብዚ ንላዕሊ ግን ብዘይካ ናይ ግዜ ክሳራን ናይ ናዕታ ውድቀትን ካልእ ዚህቦ መንቲ (ቁውም ነገር) የለን። ነስተውዕል! ከም ነዊሕ ግጥሚ ጌሩ ንኣእዛን ሰማዒ ዚኹርክሐን የለን። ስሰዐ ኣብ ራዕታ ሃሳዪ እዩ።

    ካልኣይ፦ ኣጸሓሕፋኡ እዩ። ከም ስኒ ከልቢ ሓላፍ ዘላፍ ጌርካ ኪጸሓፍ ኣይነበሮን። ኣብ ትግርኛ ክሳዕ ሕጂ ክልተ ዓይነት ኣጸሓሕፋ ግጥሚ ጥራይ እዩ ዘሎና።
    ሳልሳይ፦ ኣጠቓቕማ ግጉይ ስርዓተ ነጥቢ’ዩ። ንኣብነት፦ ‘ታ ሽምዓ ኳ ፈሊጣቶ ይኽደና፣ ከመይ ተነቐሉ ኣእጋርኩም ይቀርሰም? ወዘተ. ጭረትን ምልክት ሕቶን ብጌጋ ተጠቒሙሉ ኣሎ።
    ራባዓይ፦ ናይ ቃላት ጸገም። ንኣብነት “ምቑሕ” ዘይኮነስ መቚሕ እዩ ዚብሃል። ከምኡውን “ቃርማታት” ግቡእ ትርጉምን እቲ ቃል ናይ መን ሙዃኑን ኪንጸር ኔሩዎ።

    ሓሙሻይ፦ ዓቀን ረምታ ካብ 7 ክሓልፍ ዘይነበሮ ኣብዛ ናዕታ’ዚኣ ግን ክሳብ 12 በጺሑ ኣሎ፣ እዚ እቲ ለላዕሉ’ዩ። ብዕምቈት እንተሃይስናያ ግን ብዙሕ ጉድለታት ከም ንረኽበላ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እዚ ዓለቕ’ዚ (ርእይቶ’ዚ) ንሓው ኣማኑኤል እያሱ ጥራይ ኣይኮነን ዚምልከት ንነፍሲ ወከፍና ጽሒፍናን ተዛሪብናን ንህዝቢ ከነረድእን ክንምህርን እንሕልን ስነ ጥበበኛታት’ዩ ዚምልከት። ስነ ጥበበኛ ከም መራሕ ማይ ቀቅድሚ ሕብረተሰቡ’ዩ ኪስጉም ዘለዎ’ምበር ህዝቢ ኣብ መዓልታዊ ናብራኡ ዝጥቀመሎም ናይ ጎደና ቃላት ኣብ ጽሑፍ እናስፈረ ተማሃራይም’በር መምህር ሕብረተሰብ ኪብሃል ኣይከኣልን’ዩ። የቐንየለይ። ብሽንሆት ንኽንነብር ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር! ሓው መሲናስ 4/7/2014

    • dagu July 4, 2014

      ክቡር ሓው መሲናስ እዚ ግዜ ግዜ ስነ መጎትን ቃልስን እምበር ስነ ጽባቐ ኣይኮነን ኣነን ሓጺሩኒ እብል እሱ ኻኣ ተደቢሩ ይስዕስዕ ጌርካዮ ብዝኾነ ይኹን ተኣምር ብፈረስ ይኹን ብኣድጊ ግዜ ተቐይሩ የርእየና እሞ እቲ ስነምግባር ኣብ ግዜ ራህዋ ነርክበሉ. ንስኻውን ካብቲ ተሸሚምካዮ ዘለኻ ግጥማዊ ዓለም ናብዚ ኩውንነታዊ ቃልሲ ምልስ ዳኣ በል. ኣማኑኤል ኣብ ጉያ ቃልሲ እምበር ኣብ ምጽብባቕ ቃላት የለን ዝጠፍኦ ድማ ኣይኮነን ተዘይሒሹ እኳ ድኣ. መልእኽትኻ ብጉቡእ እንተኣብጺሕካ እኹል እዩ. ኣብዚ ተኣፋፊ ግዜ ኣብ ድላይኪ ጠሓንዮ እቲ ሓርጭ ጥራይ ኣምጽእዮ እዩ እቲ ቑምነገር.

