Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓንቲ ዓለም: ክልተ ዓይነት ኣተሓሳስባ

ሓንቲ ዓለም: ክልተ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኣማኑኤል ሳህለ ክልተኣውነት (duality) ኣብ መንፈሳውን ስጋውን እምነት ከም መሰረታዊ ኣምር ኮይኑ ካብ ዚዝውተር ነዊሕ ዘመናት ሓሊፉ እዩ። ኣብዛ ዓለምና: ወድሰብ ክልተ ገጻት : ማለት ስጋውን ነፍሳውን ባህርይ ከም ዘለዎ ዚኣምኑ ውሑዳት

ሓንቲ ዓለም: ክልተ ዓይነት ኣተሓሳስባ

ኣማኑኤል ሳህለ

ክልተኣውነት (duality) ኣብ መንፈሳውን ስጋውን እምነት ከም መሰረታዊ ኣምር ኮይኑ ካብ ዚዝውተር ነዊሕ ዘመናት ሓሊፉ እዩ። ኣብዛ ዓለምና: ወድሰብ ክልተ ገጻት : ማለት ስጋውን ነፍሳውን ባህርይ ከም ዘለዎ ዚኣምኑ ውሑዳት ኣይኮኑን። ገለ ግን: ኣይፋልን ወድሰብ ሓደ ተፈጥሮኣዊ ባህርይ ጥራይ እዩ ዘለዎ ብምባል ይማጎቱ። ይኹንምበር: እዚ ናይ ክልተኣውነት ባህርያት ኣብ ፊዚክስ እውን ይዝውተር እዩ: ማለት ኤለክትሮን ክልተ ባህርያት ኣለዎ ይብሃል: ግዙፋውን ሞገዳውን (particle and wave)….።

እዚ ኹሉ ግን ንፈላስፋታትን ሳየንሰኛታትን እንተ ገደፍናሎም ይምረጽ። ኣነ ኣብዚ ጽሑፍዚ ክብሎ ደልየ ዘሎኹ ነቲ ወድሰብ ኣብ ኣተሓሳስባኡ ዚኽተሎ ክልተ ባህርያት ዘለዎ ኣገባብ ብዚምልከት እዩ።

ከምቲ ኣቐዲመ ኣብ ገለ ካብ ጽሑፋተይ ዝጠቐስኩዎ: ወድሰብ መጀመርያ ኣብዚ ዓለም ምስ ተቐልቀለ: ሃዳናይን ኣካባይ ቋርፍን እዩ ነይሩ (hunter gatherer)። ኣብ ምህዳን: ሰለስተ ነገራት እዮም ዚዋስኡ፤ እቲ ሃዳናይ: እቲ ዝህደን: እቲ ንምህዳን ዘገልግል መሳርያ።

ሃዳናይ ኲናቱ ሒዙ ናብ መሮር ይጓዓዝ። ኣብኡ ድማ ርሕቕ ኢሉ ሳዕሩ ዚግህጽ ዓጋዜን ይርኢ። ኲናቱ ይውርውረሉ። ኵናት ኣብ ከብዲ ዓጋዜን ይኣቱ። ዓጋዜን ይመውት። ሃዳናይ ድማ ድራሩ ተሰኪሙ ንበዓቱ ይኣቱ። ንሱን ደቁን ሰበይቱን ድማ ተደሪሮም ይሓድሩ።

ካልእ ሃዳናይ ድማ ይመጽእ: ምስ ኲናቱ። ንሱውን ዓጋዜን ይረክብ። ኲናት ይውርውረሉ። ይስሕቶ። ዓጋዜን የምልጥ። ሎሚ ምሸት ኣብ እንዳ እቲ ካልኣይ ሃዳናይ ድራር የልቦን።

ቀዳማይ ሃዳናይ ኪሓስብ ይጅምር: ኲናቱ ዝያዳ ምስ ዚበልሕ ዝያዳ ከም ዚቐትልን ዝያዳ ከም ዚበልዕን ይግምት። ከመይ ገይረ እየ ነቲ ዝሃደንኩዎ ስጋ  ከይተባሸወ ንነዊሕ ግዜ ከም ዚጸንሕ ክገብሮ ዝኽእል ብምባል ድማ ኪፈላሰፍ ይጅምር……..።

