Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓወልቲ ፑሽኪን ኣብ ኣስመራ፡ ኣስከሬን ኤርትራዊ ኣብ ምድረበዳ ሳህራ

ሓወልቲ ፑሽኪን ኣብ ኣስመራ፡ ኣስከሬን ኤርትራዊ ኣብ ምድረበዳ ሳህራ ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ መሬትን ማያትን ኤርትራ፡ ኣብ ነፍስ ወከፍ ቃጽዖ፡ ኩርባን ስንጭሮን ኣብ ከርሱ ዘይተበርበረ ድንግል ፍጻሜታትን ቅያን ዓቂቡ ኣሎ። መሬትናን ማያትናን ብዝግባእ እንተዝፍተሽን ብክኢላታት ምርምር እንተዝካየደሉን

ሓወልቲ ፑሽኪን ኣብ ኣስመራ፡ ኣስከሬን ኤርትራዊ ኣብ ምድረበዳ ሳህራ

ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ መሬትን ማያትን ኤርትራ፡ ኣብ ነፍስ ወከፍ ቃጽዖ፡ ኩርባን ስንጭሮን ኣብ ከርሱ ዘይተበርበረ ድንግል ፍጻሜታትን ቅያን ዓቂቡ ኣሎ። መሬትናን ማያትናን ብዝግባእ እንተዝፍተሽን ብክኢላታት ምርምር እንተዝካየደሉን ድማ፡ ስምን ዝናን ሃገርናን ህዝብናን፡ ማዕረተን ኣብ ዓለምና ብታሪኸን ቅርስታትን ዝንየታ ሃገራት ምተሰርዐ ነይሩ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ 1557 ክሳብ 1991 ንልዕሊ 400 ዓመታት ኣንጻር ዝተፈላለዩ ባዕዳውያን ገዛእቲ፡ ካብ ቀረባን ርሑቅን መሬትናን ባሕርናን ክጎብጡ፡ ሃብትና ክጉሕጉሑ፡ ባህልናን መንነትናን  ክብርዙ ንዝመጹ ንመሰሉን ንመሬቱን ተኸላኺሉን መኪቱን ክቡር መስዋእቲ ከፊሉን ኢዩ።

እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ብመጠን’ቲ ብባዕዳውያን ገዛእቲ ንኸይርገጽን ንኸይድፈርን ዝኸፈሎ መስዋእትን ኣብ ልዕሊኡ ዝወረደ ስቃይን፡ መጻኢ ወለዶ መታን ክፈልጦን ክሕበነሉን፡ እቲ ብዝተማልአ መልክዕ ኣብ መዛግብቲ ተሰኒዱ ዘሎ ኣዝዩ ውሑድን ካብ ባሕሪ ብጭልፋን ኢዩ። እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝንን ዘሕፍርን ድማ፡ እቶም ንመሬቶምን ንኽብሮምን በብእዋኑ ዝተማጎቱን ህይወቶም ዝኸፈሉን ጀጋኑና፡ እቶም ህሉዋት ውዕሎኦም ከይበርበርናዮን ከይፈለጥናዮን ንሓዋሩ ኣብ ትሕቲ መሬት ምቅባሩ ኢዩ። ድሕሪ ገለ ዓመታት፡ ታሪኾምን ቅያታቶምን፡ ከምቲ ጥንታዊ ታሪኽ ኣዱሊስ፡ በለውከለው፡ መጠራን ካልእ ቦታን ንምፍላጥ ብኩዕታ ስባር ገልዕን ድርቅምቃም ኣዕጽምትን ኣላጊብካ፡ ምናልባታዊ ምርምር ዝካየድ ዘሎ ክኸውን ኢዩ። ዋላ እዞም ኣብዚ እዋን’ዚ ብህይወት ኣብ ዕድመ 50ታት ዘለና ኤርትራውያን፡ ድሮ ቅድሚ 30 ዓመታት ዝሓለፍናዮ ጉዕዞ ክንርስዕን ክንጠራጠርን ጀሚርና ስለዘለና፡ ኣሽምባይ ናይ ግዝኣታት ቱርኪ፡ ኢጣልያ፡ እንግሊዝን ኢትዮጵያን ክንዝክር፡ ናይዚ ሕጂ ዝረግጸናን ንገሌና ናብ ስደት ንገሌና ድማ ናብ ማእሰርቲ በታቲኑና ዘሎን ጉጅለ ህግደፍ እውን ብቅኑዕ ከነዘንቱ ንኽእል የለናን። ብሸለልትነትናን ካልእ ውልቃዊ ጸገማትናን፡ መንነትና ናብ መጻኢ ወለዶ ንምስግጋር፡ ረሲዓንን ደንጎይትን ንኸውን ኣለና።

