Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓባራዊ መግለጺ፣ ብኣቦወንበር ፈጻሚ ኣካል ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር ኣብ ዝተዘርገሐ መግለጺ ዘለና መርገጺ

ብኣቦወንበር ፈጻሚ ኣካል  ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር ኣብ ዝተዘርገሐ መግለጺ ዘለና መርገጺ     30/10/2013 ኣብዚ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ህዝቢና ዘሕልፎ ዘሎ ኣዚዩ ኣሰቃቒን ዘስካሕክሕን ኩነታት፡ እቲ ቀንዲ በቲ ጨቛኒ ስርዓት ዝሳቐን ወጽዓ ዝበጽሖን ዘሎ ኣካል መንእሰይ

ብኣቦወንበር ፈጻሚ ኣካል  ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር ኣብ ዝተዘርገሐ መግለጺ ዘለና መርገጺ    

30/10/2013

ኣብዚ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ህዝቢና ዘሕልፎ ዘሎ ኣዚዩ ኣሰቃቒን ዘስካሕክሕን ኩነታት፡ እቲ ቀንዲ በቲ ጨቛኒ ስርዓት ዝሳቐን ወጽዓ ዝበጽሖን ዘሎ ኣካል መንእሰይ ወለዶ ብምዃኑ፡ መንእሰያት ካብቲ ጋህነማዊ ስርዓት ብምህዳም ኣብ ውሕስነት ክኾኖም ዝኽእል ኣህጉር ንምብጻሕ ኣብ ዝገብሩዎ ዘይሕጋዊ ናይ ስደት ጉዕዞ ንሓደጋ ዝተቃልዑ ክፋል ሕብረተሰብና ምዃኖም ህልቂት ላምፐዱሳ መርኣያ ናይቶም ኩሎም ዚሓለፉ ዘይንርሰዖም ዘሕዝኑ ግዳያትና ኢያ።

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ  መንእሰይ ወለዶ ትርጉምን ፍረን ዲሞክራሲያዊ ለውጢ እንዳቃለሐ፡ መንእሰይ ኤርትራ ሓድነቱ ኣደልዲሉ ተቓውሞኡ ኣሓይሉ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ተሳትፎኡ ከምዚዓዝዝ ጌሩ ነቲ አብ ሕምብርቲ ሃገርና ደዂኑ ዚርከብ ዓማጺን ጸቓጢን ዲክታቶሪያዊ ስርዓት በርቊቑ መሪሕ ተርኡ ክጻወትን ስልጣን ናይ ህዝቢ ክገብርን ኢዩ ትጽቢቱ። ስለ’ዚዩ ድማ ብተበግሶ ዝተፈላለያ ናይ መንእሰይ ማሕበራት ከምኡውን ውልቀ ተበግሶታትን ምልዕዓላትን ክገብር ኣብቲ ዝበዝሐ ክፋል መንእሰይ ኤርትራ ዘይተሳተፎ ዋዕላ ደብረዘይት ክሳተፍ ዝኻኣለ። ከም መቐጸልትኡ ድማ ነቲ ዝነበረ ሃጓፋት ፖለቲካዊን ማሕበራውን ምዕሩይነት ንምምላእ ናይ ጎንደር ኣኼባ ዝተገብረ።

እንተኾነ ን14 አዋርሕ ክግበር ዝጸንሐ ተስፋ ዘቑርጽ ኣሰራርሓ አቦወንበር ፈጻሚ ኣካል ባይቶ ስ.መ.ኤ.ድ.ሃ  ኩሉ ደላይ ለውጢ ዝምነዮ ኩለን ናይ መንእሰያት ምንቅስቓስ ማሕበራት ኣብ ሓደ ጽላል ንምምጻእ ዝነበረ ሕልሚ ሃፊፉ ከምዝተረፈ እኹል መርትዖ’ዩ ኔሩ። ንውዕላትን መትከላትን ዋዕላ ደብረዘይቲ ዝጥሕስ ናይ መንእሰያት ቃልሲ መለክዒ ዘይብሉ ኣብ ቀረባ መጻኢ ኮንፈረንስ ፖለቲካዊ ውድብ ክግበር በቲ ጸረ ትሕዝቶ ዋዕላ ደብረዘይት ዝኾነ አካል ኣብ ምሽብሻብ ይርከብ።

