Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓድሽ ስትራተጂካዊ ውጥን ኢሳያስ

(ካብ ኣባል ሓ/ም/ኤርትራ እንዳ ሚኒስተር) ሓድሽ ስትራተጂካዊ ውጥን ኢሳያስ ወታሃደራዊ ታዕሊም ሳዋ፡ ምዕጥር፡ ዊዓ፡ ኪሎማ፡ ሓሽፈራይ፡ ኣብ ልዕሊኡ ንሓዱሽ ስትራትጅካዊ ውጥን ዘንቀደ ዘርዚርካ ኣብ ዘይውዳእ ቦታ ዝካየድ ዘሎ ታዕሊማት ተኽለ ማንጁስ፡ ኮታ ብወታደራዊ ታዕሊምን ቤት ማእሰርታትን ዘዕለቕለቐት

(ካብ ኣባል ሓ/ም/ኤርትራ እንዳ ሚኒስተር)

ሓድሽ ስትራተጂካዊ ውጥን ኢሳያስ

ወታሃደራዊ ታዕሊም ሳዋ፡ ምዕጥር፡ ዊዓ፡ ኪሎማ፡ ሓሽፈራይ፡ ኣብ ልዕሊኡ ንሓዱሽ ስትራትጅካዊ ውጥን ዘንቀደ ዘርዚርካ ኣብ ዘይውዳእ ቦታ ዝካየድ ዘሎ ታዕሊማት ተኽለ ማንጁስ፡ ኮታ ብወታደራዊ ታዕሊምን ቤት ማእሰርታትን ዘዕለቕለቐት ኤርትራ ብምባል ጥራይ ምሕጻሩ ይሓይሽ፡፡

ዝበዝሑ ሜጀርን ብርጋዴርን ጀነራላት ቅድምን ድሕርን ፎርቶ ሕጉሳት ከምዘይኮኑ ጋህዲ እዩ፡፡ ካብ መንቀሊ ፍልልያቶም ገለ’ቶም ቀንዲ ጠንቅታት፡- ተኽለ ማንጁስ ናብ ኣስመራ ደይቡ፡ ምስ ኢሳያስ ቀጥታ ምስተራኸበ፡ ልኡኽ ሓሊቦ ኢሳያስ ኮይኑ ማእለያ ንዘይብሉ ህዝቢ ኣገዲዱ ምዕጣቕ ምስ ጀመረ፡ ልዕሊ እቲ ምዱብ ሰራዊት ካልእ ናይ ኢሳያስ እሙን “ህዝባዊ ሰራዊት” ምፍጣር ዝብል ሓዱሽ ስትራተጅካዊ ውጥን ኢሳያስ ከተግብር ምስ ፈለመ፡ ብዘይካ ኢሳያስን ደገፍቱን ካልእ እቲ ዝበዝሕ ሓላፊ መንግስቲ ባህ ኣይበሎን፡፡

ተኽለ ማንጁስ ብመሰረት ልእኹ ኣብ መላእ ሃገር ሓዱሽ “ህዝባዊ ሰራዊት” ንምህናጽ ድቃስ ለይቲ ስኢኑ ሃለኽለኹ ቀጺሉ፡፡ ዛጊት ክሳብ 68 ዝዕድሚኦም ዜጋታት “ቆልዓ ኣብ ከብዳን ኣብ ዝባናን ዘይብላ” ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ከይተረፈት ንኹላ ኣዕጢቑ፡ ዓሊሙ፡ ወዲቡን ንማእቶት ኣብ ምውፋርን ይርከብ ኣሎ፡፡