      • ahmed saleh July 4, 2014

        Mesinas
        You said , quote ; ” Hawna Amanuel ………………… menghedi hakayat zimerexe yimesl ” .
        At times of life and death as you see it clearly with naked eye the story behind the above
        video , brother Aman mission stands to stop the nonsense death and disappearance of his
        people than wasting time and energy on complicated topics to prolong the suffering inside
        the country . Pardon me if I misunderstood you but this comment doesn’t look the character
        of MESINAS we all know to criticize him in this manner .

        • ahmed saleh July 4, 2014

          correction : I meant the above video of Bologna activity .

    • Genet-orginal July 6, 2014

      Dear Mesinas
      You are a good poet. But why are you taking this much time to take apart Amanuele’s poetry? At this time We, Eritreans don’t care about the rule and regulation of poetry. What we care about is the timely message. I don’t think Amanuele is in poetry writhing competition with you. So, take it easy.

  • nati July 4, 2014

    do you really mean it, mesinas? just now you are being a pain in the ass. what you are saying about this poem is nonsense. agubaz kem abyet yikdedu zamamin trat terayuwa dyom zblu abotat? this is war and you have the time to talk about naata? come on man. give me a break!

  • Mesinas July 5, 2014

    ርእይቶ፥

    ክቡራትን ፍቑራትን ኣሕዋት ኤርትራውያን፡ ቅድም ቀዳድም ብልቢ ከመስግነኩም እፈቱ። ምኽንያቱ፡ ኣብቲ ብዘይካ ህግደፍን ኣኽላባቱን ኩልና ንኽንበጽሖ ንቃለሰሉ ዘለና፡ ማለት ብዘይስክፍታ ነቕፌታኻ ናይ ምግላጽ መስመር ብምህላውኩም ብርግጽ ዘሐጉስ ነገር’ዩ። ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ከም ህግደፍን ጉጅለኡን ምውዳስ ጥራይ ክንፈቱን የብለናን። እቲ መላጸ ብልሒ ኣብ ነቐፌታ’ዩ ዘሎ። ቅኑዕ ትምህርቲ ዚህብ ነቐፌታ ኸኣ ግዜን ቦታን ኣይፈልን’ዩ።

    ኣነ ብውልቂ ንነብሰይ ክመዝና እንተ ኾይነ፡ ኣብዚ ቃልሲ ንሓርነትን ፍትሕን ብኹሉምሉ ኣበርክቶይ ምስ ሓው ኣማኑኤል እያሱ ዝዳረግ ከምዘይገበርኩ ልዕሊ ማንም ሰብ ኣነ እፈልጥ። ብርግጽ ክንዲ ርብዑውን ኣይገበርኩን፤ ንኽገብርውን ከምቲ ናቱ ዓቕምን ክእለትን የብለይን። ከም ናቱ ክገብር ስለ ዘይከኣልኩ ግን ኣብቲ ኣነ ዝመልኮ ዓውዲ፡ ጉድለታት ክርኢ ከለኹ ኣእዳወይ ክኣስር ሞያይን ሕልናይን ስለ ዘየፍቅደለይ ትም ኣይክብልን’የ። ብኣንጻአሩ ‘መሲናስ ንስኻ ኣብዚ ትጋገ ኣለኻ፡ እቲ ቅኑዕ እዚ’ዩ’ ተባሂለ ክእረምን ክምከርን ዳእየ ዝጽበ’ምበር ‘እዋኑ ኣይኮነን ኣይትንቀፍ’ ክብሃል ኣይጽበን። ንዝብለኒ ሰብውን ምቕባል ከጸግመኒ’ዩ።

