Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓጺር ታሪኽ ህይወት ገዲም ስዉእ ተጋዳላይ ኣርኣያ ክሕሳይ ማሉ

ተጋዳላይ ኣርኣያ ካሕሳይ ማሉ ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ትበርህ ኣብርሀን ኣቦኡ ብላታ ካሕሳይ ማሉን ብዕለት 13/12/1947 ኣብ ደቂ ጽንዓ ተወልደ። ክሳብ ሻሙናይ ክፍሊ ኣብ ድባርዋ ተማሂሩ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ጥልያን(ቦተጎ) ተማሂሩ

ተጋዳላይ ኣርኣያ ካሕሳይ ማሉ ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ትበርህ ኣብርሀን ኣቦኡ ብላታ ካሕሳይ ማሉን ብዕለት 13/12/1947 ኣብ ደቂ ጽንዓ ተወልደ። ክሳብ ሻሙናይ ክፍሊ ኣብ ድባርዋ ተማሂሩ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ጥልያን(ቦተጎ) ተማሂሩ መሃንድስ(ጆመትራ) ኮይኑ ተመረቐ።

ስውእ ተጋዳላይ ኣርኣያ ካሕሳይ ማሉ ብዝነበሮ ብርቱዕ ፍቕሪ ሃገር ተደሪኹ ብ1975 ኤርትራ ሃገሩ ካብ መግዛእቲ ንምልቓቕ ምስ ተጋድሎ ሕርነት ኤርትራ(ተ.ሓ.ኤ) ተሰለፈ። ካብ 1978 ጀሚሩ ክኣ ኣብቲ ኣብ ሮማ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ተ.ሓ.ኤ. ብትግሃት ሰርሐ። እዚ እንዳገበረ ኣብ ኩሉ መዳያት መነባብሮ ኤርትራውያን ኣብ ሮማ ኢጣልያ ይነጥፍ ነበረ። ወገን፡ ሃይማኖት፡ ዓሌት ከይፈለየ ንኾሎም ኤሪትራውያን በመገዲ ማሕበረ ሰብ ኤርትራ ኣብ ሮማ ከምኡ ክኣ ብናቱ ተበግሶ ኣብ ምምሃር መንእሰያትን ቆልዑን፡ ነቶም ኣብ ኣርያፖርቶ ብፖሊስ ዚተሓዙ ዝነበሩ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብቲ ዘለውዎ ቦታ ከይዱ ብቋንቋን ብኻልእ መልክዕን ብምትሕብባር ከኡ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ካልእ ጕዳያት ደኺመ ከይበለ ይጓየ ነበረ።

ስውእ ተጋዳላይ ኣርኣያ ካሕሳይ ካብ 1996 ጀሚሩ ኣብ ቤት ጽሕፈት ማሕበር ሰራሕተኛታት ኢጣልያ (CSL) ኪሰርሕ ጸኒሑ ብሃንደበት ሕማም ብዕለት 10/10/2013 ካብዛ ዕለም ብሞት ተፈልየ። ስነ ስርዓት ቀብሩ ብዕለት 26/10/2013 ኣብቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ መቓብር(Prima Porta) ተፈጸመ።

ተጋዳላይ ኣርኣያ ካሕሳይ ዓቃል፡ ለዋህ፡ ወገን ከይፈለየ ንዅሉ ማዕረ ገሩ ዚቐርብ ፍሉጥ ሰብ ነበረ። ንስድራ ቤቱ ጥራይ ዘይኮነ ንዅሎም ተቐማጦ ሮማን ንብጾቱን ጎዲሉዎም ኢዩ።

ከም ዝፍለጥ ኣቡኡ ብላታ ካሕሳይ ማሉ ኤርትራ ንኤርትራውያን ይብሉ ከምዝነበሩ ታሪኾም ብጽሐፍ ሰፊሩ ይርከብ ሕጂ’ውን ታሪኽ ስዉእ ተጋዳላይ ኣርኣያ ካሕሳይ ማሉ ንዘልኣለም ክዝከር ኢዩ።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና!

ብጾቱ ካብ ሮማ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • MightyEmbasoyra February 4, 2014

    RIP ተጋዳላይ ኣርኣያ ክሕሳይ ማሉ. You have left good history for you and your family.

  • Suleiman Salim February 4, 2014

    R.I.P Wedi Malu.

    ‘tay de’a dequn sebeytun zey teQeskmo? Hadgi gieru kKewn tesfa ygebr::

  • Genet February 4, 2014

    R.I.P
    Eritrean freedom fighter. R.I.P!
    Condolence to his family. May God be with you.
    Genet

  • Haile G. Tensae February 5, 2014

    The Time Has come to say goodbye to the Eritrean Hero.
    Tegadalay Araya Kahsay Malu Rest in Pease. My Condolence to the family.
    Haile G. Tensae
    Indianapolis Indiana

  • Kalighe February 5, 2014

    May his soul rest in peace.

  • ahmed saleh February 6, 2014

    It shouldn’t be to end that way . At that age he suppose to enjoy his final days inside his country among his family
    members and loved ones but unfortunately with Eritrean nationality at hand we became stateless . How sad can it be ?

  • simon February 6, 2014

    mengesti semai yewarska

  • Senai February 8, 2014

    Araya was a very selfless tegadalay. He was so dedicated to his people in Rome; he helped many refugees in the early 90s by going to the the Airport Fumiccino and giving temporary shelter at the Eritrean community building. I was one of them. RIP.

  • kemal Ali March 30, 2014

    Very sad…I was able to meet him on line and discuss some national issues…RIP

  • Dehai October 20, 2015

    Rest in peace wedi Eri jigna

Post a Reply to kemal Ali Cancel Reply