ከምቲ ቅድሚ ምራኽ መስከብ ዝበሃል ንኹሉ ቅድሚ ታዕሊም ጠበንጃ ምስ 30 ጠያይቲ ምስ ዓደለ፡ ንኹሉ ኣኣብ ከባቢኡ ን28 መዓልታት ወታሃደራዊ ታዕሊም ክወስድ ገበረ፡፡ ድሕሪ ምዝዛም ታዕሊም ኹሉ ህዝቢ ብመንግስቲ ብዝተሰለዓሉ መጠን ሰልዲ ተተገዲዱ ከዋጽእ ብምግባር ብሕሩድን ንሕድሕድ ተዓላማይ ብዝተመደበሉ ክልተ ቢራን ግብጃ ተኻይዱ “ኩቡር ጋሻ” ተኽለ ማንጁስ እንዳኸደ መረቐ፡፡ ድሕሪ ምረቓ ስዒቡ ዝመጸ ካልእ ስራሕ ካብ መስርዕ ክሳብ ብደረጃ ክ/ሰራዊት በቢዓዱ ክውደብ ተገብረ፡፡ ካብ እዚ ቦጦሎኒ ክሳብ እዚ ክፍላተ ሰራዊት ደስኪሎም ተጣይሶምን ነናይ ገዛእ ነብሶም ሂወት ኣብ ምምራሕ ብዝጸንሑን ካብተን ቅድም ኢለን ተወዲበን ዝነበራ “ዕቑር ሰራዊት” ተባሂለን ዝጽውዓ 7 ክፍላተ ሰራዊት (ኣሃዱታት) ብዝተዋጽኡ ተጋደልቲ ነበር መራሕቲ ተመደብሉ፡፡

ዕጡቕ “ህዝባዊ ሰራዊት” ተባሂሉ ዝተሰመየ ኩሉ ድሕሪ ምዝዛም ታዕሊምን ውዳበታትን ን90 መዓልታት ዝኣክል በቢውዳብኡ ኣፍራዛን ባዴላን ተዓዲልዎ ናብ ማእቶት ክዋፈር ተኣዚዙ ናብ ስራሕ ተዋፈረ፡፡ ንኣብነት ኣብ ኣስመራ ብ11 ብርጌዳት ዝተወደበ ዕጡቕ በቢብርጌዳቱ ንጉሆ ወጋሕታ ከካብ ገዝኡ ወጽኡ ኣብ መተኣኸኸቢ ናቑጣ ተኣኪቡ፡ ንኣገልግሎት ህዝቢ ከተማ ኣስመራ ብዝውዕላ ናይ ከተማ ባሳት ተተሰቂሉ ነናብ ዝተመደበሉ ናይ ማእቶት ቦታ ይጓዓዝ፡፡ ሕድሕዱ ከኣ መዓልታዊ ንውሓቱ 8 ሜትሮ ጥልቀቱ ኣስታት 35 ሳ.ሜትር ዝኣክል ቦታታት ተተለኪዑ ድሕሪ ምዕዳል ዛላታት ክኹዕት ይግበር ኣሎ፡፡

ንውሓት እታ ዓቐን ክ/ሰ 22 ኣብ ከባቢ ሸላሎ ምስ ወረደት ድፋዕ ክትሰርሕ ብዝተኣዘዘቶ መሰረት ሕድሕድ ወታሃደር መዓልታዊ ክዓማ ኣለዎ ተባሂላ ካብ ዝተዓደለቶ ዝተወስደት ተሞኩሮ’ያ፡፡

