Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓጺር ቃለ-ምልልስ ኣምባሳዶር ኣድሓኖም ገብረማርያም ምስ ድምጺ ኣሜሪካ

ብኣጋጣሚ ዕለት 18 መስከረም 2011 ዓ.ም ብዘይ ክስን ፍርድን መበል ዓሰርተ ዓመቶም ኣብ ትሕቲ ጨካን ማሕዩር ህግደፍ ዝበልዩ ዘለዉ ጀጋኑ ናይ ለውጢ ሃዋርያ ዝኾኑ ላዕለዎት መራሕቲ ሃገር ኣመልኪቱ ኣቶ ተወልደ ወልደገብሪኤል ኣገልግሎት ድምጺ ኣሜሪካ ምስ

ብኣጋጣሚ ዕለት 18 መስከረም 2011 ዓ.ም ብዘይ ክስን ፍርድን መበል ዓሰርተ ዓመቶም ኣብ ትሕቲ ጨካን ማሕዩር ህግደፍ ዝበልዩ ዘለዉ ጀጋኑ ናይ ለውጢ ሃዋርያ ዝኾኑ ላዕለዎት መራሕቲ ሃገር ኣመልኪቱ ኣቶ ተወልደ ወልደገብሪኤል ኣገልግሎት ድምጺ ኣሜሪካ ምስ ኣምባሳዶር ኣድሓኖም ገብረማርያም ብስልኪ ዝገበሮ ሓጺር ቃለ-ምልልስ እንሆ ይቐርበልኩም ሰናይ ምክትታል፣-

ኣቶ ተወልደ ወልደገብሪኤል፣- ሕራይ! ኣምባሳዶር ኣድሓኖም ገብረማርያም የመስግን። ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ከምዛ ትማሊ መስከረም ዓሰርተ ሽሞንተ ክልተ ሽሕን ሓደን (18/09/2001) ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ዝነበሩ ቤት ማእሰርቲ ኣትዮም ክሳብ ሎሚ’ውን ከም ዘይተፈትሑ ኢና ንፈልጥ፣ ንስኻ ኣባል እቲ ጉጅለ 15 ዝብሃል ከም ምዃንካ መጠን ሎሚ ድሕሪ 10 ዓመት ዝስምዓካ ኣካፍለና።

ኣምባሳዶር ኣድሓኖም።- እዋእ! ብሓዘንን ብሓበንን ኢዩ ዝዝክሮ። ብሓዘን ዝዝክሮ እዞም ሰባት እዚኣቶም ንጹሃት ኢዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ገዛና ነጽሪ፣ ንግስርጥ ኣለና ፣ ሕማቕ ንኸይድ ኣለና፣ ናይ ውግእን ናይ ሰላምን ብሓደ ሰብ ጥራይ ይውሰን ኣሎ፣ ቅዋም ነተግብር፣ ህዝቢ ዝመረጾ መንግስቲ ንግበር ዝብል ጠለብ ኢዮም ኣምጺኦም። እዚኣቶም ከም ከድዓት ከም ተሰዓርቲ ጠቂኑ ኣሲርዎም። ብዙሓት ካብኣቶም ክኣ ኣብ ዒራዔሮ ምስ ወረዱ ሸሪፎን ዑቕበን ኣብ እምባትካላ ኢዮም ተሰዊኦም። ብሕሱም ስነ-ኣእሙራዊ ጸቕጥን ብሕሱም ናይ መነባብሮ ጸገምን ኢዮም ተሰዊኦም። ብሓበን ድማ እዝክሮም ፣ ታሪኽ’ዩ ዝነብር እምበር ወዲ ሰብ ኣይነብርን ኢዩ። ወዲ ሰብ ክዝከር እንተኾይኑ ብሕማቕ ይኹን ብጽቡቕ ብሂወት ከሎ እንታይ ገይሩ ኢዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ማእለያ ዘይብሎም ስዉኣት ቀቢሮም ዝምጹ ኢዮም። ዝተሰዋእናሎም መትከላትን ዕላማታትን ይጥለም ኣሎ። ካብቲ መስመርና ንወጽእ ኣሎና ኢሎም ተማጒቶም ብጋህዲ ክኣ ብጋህዲ ንህዝቢ ኣፍሊጦም፣ ንተጋደልቲ ህግ ኣፍሊጦም፣ ንዓለም ኣፍሊጦም ተኣሲሮም። ስለዚ እቲ ንሳቶም ዘልዓልዎ ደሞክራሲያዊ ክብርታት ንዘልኣለም ክዝከር ኢዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ክኣ ኣነ ብሓበን እዝክሮም።