እቲ ካልኣይ ሃዳናይውን ኪሓስብ ይጅምር እዩ። ግን እቲ ኣተሓሳስባኡ ኣብ ጭቡጥ ነገር ዘይኮነስ: ኣብ ስምዒታውን ማሪታውን ኣምራት እተመርኮሰ እዩ። መን እዩ ነቲ ዓጋዜን ከም ዚስሕቶ ገይሩዎ? መን እዩ ብጻዩ ኪበልዕ ንሱ ድማ ኪጠሚ ወሲኑ? እቶም ካብ ቍጽጽሩ ወጻኢ ዝኾኑን: ኣብ ኩሉ ነገራት ስልጣን  ዘለዎም መናፍስቲ ድዮም? እሞ ነቲ ኣካይዳኦም ወይ ንውሳኔታቶም ንምልዋጥ እንታይ ክገብር ይግበኣኒ ወዘተ….እናበለ ድማ የስተንትን?

ኣብዚ ዓለምና ክልተ ዓይነት መሰረታዊ ኣተሓሳስባ ኣሎ: ክልተ ዓይነት ተኸተልቲ ድማ ኣለዉዎ፤

  1. እቶም 2+2=4 እዩ ዚብሉን
  2. እቶም 2+2=5 ወይ ድማ 3 ኪኸውን ይኽእል እዩ ዚብሉን

እቶም 2+2=4 ዚብሉ

እዚኣቶም ኣብዛ ዓለም ነቲ ህሉውን ጭቡጥን ኩነታት ከም ውሁብ ነገር ወሲዶም: ኣብኡ ብምምርኳስን ኣእምሮኦምን ስነመጎታዊ ሓይሎምን ብምጥቃም ንኹነታት ኪብድሁን ፍታሕ ኪረኽቡሉን ዚፍትኑ እዮም። እዚኣቶም: ጸገማትን ብድሆታትን ብስምዒትን ብማሪታዊ መገድን ኪፍትሑ ከም ዘይክእሉ እዮም ዚኣምኑ። 2+2 ካብ ኣርባዕተ ሓሊፉ ካልእ ውጽኢት ኪህሉዎ ከም ዘይክእል ይፈልጡ። ምናልባት 5 ዚብል ውጽኢት ምስ ዚረኽቡ ድማ: ተጋግዮም ከይኮኑ ደጋጊሞም ይቕምሩን ይትንትኑን። ብዘይ እንፈልጦ ተኣምር 5 ኾይኑ ኣሎሞ: ትም ኢልና ንቀበሎ ኣይብሉን: ከመይሲ ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ ኣብቲ ዘካይዱዎ እተፈላለየ ስራሓት ከምኡውን መደባት ጸገም የኸትለሎም ምዃኑ ስለ ዚፈልጡ።

እቶም 2+2=5 ወይ 3 ኪኸውን ይኽእል እዩ ዚብሉ

እዚኣቶም ከምቶም ቀዳሞት ነቲ ህሉውን ጭቡጥን ኩነታት ከም ውሁብ ዚወስዱዎ እኳ እንተ ኾኑ: ኣብ ኣእምሮኦምን ኣብ ስነመጎታዊ ሓይሎምን ግን ኣይምርኰሱን እዮም። ክልተን ክልተን ከም ጭቡጥን ውሁብን ነገር ይወስዱዎሞ: ድምሩ ግን ሓሙሽተ ኪኸውን ከም ዚኽእል ይማጎቱ። ይኹንምበር: እቲ መጎቶኦም ንኽትርድኦ ቀሊል እዩ። ብእምነት (ወይ ናይ ጥንቲ ናይ ኣቦታቶም ባህሊ ብምዃኑ) ተቐበሎ ኢዮም ዚብሉኻ ዘለዉ። ንኽልተን ኽልተን ሓሙሽተ ዚገብር ሓይሊ ወይ ሱር ዝሰደደ ናይቲ ማሕበረሰብ ጥንታዊ ባህሊ ስለ ዘሎ: ብኣኡ ኣሚንካ ወይ ንኣኡ ብምኽባር መገድኻ ቀጽል ማለቶም እዩ። ብገለ ምኽንያት እቲ ናትካ ስነመጎታዊ ኣተሓሳስባ ንግዜኡ ነቲ እትደልዮ መልሲ ወይ ፍታሕ ከምጽኦ ምስ ዘይክእል ድማ: ኣይበልናካንዶ: ንኣና ግዳ ዘይትሰምዕ ነበርካ: ይብሉኻ።

