Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓድግታት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ

  ሓድግታት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ "ሻምፕዮን ናይቲ በታኒ ፖሊሲ"                    ታደሰ ኪዳነ           በርሚንግሃም                     5ይ ክፋል           22/05/2014   ኣብ 4ይ ክፋል በዛ እትስዕብ ሑጥበ-ጽሑፍ ኢየ ተፋንየኩም፦ “እዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቕሰ ሓሳባት፣ ብማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ህግደፍ ናብ ኩሉ ኣብ ደገ ዝነብር

 

ሓድግታት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ

“ሻምፕዮን ናይቲ በታኒ ፖሊሲ”

                   ታደሰ ኪዳነ           በርሚንግሃም

                    5ይ ክፋል           22/05/2014

 

ኣብ 4ይ ክፋል በዛ እትስዕብ ሑጥበ-ጽሑፍ ኢየ ተፋንየኩም፦

“እዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቕሰ ሓሳባት፣ ብማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ህግደፍ ናብ ኩሉ ኣብ ደገ ዝነብር ኤርትራዊ ዝተዘርግሐ ሓደገኛ ፖሊሲ ኢዩ። ብዓቐኑ ዝፈላለ’ኳ እንተኾነ ኣብ ኩሉ ኣብ ደገ ዝርከብ ኤርትራዊ ዝረአ ጸገም ድማ ኢዩ። ኣብዚ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ፍሉይ ዝገብሮ፣ ኣምባሳደር ተስፋሚካአል ብዘይ ዝኾነ ስኽፍታ ብምሉእ ሓይሉ፣ ብድርኺት ይሰርሓሉ ስለዝነበረ ጥራይ ኢዩ።”

 

… 5ይ ክፋል ይስዕብ

 

ኣብ ሃይማኖት ዝተገብረ ምትእትታው
ሕጂ’ውን ኣብታ ከም ኣብነት ዝወሰድኩዋ ከተማ በርሚንግሃም ዝተራእየ ናይ ሃይማኖት ሕንፍሽፍሽ ኢየ ክዛረብ። ኣብዛ ከተማ ኣመንቲ ክርስትናን ምስልምናን ኣለና። ኣብቲ ክርስትና ድማ ኣመንቲ ኦርቶዶግስ፣ ካቶሊክን ጴንጥ-ቆስጠን። ኣነ ከም ኣማኒ ኦርቶዶግስ ድማ ኣብኡ ኣተኲረ ኢየ ክጽሕፍ።

 

ከም መእተዊ ናይዛ ሓጻር ኣርእስቲ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ሓደ ብዙሕ እዋን ምስ ወዲ-ገራህቱ ዝረአን፣ ንቃላት ተስፋሚካአል ገራህቱ ከም ናቱ ገይሩ ብሓውሲ ጃህራ ዝዛረብ ሰብ ካብ ዝገበርናዮ ዕላል ወስ ከብል። ንሱ ኣብ ዕላሉ “ነቶም ኣመንቲ ምስልምና ኣቐዲምና ብዝሃብናዮም ዕዮ-ገዛ ፋሕ-ፋሕ ኣቢልናዮም ኢና። ሎሚ ዋላ ኮፍ ኢሎም ከማን ብሓንሳብ ሻሂ ክሰትዩ ኣይክእሉን ኢዮም። ነቶም ክርስትያን ድማ ነቲ ቀሺ መን ከም ዝለኣኾ ከይፈለጡ ‘ቀሺ እገሌ’ባ- እዚ ጳጳስዚ’ባ’ እናበሉ፣ ነንሕድሕዶም ከም ዝወነጃጀሉ ገይርናዮም ኣለና። ንሕና ሕጂ ባራ ወጺእና፣ ንሳቶም ነንሕድሕዶም ይበኣሱ ኣለዉ። እዚኣ እንተወሓደ 10 ዓመት ክትወስደሎም’ያ። ድሕሪኡ ‘ሰላም’ ከይተበሃሃሉ ማዕዶ- ማዕዶ ጥራይ ኢዮም ክኸዱ። ሽዑ ከኣ ገለ ንምህዘሎም” ቃል ናይ ሓደ ንነብሱ ከም ቀንዲ ህግደፍ ዝወስድ፣ ግን ከኣ ዝሰምዖ ዝደግም ሓውና።

 

ነዛ ቀላል ትመስል ግን ከኣ ዓሚቝ ትሕዝቶ ዘለዋ ዘረባ ከም ኣብነት ወሲደ፣ ናብቲ ኣብ በርሚንግሃም ዝተራእየ ሕንፍሽፍሽ ክምለስ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ፣ ቚጽሪ ኤርትራውያን ተቐማጦ ናይዛ ከተማ እናበዝሐ ምስ ከደ፣ ገለ ዲያቆናትን ግዱሳት ውልቀ-ሰባትን፣ ማዕረ- ማዕረ’ቲ እናበዝሐ ዝኸይድ ዝነበረ ምትእኽኻብ ኣመንቲ ጰንጠ-ቆስጠ፣ “ኣመንቲ ኦርቶዶግስ’ውን ሓቢርና ምስ ኣምላኽና እንራኸበሉ ቦታ ክህልወና ኣለዎ” ብምባል ክተኣኻከቡ ጀሚሮም። ጻዕሮም ዕዉት ኮይኑ ድማ ኣብ ሓጺር እዋን ብዙሕ ሰብ ክእክቡ ኪኢሎም። በዚ ዘይተሓጎሰ ሰብ’ውን ኣይነበረን።

 

