Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓድነት ዘይብሉ ህዝቢ ክሳቐ ይነብር

ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ስርዓት ህግደፍ ዝብሎ “ሓደ ህዝቢ፡ ሓደ ልቢ” ክኸውን ኣለዎ እኳ እንተ ዘይበልና፡ ኣብ ገለ መድረኻት ናይ ሓባር ዓላማን ናይ ሓባር ጸላእን ክህልዎ ናይ ግድን ኢዩ። ኣብዚ መድረኽ’ዚ ነቲ ዝፈላሊዮ ንወሰን ሓዲጉ በቲ 

ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ስርዓት ህግደፍ ዝብሎ “ሓደ ህዝቢ፡ ሓደ ልቢ” ክኸውን ኣለዎ እኳ እንተ ዘይበልና፡ ኣብ ገለ መድረኻት ናይ ሓባር ዓላማን ናይ ሓባር ጸላእን ክህልዎ ናይ ግድን ኢዩ። ኣብዚ መድረኽ’ዚ ነቲ ዝፈላሊዮ ንወሰን ሓዲጉ በቲ  ዘራኽቦ ሓቢሩ ክሰርሕ ናይ ግድን ይኸውን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ናይ ሓባር ዓላማኡ፡ ፍትሕን ዲሞክራስን ምርግጋጽ ኢዩ። ናይ ሓባር ጸላኢኡ ድማ ስርዓት ህግደፍ ኢዩ። ብርግጽ ስርዓት ህግደፍ ከየልገስካ ኣብዚ ዓላማ’ዚ  ክብጻሕ ኣይከኣልን። ፍትሕን   ዲሞክራስን ዘይብሉ ሕብረተሰብ ሰላምን ርግኣትን ክህልዎ ኣይኽእልን። እዚ ሕብረተሰብኣዊ ሕጊ’ዚ ንህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሙሉእ ሕብረተሰብ ዓለም ዝሰርሕ ሕጊ ኢዩ። ፍትሕን ሕግን ደሞክራስን ንፍሉያት ሰባት ጥራይ ዝጠቅም ዘይኮነስ ነቶም ኩሎም ውጽዓት ኣህዛብ ዘገልግል ኢዩ። ስለዚ ውጹዕ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ኩሉ ሓዲጉ ንጥቕሙ ክብል ነዚ ዓላማ’ዚ ከተግብር ክቃለስ ኣለዎ።

 

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ ዝነብር፡ ዝኾነ ለውጢ ዘየተኣታቱ ጨካን ድሑር ስርዓት ኢዩ። ሕሉፍ ታሪኽ፡ ትመሃረሉ’ምበር ኣይትነብረሉን። ስርዓት ህግደፍ ግን እነሆለ ን23 ዓመታት ነቲ ዝሓለፈ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዳዊት ክደግም ይነብር ኣሎ። ምስኪን ህዝቢ ኤርትራ ዝፈትዎም ደቁ ከፊሉ ዝመጸት ናጽነት

ናይ ስልጣኑ መሽቐጢ ጌሩዋ። ካልኦት ውድባት ማዕረኡ ከም ዘይተቓለሳ “ኣነ ኢየ ናጽነት ኣምጺኤልካ፡ ህዝቢ ኤርትራ ደኒንካ ተገዛእ” ይብሎ።ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ከም ዝጠቐስኩዎ፡ ሓደ ሃገራዊ ናጽነት መሳጋገሪ ምዕባሌ ኢዩ። ተዘይኮነ ናጽነት ንገዛእ ርእሱ መጨረሻ ዓላማ ኣይኮነን። የግዳስ ናብ ራህዋን ምዕባሌን ዘስግር መድረኽ ኢዩ። ዘገርም ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ግን ድሕሪ ሃገራዊ ናጽነት ድኽነትን ስደትን ማእሰርትን ኢዩ ማዕቢሉ። ከም ሪኢይቶይ’ኳ፡ ሃገራዊ ባንደራን ሃገራዊ ዲክታቶርን ጥራይ ኢዩ ተረኺቡ። እዚ ዝረአን ዝጭበጥን ዘሎ ህልዊ ኩነታት ኢዩ። ዘካጥዕ ኣይኮነን። እሞ ህዝቢ ኤርትራ ድኣ ነዚ ድዩ ታቓሊሱ?

 

ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ማዓልቲ ናጽነት ዝኽበረሉ ወርሒ ኢዩ። ንሕና ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮናስ ኢትዮጵያውያን እውን ኢህኣደግ ንደርግ ደምሲሶም ዝኣተውሉ ስለ ዝኾነ፡ ከምቲ ናይ ስርዓት ህግደፍ ዝተጋነነ ኣይኹን’ምበር የኽብርዎ ኢዮም። በጋጣሚ ናይ ክልቲኡ ዘኽርታት ብተለዠን ብምክትታለይ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ግንቦት 20 ኢ.ዓ.ም.ዘምጽኦ ምዕባሌ ከርኢዩ ከለው፡ ማለት መጋቢ መንገድታት፤መንገዲ ባቡራት፤ሓይሊ ኤለትሪክ፤ እቶት ሓረስቶት፡ዝተሃንጹ ዩኒቨርስታት፡ ሆሰፒታላት ወ.ዘ.ተ. ከርእዩ ከለው፡ ኣይትሓዙለይ ከየጋነንኩ ኣብቲ ናይ ምኽነያት 24 ግንቦተ መዓልቲ ናጽነት ኣብ ኤረ-ቲቪ ዝረኣኹዎ ግን ናይቲ ዝሓለፈ ኵናትን ጓይላን ጥራይ ኢዩ። ኣይገርመንን ከኣ ዘይብሎም ካሊእ ከርእዩ ኣይኽእሉን። ብፍላይ ዝሓለፈ በዓል ናጽነት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሓደ ገጠር ናይ ጋሽ-ባርካ ከርኢ ከሎ ዝተዓዘብኩዎ ብዙሕ ኢየ ተገሪመ። ነቶም ገባር ከካብ ኣጉድኦም ጸዊዖም ኣብ ሓደ ሜዳ ይእክብዎም። ቁሩብ ብዛዕባ እቲ ዝሓለፈ ቃልሲ ገሊጾም ናብ ጓይላ ይኣትው። እቲ ቀንዲ ከርሰነገር ኣብዚ ግን፡ እዞም ህዝቢ ዚኦም ነቲ ንሽሙ ናጽነት ዝኸፈልዎ ዋጋ ኣብ መነባብረኦም ለውጢ ኣምጺእሎመ’ዶ? እታ ኣጉዶ፡ ኣጉዶ ቀደሞም። ዝተሰርሐ ጽርግያ የለን። ኣብ ኣካባቢኦም ክልኒክ የለን። ደቆም ተኣርዮም ሳዋ ሰፊሮም። እቲ ዝሓለፈ ኵናት ተደጋጊሙ እንተ ተነግረ፡ ነዚ ድኻ ህዝቢ እንታይ ኢዩ ዝዓብሰሉ? ካብ መስዋእቲ ዝተረፉ ደቁ ከይመሃሩን ከየፍርዩን፡ ስደት መሪጾም ኣብ ፎቖዶ ምድረ-በዳን ባሕርን ይወድቁ ኣለው። እሞ ህዝቢ ኤርትራ ን30 ዓመት ነዚ ድዩ ተቓሊሱ? እብል ሞ፡ ቀጺለ ድማ ስለምንታይ ከ እዚ ውጹዕ ህዝቢ’ዚ ሕጅኸ ብሓባር ዘይቃለስ? ኢለ ድማ ንነብሰይ ይሓታ?