ስለዚ ተኸለ ማንጁስ ልዕሊ ዓቕሙ ማእለያ ዘይብሉ ስልጣናት ተሓንጊጡ፡ ንመላእ ኤርትራ የሰራጥያ ኣሎ፡፡ “ኣብ ዓዲ ዕውራት ሓደ ዓይኑ ይነግስ” ዝብል ብሓደ ጸሓፋይ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ሓደ መርበብ ሓበሬታ ኣንቢበ ነይረ፡፡ ብርግጽ ተኽለ ማንጁስ ሓንቲ ዓይኑ ኣብ ቃልሲ ዶ ይኸውን ስኢንዋ ኣብ ካልእ ኣይፍልጥን፡ ግን ብዛዕባ ኣካላዊ ስንክልኡ ዘይኮነ ኣእምራዊ ስንክልንኡ’ዩ እቲ መዛረቢ ዛዕባ ክኸውን ዘለዎ በሃሊ’የ፡፡ ሓረስታይ፡ ዘላን፡ ሸቃጣይ፡ ክሳብ ዳሪክተር ጀነራል ጽፍሒ ዘለዎ ሰራሕተኛ መንግስቲ፡ ሓኪም ይኹን መምህር በዓል ሞያ፡ ኣሳሰይቲ ባራትን ቤት ብልዕን፡ ናይ ጽዕነትን ታክሲን መራሕቲ መካይን…ኮታ ኩሉ ዜጋ ውልቃዊ ስርሑ፡ ህዝባዊ ኣግልግሎቱ ጠጠው ኣቢሉ ኣብ ታዕሊም፡ ኣብ ምስጥጣም ውዳበ፡ ኣብ ማእቶት ተዋፊሩ ኣሎ፡፡ ህዝብና ሰሪሑ ደቁ ዝዕንግለላ ግዜ ኣስኢንዎ ኣሎ፡፡ ኩላትና ከምንፈልጦ ቀዳምን ካልእ ናይ ስራሕ መዓልትን ኣብ መደበር ንዕለታዊ ጥቕሙ ክብል ቀዳም ይኹን ካልእ መዓልቲ ዝሰርሕ ደፋእፋእ ዝብል ዜጋ ኣብ ታዕሊምን ማእቶትን ክውዕል ምግባር ማለት ኣብ ውላዱን ነታ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዕለታዊ ናብርኡን ዝፈጥሮ ሃሰያ ክሳብ ክንደይ ከምዝኾነ ንምግማቱ ኣጸጋሚ ኣይኮነን፡፡

እቲ ማእቶታዊ ንጥፈታት (ምኹዓት ዛላታት) ንሃገር ዶ ይጠቅም ይኸውን? ኣብ ድሌትን ሃምን ህዝቢ ሰረት ዘይብሉ ማእቶት ከ ክሳብ ክንደይ እዩ ንሃገር ዝረብሕ?  ግን መንግስቲ ነዚ ማእቶት እዚ እንከንቅሎ ከሎ ቅድም ቀዳድም ንልምዓት ሓሲቡ ዘይኮነ፡ ቀንዲ ዕላምኡ ሓዱሽ ዕጡቕ ኣሃዳዊ ስምዒት ክፈጥር፡ ውዳብኡ ከሰጣጥም፡ ኣካል እቲ ወታሃደራዊ ታዕሊም ንዝኾነ ኣካላዊ ጥንካረ ኣብ ተዓለምቲ ንምፍጣርን ደይ መደይ ተባሂሉ ተሓሲብሉ ዝፍጸም ዘሎ እዩ፡፡ ካልኣይ እቲ ዝኳዓት ዘሎ ዛላታት ቅድሚ ሕጂ እውን ብነጻ ኣገልግሎት ተምሃሮ ዝወፍርዎን ኣግራባት ተተኺልዎ ክጸድቕ ዘይከኣለን ማይ ዝበሃል ዘየዋህለለን ከባቢታት እዩ፡፡

