Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓዱሽ ዓመት ምስ ሓዱሽ ስርዓት – ቃል ኣሰና

ሓዱሽ ዓመት ምስ ሓዱሽ ስርዓት ቃል ኣሰና ኣብ ድርኵዅት ሓዱሽ ዓመት፣ ሓድሽ ትምኒት ምግላጽ ኣብዛ ዓለምና ልሙድ እዩ። ንሕና ኤርትራውያን ግን ሓድሽ ዓመት መጸ ሓደ ትምኒት ክንደጋግም ልዕሊ 10 ዓመታት ኣሕሊፍና ሓርነትን ፍትሕን ዘአንግድ፣ ብሕጊ ዝምእዘዝ

ሓዱሽ ዓመት ምስ ሓዱሽ ስርዓት ቃል ኣሰና

ኣብ ድርኵዅት ሓዱሽ ዓመት፣ ሓድሽ ትምኒት ምግላጽ ኣብዛ ዓለምና ልሙድ እዩ። ንሕና ኤርትራውያን ግን ሓድሽ ዓመት መጸ ሓደ ትምኒት ክንደጋግም ልዕሊ 10 ዓመታት ኣሕሊፍና ሓርነትን ፍትሕን ዘአንግድ፣ ብሕጊ ዝምእዘዝ ሓዱሽ ስርዓት ሃረር ንብል ኣለና። ጻዕርና ንባህግና ምድራግ ስኢኑዎ ስለዘሎ ግን፣ ትምኒትና ኣብ ልብና ከይኣርገና ዘሰክፍ እዩ።

ኣብዞም ዝሓለፉ ዓመታት ነዚ ኣጋጣሚ ምኽንያት ብምግባር ከምዚ እዋን ዘመሓላለፍናዮም መልኽእታት፣ “ህዝቢ ኤርትራ” እናበልና ኢና ኣሕሊፍናዮም። ነዛ ንብዙሕ ግዝየኣዊ ዙርያታት መሓውርና ተቐይዱ ምንቕ ከይበልና፣ 365 መዓልታት ኮሊላ ድሕሪ ጽባሕ ደበኽ እትብለና ሓዳስ ዓመት 2015 ግን፣ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ኤርትራ፣ “ሰራዊት ኤርትራ” ኢልና ክንድሃያ መሪጽና ኣለና። ምኽንያቱ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ብምሉኡ ሰራዊት፣ ኤርትራ ድማ ካምቦ እያ ኮይና ዘላ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ድሕሪ ናጽነት ዝተዓወተሉ እንኮ ፕሮጀክት እንተልዩ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ናብ ወተሃደር ቀይርካ ብወተሃደራዊ ምሕደራ ምቍጽጻሩ እዩ። ነዚ ድሑር ናይ 17 ክፍለዘመን ፕሮጀክት’ዚ፣ ኣብ ጽባሕ ናጽነት፣ ብ1994 ብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ፈሊሙ ካብ 18 ክሳብ ማእከላይ ዕድመ ንዘለዉ ኤርትራውያን ኣብ ዕስክርና ጸሚዱዎም። ሓደ ክልተ ዓመታት ጸኒሑ፣ ንኹሎም ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃን መማህራኖምን፣ ኣብ እዋን ክራማት፣ “ክረምታዊ ማእቶት” ብዝብል ብልሓት ካብ ቤትምህርቲ ነጻ ኣብ ዝኾኑሉ እዋን ካብ ሲቪላዊ ናብ ወተሃደራዊ ምሕደራ ብዝቐረበ ኣገባብ ሑዙዎም። ኣብ 1998 ባዕሉ ኵናት ወሊዑ፣ ክሳብ ልዕሊ ሓምሳ ዕድመ ንዝነበሮም ተጋደልቲ ከምዝኸቱ ብምግባር፣ ዋላ ነቶም ኣብ ሲቪላዊ ስራሕ ተዋፊሮም ዝነበሩ  ‘ውን ምሕደራኦም ኣብ ትሕቲ ምክልኻል ምዃኖም ብምእዋጅ ናብ’ቲ ዝተሰናበቱዎ መስርዕ ዕስክርና መሊሱዎም። ቀጺሉ ኩሎም ተማሃሮ 11 ክፍሊ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ኣብ ሳዋ ክውድኡ ብምስግዳድ ብዘይ ፍቓድን ፍታውን ወለዶም ሕጹያት ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ገይሩዎም። ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ከኣ፣ ነቶም ዝተረፉ ክሳብ 70 ዓመት ዝዕድሚኦም ኤርትራውያን እንተላይ ሽማግለታት፣ ብካርድ ናይ ኩቦን እንዳኣፈራርሐ ብረት ኣዕጢቑ ወግሐ ጸብሐ “ተዓለሙ” እናበለ ቅሳነት ከሊኡዎም ይርከብ ኣሎ።