ካሊእ ኣስደማሚ ነገር ዘሎ፡ እዚ ፈውሲ ሕንኪ ዝወሓጠ ስርዓት፡ ሎምስ ኢሉ-ኢሉ ናይ 70ታትን 80ታትን ትዝታ ተራኢዩዎ ናብ ፈስቲቫል ቦሎኛ ተመሊሱ? እቲ ዘገርም ስርዓት ህግደፍ ኩሉ ተጸንቂቕዎ ናብዚ ጉዳይ ቦሎኛ መምላሱ ኣይኮነን ዘገርም። ንሱ ስዓብቲ እንተ ረኺቡ ኩሉ ዘይግበር ነገር ገይሩ ኢዩ። ይገብር ከኣ ኣሎ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ግን እቶም ኣብ ዝኣጎዶ ኳይላ ዝዕጠቑ ኢዩ። ትማሊ ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ 400 ዕሸል መንእሰያት ኣብ ደሴት ላምፐዱሳ ተቐዚፎም፡ ካብታ ዝዝረበላ ዘሎ ቦሎኛ ዘይረሓቐ ትኩስ መቓብሮም ከይነቐጸ፡ ወለዲ ንብዓተን ከይደረቐ፡ ኣብዚ ዘሕፍር ጓይላ ዝመጹ ዘጋታት ኢዩ። ሎሚ ናይ ኤርትራ ኩነታት ካብ ፖለቲካዊ ሕቶ ሓሊፉ ናይ ሞራል (ሕልና) ሕቶ ኢዩ ኮይኑ። ኣቱም ኣብዚ ቦታ’ዚ መጺኹም ክትስዕስዑ ተዳሊኹም ዘሎኹም፡ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ረሳታት ኣሓትኩምን ኣሕዋትኩምን ምርኻስ ምዃኑ ክትፈልጡ ኣሎኩም። ኣብ ነብሲ ወከፍ ታሪኽኩም ሓበላ ተቐምጡ ከምዘሎኹም’ውን ፍለጡ።

ኣብዚ ክጥቀስ ዘለዎ ኣገዳሲ ነጥቢ ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ ናብ ቦሎኛ ምምላሱ ቆለ ናይ ቦሎኛ ኣገዲድዎ ኣይኮነን። ነቶም ካብ ግዳይ ምድረባዳን ባሕርን ድሒኖም ዝተሳገሩ መንእሰያት ኣብ ዘዘለውዎ እናሰዓብካ ምምዝማዝ ኢዩ። ብቐንዱ ኣብ ፖለቲካዊ መዳያት ከሲሩ ሰለ ዘሎ ነቶም ሓደ ክልተ ከይተረድኦም ጠቕሚ ዘይብሉ ናብ ሓዲገምዎ ዝመጹ ዝጠፈሸ መንግሰቲ(ኢምባሲ) ዝመለሱ ንምንዳይ ኢዩ። ከይዱ ከይዱ ድማ ካብዞም ድኻታት ቆልዑ ገንዘብ ምንዳይ ኢዩ። እቲ ስርዓት ዝገበሮ ኩሉ ዘሕፍር ኢዩ። ታማሊ”ከዳዓት፡ጸጊቦም ይሃድሙ ኣለው” ዝበልካዮም ተመሊሰካ ተናዲዮም? እቶም ናብዚ ስርዓት ዝምለሱ’ውን ዘኹርዑ ዘጋታት ኣይኮኑን። እቲ ስርዓት ተስፋ ዘይብሉ ምዃኑ ሪኦምዎ ኢዮም። እቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ’ውን ንዓኦም ዝምልከቶም ኢዩ።

 