ብርግጽ፡ ይዕበ ይንኣስ ታሪኽ ምእካብን ምጽሓፍን ናብ ዋናታቱ ፈትፊትካ ምቅራብን፡ ደርማስ ገንዘብ፡ ክኢላዊ ዓቅሚ፡ ተገዳስነት፡ መሳርሒ ከምኡ’ውን ምቹእ ግዜን ዘተባብዕ ባይታን ይሓትት። ገለ ሰባት “ታሪኽ ብዘሎ’ዩ ዝጸሓፍ” ዝብል መርገጺ’ኳ እንተለዎም፡ ኩሉ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ውድብ ወይ መንግስቲ፡ ብህይወት ዝነብር ተራ ሰብን ሊቅን፡ ሓቀኛ ታሪኽ ይስንድን ይነግርን ማለት ግን ኣይኮነን። ህሉዋት በብዝጥዕሞምን ንረብሐኦም ብዘገልግልን ንሓቅን ክውንነትን ጠምዚዞም (Fabricate) ክጽሕፉን ክስእሉን ተዓዚብናን ሰሚዕናን ኢና። ብፍላይ ኣብዚ ምዕባለ ስነ ኪነት ሰማይ ዓሪጉሉ ዘሎ መዋእል፡ ተቃባሊ እንተረኺብካ፡ ንጸሊም ጻዕዳ፡ ንምድረበዳ ለምለም፡ ንደም ማይ፡ ንሰማይ መሬት ወዘተ ቀይርካ ከተቅርብ ጸገም የለን። እቲ ክውንነት እዚ ስለዝኾነ ድማ፡ ኩልና ኤርትራውያን በብዓቅምናን ሞያናን፡ ካብዚ ታሪኽናን መበቆልናን ንምጥፋእን ንምጅላሕን ተዓጢቁ ለይትን መዓልትን ዝሰርሕ ዘሎ ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ከይተጸበና፡ ንውራይናን ንመንነትናን ተበግሶ ክንወስድ ኣለና።