ሓንቲ ናይ መንደቕ ሰዓት: ባትሪ ብምውዳ’እ ደው ትብል እያ። እስከ ሰዓት ስለስተ ኪኸውን ከሎ ባትሪ ብምውዳእ ደው ኢላ ንበል። እዛ ሰዓት እዚኣ: ወይ ባትሪ ክትምላእ ኣለዋ ወይ ድማ ካብቲ መንደቕ ወሪዳ ኣብ መኻዚኖ ክትቅመጥ ኣለዋ። ምኽንያቱ: እዛ ሰዓት እዚኣ ሽሕኳ ጌጋ ሓበሬታ ከም እትህብ ፍሉጥ እንተ ኾነ: ኣብ 24 ሰዓታት ውሽጢ ግን ክልተ ግዜ ጥዑይ ሓበሬታ ክትህብ ትኽእል እያ: ማለት ኣብ ከባቢ ሰዓት ሰለስተ ለይትን: ኣብ ከባቢ ሰዓት ሰለስተ ድሕሪ ቀትርን ክትሪኣ ከሎኻ: ንሰዓት ሰለስተ ስለ እተመልክት: ልክዕ ሓበሬታ እትህብ ዘላ ኾይኑ ይስመዓካ። እቲ ግዜ ናብ ሰዓት ኣርባዕተ ገጹ እናተጓዕዘ ኣብ ዚኸደሉ እዋን ግን: ንሳ ኣብ ሰዓት ሰለስተ ደሪቓ ስለ እትተርፍ: ግጉይ ሓበሬታ እትህብ ከም ዘላ ኪበርሃልካ ይጅምር። ይኹንምበር ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ከተታልለካን ከተእምነካን ትኽእል እያ።

በዚ ስነመጎትዚ: ሓደ ግጉይ ኣምር ወይ እምነት: ንእተወሰነ ግዜ ንሰባት ከታልል ይኽእል ከም ዝኾነ ክንግንዘብ ይግባእ። እቲ ኣብ ናይ ሕልምን ምትላልን ዓለም (illusion or delusion ) ኪነብር ዝፈቱ ሰብ: በዚ እምነትዚ ምቕጻል ደስ እዩ ዚብሎ ።

ገለ ሊቃውንቲ: ወድሰብ ኣብ ናይ ሕልሚ ዓለም ኪነብር ይደሊ ምዃኑ ይሕብሩ እዮም። ነቲ ሓቂ (reality) ይጸልኦ። ከመይሲ ሓቂ (reality) ወይ ጭቡጥ ኩነታት መሪር እዩ። ሕልማዊ ዓለም ግን ብፍላይ ነቲ ኣእምሮኡ ከስርሖ ዘይደሊ ሰብ: ከም መንግስተ ሰማይ እዩ። ኣብኡ ድማ ብሰላምን ቅሳነትን ግን ከኣ ብድንቁርና ደስ ኢሉዎ ይነብር (blissful ignorance)።