መብዛሕትኦም ባሕርን ምድረ-በዳን ሰጊሮም ዝመጹ ስለዝነበሩ ድማ፣ ዳርጋ ኩሎም ነታ ‘እንዳገርግስ’ ዝበሉዋ ቤተ-ክርስትያን፣ ካብ ፖለቲካዊ ጽልዋ ነጻ ኮይና፣ ኣብ መንፈሳዊ ጉዳይ ጥራይ ክትሕጸር ጽዒሮም። ብኣማኢት እንቑጸር ኣመንቲ ኦርቶዶግስ ድማ፣ ፖለቲካዊ ኣጠማምታና ብዘየገድስ፣ ኣብቲ ዝግበር ኣጋጣሚታት ብሓባር ተገልገልቲ ነይርና። ኣብ ደገ ፖለቲካ ተኻቲዕካ (ሓንሳብ’ውን ኩራ ይሕወሶ ኢዩ)፣ ኣብቲ ቤተ-ክርስትያን መጺእካ ‘ሰላም’ ተበሃሂልካ ብሓባር ኮፍ ትብል። እዚ ግን ንህግደፍ ብሓፈሻ፣ ንወዲ-ገራህቱ ድማ ከም ልኡኽ ዝወሓጠሎም ኣይነበረን።

ኣብቲ መጀመርያ ተስፋሚካአል ገራህቱ ነዚ ምትእኽኻብ’ዚ ከም ዘለዎ ክጥቀመሉ ኢዩ ፈቲኑ። ገለ ‘ኣባላት ህግደፍ ኢና’ ዝብሉ ኣሕዋት፣ ኣብ ቀጽሪ ናይቲ ቤተ-ክርስትያን ናይ ህግደፍ መጎሳጎሲ ጽሑፋት ክዝርግሑ ተራእዮም። “እዚ ክፈላልየና ኢዩ” ብምባል ድማ ኩሉ ሰብ ብሓደ ድምጺ ተቓዊሙዎ። በዚ ድማ ገራህቱ ምስ መሳርሕቱ፣ ነታ ቤተ-ክርስትያን ከም ዘላታ ክጥቀመላ ከምዘይክእል ኣረጋጊጹ። ንሱ ዘይቖጻጸሮ ክንድዚ ዝኣክል ህዝቢ ክእከብ፣ ምስ ፖሊሲ ህግደፍ ዘይከይድ ኢዩ። ስለዚ ገለ ነገር ክምህዝ ነይሩዎ።ምሂዙ ከኣ።

 

ታሪኽ ህግደፍን ኢሰያስን ንነዊሕ እዋን ዝተኸታተለ ሰብ “ንሓደ ነገር ከም ዘለዎ ክትጥቀመሉ ፈትን፣ እንተዘይኪኢልካ ንዕኡ ፈንጢሕካ (በቲንካ)፣ ካልእ ንዕኡ ዝመስል፣ ናይ ባዕልኻ ምትእኽኻብ ፍጠር” ዝብል ፍልስፍና ከም ዘለዎም ዝተረጋገጸ ኢዩ። ኣብ ሓጺር፣ ትንፋስ ዘይህብ እዋን ድማ፣ እታ ኣማኢት ትጥርንፍ ዝነበረት ቤተ-ክርስትያን፣ ኣብ ሓሙሽተ (5) ነንሕድሕደን ዝተሃላለኻ ጉጅለታት ተመቓቒላ። እቲ ምምቕቃል ንበይኑ’ውን ጸገም ኣይንኾነን። ምኽንያቱ ኣብ ሓደ ከተማ ዝተፈላለየ ኣስማት ዝሓዘ ብዝሕ ዝበለ ኣብያተ ክርስትያናት ክህሉ ሃብቲ ኢዩ። ምእመናን ስም ኣማልኽትን ታቦትን ርኣዮም ስለ ዝነግዱ፣ በብመዓልቱ ናብ ኩለን ምተመላለሱ። እዚ ግን መፈላለዪ ናይ ህዝቢ ክኸውን ስለ ዘይክእል ኣይተደልየን። እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ድማ፣ እተን ጉጅለታት “ንሕና ኢና እንዳገርግስ” ዝብላን ሓደ ስም ዝሓዛን ምዃነንን ኢዩ። መፍለዪ ስለዘይብለን ድማ፣ ኣብ ክንዲ ብስም ታቦት፣ ብስም’ቶም ኣብተን ጉጅለታት ዝነጥፉ ውልቀ-ሰባት (እንዳ  እገሌ) ተባሂለን ይጽዋዓ።

 

ጠንቂ‘ቲ ምብትታን ድማ ህግደፍ (ብመንገዲ ተስፋሚካአል ገራህቱ) ምዃኑ ካብ መጀመርያኡ ፍሉጥ’ኳ እንተነበረ፣ ‘መን’ዩ ብመን ተላኢኹ’ ንምርዳኡ ኣጸጋሚ ነይሩ። እቲ ተደጋጊሙ ዝዝረብ ጠንቂ ምፍልላይ “ናይቶም ዝተኣስሩ’ዶ ወይስ ናይዞም ሓድሽ ዝተሾሙ ጳጳስ ስም ኣልዒልና ንጸልይ” ዝብል’ኳ እንተኾነ፣ ጥልቕ ኢሉ ንዝዕዘብ ሰብ ግን ኣብ መንፈስ ጥራይ ዘይሕጸር ብፖለቲካ ዝተጸልወን ኢዩ። እተን ዝተመቕላ ጉጅለታት’ውን ገሊአን ብንጹር ጸግዒ ህግደፍ ክሕዛ ከለዋ፣ ገለአን ግን ሕቆአን ክህበኦ ተዓዚብና። ካልእ ነዚ መረጋገጺ ዝኾነና፣ ወዲ-ገራህቱ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ‘ኢሉዎ/ተዛሪቡዎ’ ዝበሃል ዘረባታት’ውን ኣሎ። ገለ ካብኡ፦

 

1. ነቲ ምፍልላይ ዘይፈተዉዎ ኢትዮጵያውያን ካህናት ብውልቆም ክዓርቁ

ምስ ፈተኑ “ኢትዮጵያ መሬትና ሒዛ ከይኣኽላስ፣ ኣብ ኣብያተ

   ክርስትያናትና ከኣ ኢዳ ከተእቱ” ከም ዝበለ ተነጊሩና።

2. ድሕሪ’ቲ ምፍልላይ፣ ድሕሪ ቁሩብ እዋን “ኣብያተ-ክርስትያናት ናብ ናይ

   ህግደፍ ኮምዩኒቲ ማእከላት ክንቅይረን ኢና”  ክብል’ውን ተሰሚዑ።

3. ኣብዚ ቀረባ እዋን፣ ኣብዚ ከባቢና ኣብ ዝገበሮ ናይ ደገፍቱ ኣኼባ “ህዝቢ

     ምእካብ ስለ ዝኣበየና፣ ድሕሪ ሕጂ ብመንገዲ ካህናትን ድያቆናትን ኢና

     ክንሰርሕ” ከም ዝበሎም ሰሚዕና።

 