    ብዛዕባ’ዚ ሕጂ ኣርእስትና ኮይኑ ዘሎ መኸተ ፈስቲቫል ህግደፍ ኣብ ቦሎኛ ድማ ንትምክሕቲ ዘይኮነስ ቅድሚ ውልቐ ሰባትን ማዕከናት ዜና ኤርትራውያንን ተቓውሞይ ዘስማዕኩን ኩለን ማዕከናት ዜና ፍትሒ ኤርትራውያንውን ነዚ ደበራ (ጽዩፍ ስራሕ) እዚ ንክኹንንኦን ዝተላበኹ ዜጋ ኣነ’የ። ንምስክርነቱ ቅድሚ ወርሒ ዝጸሓፍኩዎ ቀዳማይ መኸተይ ኣብ መርበብ ሓበሬታታት ኣሰናን ሳሊናን ስለ ዘሎ ህያው ምስክር’ዩ። ብድሕሪኡውን ሓደን ክልተን እናበልኩ ኣርባዕተ ተኸታተልቲ ናይ መኸተ ጽሑፋት ናብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰናን ሳሊናን ልኢኸ’የ። ስለዚ፡ ቃንዛን ሞትን ናይ ኣሓዋተይ ኣይረኣየንን ወይ ድማ ኣይስማዓንን ማለት ኣይኮነን። ስለ ዝተሰማዓኒ’የ ቅድሚ ሰበይ ንዳንኬራ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ሓመድ ኣዳም ዘይለበሰ ሬሳ ዜጋታትና ዝኾነንኩዎ!

    ካልእ ኣገዳስን ኩልና ክንግዘቦን ዘለና ነገር እንተሎ እዚ ዚስዕብ’ዩ፥ ነዞም ኣብ ላዕሊ ኣኽላባት ህግደፍ ኢለ ገሊጸዮም ዘለኹ መናዋሕቲ ስቓይና ዝኾኑ ሰባት ንኽትብሎም ዝቐፈካ ተኸተልቲ ምልኪ ንምምካት ጠበንጃን ዓረርን ምስካም ከምዘየድልየና’ዩ። ዋላ ደኣ ብሕርያኦም ናብቶም ምስትውዓል ዘይብሎም እንስሳታት ይቀየሩ’ምበር ኣሕዋትና’ዮም። መላኺ፡ ሳዕስዑ እንተበሎም ከብሮ ንምልዓል ዝቀዳደሙ፡ ማይ፣ መግቢ፣ መብራህትን መጓዓይዝያን የለን እንተበሎም ንምንታይ? ዘይብሉ፣ ብዘይሕግን ፍርድን ኣብ ትሕቲ መሬትን ኣብ ኮንተይነራትን ክዳጉኖም ከሎ ኣቤት! ዘይብሉ፣ ንሱ ናብ ዝደለዮ ፈታዊ ይኹን ጸላኢ ሓዞ እንተበሎም ዝነብሑ፣ ኣሓዋቶም ደቆምን ኣብ ምድረበዳን ባሕርን እናሃለቑ ከለዉ ዘይሓዝኑን ዘይጉህዩን ኣብ ክንዳኡ ዝስዕስዑን ዝዕልሉን፣ ብዘይጓስነት ምልኪ ንኣራዊት ዝቃልዑ ዝመስሎም፣ ወዘተ. ዝኾኑ ዝሩዓት ንምምካት፡ ብምኽርን መግናሕትን ከም ሰብ ከም ዝሓስቡ ብምግባር፡ ንመላኺ ፍጹም ብምንጻል ብዘይደም ምፍሳስ ሓርነት ምጉንጻፍ እቲ ቀዳማይ ሽቶና’ዩ። እቶም ሓይልን ጎነጽን ዘድልዮም ኣዝዮም ውሑዳት’ዮም። ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ ነገር እንተሎ፡ ነቐፌታን ርእሰ ነቐፌታን ከነማዕብልን ክንሰርሓሉን ደጊመ ምልባውን ንኣኻትኩም ወሃብቲ ዓለቕ (ርእይቶ) ምምስጋንን’ዩ። የቐንየለይ።

    ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!

