Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓልዮት ካልኦት ኣህዛብ ዘይብሉ ፍቕሪ ህዝቢ ኤርትራ ክህልዎ ኣይኽእልን’ዩ!!

ክቡራት ኣንበብቲ ብቀዳምነት ዕዙዝ ልባውን ሕውነታውን ሰላምታይ ተቐበሉ። ብምቕጻል ናይ ሎሚ ትሕዝቶ ጽሑፈይ ብ2003 ምስ ሓደ ካብ ክልተ ወለዱ ተጋደልቲ ህ/ግንባር ዝነበሩ ዝተወልደን ኣብ ውሽጢ እቲ ኣእምሮ ደቂ ሰባት ዝብርዝ ሕሱም ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዝዓበየን መትከል

ክቡራት ኣንበብቲ ብቀዳምነት ዕዙዝ ልባውን ሕውነታውን ሰላምታይ ተቐበሉ።

ብምቕጻል ናይ ሎሚ ትሕዝቶ ጽሑፈይ ብ2003 ምስ ሓደ ካብ ክልተ ወለዱ ተጋደልቲ ህ/ግንባር ዝነበሩ ዝተወልደን ኣብ ውሽጢ እቲ ኣእምሮ ደቂ ሰባት ዝብርዝ ሕሱም ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዝዓበየን መትከል ተ/ሚካኤል ዝተባህለ ተመሃራይ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ነበር ብዝገበርክዎ ዕላል’የ ክጅምር። ብ2002-2003 ገባቲ ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ጅምላዊ ማእሰርትን ጭፍጨፋን ዘካየደሉ እዋን ምዃኑ ይዝኸር። እቶም ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ድሕሪ ክንደይ ባርባራዊ ስቕያትን ግፍዕታትን ምስ ተፈትሑ፡ መብዛሕቶም ናብ ስደት ብፍላይ’ውን ንኢትዮጵያ ክውሕዙ ከም ዝተገደዱ ካብ ማንም ስውር ጉዳይ ኣይኮነን። መትከል ተ/ሚካኤል ከምቶም ኩሎም ክስደዱ ዝተገደዱ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብ2003 ብከባቢ ጾሮና ኣቢሉ፡ ናብ ኢትዮጵያ ገርሁስርናይ ኣብ ዝተባህለት ዓዲ ኣተወ። ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ህዝብን ፖሊስን ሚልሽያን ኢትዮጵያ እቲ ቅኑዕ ፖሎቲካዊ መስመር ውድቦም ብዝዓደሎም ንመትከል ተ/ሚካኤል ብጽቡቕ ተቐበልዎ። ኣብቲ እዋን’ቲ ካብ ኤርትራ ዝመጹ ስደተኛታት ብሓፈሻ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ከኣ ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ዝጥርነፍሉ ግዜ’ዩ ነይሩ። መትከል ተ/ሚካኤል ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወሉ ሰሙናት ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ብመንገዲ ጾሮና ገርሁስርናይ ዝኣትውሉ ኩነታት ስለ ዘይነበረ ፖሊስ ናይቲ ከባቢ ንበይኑ መኪና ኣዚዞም ናብ ከተማ ኣኽሱም ክሰድዎ ስለ ዝይኸኣሉ ስሙን ዝኸውን ኣብኡ ክጸንሕ ዘገድድ ኩነታት ተፈጥረ።