ካሊእ ኣብ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም፡ናይ ሓባር ዓላማ ብሓባር ዘይምቅላስ ኢዩ። እቲ ዘኸተሎን ዘኸትሎ ዘሎ ሳዕቤናት ብዙሕ ኢዩ። ህዝብና ብፍላይ ድማ መንእሰያትና፡ ስርዓት ህግደፍ ዘካይዶ ዘሎ ግጉይ ፖሊሲ፡ ብፍላይ ድማ መወዳእታ ዘይብሉ ዕስክርና ይኹን ዘስዓቦ ድኹም ቁጠባዊ ትሕዝቶ፡ ዝፈትውዋ ሃገሮም ሓዲጎም፡ ፈቖዶ ስደት ከርተት ይብሉ ኣለው። ይኹን’ምበር ኣብ ስደትውን ንጥቕምኻ ክትብል ክትተሓባበር ኣሎካ። ስርዓት ህግደፍ ራሕሪሕኻ መጺኻ ኣብ ደሞክራስያዊ ሃገራት ምስ በጻሕካ ናብ ኢምባሲ ስርዓት ህግደፍ ምእታው፡ ዝተፋእኻዮ መሊሰካ ምውሓጥ መለት ኢዩ። እዚ ተግባርት’ዚ ውጽኢቱ ኣብ እስራኤል ዘጋጥም ዘሎ ሽግራት ኢዩ። “ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ” ከም ዝበሃል ውሑዳት ካብ ደምበ ስርዓት ህግደፍ ኣተሓሳስባ ዘይወጹ፡ ናብ ኢምባሲ ስርዓት ህግደፍ ብምእታው፡ክልተ ካብ ሚኢይቲ ብኽፋል፡ከምኡ ድማ ብስርዓት ህግደፍ ዝግበር  ፈስቲቫላት ብምክፋሎም፡ እሞ እታ ጽሓፊት ኢምባሲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ እሰራኤል፡ እስራላዊት ስለ ዝኾነት፡ እቲ ጸብጻብ ናብ መንግስታ ስለ ዘማሓላለፈት፡ እቲ  ሕጂ ዝረኤ ዘሎ ጸገም ወሪዱ ማለት ኢዩ። መንግሰቲ እስራኤ ድማ “እዞም ስደተኛታት’ዚኣቶም ምስ መንግሰቶም ዘለዎም ዝምድና ጽቡቕ ስለ ዘኾነ ከም ስደተኛታት ኣይሪኦምን ኢየ።” ኢዩ ዝበለ። እዚ ንዓይ ካሊእ ይተረፍ ኣብታ ጥቕምኻ ከማን ዘይምትሕብባር ዘምጽኦ ሳዕቤን ኢዩ። በሻሓት ዝቑጸሩ ኤርትረውያን ከኣ ኣብ ሽግር ወዲቖም ይርከቡ። እዚ ስጉምቲ’ዚ ኣብ መንግስቲ ኖርወይ እውን ከይድገም ይፍራሕ ኣሎ። ነዚ መፈትሒ ክኸውን ዝነበሮ ግን፡ እንተኾነ እቶም ተመሊሶም ካብ ስደት ናብ ስርዓት ህግደፍ ዝኣትው ኢዶምን እግሮም ቆጢቦም ክነብሩ ነይሩዎም። ተዘይኮነ ድማ እቶም ናይ ሓቂ ስደተኛታት በቲ ሕጊ ናይቲ ዝነብሩሉ ሃገር ተመዝጊቦም፡ ተወዲቦም ተቓወምቲ ምዃኖም ኣፍሊጦም፡ ነቶም ወይጦታት ነቲ መንግሰቲ ኣሕሊፎም ከጋልጽዎም ነይርዎም። ተዘይኮነ ተተሓሒዘካ ኣብ ኢድ ህግደፍ ምውዳቕ ኢዩ።

 

ናይ ሓባር ዓላማ ብሓባር፤ ክንብል ከሎና ብዝያዳ ዝምልከቶ ነቲ ተቓዋሚ ደምበ ኢዩ። ንድሕሪት ተመሊስና ኣብተ ዝሐለፈ ብረታዊ ቃልሲ ምስ እንዝክር፡ ሰውራ ኤርትራ ዝዳኸም ዝነበረ፡ ኣፈታትሓ ግርጭታት ብግቡእ ዘይምሓዙ ኢዩ። እወ ልክዕ ኢዩ፡ “ካልኣዊ ግርጨት ብሰላማዊን ደሚክራስያውን ኣገባብ ምፍታሕ” ይበሃል ነይሩ። ብተግባር ግን ከምኡ ኣይነበረን። ሕጂ’ውን ከመምኡ ኣይኮነን። ኣብ ሰውራ ኤርትራ ዝሓለፉ ኩሎም ግርጭታት፡ መንካዕ ኣብ ህባዊ ሓይልታት፤ ፋሉል ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፤ የሚን ኣብ ህዝባዊ ግንባር፤ ድሒሩ ዝነበረ ምፍንጫላት ኣብ ኩለን ጀበሃ ውድባት፤ G15 ኣብ ስርዓት ህግደፍ ወ.ዘ.ተ. እቲ ዝተወስደ ኣፈታትሓ ግርጭታት ብዓመጽ ኢዩ ነይሩ።

ኩሎም ተቓወምቲ ሓይልታት ናይ ሎሚ፡ ብፍላይ ከኣ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ከሉ ነገር ገዲፎም፡ ዘለዎም ሰብኣዊ ጉልበትን ንብረትን ጠርኒፎም ናይ ሓባር ቃልሲ ከካይዱ ነይሩዎም። ኮይኑ ግን ከምቲ ህዝቢ ዝጽበዮ ኣይኮነን። ዳርጋ ኩለን ውደባትን ሰልፍታትን ቃልሰን ኣብ ጸቢብ ውድባዊ ጸግዒ ዝተመርኮሰ ኢዩ። ሕድሕድ ምክኣኣል ወይ መጽውዋር ዝበሃል የለን። እቲ ወርቃዊ ግዜአን ዳርጋ ኣብ ናይ ሕድሕድ ምጽባእ ኢየን ዘሕልፋኦ። ከምኡ ስለ ዘኾነ ኢዩ ድማ ብሓቂ ተቓውሞ ደንቢ ንቕድሚት ክስጉም ዘይካኣለ። በመሰረቱ ሓደ ህዝባዊ ቃልሲ ከተካይድ ከሎኻ ብዓይነቱ ናይ ሓባር ቃልሲ ኢዩ። ሓደ ናይ ሓባር ጸላኢ ድማ ኣሎካ። ንህዝቢ ኢልካ ትቃለስ እንተ ኮንካ እቲ ናይ ሓባር ጸላኢ ኣሊኻ፡ ስልጣን ናብ ህዝቢ ኢዩ ከተረክብ ዘሎካ።

 

ኣድሓኖም ፍትዊ

03-07-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
23 COMMENTS
  • Medber July 3, 2014

    Kebur Adhanom kulughze tesehfo behaki besulen haken mahren eu entkone Eritrana tsemamaten mehaymaten sebebten neshfta Isayas zedgfun ketmehren ketreden bezuh stab alena mehuratna tahabom opportunist tekawemti dema belash kunom ember HGDF daa ab gemgem sedfi endu zelo dehri 23 ametsi nab Bolonga for what?
    Awat neti wetsum hezbie Eritrea.

  • Jaber July 3, 2014

    Bini
    You read the article carefully and then you can comment based to the article. But ;your comment absoultly nothing associates to it ; And based to your previous comment a lot of them they look either you get paid to do the dirty job by HGDEF to divide people in diaspora or u have some hiden ajenda.