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ንስለ መሬቶምን ህዝቦምን ብጅግንነት ዝተሰውኡ ሓርበኛታት ከምዘየለዉ፡ ባህሎምን ክብርታቶምን ኣብ ምንጽብራቅን ምዕቃብን ዓቢ ዝና ዘትረፉ ስነ ጥበባውያንን ከምዝተሳእኑ፡ ብኣቦና ኮነ ብኣዴና ዘይብጽሓና፡ ኣብ ጽቡቅና ይኹን ኣብ ሕሰምና ኢዱ ዘይሓወሰ፡ ኣለክሳንደር ሰርገየቪች ፑሽኪን ዝተባህለ ውሩይ ሩስያዊ ገጣማይ፡ ኤርትራዊ መበቆል ኣለዎ ተባሂሉ ኣብ ማእከል ሕምብርቲ ሃገርና፡ ኣብ ኣስመራ ሓወልቲ(Statue) ተሰሪሕሉ ኣሎ። ብ6 ሰነ 1799 ኣብ ሩስያ ዝተወልደን ብ10 ለካቲት 1837 ኣብ ሩስያ ዝሞተን ፑሽኪን፡ ኢትዮጵያ እውን፡ ፑሽኪን ኢትዮጵያዊ መበቆል ስለዘለዎ ወድናን ኣቦናን ኢዩ ኢላ ንዓዓ ከምዝብጽሓ ትምጉት ኢያ። ዘድንጹ’ዩ! ኣዲኣ ገዲፋስ ሓትናኣ ትናፍቅ ከምዝብሃል፡ ናይቶም ኤርትራ ኣብ ካርታ ዓለም ንኽትህሉ፡ ባሕራን ክሊ መሬታን ብባዕዳውያን ንኸይድፈር ዝተሰውኡ፡ ዝሰንከሉን ዝተኣስሩን ዜጋታት ኤርትራ፡ ንዝኽሮም፡ ሓውልቲ፡ ምስሊ ወይ እውን ብስሞም ጎደናታት፡ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ወዘተ ምርቋሕ ገዲፍካ፡ ናብ ኤርትራዊ መበቆል ከምዘለዎ ጭቡጥ መርትዖ ዘይብሉ ሩስያዊ ዜጋ ምንጣር ምስ ምንታይ ይቁጸር? ንምንታይ ዕላማ፡ በየናይ መምዘኒ፡ እንታይ ክትረብሕ፡ ኢልካ ሓቲትካ፡ ካብ እንተታት ሓሊፍካ፡ ቅኑዕ መልሲ ኣይትረኽበሉን ኢኻ። ንኣብነት ኣብ ኣስመራ ጎደና ሰማእታት፡ ምስሊ ክልተ ሳእኒ/ሽዳ ተጋደልቲ ንገለ እዋን ተቀሚጡ ነይሩ፡ እንተኾነ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ብትእዛዝ መላኺ ኢሳያስ ካብቲ ቦታ ከምዝስወር ኮይኑ።

ኤርትራ ብዊንታን ውሳኔን ሓደ ውልቀ መላኺ ሰብ ስለእትመሓደር፡ ኢሳያስ ምስሊ ናይ ሩስያዊ ፑሽኪን ይትረፍ፡ ነቶም ህዝብና ዝሓረዱ፡ ዘንብዑ፡ ዓድታቱን ንብረቱን ዘቃጸሉን ዝዘመቱን፡ ክስደድ ዝገደዱን መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መሬትና ወይ ባሕርና ሰብ ውዕለትናዮም ኢሉ፡ ንዝኽሮም ሓወልቲ ወይ ምስሊ ክሃንጸሎም ድሕር ኣይብልን’ዩ። ኤርትራውያን ከምቲ ሓወልቲ ሩስያዊ ፑሽኪን ኣብ ኣስመራ ተገቲሩ እንከሎ ብሒም ኢልና ዘይተቃወምና፡ ምልማስናን ስቅታናን እንተቀጺሉ፡ መላኺ ኢሳያስ ዕድመ እንተሂብዎ፡ ሓወልቲ ናይ ሃጸይ ሃይለስላሰ፡ ኮለኔል መንግስቱ ሃይለማርያም ወይ ናይ ካልእ ቃሕ ዝበሎ ኢትዮጵያዊ ክሰርሕ ኣይሓፍርን’ዩ። ውልቀመላኺ ኢሳያስ፡ እቶም ልኡላውነት ኤርትራ ዘረጋገጹ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክድርበዩን ክስደዱን እናቀሰበ፡ ነቶም ንዓመታት ደም ዘንብዑና ዝነበሩን ኣእዳዎም ብደም ዝጨቀወ ጥሮተኛታት ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣስመራ ቤት ጽሕፈት ክኸፍቱ ምፍቃዱ ድማ፡ ከምቲ ናይ ሩስያዊ ፑሽኪን ሓወልቲ ንምስራሕ እምነ መሰረት ምንባር’ዩ ወይ ድማ ቀስ ብቀስ ኤርትራ ንምቁጽጻር ዝዓለመ’ዩ፡፡ ምናልባት’ውን ሕቡእ ኣጀንዳ ምልካዊ ኢሳያስ፡ ናይ ኣቦሓጉኡ ኣዕጽምቲ ካብ ጎንደር ኣርዩ ኣብ ኤርትራ ሓወልቲ ይተሃነጸሉ ዝብል ከይከውን ዘጠራጥር’ዩ።