ኣቶ ተወልደ ወልደገብሪኤል፣- ኣምባሳዶር ኣድሓኖም እዞም ሰባት ንምንታይ ናብ ቤት ፍርዲ ዘይቀርቡ? ንምንታይ ዘይፍትሑ ዝብል ሕቶ ክቐርብ ከሎ ምስቲ ዝገበርዎ ገበን ኣረኣኢኻ እዚ ዘለውዎ ዝሓሸ ኢዩ፣ ምናልባት ካልእ ኢዩ ዝግብኦም ነይሩ እዚ ግን ኣብ ዝሓሸ ኢዮም ዘለዉ ዝብል መልሲ ኢዮም ዝህቡ።

ኣምባሳዶር ኣድሓኖም።- እንታይ’መስለካ እዚኣቶም ከይብሉና ዘይፈልጡ ስለዝኾኑ ኢዮም እምበሪ ካብ ሞት ንላዕሊ ሕማቕ ነገር ኣሎ ዲዩ? ካብ ሞት ንላዕሊ ሕማቕ ነገር ኣሎ ክብሉና እንድሕሪ ኮይኖም እዞም ሰባት እ! ሓሶት እኮ ቁሩብ’ውን መልክዕ ኣለዎ። እዚ’ኮ ጸርፊ ንህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ንሕና ሓሊናሎም ኢና ክብሉ ከለዉ እዚ ወላ ኣዚዩ ደቂቕ ሓንጎል ኢዩ ዘለዎም ኢሎም ይገምቱና እቲ ንእሽቶይ ሓንጎልና’ውን ዘይቅበሎ ነገር ስለ ዝኾነሲ እዚ ዓይነት ስርዓት እዚ ኢልዎ ኢልካስ ብዛዕባ እቲ ስርዓት ዝብሎ ክትደግምስ ጸገም ኢዩ።

ኣቶ ተወልደ ወልደገብሪኤል፣- ሕራይ! ኣብቲ እዋን እቲ ንስኻትኩም እቲ ሕቶ ከተልዕልዎ ከለኹም ቁሩብ ህውኽ ዝበለ፣ ነገር ከይዘሓለ ገና ውግእ ዘየባረየሉ ወተሃደር ናብ ቦትኡ ከይተመልሰ እዚ ሕቶ ኣቕሪብኩም እሞ ከም መንግስቲ ምግልባጥ ወይ ክኣ ካልእ መደብ ከምዝነበረኩም’ውን ብገለገለ ሰባት ይጥቀስ።

ኣምባሳዶር ኣድሓኖም።- እዚ ድኣ መመኽነይታ እንድኣሉ ኣንታ ተወልደ፣ መንግስቲ ክትግልብጥ እንተኾይንካ እኮ ተሓቢእካ ኢኻ ትገብሮ። መንግስቲ ክትግልብጥ እንተኾንካ‘ኮ እቲ መደብ ኣብ ዕጽው ማዕጾ ኢኻ ትምድቦ። እዚ ግን ብግሁድ’ዩ እኮ ንሕናስ ሕማቕ ንኸይድ ኣለና ተባሂሉ ብግሁድ ህዝቡን ዓለምን ዝፈልጦ ኢዩ’ኮ፣ ካልኣይ ኣብቲ እዋን እቲ ክልዓል ከሎ ውዕል ናይ ኣልጄርስ ተፈሪሙ ነይሩ ኢዩ። ወላ እቲ ናይ ጸጥታ ዞባ ዝብሃል ወይ ዓቃቢ ሰላም ኣትዩ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን ኩነታትና ንገምግም፣ ቅዋም ይተግበር፣ ስልጣን ናብቲ ዋንኡ ዝኾነ ህዝቢ ይመለስ ምባል እንታይ ኢዩ እቲ ነውሪ ዘለዎ። ነዚ ትብሎ ዘለኻ ሕጂ ከም መመኽነይታ ዝቐርብ ዘሎ እንኳን’ዶ ኣእምሮ ዘለዎ ዝበሰለ ሰብ ቆልዓ’ውን ኣይቕበሎን ኢዩ ኣነ ክነግረካ።