ድሕሪ ምብትታን ናይታ እንኮ ዝነበረትና ቤተ-ክርስትያን፣ ብዙሕ ሰብ ነቲ ምፍልላይ ጸሊኡ፣ ገገዝኡ ኮፍ ክብል’ዩ መሪጹ። እቲ ምፍልላይ ብኸምቲ ኣብ በርሚንግሃም ዝተራእየ ናህሪ’ኳ እንተዘይኮነ፣ ኣብ ካልእ ከተማታት ዓዲ-እንግሊዝ’ውን ተራእዩ ኢዩ። ህግደፍ ንበርሚንግሃም ብፍሉይ ዝረኣየሉ ምኽንያት ድማ ብዘለዋ ብዝሒ ሰብን፣ ምሕያል ደምበ ተቓውሞን ኢዩ።

 

ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ምብትታን ኤርትራውያን ስለ ዝፈጸመ ድማ ኢዩ ኣምባሳደር ተስፋምሚካኤል፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ- ሰለስተ ዓመታት ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተገብረ ናይ ኩሎም ኣምባሳደራት ኣኼባ፣ ኢሰያስ ባዕሉ “ከምዚ በዓል ወዲ-ገራህቱ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝገበሩዎ ዕዉት ስራሕ …” ኢሉ ከም ዘሞጎሶ ዝተነግረና።

 

ቁሩብ ብዛዕባ ሃይማኖት ተዋህዶ ኤርትራ

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኦርቶዶግስ ተዋህዶ ኤርትራ፣ ኣብ ኣዝዩ ፈታኒ እዋን ምህላዋ ዘካትዕ ኣይኮነን። ህግደፍ ኣይኮነን መስቀል ንዝሓዘ ጳጳስ፣ ሰራዊት ንዝእዝዝ ጀነራል’ውን ይኣስርን ይቐትልን ኣሎ። እቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለዉ ካህናትን ጳጳሳትን ድማ ከማና ስጋን ነብስን ዝሓዙ ኢዮም። ንሕና ዘይከፈልናዮ መስዋእቲ ክኸፍሉ ምጽባይና ድማ በለጽ ኢዩ። ሽግር ሃይማኖታትና ዝፍታሕ፣ እቲ ጠንቂ ምብትታንና ዝኾነ ስርዓተ ፖለቲካ ምስ ዝቕየር ጥራይ ኢዩ። ነቲ ፖለቲካዊ ጸገም ንፈትሕ ከኣ ንሕና’ምበር፣ ሓደ እግሮም ናብ ጉድጓድ ዝቐረበ፣ ዝሸምገሉ ካህናትን ጳጳሳትን ኣይኮኑን። ክሳብ ሽዑ፣ ህግደፍ ደስ ብዝበሎ መንገዲ ሃይማኖታትና ከራኽስ ምዃኑ እንጽበዮ ኢዩ።

 

ካብ ኤርትራ ወጻኢ፣ ብፍላይ ኣብ ኤውሮጳ፣ ኣመሪካን ኣውስትራልያን ግን እቲ ኩነታት፣ ፍልይ ዝበለ መልክዕ ክሕዝ ትጽቢትና ኢዩ። ካህናትና ይኹኑ ምእመናን ‘ቅኑዕ’ ዝበልዎ መርገጺ ክወስዱ ነጻ ኢዮም። ንባዕሎም ከይተመቓቐሉ፣ ካብ ፖለቲካን ፖለቲካዊ ጽልዋን ወጺኦም፣ ኣብቲ መንፈሳዊ ጉዳይ ጥራይ፣ ንኹሉ ኣማኒ ብማዕረ ከገልግልዎ ድማ ግዴታ ኣለዎም። እቲ ምክፍፋል ናይ ባዕሉ ምድንጋር ይፈጥር ስለ ዘሎ። ንእብነት፣ ኣብዚ ኣነ ዘለኹዎ ከባቢ ዘለዉ ኣመንቲ ተዋህዶ (ኣነ’ውን ከም ኣማኒ)፣ ካልእ ሓረጋት ዝውሰኾ’ኳ እንተኾነ፣ ብቐንዱ ግን ኣብ ሰለስተ ዝተመቕሉ ኢዮም። ንሳቶም ድማ፦

 

  1. እዞም ተኣሲሮም ዘለዉ ጳጳስ፣ ንፖለቲካ እምበር፣ ብመንፈሰዊ መርገጺኦም ስለ ዘይወረዱ፣ ብህይወት ድማ ስለ ዘለዉ፣ ‘ስሞም ኣልዒልና ኢና ንጽልይ’ ዝብሉ
  2. ሲኖዶስ ተዋህዶ ኤርትራ፣ ነቶም ዝነበሩ ካብ ስልጣኖም ኣልዩ፣ ሓድሽ ጳጳስ መሪጹ ስለዘሎ፣ ‘ስም ናይዞም ሓድሽ ዝተሾሙ ጳጳስ ኣልዒልና ኢና ንጽልይ’ ዝብሉ፣ ዳርጋ ንኹሎም ደገፍቲ ህግደፍ ዝኾኑ ኣሕዋትናን ካልኦትን ዘጠቓልል
  3. “እቶም ዝተኣስሩ ጳጳስ ኣቦና፣ እዞም ሓድሽ ዝተሾሙ’ውን ኣቦና ኢዮም። ኩሎም ናይ መንፈስ ኣቦታትና ኢዮም። እቲ ሽግር ናይቲ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ስርዓት’ምበር ናቶም ኣይኮነን። ስም ሓደ ጳጳስ ኣልዒልና፣ ነቲ ካልእ ክንኩንን ቅኑዕ ስለዘይኮነ ድማ ‘ምእንቲ ኩሎም ጳጳሳትና’ ኢልና እንተሓለፍናዮ ይሓይሽ፣ ብዉሑዱ እዚ ዘሎ ኩነታት ክሳብ ዝመሓየሽ” ኢሉ ኣተዓራቒ ስጉምቲ ዝወስድ ኢዩ