ኣብቲ ልዕልቲ ናይቶም ክልተ እንተ ደመርካሉ ክልተ ይኸውን ሓሙሽተ ዚብሉ ኣተሓሳስባ: ብተወሳኺ ዘኽርሩን ዘጋንኑን ናይ ጥሩፋውነት መንፈስ ዘርእዩን ሰባት ድማ ኣለዉ። ንሳቶም ከምዚ ይብሉ፤ ክልተ ኣራንሺ እንተ ደመርካሉ ሰለስተ ባናና ይኸውን ሸውዓተ ለሚን። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ኣኽረርትን ጥሩፋውያንን ኣብ ውልቀመላኽያንን ኣብቲ ንሳቶም ዚመርሑዎ ምሕደራን ሰፊኑ ይረአ። ኣብዚ ኩነታትዚ: እቲ ኣእምሮ ከም ዝሞተ እዩ ኪቝጸር ዘለዎ: ከመይሲ እቲ ንኣእምሮ ወድሰብ ከም ዚስንክል ካብኡ ሓሊፉ ድማ ከም ዚምህምን ዚገብሮ ኩነት: ጥሩፍነትን ዕዉር እምነትን እዩ። እምበኣር: ኣብ ትሕቲ ጥሩፋውያንን ኣኽረርትን ውልቀመለኽትን ምንባር ንርእሱ ካብዚ ስርዒት ጸሓይ ወጻኢ ኣብ ዚርከባ ዓለማት ከም ምቕማጥ ከም ዝኾነ ክንርስዕ ኣይግባእን።

ሓደ መዓልቲ ሓደ መምህር ነቶም ተመሃሮ ከምዚ ዚስዕብ ናይ ፈተና ሕቶ ኣቕሪቡሎም፤ ኣነ 60 ኪሎ እምዘን: ደሞዘይ ድማ 2520 ዶላር እዩ። ስለዚ ኣነ ክንደይ እዩ ዕድመይ?

እቶም ተምሃሮ ነዚ ግድልዚ ኪፈትሑዎ ጸጊሙዎም። ከይመለሹ ድማ ገዲፎምዎ ወጺኦም። ግን ድሕሪ ፈተና ነቲ መምህር መልሱ ኪነግሮም ኣገዲዶምዎ። ንሱ ድማ መልሱ 42 እዩ። ነዚ ንምፍላጥ ድማ 2520 ደሞዘይ ን60 ኪሎ ሚዛነይ ትመቕሉዎ ዚብል ዘስደምም ሓበሬታ ሂቡዎም።

ሽዑ ሓደ ተምሃራይ: ኣነውን እኮ: መልሱ ረኺበዮ ነይረ እየ: ግን ፈሪሀስ ስቕ ምባል መሪጸ: ብምባል ነቲ መምህር ሓሳባቱ ገሊጹሉ። እቲ መምህር ገሪሙዎ: ከመይ ጌርካ ደኣ 42 ከም ዝኾነ ፈሊጥካ? ከመይ ጌርካ ኣምጺእካዮ? ብምባል ተወኪሱዎ።

እቲ ተምሃራይ ከምዚ ብምባል መለሸ፤ መምህር: ኣብ ገዛውትና ሓደ ሰብ ኣሎ ዝፈልጦ። ፍርቂ ጽሉል እዩ። ዕድመኡ ድማ 21 እዩ። ስለዚ እቲ ፍርቂ ጽሉል 21 ዓመት ካብ ኮነ ዕድመኡ፡ ምሉእ ጽሉል ንኺኸውን 42 ዕድመ ኪህሉዎ ይግባእ: ብምባል ገሚተ: መልሲ ድማ ኣቕሪበ ነይረ ግን ደስ ዘይብለኩም ከይከውን ብምባል ደምሲሰዮ……………።

ኣእምሮ ወድሰብ ካብቲ ብተፈጥሮ ወይ ብፈጣሪ እተዋህበና ህያባት እቲ ዝዓበየ እዩ። ኪሓስብ ከኣዩ ተፈጢሩ እምበር: ከም ብዓል ኩሊትን ከብድን ደም ዘጽሪ ወይ ቀመማት ዝፈላሊ ኣካል ኣይኮነን። ኪሓስብ ከሎ ድማ ዚኽተሎ ኣገባብ ኣለዎ። ነዚ ኣገባብዚ ካብቲ ናይ ዩኒቨርስ ተፈጥሮኣዊ ሕጊ ዝረዓሞ እዩ።