ናይ ኣጋጣሚ ጉዳይ ኮይኑ፡ ምስ ገለ ብጾተይ መኪና ሒዝና ብውድባዊ ስርሓት ንገርሁስርናይ ዘንቀሳቐስ ምክንያት ብምንባሩ፡ ምስቶም ፖሊስ ናይቲ ከባቢ ምውቕ ሰላምታ ብድሕሪ ምልውዋጥ ናብ ዘምጽኣና ጉዳይ ዕላልና ቀጸለ። ጉዳይና ብድሕሪ ምውዳእ መትከል ተ/ሚካኤል ዝተባህለ ተመሃራይ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ካብ ኤርትራ ካብ ዝመጽእ ምሳና ሰሙን ገይሩ ኣሎ። ንበይኑ መኪና ክንእዝዘሉ ስለ ዘይኸኣልና ናብ ከተማ ኣኽሱም ክትማልኡልና ክብሉ ብትሕትና ሓተቱና። ብወገና’ውን ቤት ጽሕፈትና ኣብ ከተማ ዓድዋ ብምንባሩ፡ ኣብኡ ድማ ህጹጽን ኣገዳስን ስራሕ ስለ ዘለና፡ ምሳና ሓዲሩ ንጽባሒቱ ከተማ ኣኽሱም ከነብጽሖ ዝኾነ ይኹን ጸገም ከም ዘይብልና ምስ ሓበርናዮም ብሓሳብና ተሰማሚዖም ጉዕዞና ጀመርና። ካብ ገርሁስርናይ ክሳብ ከተማ ዓድዋ ንበጽሕ ምስ መትከል ተ/ሚካኤል ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳይ ዝሓዝናዮ ዕላል ምስቲ ኣብ ሳሕል ምውላዱን ኣብቲ ብጀካ እከይ ጽልእታትን ቅርሕንትታትን እንተዘይኮይኑ ፍቕሪ ዘይዝርኣሉ ዓዲ ህግደፍ ምዕባዩን ብምዝማድ ክዕዘብ ከለኹ፡ ፖሎቲካዊ ንቅሓቱን ብስለቱን ካብ መጠን ንላዕሊ እናመሰጠኒ መጸ። ከተማ ዓድዋ ከባቢ ሰዓት 7.30 ኣጋምሸት ኣቲና ቁሩብ ኣዕሪፍና ድራር ምስ በላዕና ሰዓት 8.30 ነፍስሄር ኣቶ መለስ ዜናዊ ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ቃለ-መጠይቕ ክገብር ብመስኮት ቴለቪዥን ጠበቕ በለ። መትከል ተ/ሚካኤል ነቲ ነፍስሄር ኣቶ መለስ ዜናዊ ዘካይዶ ዝነበረ ቃለ-መሕትት ዓቢ ትኹረት ሂቡን ተመሲጡን ይኸታተሎ ነበረ።

ድሕሪ’ቲ ቃለ-መጠይቕ ምውድኡ መትከል ተ/ሚካኤል ምስቲ ዝነበሮ ትኩረትን ዓቢ ኣገዳስነትን ሚዛኑ ንምፍላጥ ከመይ ረኺብካዮ ብዝብል ሕቶ ቀረብኩሉ። መትከል ተ/ሚካኤል ርእሱ እናነቕነቐ ኣብ ልዕሊ ነፍስሄር ኣቶ መለስ ዜናዊ ዘለዎ ዓቢ ኣድናቆት ብዘየውላውል ቃላት ገለጸለይ። ኣስዒቡ ነዚ ሽዱሽተ ሚልዮን ዘይመልእ ህዝቢ ኤርትራ ምምሕዳሩ ስኢኑ ብሓርጭን ብኩዖን እናተዛረበ ፋሕ ብትን ክንብል ዝገብር ዘሎ ገባቲ ኢሳይያስ መራሒ ሃገር ይበሃል ይኸውን በለኒ። ብርግጽ ሕማቕ ዕድል ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ደኣምበር ገባቲ ኢሳይያስ ብሓርጭን ብኩዖን ዝምድር፡ ትማሊ ዝተዛረቦ ዘረባ ንጽባሒቱ ዘይደግም መራሒ ሃገር ብምባል ክትቕበሎን ክትሕበነሉን ዘጉሂ’ዩ በልክዎ። ካብ ብጣዕሚ ዘገረመኒ ድማ ብስለትን ህዝባዊ ሓልዮትን ናይ መትከል ተ/ሚካኤል ካልኣይ ሕቶ ምስ ኣስዓብኩሉ ዝሃበኒ መልሲ ነበረ። ገባቲ ኢሳይያስ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ነፍስሄር ኣቶ መለስ ዜናዊ ድማ ኣብ ኤርትራ መራሕቲ እንተዝኾኑ’ዶ ምሓሸ ነይሩ? ዝብል ሕቶ ኣቕረብክሉ። መትከል ተ/ሚካኤል ኩሉ ኣህዛብ ጽቡቕ ክረኽብ ምብሃግ ቅኑዕ ልቦናን ሕልናን ናይ ዘለዎ ፍጡር’ኳ እንተዘይኾነ፡ ካብ ወረደ ግን እንቋዕ ኩላትና ሓደ ኣይመሰልና ዝብል ምላሽ ሃበኒ። ብወገነይ ካብ ሚእቲ ሚልዮን ዝኣኽል ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝብደል ሽዱሽተ ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ክብደል ይሓይሽ ክብል ብምሉእ ዕግበትን ድፍረትን ክምልሽ ኣይሰግአን። ካብ ሓደ ኣብ ሳሕል ተወሊዱ ኣብ ሕምብርቲ ጽልኢ እንተዘይኮይኑ ፍቕርን ሓልዮትን ህዝቢ ኣብ ዘይዝርኣሉ ዓዲ ህግደፍ ዝዓበየ መንእሰይ ከምዚ ዓይነት ፖሎቲካዊ ብስለትን ህዝባዊ ሓልዮትን ምዕዛብ ብጣዕሚ ካብ ዘኩርዕ ንቁሕ ኣተሓሳስባ’ዩ። ብርግጽ ኣብ ግርማይ ወዲ ፊሊፖን መሰልቱን ከምዚ ዓይነት ህዝባዊ ኣረኣእያ፡ ስምዒትን ሓልዮትን ምርካብ ፍጹም ዝሕሰብ ኣይኮነን። ምክንያቱ ድማ ካብ ገባቲ ኢሳያይስ ዝተፈልየ ፖሎቲካዊ ራእይን ባህርያትን ፍጹም ስለ ዘይብሎም።