ኣቶ ተወልደ ወልደገብሪኤል፣- መኣስ ዝፍትሑ ይመስለካ? እንድሕሪ ይፍትሑ ኢልካ ትኣምን ኮይንካ።

ኣምባሳዶር ኣድሓኖም።- መብዛሕትኦም እኮ መይቶም ኢዮም ተወልደ። ሕጂ ግን ክፈትሖም ኣይክእልን ኢዩ። ሸሪፎ ኣበይ ኣእቲኻዮ? ሳልሕ ኬኪያ ኣበይ ኣእቲኻዮ? ጀርማኖ ናቲ ኣበይ ኣእቲኻዮ? ኣስቴር ፍስሃጽዮን ኣበይ ኣእቲኻያ? ተባሂሉ ኣኳ ክሕተት’ዩ። ስለዚ ህግደፍ ኣብ ዘይምለሰሉ ኩነታት ኢዩ በጺሑ። ብእኣ ኢዩ ክቕጽል። እንዳ ኣሰርካ እንዳ ቐተልካ ክኣ ክንበር ስለ ዘይክኣል ንሱ ፈሊጥና ኢና ኮ ስንና ነኺስና ንቃለስ ዘለና።

ኣቶ ተወልደ ወልደገብሪኤል፣- እዚ ምናልባት ምስቲ ሎሚ ቕነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክትገብርዎ ዝቐነኹም ኣኼባ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተጸውዐ ኣኼባ ሕጂ እንታይ ኢዮም ሰባት ዝሓቱ ዘለዉ እስኻ ሕጂ ንኣብነት ቃልሲ ናጽነት ዝቖሰልካሉ ዝተወጋእካሉ ዝደመኻሉ ዝደኸምካሉ ምዃኑ ዝኽሕዶ ሰብ የለን። ግን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተደጊፍካ ኣስመራ ኣቲኻ ነቲ ዝደመኻሉን ዝደኸምካሉን ናጽነት ኤርትራ ዝዕጸፈሉ መንገዲ’ዶ ከምኡ ዓይነት ስግኣት ዘለዎም ሰባት ኣለዉ። ምናልባት ምስቲ ናይ ሓምሳታት ዲዩ ዓርባዓታት ዝነበረ ሕጂ’ውን ዘተሓሓዝዎ ኣለዉ።