ካልአይቲ ኣብነት ከቕርብ፡ ንነዊሕ ዓመታት ደስኪሉ ብዝነበረ ኮ/ል ተኽለዝጊ ጸጉ ትምራሕ መበል 11 ብርጌድ ቀሓውታ፡ ጎዳይፍን ገጀረትን ኣባል ዝኾነ መራሕ መኪና ናይ ጽዕነት መኪንኡ ሓዲጉ ቦጦሎኒ ክመርሕ ብዝተኣዘዘ መራሕ ቦጦሎኒ ወዲ ጸሃየ ተኣልያ ዓርቢ፡ ቀዳም፡ ሰምበት ናብ ጾሎት ንማእቶት ትወፍር፡፡ ጾሎት ቅድሚ ሕጂ ብነጻ ናይ ተምሃሮ ኣገልግሎት ብተደጋጋሚ ተሰሪሑ እኳ ተነበረ ዝመጸ ለውጢ ግን ዋላ ሓደ የለን፡፡ ሕጂ’ውን ብሓደሽቲ ዕጡቓት ክልወጥ እዩ ኢሉ መንግስቲ ከምዘይኣምን ርዱእ እዩ እቲ ዕላማ እቲ ኣብ ላዕሊ ዝጸራሕኹዎ እዩ፡፡ ብሓፈሻ ኣብ መላእ ሃገር ተኽለ ማንጁስ ብዝመርሖ “ህዝባዊ ሰራዊት” ዝፍጸም ዘሎ ማእቶት ብግምት ደኣ’ምበር ብሞያዊ መጽናዕቲ ከምዘይተደገፈ ርጉጽ እዩ፡፡ ገርሰት ዝኣክል ዲጋ ብሞያ ዘይተመርሐ ዶ ነዚ ግዳ ተሓሲብሉ? እዚ ከይኣክል ኣብ ልዕሊ’ዚ እቲ ኣብ ማእቶት ዝወዓለ ሓዱሽ ዕጡቕ ብጋንታት ተተሰሪዑ ካብ ሰዓት 7፡00 ክሳብ ወጋሕታ ሰዓት 05፡00 ብሪጋ ሙሉእ ለይቲ ኣብ ሓለዋ ዋርድያ ይሓድር ኣሎ፡፡

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕላምኡ ንዘይተገልጸ ጉዳይ ንኹሉ ዕጡቕ (ብደረጃ ሃገር) ካብ 18- 40፡ ካብ 41 ክሳብ 50፡ ካብ 51- 68 ዝዕድሚኡ ኩሉ ይጸናዕ ብሕቡእ ኦርኒክ መሊእኹም ቀልጢፍኩም ኣመሓላልፉ ዝብል ትእዛዝ ክሳብ ደረጃ እዚ ቦጦሎኒ ህጹጽ መምርሒ ኮይኑ ወሪዱ ኣሎ፡፡ ብመሰረት’ዚ ኩሉ ይምላእ ኣሎ፡፡ ንምንታይ ከምተደልየ ዋላ ብዕሊ ኣይገለጽ፡ እቲ መንእሰይ ዕድመ ዘለዎ ዝበሃል ሓይሊ ናብ ምዱብ ሰራዊት ዶ ዋላስ ንበይኑ ተወዲቡ ናብ ቅድመ ግንባር ክለኣኽ ይኸውን ዝብል ሰፊሕ ጥርጣረታት ኣሎ፡፡ ናይ ግድን ንሓዲኡ ከምዝኸውን ግን ዘጠራጥር ኣይኮነን፡፡ ምኽንያቱ ከናፍስዎ ዝጸንሑ ዘረባታት ዓበይቲ ኣኣብ ከባቢኹም ትሕልው ካልኦትኩም ግን ካልእ ስራሕ ኣለኩም ይበሃል ነይሩ እዩ፡፡

