Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓጺር ታሪኽ ህይወት ሓው ኣብርሃም ገብረጊዮርጊስ (MIT)!

ሓጺር ታሪኽ ህይወት ሓው ኣብርሃም ገብረጊዮርጊስ (MIT)! *ስፊሕ ኣእምሮ፡ ሕያዋይ ወላዲ፡ እሙን ዓርኪ፡ ጽኑዕ መትከል!* ሓው ኣብርሃም ካብ ወላዲኡ ነፍስሄር ኣቶ ገብረጊዮርጊስ ገብረዮሃንስን ካብ ወላዲቱ ነፍሰሄር ወ/ሮ ሰበነ ካሕሳይን  ብ 7 ሓምለ፡ 1949 ኣብ ዓዲ ዃላ ተወሊዱ። ምንም`ኳ

ሓጺር ታሪኽ ህይወት

ሓው ኣብርሃም ገብረጊዮርጊስ (MIT)!

*ስፊሕ ኣእምሮ፡ ሕያዋይ ወላዲ፡ እሙን ዓርኪ፡ ጽኑዕ መትከል!*

ሓው ኣብርሃም ካብ ወላዲኡ ነፍስሄር ኣቶ ገብረጊዮርጊስ ገብረዮሃንስን ካብ ወላዲቱ ነፍሰሄር ወ/ሮ ሰበነ ካሕሳይን  ብ 7 ሓምለ፡ 1949 ኣብ ዓዲ ዃላ ተወሊዱ። ምንም`ኳ ወለዲ ኣብ  ኣስመራ/ኣብ ዕዳጋ ዓርቢ ይቕመጡ እንተ ነበሩ፡ በቲ ኣብቲ ጊዜቲ ባህሊ ዘገድዶ መሰረት፡ ኣብርሃም ከም ቦዅሪ ውላድ ኣደ ኣብ እንዳ ዓለቦኣ ኣብ ዓዲ ዃላ ከይዳ ክትወልዶ ዝግባእ ብምንባሩ ኢዩ።

ኣብ ናይ ትምህርቲ ዕድመ ምስ በጽሐ፡ ካብ 1ይ-5ይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ገዛ ከንሻ፣ ካብ 6ይ-8ይ ኣብ ቤት ጊዮርጊስ፣ ካብ 9ይ-12 ካልኣይ ደረጃ ኸኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጀነራል ዊንገት ተማሂሩ፡ ናይ 12 ክፍሊ መልቀቒ ፈተና (matriculation examination) ብዝለዓለ ብልጫ (with great distinction)  ብምውዳእ ወርቂ ሰዓት ካብ ሃጸይ ሃይለስላሴ ክስለም ዝበቕዐ ብሉጽ ተመሃራይ ኢዩ ኔሩ። ኣብርሃም ኣብ ታሪኽ ትምህርቱ ካብ ቀዳማይ ክፍሊ ክሳብ ምውዳእ ካልኣይ ደረጃ ብዘይ ምቍራጽ ቀዳማይ ብልጫ እናወጸ ከም ዝወድኦ ይፍለጥ።

ብድሕሪ`ዚ ኣብቲ ኣብ ዓለም ብሳይንስን ተክኖሎጂን ፍሉጥ ዝኾነ፡ ኣብ ማሳቹሰትስ ዝርከብ MIT ዩኒቨርሲቲ፡  ማህደር ትምህርቲ(Scholarship)  ረኺቡ ካብ 1970-1973 ትምህርቱ ብምቕጻል ብባቸለር ኦፍ ሳይንስ መዓርግ/ዲግሪ  ተመሪቑ። (ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ኣብ ቃልሲ ምስ ኣተወ – ስም ቤት ትምህርቱ ከም ካልኣይቲ ስም ጠቢቓቶ- ብ  ኣብርሃም MIT  ኪጽዋዕ ጸኒሑ።)  ቀጺሉ ኣብ  1974 ካብ  Johns Hopkins University  ን  Ph.D. in Mathematics  full scholarship ረኺቡ`ኳ እንተ ነበረ፡  ነቲ ብማህደር ትምህርቲ ንምእታዉ  ኣዚዮም ውሑዳት ዝረኽቡዎ ፍሉጥ ዩኒቨርሲቲ ዝሃቦ ዝለዓለ ዕድል ትምህርቲ ኣወንዚፉ፡ ምስ ብጾቱ ንናጽነትን ሓርነትን ህዝቡ ኪቃለስ ወሲኑ።