ኣምባሳዶር ኣድሓኖም።- ጽቡቕ ኣለኻ እቲ ስግኣታት ኣነ እፈልጦ ኢየ። ግን እቲ ስግኣታት ኣብ ቦትኡ ኣይኮነነ። ኣርባዓታት ሓምሳታት ዝነበረ ሓደ ኢምጰራጦርያዊ ዝኾነ ንጉስ ሃይለስላሰ ሓደ መስፍናዊ ግዝኣት ከስፋሕፍሕ ዝደሊ ዝነበረ ስርዓት ኢዩ ነይሩ። ሕጂ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ኣለና። እዞም ሕጂ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስልጣን ሒዞም ዘለዉ እኮ ምሳና ዝተቓለሱ ኢዮም። ካልኣይ ክኣ ንሳቶም ውግእ ክኸፍቱ እንተኾይኖም ውግእ ከፊቶም ነቲ ስርዓት ክቕይርዎ እንተኾይኖም ኢትዮጵያዊ መንእሰይ ኢዩ ኮ ክመውት፣ ኢትዮጵያዊ መንእሰይ ክኣ ዝብለካሲ ጽባሕ ኣብ ምንታይ ኣጥፊእክሞም ተባሂሎም እኮ ክሕተቱ ኢዮም። ንምንታይ ኢሎም ኢዮም መንግስቲ መእንታን ክቕይሩ? እዚ ኣይከውንን ኢዩ። እዚ መንግስቲ እዚ ተሓታትነት ኣለዎ። ንሕና ንፈልጦ ኢና። ኣነ ክነግረካ ብዝኾነ መንገዲ ኢትዮጵያ ምስ እዚ ስርዓት’ዚ ውግእ ኣይገብርን ኢዩ። ምስ ኤርትራ ውግእ ኣይገብርን ኢዩ። ንሕና እኮ ዓቕሚ ኣለና። እቲ ኤርትራዊ እኮ ናይ ምውዳብ ሽግር ጥራይ እንዳእሉ ዘለዎ። ይወዳደብ ክኣ’ሎ። ሓገዝ ናይ ኢትዮጵያ እንድሕር ኮይኑ ኢትዮጵያ ይኹን ካልእ ንዝኾነ ይኹን ዝቃወም ሓይሊ ሓገዝ ይደሊ ኢዩ። ኢትዮጵያ ክኣ ብግሁድ ክንሕግዘኩም ኢና ኢሉ’ሎ። እዚ ክኣ ተሓቢእና ንብሎ ምኣስ ኮይኑ። ንሳቶም’ውን ተሓቢኦም ምኣስ ይብልዎ ሃሊዮም። ስለዝስ እቲ ዘሎ ስግኣት ከም ሃገራውያን እዚ ኹሉ መስዋእቲ ከፊልና ዘምጻእናያ ናጽነት ሕጂ ክኣ እዞም ብደቡብ ዘለዉ ጎረቤትና ክወስድዋ ይኽእሉ ኢዮም እዚኣቶም ናይ ኣቦ ሓጎታቶም ደግሲ’ውን ከምጽኡ ይኽእሉ ኢዮም ዝብል ስግኣት ክመጽእ ኣነ ዝብለካስ ካብ ዝኾነ ሃገራዊ ብፍላይ ክኣ ዘይፈልጥ ክብል ይኽእል ኢዩ። ነቲ ኩነታት ኣጸቢቑ ዝከታተሎ ግን እቲ ስግኣት እቲ ቦታ የብሉን ኢየ ክብል ዝኽእል።

ኣቶ ተወልደ ወልደገብሪኤል፣- አመስግን! ኣምባሳዶር ኣድሓኖም ገብረማርያም ካብ ኣዲስ ኣበባ።

ኣምባሳዶር ኣድሓኖም።- የቐንየለይ! ተወልደ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Badme September 27, 2011

    I have to say that we have let our brothers down, they gave their lives twice over for freedom and liberty and yet some people are still not prepared to recognise them as martyrs for freedom and liberty. These are the very people who used to kiss their backside during the armed struggle and when they came here as ministers. Alas It has been ten years since not any viable voice of our heroes was heard . Eseyas is still enjoying his freedom and popularity, may be not as much as he did back in the day but some mappets and dogmatic still worship him like a messiah, it is quite depressing, in this day and age where the the availability and accessibility of information is at abundance it buffles me how people can be blinded. Oh I know, Eseyas is a good liar, I wish they could see up close what he utters when he gets drunk, he would not even be qualified as a father to however many kids he has let alone a leader of a country. The man has lost it clearly but he still manages to fool some people. RIP you heroes Sherifo Okbe and co we your children will avenge you.