  • ERITREAN UNCLE July 4, 2014

    ክብርቲ ERITRAWIT ,

    እቲ ኣብ ላምፔዱሳ ዝተፈጸመ ግፍዒ እኮ ከም ንእሽተይ ቆልዓ ንሳልስቲ ኣብክዩንስ ክሳዕ ሕጂ እውን የሳቕየኒ ኣሎ፣ ኣነ ዝረእየኒ ግን ንዓኣቶም ጽባሕ ንጉሆ ዓዲ ኣእቲና ካልኣይ ቀብሪ ከም ንገብረሎም ኣይጠራጠርን።ነዚ ኩሉ ከም ሱርን ዓንድን ኮይኑ ዘላቒ ሰላምን ርግኣትን ዘምጽእ ግን መምርሒ ዘለዎ ስምረት ሃገራውያን ፣ንህግደፍ ጥራይ ዘይኮነ ዘውድቖስ ነቲ ህዝቢ እውን ብንቕሓት ንስምረቱ ክሕሉ ይገብሮ።ነዚ ነርቨይ ዝተንከፈንን ሓቀኛ መቃለስን ኢለ ዘይተጸበዅዎ ሰነ ዕስራ ብመልክዕ “ምንቅስቓስ ንምድሓን ኤርትራ” ዝብል ካብ ኣስመራ ምስ መጸ ዓለልኩ።ብኡ ተበጊሱ መንእሰይ ህዝቡ ከድሕን እዩ ኢለ ክጽበ ከለኹ፣ኣጀንዳ ንኣሽቱ ናብ ህልኽ ኢሳያስን ጓይላ ህግደፍን ተቐይሩ።ሕጂ እውን ክንብል በለ እምበር ኣይተኻዕወን።ኣነ ንኣኻትኩም ንመንእሰያት ጠጠው ክብል ተበጊሰ እየ ።ብዙሕ ሰብ እናደወለን እናጽሓፈን እውን ርእይቶኡ ነዚ ናይ ቦሎኛ ተቓውሞ ጓይላ ዝድግፍ ስለ ዝኾነ፣ድሓን ኣነ እውን እቲ ቃልሲ ከይናዋሕ ኢለ እምበር ይድግፈኩም፣ከም ኣመለይ ድማ ይጽልየልኩም።

    ዘኽብረኪ ሓወቦኺ
    ኤርትራዊ ሓወቦ

    • ERITRAWIT July 4, 2014

      ERITREAN UNCLE,
      Dedhrew endakedna serawerew M- Btas eu Haweboy. have a good weekend.

    • Selamawi' July 4, 2014

      Uncle you seem to be subtle and sarcastic. I sense that your aim is to support pfdj’s policy. You wrote: ‘ነዚ ነርቨይ ዝተንከፈንን ሓቀኛ መቃለስን ኢለ ዘይተጸበዅዎ ሰነ ዕስራ ብመልክዕ “ምንቅስቓስ ንምድሓን ኤርትራ” ዝብል ካብ ኣስመራ ምስ መጸ ዓለልኩ።ብኡ ተበጊሱ መንእሰይ ህዝቡ ከድሕን እዩ ኢለ ክጽበ ከለኹ፣ኣጀንዳ ንኣሽቱ ናብ ህልኽ ኢሳያስን ጓይላ ህግደፍን ተቐይሩ።ሕጂ እውን ክንብል በለ እምበር ኣይተኻዕወን።ኣነ ንኣኻትኩም ንመንእሰያት ጠጠው ክብል ተበጊሰ እየ ።ብዙሕ ሰብ እናደወለን እናጽሓፈን እውን ርእይቶኡ ነዚ ናይ ቦሎኛ ተቓውሞ ጓይላ ዝድግፍ ስለ ዝኾነ፣ድሓን ኣነ እውን እቲ ቃልሲ ከይናዋሕ ኢለ እምበር ይድግፈኩም፣ከም ኣመለይ ድማ ይጽልየልኩም።’

      The following is what I wrote about what he called “ምንቅስቓስ ንምድሓን ኤርትራ”