ብተወሳኺ ምስራዝ ናይ ማሕበራዊ ብዙሕነት ተንጸባርቕ ብኣባላት ምሕደራ ስ.መ.ኤ.ድ.ሃ ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ዝተመርጸት አዳላዊት ኮሚቴ ተፈጺሙ፡ ብካልእ ኣቦወንበር ፈጻሚ ኣካል ዚተመዘዘት ተሓታትነታ ንዕዑ ጥራይ ዝኾነት፡ ባይቶ ስልጣን ዘይሃባ ንኤርትራዊ ብዙሕነትን ብሄራዊ ማዕርነትን ዘይተንጸባርቕ፡ ንተሳትፎ ዋዕላ ደብረዘይቲ ዘይትውክል፡ ንይምሰል ሓዳስ አዳላዊት ኮሚቴ ብኢደወነኑ መዚዙ። ካብ መጠን ዝሓለፈ ክኣ ንኣቦወንበር ባይቶ ከምዝንጸል ጌሩ፡ ብዘይ ኣፍልጦ ኣቦወንበር ባይቶ ይኹን ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ‘’ኣቦወንበር ባይቶ ብፍቓዱ ስልጣኑ ገዲፉ’’ ኢሉ አዊጁ።

ኣብዚ መስርሕ እዚ ዝነጸረ ሸለል ዘይባሃል ምግሃስ ስምምዓት ውጽኢት ዋዕላ ደብረዘይትን ብቀጥታ ንመንፈስ ስትራተጂ ሃገራዊ ሓድነትን ማሕበራዊን ብሄራዊ ምክእኣልን ዘዐኑ ኢደወነናዊ ስጉምቲ ኢዩ። ካብዚ ብምብጋስ ከነስምረሎም ንደሊ ነጥቢታት ከምዞም ዝስዕቡ ኢዮም፡

  • መርገጺና ንኣተሓሳስባ ንኹሉ መንእሰይ ኤርትራ ዘሳትፍ ውዱብ ዋዕላ መንእሰያትን ከምኡ’ውን ዝኾነ ኣኼባን ርክብን ብመንእሰያት ኤርትራ ዝውነንን ዝረጋገጽን ክኸውን እዩ።
  • መንግስቲ ኢትዮጲያ መንእሰያት ኤርትራ ካብ ምሉእ ዓለም ተኣኪብና ብሓባር ክንዛተ ዝፈጠረልና ባይታን ምትሕግጋዝን ዓቢ ትርጉምን ኣድናቖትን እንዳሃብና፡ ናይ ሓደ ዓመት ስልጣን አብ ዘብቃዓሉ 2 ጊዘ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ዝተጸውዑ ኣኼባታት ስልጣኑ ንምንዋሕ  ዘይተሳተፈ ኣብዚ እዋን’ዚ ብኢደዋኒኑ ስልጣን ብሒቱ ንዘሎ ዝዀነ ሓገዝን ደገፍን ምሃብ ሻራዊ መርገጽን ብዋጋ ሓድነትን ጽኑዕ ምትእስሳርን ሓድነት መንእሰያት ኤርትራ ምጽዋትን ስለ ዝኸውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ኣካል እዚ ደው ከብልን ክእግድን ንምሕጸን።
  • ህዝቢ ኤርትራ ንምድሓን  ከም መሰረታዊ ውጥን ምርግጋጽ ሓድነት መንእሰያት ክህሉ።
  • ነታ ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ብኣባላት ባይቶ ስ.መ.ኤ.ድ.ሃ ዝተመረጸት ሕጋዊት ኣዳላዊት ኮሚቴ ጥራይ ኣፍልጦ ንህብን ንሕተትን፡ ነዚ  ብኣቦወንበር ፈጻሚት ሽማግለ  ዝወጸ ሓዱሽ መግለጺ ንኹንን ዘይሓላፍነቱ ምዃኑን ንእውጅ።

 

ከተምቲ ናይዚ መግለጺ፡

1-    ስምረት መነሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር  (ስ.መ.ኤ.ድ.ሃ)- ማእከላይ ሱዳን

2-    ስምረት መነሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር  (ስ.መ.ኤ.ድ.ሃ)- ኣውስትራሊያ

3-    ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር (ስ መ ኤ ድ ሃ) ንዩዚላንድ

4-    ስምረት መነሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር  (ስ.መ.ኤ.ድ.ሃ)- ማእከላይ ምብራቕ (ቀጠር፡ ኢማራት፡ ክዌት፡ ባሕሬን)

5-    ምንቅስቃስ መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ (ስዊዘርላንድ)

6-    ምንቅስቃስ ምሁራን መንእሰያት ኤርትራ

7-    ኤሬትራዊ ምንቅስቃስ ንለውጢ( ኢ ም ሲ)