ብዝኾነ ሜጀርን ብርጋደርን ጀነራላት ካብ ዘይማእመኦም ሓደ ነገር ምምጻእ ተኽለ ማንጁስ ናብ ቅድሚትን ድሮ ብዙሕ ስራሕቲ ክዓምም ምኽኣልን ሓደ ረቑሓ ኮይኑ፡ እቲ ካልኣይን ኣገዳስን ረቑሓ ከኣ ምድያብ ተኽለ ማንጁስ ንኣስመራ መወዳድርቲ ሜጀር ጀነራላት ጥራይ ዘይኮነ ልዕሊኦም ተኣማኒ ፕረዚዳንት ኮይኑ ምርካቡ እዩ፡፡ እዚ ድማ ኢሳያስ እምነቱ ኣብ ልዕሌና ኣጉዲሉ ኣሎ ዝብል ስሚዒት ፈጢርሎም እዩ፡፡ ህዝቢ ናይ ምዕጣቕ ዕላማ ድማ ንምዱብ ሰራዊት መተካእታን ንሓይሎም መዳኸሚ ኮነ ተባሂሉ ዝተወጠነ ገይሮም ወሲዶምዎ ኣለው፡፡ እዚ ሕጂ ካብ ኮኾባት ኢሳያስ ሓደ ኮይኑ ድላዩ ዝገብር ዘሎ በዓል እዋን ተኽለ ማንጁስ ማዕሪኦም ዘይኮነ ትሕቲኦም ገይሮም ስለዝሪእዎ ካብ ቀደሙ ዘይቅበልዎ ሰብ ምንባሩ እዮም ዘዕልሉ፡፡

ናይ ተኽለ ተጸዋዕነት ንፕረዚዳንት ነቲ ዝጸንሐ Chain of command ጎስይዎ ይሓልፍ ኣሎ፡፡

ስለዚ በዓል እዋን ተኽለ ማንጁስ ኣዛዚ “ህዝባዊ ሰራዊት”፡ ኣወሃሃዲ ቤ/ጽ ተቓወምቲ ጉጅለታት ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ብኢሳያስ ናይ ዝተመዘት ኣጻረይት ኮሚቲ ኣባል፡ ኣብ ንጥፈታት ጸጥታ እቲ ሃገር ዝዋሳእ ሰብን እቲ ንኹሉ ግሉጽ ዘይኮነ ድማ ኣብ መሸጣ ንግዲ ዜጋታት ንራሻይዳን ምዃኑ ይፍለጥ፡፡

“ማእቶት” ትብል ቃል “ህግደፍ” ኣብ ሕሉፍ ታሪኽና ጸሊም ነጥቢ ዘለዋ ቃል እያ፡፡  ካብ 1ይ -4ይ ዙርያ ታዓሊሞም ኣገልግሎቶም ወዲኦም ነናብ ዓዶም ተፋንዮም ዝነበሩ መንእሰያትና ኣብ ወርሒ 1ን 2ን 1998 ንማእቶት ተኣከቡ ብዝብል ጻውዒት ከምዝተኣከቡ ይዝከር፡፡ ኣብቲ እዋን ኣባላት 5ይን 6ይን ዙርያ ኣብ መስርሕ ኣገልግሎት ኔሮም፡፡ ተዓለምቲ 7ይ ዙርያ 1997 ታዕሊሞም ወዲኦም ተመሪቖም ኣብ ኣሃዱታት ተወዚዖም፡፡ እቲ ሃገራዊ ግቡኡ ወዲኡ ኣብ ውልቃዊ ዋኒናቱ ዝጸንሐ እሞ ከም ብሓዱሽ ንማእቶት ዝተዓደመ መንእሰይ ሓቂ መስሊዎ ናብ “ልምዓት” ከቲቱ ዋላ ሓንቲ ተድምዕ ልምዓት ከይዓመመ ከኣ ናብ ዘይሓሰቦ ኩናት ምጥጣቑ ናይ ትማል ታሪኽ እዩ፡፡

ሎሚ’ውን ልክዕ ነታ ናይ ትማል ታሪኽ ንምድጋም ዝተሓስበ ይመስል፡፡ ኩሉ ሓዱሽ ዕጡቕ ምዕላም፡ ብኣሃዱታት ምውዳብን ምስጥጣምን፡ ጣቋ ንዘይብሉ “ልምዓታዊ ማእቶት” ምውፋርን ተኣዊጁ ኣሎ፡፡ ጎኒ ንጊኒ ብሕቡእ ብደረጃ ዕድመ ብኦርኒክ መቓቒልካ ምድላውን ዝብል ጥብቆ ይስማዕ ኣሎ እንታይ ኣድለየ? ክለዓል ዘለዎን ብኣግኡ ክነስተባህለሉ ዝግባእ ሕቶን እዩ፡፡