ኣብ’ዚ እዋን ‘ዚ፣ ኣብ ኤርትራ ንዕስክርና መሊቖምላ ዘለዉ ሽማግለታት ኣዴታትን ህጻናትን ጥራይ እዮም። ንሳቶም ‘ውን ኣብ መወዳእታኡ፣ እቶም ቆልዑ ደቂ ወተሃደራት፣ እተን ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣንስቲ ወይ ኣዴታት ወተሃደራት ብምዃኖም፣ ስድራቤት ዓሳክር ምዃኖም ኣይተረፎን። ብረት ዘይወርደላ ሃገር፣ ዓዲ ዓስከር፣ መዓስከር ኮይና።

እቲ ብኣፉ “ንኤርትራ ናይ ኣፍሪቃ ሲንጋፖር ክንገብራ ኢና” ኢሉ፣ ክንዲ እምባ ብምምብጻዕ ብዙሓት ኣእዛን ዘደናገረ ስርዓት፣ ግለት ኣፍሪቃ ኮይኑ ተሪፉ። እቲ ንኤርትራ ኣሽንባይ ዶ ምስ ሲንጋፖር ምስ ኣፍሪቃ ‘ኳ ኣወዳዲሩ ምርካባ ዝሰኣነ መንእሰይ ናብ ኤውሮጳን ኣመሪካን፣ ወዮ ኤርትራ ቤትማእሰርቲ ኮይና ጸቢባቶ ኢዱን እግሩን ፍሕት ምባል ዝሰኣነ ነጋዳይ ከኣ ናብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ወፊሩ። እቲ ዝግ ኢሉ ዝተረፈ ሓተላ ግለት ህግደፍ ከኣ፣ ጓሓፍን መጕሓፍን ተሳኢኑዎ፣ ሃገር በኪሉ ኣብ ደንደስ መቓብር ይነብር ኣሎ።

ኣንታ ሃገር እናጠፍአት ሓላው ሬሳ ስርዓት ኴንካ ዘለኻ ሰራዊት ኤርትራ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ትንቢት ሲንጋፖር ዓብዩ ስለዝጸቐጦ ኣይኮነን ዓቕሉ ጸቢቡዎ ዘሎ። እንሀውልካ እንዶ ሰብ ዋኒን ኤርትራ ኣብ ዘዝገሹዎ ሃገራት ኣፍሪቃ በለቐለቕ ክብሉ ይረኣዩ። ኣሽንባይ ‘ዶ ጽፉፍ መደብ፣ ጥዑይ ሕልና ጥራይ ዘለዎም፣ ጽቡቕ ህዝቢ ኤርትራ ዝምነዩ፣ ቅኑዓት መራሕቲ እንተዝርከቡ ነይሮም፣ ኣብ ኤርትራ እምባ ሲንጋፖር ዋላ እንተዘይተረኽበ፣ ኩጀት ሲንጋፖር ‘ሲ ኣይምተሳእነን። ኣእምሮ ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ኣመና ንኢሱ ንቡር ህዝባዊ ምሕደራ ምኽእል ስለዝሰኣነ፣ ንኤርትራን ህዝባን ኣንኢሱን ኣነኣኢሱን ማዕቀን እቲ ድሑር ክእለቱ ክገብሮም ስለዝተኸራኸረ እዩ እምብኣር፣ ሃገር መዓት ተጻዒኑዋ ትሳቐ ዘላ ‘ሞ፣ ሬሳ ኣፋኒኻ ህዝብን ሃገርን ኣድሕን። ሓዳስ ዓመት 2015 ዓመት ሓድሽ ስርዓት፣ ዓመተ ሰላምን ራህዋን፣ ዓመተ ሕግን ፍትሕን ግበራ።