8-     ማሕበር መንእሰያት ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ

9-    ኤሬትራዊ ምትእኽኻብ ንሃገራዊ ዘተ

10-                       ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ኣውስትራልያ

 

English

30/10/2013

Statement about the head of EYSNS executive’s formal declaration and intent to the general members of Eritrean Youth Solidarity for National Salvation

 

Under the horrible and repressive conditions being experienced by our people at home and abroad, Eritrean youth are bearing the brunt of the abuses of the despotic regime in Eritrea; and, after fleeing from home, Eritreans are also becoming entangled in another vicious cycle of harsh refugee life, human trafficking, smuggling, and the prospect of being abducted, ransomed, tortured, raped, and even harvested for organs. The latest and vivid national tragedy of Lampedusa is not far from our memory.

At this time, when young people around the region highlighted the means and goals of democratic change, Eritrean youth are expected to tidy up their ranks and lead the Eritrean people to revolt against the system perched on the chest of the country and the people; therefore, the youth initiatives across various youth groups and gatherings to uprise against the despotic system in Asmara was reflected in the Eritrean Youth Dialogue Forum (held in Debrezeit, Ethiopia, in July 2012). This was not representative of all Eritrean youth associations, and a follow-up meeting with Eritrean youth representatives was held in Gondar (Ethiopia) to address the failings of the latter forum held in Debrezeit.

But the narrow approach of the head of the EYSNS executive in the administration of the EYSNS affairs for the last 14 months was enough to drive the dream of young Eritrean to meet under one umbrella to fade away. And, finally, the executive head exceeded his authority by publicly announcing (at Togoruba website) the upcoming conference as a political organization conference and thus breaking the spirit, message and mandates of the Debrezeit Youth Forum.

In addition to the cancellation of the Representative Preparatory Committee approved by all EYSNS Council members at a meeting last February, he formed a new preparatory committee accountable only to the executive, exceeding the executive authority and forgetting that the lack of ethnic and Eritrean cultural diversity in attendance was one of the reasons for convening the Debrerzeit Youth Forum. Moreover, the EYSNS executive head isolated the Council Chairman from his position and usurped his legal authority without the chairman’s knowledge and without any legal grounds.

In the course of these spotted serious breaches of the Debrezeit Forum outcomes, which directly affect the spirit of the national strategic unity and the foundation of the Eritrean social relations, we emphasize the following:

• Adherence to the principle of organising an inclusive Eritrean youth conference, and we believe that the formation of Eritrean youth organisations, gatherings and meetings are gains and achievements to the Eritrean youth.

• We value and appreciate the role of the Ethiopian government for its support and facilitating what required to bring the Eritrean youth together, and we solicit the withdrawal of confidence and support for the current head of the executive which lost his legitimacy in July 2013 by not attending the meetings held by the Council to extend the ending period of the one year term, and we consider any support to the head of the executive is a bias and a preference for one entity at the expense of the unity and cohesion of the national unity of the Eritrean youth .

• Ensuring the Eritrean Youth Unity as a strategic task to save the Eritrean people.

• We are committed to the preparatory committee approved by all EYSNS Council members at a meeting last February, and totally disagree with the current announcement by the head of the executive and we consider the head of the executive to be illegitimate to make such announcements.

 

Signatories of the statement:

1- Eritrean Youth Solidarity for National Salvation (EYSNS) – Australia

2- Eritrean Youth Solidarity for National Salvation (EYSNS) – New Zealand

3- Eritrean Youth Solidarity for National Salvation (EYSNS) – Sudan Central

4- Eritrean Youth Solidarity for National Salvation (EYSNS) – Middle East (Qatar, Kwait, Bahrain and United Arab Emirates)

5- Eritrean Youth Movement for Change in Switzerland

6- Eritrean Youth & Intellectuals Movement

7- The Red Sea Afar Youth Union

8- Eritreans Movement for Change (EMC)

9- Eritrean Australian Youth (EAYOUTH)