ኤርትራ፡ ህላወኣ ንምርግጋጽን ባህሊ ይኹን መንነት ህዝብና ንምኹላዕን ንምዕቃብን፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ንኹሉ ተጻብኦን ሕሰምን ተጻዊሮም “ኣለና ክንህሉ ኢና ኢሎም ዘይምለኹን ዘይጽዓዱን፡ ዝሓለፉን ብህይወት ዘለዉን ብሉጻትን ምዑታትን ዜጋታት ኣፍርያ ኢያ። ኣብዚ ናይ ኩሎም’ቶም ኤርትራ ንኽትህሉ እጃሞም ዘበርከቱ ኣስማቶምን ቅያታቶምን ንምዝርዛር ዘይክኣል እኳ እንተኾነ፡ ወልደኣብ ወልደማርም፡ ኢብራሂም ሱልጣን፡ ዓብደልቃድር ከቢረ፡ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ፡ ደግያት ባህታ ሓጎስ፡ ራእሲ ተሰማ ኣስመሮም፡ ትኩእ ይሕደጎ፡ ወዲ ኣሚር፡ መምህር ኣስረስ ተሰማ፡ ኣተወብርሃን ሰጊድ፡ ኢንጅነር ኣስጎዶም፡ ኪዳነ ክፍሉ፡ ተኽለሚካኢል ገብሩ፡ ዑመር ሃኪቶ፡ ሰባር ናኹራ፡ ሳልሕ ሳበ፡ ጸሃይቱ በራኺ፡ እድሪስ መሓመድ ዓሊ፡ የማነ ገብረሚካኤል፡ ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ፡ በረኸት መንግስትኣብ፡ ዕስማን ዓብደልርሒም፡ ኣብርሃም ኣፈወርቂ፡ ተወልደ ረዳ፡ ተወልደ መዓሾ፡ ተበርህ ተስፋሁነይ፡ ነጋሽ ሳግላ፡ ዝብል ዝርዝር ኣስማት ክጥቀስ እንከሎ፡ ንመብዛሕትና ኣብ ዓሚቕ ጦብላሕታ ከምዘእትወና ዘካትዕ ኣይኮነን። ጉጅለ ህግደፍ ነዞም ክብ ኢሎም ዝተጠቅሱ ደቂ መሬትን ደቂ ህዝብን ረሲዑን ወጊኑን እምበኣር’ዩ ናይ ጓና ሩስያዊ ፑሽኪን ኣብ ኣስመራ ሓወልቲ ሃኒጹ። ህግደፍ ባህጊ ንዘለዎም ንከተባብዕ ይትረፍ፡ ክእለቶም ናብ መጻኢ ወለዶ ከይውረስን ትሕቲ መሬት ከምዝሰፍሩን’ዩ ናይ ወትሩ ሕልሙ።

ታሪኽ ብዘሎን ብህሉውን ስለዝጸሓፍ፡ ብፍላይ እቶም ኣብ ዓውዲ ስነ ጥበብን ስነ ጽሑፍን ካልእ ተመሳሳሊ ሞያ እንነጥፍን ተሞኩሮን ተበግሶን ዘለና ዜጋታት፡ ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ፡ ብርዕና መዚዝና፡ ሓቀኛ ታሪኽናን መንነትናን ብኻልኦት ተጠምዚዙ ከይቀርብ፡ ከይርሳዕን ከይጠፍእን መሪሕ ተራ ክንጻወት ኣለና። ጻዕርናን ንቅሎናን ድማ እቶት ንምርካብን ንዝናን ዘይኮነ ዘይውዳእ ህያብ ንመጻኢ ወለዶ ክኸውን ክንሓስብ ኣለና። ብዙሕ ገንዘብን ክእለትን ዝሓትት ዓይነት ስራሕ ከይሓሰብና፡ ብዓቅምናን እታ ንፈልጣን፡ ምሳና መታን ከይትቅበርን መጻኢ ወለዶ ደልዩ ከይስእናን፡ ካብ ርእስና ኣውጺና ኣብ ኩሉ ሰብ ዝሪኣን ዝረኽባን ቦታ ነቀምጣ፡፡ ከምቲ ንናጽነትናን ልኡላውነትና ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈልና፡ ንሓቀኛ መንነትናን ታሪኽናን ክብርናን እውን ጠጠው ክንብል ይግባእ።

