Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓበሬታን ጻውዒትን ንህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ – ሳልሳይ ክፋል

ሓበሬታን ጻውዒትን ንህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ሳልሳይ ክፋል ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ዝሓለፈ ካልኣይ ክፋል ጽሑፍና ወትሃደራዊ ኩነታት፣ ፖለቲካውን ጸጥታውን ጸወታ ኢሰያስ ብሓደ ወገን፣ ብሜላን ሚስጥራዊ ትእዛዝን ኢሰያስ፣ ኣገደስቲ ኣጽዋራት ካብ ሰራዊት ኤርትራ ተሳሒቡ ንደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ

ሓበሬታን ጻውዒትን ንህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ

ሳልሳይ ክፋል ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ዝሓለፈ ካልኣይ ክፋል ጽሑፍና ወትሃደራዊ ኩነታት፣ ፖለቲካውን ጸጥታውን ጸወታ ኢሰያስ ብሓደ ወገን፣ ብሜላን ሚስጥራዊ ትእዛዝን ኢሰያስ፣ ኣገደስቲ ኣጽዋራት ካብ ሰራዊት ኤርትራ ተሳሒቡ ንደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ( ደምህት) ዝተዋህበ ዝርዝር ዓይነት ብረትን ብዝሑን ኣቕሪብና ነይርና።

መቐጸልትኡ ሳልሳይ ክፋል ድማ እንሆ። ብስርዓት ኢሰያስን ጉጅልኡን፣ ንህዝብና ኣብ ገዛእ ሃገሩ ብካልኦት ዜጋታት (ደምህት) መሰሉ ዝግህስ፣ ሰብኣዊ ክብሩ ዝቕንጠጥ ዝደፍር፣ ዶቡ ዝጠሓሰ ኣነዋሪ ተግባር ይፍጸም ምህላዉ ኣዛሚድና፣ ንጸጥታውን ፖለቲካውን ውዲቶም ዘቃልዕ ኣብ ኣርባዕተ ነጥብታት ተኸፋፊሉ ክቐርብ’ዩ፣ ሰናይ ምክትታል ይግበረልኩም።

ቀዳማይ፦ ብኣባላት ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ደምህት) ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ዝፍጸሙ ዘለዉ ዘይሕጋዊ ተግባራትን ኣገባቡን ይገልጽ።

ካልኣይ፦ ስለምንታይ ፖሊስ ወላ ጸጥታን ቤት-ፍርድን ኤርትራ ስልጣኖም ተጋሂሱ? ብኣባላት ደምህት ዝፍጸም ገበናት መታን ክሽፈን፣ ተጻርዩ ብሕጋዊ ኣገባብ ከይርኤ ስለምንታይ ጥብቂ ትእዛዝ ተዋሂቡዎም?

ሳልሳይ፦ ሳዕቤናቱ’ኸ? ዝተበደሉ ዜጋትትና ሰማዒ ስኢኖም ክብረቶም ተቐንጢጡ ብጉድለት ፍትሒ ይማረሩ ኣለዉ። ራብዓይ፦ ነዚ ሓደገኛ ፖለቲካውን ጸጥታውን ውዲት ኢሰያስን ደምህትን ከነፍሽል፣ ካብ ዝቕጽል ኣሉታዊ ሳዕቤናት ክንከላኸል፣ ሓንትን ኣማረጽን ዘይብላ ፍታሕ ዕምሪ ስርዓት ኢሰያስን ጉጅልኡን ምሕጻር’ዩ። ንሱ ድማ ንመሰልና ይኹን ሰብኣዊ ክብረትና ከነውሕስ፣ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንርከብ ዜጋታት ይኹን ሰራዊት ኤርትራ ብምትሕብባር ጻዕርና ከነወሃህድ፣ ድምጽና ከነስምር ቅልጽምና ከነሓይል፣ ህዝባዊ ቃልሲ ኣካይድና ናብ ህዝባውን ደሞክራስያውን መድረኽ ምስግጋር’ዩ።