ሰብ ኪዳንካን ኣዴታትካን፣ ፌስታል ኮሚደረ ክሽምታ ፌስታል ናቕፋ ሒዘን ዕዳጋ እናወረዳ፣ ደቅኻ ምሸት ምሸት “ልቺ ከይዳ” ኢሎም ክውጭጩ፣ መንእሰያት ንጉሆ ንጉሆ መመሊቝም ስለዝገደፉኻ፣ መሳርዕካ ማሲኑ፣ ኢሳይያስ ብቐስበን ዘዕጠቖም ሽማግለታት መተካእታ ክኾኑ ቀጻሊ መጸዋዕታ ክግበረሎም፣ ኣሽሓት ዜጋታትካ ኣብ ምድረበዳ ሲናይ መጻወቲ ራሻይዳን በደዊንን ኮይኖም እናተዋረዱን እናበረሱን “ኣብ ቱሪዝም እዮም ዘለዉ” ተባሂሉ ክንገር፣ ኣማኢት ዜጋታትካ ብጅምላ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ኣርእስተ ዜና ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜና እናኾኑ፣ “ኣፍሪቃውያን እዮም” ኣይትገደሰሎም ተባሂልካ ብቴለቭዥን ህግደፍ ክትምከር፣ እታ ብመስዋእቲ ዘምጻእካያ ክብርቲ ሃገር፣ ኣብ ተራ ድኽነት፣ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ ቁጽሪ ስደተኛታት ቀዳመይቲ፣ ኣብ ሃብቲ፣ ስልጣነን ምዕባለን ዳሕረወይቲ ኮይና ብጸብጻባት ዓለም ክትጽዋዕ ክትነብር፣ እዝንኻ ንዝሰምዖ ዓይንኻ እናመስከሮ፣ ከመይ ትጻወሮ? ኣበይ ኣላ፣ እታ ዓብን ንእሽቶን ሃረር ዝበልናያ ኤርትራ? ኣሰር ናይታ ዝሓለምናያ ኤርትራ ብጋህዲ ክሰኣን ከሎ ኸ፣ “ንምዃኑ ንስኻ ኸ ኣለኻ ዶ?” ዶ ኣየብለካን!

እዞም ኣብ ከብዲ ዓዶም መሬት ጸቢቡዎም ዘሎ ኣቦኻን ኣዴኻን፣ እቶም ብሃገራዊ ኣገልግሎት ንእስነቶም በልዩ ናብ መላእ ዓለም ዝብተኑ ዘለዉ ሓውኻን ሓብትኻን፣ እቶም ዶብ ምስጋር ስኢኖም ዝርሸኑ ዘለዉ ካብ ብርክኻ ዝወጹ ጓልካን ወድኻን ‘ዶ ኣይኮኑን? ሕልናኻ ጎዲሙ፣ ካብ ስጋኻ ዓጽምኻ እንተቐሪቡካ ኸኣ፣ ንዓኻስ መዓስ ጥዒሙካ፣ መዓት ኤርትራ፣ ኣብ ዝባንካ ተዋህሊሉ ራህያ መዓት ኴንካ ካብ ማንም ንላዕሊ ተገዲዕካ፣ ኣይ ካብ መሃያ፣ ኣይ ካብ ሕልናዊ ርውየት፣ ፋይዳ ዘይብሉ ናይ ገዛእ ርእሰኻ ከርተት ዶ ካብ ኩልና ከፊኡካ ኣየሎን!