ብመሰረት ናተይ ይጽናሕ፡ ቅድም ንሃገር ዝበለ ዓሚቝን መትከላውን ውሳኔኡ፡  ኣብ ኤናስኣ ኣቲዩ ካብ 1973-1978  ካብ ተራ ኣባል ክሳብ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ኮይኑ፡ ከም ናይ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ሓላፊ ምስ ምቕሉል ባህሪኡ፡ ብምሉእ ተወፋይነትን መሪሕ ብቕዓትን  ኣገልጊሉ። ከምኡ`ውን፡ ንኤናሰኣ ወኪሉ ኣብቲ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ህግሓኤ ኣብ ሜዳ ክሳተፍ ከሎ፡ ኣብ ውሽጢ ሜዳ ክሳብ ዝነበረሉ ጊዜ ኣብ ብዙሕ ኣኼባታት ነቕፌታውን ሃናጽን ርእይቶኡ ብትብዓትን ብኽፉት ኣእምሮን ከም ዘበርከተ ይፍለጥ። ኮይኑ ግን፡ ኣብቲ ጊዜቲ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ኤናሰኣን መሪሕነት ህግሓኤን ዝተፈጥረ ናይ ቃልሲ ኣረኣእያ ፍልልይ ኣብ 1978 ካብ ሓፋሽ ውድባት፡ ኣብ 1979 ካብ ኤናስኣ ተሳትፎኡ ዶው ከብል  ግድነት ኮይኑ።

በቲ ዚሰዓበ ለውጢ ምኽንያት ኸኣ፡ ናብቲ ምእንቲ ቃልሲ ህዝቡ ኣወንዚፉዎ ዚጸንሐ ትምህርቲ ኪቕጽል ብምውሳን፡ ካብ 1980 -1981 ኣብ Tufts University Fletcher school ( Master degree in Law and Diplomacy) ተመሪቑ። ነዊሕ ከይጸንሐ ምስ -ቨራይዞን ካምፓኒ -ስራሕ ረኺቡ ካብ 1983 ክሳብ 2008 ሰሪሑ፡ ስዒቡ ጡረታኡ ወጺኡ።

ኣብርሃም ምስ ክብርቲ በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ዓዘዘት ኣብርሃ ንልዕሊ 30 ዓመታት ብጽኑዕ ቃል ኪዳን ብሓባር ተጓዒዞም ንዓንዶም፡ ሰመረን ዛይድን ወሊዶም ኣብ ዝብጻሕ ኣብጺሖም ኢዮም።

ብዛዕባ ናይ ኣብርሃም ዕምቈት ኣተሓሳስባን ጠባይን ኣሳልጦ ህይወትን ምሉእ ዝርዝር ንምሃብ መጽሓፍ ዚሓትት`ዩ።  ዓንዶምን-ሰመረን-ዛይድን ምስ ዓዘዘት ከም ስማ ሕያወይትን ለባምን ወላዲቶም፡ ከምኡ`ውን ክቡራት ኣሕዋቱን ኣሓቱን ተሓጋጊዞም መጽሓፍ ዜና ህይወቱ ክሳብ ዝልግሱልና፡ ብሓጺር ምጥቃሱ ጥራይ`ዩ ዝከኣል።

ኣብርሃም ኣብ መንጎ  4 ኣሓትን 5 ኣሕዋትን፡ ቦኽሪ ኮይኑ፡ ናይ ቦኽሪ ከቢድ ሓላፍነት ተረዲኡ፡ ብትምህርትን ብጠባይን ነሕዋቱን ኣሓቱን ብኣብነት መሪሑ፡ ኣሰሩ ተኸቲሎም  ብትምህርትን ብሞያን ዕዉታት ብምዃኖም ምስ ናይ ደቁ ፍረ ጸጋ ኣብነታዊ መሪሕ ተራኡ ክርኢ በቒዑ ኢዩ።

