ሓርበኛ ኣቦና መሓመድ ዑመር ሃኪቶ ኣብ መበል 90 ዓመቶም ዓሪፎም።
ንመሰል ርእሰ ውሳኔን ሃገራዊ ናጽነትን ኤርትራ ዝተቓለሱ ሓርበኛ ኣቦና መሓመድ ዑመር ሃኪቶ ኣብ መበል 90 ዕድሚኦም ብ21 ጥቅምቲ ኣብ ትውልዲ ዓዶም ኣብ ዓሰብ ዓሪፎም። ንሶም ኣብዚ መወዳእታ እዋናት ብሕማም ኵሊት ይሳቐዩ ከምዝነበርይ ይንገር። ኣቦና መሓመድ ዑመር
ንመሰል ርእሰ ውሳኔን ሃገራዊ ናጽነትን ኤርትራ ዝተቓለሱ ሓርበኛ ኣቦና መሓመድ ዑመር ሃኪቶ ኣብ መበል 90 ዕድሚኦም ብ21 ጥቅምቲ ኣብ ትውልዲ ዓዶም ኣብ ዓሰብ ዓሪፎም።
ንሶም ኣብዚ መወዳእታ እዋናት ብሕማም ኵሊት ይሳቐዩ ከምዝነበርይ ይንገር።
ኣቦና መሓመድ ዑመር ሃኪቶ፡ ኣብ ሓምሳታት ኣባል ባይቶ ኤርትራ ዝነበሩ ኮይኖም፡ ብልቦናኦም፡ ቕንዕናኦምን ትብዓቶምን ዝልለዩ እዮም ነይሮም። ፈደረሽን ኤርትራ ብሓይሊ ዘውዳዊ ስርዓት ሃይለስላሴ ክፈርስ ከሎን ባንዴራ ኤርትራ ክትወርድ ከላን ነቲ ስጉምቲ ብጋህዲ ካብ ዝተቓወሙ ሓርበኛታት ኤርትራውያን ኮይኖም፡ ብሰሪ ተቓውሞኦም ንማእሰርትን ግፍዕታትን ተቓሊዖም፡ በቶም ንስርዓት ሃይለስላሰ ተማእዚዞም ንሕብረት ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝደገፉ ኣባላት ማሕበር ኣንድነት ከምዝተሃድኑ ‘ውን ይንገር።
ሓርበኛ ኣቦና መሓመድ ዑመር ሃኪቶ፡ ንስርዓት ህግደፍ ‘ውን ብነቐፌታዊ ዓይኒ ይርእዩዎ ከምዝነበሩ ይግለጽ።
ኣሰና ብሞቶም ዝተሰምዓ ሓዘን እናገለጸት መንግስተ ሰማያት የውርስኩም ትብል።
Alem Habte Nega November 9, 2011
RIP Dear Eritrean Father!
He was the icon of Bravery of his era. it’s his brave sacrifices that yielded the Eritrean army struggle which eliminated the cruel Ethiopian Tiptoes one after the other. He will be remembered for ever!