ገባቲ ኢሳይያስ 1994-1998 ኣብ ዘሎ እዋን ጥራይ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት በብእብረ ኣዕናዊ ኲናትን ወራርን ኣብ ዝካየደሉ ግዜ፡ ብውጽኢቱ ክንደይ ኤርትራዊ ክቡር ሂወቱ ዘይሰኣነን ኣብ ዝተፈላለየ ጸገማት ዘይወደቐን። ብተመሳሳሊ ኣብ ባድመ ሃንደበታዊ ኲናትን ወራርን ምስ ኣካየደ ብውጽኢቱ ክቡር ሂወት ብኣሽሓት ዝቁጸሩ መንእሰያት ምቁጻዩን ምስጓግ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ምስዓቡን ይፍለጥ። ናይዚ ኩሉ ጠንቕን ተሓታትን ገባቲ ኢሳይያስ ምዃኑ ልዕሊ ሰቡ እናፈለጠ ከሎ፡ ካብ ዝፈጸሞ ታሪኻዊ በደላት ብምህዳም፡ ንህዝቢ ኤርትራ ንምድንጋር፡ ምብራዕ ኲናት ባድመ ይኹን ብውጽኢቱ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘጋጠመ ዝተፈላለየ በደላት ንህወሓት ኢህወደግ ተሓተቲ ንምግባር ብተደጋጋሚ ክዝምር ይስማዕ። ግርማይ ወዲ ፊሊፖን መሰልቱን ካብ ገባቲ ኢሳይያስ ዝተፈልየ መዝሙር ክህልዎም ስለ ዘይኽእል፡ ንጠንቂ ኲናትን ወራርን ንጎኒ ገዲፎም ብሳዕቤናቱ ክግዕሩ ይስምዑ። ካብቲ ብኣዕናዊ ኲናትን ወራርን ገባቲ ኢሳይያስ ዝጠፍአ ብኣሽሓት ዝቁጸር ክቡር ሂወት መንእሰያት ንላዕሊ ብምስጓግ ዜጋታት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ጥራይ ብዝያዳ ዝሓሙ ክመስሉ ይፍትኑ። ኩሉ ብውጽኢት ኲናትን ወራርን ገባቲ ኢሳያይስ ዝተኸሰተ ምዃኑ ክእምኑ ኣይደልዩን’ዮም።  ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ውሽጢ ክልቲኡ ኣህዛብ ዝተፈጸመ ጌጋን በደላትን ሚዛናዊ ብዝኾነ መንገዲ ከቕርቡ ፍጹም’ውን ኣይተዓደሉን። ኣብ ኤርትራ ብገባቲ ኢሳይያስ ካብ ምስጓግ ዜጋታትና ዝኸፍአ ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ሲቪል ዜጋታት ኢትዮጵያ ብፍላይ’ውን ትግራዎት ብሓለንጊ ፋሽስቲ ዝተጨፍጨፉን ክሳብ’ዚ ዕለት’ዚ ድማ ሂወቶም ዝተሰወሩ ኣይንታዮምን’ዩ። ከምኡ’ውን ክሳብ’ዚ እዋን’ዚ ሂወቶም ኣበይ ምህላዉ ዘይፍለጡ ምሩኻት ኲናት ከም ዘለዉ ከልዕልዎ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን። ብሂወት ምሩኻት ኲናት ጂቡቲ ክጣበቑ’ውን ኣይመርጹን’ዮም። ስለ ምንታይ? ንዝብል ለባም ሓታታይ ፍቕርን ሓልዮትን ኩሎም ኣህዛብ ካብ ዘይምዕዳል ዝምንጩ ምዃኑ ዘማትእ ጉዳይ የብሉን።