ኣቐዲምና ግና ይቕሬታ ንሓትት። ምኽንያቱ ኣብ 2ይ ክፋል ንደምህት ዝተዓደሉ ክልተ ዓይነት ብዝሒ ሽጋጉጥ 56 ኢልና ነይርና። ናይ ጽሕፈት ጌጋ ስለዝኾነ ይቕሬታ! ብዝሒ ሸጋጉጥ ሱሳን ሽዱሽተን (66) ተባሂሉ ተኣሪሙ ክንበብ ንሕብር።

ቀዳማይ፦ ብገለ ኣባላት ደምህት ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ዝፈጸሙ ዘለዉ ዘይሕጋዊ ተግባራት ኣማኢት/ ብዙሓት/ እዮም።

ዓይነት ገበናት፦ ገለ ካብ ዓይነት ገበናት ንምጥቃስ፣ ደቂ ኣንስትዮ ኣገዲድካ ብሓይሊ ምዕማጽ። ጥሪት ህዝቢ ብሓይሊ ወሲድካ ምብላዕ። ህዝቢ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ዜግነታዊ መሰሉ ምድፋር፣ ብፍላይ ምስ ሲቪል መንእሰያትን ኣባላት ምክልኻልን ምትፍናን ምትህርራም። ኣብ ጸጥታዊ ጉዳይ ሃገርን ሓለዋን፣ ኣብ ፖለቲካውን ማሕበራውን ጉዳያት ህዝቢ ኤርትራ ጣልቃ ምእታው። ገለ’ውን ክሳብ ብኣካልን ብብረትን ምቕትታል የጠቓልል።

ገበናትን ናይ ኣፈጻጽማ ኣገባቡን፦

ብገለ ኣባላት ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ደምህት) ዝተፈጸሙ ዓመጽን ዘይሕጋዊ ተግባራት ከምዝተጠቕሰ ኣማኢት እዮም። ብዝተበደሉ ዜጋታትና ድማ ንዓመጽቲ ኣባላት ደምህት ዝኸስስ  ናብ ፖሊስ ብተደጋጋሚ ጥርዓናት ኣቕሪቦም። ኣብቲ መጀመርያ ፖሊስ ከጻርዩ ጀሚሮም ስለዝነበሩ፣ ድሒሩ ናብ ቤት ፍርዲ ከይቀረበ ከሰጋግርዎ ተኣዚዞም።

ንደቂ ኣንስትዮ ብሓይሊ ኣገዲድካ ምዕማጽ፦

  1. ዘሪሁን ተስፋይ ዝበሃል ኣባል ደምህት፣ ንሓንቲ ጋል ዓሰርተ ሽዱሽተ (16) ዓመት ትሕቲ ዕድመ ብዘይድሌታ ብሓይሊ ኣገዲዱ ክብረ ድንግልና ዓሚጹዋ። እዚ ዘይሕጋዊ ተግባር ብዕለት 06/ 07/ 2013 ኣብ ዓዲ ብግዲ ከባቢ ጀርበት ምዕራባዊ ቦታ’ዩ ተፈጺሙ። ንሳ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጉድኣት በጺሑዋ።

ወለድን ህዝብን ናይቲ ከባቢ ተኣኪቦም ጥርዓኖም ከቕርቡ ናብ ፖሊስ ተኾምብያ ከይዶም። ፖሊስ እዚ ጉዳይ’ዚ ንዓና ኣይምልከትን’ዩ ጥራይ ኢሉ ኣይዓጸዎን። ብኣንጻሩ ህዝቢ ተኣኪቡ ምምጻእ ዘይሕጋዊ’ዩ ኢሉ ኣፈራሪሑ ሃዲዱ መሊስዎም።