ወድሰብ ነዚ ናይ ዘመንና ተክኖሎጂያዊ ምዕባለ: ስምዒት ወይ ማሪታዊ ኣተሓሳስባ ብምዝውታር ዘይኮነስ: ምሁራዊ ትዕዝብቲ ብምክያድን ስነመጎታዊ ኣተሓሳስባን ኣተናትናን ብምዝውታርን እዩ በጺሑዎ ዘሎ። ሽሕኳ ስምዒት ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣምታት ናቱ ዝኸኣለ ጥቕሚ እንተ ኣለዎ: ልቦናውን ኣብ ክፉእን ጽቡቕን ምልላይ ዓቢ ተራ ዚጻወት እንተ ኾነ: እቲ ንወድሰብ ካብ በዓቲ ናብ ወርሕን ካልኦት ፕላነትትን ዘሰጋገሮ ሓይሊ ግን: እቲ ካብ ኣእምሮኡ ዚፍልፍል ብስነመጎት እተሃንጸ ናይ ምሕሳብን ምትንታንን ሓይሊ ወይ ድራኸ ምዃኑ ብፍጹም ክንርስዕ ኣይግባእን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • Saba September 17, 2015

    Another wonderful and educational article …. keep it up Sir!

  • ogbai September 17, 2015

    መምህር ኣማኑኤል ናይ ብሓቂ ትምህር ኣበይ ኮን ትነብር ኣበይ ኮን ትህሉ፡ ኣብ ስደት ከምዚ ከማኻ ከይትብለኒ ጥራሕ። ሓቂ እንተኾይኑ ኣብ ስደት እትነብር ከምዚ ከማይ እትነብር፡ ኤርትራና ብጣዕሚ ከሲራ ክብል እደፍር። ስለምንታይ ንስኻ ትኣክል ብቑዕ መምህር ኣብ ስደት ትነብር ክብለካ ምደለኹ፡ ሃገርና ብሕጽረት መማህራን ትሳቐ ከምዘላ ይዝረብ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት፡ ከምታ ኣብ መንደቕ ዝተስቕለት ሰዓት ባትሪ \ደራኺ ሓይሊ\ ዘይብላ ዝደቀሰት፡ ንመልክዕ ንመጃሃሪ ሰዓት ኣላቶም አዞም ስብ ገዛ ንምባል፡ ንውቃቤ ትባሂላ ዘተስቕለት ዝዓይነቱ ስርዓት ከምዘለና ተገንዚበ። እሞ ነቶም ብስእሊ ኢስያስ መርሕ ሃገር እንዳጠመቱ \እንድጠመታ፡ ከብሮ እንዳደከሩ ከዳኽሩ ዝውዕሉን ዝሓድሩን ኣሓትን ኣሕዋትን ልቢ ክህቦም ነዚ ክትርድኦ ከቢድ ዘይኮነ ኣስትምህሮኻ፡ ብኣትኩሮ ክግንዘብዎ ይላወቦም። ንኣብርኩተኻ ኣዝየ እምስግነካ።