10- Eritrean Forum for National Dialogue

aseye.asena@gmail.com

Review overview
42 COMMENTS
  • Ande Berhane October 30, 2013

    ብጣዕሚ ዘሕዝን ብጣዕሚ ተሕዝኑ፡፡ ኣይትብዙሕስ ኣይመርገምን ኣይትንፉዕን እምበር፡፡ንስኻትኩምስ ሓንቲ ነገር ከይፈተንኩም ንቓልሲ ናብ ጓል መንገዲ ኮለል ክትብሉ ምፍታንኩም ዘሕዝን ኢዩ፡፡ ከምዚ ዝበለ ኣዋጅ ድዩ መግለጺ ከተውጽኡ እንከለኩምሲ ነቲ ደላይ ፍትሕን ኣብ መንእሰያት ዜጋታቱ ዘለዎ ትጽቢት መሬት ከምዝዘብጥ ትገብርዎ ከምዘለኹምስ ይርድኣኩምዶ? ከይጸመደ ኣንጎደ ዝብሃል ምስላስ ተፈልጥዎዶ? ኣብ ክንዲ ንህዝብኩምን ሃገርኩምን ከተድሕኑን ዝፈላልየኩም ኣጽኑሕኩም ንዘሎ ተኣፋፊ ኩነታት ናብ ረብሓ ፍትሒ ከተማዕብልዎ ትፍትኑስ መድርኹ ዘይሓለወ መግለጺታት!! ፎእ ፎእ// እንተፈሊጥኩም እንተስ ከይፈለጥኩም ካልእ ገጽ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ ኮንኩም ኣቱም ደቂ!!! ሕሰቡ ዋላ ምናልባት ጌጋ እንተተገብረ ብምርድዳእን ብምክእኣልን ሽማግለ ዘተ ኣውጺኻ ምርድዳእን እሂን ምሂን ምባልን እንከሎስ ተቓዳዲምካ መግለጺ ምስ እዞም ኩሎም ተዘርዚሮም ዘለው ኣብ ከምዚ ዝበለ ዘይተደላዪ መግለጺ ንምብጻሕከ ኣየናይ ሜላ ኢኹም ተጠቒምኩም? ጽባሕ ከኣ ኣነ ወይ ንሕና በዚ መግለጺ ኣይንሰማማዕን ኢና ኣይ ብኢድና ኣይ ብእፍና ዝብል ጽሑፍ ነንብብ ንኸውን ነዚ`ውን ከይተፈሶ እንከሎ ፎእ ፎእ

    • Kabbire October 30, 2013

      Did I see ten so called “youth association” only in few diaspora nations? I write it again Ten! Is this Equb?
      I can only tell you that you are useless and pathetic. You are not worthy to replace Hgdef. There is nothing Eritrea as a state will benefit from Equb associations, if that is the aim. Please do not call this “political”. I doubt if this people can be grouped in to ten football teams let alone into worthy associations.

  • TSBUK_WEDI October 30, 2013

    ክውንነት ሃገርን ህዝብን ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፍን ሓደጋን ተሳጢሑ እንከሎ ክትበጽሖ ዘይትኽእል ምምዕዳው ከይደቀስካ ምሕላም ስለ ዝኾነ፡ ኣንቱም ሰብ ንእሽቶ ስልጣን ዝተበከለ ሽጣራ ተጠቒምኩም ሽግራትኩም ከዋዊልኩም ንህዝቢ ትኸፋፍሉን፡ ኣንቱም ከየስተውዓልኩም ቡዙሓት ዝኾንኩም ዝመስለኩምን፡ ንሕቶ ህዝብን ንናይ መጻኢ ነዊሕ ሰላምን ሕለሙ። ገና ብዙሕ ዘተጠርነፈ ህዝብን ህዝቢ ዝዓስሎ ትካልን ክሳብ ዘይወነንና ብዙሕ ስራሕ ከምዘሎና ነስተውዕል። ኣብ ድሕነት ሃገር ኩሉ እጃሙ ከበርክት ምክብባርን ምድግጋፍን ካብ ሕጂ ይጀመር። ስልጣን ዝዕድል ህዝቢ አዩ። ድሕሪ ሕጂ ድምጺ ህዝቢን መሳርሕቱን ዘይሰምዕን ብዋጋ ሓድነቱ ዝጣላዕን ናይ መጨርሻ ሰብ ኣብ ኤርትራ ኢሳያስ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ።
    ኣምላኽ ንህዝቢ ኤርትራ ምሕረቱ የውርደሉ!!!!