ኣብርሃም ንዘረባ ዘይህወኽ፡ ጽን ኢሉ ናይ ምስማዕ ዘይክማህ ዓቕሚ ዝነበሮ፡ ምስ ፍልጠቱ እፈልጥ ኢየ ኢሉ ዘይምካሕ፡ ግን ከም ኣድላይነቱ ኣብ ሓቂ ረጊጹ፡ ብጭብጢ ኣረጋጊጹ ብትሕትና ርእይቶኡ ዚልግስ ልባም ሓው ኢዩ ኔሩ። ኣብርሃም ኣብ መትከሉ ረጊጹ ንኽብሪ መዓርግ ምሁር (Intellectual Integrity) ብግብሪ ዝሓለወን ዘኽበረን ሓው ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ትምኒት መስዋእቱ ተጠሊሙ ኣብ ጸልማት ምልካዊ ስርዓት ተጸሚዱ ግዳይ መግዛእቲ ፍሺስታዊ በትሪ ምስ ኮነ፡ ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ኪነግስ፡ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ኪትከል፡ ራህዋ ሓርነትን ሰላምን ዕለታዊ ህይወት ህዝቢ ኪኸውን እንተ ድኣ ኾይኑ ግዝኣተ ሕጊ  ኪነግስ ከም ዝግብኦን ካልእ ኣማራጺ ከም ዘይብሉን ኣስፊሑ መጽናዕቲ ብምክያድ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኪመሃረሉ ዚግብኦ ኣገዳሲ ጽሑፋት ዘርጊሑ ሓዲጉ ኢዩ።

ኣብርሃም ብኣካይዳኡን ብኣተሓሳስባኡን ምስ እንርእዮ ካብ ሰዊት ዕድሜኡ ትርጉም ህይወት ብግቡእ ኣስተውዒሉ  ብፍላይ ኣብ ዳህሳስ ዓውዲ ፍልጠት ንኽብሪ ጊዜኡ ብቐጻሊ ንባብ ብግቡእ ዝተጠቕመሉ ምዃኑ ንርዳእ።  እቲ ኣብ ዘመናዊ ህይወት ሕጉስ ሚዛን ዝህብ መፍትሕ ዘይተሓላላኽነት (simplicity) ምዃኑ ብምስትውዓል ኣብ ህድኣት ዝተጓዕዘ፣ ስነ-ስርዓት ህይወት ነቲ ብቑዕን ፍትሓውን ነገር ኣብ ግብሪ ምትርጓም ምዃኑ ዘለሊ ጸጋ ልቦና ዝተዓደለ ሓው ኢዩ ኔሩ።

ሓው ኣብርሃም ብኹሉ እንትንኡ ርጉእን ትሑትን፡ ዓቃልን መስተውዓልን፣ብዛዕባ ድኽመታት ሰባት ክዛረብ  ዘይፈቱ፣ ንኹሉ ነገር ብኹሉ መኣዝኑ ብስነ-መጐታዊ ኣረኣእያ ብዕምቈት መዚኑን ተንቲኑን ዝውስንን ንሽግራት ዝፈትሕን ዓቕሚ ዝተዓደለ፣  ኣብ መትከል ፍትሒ ረጊጹ ኣብ ቃልሲ ሰብኣዊ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ዘይሰልከየ ልዑል ተራ ዝተጻወተ ሓው ምንባሩ ልዕሊ 40 ዓመታት መቓልስቱ ዝኾንና ናይ ዓይኒ ሕልና መሰኻኽር ደቂ ቦስቶን ኣለና። ኹላትና መቓልስቲ ብጾቱ ብኣንክሮ እንዝክሮ፡ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዘይሰማዕናዮን ዘሰምበደናን ስቓዩ፡ ንኽሰናበታና ክንገረና ሓቲቱ  ቅድሚ ክልተ ቅነ ምስ ፈለጥና፡ ብስምባደ ኣብ ሳልስቲ  መጺእና ምስ ረአናዮ፡ ብተዛማዲ ካብ ቃንዛ የዕሪፉ ስለ ዝጸንሓና፡ ከምዛ  ብሕማም ጉንፋዕ  ጥራይ ሓሚሙ ዝደቀሰ ኮይኑ ከዕልለና ምቅላሱ፡  ኣብርሃም ንዘይቅየር  ኩነታት ህይወት ተቐቢሉ ብርጉእ ልቦናዊ መንፈስ ተዳሊዩ ክትርእዮ፡ ንሓቦኡን ጽንዓቱን ብሓሳብ ክትበጽሖ ዘይከኣል ኢዩ፤ ምስቲ ኹሉ በዳሂ ቃልሱ ተጻዊሩ ብምሉእ  ፈገግታ ዘዕለለና ክሳብ ክንደይ እሙንን ፈቃርን ዓርኪ ምንባሩ ዝምስክር ኣብ ህይወትና ዘይርሳዕ ተምሳጥ ዝሓደገ ህሞት ኢዩ ኔሩ። ኣብርሃም ንህይወት ግቡኣ ስለ ዝፈጸመላ፡ ንሞት ብፈገግታ ክቕበላ ከሎ ኣብ ባህልና መዘና ዘይርከቦ ልቦናዊ ዕምቈቱ ኢዩ ዘረጋግጽ።