እቶም ብህይወትና ዘለናን ታሪኽና እናተደምሰሰ ምስ ኣፍናን መሓውርናን ብፍርሒ ዝለመስና፡ ብሓላፍነት ዘሕትተና’ኳ እንተዘይኮነ፡ ብሕልና ግን ዕረፍቲ ኣይንረክብን ኢና። ብሰሪ ጭካነ ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ ዝፈትውዋ መሬቶም  ተባሪሮም ሬሳታቶም ኣብ ምድረበዳ ሳህራ፡ ማእከላይ ባሕርን ካልእ ዘይተፈልጠ ቦታን፡ ብዘይ ምልክትን ንቡር ስነ ስርዓት ቀብርን ጠፊኦም። ግዜ ምስ ርሃወን ብህዝቡ ዝሕለቅ መንግስቲ ምስ መጸን፡ ኣብ ጉዕዞ ስደት ዝቅዘፉ ዘለው ዜጋታትና ኣዕጽምቶም ኣሪና ኣብ ሓመድ ዓዶም ዳግማይ ስነስርዓት ቀብሪ ክንፍጽመሎም እንተደለና እቲ ዕማም ቀሊል’ኳ እንተዘይኮነ ዘይትግበር ግን ኣይኮነን።  ንኣብነት ኣመሪካ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ኩናትን ከምኡ’ውን ኩናታ ኮርያን ቬትናምን ዓለም ዝጠፍኡ ወተሃደራታ፡ ኣስከሬኖም ኣርያ ብኽብሪ ኣብ ሃገሮም ክትቀብሮም ኢትዮጵያ ድማ ኣብ እዋን ወራር ኢጣልያ ብዘይ ሕጊ ዝተወስደ ንብረታ ክትመልስን ካሕሳ ክትክፈልን ክንዕዘብ እንከለና ንቀንእ። ንክብሪ መሬቶምን መሰል ህዝቦምን ዝተቃለሱ ሓርበኛታት ከምኒ ኣቦና ኢብራሂም ሱልጣን ዓሊ፡ ኣስከሬኖም ሓመድ ዓዶም ክጨንቆን ኣብ መሬት ዓዲ ጓና ሱዳን ክቅበሩን ኣዝዩ ዘሕዝን’ዩ። ሓወልቲ ፑሽኪን ኣብ ኣስመራ ተገቲሩ ክንሪኦ፡ ሬሳ ኤርትራዊ ድማ ኣብ ምድረበዳ ሳህራ፡ ማእከላይ ባሕሪ፡ ኣብ ስደትን ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ሃገርናን ዋና ስኢኑ ንሓዋሩ ክጠፍእ ግን ዓገብ ጥራይ ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን። የለናን ዲና? እቲ ጅግንነትና ኣበይ ተሸርበ ዘብል ኢዩ። ኤርትራውያን ክሳብ መኣስ ኢና ክንምለኽን ብትእዛዝ ሓደ ሰብ ትንፋስ እንከለና ብእግርና ንጓዓዝ ምውታት ክንከውን? ኤርትራውያን ብተግባር እምበር ብምስቁርቋርን ጨለ ዘረባን ዝፍታሕ ጸገምን ዝረጋገጽ መሰልን ከምዘየለ ክንግንዘቦ ይግባእ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 6 ሰነ፡ 2020

  

 

 

 

yakobe@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • ወዲ ሃገር June 14, 2020

    “Maybe I made a mistake in putting all the time and effort to promote the truth that Pushkin’s ancestry was from Eritrea.”

    Dr Solomon Ghebre-Ghiorghis

    ‐———

    ኩቡር ዶክቶር ሶሎሞን
    ኣብ ጻዕረ ሞት ንዝርካብ ፥ መጻወቲ ገዚእኩምሉ።
    እዚስ ከመይ ቁቡል ይኾውን ?
    እስከ ህድእ እልኩልም ሕሰቡሉ ።

Post a Reply to ወዲ ሃገር Cancel Reply