ክሳብ ሕጂ ድማ ዝኾነ ሕጋዊ ስጉምቲ ስለዘይተወስደ፣ ትሕቲ ዕድመ ጋልን ወለድን ብጉድለት ፍትሒ ክሳቐዩ ግድነት’ዩ።

  1. ኣብ ከባቢ ተሰነይ፣ ከባቢ ጎልጅ፣ ከባቢ ሳመናይትን ከባቢ ኦምንሓጀርን፣ ኣብዚ ክልተ ዓመት ብዘይድሌተን ብሓይሊ ብዙሕ ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮ ኣጋጢሙ ኣሎ።  ከም ሳዕቤኑ ድማ ዓሰርተው -ሽዱሽተ (16) ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዘይደለይኦ ሰብ ተገዲደን ዝጠነሳን ዝወለዳን ኣለዋ። ክሊ ዕድመ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዓሰርተ ሽወዓተ ክሳብ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ( 17- 23) ዓመት እየን። ገለ’ካብ ጥኑሳትን ሓራሳትን ከኣ ሰብ ሓዳር እየን።

እዚ ብኣባላት ደምህት ዝፍጸም ዘሎ ግህሰትን ዓመጽን ደቂ ኣንስትዮ ዘይሕጋዊ ተግባር ስለዝኾነ፣ ዝተበደላ ደቂ- ኣንስትዮን ወለድን ናብ ፖሊስን ምምሕዳራት ከይዶም ጥርዓን ኣቕሪቦም። ንዓመጽትን ዘይሕጋዊ ተግባር ዝፈጸሙ ሰባት ኣብ ክንዲ ናብ ሕጊ ምቕራብ፣ ናይ ደምህት ገበናዊ ጉዳይ ክንርኢ ስልጣን የብልናን ንዓና ኣይምልከትን’ዩ ኢሎም ይመልሱዎም ኣለዉ። ዘይሕጋዊ ተግባር እናወሰኹ ስለዝኸዱ ብኡ መጠን ጥርዓናት ህዝቢ በዚሑ። ንጥርዓናት ህዝቢ ንምህዳእ ተባሂሉ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ/ 2013 ምቅይያር ኣሃዱታት ደምህት ተገይሩ። ፖለቲካዊ ጸወታ ኤርትራ ተጋሂዱ። ምኽንያቱ

እቶም ኣብ ተሰነይን ከባቢኡን ዝነበሩ ብሪጌዳት ደምህት፣ ናብ ተኾምብያን ከባቢ ኣንቶረን ተቐይሮም። ብኣንጻሩ ቅያሮም ገለ ቦጦሎንታት ናብ ከባቢ ግርማይካ ኣብ ዶባት ሱዳን ወሰናስን ሸላሎቭ፣ ክራየት ከባቢኡን ተቐይሮም መጺኦም።

  1. ብዕለት 12/09/2013 ኣብ መራጉዝ ዓዲ ሕይስ ዝበሃል ንሓንቲ ጋል 23 ዓመት መንእሰይ ብሓይሊ ኣገዲዶም ዓሚጾሙዋ። ወለድን ተዓዘብትን ኣስማት በደልትን ናይ ገበን ኣፈጻጽማ ዝርዝር ዝገልጽ ብዕለትን ቦታን ኣሰንዮም ናብ ንኡስ ዞባ ጥርዓን ኣቕሪቦም። ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ብወገኑ ናብ ፖሊስ ሰዲድዎም። ፖሊስ ድማ ናይ ኣባላት ደምህት ጉዳይ ስለዘይምልከተና ናብ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ድሕነት ኣስመራ ከይድኩም ሓብሩ ኢሉዎም። ዝተበደለት ጋል ኣንስተይትን ወለድን ኮለል ኢሎም ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ፍትሒ ሲኢኖም ይሳቐዩ ኣለዉ።
  2. ብክልተ ኣባላት ደምህት ዝተፈጸመ ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮ፦ መስፍን ነጋሽ፣ ኣብርሃ ፍቓዱ (ዘዋሪ ቶዮታ) ክልቲኦም ብማኪና ላንድክሩዘር ታርጋ EDF -51 ሒዞም ካብ ተሰነይ ናብ ጎልጅ ኣምሪሖም። ኣብ ብሎኮ ተሰነይ ምስበጽሑ ከም ሕያዎት ሰብ ደሓን ተመሲሎም ክልተ ደቂ ኣንስትዮ መካይን ዝጽበያ ዝነበራ ክንማላኣክን ኢሎሞ የስቅልወን።