  • FreePrisoners September 27, 2011

    ትርጉም ሓርነትን ናጽነትን ፈላሊና ተሪኢናዮ እቲ ካልእ ብሩህ ክኮነልና ይኽእል።

    ትርጉም ሓርነት፤ ሕጊ-ቕዋም፤ ስነ-ስርዓት፤ መሰል ንውልቒ ይኹን እኩብ ዘኽብር፤ ብዙሕ ክብሃል ይኽኣል። ነዚ ኣጠቓሊልና ክንጽውዖ ከለና ድማ፤ ሓርነት ወይ ብ ኢንግሊሽ ደሞክራሲ ንብሎ።

    ናጽነት ወይ ፍሪዶም ክንብል ከለና ክኣ፤ ሃገርነት ማለት ኢዩ፤ ንኣብነት ኢትዮፕያ ንኤርትራ ካብተን 13 ክፋላት ኣውራጃታት ኢያ ትሪኣ ነይራ። ስለዚ ኤርትራውያን ክኣ ሃገር ክትብሃል ስለዝደለናያ ንናጽነት ተዋጊና፤ ትዓዊትና። እቲ ኣውራጃዊ ቕጽል ተሪፉ ድማ ሃገር ኮይና ማለት ኢዩ።

    ሓርነትና ግን ቕዋም ኢዩ፤ ቕዋም ተዘይሃልዩ ድማ ውልቓዊ መግዛእቲ የኸትል። ስለዚ ሓርነትካ ንዝኸልኣካ ብምንታይ ክትገልጾ ትኽእል! ብናይ ዝኾነ ዓቕሚ ከተልግሶ ትፍትን። ናጽነት ግን ናብ ዘብሎ የብሉ። ናጽነት ሽም ኢዩ ካልእ ኣይኮነን። ሓርነት እቲ ቕንዲ ንኽንነብር ዘኽእል ላፍ ስተይል ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሓርነት ስለዘይብልና፤ ገሌና ተሰዲድና፤ ገለ ትዓሚጽና፤ ገለ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ብሓይሊ ተገዚእና ንነብር ኣለና። ድሕሪ’ዚ ‘ናጽነት’ ሽም ክትሕሉ፤ ህዝብኻ ይጠፍእ ሃገር ይባድም፤ ብድሕሪኡ ሽም’ናጽነት’ ይቕየር።
    ንኣጠቓላሊ፤ ሓርነት ተዘይሃልዩ ፤ ናጽነት ኣይከብርን ኢዩ።

  • Ghemete September 28, 2011

    sle mntay iyu Awalom G/Mariam eta ambassador tbl shmet bHGDEF ztewahbeto sgab Hji ztswala zelo? abzi Hji ewan ambassabor aykonen zelo, ezia ktrdani aykealetn. nayti zraHroHo mengsti shmet tesekimu kKeyd ayemHrelu iyu. kemU ewn Abdela Adem.