 

እቲ ዝገርም፣ እቶም ጸሎት ምግባር እምበር፣ ኣብ መንጎ’ቲ ጸሎትን ስም ጳጳሳትን ዘሎ ዝምድና ብንጹር ዘይርዳኣና፣ ኣብ ምሉእ ዕድመና’ውን ሓሲብናሉን ሓቲትናሉን ዘይንፈልጥ ሰባት፣ ነዚ ከም ኣርእስቲ ሒዝና ንፈላለ ምህላውና ኢዩ። “እቲ ምፍልላይ ፖለቲካ ኢዩ” ዘበለኒ ድማ፣ እቶም “ስም ናይ እገሌ እምበር፣ ስም ናይቲ ካልእ ክንሰምዕ ኣይንደልን” ዝብሉ ኤርትራውያን ካህናትን ምእመናንን፣ ኣብቲ ስም ኢትዮጵያዊ ወይ ግብጻዊ ጳጳስ እምበር ስም ጳጳሳትና ዘይለዓለሉ ናይ ኢትዮጵያን ግብጽን ኣብያተ-ክርስትያናት ከይዶም ክግልገሉን ከገልግሉን ጸገም ዘይምህላዎም ኢዩ።

 

ብወገነይ ከም ተኸታሊ ሃይማኖት ተዋህዶ፣ ነቶም ኣብ ደገ ዘለዉ ካህናት ዝብሎ ኣለኒ። ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ስለ ዝተበገስና፣ ሃይማኖትና ቀይርና ማለት ኣይኮነንን። ኣብ ቀጽርታተን፣ ናይ ህግደፍ መጎሳጎሲ ጽሑፋት ክዝርጋሕ ዘፍቅዳ ኣብያተ-ክርስትያናት መጺእና ክንግልገል ከተገድዱና’ውን ግቡእ ኣይኮነን። ማዕረ’ቲ ህግደፍ ዝገብሮ፣ ንሕና’ውን እንኣምነሉ ጽሑፋት ክንዝርግሕ እንተኮይንና፣ እቲ ዝስዕብ ዕግርግር ንዓኻትኩም ንካህናት’ውን ጸገም ኢዩ። ስለዚ ኣብ ደገ ዘለኹም ካህናት፣ ነቲ ብገለ መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ኣርባዓታትን ሓሙሳታትን፣ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸመ ጌጋ ከይትደግሙ፣ ህዝቢ ከይተኸፋፈለ በቲ ዝሓሸ መንገዲ ተሰማሚዕኩም ክትመርሑና እላቦ። ከምቲ ኣምባሳደር ተስፋሚካአል ዝደልዮ፣ ቀጽሪ ኣብያተ-ክርስትያናት፣ ናብ ናይ ህግደፍ ናይ ፖለቲካ መጎሳጎሲ ማእከላት ክቕየራ ግን ፍጹም ምኽኑይ ኣይኮነን። ስለዚ እቶም ኣገልገልቲ ኣብያተ-ክርስትያናት ዝኾኑ ካህናት፣ ኣገልገልቲ ፖለቲካዊ ተልእኾን ዓለማዊ መንግስትን ክኾኑ ኣይግባእን። ምእመናን እውን ንቤተ-ክርስትያን ከም ቤተ-ጸሎት እምበር ከም መቐጸልታ ቤት-ጽሕፈት ህግደፍ ክሰርሕሉ ግቡእ ኣይኮነን። ነውሪ ድማ ኢዩ።

 

 

…   ይቕጽል

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • ተወልደመድኅን May 23, 2014

    ወዲ ገራህቱ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ክቅየር’ዩ ምስተባህለ ግብጃ ድራር ተገይሩሉ።ኣብቲ ንኽብሩ ዝተቀረበ ቶርታ ከኣ top diplomati ብል ተጻሒፉዎ።ኣብቲ ኣዳራሽ ዕሰል ሆ’ዩ ኮይኑ፡ከም መሮኣዊ ብየማኑ ጸጋሙ ኮይኖም ክምስምስ ኣናበሉ’ዮም ዘክዱዱ እቶም ካብ ነዊሕ ዘሰልተኖም ኣኽላባቱ መዓል ያሬድ።ደራፋይ ወያ ቀደም ኣብ ሜዳ ኣኤርትራ ንዝተፈጸመ ቅያ ትሰርሕ፡ኣብ ሰገነይቲ ዘበልካዮም ኣነ፡ኣብ ደቀምሃረ ዘብልካዮም ኣነ ኣብ …….ዘበልካዮም ኣነ ጎይታ ብሬን ከላሽን ዝነበረት፡ ኣብ ሊድስ ዘብልካዮም ኣነ፡ኣብ በርሚንሃግ፡ኣብ ሎንደኦን ዘብላክዮም ኣነ፡ኣብ ቸልሲ ዘበልካዮም ኣነ ጎያታ ብሬን ከላሽን ተቐያራ፡ወዲ ገራህቱ ከኣ በቲ ሃደ በዓል ዓወት ኮይኑ ክረአ ስለዝደለ እወ ኣነ ክብል፡በቲ ሃደ ነቲ ዘይበጽሖ ቦታ ፈጣሪ ቀጺለ ናባኻ’የ ብምባል ኢዱ ንሰማይ ገጹ ገይሩ እወ ኣነ ኣወ ኣነ ኣናበለ ይስቕጥ።ኣብ ምውዓል ምስኮነ እቶም ንሽሙ ዘዳምቑ፡ንቃላሩ ዝደግሙ፡ንእከይ ስረሃቱ ዝተሃባበሩ ኅልነኦም ዝሸጡ ክልተ ኣእዱግ ከኣ ሕንጎሮ ኢሎምስ ኣብዝባኖም ኮይኑ ይስቕጥ።ኣብ ዝኾነ በዓል ነጻነት ኣብዝግበረሉ ከኣ ኣብቲ ንሱን ዋህዮታቱን ዘሳሰዮ ዳስ፡ክ ኣቱ ከሎ ዘይፈልጥ ልክዕ ፈለማ ዝ ኣቱ ጋሳ ኣምሲሎም ከም መርዓት ሒዙ ዚኣቱ መርዓዊ መጺካልይ’ዶ ክጽበየካ ኣናበሉ ልክዕ ቀደም ንንጉስ ኃይለስላሰ ክንቅበል ከሎና ገይሮም ይቕበሉዎ።እምበኣር ወዲ ገራህቱ መስፍናዊ ኣረኣእያ ዘሎ በለጸና’ምበር ስለ ናጽነት ዝተጋደለ ክትብሎ ዘይከኣል መንደፍ’ዩ።