ነዚ ታኼላ መከራ ‘ዚ ምጽዋር ዘይጽወር ክንሱ፣ ነቶም ካብ ተራ መንእሰይ ክሳብ ጀነራል፣ ጋዜጠኛን ዘያምን፣ ቀሽን ሸኽን ሓይሮም፣ ካልኣይ ግጥም ክምዘሎ ረሲዓ፣ “መዋዳድርተይ ስዒረ” ኢላ ክትጽለል ወጋሕ ፈታሕ እንተብል ጋንታ፣ ክሰኽሩ ክዓብዱን ዝሓድሩ ዘለዉ ኢሳይያስን ጭፍርኡን ክትሕሉ ምሕዳር ከ ከመይ ከኣልካዮ? እቲ ስዒርናዮ ዝብሉዎ ዘለዉ ብጻይካ፣ እቲ ዘጥፍኡዎ ዘለዉ ህዝብኻ፣ እታ ዘዕንኑዋ ዘለዉ ሃገርካ ምዃኖም እናተረደኣካ፣ ብግዴታ ወይ ብወለንታ ቲፎዞ ወይ ሓለዋ ናይቶም “ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ” ዝጭርሖኦም፣ ጠፊኦም ዘጥፍኡ ዘለዉ ምዃንካ ኸ ደኣ ‘ሞ ምስ ምንታይ ይቝጸር!

ስለምንታይ ኤርትራዊ ኣብ ገዛእ ሃገሩ መሰል ተነፊጉ፣ ስደተኛ ኮይኑ ተሰሚዑዎ፣ ኣብ ስደት ናጽነት ዘለዎ ዜግነት እንተረኸበ ኣጉል ተስፋ ሒዙ ብቓፍላያት ይግዕዝ ኣሎ?

ስለምንታይ ቤትማእሰርቲ በዚሑ፣ ስለምንታይ ሕጊ ኣልቦነት ሳዕሪሩ፣ ስለምንታይ ህዝቢ ሕድሕድ ምትእምማን ኣጥፊኡ? ስለምንታይ ኤርትራዊ ይጎጃጀል ኣሎ? ስለምንታይ ኤርትራ ተመሪራ? “ስለምንታይ፣ ሰለምንታይ፣ ስለምንታይ” ኢሉ ልብኻ ንርእስኻ ክሓቶ እንተኣፍቂድካሉ፣ ርእስኻ “ምልኪ ነጊሱ፣ ሕጊ ፈሪሱ፣ ሃገር ፈዅሱ” ከምዝብለካ ፍሉጥ እዩ። እሞ፣ ድሕሪ እቲ መልሲ ዘሎ ግብረ-መልስኻ ኸ እንታይ እዩ?

ዝኸበርካ ሰራዊት ኤርትራ፣ ንስኻ ንምልኪ ክትሕሉ ከለኻ፣ እዛ ትማሊ ጎቦን ስንጭሮን ፈናቒልካ ደም ጸናቒቕካ ዘምጻእካያ ሃገር ብዘይ መሰነይታ ፎሎ ትኸድ ከምዘላ ካብ ዝኾነ ዓይኒ ቀሪቡ ዝርእዮ ዘሎ ዓይንኻ ክንሱ ከነዘኻኽረካ ምውስዋስና ድፍረት እዩ። እንተኾነ፣ “ዛጊት ዓይንኻን ልብኻን ተራዳዲኦም ሃገርን ህዝብን ዘይምርድኦም ከምዘድፈረና ደኾን ተስተብሀሉ” ኢልና፣ እቲ ጭካኔን ዕብዳንን ሓዋዊሱ ሃገር ዘብርስ ዘሎ ጠላም ስርዓት ካብ ዝኾነ ይኹን እዋናዊ ብድሆ ኤርትራ ዝዓበየ ሓደጋ ብምዃኑ፣ ዓቐቕታ ዓዕኑድ ሃገርና ካብ ማዕዶ እናሰማዕናዮ ካብ ምጽቃጥ፣ ዓገብ ምባል ስለዝመረጽና፣ ነቲ ድፍረት ሓቦ ጌርካ ክትርድኣልና ንትስፎ።