  • ሰናይት October 30, 2013

    ንስለ ኤርትራ ክንዛረብ። ስቕታና ስለዝበዝሐ ሓሰውቲ ሰብ ነዊሕ መልሓስ ስቕ ምባል ስለዝኸልኡና።

    እቲ ሓሶት ካብ ኣርእስቱ ኢዩ ዝጅምር። ንሱ ድማ ጥሙሕ ውልቃዊ ጽልኦም ንምውጻእን ሓድነትናን ንምብትታንን ዝዓለመ ይመስል። እዚ ክብል እንከለኹ ኣትሓሕዛ ናይ’ዞም ዕሱባት ህግደፍን መሻርኽቶም ጽገናዊ ለውጢ ኢና ንኣምን ዝብሉ ናይ ስልጣን ጽሙኣትን ኣብ ስምረት ኣስሊኾም ኣእትዮም ውሕውሕ ዝብሉ ኣኻልቦምን ኣተሓሕዝኦም ቀሊል ኣይመስልን። ስለ’ዚ ድማ ኢዮም ነቲ ብኣብዝሓ ኣባላት ቦርድ ስምረት ከም ዝተወሰነን እቲ ቀንዲ ልኡኾም ኣቦ መንበር ኣይነበረን ኢሎም ባዕሎም ዝነገሩና ሕጂ ጽግዕ ጽግዕ ናበይ ናብ ኣቦ መንበር ፈጻሚት። ኣስተውዕል ኤርትራዊ መንእሰይ ቃልስኻ ንምጭዋይ ዝተበገሰ በህግደፍ ዝተመወለ ወራር ኢዩ። እዞም ብዙሕ ዝልፍልፉ ዘለዉ ድማ ብጀካ ጥቕሞም ኤርትራ ኣይንታዮምን ኢያ። ስለ’ዚ ድማ ኢዮም ቃልሲ መንእሰይ ክዕንቅፉን ናብ ዝደለናዮ ከይንበጽሕን ነቲ ጸላኢኦም ዝኾነ ሰብ ብዘየገድስ መን ነጺሎም ዘጥቅዑ። በይኑ ከም ዝወሰኖ ኣምሲሎም ድማ ብኣቦ መንበር ዝተወሰነ ዝብሉ ዘለዉ። እዚ ንዓና ነቶም ደለይቲ ለውጢ ኣእምሮኣዊ ጸርፊ ኢዩ እሞ ንጠንቀቐሎም።
    ልዕል ኢሉ ብሓደ ፈታው ሓቂ ሓውና ተገሊጹ ከምዘሎ፡ ኣመሓደርቲ ባይቶ ኣበይ ኔሮም? ኣቦ መንበር ንፈጻሚ ዝሃቦ ዕዮ እሞ ከይተሰርሐ ዝተረፈ ከምጽእ ዝኽእል ኣካል ኣሎዶ? ኣቦ መንበር ፈጻሚት ኣብ’ዚ ከይዶም ኣብ’ቲ በጺሖም ክንበሃል ኮለና ንሱ ኣበይ ኔሩ? ምምላሱ ቀሊል ኢዩ ኩሉ ሰሚዕናዮ ኢና። ንስለ ኤርትራን ንስለ መንእሰይን ስቕ ንብል። ምኽትል ኣቦ መንበር ሓዳረይዶ ሰበይተይ ኢሉዶ ብወለንትኡ ኣይገደፎምን ኢዩ? እንታይ ፈሊጦም ድኣ ኢዮም ነታ ትምረጽ ኣሰናዳኢት ዕዮ ገዝኣ ክህብዋ? ካበይ?
    ኣሕዋት ንስለ ኤርትራን ኤርትራውያንን ብፍላይ ድማ ንመንእሰይ ክትብሉ ብልቦና ሱቕ በሉ? ትም ምባል ልቦና ኢዩ እምበር ድሕሪ ሕጂ ምትላል ዮሎን። ኤርትራ ኢሳያስ ኣልጊስና በህግደፍ ክንመርሓኩም ኢና ኢልኩምና ኣይፋልናን መሰረታዊ ለውጢ ኢዩ ዘድልየና ዘሎ ስለዝበልናስ እዚ ኩሉ ሓፍ ፈጠቕ። ሓንሳብ ዘይኮን ደጋጊምኩ ሻሚጥኩምና ሕጂ ይኣኽለና ስለ ዝበልናስ ብድሕረና ሳዕሪ ኣይትብቆላ ዝዓይነቱ ኤርትራ ፋሕ ትበል። ኣበደን።
    ካብ’ዘን ኩለን ዝኾረያን በጻብዕ ዝቑጸሩ ኣባላተንን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ጉጅለታት ኣበርክቶአን ኣብ ጉዕዞ ስምረት ምሓበራናዶ? ብፍላይ ናይ ኒውዚላንድ እሞ ጉዳም ናይ ሓደ ሰብ ተዋስኦ ኢዩ። ማሕበር ኣውስትራልያ ኮረይቲ እንተ ኢልኩም ንኣምነኩም እንበር ኣብ ኣውስትራሊያ ዘሎ ፈታው ስምረት እንተዝዛረብ ንጎዳ ድምጾም መሰንበደኩም። እቶም ኣብ ሱዳን ዘለው ኮረይቲ’ውን ውሕዳት ጥራይ ዘይኮኑ መበገሲኦም ካበይ ከምዝኾን ቅድሚ እዚ ነውራም ኣብዮቱታኹም ምስማዕና ለባማት ኣፍኢሞምልና ጸኒሖም ኢዮም። እቲ ዝገርም