 

ሓደ ፖሎቲካዊ ውድብ ኣብ መስርሕ ጉዕዝኡ ንዝፍጽሞ ጌጋን በደላትን ብትብዓት ዝቕበል ክሳብ ክንደይ ደሞክራስያዊ ኣተሓስስባን ባህርያትን ከም ዘለዎ፡ ከምኡ’ውን ብቁዕን ብሱልን መሪሕነት ከም ዝውንን’ዩ ዘርኢ። ምስጓግ ዜጋታት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ብርግጽ ብውጽኢት ወራር ኢሳይያስ ዝተፈጥረ ክስተት ምዃኑ ዘጠራጥር የብሉን። ይኹን ደኣምበር ህወሓት ኢህወደግ ንሕና’ውን በቲ ግጭት ዝደፍኦ ርሱን ግዝያዊ ስምዒታት ተደሪኽና ጌጋ ፈጺምና ኢና ብምባል ርእሰ ነቐፌታ ከም ዝገበሩ ታሪኽ ባዕሉ ዓቢ ይምስክር’ዩ። ብድሕሪ’ቲ ተባዕ ርእሰ ነቐፊታ ምክያድ ድማ ካብ ኢትዮጵያ ዝተሰጎጉ ዜጋታት ኤርትራ ተመሊሶም ገንዘቦም ይኹን ንብረቶም ክውስዱ፡ ተባዕ ዝኾነ ፖሎቲካዊ ውሳኔታት ብምውሳድ፡ ብግብሪ ተግባራዊ ይገብርዎ ከም ዘለዉ ምኽሓድ ዝኸኣል ኣይኮነን። እዚ ፖሎቲካዊ መስመሮም ብዝዓደሎም ኣብ ህዝቢ ካብ ዘለዎም ፍቕርን ሓልዮትን ዝብገስ ደኣንበር ንማንም ንምሕጓስ ወይ ብዝኾነ ጸቕጥታት ዝገብርዎ ፍጻሜ ዘይምዃኑ ርእሰ ግሉጽ ሓቂ’ዩ። ከምዚ ዓይነት ተባዕ ርእሰ ነቐፌታን ህዝባዊ ሓልዮትን ኣብ ዓዲ ገባቲ ኢሳያይስ ይኹን ኣብ መብዛሕቱ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራን ግርማይ ወዲ ፊሊፖን ክትረኽቦ ኣይሕሰብን’ዩ። ገባቲ ኢሳይያስ ጸረ ደሞክራሲ ፖሎቲካዊ ስልጣን ካብ ዝጭብጥ ኣትሒዙ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ እናዕነወን እናበተነን ከሎ ሓንቲ መዓልቲ ኩሉ ፖሊሲታቱ ግጉይ ምዃኑ ክኣምን ድልውነት ኣርእዩ ኣይፈልጥን’ዩ። ብተመሳሳሊ’ውን ኣብ መብዛሕቱ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ተባዕ ርእሰ ነቐፌታ ምግባር ዝተለመደ ባህርን ጸጋን ኣይኮነን። ግርማይ ወዲ ፊሊፖን መሰልቱን ድማ ብዘበነ ውቤ ዝጸመመስ ውቤ ክብል ይነብር ከም ዝብሃል፡ መዝሙር ኢሳይያስ እናደገሙ፡ ቅርሕንትን ጽልእታትን ክነዝሑ ምስጓግ ዜጋታት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ከኳማስዑ ጸሓይ ይዓርቦም። ኣብዚ እዋን’ዚ ነቲ ኩሉ መዳያዊ ግፍዕታትን ዓፈናታትን ገባቲ ኢሳይያስ ኣንገፍጊፍዎ ሂወቱ ዓሚኹ ዶብ ተሳጊሩ ዝመጽእ ዘሎ ህዝብና ህወሓት ኢህወደግ ዝገብርዎ ዘለዉ ሰናይ ሕውነታዊ ኣቐባብላን ንመንእሰያት ዝህብዎ ዕድል ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርትን ብኣውንታ ክርእይዎ ኣይተዓደሉን። ምክንያቱ ድማ ህዝባዊ ሓልዮትን ወገንነትን ስለ ዘይብሎም ጥራይ’ዩ።