ኣሽንባይ ዶ ንስኻ ዶባት ሃገር ክትሕሉ ዘይኮነ፣ ምእንቲ ስስዐ ስልጣኖም ነብስኻ ክትሕሉ ኢሳይያስን ጭፍርኡን ሰራዊት ብዘይ ህዝቢ ገይሮምኻ ዘለዉ ዘይንቡር ሰራዊት፣ ዋላ እቲ ንምክልኻል ሃገር ዝቐውም ንቡር ሰራዊት ‘ኳ፣ ግዴታኡ ካብ ባዕዳዊ ወራር ምክልኻል ጥራይ ዘይኮነ፣ እንተላይ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝበቍል ዓፈል ምልክን ዓመጽን ምብንቋስ ምዃኑ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ።

ስለዚ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፣ ምእንቲ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ኣብ ጎድኒ ህዝብኻ ደው ኢልካ ነቲ ምስ ሕድርን መብጽዓን ዘይሳነ ምልክን ጥልመትን ካብ ገጽ መሬት ኤርትራ ምሓዎ። ኣብዛ ሓዳስ ዓመት 2015፣ ልዕልና ሕግን ፍትሕን ዝሕመረቱ ሓዱሽ ስርዓት ክትከል ሃገራዊ ግብእካ ፈጽም። ኣብ ክንዲ ሰራዊት ምልኪ ሰራዊት ህዝቢ ኩን!

እቶም ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘለና ኤርትራውያን ከኣ፣ ኣብ ክንዲ ተጸበይቲ ፍትሒ  ደለይቲ ፍትሒ ብምዃን፣ ኣብ መንደቕ ኮረት፣ ኣብ ማሕረስ ውሻል፣ እንተኸኣልና እምኒ ኩርናዕ እንተኾይኑልና ማሕረሻ ክንከውን፣ ምፍርራሕን ምጕርራሕን ገዲፍና፣ ከከም ዓቕምና ተወፋይነት ከነርኢ፣ ሃገራዊ ሕልናና ከነበራብር ኣለና። እቲ ንጽባሕ ከይበለ ብዘይ ዕቃበን ጉርሕን ክቡር ዋጋ ዝኸፈለ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፣ ርሕቀት ዓዲ ስደትና ብዘየገድስ ከይንርስዖ ማሕላ ይኹነና። ብዘይ ሓድነት ዓወት ክትርከብ ማለት ዘበት ስለዝኾነ፣ ኩሉ እንተተረፈ፣ ምጥምማትን ምፍልላይን ወጊድ ኢልና፣ ነታ ስሚ ውልቀመላኽን ዓማጽን ዝኾነት ሓድነት ኤርትራውያን ወትሩ ክንዕቅባን ከነሰስናን እዋናዊ ሓላፍነትና እዩ። ብሓባር “ሓሕ!” እንተኢልናዮ፣ እቲ ከም ዕራብ-ጸሓይ ኣብ ምዕራባዊ መኣዝን ተንጠልጢሉ ሎሚ ጽባሕ ክብል ዓመታት ኣሕሊፉ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ሓንሳብን ንሓዋሩን ክዓርብ እዩ። ነዛ ዝገበርናያ ክትከውን ተዳልያ ዘላ ሓዳስ ዓመት 2015፣ ኣብ ክንዲ ከምተን ዝሓለፋ ዓመታት መሳለይት ምልኪ፣ ዓመት ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ኮይና፣ ጸሓይ ከተብርቕ፣ ሸዊት ፍትሒ ከተእንግድ ምእንቲ ኸኣ፣ ኢደይ ኢድካ ኢልና መሓውርና ከነወሳውስ፣ ቃልና ከነሐድስ ይግባእ።