    • Hadge'anbes May 26, 2014

      እንታይ ድሑር ኣተሓሳስባ እዩ ዘለካ? ”ኣኽላባቱ” ኢልካ ንኤርትራውያን ዜጋታት ትገልጽ ድሑር ሰብ ኢኻ ፤ ኣብ መሰለን ዲሞክራስን ትኣምን ሰብ እንተዄንካ ክምቲ ንስዃ ክትቃወም መሰለይ እዩ ኢልካ ትሓስቦ እቶም ንመንግስቶም ዝድግፉ ድማ ክድግፉ መሰሎም እዩ ኢልካ ብኽብሪ ክትዛረብ ምተገብአ……. ከልቢ ስለዝኾንካ ግን ኣኽላባት ክትብል ኣየሕፍረካንዩ።

      • ተወልደመድኅን May 27, 2014

        ኣየናይ መንግስቲ’ዩ ሃውና።ሎሚ ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ፡ስሚ መንእሰያት፡ስሚ ሰላም፡ስሚ ፍቕሪ ስሚ ዲሞክራሲ ምስፍትሒ ኮይኑ ዓለም ፎእ ዝበለሉ መንግስቲ ዘይነቅፍ፡ነዚ ዝድግፍ ከኣ ልክዕ ከልቢ ወይ ኣንስሳ’ዩ።ምኽንያቱ ከልቢ ክፋል እንስሳ እንድዩ፡ኣንስሳ ከኣ ኣታ ሽዑ ዝበልዓ’ምበር ነቲ ካልእ ኣየስተውዕልን።ከልቢ ነቶም ወጻዕቲ ህዝቢ ዝኾኑ መዓል ንጉስ ኃይለስላሴ ጽቡቅ ገይሩ ይከላከል ኔሩ’ዩ።ንጉስ ኣብ ገለ ክፋል ኢትዮጵያ ኣብ ወሎ ዚነበረ ደርቅን መቕዘፍትን፡ኣብ ኤርትራ ዚገብሩዎ ዚነበሩ ግፍዕታት ኣይንታዩ ንከልቦም።ከልብስ ዘይፈልጥ ኣንስሳ ኮይኑ፡እቶም ደቂ 16-17 ዓመት ኣደዳ ስደት ምኳኖምን ጠንቑን ዘይፈልጥ ኤርትራዊ እንተኾይኑ ምስሊ ሰብ ግን ኣተሓሳስባ ከልቢ ዘለዎ’ዩ።ተረዳእ፡ክንደይ ኤርትራውያን ኣብ ማኣሰርቲ ይሳቐዩ ኣለው።ክንደይ ኤርትራውያን ካብ ስቅያት ህግደፍን መንግስቲ ኣኤርትራ ክርሕቕ ዓመት ኦኣመት ዓዲ ክቀያይር ይነብር ኣሎ።ክንደይ ኤርትራዊ ናይ ኤርትራዊ ክብሩን መንነቱን ተነፊጉዎ ዕንኪልል ክብል ይውዕል ኣሎ።ስለዚ መዓል ወዲ ገራህቱስ ናይቲ ሕሰም ኣባላት’ዮም።ክሳብ መዓልቶም ከኣ ይበልዑን ኣብጽቡቕ ይነብሩን ኣለው።ሳላ’ቲ ተንኮሎም ጥይት ኳሕ ከየበሉ፡ኣይትፈሕጠሩ ሎሚ ጀጋኑ ኮይኖም ኣብዝባን ሰባት ተሰቒሎ ይስቕጡ ኣለው።እቶም ነዚ ሕማቅ ግብሪ፡ብፍላይ እቲ ነውሪ ስራሕ ከም ሰዓርን በዓል ቃያን ኣብዝባንካ ሓንጊርካ ሆ ምባል ናይ ሰብ ዘይኮነ እንስሳውን ዘይሰርሖ ስራሕ’ዩ።ስለዚ ንሳቶም ከም ከልቢ ርፍራፍ ናይቲ ቶርታ በላዕቲ’ዮም።ልክዕ ከልቢ ከኣ ካብቲ ንጋፍን ተረፍ ምሳሕ’ዩ ዝበልዕ።ስለዚ ኣብዚ ኣዋንዚ ሽም ኤርትራ ተደኒሱ፡ህዝቢ ኣኤርትራ ሕርቅም ኣናበሉ ንመንግስቲ ንድግፍ ዝብሉ ምስ ሰብ ዘይንጽበሩ ምስሊ ሰብ ዘለዎም ኢዮም።…….ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ዝኽተሎ ፖሊሲ ሶሻሊስታዊ ኮሚንስታዊ ካፒታሊስታዊ ወይ ካልእ ኢሉ ኣይኮነን ዝቃወም ዘሎ ዝበዝሐ ኤርትራዊ።እቲ መንግስቲ ዝባሀል ሃደ መንግስቲ ዘማልኦ ረቛሒታት ዘይብሉ ሽፍታን ክብርን መሰል ዜጋታት ዘይሕሉ ዕቡዳት ዚተኣከቡዎ መንግስቲ’ዩ።ግቡእ ስሮኣት ዝኽተል መንግስቲ ናይ የማን ወይ ናይ ጸጋማይ ደጋፊ ክትከውን ትኽእል ኣብዚ ልክዕ ኣብ ዲሞክራሲ ክህሉ ዝግበኦ’ዩ።ከምዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ፡እናፈለጠ ሃገር ከባድም፡ሓንሳኣ ብውግእ፡ሓንሳእ ሰባት ሰሪሖም ከይነብሩ ጅሆ ምሓዝ፡ሓንሳኣ ዜጋታት ምእሳርን ምግፋፍን፡ሓንሳእ ስደት ከምዝናፍቑን ግደ ስደት ዝገብር ዘሎ መንግስቲ፡መንግስቲ ኣይኮነን፡መንግስቲ ዘብሎ ንጹር ሕጊ መንግስቲ የብሉን።ሕጊ መንግስቲ ዘይብሉ ሓደሰብ ከምፈራዲ፡ከምሓጋጊ፡ከም ወሳኒ ኣብዘለወሉ ስሮኣት ምልኪ’ዩ።ምልኪ ብምልኩ ከኣ ናይ ኤርትራስ ጨካኝ ምልኪ።ስለዚ ነዚ ዝድግፉ ኣካላባት ካብ ምባል ሓሊፍካ ካልእ ምስምስ ዝወሃበሉ የለን።ምኽንያቱ እቲ ጸገም ካልእ ኤርትራዊ ዘይርእዩ ስለዝኮኑ።