 

 

ግርማይ ወዲ ፊሊፖ ኣብ ጉዳይ ልዕላውነትን ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ብዝምልከት ከምቲ ናቱ ተመሳሳሊ ፖሎቲካዊ መርገጽ ክሕዝ ዕድመ ኣቕሪቡለይ ኣሎ። ነቲ ዘቕረበይ ዕድመ ተቐቢለ ከምቲ ናቱ ተመሳሳሊ ፖሎቲካዊ መርገጽ ክሕዝ ምስ ዘይኽእል ግን ነቲ ኩሉ ግዜ ዝሕበነሉ ኤርትራዊ ዜግነተይ መንጢሉ ኢትዮጵያዊ መንነት ክልጥፈለይ ምዃኑ ኣነጺሩ ኣሎ። እዚ ፖሎቲካዊ የዋህነት ድዩ ወይስ ፖሎቲካዊ ዕሽነት ክጽዋዕ? ብርግጽ ካብቲ ኣዝዩ ዝገርም ግርማይ ወዲ ፊሊፖን መሰልቱን ዓቕሞም ይኹን ክእለቶም ዘይምፍላጥ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብዚ ምዕቡል ዘመን’ዚ ኣብ ዓዲ ደሞክራስን ፍትሕን ንዓመታት እናተቐመጡ፡ ካብቲ ዝነብርሉ ቅንጣብ ክምሃሩ ስለ ዘይኽእሉ ክብርን መሰልን ደቂ ሰባት ክነፍጉ ኣይሓፍሩን’ዮም። ብዝኾነ ካብ ገባቲ ኢሳይያስ ወይ’ውን ካብ ግርማይ ወዲ ፊሊፖን መሰልቱን ዝወሃብ ወይ ዝንፈግ ዜግነትን መንነትን ከም ዘይህሉ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ብንጹር ከብርህ ይፈቱ። እንተ ነቲ ብሚዛኑ ኣብ ጉዳይ ልዕላውነትን ሓድነት ህዝብን መሬትን ምስኡ ተመሳሳሊ ዝኾነ ፖሎቲካዊ መርገጽ ክሕዝ ዘቕርበለይ ዕድመ ብዝምልከት፡ ከምቲ ናቶም ካብ ዕለት ንዕለት ዝቕየርን ዝገላበጥን ርእይቶ ከም ዘይብለይ የረጋግጽ። ካብኡ ንላዕሊ ግን ንገባቲ ኢሳያይስ ፖሎቲካዊ ዋንጫ ንምዕታር ብግርማይ ወዲ ፊሊፖን መሰልቱን ኣብ ዝቕርብ መኣዲ ዝቋደስ ሕልና ከም ዘይብለይ የነጽር።

 