ኣብ መንገዲ ኣፈራሪሖም ብሓይሊ ኣገዲዶም ዓሚጾምወን። ነተን ዝዓመጹወን ደቂ ኣንስትዮ ቅድሚ ጎልጅ ምብጽሖም ሓሙሽተ (5) ኪ.ሜተር ክተርፎ ኮሎ ኣውሪዶምወን። ንሳተን ብዝወረደን ዓመጽ ሓዚነን ብፍርሒ ተሸቑሪረን ለይቲ ናብ ጎልጅ ኣትየን። ድሕር’ዚ ናብ ፖሊስ ተሰነይ ክሲ መስሪተን። እንተኾነ እታ መልሲ ሓንቲ’ያ። ናይ ደምህት ምኻኖም ምስተፈልጠ ንዓና ኣይምልከትን’ዩ ብላዕለዎት ኣካላት ስለዝርኤ ፋይለን ንኣስመራ ተሰጋጊሩ ተባሂሉ።

ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ብሓይሊ ኣገዲድካ ዝፍጸም ዓመጽ ብዙሕ ስለዝኾነ፣ ገለ ኣብነት ጥራይ ኢና ገሊጽና ዘለና። ደቂ ኣንስትዮ ብሓይሊ ምዕማጽ ከም ተግባር ድማ ከቢድ ገበን ምኻኑ ኩልና ንፈልጦ’ዩ። ኣባላት ደምህት ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትና ደቂ ኣንስትዮ ዝፈጸሙዎ ዓመጽ፣ ዋላ እቶም ዘጥነሱ ይኹን እቶም ብሓይሊ ዘውለዱ፣ ብዘይሕጋዊ ተግባሮም  ክሳብ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኣይቀረቡን ዝኾነ ሕጋዊ ሓላፍነት ኣይተሰከሙን። ዝተበደላ ደቂ ኣንስትዮ ይኹን ወለደን ንዝወረደን ኣካላዊ ማህሰይቲ፣ ሞራላውን ኣእምሮኣውን ጉድኣት ሰማዒ ስኢነን ብጉድለት ፍትሒ ይሳቐዩ ኣለዉ።

  1. ቅድሚ ሕጂ ኣብ ከባቢ ደቀምሓረ/ ዓዲ ሃርም/ ተመሳሳሊ ዓመጽ ጋል ኣንስተይቲ ተፈጺሙ ስማ ተገሊጹ ነይሩ። ፖሊስ ናብ ላዕለዋይ ኣካል ተመሓላሊፉ ኣሎ ምስበሉ፣ ክሳብ ሕጂ ዓመጽቲ ኣብ ሕጊ ከመዘይቀረቡ ይፍለጥ።

ዝተፈጸሙ ዘይሕጋዊ ተግባራት፣ ገበን ዝተፈጸመሉ ከባቢታት፣ ንፖሊስን ምምሕዳራትን ጥርዓን/ ክሲ/ ቀሪቡ’ዩ። ገበናዊ ፍጻሜ ስለዝኾነ ህዝቢ ብከባቢኡ ዝፈልጦ ዘረጋግጾ ቅሉዕ ክስታትን መርትዖን ዘለዎ ’ዩ።