      ዝኸበርኩም ደቂ ሃገርና፦ እዚ ጽሑፍዚ ካብ ዝመጽኤ ይምጻእ (ማለተይ ካብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወጻኢ ኮይኖም ዝጸሓፉዎ)፥ ካብ ተሞኩሮና ክንመሃር ኣድላዪ ነገር ኢዩ። ክንደይ ግዜ ኢናሞ ከምዚታት ዘይሰማዕና፧ ብሓይሊ ጎነጽ፥ ንዝቐተሉ ክንቀትል ንዝኣሰሩ ክናስር ኢና ዝብሉ ምስተላዕሉ፥ ብዓል ኣቶ መስፍን ሓጎስ፥ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተወደበ ሓይሊ ክቕድሞም ይኽእል ኢዩ በሉ። ገሊኣቶም ከኣ ኣብ ካናዳ ኮይኖም ካብ ዓውሽጢ ሃገር ተላኢኽና ውድብ ኣቚምና ቢሎም ኤሮም፥ ደሓር ግና ማይ ዝሰተየ ጨና የብሉ ከውሒ ዝረገጸ ኣሰር የብሉ ኮይኖም ተሪፎም። ብድሕሪኦምውን ክንደይ ዘይሰማዕና። ምንቅስቓስ መንሰያት ምስሓየለ፥ ጀነራላት ለውጢ መጽኡ እዮም ተባሂሉ (እዚ ሓሳብዚ ዘይጠቅም ከም ዝኾነ ተጋዳልይ ነበር ኣቶ ኣሮን ጽቡቕ ትምህርቲ ሂቦም ነበሩ።)’ኣለና ብውሽጢ ኣለና ብደገ’ ዝብል ምስ ሰማዕና እውን ሓቂ መሲሉና ነይሩ፥ እንተኾነ ግን ካብ ምንቕቓሕ ሓሊፉስ ቀላጽም ዘለዎ ሃለዋት ኣይርኤናን።
      ውድባት ሰሚረንዶ ተላፊነንዶ ተባሂሉ፥ ንኹሉ ግን ሕግደፍ ብረቂቕ ሜላ ዘፍ ኣቢሎምዎ፥ ከምኡ እንዳ ገበሩ ከኣ ሃገርና ናብ ገደል ደርቢዮማ።
      ኣብዚ ዘለናዮይ ቅንያት ሰለስት ነገራት ንጉዳይ ሃገር ጠሊ ዘለዎ ንፋስን ተስፋን ሂበን አርከባ፥ ንሳተን ከኣ፦
      1. ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ብዶክቶር ተወልደ ተስፋማርያም ዝተጀመረሞ ግርም ተቐባልነት ዝረኸበ
      2. ዘረባ ዘዋሪ ነፋሪት ደጀን ዓንደ ሕሸል፥ ግብረ እከይ ዝኾነ ስራሕ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ብልዑል ኣገባብ ኣቃሊሖምን ምሂሮምን ሕዝቢ ተቐቢሉዎም ኣሎ።
      3. ‘ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?’ ብዝብል ኣርእስቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ዝጸሓፉዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ፥ ንህልው ኩነታት ሃገርና ብዕምቆት ዝዳህሰሰ ኮይኑ፥ ብመንፈሳውነቱን ብልዙብነቱን፥ በቲ ቁምነገር ትሕዝቶኡን፥ ኣብ ሃገርና ጥዑይ መንግስቲ ንምካል ዝሕግዝን ዘበራትዕ ክንዲ ዝኾነ፥ ዕዙዝ ተቐባልነት ረኺቡሎ።
      ኣብዚ ህሞትዚ፥ ኣቃልቦና ነዚ ዘሎኖ ዉዕዉዕ ኩነታት ደኣ ክንኩስኩስ ይግባእ አምበር፥ ናብ ጫለዳ ጽሑፋትን ጓል መገድን ክንእለ የብልናን።
      ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮይኑ ብተኣማንነት ኣለኹ ዝብል እንተ ዝርከብ ክንዲዚ ዝኸውን ሰብ ኣይምጠፍኤን ነይሩ። ስለዚ ኣነ ብወገነይ ነቶም ጸሓፍቲ [ወይውን ጸሓፊ)ዝብሎ ነገር እነሆ፥
      ‘በርቂ ኣይንኣምን ነጎዳ ኣይንኣምን ምበረ ማይ’
      ‘ዝገብር ንኖኡ ነይነግር’
      እቲ ዝብሃል ዘሎ ‘ምስ በሰለ ንጥዕሞ’
      ንኹላቶም ደቂ ሃገርና ክብሎምም ዝደሊ ግን፥ ‘ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል ሓረስታይ ዕርፊ የጽንዕ’ ብዝተባህለ መሰረት፥ ኩልኻ ኤርትራዊ፥ ተኣከብ፥ ተዛተ፥ ተወሃሂድካ ጉዳይ ሃገርካ ኣብ ኢድካ ምለስ፥ ብሕጊ ተገዚኡ ዝነብር መራሒ ምረጽ። ክብርኻ ምለስ፥ ከይትጠፍእ ጥልዕምልዕ ከይበልካ ተለዓል።
      ነዚ ህልው ኩነታት ሒዝና፥ ንኹላቶም ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ሓደ ጠሪፍና፥ ኣብ ሓደ መስርዕ ኴና እንተ ሒዝናዮ፥ ጉዳይ ሃገርና ናብ ረብሓ ሕዝብና ክኸውን ኢዩ። ከምኡ እንተገበርና ጥራሕ ኢና ከም ሕዝቢ ክንነብር ንኽእል። ኣንፈት ናይ ስምረትን ናይ ዓወትን ኣብ ሓደ ኢየን ዘለዋ። ከምኡ እንተ ጌርና፥ ብዓል ኣቶ ዮሓንስ ትካቦ፥ ረዚን ቃላት ዘለዎ ዜማ ክሳዕ ዝነዝዑ ክሕጎሱን ከነሃህሩናን ይኽእሉ እዮም በሃላይ ኢየ።
      ልዑል ፈጣሪ ሃገርና ይባርኸልና፥ ካብ ዳግማይ ሞትን ካብ ዳግማይ ሓዘንን ይኸውለና፥ ሕዝብና የለብመልና፥ ዝበቕዑ መራሕቲ ይሃበና። ነቶም ኣብ ቦሎኛ ከይዶም ኣብ መቓብር ሕዝቦም ክስዕስዑ ዝሸባሸቡ ዘለዉ ደቂ ሃገርና በብዘለናዮ ኣረዲእና ድዩ፥ ተቓቂምና ድዩ፥ ወይውን ለሚንና ክነትርፎም፥ ናብ ንቡር ተመለሱ ክንብሎም እሞ ክሰምዑና ኣምላኽ ልቢ ክህቦም ጸሎት እገብር።

      • ERITREAN UNCLE July 5, 2014

        Respected Selamawi ,You pointed it out may God bless you .IQuote you “ንኹላቶም ደቂ ሃገርና ክብሎምም ዝደሊ ግን፥ ‘ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል ሓረስታይ ዕርፊ የጽንዕ’ ብዝተባህለ መሰረት፥ ኩልኻ ኤርትራዊ፥ ተኣከብ፥ ተዛተ፥ ተወሃሂድካ ጉዳይ ሃገርካ ኣብ ኢድካ ምለስ፥ ብሕጊ ተገዚኡ ዝነብር መራሒ ምረጽ። ክብርኻ ምለስ፥ ከይትጠፍእ ጥልዕምልዕ ከይበልካ ተለዓል።
        ነዚ ህልው ኩነታት ሒዝና፥ ንኹላቶም ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ሓደ ጠሪፍና፥ ኣብ ሓደ መስርዕ ኴና እንተ ሒዝናዮ፥ ጉዳይ ሃገርና ናብ ረብሓ ሕዝብና ክኸውን ኢዩ። ከምኡ እንተገበርና ጥራሕ ኢና ከም ሕዝቢ ክንነብር ንኽእል። “…that is my message.I am not always sarcastic..& my sarcasm is against the folly of older ppl ,not against young ppl.And I have lots of respect for ERITRAWIT.

        Thanks though
        Eritrean Uncle

  • Mathewos July 4, 2014

    It should be unity, based on equality and respect for ethnic diversity is the norm in tomorrow’s Eritrea. Eritrea gained its independence because so many best men and women paid the ultimate price. Without the realization of democracy, peace and justice, Eritreans heroic struggle will go in history as a cautionary tale of people who paid so much for so little. If we love and care for Eritrea, the first thing we need to do is remove the colossus embarrassment called Issias and then unite unconditionally for rebuilding the poor nation. Indeed, if the Eritrean opposition can’t see the looming colossal problem, i.e. the very existence of Eritrea which Eritreans worked hard to create for decades, will inevitably be lost all together.

    • Teclay July 4, 2014

      Mathewos

      Mathewos Said “Eritreans heroic struggle will go in history as a cautionary tale of people who paid so much for so little.”