    እቲ ንጸሊም፡ ጸሊም፣ ንጻዕዳ፡ ጻዕዳ ናይ ምባል ባህልን ልምድን ዘሎኒ ሓውኹም መሲናስ’የ። 05/07/2014

  • ahmed saleh July 5, 2014

    Brother Mesinas
    Myself I understand you might not mean no harm . But if you read your criticism with some unnecessary
    personal remarks to Amanuel sounds offensive and frustrating when it comes from your kind .
    Sometimes I think we should exercise civil languages to keep healthy environment among every justice
    seekers . We have a right to criticize ideas , deeds in respectful way especially for those Eritrean
    courageous activists in front line who need popular support at this critical era .
    Anyway like we say ;” KAB IGRI NI LAELI MELHAS TI INKEF ” I rather take is that way to avoid hard feelings
    because it is a minor misunderstanding and by the way nobody is perfect also.

  • Fikre July 5, 2014

    ክቡር መሲናስ
    “ሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ሓው ኣማኑኤል እያሱ ነቲ ገለ ውሑዳት ብሓንቲ ወንጭፍ ክልተ ዑፍ ከውድቑ ዘይደልዩ ሃካያት ዝኸዱሉ መገዲ ኪጓዓዝ ዚመረጸ ይመስል። ምኽንያቱ ንሳቶም ‘ሎሚ ኣብ ቃልሲ ስለ ዘለና ብዛዕባ ቋንቋናን ባህልናን ምግዳስ ኣየድልየናን’ዩ! ደሓሪ ውድቀት ህግደፍ ነርክበሉ ኢና’ በሃልቲ’ዮም። እዚ ግን ቅቡል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ብፈረስ ኪትጋልብ እናኸኣልካ ብኣድጊ ከም ምምራሽ’ዩ ዚሕሰብ! እቲ ካብ ጥፍኣት ጃንዳ ህግደፍ ክድሕን ዘለዎ ኸኣ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ጥራይ ኣይኮነን። እንኮላይ ቋንቋናን ባህልናንውን እዩ። መሲልካ እንታይ ኣምጻእካ ከም ዚብሃል ከምዚ መበልየይ ዋና ምኽንያት እዛ ርእይቶይ ዝህበላ ዘለኹ ዓቐን ኣልቦ ናዕታ ሓውና ኣማኑኤል እያሱ’ያ።
    ብርግጽ ንቃላታ ሓደ ብሓደ ብምትንታን ኣስፊሐ ክገልጻ ምኸኣልኩ ኔረ’የ ግዜየይን ግዜኹምን ንምቑጣብ ግን ኣሕጽር ኣቢለ ኣብ ቀንዲ ጉድለታታ ኣተኲረ ክሓልፍ።
