Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? – ሓዋርያዊ መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ።

“ብእምነት ናይ ሓቂ ደቅና’’ ናብ ዝኾኑ ምእመናንን፣ ናብ ኵሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይን፣ ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን፣ ካብ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታናን፣ ጸጋን ምሕረትን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን።1 ብትንሣኤ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ኃጢኣትን ሞትን ዓወት ዝተረኽበሉ፡ በዚ ዘመነ ትንሣኤ ብጐይታ ኣብ ብርሃን

“ብእምነት ናይ ሓቂ ደቅና’’ ናብ ዝኾኑ ምእመናንን፣ ናብ ኵሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይን፣ ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን፣ ካብ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታናን፣ ጸጋን ምሕረትን ሰላምን
ምሳኻትኩም ይኹን።1 ብትንሣኤ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ኃጢኣትን ሞትን ዓወት ዝተረኽበሉ፡ በዚ ዘመነ ትንሣኤ ብጐይታ ኣብ ብርሃን ምእንቲ ክትህልዉ፡ፍረ
ብርሃን ዝኾነ ጽድቅን ሓቅን ክትለብሱ (ኤፌ.5፡8-9 ረአ) ሠናይ ትምኒትና ንገልጽ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
61 COMMENTS
  • meharenazgi merhawi June 6, 2014

    ዝኸበርኩም ኣቦታት ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤ/ክ ኤርትራ፡ ከምቲ ጳውሎስ ሓዋርያ ኣብ መልእኽቱ 2ይ ተሰሎንቄ ቁ.2፡13 ዝበሎ ንስኻትኩም ናይ መንፈስ ቅዱስ ስራሕን ብሓቂ ብምእማንኩምን ንድሕነት ዝተሓረኹም ኢኹም።እቲ ዘፍቀረና ብጸጋኡ ከኣ ዘለኣለማዊ ምጽንናዕን ሰናይ ተስፋን ዝሃበና እግዚኣብሔር ኣቦና ንልብኹም የጻናንዕ።በቲ ጀሚርኩምዎ ዘለኹም ንድሕነት ህዝብኹም ሰናይ ንምግባርን ንምዝራብን የበርትዕኩም። እሜን።
    ክቡራት ጳጳሳት፡ ከምቲ ጳውሎስ ንሰብ ፊልጵሱስ ኣብ 1፡28 ዝበሎም “በቶም ዝቃወሙኹም ኣይትሰንብዱ፣ከመይ እዚ እቲ ካብ ኣምላኽ ዝኾነ ንዓኣቶም ናይ ጥፍኣት፣ንዓኻትኩም ግና ናይ ድሕነት ርኡይ ምልክት፣ ምዃኑ ተረዲእኩም ሓዋርያዊ ሓላፍነትኩም ብምትግባርኩም ሰዓብቲ ክርስትና ደቅኹም ኩርዓት ይስመዓና።
    ነቶም ኣይ ውዑይ ኣይ ዝሑል ብምዃን ማእከላይ መርገጽ ጥራይ ዘይኮነ፣ናይ መንፈሳዊ ኣባትነት ማለት ናይ ጳጳስነት መዓርግ ተቐቢኦም መንፈሳዊ ሓላፍነቶም ዕሽሽ ብምባል ናይ ስጋኦም ግዙኣት ኮይኖም ነቲ ኣብ ሃገሮም ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን ሕሰም ናብራን ጭቆናን ጊላዊነትን ማእሰርትን እናረኣዩን እናሰምዑን ኣፎም ብዘይ ምኽፋቶም፣ህዝቢ ኤርትራ ዝፋረዶም ምዃኑ ክዝንግዑ የብሎምን።እቶም ብሰንኪ’ዞም ፈተውቲ ስጋኦም ጳጳሳት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሳቐዩ ዘለዉ ቅዱስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ’ውን ኪፋረዶም ምኻኖም ኪሩድኡ ምተገበኦም።