      • ኣይበልናን'ዶ May 27, 2014

        ሃደገምብሰ፡ኣብ ኣውደ ኣመት ደብረ ሲና፡…..ቅጫ ዘይጸገቡ ፊዮሪ፡ኣደየ ነዚኦም ቁሊሕ በሊ ክብሉ ውዒሎም ነጋዶ።…..እዚ ኣብ ፌስቡክ ዝወጸ ኩሉ ዝረኣዮ ኢዩ።….ምኽንያቱ ንጉዳይ ህዝቢ ቁሊሕ ዝብል ስሮኣት የለን ኣብ ኤርትራ።ጉዳይ ህዝቢ ቁሊሕ ዘይብል መንግስቲ ከኣ ናይ መንግስቲ ብቖኣት የብሉን።ነዚ መንግስቲዚ ዝድግፉ ኣብዚ ኣዋንዚ ከኣ ምስሊ ሰባት ዘለዎም ባዶ ጥራሕ’ዮም።

      • ተወልደመድኅን May 27, 2014

        ስማዕ ሃደግንበስ፡ክሳብ ሎሚ ካብ ከማካን ከም ውዲ ገራህቱን ዚኣመሰሉ ኤርትራ ትምዕብል ከምዘላ ንዓመት ዓስርተ ስጉሚ ትኽይድ ከምዘላ፡ሕሉፍ ሃሊፊኩም ነተን ኣቐዲመን ዝተበገሳ ኣርኪብኩም ብምሕላፍኩም ትፍስሑ ኔርኩም።ኣዚ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ዝተዘርበ” ንገለ ሃገራት ኣርኪብና ሓሊፍናየን “ቃል’ቲ ፍውሱ መራሒኹም።እቲ ዘገርም ኣናረኣኹም እናሰማዕኩም ዝሃስብ ሃንጎል ከለኩም ንመን ከመይ ኢልኩም ከይተመራመርኩም ደጊምኩምዎ።እምበኣር እነሆ ጋዜጣ ሃዳስ ኤርትራ 26 ግንቦት መበል 23 ዓመት፡ቅጽሪ 268…..ምምሕዳር ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ሱዳን፡ንሚንስትሪ ጥዕና፡ትምህርት ኮሚሽን ስፖርት ዝውዕል ናይ ናውቲ ሓገዝ ኣበርኪቱ…..ይብል።እዚ ዘሕፍር’ዶ ኣይኮነን ናብ ዝነዓቕካየን ተመሊስካ ወይ ሓሊፍናየን ናብ ዝበልካየን ተመሊስካ ክትልምን።ኣዚ ኩሉ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ደዋይ ዘይሰርሕ ተመጽዋቲ ለማኒ ኮይኑ ድዩ፡ ኣይኮነን ሰሪሑ ድኽነት ከይስዕር ብ ኢዱን እግሩን ኮኪዱ’ዩ ሒዙዎ መንግስቲ ኤርትራ ከምዚ ዝገብር መንግስቲ ኢኻ ደገፍቲ ትብሎም ዘሎካ፡ኣዚኦም ደገፍቲ ኣይኮኑን መዕነውቲ’ዮም።……ስለዚ ደሃን ወዓል ሃድጋት …………………..ካብ እንስሳ ዝበልካዮ።

  • gebre1 May 24, 2014

    wed Gerahtu is a messenger from his god Issais, it was better if he could look after his family. We all have so many thing to do and we are helping our children in the evening to improve their education. Wedi Gerahtu might have no time to do this. we will see what will happen, it will come as a big article soon. he is irresponsible person that is why he is serving his master.

    • TwoWayStreet May 26, 2014

      Don’t think that he is doing all of this while neglecting his family. His youngest brother Tesfalem Gerahtu graduated from the University of Asmara department of Mathematics (I think in 1990/1/2 around that time). At those times all math, English or science graduates were directly sent to the Ministry of Education to be teachers. But Tesfamichael Gherahtu managed to send his brother to the Ministry of Commerce, and then was immediately sent to an Eritrean Embassy in Africa (I think Kenya or Uganda). So Gebre 1 don’t worry he looks out for his family while playing with the lives of other Eritreans.

      • Mihretu Berhe May 26, 2014

        Let me add something on top of what you are saying Two Way Street. His youngest brother is in Sweden. He borrowed 500,000 Birr from Asmara Commercial bank sometime between 1996/97 and he eventually disappeared without paying the loan. He is now living in Sweden. The Police of Eritrea accused him of robbery and they are still searching him. However the government of Eritrea has done nothing so far. This can be one of the reasons why Wedigarahtu sticks to Isaias. So the whole family is now a criminal.