    ቀዳማይ፦ ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ ዓቐና’ዩ፤ ክንድዚ ዚኣክል ስታንዛ ዝሓዘ ናዕታ ብሓደ ኣርእስቲ ክትጽሕፍ ንኹሉ ሃስያ እዩ። እቲ ምጡን ኪኸውን ዘለዎ 10 ስታንዛ እዩ። ነዊሑ እንተተባህለ ኸኣ 12 ኪበጽሕ ይኽእል፤ ካብዚ ንላዕሊ ግን ብዘይካ ናይ ግዜ ክሳራን ናይ ናዕታ ውድቀትን ካልእ ዚህቦ መንቲ (ቁውም ነገር) የለን። ነስተውዕል! ከም ነዊሕ ግጥሚ ጌሩ ንኣእዛን ሰማዒ ዚኹርክሐን የለን። ስሰዐ ኣብ ራዕታ ሃሳዪ እዩ።
    ካልኣይ፦ ኣጸሓሕፋኡ እዩ። ከም ስኒ ከልቢ ሓላፍ ዘላፍ ጌርካ ኪጸሓፍ ኣይነበሮን። ኣብ ትግርኛ ክሳዕ ሕጂ ክልተ ዓይነት ኣጸሓሕፋ ግጥሚ ጥራይ እዩ ዘሎና።
    ሳልሳይ፦ ኣጠቓቕማ ግጉይ ስርዓተ ነጥቢ’ዩ። ንኣብነት፦ ‘ታ ሽምዓ ኳ ፈሊጣቶ ይኽደና፣ ከመይ ተነቐሉ ኣእጋርኩም ይቀርሰም? ወዘተ. ጭረትን ምልክት ሕቶን ብጌጋ ተጠቒሙሉ ኣሎ።
    ራባዓይ፦ ናይ ቃላት ጸገም። ንኣብነት “ምቑሕ” ዘይኮነስ መቚሕ እዩ ዚብሃል። ከምኡውን “ቃርማታት” ግቡእ ትርጉምን እቲ ቃል ናይ መን ሙዃኑን ኪንጸር ኔሩዎ።
    ሓሙሻይ፦ ዓቀን ረምታ ካብ 7 ክሓልፍ ዘይነበሮ ኣብዛ ናዕታ’ዚኣ ግን ክሳብ 12 በጺሑ ኣሎ፣ እዚ እቲ ለላዕሉ’ዩ። ብዕምቈት እንተሃይስናያ ግን ብዙሕ ጉድለታት ከም ንረኽበላ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እዚ ዓለቕ’ዚ (ርእይቶ’ዚ) ንሓው ኣማኑኤል እያሱ ጥራይ ኣይኮነን ዚምልከት ንነፍሲ ወከፍና ጽሒፍናን ተዛሪብናን ንህዝቢ ከነረድእን ክንምህርን እንሕልን ስነ ጥበበኛታት’ዩ ዚምልከት። ስነ ጥበበኛ ከም መራሕ ማይ ቀቅድሚ ሕብረተሰቡ’ዩ ኪስጉም ዘለዎ’ምበር ህዝቢ ኣብ መዓልታዊ ናብራኡ ዝጥቀመሎም ናይ ጎደና ቃላት ኣብ ጽሑፍ እናስፈረ ተማሃራይም’በር መምህር ሕብረተሰብ ኪብሃል ኣይከኣልን’ዩ። የቐንየለይ። ብሽንሆት ንኽንነብር ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!”
    ክትብል ዝጽሓፍካዮ ብተገዳስነት ኣንቢበዮ።
    ኣቶ ኣማኑኤል ኢያሱ ኣብ ህይወቱ ክንደይ ግጥምታት ከምዝጸሓፈ ትፈልጥ ዶ? ክሳብ ሕጂ ከኣ ጌጋ ድኣ ይኽልኣለይ’ምበር ሓጻር ትብሃል ግጥሚ ጽሒፉ ርኢናዮን ሰሚዕናዮን ኣይንፈልጥ ኢና። እሞ እቲ ኩሉ ንሱ ዝጽሓፎ ግጥምታት ግጥምታት ከምዘይነበረ ዲኻ ክትነግረና ትደሊ ዘሎኻ? ብሉጻት ግጥምታቱ ስለዝነዉሑ ግጥምታት ኣይኮኑን? ሸክስፒር ዝጽሓፎም ግጥምታትን ኤሚሊ ብሮንተ ዝጽሓፈቶምን ዝተፈላለዩ ኢዮም ዝነበሩ። ዝተፈላለዩ ስለዝነበሩ ግን ወይ’ውን ናይ ሓዲኦም ምሉእ መጽሓፍ ናይ ሓዲኦም ርብዒ ገጽ ስለዝነበሩ ጥራይ ሓዲኦም ኣጥፊኡ፣ እቲ ካልእ ድማ ብሉጽ ስራሕ ሰሪሑ ዘብሎም ክኸውን ከቶ ኣይክእልን።