  • slehaki June 7, 2014

    ኽቡራት ኣቦታት መራሕቲ ሃይማኖት ካቶሎካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፣

    ሓቂ ብሓቂ ንኩነታት ሃገርና ገሊጽክምዎ፣ ከምዚ ኢና ንጽበ ካብ መንፈሳዊ ኣቦ። ዝተፈላለየ ጸለመታት በቲ ስርዓትን ደገፍቱን ኪመጻኩም ምካኑ ብእዋኑ ተገንዚብክምዎ ትኮኑ፣ እንተኮነ ጊን እቲ ኩሉ ዝክእል ኣምላክ ምሳኩም ኢዩ፣ ኣምላክ ጸጋኡ የብዝሓልኩም፣ ንሃገርና ከኣ ሰላሙ የዉርደላ። ኣቱም መራሕቲ ካልኦት ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ከኣ ነዚ ጽቡቅ ኣብነት ኪትስዕብዎን ተመሳሳሊ መግለጺ ከተዉጽኡን ንጽበ። ኣቲ ዝዕበየ ህይወትኩም ንኣምላክ ወፊኩም ከተብቕዑ ንሰብ ክትፈርሁ ኣይግባእን፣ ሃየ ተበራበሩ ኣበነት ናይዞም ኣብነታዉያን መራሕቲ ከኣ ሰዓቡ።

  • Kiflom June 7, 2014

    ኩቡራት ኣቦታትናን መራሕቲ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፣

    ኤርትራ ሃገርና ቀንዲ መለለይኣ ሃይማኖታዊ ስኒት፡ ሕብረታዊ ፍቕሪ፡ ኢትኒካዊ ምክብባርን ምትሕፍፋርን እዩ ኔሩ። ሕጂ ግን ብሰንኪ ውሑዳት፣ ንውልቃዊ ረብሓታቶም ክብሉ፣ ነዛ ብደም ኣሕዋትናን ጾምን ጸሎትን ህዝብና ዘምጻእናያ ሃገር ኣብ ኩሉ መዳያዊ ቅልውላው ትርከብ። እዚ ምስ ተባሕጎገ ክምለስ ዘይከኣል ክብርታት፣ ይፈታተን ሰለ ዘሎ፡ መልእኽትኹም፡ መልእኽቲ ሃዋርያት እዩ። ኣምላኽ ድማ ኣብ ኩሉ ጉዕዞኹም ክመርሓኩም እዩ። እቶም ካልኦት ድማ፡ ኦርቶዶክስያዊት ቤተክርስትያን፡ ወንጌላዊት፡ ምስልምና ኣሕዋትና ነዚ መለኮታዊ ተልእኾ ክትፍጽሙ ንጽበየኩም። ኣምላኽ ሃገርና ይባርኸልና።

  • solomon June 7, 2014

    We call the to the Eritran Islamic awkaf leader Mufti to take thesame action.
    Be ready coz HGDEF are prepring t take action agenst the catholic bishops.
    Coz they tell them the truth couregiously.
    Solomon

    • Sala June 7, 2014

      whether hgdef take action or not is meanigles to the bishops. they can die today right here for what they believe. The orthodox kept silent when their bishop arrested, their kahn taken to sawa, their mobae confiscated and they still leak hgdef boots. the catholic had always fought back and never gave an inch to hgdef. so they are not scared of hgdef like you and me

    • abdallah June 10, 2014

      Impossible Mr. Solomon the Mufti will never do it.
      Because the Mufti is stupid who betrayed Muslims.
      May Allah create for us another Wedi Ali…

      I appreciate the Bishops. May Allah help them to bring change for this people ..Amen

  • Goitom Tedros June 7, 2014

    It is high time for the rest of the different religious leaders in Eritrea to add their voices to the courageous Catholic Bishops’ challenge to the criminal system in Eritrea. If you truly believe in the Lord/God, be not afraid, speak up for the victimized nation. If you don’t speak now, then when? You will be condemned by history and finally by your maker. Hats off for the Catholic Church in Eritrea.

    Goitom Tedros

  • Amanuel June 7, 2014

    Sala, why don’t u stop pointing fingers.. Let’s focus on the main thing.. Wheather orthodox get their money from PDFG or Chatolic reporting to vatican is not the point here.

    The Catholic bishops started the movement and let’s all other bishops follow them.

  • Tamrat Tamrat June 8, 2014

    What the prist has said is a good thing. It doesnt matter wheather he is a protestant, a catholic, an orthodox or a catholic.