እቶም ነዚ ንውራም ተበጉሶ ወሲዶም ንገለ ጸበብቲ ዓቕሊ ዘዳናገሩ ተዃሉ በዚ ስዊድን ኣለዉ እንዳተባህለ ሓደ ናይ ኮረይቲ ማሕበር ብኡ ኣቢሉ ብዘይ ምቕልቃሉ ኣበርክቶ እዞም ጸየቕቲ ኣብ’ቲ ዝነብሩሉ ቦታ ኣሉታዊ እምበር ኣወንታዊ ስራሕ ከምዘይሰርሑ ኢዩ ዘርእየና። ናይ ብሓቂ ንስለ ኤርትራ ዝቃለሱ እንተዝኾኑ ድማ ብኣበርክትኦም ብጨንፈሮም ተመስጊኖም ምመጹ እሞ ነቲ ኩልና እንደልዮ ናይ ብሓቂ ለውጢ ኣብ ውሽጢ ኮይኖም መርኣዩና። ናይ ስምረት መርገጺ ድማ ካብ ኣንደበት እዞም ርእሰ-ምእኩላት ከምዝሰማዕናይ ኣባል ስምረት ዝኾነን ካብ ጨንፈሩ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተወከለን ኣብ ጉባኤ ስምረት ይሳተፍ ኢዩ። ኣባላት ክኾኑ ስለዘይተመዝገቡን ኣብ ጨነፈራቶም ኣበርክቶ ብዘይምግባሮምን ከምዘይምረጹ ስለዝፈለጡን “ኣነ እንተ ሞይተላ ሳዕሪ ኣይትብቆላ” ዝዓይነቱ ንስምረት ከፍርሱ። ኣይፋልን ናብ ልብኹም ተመለሱ ድኣ። ጊዜ ስለ ዘሎ ከምቶም ሕጂ ኣብ ስምረት ኮይኖም ላዕሊን ታሕትን ዝብሉ ዘለዉ ኣባላት ፈጻሚት ተቐይርኩም ኣበርክቶኹም ከተዕዝዙ ትዕግስቲ ግበሩ። ንደልየኩም ኢና ኤርትራ ድማ ትደልየኩም ኢያ ዞምኣሕዋተይ። እንተዘይ ኮይኑ እዝግኣብሔር ከምኡ የብዝሓልና ብጻዕሪ ሓው ኣማኑኤል ኢያሱን ከምኡ ዝኣመሰሉ ውሑዳት ንፉዓት ብዝተፈጥረልኩም መራኸቢ ብዙሓን ንሕማቕ ኣይትጓየዩ። ንኣማኑኤል ግን ንስል ቅዱስ ጻዕሩን ተጻዋሪ ኪኢላዊ ስረሑን ንምስትንጋድኩም ከየመስገንክዎ ክሓልፍ ኣየድልይን።
    ኣየናይ ኤርተራዊ ምንቅስቓስ ንለውጢ? እቲ ናይ ቦለኛ ጥራይ ከይትብሉኒ። እሱ እሞ ናይ ዝሃውተቱ ስለ ዝኾን ስሞም ንዘየምጽዋዕ ጥራይ ስቕ ምባል ይሓይሽ። ብመትከል ድኣ እቶም ናይ ዓፋር መንእሰያት እንዶ ኣይሕሹን ካብ መጀመርያ ሕትኦም ዘቐመጡ። ንሱ ኸኣ ኢዩ እቲ ቅኑዕ መስርሕ ተጸዋርነት ሓዊስካ ኣብ ውሽጢ ኮንካ ክትልውጥ ምድላይ እንተዝውሰኾ እሞ ውሃ መበለ።
    እንታይ ክብል ካብ ንጠንቀቕ ሓሊፈ። እወ ካብ’ዞም ቆርበት በጊዕ ተኸዲኖም የውሃት ከደናግሩ ዝፍትኑ ተዃሉ ንጠንቀቕ። ካብ’ዞም ልኡኻት ህግደፍን ጽገናዊ ለውጢ እንዳበሉ ኮረቻ ስልጣን ደለይትን ንጠንቀቕ። እወ ንዕዖም ዘገድሶም ውልቃዊ ጥቕሞም ኢዩ እሞ ንጠንቀቐሎም። ማእከል ስሕበት ቃልሲ ስምረት ሓይሉ ሪኦሞ ክብትንዎ ይጓየዩ ኣለዉ እሞ ንንቃሓዮም። እዞም ርእሰ-ምእኩላት ግን ሓደጋ ላምበዱሳ ኣይግድሶም ኣብ ባሕሪ ምስ ዕሸላት ደቃ ትጠፍእ ኣይግድሶም። ንሶም ዝግድሶም ስልጣን በየን ትርከብ ኢዩ። እንበር ጀጋኑ ኣዕራብ’ሲ እምበር ኣርኢዮምና። ሓደ መሓመድ ቡዓዚዝ ስለዝተሰውአ መንግስታት ኣብ ቅድሚ ዓይንና ተቐይሮም። ኣበይ ኣሎ ቃዛፊ። ንሕና ዘይትዓደልና ድማ ዓይኖም ገና ዘይነጦቓ ከመይ ዝኣመሰሉ ክቡራት ኣሕዋት ኣብ ባሕሪ ደርቢና ነቶም ክንቃለስ ኢሎም ካብ ምቾት መነባብሮ ምዕራባውያን ሃገራት ዝመጹ ኣሕዋት ክንላገጽ። እዚ ዘሕትት ኢዩ። ወረ ከክንድኦም ንኽኣል። ኣበይ’ሞ ኣታ እዚ ኮይንና ተሪፍና።