    “ኣብ ትግርኛ ክሳዕ ሕጂ ክልተ ዓይነት ኣጸሓሕፋ ግጥሚ ጥራይ ኢዩ ዘሎና።” ኢልካ መሲናስ። መን ኢዩ ከምኡ ኢሉ ዝወሰነልና? ካብቲ ክሳብ ሕጂ ዝተጻሕፈ ግጥምታት ተበጊስካ ትዛረብ እንተድኣ ሃሊኻ እዚ ትዛረበሉ ዘሎኻ ገጣማይ ዘበርከቶም ብብዝሖም እዚ ክብሃሉ ዘይክእሉ ግጥምታት ኣበየና ኮን ተመዲቦም ይህሉዉ? ንሕና ተዛረብቲ ትግርኛ ኸ በቲ ንስኻ ዝበልካዮ ክልተ ዓይነት፣ ሓድሽ ቅዲ ከየተኣታቶና ክንነብር ዲኻ ትፈርደና? ስነ-ጥበብ ደቂ-ሰባት ኢዮም ዝፈጥሩዎ፣ ንሳቶም’ውን’ዮም ናብ ዝልዓለ ደረጃ ዘብጽሑዎ። ከከም ናይ ፈጠራ ዓቕሞም ድማ ሓድሽ ኣገባባት እናተኣታተዉ ካብ ሓደ ናብ ካልእ ዘመን የሰጋግሩዎ። ኣይፋሉን ክልተ ዓይነት ኣጸሓሕፋ ስለዘለና ሳልሳይ ኣየድልየናን ዝብሃል እንተዝኸውን ስነ-ጥበብ ኣብ’ዚ ሕጂ በጺሑዎ ዘሎ ደረጃ ኣምበይምበጽሐን።
    ሓርበኛን ህቡብን ኣማኑኤል ኢያሱ እናበልካ ምጽራፍ ይጽናሓልካ፣ ምስ ሃካያት እናወዳደርካ ስሙ ንምብላል ዝተዓጠቕካ ስለምንታይ ምዃኑ ክትሓስበሉ ግቡእ ኢዩ። እታ ሽምዓ ኣብ ክንዲ ምባል ‘ታ ሽምዓ ምባሉ እንታይ ገበን ኣለዎ? ጌጋ ድኣ ይኽልኣለይ’ምበር ጌጋ ሃሰው ክትብል ምቑሕ ዘይኮነ መቚሕ ኢዩ ዝብሃል፣ ምልክት ሕቶን ጨረትን ብጌጋ ተጠቒሙሉ ኣሎ ኣብ ምባል ካብ በጻሕካ ብልሓትካ ይፈለጥ። ክትግንዘቦ ዝህልወካ ንሕና ተዛረብቲ ትግርኛ ብስነ-ጽሑፍ ይኹን ስነ-ግጥሚ ብዙሕ ኣይሰጎምናን። እዚ ከኣ ናቱ ምኽንያታት ኣለዎ። ስለዚ ገና ኣብ ምዕባይ ስለንርከብ ኣብ’ቲ ኹሉ ንስኻ በጺሐዮ ትብሎ ዘለኻ ደረጃ ቅድሚ ምብጻሕና ብዙሕ ከነፍሪ የድልየና። ንሓበሬታ ክኾነካ ግን ኣማኑኤል ኢያሱ ቅድሚ ጋዜጠኛ ምዃኑ መምህር ቋንቋ ትግርኛን ገጣማይን ኢዩ ዝነበረ። ንስኻ ብዛዕባ ኣጸሓሕፋ ግጥሚ ክምህሮ’የ እንተበልካ፣ ንሱ ብደስታ እናስሓቐ ከምዝቕበለካ እምነተይ’ኳ እንተኾነ፣ እንሆ ሜዳ እንሆ ፈረስ ጥራይ’የ ዝብለካ። ንኣቦ ትግርኛ ትግርኛ ክትምህሮ እንተደሊኻ ድኣ’ሞ እንታይ ዝብሃል ኣሎ መሲናስ። ሓደ ሓደ ግዜ ግን ንገዛእ-ርእስኻ ኣብ ሚዛን ኣቐሚጥካ ምምዛና ከድሊ ኢዩ።
    “ብቕምቆት እንተሃይስናያ ግን ብዙሕ ጉድለታት ከም ንረኽበላ ዶ በልካ” መሲናስ? ምህያስ መሃሪ ኢዩ። መፈራርሒ ግን ኣይትጠቐመሉ። ንስኻ ከም’ቲ ናይ’ዚ ብግጥምታቱ ልቢ ኤርትራውያን ዝማረኸ ኤርትርዊ ዓቕሚ ዋላ እንተዘይሃለወካ፣ ናትካ ናይ መሲናስ ንዓኻ ዝኣክል ዓቕሚ ስለዝህልወካ ዓቕምኻ ንምሕያል ድኣ ጽዓር’ምበር፣ ኣብ ሰማይ ንዘሎ ኮኾብ ብእምኒ ክትጭምት ብደውካ ኣይትሕደር ሓወይ ወደኖይ። ንሱ ኣብ ካልእ ዘሎ ንስኻ ድማ ብድሕሪት ምልክት ሕቶ ዶ ጨረት ክትቀርም፣ ነቲ ብንጹህ ልብን ካብ ልብን ዝወረቖ ስራሕ ኣይተራኽሰሉ። ወዳሓንካ ሓውካ ፍቕረ