ሓዳስ ዓመት 2015፣ ዓመተ ሰላምን ራህዋን፣ ዓመተ ሕግን ፍትሕን ይግበረልና

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

29 ታሕሳስ 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
37 COMMENTS
  • anedo December 30, 2014

    Abraham the son of the dictator claims his dad never have humanity. The book shelf in their house is mainly Mao Zedong of communist china. How to kill, assasinate, protect from strike….

  • tesfaldetabraha December 31, 2014

    did AMANUEL EYASU hear the news 4 ETHIOPIAN AIR FORCE PLOTS JAST DIFFECT TO KENYA IKNOW THIS IS BAD NEWS FOR HIM BECAUSE HIS BLOVED WEYANE IS DEAING LIKE THIS MASTER MELES

    • ahmado salihado December 31, 2014

      tesfaDEMHIT,
      So what is the big deal if 4 Ethiopian Pilots defect to Kenya? They can recruit 4 thousand new pilots.
      Why don’t you just defect to your DEMHIT as soon as possible so that we get a break from your garbage.
      tesfaDEMHIT, in future bring along a few brain cells when you comment here on Assenna. Get real & get a life loser.

  • Yafet Bereket December 31, 2014

    Mr ahmado salihado,
    Well said and as you rightly described tesfaDEMHITabraha, reminds me of a crazy dentist who walks around with his old box labeled “dentist”, but now full of plumber’s tools. It is best to just ignore this crazy individual. They say once a rug head always a rug head just like our hopeless friend tesfaDEMHITabraha.
    It seems people like tesfaDEMHITabraha have nothing to show anything worthy of their sad life. They lived a wasted life being slaves and servants of HIGDEF for life indeed. He should really get help urgently.

  • Simon G. January 1, 2015

    ሰሚዕክሞ ዶ ናይ ኢሳያስ (ኢሳይያስ ድማ ኢሎሞ ፡ መታን ፍሉይ ክኸውን። ኣየ ጉድ) ሃለውለው?
    በሉ ቅዋምና ጉሒፈዮ ኢሉና ከይሓፈረ። ሕጂ ድማ ማይ ዘይጠዓመ ቅዋም ክጽሕፉ (ክምህዙ ‘ዶ ክንብሎ? ናይ ኢሳያስ ምህዞ ማለትይ ‘ዩ) ኮሚቲ መስሪተ ይብል። ኣነ’ኳ ዋላ ‘ቶም ኮሚቲ ዝብሎም ዘሎ ኣብ ሓንጎሉ ጥራይ እምበር: ብኣካል ዘለዉ ኣይመስለንን።
    እቲ ካልእ ሃጠውቀጠው እንታይ ክንብሎ። ዓጀውጀው ዩ! እዞም እንስሳታት ሰዓብቱ: ካብ ጽባሕ ጀሚሮም እዚ ልቡ ዘጥፈአ መራሒኦም ዝበለን ቃላት ክደግሙ ክንሰምዖም ኢና። ግርም FPGAs ዶ ምኾኑ ሓቀይ?

  • TeAzabi January 1, 2015

    After watching the recent interview of the Eritrean tyrant, Isayas Afeworki, I have confirmed what I have believed for a long time that this man is delusional, out of touch and completely insane.

    Indeed, Isayas Afeworki is THE MAD MAN Of The Horn Of Africa,

Post a Reply to Yafet Bereket Cancel Reply