  1. ብሓይሊ ጥሪት ህዝቢ ዘሚትካ ምብላዕ፦ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ዝፍጸም ዘይሕጋዊ ተግባር’ዩ። ኣብ ከባቢ ሽላሎ፣ ጀርበት ሓዲሽ ዓዲ፣ ዓዲ ብግዲ ከባቢታቱን ከኣ ዝያዳ ጎሊሑ ተራእዩ። ከም ኣብነት ካብ ሓደ ጋሳ ጥራይ ሓሙሽተ ኣጣል ብሓይሊ ወሲዶም በሊዖምወን። ነቲ ጋሳ ከይነግር ድሕሪ ሕጂ በዚ ከባቢ ከይትጋሲ ኢሎም ኣፈራሪሖም ሰዲዶሙዎ። ወለዱ ንፖሊስ ምምሕዳር ሽላሎ ከሲሶም ባረንቱ ከይድኩም ክሰሱ ኢሎሙዎም።

ባረንቱ ከይዶም ገበነኛታት ኣብ ሕጊ ኣይቀረቡን፣ ዋጋ ጥሪቶም መተካእታ ገንዘብ ስለዘይተዋህቦም ፍትሒ ኣይረኸቡን።

ምግሃስ ሕጋዊ ስልጣን ፖሊስን ጸጥታን፦

ፖሊስን  ጸጥታን ብጀካ ገለ ገለ ፍሉይነቱ፣ ከም መንግስታዊ ትካላት ብሓፈሻ ተዛማዲ’ዩ ስርሖም።  ሰላምን ናጽነትን ህዝቢ ከይዝረግ፣ ንብረት ህዝብን ሃገርን ከይዓኑ፣ ድሕነት ሃገር ብኹሉ መዳያቱ ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ምክልኻል’ዩ ስልጣኖም። ፖሊስ ድማ ብቐዳምነት ኣኽባር ሰላም ኮይኑ፣ መሰል ዜጋታት ከይገሃስ ገበን ከይፍጸም ዝከላኸል’ዩ። ገበን እንተተፈጺሙ ድማ ንዝበደሉ/ ዓመጽቲ/ ኣብ ሕጊ ምቕራብ’ዩ ስልጣኑ። ክልቲኦም መንግስታዊ ትካላት ሰላምን ጸጥታን ዝዘርግ ወይ ዝኾነ ዘይሕጋዊ ተግባር ዝፍጽም ሰብ ይኹን ጉጅለ፣ ክሲ መስሪቶም ምስ መርትዖታቱ ናብ ኣኽባር ሕጊ ምቕራብ’ዩ ናይ መወዳእታ ደረት ስልጣኖም። ኣኽባር ሕጊ ብፖሊስን ወይ ጸጥታ በደል/ ዓመጽ/ ከምዝተፈጸመ ንዝቐረበ መርትዖ እንተኣሚኑሉ ገበናዊ ክሲ ይምስርት ናብ ቤት ፍርዲ የቕርብ።

ፍርዳዊ ኣካል ድማ ንክሱስ ናጻ ክሰዶ ይኽእል፣ ወይ ገበነኛ’ዩ እንተ ኢሉ፣ ሕጊ ዝእዝዞ ገበናዊ መቕጻዕቲ ይውስነሉ።

ፖሊስን ጸጥታን ቤት-ፍርድን ኤርትራ፣ ስለምንታይ ሕጋዊ ስልጣኖም ኣብ ኤርትራውያንን ኣብ ደምህትን በበይኑ?

ዝኾነ ዜጋ ኢትዮጵያዊ ዋላ ኤውሮጳዊ ዋላ ካልእ ገበን እንተፈጺሙ፣ ሕጊ ሓንቲ ልኡላዊት ሃገር ስለዝጠሓሰ፣ ኣብ ቦታ ፍጻሜ ገበን/ ኤርትራ/ ክኽሰስ ክቕጻዕ መሰል ኤርትራ’ዩ። ምናልባት ኣብ ናይ ኣብያተ ፍርዲ ኣህጉራዊ ስምምዕ ዝፈረማ ሃገራት እንተኾይነን፣ ካልእ ዜጋ ዝፈጸሞ ገበናዊ ክሱ ተሰንዩ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ገበኑ ክርኤ ይኽእል’ዩ ግና ግድነት ኣይኮነን። ዓይነት ገበናትን ስምምዕን ይውስኖ’ዩ። ናይ ካልእ ዜጋ ካብ ሃገሩ ወጻኢ ዝፍጽሞ ገበን ኣብ ቦታ ፍጻሜ ገበን ምርኣይ ከይነውሓና ኣርእስትና ከይምጠጥ ኣብዚ ከነሕጽሮ።