      You comment is not bad but you need to go further ,you need to investigate further:
      -For so little ? no ,,for negative .
      -It was not a heroic struggle.Why ?.
      Elf ,,it was simple a terrorist organization ,,Eg too many , the hijacking of of civilian Ethiopian air lines to Pakistan,blown up of all types of civilian infrastructures.Has Alquaida done any thing else ?
      -Eplf ,,only god knows what organization it was .

      • Haile G. Tensae July 4, 2014

        MR. Teclay
        Eritrean fought for independence because they want to have freedom under ELF & EPLF; therefore: the Eritrean people supported it. It doesn’t matter whether; the ELF or EPLF were not managed properly. It is history. This is a settled issue. Eritrea is a country. Ethiopia is a neighbor country. You are talking the what ELF OR EPLF did during the struggle, so, this is none issue.
        The burning issue is do we have justices in Eritrea under the current rule; then, what can we do about it.
        Mr. Teclay: please don’t dwell on history only. it is our legacy we have to live with it.

        • Teclay July 5, 2014

          Haile

          Ato Haile

          Thanks for your advice.I agree with you to look forward is the best way.But when i see a provocative comment or article ,I.E they write or talk as if Eritrean problem is only Isaias ,but who knows may be Isaias is also a victim.
          Second ,some like Mathewos say heroic struggle ,,how can a slave be a hero it doesn`t make sense ,they the TEGADELTI them selves are saying they were slaves .
          -About the public support,,,in 3rd world it is easy to gain public support,if your propaganda is based on ethnicity.Eg the Woyane fought for independent Tigray ,it was absurd second to none, still they enjoyed unreserved public support.
          -My comment about Elf,,i understand ,the feeling specially for brothers who fought under this organization,but the definition of terrorist organization corresponds one to one.

          Brother i understand you in fact my comment is not a solution but MELKES ,,,MELKES to the Kebessa who is betrayed by his intellectuals.

          • rezen July 5, 2014

            “MELKES to the Kebessa who is betrayed by his intellectuals.”

            PERFECT! THANK YOU, TECLAY

            I HONESTLY believe, to the core of my bones, that it the so-called ERITREAN INTELLECTUALS who betrayed Eritrea — and still give mute voice, deaf ears, blind eyes and void feeling towards their own Eritrea. SHAME, SHAME, SHAME >>> if not legal crime.

          • Genet-orginal July 6, 2014

            Teclay

            It is funny how you always spin things, when you are caught in the act. You said, “my comment is not a solution”, Well, no body said your comment is a solution. Never a solution. You hate Eritreans’ Tegadeltis and Gadle, because they made it happen for an independent Eritrea. What else can that be? It is not that hard to understand where you stand. It is a black and white. But it is puzzling, how you are relentlessly trying to turn the clock back. You seem to be smart to understand, you can’t dial the clock back. A legacy is once deed bad or good to be owned, and to learn from.

            Mr Haile is advising you to stop your obsession and aggression toward Eritreans and their legacy. You are not only doweling in the past, you are denying the Eritrean Independence. You agree, there is no such thing “independent Tigray”
            But there is independent Eritrea. Because you are attacking our legacy, nothing will change. Tigray will be always part of Ethiopia. Eritrea will stay an independent country for worst or better. Eritreans, our effort is to get out of the mess we are in, Live independently and peaceful; mutual respect with all our neighbors across our borders is going to be a must.

  • Merhawi July 4, 2014

    Thank you mr.Adhanom the Article is very great and Educational but mots Hgdefawian and their clikcks ( Korakur HGDEF ) do not like to read and write just they are living by Bela Belew. it is a pitty but True.

  • Yohannes July 4, 2014

    ክቡር ኣቶ ፍትዊ

    ብሉጽ ጽሑፍ፣ ንኡድ ጽሑፍ፣ ክንበብ ዝግበኦ ጽሑፍ። ኣነ ዳርጋ ንኹሉ ጽሑፋትካ ዬንብቦን ይማሃረሉን ንኻለኦትውን የማሓላልፈሉን እዬ መታን ክነቕሑሉን ኣርሒቖም ጠመትቲ ክኾንሉን። እቲ ዘሕዝነንስ ሳላ ኣደንቁርካን፣ በታቲንካን፣ ስነኣእምሮኣዊ ስንክልናን ፈጢርካ ግዛእ መንሽሮ ህግደፍ፣ ናዓኹም ነቶም ብሉጻት ናይ ብሉጻት ደቂ ሃገር ተካእትኹም ዝኾኑ መንእሰያት በቲ ዝድለ ከይንስእን እዩ። እዋይ እንታይ ሓድጊ እዮም ክገድፉልና መንሽሮ ህግደፍ? ዋእ ካብ ክፉእ ክገብሩኻስ ክፉእ ክምህሩኻ።