  • Mesinas July 5, 2014

    ክቡር ሓው ፍቕረ ሰላምታይ ብምቕዳም ብዛዕባ ሓልዮትካ ናይ ሓው ኣማኑኤል እያሱ ከድንቀካ ፍቐደለይ? ብርግጽ ሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ሓው ኣማኑኤል እያሱ ክብርን መጎስን ዚግብኦ ዜጋ’ዩ። ኣብ ስራሓቱን ኣብ ፍርያቱን ዚኾነ ይኹን ነቐፌታን እርማትን ኣይወሃብ ወይ ኣይተንከፍ ግን ኣይንብልን። ምኽንያቱ ንሱ ተቓላሲ ኣንጻር ደማሒ (መላኺ) እምበር ንባዕሉ ደማሒ ስለ ዘይኮነ! ድፍረት ደኣ ኣይትቑጸረለይ’ምበር ኣነ ልዕሌኻ ክብርን ኣድንቖትን ኣብ ልዕሊኡ ኣሎኒ። ስለዚ ድማ’የ ከም ሰብ ንዚፍጽሞም ጉድለታት ብቐጻሊ ዝነቕፎ። እዚ ነቐፌታ እዚውን ናይ መጀመርያይ ኣይኮነን። ንሱ ልዕሌኻ ንኣይ ስለ ዝፈልጠኒ ግን እዚ ናይ ሎሚ ነቐፌታይ ከምዚ ንኣኻ ዘቖጣዓካ ጌሩ ከምዘየቖጥዖ ብኣንጻሩ ከም ዘሐጉሶ ኣጸቢቐ እፈልጥ’የ። ምኽንያቱ ንሱ ነዚ ንዛረበሉ ዘለና ነቐፌታ ናይ ምጽዋር ብቕዓት ኣቐዲሙ በጺሑዎ ስለ ዚኾነ። ምንም ኣይስምዖን’ዩ ቅሰን! ግዜ እንተ ረኺቡ ኣብ ቀጻሊ ንሃናጺ ርእይቶይ ብቕንዕና ተቐቢሉ ከተግብሮ’ዩ።

    ኣብ መወዳእታ ስለ’ቲ ዕዙዝ ሓልዮትካ እናኣመስገንኩ ከምቲ ንኣማኑኤል ብፍርያቱን ስርሑን ልዑል ክብሪ ሂብካዮ ዘለኻ ንኣይውን ቁሩብ ዕድል ሃበኒ’ሞ ዝከኣለኒ ብምጽዓር ክብርኻ ክረክብ ክፍትን’የ። ብምቓጻል ነዛ ብዕለት 31 ግንቦት ዝጸሓፍኩዋ ንሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ሓው ኣማኑኤል እያሱን ሃብሮም ጋዜጠኛ ፌበን ሰሎሞንን እትምልከት ካብቲ ብዙሕ ሓንቲ ከተንብብ እላበወካ? ደገፍካ ነቲ ኣቦ ኣርማ ቃልሲ ኣንጻር ምልክነት ዚኾነ ክቡር ሓው ኣማኑኤል እያሱ ክትቅጽሎ ድማ ደጊመ እላበወካ። ኣርእስቲ ናይታ ናዕታ እንሆ፦

    ወዲ እንተ ወሊደ… / ጓል እንተ ሓሪሰ…!
    By assenna on May 31, 2014

    ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!

    እቲ ንጸሊም፡ ጸሊም፣ ንጻዕዳ፡ ጻዕዳ ናይ ምባል ባህልን ልምድን ዘሎኒ ሓውካ መሲናስ’የ። 05/07/2014

POST A COMMENT