  • ambabi September 18, 2015

    it has been long now since Eritrea became the land of stone heads like PI

  • yemane johar September 18, 2015

    Keep them coming we badly need them

  • Tes September 21, 2015

    ክቡር ኣያናን ኣቦናን ኣማንዩል “ሓንቲ ዓለም” ትብል ጽሑፍካ ኣብ አርትራ ተመሃራይ ከለኹ ብታዕሚ ኢየ ዘንብባን ዝፈትዋን ዝነበርኩ፡ ኣብ ኢሮፓ ሚስ ምጻኩ ቡዙሕ ግዘ ይዝክራ ኒይረ ማለት ኣብ ኢሮፓ ዘሎ ናብራ ኣብ ስጋዊ ቡዙሕ መሃሪት ኮይና ረኪበያ ብኡ መጠን ኣድኒከካ ወላ ትርጓመ ትኩን። ኣብዚ ናይ ልሚ ጽሑፍካ ኢቶም ስጋውያን(ሳይነሳውያን፡ ፍላስፋታት)ዓለም 2+2=4 ክብሉ ከለው ድሕሪ ብዙሕ ምርምርን ክትዕን፡ኣብ ብዙሕ አዋናት ድማ ከይ ተሰማምዑ በቢ ናቶም ርዲት ዝፈላለይሉ አዋናት ኒሩን ኣሎን አዩ፡ ናብነት ብርቲሽ ይንት፡ ኣመሪካን ይንት $2+$2=£3 or €2+€2=$5። ኣብዛ ዓለም መን ይህብትምን መን ይሕይልን አዩ ደድሕርኡ ተጠካሚ ትከውን አንትዘይ ኮይኑ የጥፋካ። ኣብዛ ዓለም ከምቲ ሃዳናይን ተሃዳናይን ዝበልካዮ ከማኡ አዩ ወዲ ሰብ ዝነብር።

  • ኣማን በረኸት October 5, 2015

    ዝኸበርካ ጽሓፊ
    ጽሑፋትካ ዕድል ኣብ ዝረኸብክሉ ግዜ ይከታተሎየ ክልተ ስውር ዕላማ ዘለዎ ኮይኑ ኽኣ ይረኽቦ ብግልጺ ዘይኮነ ብጉልባብ”ስነ ፍልጠት” እቲ ቀዳማይ ኣንጻር ኣመንቲ ክርስትና(protestant christian)እቲ ካልኣይ ድማ ብመገዲ” ስነ ፍልጠታዊ ጽሑፋትካ” ንስኻ እትኣምኖ ሰረት እምንተካ(ስዓቢ ባሃኢ ኢኻ)ምስባኽ ይገርም “ኣሜን” ዝብል ብዙሕ ዘይርድኦ ህዝቢ ክኣ ረኺብካ
    ምስዚ ኩሉ ድማ ጽሑፋትካ ንዘተደልየ ዕላማ ስለ ድጽሓፍ ብዙሕ ግዜ ይዋቓዕ(ክበልዕዋ ዝደልውዩ ኣባጉምባሕሲ..) ነዚ ጭብጢ ኣሰንየ ከቕርበልካ ይኽእልየ፡ ንምጥቕላል ኣካይዳኻ ህዝቢ ትገዝኣሉ በትርን ስልጣንን የብልካን እምበር ካብቲ ኣብ ሃገርና በትረ ስልጣን ሒዙ ብጀካይ ንማንም ከይትሰግዱ ከይትግዝኡ ኢሉ ብዘይካ ብክርስቶስ የሱስ ብምእማን ኣብ ኣፎም ሓሶት ዘይተረኽቦም የሕዋትና ኣሲሩ ዘሳቒ ዘሎ ስርዓት ዝፍለ ኣይኮነን፡ ኣብ ዘመናት ቃል ኣምላኽ ካብ ምድሪ ክድምስሱ ክንደይ ዘይተፈተነ ግን መወዳእታ ንሶምን ሓሳባቶምን ድኣ ሽታ ማይ ኮኑ።..
    ኣነ ግን ሓደ ብዘይጉልባብን ሕብእብእን ግልጺ ዝኾነ መልእኽቲዩ ዘለኒ የሱስ ክርስቶኣ የፍቅረካዩ ተቐበል እመንግዜ ከለካ ንእሽተይውን ኣይኮንካን
    ዎድሓንካ

  • Seek kher Abdu November 3, 2016

    ናይ ብሓቂ ዓቢ ትምርቲ ክንበብ ዝግብኦ እዩ ቀጽሏ 💪💪

  • Yonas March 18, 2018

    Xbuk timhrti aytgadefena memhir

  • Merry hsgos July 4, 2019

    Ajoka tmrtka btami mahri kenu rekbeyo so thanks may Brother