    እቲ ናይ ጽባሕ ተረካቢ ሃገር ዝኾነ መንእሰይ ወለዶ ንዓኻትኩም ብዝለዓለ ብቕዓት ተኸሺኑን ተዳልዩን ከምኡውን ካብቲ ቀጻሊ ዝኾነ ስነ ፍልጠታዊ ግስጋሰ ሰኒቑን፤ ካብቲ ዓውሎማዊ መኽዘን ፍልጠት ከምቲ ዝድለ ተቛዲሱን፤ ካብኡ ተጠቒሙን እንተዘይዓብዩ፤ ከም ወዲ ሃገር መጠን ኣብ ገዛእ ሃገሩ ዓብሊሉ ነቲ ማሕበረ-ቁጠባዊ ጸጋታት ናይ ሃገሩ ከምቲ አብ ኩለን ሃገራት ዝድለ ብላዕለዋይ ኢድ ወኒኑን ኣማሓዲሩን ክነብር ኣይክእልን እዩ።
    እቲ ንኽትሓሰቦ ዘሰቅቕ ሳዕቤን ድማ ፍሉጥ እዩ። ንኻሎኦት (መጻእተኛ) ሰብ ዓቕምን፣ ገንዘብን ፍልጠትን ስብሒ ምድርኻ ኣረኪብካ ኣብ ገዛእ ዓድኻ አገለጋሊሮምን ለይታዊ ዜብዔኛኦም (Night Watchman) ኮንካ ተረፍ መረፍ መኣዶምን፣ ርፍራፎምን ምልቃም እዩ። ኣርሒቖም ዘይሓስቡ ብዝኾን መለክዒ ንሓንቲ ንእሽቶ ሃገር በቲ ዝተሓተ ደረጃ እኳ ከመሓድሩ ዓቕሚ ዘይብሎም ዕዋላታት እንዳማሓደሩኻስ እቶም ፈቲኻ ጸሊእካ ዘይትኽልክሎም ናብ ዓድኻ በሃብቶም ኰነ ብሞያኦም ክነብሩን ክሰርሑን ምስ ዝመጽኡ ወጻእተኛታት ኣውፈርትን ሰብ ላዕለዋይ ሞያን ተዋዳዲርካ ካብቲ ጸጋ ሃገርካ ተቛዳሲ ክትከውን ማለት ዘበት እዩ። ነዚ ኣንጸላልዩና ዘሎ ሕማቕ ውርሻዊ ተርእዮ (legacy) ንሃገሩን ንህዝቡን ዝሓልን ዝሓምምን ሃገራዊ ንደመኛ ጸላኢኡ እኳ ዝትምነዮ ኣይኮነን። በሰንኪ ኣደነቍሮም፣ ኣጥምዮም ከምኡውን ኣሳቕዮም/ኣሲሮም ዓዲ ነማሓድር ኣሎና ዝብሉ ዘሎው ፖለፖታዊያን ዓዋሉ ወይ ሸፋቱ ኣብ ገዛእ ዓድኻ ናይ በላዒ ስብሒ መሬትካ ተመልካቲ ምዃን ማለት መሪር ሓሞት ብሰፍነግ ምስታይ እዩሞ ካብዚ ናይ ዘመናዊ ባርነት ሂወት ኣብ ገዛእ ዓድኻን መረበትካን ይሰውረና እዩ ዘብል። እወ ሕማቕ ውርሻዊ ተርእዮ የንጸላልወና ኣሎ።

    ሓደ ካብ መራሕቲ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ (African National Cogress or ANC) ሲርል ራማፖዛ ሕጂ ምኽትል ፐረዚዳነተ ሃገረ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘሎ ዝበሎ፣ እጠቅስ፣ „ነቲ 350 ዓመታት ዝተወጸዔ ግን ከኣ ብቁጽሪ ዝዓብለለ ጸሊም ደቡብ ኣፍሪቃዊ ህዝቢ ብቁጠባ ምሕያል (Economic Empowerment) ዘሸግረና ኣይኰነን። እዚ እቲ ዝቐለለ እዩ።„ንዓና እቲ ዝዓበዬ ብድሆ ኮይኑና ዘሎ፣ እቲ ንኣስታት አርባዕተ ክፍላተ ዘመን (ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመታት) ዝኣክል ነቲ ምስኪን ጸሊም ደቡብ አፍሪቃዊ፣ „ምሉእ ሰብ ኣይኮንካን፣ ንዓና ንጸዓዱ ከተገልግል ኢኻ ተፈጢርካ፣ ቁጽሪ፣ ሳይንስ፣ ወዘተ ንክትማሃር ብተፈጥሮ ኣይተዓደልካን፣ ፍርቂ ወይ ሓውሲ ሰብ ኢኻ፣ ብስነፍስጠት ተዓጅብካ ክትምህዝን ከተማዕብልን ዘኽእል ዓቕሚ ክትውንን ብተፈጥሮ ኣይተዓደልካን፤ እንዳተባህለ ብቀጻሊ ዝኾነ ሰራምን ነውራምን ስናኣእምሮኣዊ ዘመተ ዝተሓጽበን፣ ዝተዳህለን ከምኡውን ወንኡን ርእሰተኣማንነቱን ከምዘጥፍእ ንዝተገብረ ህዝቢ፣ ሱር በተኻዊ ብዝኾነ መንገዲ ነዚ ክፉእ ውርሻዊ ተርእዮ ኣወጊድካ ብኸመይ ርእሰ ተኣማንነቱ ትመልሰሉ እዩ። ማለት ኣነ ድማ ካብቲ ጻዕዳ ዜጋ ብዘይንእስ ከድምዕን ክዳረግን ይኽእል እዬ ኢሉ ብምሉእ ርእሰ ተኣማንነት ምእንቲ ክነብር ማለት እዩ።“

    የሕዝን። ካብ ሕማቕ ክገብሩኻስ ሕማቕ ክምህሩኻ ይብሉ ወለድና ክምስሉ

  • Semhar July 5, 2014

    ምስኪን ህዝቢ ኤርትራ ዝፈትዎም ደቁ ከፊሉ ዝመጸት ናጽነት

    ህዝቢ ኤርትራ
    1)ዲክታቶርን
    2)ባንደራ ዲክታቶርን ጥራይ ኢዩ ተረኺቡ።
    እዚ ዝረአን ዝጭበጥን ዘሎ ህልዊ ኩነታት ኢዩ። ዘካጥዕ ኣይኮነን። እሞ ህዝቢ ኤርትራ ድኣ ነዚ ድዩ ታቓሊሱ?

    ንህዝቢ ኢልካ ትቃለስ እንተ ኮንካ ባንደራ ጸላኢን : ዲክታቶርን ኣሊኻ፡ እቲ ስልጣን ናብ ህዝቢ ኢዩ ከተረክብ ዘሎካ።

    We must unite and straggle against the tyrant dictator, his blind followers and trash his burned flag and raise our historical original liberation flag. (Semayawit banderan!)
    Let freedom ring in Eritrea!
    The Eritrean Liberation Flag will rise up again!
    Eritrea will be the land of the free and the home of the brave!!