ደምህት ከም ኢትዮጵያውያን ደቂ ኣንስትዮ ብሓይሊ ይዕምጹ። ብዘይድሌተን የጥንሱ የውልዱ። ይዝርፉ ይትሃራረሙ ኣብ ገለ’ውን ቅትለት ተራኣዩ። ክብረት ህዝብን ሕጊ ሃገርን ይጥሕሱ። ብዘይሕጋዊ ተግባሮም ኣይእሰሩን ብሕጊ ኣይክሰሱን፣ ብቤት-ፍርዲ ኣይቅጽዑን። ፖሊስን ቤት-ፍርድን ኤርትራ ገበናት ኣባላት ደምህት ብሕጊ ከየጻርዩ ብትእዛዝ ተኸልኪሎም። ዝተበደሉ ዜጋታትና ድማ ክብረቶም ተቐንጢጡ ከሲሶም ሰማዒ ሲኢኖም ብጉድለት ፍትሒ የማረሩ ይሳቐዩ ኣለዉ።  ንኤርትራውያን ከኣ ተቓዊምካ መሰልካ ሓቲትካ መንግስቲ ጸሪፍካ፣ ኮብሊልካ ስግር ዶብ ክትከይድ ሓሲብካ ተባሂሎም ይእሰሩ። ኣብ ናጻ ቤት ፍርዲ ኣይቀርቡን ኣብ ማእሰርቲ ይበልዩ፣ ገለ’ውን ኣብ ማእሰርቲ ብጨካን ዘይሰብኣዊ ኣትሓሕዛ ይሳቐዩ ምህላዎም ኩልና ንፈልጦ’ዩ። ንወለዲ ድማ ኣምሳያ ውላድካ 50, 000 ክፈል ወዘተ ተባሂሉ ይእሰሩ። ዘገርም’ዩ!!

ስለዚ ደምህት ዝያዳ ዜጋታትና ይኸብሩ ማለት ዲዩ? ብኣባላት ደምህት ዝፍጸም ዓመጽ፣ ምግሃስ መሰል ዜጋታት ድፍረት ክብሪ ኤርትራውያን’ከ ንምንታይ ዕላማ’ዩ ተደልዩ? ምኽንያቱ ሕጋውያን ስደተኛታት ኣይኮኑን። ኢትዮጵያዊ መንነት ዝገልጽ ኣብ ዓመት ዝሕደስ ግዝያዊ መንቀሳቐሲ ብጫ ታሰራ ኣለዎም።

ስለዚ ኤርትራውያን ኣብ ገዛእ ሃገሮም መሰሎም ብካልኦት ዜጋታት ክገሃስከ፣ ስልጣን ፖሊስን ጸጥታን ቤትፍርድን ብሕጋዊ ኣገባብ ከይርእይዎ ከየጻርዩ ምኽልካል’ከ እንታይ ሕጋዊ መመኽነይታ ኣለዎ? ሕጊ ኤርትራ ምጥሓስ ክብሪ ህዝቢ ምድፋር’ከ ስለምንታይ ተደልዩ፤