    The prist asked all ‘where are Our brothers’? Implying those who dissapeared, prisoned, perished in the 1998 war, and consquently exodesing to the unkown. Can we appreciate the prist without promoting Our hidden agenda. Watch the awatainas, who are cellebrating in an opportunity like this. their leader Saleh Johar already started his filthy politics on attacking the orthodox starting from the derg time and till now. Is not the orthodox prist in prison still? Are not the orthodox reprsented in the prison, in the grave yards, in the exodes? Why we turn the good thing done by the prist to some thing evil?

    ‘Where are Your Brothers?’ is explicitly said by YG even before each Family looses one or more Family members and the reason. Instead of acting in unity, the awatenians mobilize the Whole hate machcineis to belittle YG as a messenger of Ethiopia. They sucsseed on distorting his Message but not in stopping the exodus. They use the exodus to their advantage.

  • Mesinas June 8, 2014

    “ኣብነታውያን ጓሶት ምዃንኩም ዘርኣኹምና ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ምስግና ይግብኣኩም። እቶም ብመንፈስ ዝወለዱና ጳጳሳት ተዋህዶ ኸኣ ልቢ ይሃቦም። መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ሞያውያን ሃገራውያን… ኣውያት ህዝብኹም እንተ ኣቃሊሕኩም እቲ ናይ ኢዱ ዘይረኸበ ገርህን ለዋህን ሕዝቢ ኤርትራ ክርህዎ እዩ። ኣምላኽውን ትሪ ልብና ርእዩ እዩ ክሳብ ክንድዚ ክንዋረድ ፈቒዱ ዚኸውን። ኣሰር እቶም ቅኑዓት መራሕትኹም ከም ብዓል መንፈሳዊ ኣቦና ቅዱስ መንቀርዮስ ቅንዕና፣ ልቦናን ንቕሓትን ይሃብኩም። ከምዞም ካቶሊካውያን ኣሕዋትና ስለ ህዝብኹም ከተእውዩ ንኣኹም ገና እዩ፣ ትሕተ ባይታኹምን ደረጃ ትምህርትኹምን ኣይድግፈኩምን እዩ። ንሳቶም ሕቆ ናይ ሮማ ቤተክርስትያን እዩ ክሳብ ክንዲዚ ዘትብዖም ዘሎ፡ ማለት ንቕሓትን ኣካይዳ ዓለም ምግንዛብን ከምኣቶም ኣይንጽበን። እንተ ኾነ ስለቲ ተኣሚንኩም ዝተቐበልክምዎ ማዕርግ ሕጊ ቤተ ክርስትያንኩም ኪጥሓስ ከሎ ዓገብ ክትብሉ ይግባእ ኔሩ? ንኣቦኹም ኣሕሊፍኩም ሂብኩም፣ ብሓደ ብደም መንእሰያት ኤርትራ ዝሕተት ኣምባሳደር ደርጊ ነበር ሰብ “ይፍታሐ ዲሞጥሮስ” ክትምርሑ፣ ንኣዳም ገረሞ ዘብል እዩ! ኣቦኹም ተሓይሮም ሕግኹም ዘይፈቕዶ ካልእ ሰብ ምረጹ ኪትብሃሉ ከለኹም ኣይፋልናን ዘይምባልኩም ጸሊም ታሪኽ ገዲፍኩም ንቤተክርስትያንኩም ከኣ ንፋስ ኣእቲኽምሉ። ብዝግን ብሰብን “ሓውኹም ኣበይ ኣሎዉ?” ኪትብሃሉ ኸለኹም እንታይ ኮን ክትምልሱ ኢኹም? ኣምላኽ ውርደትና ርእዩ ይተዓረቐና እምበር እንታይ እሞ ይብሃል ኮይኑ።”