ደጊመ ርእይቶይ ብዝተነጸረ መንገዲ ንምቕማጥ ዝኣኽል፡ ህወሓት ኢህወደግ ካብ ዝተመስረትሉ እዋን ኣትሒዙ ክሳብ’ዚ ዕለት’ዚ ኣብ ነጻነትን ልዕላውነትን ኤርትራ ፍጹም ዝተቐየረ ፖሎቲካዊ መርገጽ ከም ዘይብሎም ብጽንዓት ይኣምን። ህወሓት ኢህወደግ ብጀካ’ቲ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኤርትራ ብምስላፍ ዝኸፈልዎ ረዚን መስዋእቲ፡ ኤርትራ ነጻን ልዕላዊት ሃገርን ምዃና ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ብግብሪ ዘረጋገጸ ተባዕ ፖሎቲካዊ ሓይሊ ምዃኑ ዘጠራጥር የብለይን። ካብዚ ጽኑዕ እምነት’ዚ ብምብጋስ ድማ ህወሓት ኢህወደግ ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራ ደኣምበር ፍጹም ጸላእቱ ዘይምዃኖም ደጊመ ደጋጊመ የረጋግጽ። ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ውዲቕዎ ዘሎ ሓደጋ ብርሰትን ምብትታንን ገባቲ ኢሳይያስ ብምንጋፍ፡ ኣብ ልዕሊ መቓብር ጨቋኒ መንግስቲ ህግደፍ ቅዋማዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ዘይሕለል ቃልሲ ብክንድ’ቲ ዓቕሞም ዘፍቕዶ ሕውነታዊ ምድግጋፍ ይገብሩ ምህላዎም ይኣምን። ኣብዚ ህሞት’ዚ ንልዕላውነትን ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ስግኣትን ሓደጋን ዝኾኑ ዘለዉ ህወሓት ኢህወደግ ወይ’ውን ጎረባብቲ ሃገራትን መንግስቲ ኣሜርካን ዘይኮኑስ፡ ንስለ እቲ ሓቂ ኣብ ውሽጢ ዜጋታት ኤርትራ ብግብር ዘንጸባርቕ ዘሎ ግጉይ ኣተሓሳስባ፡ ዘቤታዊ ድኽመታትን ኣዕናዊ ፖሊስታትን ከም ዝኾነ ብንጹር ኣገባብ ምዝርዛሩ ሕልናውን ዜግነታውን ግዴታይ ደሪኹኒ እንሆ በዚ ዝስዕብ የቐምጦ።

 