ሓደ ሻዕ ተገሪህና ንካልኣይን ሳልሳይን ግዜ ኣይንግራህን፡፡ ሕሉፍ ተሞኩሮኡ ዘይመሃር ብጀካ ግኡዝ ነገር ሂወት ዘለዎ ፍጡር የለን እሞ ሃየ፡፡

ሰናይ ቅነ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
76 COMMENTS
  • aman April 10, 2013

    HULUM NEGER WEDE TOR GNBAR MENGSTU H/ MARYAM

    KLU NSAWA KWERD ALOWO HGDEFC WEDI MEDHN BERAD

    NAY FORTO AWET KDGEM EYU

    AWET NDELEYTI FTHI

  • hailu April 10, 2013

    belay Nega, if you are not an allien who came from mars or other planets, if you any relative from eritrea if you are really from that land,
    then ,who is Teklay and what he has done will be plain clear.
    Belay nega ” leka neg nag eka”
    kndzi risi hzka kufu gbrtat teklay kitsemi zeymkalkas entay da eyu ezi kulu rsu teshekimu zelo,
    rska resi fthi ygbero

    • belay nega April 10, 2013

      HAILU

      “belay Nega, if you are not an allien who came from mars or other planets, if you any relative from eritrea if you are really from that land,
      then ,who is Teklay and what he has done will be plain clear”

      KNOWING SOMEBODY AS A GANG AND PROVING HIM AS A KILLER IS QUITE DIFFERENT

  • kuku April 10, 2013

    anta shafay btaemi eka tgerm Tekle manjus wela ka hmak srah yserh yhalu hji eta nnasnet hager nayn nakan ertrawi knbl zewefeya aynu bal hade aynu elka memeseli mgbarka ageb ybleka .aybahlnan u nskawn kemti nsu zgageyo zelo tgage aloka emo arma nsa ka hlaget kalsu eu ember nkale aytmlketn ya bkale gleso kbleka yfetu

    ente et lmat gn ayslaen u tarik hagerat europa rayo ab 1920 kemey neru hzbi europa
    bzaeba hgn sratn zeymhlaw tenzareb mhashe ember almom zalom elka kriticise ktgebr shame on u
    4

  • Ygermena Alo April 10, 2013

    All I can say is that there is this saying……Etom Aklab Kem Amelom Ynebhu Eti Gemel Kea Kem Kulu Gizie Mireshau Yktsiel…..

    • massawa April 13, 2013

      YOU NEED A PRAYER BEING SELFISH HEARTLESS IS THE WORST THING

      WHEN YOU WALK AROUND YOU LOOK LIKE A HUMAN BEING BUT….

  • mahudsherifo April 10, 2013

    dawit you nail it you tell the story like you say the reporter is up set ERITREA is geting strong in military now WEYANE get aleson from WARSAY YKALO in the 1998 1999 2000 war so if they find out evry eritrean is training for military this is their NIGHT MARE because they have this MENTALITY ABAY TIGRAY so to acomplish their goal they want WEAK eritrea then when ERITREAN GOV start training people they put their agents in any website & talk how the GOV is upseting people

    • massawa April 13, 2013

      WEYANE HAS NOTHING TO DO WITH THIS. STOP FOOLING YOURSELF GO AND SEE THEIR COUNTRY UNLIKE YOU DOOM SUPPORTING THE DICTATOR & PFDJ DESTROYING OUR BEAUTIFUL COUNTRY, OUR PEOPLE ARE VANISHING ONE BY ONE. YOU CAN’T EVEN SEE WHAT IS HAPPENING IN SINAI YOU ARE BLINDED AND BRAIN WASHED TO SEE THE SUFFERING OF YOUR PEOPLE. YOUR CRUELTY WILL HUNT YOU FOR EVER