እወ! ከም ሓው ኣብርሃም ዝኣመሰለ በሊሕ ኣእምሮን ሰፊሕ ልቦናን፡ ሓልዮትን ቅኑዕ ሕልናን ዝተዓደለ፡ ሓደገኛነት ዕሩቕ ስልጣን ብግቡእ ዝርዳእ ሰብ፡ ብፍላይ ኣብዚ ጸልማት ህሞት ሃገርን  ህዝቢን ኤርትራ፡ ጥዋፍ ብርሃን ተስፋ ኪኾነልካ ምእንቲ ነዊሕ ዕድመ ኪህቦ ክትምነ ርትዓዊ ኢዩ ኔሩ። እዛ ዘይተላቡ ዛዛሚት ምድራዊ ህይወት ግን ኣብ ርትዒ እትኣምን ኣይመስለንን። ስለ ዝኾነ ኸኣ፡ ብርሃን ስድራ ቤቱን ቤተሰቡን ከም ዝኾነ መጠን፡ ብርሃን ሃገሩን ህዝቡን ኪኸውን ብቕዓት ዝነበሮ ማዕከን ልቦና ክብሎ ዝመርጽ ሓው ኣብርሃም፡ ኣብ ህይወት ክማላእ ዝግብኦ ሰብኣዊ ሓላፍነቱ ብዕትበትን ብትግሃትን ካብ ንግሆ ህይወቱ ጀሚሩ ስለ ዘሳለጦ፡ ኣብዛ ብደቅሰብ ትናወጽ ዘላ ምድሪ ስራሑ ኣብቂዑ ንዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ተፋኒዩና። ኣብርሃም  እቲ ዝለዓለ ውርሻ ህይወት ሃብቲ ንብረት ዘይኮነ ሓድጊ ጽቡቕ ስምን ግብራዊ ኣብነትን ምዃኑ ተረዲኡ ኣብ ግብሪ ብምትርጓሙ፡ ብጽቡቕ ጠባዩን ተግባሩን ኪዝከር ኪነብር`ዩ። ካብዚ ዝዓቢ ጸጋ ኸኣ የለን።

እቲ ንኹሉ ዝፈጠረ ኣድማሳዊ ሓይሊ ከምቲ ንሓው ኣብርሃም ዝሃቦ፡ “ክንቅይሮ ንዘይንኽእል ንኽንቅበሎ ርግኣት፣ ንእንኽእሎ ንምቕያሩ ትብዓት፣ ፍልልዩ ንምርዳእ ኸኣ ልቦና“ ይሃበና።

ሓው ኣብርሃም፡ ክሳብ እነርክበካ ኣሰር ተግባርካ ብግብሪ ክንስዕቦ ኣኻእሎ ይሃበና፤ ዘለዓለማዊ ሰማዊ ዕረፍቲ ይግበረልካ፡ ልቦናዊ ኣተሓሳስባኻ ዝሰኣንና ኸኣ ጽንዓት ይሃበና፣ ዓዘዘት ምስ ፍቑራት ደቅኺ፣ንኣሓትን ኣሕዋትን መላእ  ቤተሰብን ጽንዓት ይሃብ። ራሕሲ ይግደፍ።

9-13-2014

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
23 COMMENTS
  • Kombishtato September 14, 2014

    He has a great independent mind and inspirational history, a lesson to many young Africans. What surprises me the most is that he understood the true meaning of Ghedli early on, ahead of many people. He is a man who was ahead of time. This is a lesson to many Ghedli Romantics:

    ” ከምኡ`ውን፡ ንኤናሰኣ ወኪሉ ኣብቲ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ህግሓኤ ኣብ ሜዳ ክሳተፍ ከሎ፡ ኣብ ውሽጢ ሜዳ ክሳብ ዝነበረሉ ጊዜ ኣብ ብዙሕ ኣኼባታት ነቕፌታውን ሃናጽን ርእይቶኡ ብትብዓትን ብኽፉት ኣእምሮን ከም ዘበርከተ ይፍለጥ። ኮይኑ ግን፡ ኣብቲ ጊዜቲ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ኤናሰኣን መሪሕነት ህግሓኤን ዝተፈጥረ ናይ ቃልሲ ኣረኣእያ ፍልልይ ኣብ 1978 ካብ ሓፋሽ ውድባት፡ ኣብ 1979 ካብ ኤናስኣ ተሳትፎኡ ዶው ከብል ግድነት ኮይኑ።”

  • YEMANE September 14, 2014

    What a story, I am very happy the real nature
    and dedication of MIT was told by some one who knows him real well.
    It took me back 40 years the day I Met and started to observe an intelligent individual.
    RIP dear Abraham(NOT) and be proud and strong Azezet and his children.
    With deep sorrow.
    His old Conrad.

  • YEMANE September 14, 2014

    Follow up;
    Please correct the two spelling errors “NOT”
    By MIT and “Conrad” by comrad’
    Thanks.

  • Wedi_Hagher September 14, 2014

    May his soul rest in peace.
    It’s sad that Eritrea has lost a son like Abraham.

  • Truly Truly i say to you September 14, 2014

    “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ እምበር፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ዚብለኒ ዂሉ፡ መንግስተ ሰማያት ዚኣቱ ኣይኰነን። ከምዝበለና ጎይታናን መድሓኒናን የሱስ ኽርስቶስ (ኣብ ወንጌል ማቲዮስ 7: 21)ኣብዚ ዝተገለጸኸ ናይ ሕይወት ታሪክ ጎይታ ጎይታ ዝብል ቃላት ኣይርዓይ እንበር ብግብሪስ ፍቃድ ኣምላኽ ዘኽብር ባሕርያት ስለዝረኣኹሉ
    እዚ ቃል ነዞም ብሕይወት ዝተፈለዮና ክቡር ዜጋ እሰርህ እዮ ኢለ ኣምን።
    “ካብ ሰማይ ከኣ፡ ጽሐፍ፡ እቶም ካብ ሕጂ ብጐይታ ዚሞቱ ምዉታት ብጹኣን እሮኦም። እወ፡ ግብሮም ኪስዕቦም እዩ እሞ፡ ካብ ጻዕሮም ኪዐርፉ እዮም፡ ይብል መንፈስ፡” (ራእይ ዮሃንስ 14: 13)

  • Abinet September 15, 2014

    I am really sorry for your loss. Brother Abraham,
    was such a great person, he will live on in our memories
    forever. My heart felt condolences to all families & friends.
    “Man is born with his hands clenched, but his are open in death, because on entering the world
    he desires to grasp everything, but on leaving the world, he takes nothing away”. God bless.

  • Isaac Y. Hidremichael September 15, 2014

    An impressive Life History of brother Abraham. He entirely accomplished what he should had done. They only thing he could not do has been an escape of death which is a destiny of every human. May his soul go to heaven. RIP.

  • Simon G. September 15, 2014

    RIP. Eritrea has lost a genius.

  • Haile Mogos September 15, 2014

    Abraham can be defined by one defining character: LOGIC. He was a man of logical thinking. Whatever the matter at hand he always looked at it with common sense free of emotion, sentiment and bias. I recall when EFLNA split from the EPLF and then conducted a thorough reassessment of the action it took, Abraham spearheaded the task with cool head and in depth analysis eventually concluding that a mistake was committed in condemning the EPLF as unpatriotic; a testimony of courageous voluntary self criticism, transparency and accepting full responsibility of ones’s action; setting an exemplary precedent which was then and is now very rare.
    Abrahm was my fried. I was with him during tough and trying times and I can testify that he was a source of calm and wisdom. I learned a lot form him. I will miss him.

  • Haile G. Tensae September 15, 2014

    Abraham
    RIP you did your part and never give up.
    What a genius human being the country lost.

1 2 3

POST A COMMENT