    ኣምላኽ ንኤርትራን ህዝባን ይርአ
    ሰናይት

    • Rim November 1, 2013

      ዕብዳን ዶ ክንብሎ!

      መን ንመን ከታልል፣
      ኣብ ልዕሊ መን ከ?ከሽካዕልል???
      ሎምስ ዘይፈለጠኩም’ዶ ይህሉ
      ምትእኽኻብ ጸይቂ፣
      ዕላማ ኣልቦ ልኡኻት፣ሰብ ውልቃዊ ረብሓ
      ዘይብልኩም፣ ቅንጣብ ትኸውን ሓቂ፣
      ፎ ተባሂልኩም፣ተፈንፊንኩም
      ፎኺስኩም ከም ጨርቂ።
      ኣበይ ድኣ ጸኒሕኩም ክሳብ ሎሚ፣
      ግብሪ ኣብ ዘይብሉ ምህውታት ትነብሩ ዘለኹም ካብ ዓሚ፣፣

      በዓል ኮንቶ መንቶ ዘይብልኩም ቁም ነገር፣
      ከምዚ’ዶ ምበልኩም እንዳ ጸነተት ሃገር፣
      ናይ ዓንቶቦኹም ሽርሒ ካብ ኮነ’ሞ እንታይ ይገበር።
      ስልጣን ዝሕልምኹም፣ በዓል ሕልና ኣልቦ፣
      ጥፍኣት ኤረይ ዘይንታይኩም፣ ትእበዱ ብቑራቦ፣
      ስምረት ሎሚ’ውን ኣይትብዳህን’ያ ትፈልጥዋ ኢኹም ዓንቶቦ፣
      ህግደፍ ነቒላ ሓርነት ነተንግስ’ያ ኣብ ቅርዓት ዓደቦ።
      ቃልሲ ስምረት ናይ ርድኢት’ዩ፣ ኣይኮነን ናይ ስምዒት፣
      ዕላማ ኣለዎ ዝጥምት ንቕድሚት፣
      ህዝባን ሃገራን ከተድሕን ካብ ዘለዎ መጻብቦ፣
      ህዝባዊ መንግስቲ ክተክል ሕልሚ ዓንተቦ፣
      ፍትሒ ከተንግስ ኣብ ቅርዓት ዓደቦ።(2)