ፖለቲካውን ጸጥታውን ጸወታ ኢሰያስን፣ ዶቡ ዝጠሓሰ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ደምህት ደቂቕ መጽናዕቲ ዘድልዮ፣ ኩሉ ኤርትራዊ ነዚ ውዲት’ዚ ንምፍሻል፣ ንመሰልናን ክብርታትናን ምክልኻል እዋኑ ዝጠልቦ ህጹጽ መድረኻዊ ሕቶ ብኩውንነት ምምላሽ መሰረታዊ ምካኑ ኩሉ ደላይ ለውጢ ዝሰማምዓሉ ይመስለና።

ስለዚ ኣብ ወጻእን ውሽጥን ዘሎ ህዝብና፣ ሰራዊትና ሓይልና ኣወሃሂድና፣ ታሪኻዊ ሓላፍነትና ከነልዕል ዝያዳ ዘበርከትናዮ ከነድምዕ ደጊምና ሓበሬታን ጻውዒትን ንህዝብን ሰራዊትን ነመሓላልፍ ኣለና።

ኣብ ራብዓይ ክፋል ፖለቲካውን ጸጥታውን ጸወታ ኢሰያስን፣ ጸጥታዊ ኩነታት ደምህትን ህዝብና ኣዛሚድና ከነቕርብ ኢና።

ሰላም ቅነ!

ይቕጽል

22/ ሕዳር/2013, Eritrea Help Network

eritreahelpnetwork@hotmail.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Haile Michael November 22, 2013

    ኣቱም ሰባት በጃኹም ኣባላት ደምህት ብዝፈጸሙዎ ገበን ኣብ ሕጊ ክቐርቡ ኣለዎም፡ ምኽንያቱ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝኾነ ተግባራት ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ስለዝፈጸሙ በሃልቲ ኢኹም። ስምዑስከ ንምዃኑ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ሕጋዊ ድዩ? እዚ ኹሉ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመን እኹላትን ደቀንስትዮና ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ እቲ መንግስቲ ዘይፈልጦ ድዩ መሲሉኩም? ኣንዳዕዲዑ ይፈልጦ እዩ። እዚ ድማ ኮነ ኢልካ ካም መቐጸልታ ንህዝብን መናእሰይ ኤርትራ ንምጅጃው ዝተግበረን ዝግበር ዘሎን እዩ። ካብዚ ዝኸፍእ ከምዝመጽእውን ኣይንረስዕ። እንተመጸውን ከምዚ ኣካይዳና ኣብንበጽሖ የብልናን። ንዓለም “ህዝብና ይብደል ኣሎ፡ ስደት በዚሑ፡ ደቀንስትዮ ይዕመጻ ኣለዋ” ወዘተ ኩሉ ጸገማትና ከነቃልሖ ንኽእል ኢና። ነዚ ጨቋኒ መንግስቲ ድማ ኣሜሪካ ወይ ድማ ጎረቤት ኢትዮጵያ ( ጸላኢት ኢሰያስ ስለዝኾነት)ካብ ስልጣን ክትኣልየልና ኣይንጸበ፡ ካብ ስልጣን ሳቮያ ኢልና ክንኣልዮ እንኽእል ወይ ዝግባኣና ንሕና ኢና።ካብ ስላጣን ክንኣልዮ እንተዄንና ድማ ክንሓብር ኣለና። እኂ ድማ እቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ትነብሩ ዘለኹም የሕዋት ናጻ ናይ ምእካብ መሰል ስለዘለኩም እቲ ኣብ ሞንጎኹም ዘሎ ፍልልያት ብፍላይ ብፍላይ ኣውራጃዊ ስምዒታትኩም ኣሊኹም፡ ኣብ ሓደ ስመሩልና እሞ ሓድነት ፍጠሩልና እሞ ኩላህና ሓቢርና ዕላማና ክንሃርም። ኩሉ ተጋዳላይ ጢዒሙዎ ዘሎ ከይመስለኩም፡ ኩሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዒሙዎ ዘለኦ ከይመስለኩም፡ ህዝቢ ዘጣቕዕ ፈትዩ ከይመስለኩም( ፈቲኽን ዲኽን ንጉስ ትምርቓ ኮይኑዎዩ)ኣታ በጃኹም ሓደ መዓልቲ ኣብ ኤርትራ ዑደት እንተትገብሩ ገና ኣብ ኣስመራ ከይወጽእኩም እንከለኹም ኩሉ ምበራሃልኩም። ከምእትነብዑውን ርግጸኛ’የ። ሰብ ተዋሪዱ እዩ ዘሎ። በጃኹም ሕብረት ንግበር። ኢሰያስ ነዚ መዝሚዙ ከምዘይንሓብር፡ ሓው ንሓው ከዝተቐራሓነ ፈልጡ እዩ ኒዒቑና ዘሎ። ብጅኹም ብጃኹም ኩላትና ኤርትራውያን ብሓደ ድምጺ “ሳቮያ ንውድቀት ኢሰያስ!” ኢልና ንጀምር፡ ድሕሪኡ ዘሎ ኣብ ሃገር ዘለና ናይ ሓደ መዓልቲ ምሕንጋድ ንኢሰያስ ትኣኽሎ እያ። ብሓቂ ብሓቂ ይብልኩም ኣለኹ ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ሞቱ ክንሰምዕ ኢና። እዚ ዎደሓንኩም፡ ሰላም ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ።