    ቃል ክብርቲ ሓብትና ኣልማዝ ጓል ኣስመራ።

    ክብርቲ ሓብቲ ኣልማዝ፡ ብመጀምርያ ወትሩ ብሱል ርእይቶ እሞ ኸኣ ብትግርኛ ስለ ተቕርቢ ክሳዕ ክንደይ ኣብ ቋንቋኽን ባህልኽን ክብርን ተገዳስነትን ዘሎኪ ሃብሮም ዜጋ ምዃንኪ ዘመስከርኪ ኤርትራዊት ምዃንኪ ክገልጽ እፈቱ። ቀጺለ ፍቓድኪ እንተ ኮይኑ፡ ነዛ ብግቡእ ነቲ ዘሎ ኩነታት ኣካይዳ መራሕቲ ሃይማኖትና እተንጸባርቕ ጽሕፍትኺ፡ ዝምልኣላን ዘጉድለላን ነገር ስለ ዘይብለይ፡ ንኣኣ ደጊመ ክጽሕፋ መሪጸ’ሞ ኣቐዲመ ፍቓድኪ ሓቲተ ዘይምጥቃመይ ይቕሬታ እሓትት።

    ካልእ፡ ነዞም ኣብነት ብምዃን ንወጽዓን ሽግርን ህዝቢ ርእዮም ዓገብ ዝበሉ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ብልቢ አመስግን። ዚከኣል እንተ ኮይኑ ከኣ ነታ ኣብታ ብህግደፍ ክትዓኑ ዝተበየነላ ምጭውቲ ከተማ ኣስመራ ዘላ ቤተ ግርማ ከተማ ኣስመራ ዝኾነት ክርስትያን ኪዳነ ምሕረት፡ ብርስሓት ተደዊና ስለ ዘላስ ብውሕዱ ንግዝይኡ ሕብሪ ለኺዮም ከሐድሱዋ እናተላበኹ፡ ነዞም ናይ ብሓቂ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝኾኑ መንፈሳውያን መራሕቲ ደጊመ አመስግን።

    ሓው መሲናስ

    • Almaz Gual Asmera June 8, 2014

      ሓው መሲናስ የንቐንየለይ ስለቲ ንእዶኻ። እኽቢድካለይ ግን ንስኻ ትኣክል ብዓል ሞያን መምህር እሩም፣ ንኡድን ፍትሓውን ጸሓፋይ ንርእይቶይ ደጊምካ ኣሪምካ ከተቕርቦ ከሎኻ እሕጎስ። ኣጆና ኣጆኹም፣ ህዝብናን ዓብይቲ መራሕትን ሃይማኖትን ሞያውያንን ሰብ ሕልና ተጋደልትን …ኮታ ኩሉ ካብ ስቕታ ናብ ዓውታ ተሰጋጊሩ ፍትሒ ካብ በለስ ኪወግሓልና ኣዩ። ብቐደሙ እንታይዶ በራኻ ከርተት ኣቢሉና እዩ። ወለዶ ምሉእ ዝኸፈልናሉ ብሓደ ኣረሜን ዘይቕርዑን ኣእምሮ ዝተዓደለ ሰብ ኪንምራሕ ርእስና ምትሓትናውን ሕማቕ ትዕድልቲ እዩ።

  • Bereket June 8, 2014

    This is a critical moment when we have to show our unity and be sided with the truth in which the Catholic bishops have chosen.This is a very perishable condition in which the people need to show a very careful treatment. We do not have to use this event to bring a division among us but incontrast we should use this event to bring us together more than any time and throw the most cruel regime once forever. Our fathers did their religious duty and when they did so, they knew very well what the response of the regime could be. But what so ever the action of the dictatorial government might be they chose to tell the TRUTH. And as the scriptures tell us the truth will set them free. They took the highest risk in order to lead their people to peace;they played their role to bring an end to the exponentially growing suffering of the people of Eritrea in all aspects of life. What they need from their muslim, orthodox, and lutheran counterparts as well as all the people of eritrea in general is that a similar official support to their action. The people should not repeat the silence of the 2001 event(I do not forget the action taken by the elders to reconsile the top government officials). This should be the final time for the demise of dictatorship and all related problems and the start of a new chapter of freedom,justice,peace and rule of law. Let us stand up people beside our dear fathers!!
    God bless our bishops and keep them safe.
    Bereket

  • Bereket June 8, 2014

    Let us also pray for the bishops for God always to be with them. Let us pray for our suffering to end.

Post a Reply to Meretse Asmelash Cancel Reply