  • solomon May 24, 2014

    Antum sebat nsatomsi nay tefat serhom yekaydu alwu nehna ke meas ena nnekhalom.

    Solomon

  • negash May 24, 2014

    I don’t think is reasonable to blame Wedi Gerahtu for the weakness of the people. We need to question ourselves regarding the problem of the people if they fail to differentiate an enemy from a friend.

  • Selamawi' May 24, 2014

    Thanks Ato Taddese. This is very mature piece and you have clearly said what a good priest should have said in this matter.

    With regards to the Patriarchs, in my understanding, it is about validity of the Patriarch (but not the person.) There are church procedures which need to be followed in the election process as well in the anointing of the clergy: deacons, priests, bishops, patriarchs. Abune Antonios was elected and anointed in line with the procedures of the Orthodox Church.

    In my understanding the Eastern sister churches have the same procedures to follow when it comes to validity of their clergy. As such those popes in different countries are part and parcel of the bigger Orthodox Church – be it from Ethiopia, Egypt, Russia, Greece, Syria or else. Those valid popes you mentioned (Ethiopian or Egyptian…) are spiritual leaders not national leaders. Their teachings, their guidance, and their prayers sustain the collective Orthodox Church. Hence they cross boundaries as their mandate is beyond this world, as you know.
    In our case, the question is whether the spiritual leader has received the spiritual heritage handed down from the apostles in the true way the Orthodox Church understands it. If not, then there is no validity.
    Therefore, the problem is not the person of the ‘successor’ of Abune Antonios. The problem is simply his leadership does not have validity. I am not sure if the other sister Orthodox Churches have recognized him as true leader of the Eritrean Orthodox Church or not. I would be surprised if they would.

    When some priests and the faithful refuse to mention his name in their prayers, they are saying that they do not recognize his spiritual leadership (not his personal sanctity or his teaching.) These people are following what they know is right: Abune Antonios is the valid and true spiritual leader of the Eritrean Orthodox Church. That is true in their minds, in their hearts and in their consciences.

    Pfdj is tampering with church affairs in order to complete its destructive goal. No one in their right mind can understand the interference of an ungodly organization (pfdj) in church affairs. What is sad and mind-boggling is that some Christian people are being instrumental in destroying their own church and their own society.

    As you said, Ato Tadese, pfdj operatives have infiltrated most of the religious institutions including Orthodox (perhaps most affected), Moslims, Catholics, Pentecostal churches and any small groupings such as Mahberat.

    My recommendation would be: for the faithful to be vigilant and root out any spoilers amongst them. For example, true believers do work towards unity of the faithful. True believers bear fruit which is edible by everyone in the community. If some from within us works to create hatred and mistrust amongst the faithful, they should not be given any leadership within the church affairs. The Church needs pious, committed, well informed leaders (e.g. in what we call Shimagle), deacons, priests…who clearly preach that in God’s world there is no division ‘awraja, wereda, enda..’ God is love, the Church preaches and feeds her faithful that very love, and rejects all hatred and divisiveness because it is essentially evil (serah seytan!)
    If faith communities do not root out pfdj infiltrators (whose mission is to divide and destroy)the impact will be severe in the long run.

    I hope you will inform us of the characteristics and methods of the spoilers as you see it.

    God have mercy on us all and free us from the shackles of pfdj. Amen!

    Thanks again for your informative piece and your beautiful skills.

  • THE NOBLE TEACHER May 24, 2014

    “ልዕሊ ሓምሳ ዕድሚኡ______ ብዶሽካ ቀንጽልዎ
    ምጉምባሕ ዘየሕነኾስ መዋሳወሲ ዶንኤካ ኣሕሪቕዎ” !!!

    ኮንንዎም ንደቂ ትግራይ____ነምሓሩን ኦሮሞን ርገሙለይ
    ንሳላሳ ዓመት __ብትምህርትን ክብረትን ዓቕለይ ዘጽበቡለይ
    ስስዔ, ሃብቲ ሃገሮም___________ክብሕቶ ዘፍቀዱለይ
    ጭቆንኦም በቲኼ ___________ክሳዕ ዝምስርት ገድለይ
    ሳላ ኣሕዋተይ ወያነ___________ እናዘለሉ ዝፈረሙለይ
    ግዝኣት ሙዳዳ ረኺበዮ____ ኣምላኽ ትምኒተይ ፈጺሙለይ !!!

    ሳሕል ከላ ዝተቖጸኹላ_________ሻዕብያ መለይ
    ከም ቃላ _______ናይ ህዝበ ክርስትያን ክትኮነለይ
    ናይ “ኣስላመይቲ” ጀብሃ፣ሬሳ ኣዳጊማ___ ክትነግሰለይ
    ክትቁሽምደኒ__________ወዲ ባንዳ፣ከም ኣመለይ
    ፈሊጣትኒ፣___ክብረት ኢትዮጵያይ ከም ዘየጥዕመለይ
    ካብ ሕቝፈይ ትምንጥለኒ_________ ወደይ ጓለይ
    ንራሻይዳ ትሸጠኒ_________ማንጁስ ይዋዓዓለለይ
    በደዊን፣ብድሕሪ ወደይ፣ንዓይ ኣጎምቢሖም ዝነቝቱለይ
    ፊርማ ወያነ፣_______ድሌተይ ዝሃቡኒ ኣመስግኑለይ !!!

    ኣምሓድር ተባሂለ___________ኢትዮጵያኻ ከም ጎይታ
    Doppio ዓራት እንተቕረቡለይ___መረጽኩ፣ኩርኳሕ ባይታ
    ኢሳያስ ስረይ ፈቲሕዎ_________በደዊን ድማ ሙታንታ
    ክብረት ኣልቦ፣_________ካልቾ ዝቕበል ንዝሓረረ ባስታ
    ጉሓፍ ኣእትውኒ ____________ዓለም ክገፍሓ ቦታ !!!