  • ተ.መድኅን September 29, 2011

    ሃገር —ማለት ህዝብታት ብፍርን ብስምምዕን ዝነብሩላ ፍሉይን መለልይ ዝኮነ ሕንጻጽ ዘልዋ ኢያ።መብዛሕቶም ናይ ሃንቲ ሃገር ዘብል መለልይ ቀደም ሃደ ኦኣይነት ቛንቋን ባህልን ብምሓዝስለዝግምተ መንግስታ ናይ ዝተፈላለዩ ባህልን ቛንቛን ጸቒጦም ናይ ፍሉይን ጸብላሊ ዝኾነ ባህሊ ከንግሱ ይጽዕሩ ኔሮም።ስለዚ ከኣ ብዙሕ ጸገምን ሽግርን ይገድፉ።ን ኣብነት መንግስቲ ኃይለስላሴ ንብምልእታ ኢትዮጵያ ናይ ኣምሓራ ባህሊ ጥራሕ ክውርሶ ይደሊ ኔሩ።
    ህዝቢ ኣብዛ ውሱን ዶባት ዘለዋ ሃገር ዝቕመጥ፡ምሉእ መሰል ዜግነት ዘለዎ ይኩን ዜጋ ካልእ ሃገር ኮይኑ’ውን ሕግን መሰል ዜጋታት ኣክቢሩ ዝቕመጠላያ።ን ኣብነት ኤርትራውያን ኣብ ሱዳን፡ኣብ ኦኣዲ ጢልያን ኣብ ኢትዮጵያን……ዜግነት ኤርትራውነት ከለዎም ኣብተን ሃገራት ይነብሩ።
    መንግስቲ–ብፖለቲካዊ ምርጫ ማለት ዜጋታት፡ምስ ኣረኣኣያኦም ዝሰማማዕ ፖለቲካዊ ኦላማ ዘለዎ ሰልፊ መሪጾም።ዝለኦኣለ ድምጺ ህዝቢ ዝረከበ ዝሕዞ ስልታን ህዝቢ’ዩ።መንግስቲ ህዝቢ ዝለኣኮ’ምበር፡ባዕሉ ስልጣን ሒዙ ንህዝቢ ድከቱ ዘጽግብ ኣይኮነን።መንግስቲ ገደብ ኣለዎ።ቀዳማይ ብስለስተ ኣካልት ተማእኪሉ ይኸይድ፡ሓደ ሓገጊ ኣካል ውክልን ህዝቢ ዘለዎም ባይቶ፡ንሳቶም ሕጊ የጽድቑ።ፈጻሚ ኣካል ( ማለት መንግስቲ፡ሚኒስተራት )ንዝጸደቐ ሕጊ ተግባራዊ ይገብሩ፡በዚ መሰረት ህጊ ብግቡእ ክሰርህ ኦኣቕምን መሳርሕን ይቅርቡ፡ኣገባባት የመኣዛዝዩ፡ፈራዲ ኣካል ሕጊ ንዝጠሓ ይቐጽ ዑ።
    ፖለቲካዊ ሰልፊ —–ብመሰረት ቅዋም መሰረት ዜጋታት ኣብ ትሕቲ ናቱ ኦላማ ምእንቲ ክጓዓዙ፡ዜጋታት ብዛዕባ ሃገሮም ክህልዎም ዘለዎ ኣፍልጦ ይሰርሕ የነቓቕሕ፡ናብ ፍሉይን ዝለኦኣለ ስልታን ንምብጻሕ፡ኣብ ፖለቲካዊ ምርቻ ይሳተፍ።
    ኣባና ኣብ ኣኤርትራውያን ነዞም ኣብ ላዕሊ ዘለዎ ብሃደ ጥርንፍ ኣቢልና ንህዞም።ሃገርን፡ህዝብን መዳርግቲ ዘይብሉ’ቅድሚት ዝስራዕዩ።መንግስቲ ብድምጺ ብልጫ ዝሰዓራ ሰልፍታት ዝምስረት፡ተቐያያሪ’ዩ።ንሕና ንኹሎም ብሃደ ዝጠርነፍና፡ናይ ሰልፎም ርእይቶ ምንጻግ ማለት፡መንግስቶም ምቑሳሽ፡መንግስቲ ምንጻግ ማለት ኣብ ሃገርን ህዝብን ክድዓት ምፍጻም ገይሮም ዝሃስቡ ኣእላፍ ዜጋታት ኣለውና።እዚ ስለዝኾነ ከኣ ኢሳያስ ማለት ህግደፍ፡ህግደፍ ማለት መንግስቲ ኣኤርትራ፡መንግስቲ ኤርትራ ማለት ህዝቢ ኤርትራ፡ብጠቕላላ ኢሳያስ ምቅዋም ማለት ሃገር ምሻጥ ማለት ገይሮም ዝሃስቡ ወዳጄታት በዚሖም።ድምጺ ህዝቢ ሰሚዑ ዘይፈልጥ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ናይ ዜና ማዕከናቱ፡ድሌት ህዝቢ ተግቢሩ ዘይፈልጥን ብዘይካ’ቲ ኣብ ኅልናኡ ዘቃልሕ፡መንግስትን ህዝብን ዝብል ተደጋጋሚ ቃል የውጽ ኡ።እዚ ግን ሽፈነ ደኣምበር መንግስትን ህዝብን ብዘተፈላለየ መንገዲ’ዮም ዝከዱ።

  • hani September 30, 2011

    hagerawyan raywo balu hizbna

  • Dawit Tsehaye October 1, 2011

    habti hagher serikom yhadmu haleiyti hagher mesjllom kreayu ydelyu

Post a Reply to FreePrisoners Cancel Reply