  • hany boy October 30, 2013

    ኣነ ይገርመኒ እዩ : ዲክታቶርታ ዝጥቀምሉ ሜላ ጌና ዘይተበገሱ ዲክታተራዊ ኣታሓሳስባ ዘለዎም ዕሸላት ናይ ፖሎቲካ ተልመዲን ከም ብዓል ቶማስ ሶሎሙን ይዓብዩ ከምዘለዉ ተዓዚበ : ዝህብዎ ርእይቶታት ከተንብብ ዘሕፍር እዩ :: ኢሰያስ ጂ 15 ሕቶ ከበግሱ ከለዉ እዋኑ ኣይኮነን ሃገር ኣብ ቅልውላው ከላ ተባሂሎም ተገዲዖም ተኣሲሮም ህዝቢ ዉን ኣሚንዎ ሕጂ ድማ ተመሳሳሊ ምድንጋር : ሕጂ ድማ ተመሳሳሊ ንርእዪ ኣሎና:: ስ.መ.ኤ.ድ.ሃ መዓስ ድዮም ብዘይ ኣቦ ዎንበር ተኣኪቦም 02/10/2013 ዶ ኣይኮኑን እንታይ ኮይኖም ደኣ ዕለት 7/10/2013 መግለጺ ኣውጺኦም , ድሓር ክኣ ክሳብ ምዓስ ኢና ክንደናገር ክንነብር : ስለምናታይ ንሕቶታት ናይ ህዝቢ ክትምልሱ ዘይትፍትኑ : እምበር ዶ ምሳኹም ሲ ዓዲ ክንኣቱን ተኸባቢርናን ብዴሞክራስያዊ ኣገባብ ክንከይድ ኢና : የስደምመካ : ምስ ዝተፈልየ ርእይቶ ዘለዎምን ዘይራዳድኡኻን ኢኻ ክትረዳዳእ ዘለካ እምበር : ከም ብዓል ክሻን ማንኪን ዘዘጣቕዕልኩም ደእ እንታይ ምርድዳእ እድልዪኩም : በጃኹም ስመር ወራዶ መርዓ ኣይኮነንን ምስ ኩሉ ኤርትራዊን ብጉዳይ ሃገሩ ዝግደስን ክኸዉን ኣለዎ : ክንደይ ሰብ ዝደኸመሉ ማሕበር ብእልፊ ዘጠቕሙ ቆልዑ ኣይትጻወትሉ :በጃኹም ሃገርን ህዝብን ቀዳምነት ሰሪዕኩም ተቓለሱ::ሰብ እንዳጸለምካን ንርእይቶ ሰባት እንዳ ነኣኣስኩምን ኣብ ትበጽሕዎ የብልኩምን : መጀመርያ ነገር ዕድመ ጉባኤ ናብ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ወደጽብሃ ከሰጋግሮ መን እዩ ፍቓድ ሂብዎ : ንመን ሓቲቱ ተጋባኣይ ከይሓተትካ ዶ ይዉሰን እዩ::ኣብ መወዳኣታ 2 ሰባት ርእስኻ የናል እንተኢሎማ ሃሰስ በላ እዩ እሞ ሃሰስስ በሉ ንድኻማትኩም::

  • Kabire October 30, 2013

    Did I see ten so called “youth association” only in few diaspora nations? I write it again Ten! Is this Equb?
    I can only tell you that you are useless and pathetic. You are not worthy to replace Hgdef. There is nothing Eritrea as a state will benefit from Equb associations, if that is the aim. Please do not call this “political”. I doubt if this people can be grouped in to ten football teams let alone into worthy associations.

  • Kabbire October 30, 2013

    Did I see ten so called “youth association” only in few diaspora nations? I write it again Ten! Is this Equb?
    I can only tell you that you are useless and pathetic. You are not worthy to replace Hgdef. There is nothing Eritrea as a state will benefit from Equb associations, if that is the aim. Please do not call this “political”. I doubt if this people can be grouped in to ten football teams let alone into worthy associations.

  • petros October 30, 2013

    ነዚ ነገር ናይ መንሰያት ኣብ ጎኑ ኣለንና፣
    ፈጻሚ ሽማጊለ ዘዊጺኦ ተከቢልናዮ ኣለና፣
    ኣብት ኣኪባ የራኪበና ዐወት ንህዚብና።

  • gaim October 30, 2013

    A bunch of selfish and hargfat. Please leave Eritra and its troubles to the people inside the country. The people who are paying unparalleled price are no to trust a bunch of unknown faces who are dying to vie for power.

    A home grown change is the only guarantee that it is in the hands of its rightful owner.

    I HAVE NO ENOUGH WORDS TO CONDEMN YOUR BICKERING AT THIS CRUCIAL VENTURE OF OUR HISTORY.

    HIZBI ERITRA KEY HMEL TESFA IGEBR.

  • oromay October 30, 2013

    Unity is a taboo word for Eritreans. Read history.

  • Zereba Seb October 30, 2013

    EYSNS is becoming stronger than ever. All of those cancerous individuals who infiltrated EYSNS are attempting to break the unity of our youth to no avail. This is a step forward for EYSNS and I am sure the youth will now move towards the main goal faster than ever. The fact is people that were kicked out from Bayto have infiltrated the youth movement and tried to hijack the movement and now the youth have blocked these evil individuals from doing whatever they want. Nothing more, nothing less. If the people that wrote this press release are honest they need to add their names in there. If they had done that people who follow Eritrean politics would have found this press release joke of the year.

Post a Reply to ብርሃነ Cancel Reply