    ደቁ ክሕረዱ_________________ዘይተቐንዘወ ህዝቢ
    ሙዳዳ ኣስኩት ኢሎም__፣ትሕቲ መሬት ዝዓጽውዎ ከም ከልቢ
    ስንኩላት ክርሸኑ_____________ዘይበለ፣ኣበደነይ እምቢ
    በደዊን ከጎምብሕዎ ዝተደበረ ____ከም ክላይላይሶ ናይ ዓርቢ
    ደምሒት “መዋሳወሲ” እንተበልዎ___ ነደረ ከም ተነኽሰ ብንህቢ
    ሎምስ ክኣ ብዓጋመ______________ኢሉ ተቖጥዔ ብልቢ
    ብደዉ ዝሞተ_____________________ዝፈንፈኖ ረቢ
    እቲ መንእሰይ ክቐስን______________ሓድሽ ሂወት ከናቢ
    ኣምላኽ፣ንደቂ ሓምሳ ኤርትራውያን ወድኣዮም,ብሕማም ተላጋቢ !!!

    ነዚ ዘሔጉስን ዘምበርክኽን ትሑትን ስነስርዓታዊን ነጻነትና ዘየኽብሩ፣ካብ ወያነን ሲ ኣይ ኤን ፈሊና ኣይንርእዮምን ኢና !!!

    • selamawit2 May 26, 2014

      Genetina, you are so lovely when you laugh
      therefore i have one more for you:

      Do you know by absolutley fevorite comment on Eritrean and Eritrea:

      “I do care for our Eritrean people.We are Eritreans ,not because we hate & foolishly put down Amharas & Tegaru of Tigray,but because we have rich loving culture & our national identity is Eritreans….
      WE ARE ALL ERITREANS, NOT ASHAMED OF OUR TRIBAL /RELIGIOUS/REGIONAL IDENTITY.”

      I admit that i just borrowed.

      I am Not the author. The real author is the
      ONE (HUNDRED) AND ONLY
      MEBRAHTU HABTE PAWLOS aka SYE aka NOBLE TEACHE (nibble brains etcher)…aka…aka…(k)aka…

      Just look and see – isn’t he a TWISTED multiple personality ???

      MEHRETU HABTE on March 2, 2013 at 11:00 pm said:

      http://demo.archive.assenna.com/here-and-there-ii/
      (please scroll down)

      😉

  • Simerrr2012 May 27, 2014

    If we want to win the battle we fight with higdef we have to do the same way they do to divide us. Let we go to their community as higdef supporter and approach the individuals since most of them have no strong stand. Let we divide them the way they divided us. Let we approach the young boys and girls with the language they understand. We talk to them Baba Isayas is doing this and that and then little by little dictator replace the word baba. Let we go to church and approach the people friendly and passionately to win their trust and show them the real picture of Higdef. If we can’t divide them in to pieces then let we organize our own communities, churches, mosques and make them feel free to say what they want to say. Slave can’t not free itself without the help other individuals, organization and other means. The higdef supporters behave and act as real slave and the master will not free slaves voluntarily.

  • Mesinas May 30, 2014

    ክቡር ሓው ታደሰ፡ ነዚ እከይ ተግባራት ዕሱብ ወዲ ገራህቱ ዝኽሕዱዎ ሰባት እንተልዮም፡ እቶም ብውልቃዊ ረብሓ፡ ንቑንጣሮ ሓለፋ ክብሉ ምስኡ ዘሕለኽልኹን መሰልቶምን ጥራይ እዮም ክኾኑ ዝኽእሉ።

    ተስፋሚካኤል ገራህቱ

    ድምጺ ኣመሪካ እንተ ሰሚዕናያ
    ንወዲ ገራህቱ ክትሓቶ ምንያ
    ኣዒንቲ ክትደፍን ብሓሶት ወኻርያ
    ነዛ ሃገር እምበር ፍጹም ኣሕፊርካያ!

    እዛ ኣደ ኣባ ጥመር ኣደ’ዚ ጎሚዳ
    ሓሶት ዘይትፈልጥ ሓቂ ዝልማዳ
    እንቋዕ ኣይመኸነት ንኣኻ ወሊዳ
    ኣብ ሚድያ ቀሪብካ ፍሹል ተዋርዳ!

    እዛ ዓዲ ወልደኣብ’ወ ዓዲ ኢብራሂም ሱልጣን
    ህዝቡ ዚበታትን ነጊሱዋ ሰይጣን
    ንኻልእ ዘይሓስብ ብዘይካ ንስልጣን
    ግናይ ዘራባኡ ኣላጋጭ ምስ ሽሕጣን
    ሃገር ዘሪኡላ *ባርኖሳይን ኣንበጣን! *ዘራእቲ ዘጥፍእ ጸሊም ኣባጨጐራ

    ኤርትራዊ ዜጋ ፋሕ ጭንግራሕ ኢሉ
    ካብ ሲኦል ከእዊ ሓዊ ተቓጺሉ
    ሓሶት ዘቀባብል ንምልኪ ወኪሉ
    ንወዲ ገራህቱ መን’ዩ ክሓፍረሉ!?

    እዚ ወዲ ገራህቱ ኣኼስ ዓካት ርእሱ
    ህዝቢ እጠፍአ ናብ ስደት ፈሊሱ
    *ሃዚላት ኣኪቡ ብዓል ንሕና ንሱ *ዓያሹ
    ጽቡቕ ኣለና ኢሉ ንዓለም ዚሕሱ
    ጽባሕ ስርዓት ገበል እንተ ተደምሲሱ
    እንታይ ኢዩ ዚኾኖ ፍትሒ እንተ ነጊሱ!?

    ወይልኻ ደኣኒ ተስፋሚካኤል ገራህቱ
    ሕልናኻ ዚሸጥካ ንምልኪ ብኸንቱ
    ቈልዓ ምስ ሰበይቲ ኣብ ባሕሪ ክጸንቱ
    ዒላ ኲዐትና ኢልካ ጽንጽዋይ ተዘንቱ
    መሬት ምስ ወገሐስ ኣበይ ኢኻ ኪትኣቱ!?

    ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

Post a Reply to gebre1 Cancel Reply