  • Mesinas July 5, 2014

    ብዘይቀለዓለም ብሱል ትሕዝቶ ብላዛ ዘሎዎ ቃላትን ኣጸሓሕፋን ዝተወረቐ መልእኽቲ! ክቡር ጸሓፊ ላዛን መቐረትን ጽሑፍኩም ንኡድ’ዩ፣ ንመጻኢ ዝያዳ መታን ኪሕይል ግን እዞም ዝስዕቡ ቃላትን ካልኦትን ኣድህቦ ክትገብሩሎም እላቦ? ንኣብነት፦ “ምዕባሌ ብ ምዕባለ፣ መጨረሻ ብ መጠረስታ፣ ኢዩ ብ እዩ፣ ወ.ዘ.ተ. ብ ወዘተ.፣ ኣሎና ብ ኣለና፣” ወዘተ. ዝኣመሰሉ ቃላት ተኣሪሞም እንተ ዝኾኑ ኔሮም ሰዋስው ጽሑፍኩም ምሉእ ምኾነ ኔሩ እብል። ንኣብነት እዛ ኣብ መዛዘሚ ናይ ጽሕፍኩም ዘላ ሕጥበ ጽሑፍ እንተ ወሲድና፦ “ሓደ ናይ ሓባር ጸላኢ ድማ ኣሎካ። ንህዝቢ ኢልካ ትቃለስ እንተ ኮንካ እቲ ናይ ሓባር ጸላኢ ኣሊኻ፡ ስልጣን ናብ ህዝቢ ኢዩ ከተረክብ ዘሎካ።” ኣብታ መወዳእታ ንእሽቶይ ጉድለት ኣላ። ብኸምዚ ድማ ክትእረም እግብኣ ኔሩ እብል። “ስልጣን ናብ ህዝቢ ኢዩ ከተረክብ ዘለካ።” ዘሎካ ዘይኮነስ ዘለካ እዩ እቲ ቅኑዕ። ምኽንያቱ “ሓደ ናይ ሓባር ጸላኢ ድማ ኣሎካ” ቅኑዕ ኪኸውን ከሎ “ሓደ ናይ ሓባር ጸላኢ ድማ ኣለካ” ድማ ጌጋ’ዩ። ኣለኻ ኣብ ሓደ ቦታ ምህላው ከመልክት ከሎ፣ ኣሎካ ድማ ሓደ ነገር ከም ዚወነንካ’ዩ ዘመልክት። የቐንየለይ።

    • Adhanom July 5, 2014

      Dear Mesinas,

      Thank you for your constructive comment. I totally accept your comment. To be frank, I had no enough time to edit this article. I wrote it when I was in my journey. I would like to thank all of you who responded on my article too.

      At the same time I would like to thank those who paricipated in the demosntration in Bologna. I am so proud of you all.You made ever lasting history. We shall tell this as history tomorrow.

      Have a nice time wherever you are.

  • Semhar July 5, 2014

    ህዝቢ ኤርትራ

    1)ዲክታቶርን

    2)ባንደራ ዲክታቶርን
    ኣሊኻ፡ እቲ ስልጣን ናብ ህዝቢ ኢዩ ከተረክብ ዘሎካ።
    We must unite and straggle against the tyrant dictator, his blind followers and trash his burned flag and raise our historical original liberation flag. The flag of our fathers, grand fathers, he flag of our heroes, our martyrs (Semayawit banderan!)
    
Let freedom ring in Eritrea!
    The Eritrean Liberation Flag will rise up again! 

    Eritrea will be the land of the free and the home of the brave!

  • Tesfom Habrom July 6, 2014

    ኽበርካ ህዝቢ ደላይ ፍትሒ።

    ጉዳይ ናይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ( ሓሶት ጥልመት ሙስሉይነት ምትላል ኣብ ቅድሚኡ ንዝጸንሖ ምቅንጻል ህልኸኛ ስሱዐ ህርፋን ናይ ስልጣን ኣብ ነብሱ
    ዘይኣምን እቲ ኩሉ ናይ ሰብ ዘይኮነ ናይ ኣረመን ተግባራት ዝገብር ሓደ ፉጡር ኣብ ዓለም ንሱ ኢዩ፡ ሓዉ ሱዉእ ኣማኒኤል ኣፈወርቂ ብሂወት ከሎ ናይ ሓዉ ጠባያት ክገልጾ ከሎ እዚ ከጥፋኣኩም ኢዩ ደም ክንበዔኩም ኢዩ እንዳበለ ሐሊፉ ኣብቲ ግዜቲ ኣማንኤል ጥዕና ይጎድሎ ነይሩ እንተኮነ ግና ናይ ዉሽጡ ብዛዓባ ኢሰያስ ይገልጽ ነይሩ፡ ስለዚ ሎሚ ዓላም ኩሉ ፈሊጥዎ ፎእ ኢሉዎ፡ ነዚ ሰብዚ ከመይ ገርና ንኣልዮ ክንሐስብ ኣሎና ነብስና ከነዑሽ ኣይንበር ኢሰያስ ወዲኡ ኢዩ እቶም ኮራኩሩ ድማ ምስኡ ክጠፍኡ ኣሎዋም፡ ስለዚ ነዚ ንምግባር ዓቢ ስራሕ ይጽበየናሎ ጉዳይ ናይ ምጥርናፍን ምትእምማን ሓቢርና ክስርሕ ኣሎና ክንዛረብ ግዜ ኣይነጥፍእ ህዝብና ይሳቀሎ ሓደራ ዘድሊዮ ኣይኮነን ጉዳይ ናይ ቦሎኛ ብጾትና ንህግድፍያውያን ይምክትዎም ኣሎወ። ዓወት ንደለይቲ ፍትሒ ዝክሪ ንስዉኣትና።

    • Semhar July 7, 2014

      Thanks tesfom
      ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል ዕርፊ ኣጽንዕ ኢዩ’ሞ: ኣጆኹም ደቀይን ደቂ-ደቀይን ጀጋኑ መንእሰያትና።
ኩላትና ብሓበራ ኢደይ-ኢድካ ኢልና ነዚ መንነትና ዘዋረደን ንኤርትራ ዘብርስ ዘሎን ኣረሜን፣ ናብቲ ቀዳሞት ኣያታቱ በዓል ሳዳምን ቃዛፊን ዝኣተዉዋ ናይ ዘለኣለም መዓልብኡ ጋህሲ ንደርብዮ። ኣብ ታሪኽ ከም ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ውልቀ-ምልካውያን መራሕቲ ብዘይካ ብክፉእ ብጽቡቕ ኣማውታ እግዚኣብሄር ክሞቱ ኣይተራእዩን። ሞት ገበነኛ ኢሰያስ እውን ከም ኣማውታ ኣያታቱ ነዊሕ ዝጸንሕ ኣይኮነን። እዚ ዓመት’ዚ ጸላኢና ዓንዩ ህዝብና ነናብ ገዝኡ ዝኣትወሉ ዓመት ከም ዝኸውን ሙሉእ ዘይጉዱል እምነት ኣሎኒ።
      ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና
      ዕድመን ጥዕናን ንደቂ ኤርትራ
      ዓወትንህዝቢኤርትራ።

POST A COMMENT