      THE CRIMINALS AND ALL SUCKERS ARE THE LAST TO FEEL THE PINCH

      THIS SHALL PASS

  • Mehari April 10, 2013

    Selam yehwat! kulukum abb London tenebru deleyti lewti, Okubay Mesfun Derafay, kabtom kendi agelgali young YPFDG, hegdef mekuanu neheberekum alenna, betedegagami sebat sele zedanager aytegerehu , Jeganu Ertraweyan deleyti lewti, Ajokum ajonna bebzelennayo nesmer semer.

  • Hailu April 10, 2013

    mahudsherifo- niska emo yelekan fesimka ab Ertra zeykones ab alem eka zeleka aytmesln
    We have to be shamefull for we lost a large areas given to Ethiopia and still economically we are backwards.
    i think ” zesinka husa kortmelu” eyu negeru

  • dekibat April 10, 2013

    Mahudsherifo and kuku(why do not live in eritrea with teke mangus if you think tekle manjus brought Nasenet)
    Ethiopians are laughing at us. Is that your Wasay/yekalo who is running from his/her country like a deer and hiding in Sinai underground like rabbit and being tortured crying helpless and who became the play toy of the filthy rashaida and buduin just like a cat play with a mouse. Before Yesterday the Rashaidans were rabish, they were convinced that they themselves that they were beggars, rubbish and animals and undignified do not have the respect then warsay/yekalo taught rashaidans in sawa how to pull the trigger against Sudanese only to find the rashaidans directed the gun at him/her. The lion became laughable. Isias gave the rashaidans and buiduin special class to be the best torturers and he is proud of them. Today’s warsay/yekalo are no match to the primitive of west paua freedom fighters let alone to face Ethiopian mighty. Hypocrate decives no one but himself . Teklai mangus is a disable retarded and we should take out his brain and his second eye with Rocket. You talk about Nasenet(freedom) , we are yet to get our country to the right owners , we did not get our Nasenet yet. If you think teklai mangus brought Nasenet for you then why do not live there.

  • kuku April 11, 2013

    dekibat i think nay weyane nafkot aloka kalsi hzbi eritrea teneaes aloka weyka weyane eka ember ane zsehafkwo anbbo nayseb sbukn hmakn felika mflat sbuk u eleka ane kalay bal nska awasa kedkum ktfon berberen zuryan shektu ember entay nay hager aflitkum da 40 wdubat dyen da nasnet hzbi keregagsa demokrasi kemsa nenhdhden zwada zelewa gena absltan keybeshas hji yae ezen nhzb ertra nasnet wey demokrasi kemselu
    ab merabawyan koynom gbom zegfu nasnet wey demorasi ayemsewan yom ktfelt etom emnn hamedn kfhru zwelu zelew rhasn demn zefssu zelew jeganu warsay ykalo nom ya boom ya ka tmese demokrasi ez arkey aynka kfeto Tekle manjus ka hji ko hmak teserehe kedem gn zeykhad jignnet serhu 1aynu senu u ktfelt

  • concerned Eeritreawi April 11, 2013

    “Gangs are prominent in the larger cities and urban areas in the United States, in prisons and jails while many branches of the original gang are present in small towns and suburbs. American gangs originated in New York City and Chicago and the surrounding areas. The gangs competed with one another for various reasons, such as during the prohibition era for control of illegal drinks, and would often beat or even murder an opposing gang member for attempting to sell or distribute illegal liquor on their “turf”. This resulted in retaliation and eventually a “war” between the opposing gangs.”

    To join a gang there is process that one has to go and in that one has to be initiated before becoming a gang member. Initiation is usually doing a crime

    If anyone is saying Tekle manjus is not one of the gang then, the person is trying to cover something for the criminal or do not know what s/he is talking

POST A COMMENT