  • HABTE November 22, 2013

    I don’t know who you guys are but the article you posted doesn’t make sense at all here is why
    1.The main cause of all the miseries of our people is the mafia regime that is on power and you are trying to shift the focus of Eritrean people on fighting this regime to side issues of demehet. We Eritreans first and for most must get rid of this mafia to liberate ourselves from all injustice committed.
    You on the other hand are knowingly or unknowingly fuming hatred towards the next door people.Our people haven’t seen any justice since the arrival of EPLF/PFDJ. For the last twenty two plus years people have been disappearing not to heard again,people have been thrown to prison for no reason at all the youth have been running to escape the in-justice rule of the regime, mothers and our elder fathers have been disrespected and made to pay with there lives the suffering and all this destruction of our nation and culture is because of this mafia regime and our focus and struggle should be on this regime.
    When our sisters were being raped in sawa by this evil regimes officers was any justice served? A rape is a rape weather it is by foreigner( demehet ) or by an Eritrean the same justice should be served but your article is focusing on the foreigner side and leaving the locals out of the loop.By fuming hate no one is to benefit to gain our rightful justice we must and should get rid this mafia regime.Once we get rid of this regime all the bad doings of demehet will disappear with regime.
    Cheers

  • burthie November 22, 2013

    Hade sgr alena sle zynqetatel kea iyu ftewu tslu

  • burthie November 22, 2013

    Nsom zykonu bedelegnatat nhna ena intay ntsbe alena.Nhaftey tkun deqey kemu ygberwen htyt(bullet)intay tseh bailey kriyom .bret ab edka inahalewe belu qurub hferu anne rgtsegna iye bret lomi ab fqedu iyu zello.

  • WediHzbiEri November 23, 2013

    You guys need to take it by yourself, you have all space and it is infront of you, why don’t you take neccessary action, why you expect from people living in a lafish countries. you have the guns and everything on your hand,
    what will come if you wait is, it will come for your lives, you need to take real action against those criminal DEMHit and HGDFs

  • Michael Tedla November 23, 2013

    Demhit are raping our beloved presous daughters.One think i know demhit you will pay for it.you and esayas also those pupets it is long eritrean will go in vain.your days are nubered i know whay esasyas is doing becuse nobody will come to his rescue so hi is now actig becuse is heart he will be hunged in front of those love ones ordered to kill.i hate esayas evil person bellieve me you will be cought.

  • MightyEmbasoyra November 23, 2013

    This is very sad and we don’t seem to understand it very well either. I was expecting this article to generate > 100 comments easily.
    People, don’t you get it? This is very serious matter.

Post a Reply to MightyEmbasoyra Cancel Reply