  1. ኣብዚ እዋን’ዚ ብቀዳምነት ንልዕላውነትን ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ብስግኣትን ሓደጋን ዝግለጹ እቶም ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝብትኑን ዘብርሱን ዘለዉ ገባቲ ኢሳይያስ፡ ጨቋኒ ስርዓቱን ሰዓብቲ ህግደፍን ’ዮም። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ህሞት’ዚ ብጀካ ገባቲ ኢሳይያስን ስርዓቱን ካልእ ጸላኢ የብሉን።
  2. እቲ ዝተወደበ ፖሎቲካዊ ሓይልታት ወይ ደምበ ተቓውሞ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብክንድ’ዚ ዝእኽል ናህሪ እናበረሰን እናተበታተነን ከሎ፡ በቲ መሪር ውድዕነት ዝሓቶ ታሪኻዊ ሓላፍነቱ ክብ ብምባል ብቀዳምነት ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ክቃለስ ብዘይምብቕዑ ካብ ተሓታትነት ሓራ ኣይኮነን። ስለዚ በዚ ዘለዎ መልክዕ ኣገባብ ቃልሲ ክቕጽል ምስ ዝመርጽ ንልዕላውነትን ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ስግኣትን ሓደጋን ምዃኑ ኣይተርፎን’ዩ።
  3. እዚ ሎሚ ኣብ መድረኽ ብግልጺ ዘንጸባርቕ ዘሎ ትግራይ ትግርኚ ወይ ኣንድነት ዝብል ጉጉይ ኣተሓሳስባ ብግብሪ ንልዕላውነትን ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ዝጎዛዚ ጭቡጥ ስግኣትን ሓደጋን’ዩ።
  4. ንብዙሕነትን ግርማን ህዝቢ ኤርትራ ዝጻረር፡ ንገለ ብሄራት፡ ሃይማኖታት፡ ኣውራጃታት፡ ካብኡ ንታሕቲ መበቆልን መንነትን ዘነኣእስ ብትምክሕቲ ዝግለጽ ወይ ብኣንጻሩ ብጸቢብነት ዝሰራሰር ኣተሓሳስባታት ንልዕላውነትን ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ዝኸፍአ ስግኣትን ሓደጋን’ዩ። ግርማይ ወዲ ፊሊፖን መሰልቱን ካብዚ ዘርኣዊ ኣተሓሳስባ’ዚ ነጻ ዘይምዃኖም’ዩ ዝረጋገጽ። ምክንያቱ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣሜርካን ካብ 5-7 ዓመት ዜግነት ክወስዱ መሰል ከም ዘለዎም እናሞጎቱ፡ ኣብ ኤርትራ ተወሊዶም ጭቓ ኣቆጢዖም ንዝዓበዩን ንልዕሊ 50 ዓመታት ንዝተቐመጡን ወደባትን ዘይወደባትን ብዝብል ዘርኣዊ ኣተሓሳስባ ክፈላልዩ ስለ ዝሕልኑ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ግርማይ ወዲ ፊሊፖን መሰልቱን ንካልኦት ኣህዛብ ክብሪ ዘይህቡ ሓለይቲ ወይ’ውን ተጣባቒቲ ህዝቢ ኤርትራ ክመስሉ ምፍታን ከንቱ’ዩ። ኤርትራዊ ፍሉይ ፍጥረት እናወሰዱ፡ ትግራዋይ ከም ዝተሓተ ፍጥረት እናረኣዩ፡ ወዲ ትኹል ኣምሓራይ ኣድጊ እናበለ ክደርፍ እናተባብዑ ይትርፍ ሓለይቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ክኾኑ፡ ፍቕርን ሓልዮትን ህዝቢ ኤርትራ ዘይብሎም ምዃኖም’ዩ ዘመላኽት።

 

ኣብ መደምደምታ ካብቲ ኣብ ውሽጥን ደገን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ለውጢ ከረጋግጽ ኣይኽእልን’ዩ፡ ኣብ ኤርትራ እንተፈትዩ ለውጢ ከረጋግጽ ዝኽእል ገባቲ ኢሳያይስ ጥራይ’ዩ፡ ብምባል ዝፍለጥ ፈላስፋ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ዝተፈላለየ መርበብ ሓበሬታታት ብትምክሕቲ ዝተነድሐ ጽሑፍ ምስ ኣንበብኩ ብዛዕብኡ ገለ ከይበልኩ ክሓልፍ ሕልናይ ኣይፈቐደለይን። ጃህራን ፈኸራን ንገባቲ ኢሳይያስ ኣይጠቐመን። ገባቲ ኢሳይያስ ብዶብ ኣመሳሚሱ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ኣባርዐ ካብ ባድመ ወጻእና ማለት ጸሓይ ዓሪባ ዘይምምላስ ማለት’ዩ፡ እቲ ኲናት ኣብ ባድመ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ መቐለ ክንምሳሕ ንኽእል ኢና ኢሉ ይጅሃር ምንባሩ ይዝኸር። ኣብ ጽንብል በዓል ሃገራዊ ነጻነት 2017 ዝሃቦ መደርኡ ግን ማሕበረ ሰብ ዓለም ልዕልነት ሕጊ ኣኽቢሩ ብኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተወሰነ ልዕላዊ መሬትና ከረኽብና ይምሕጸን ክብል’ዩ ተገዲዱ። እዚ ገባቲ ኢሳያይስ ካብቲ ዝነበሮ ብድዐን ጃህራን ክሳብ ክንደይ ነፊሱ ምህላዉ’ዩ ዘመላኽት። ኮይኑ ግን ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ትግራዎት ከም ንፉዓት ዝቁጸሩ ዘለዉ ንሕና ኤርትራውያን ስለ ዝሓመቕና ጥራይ’ዩ ክብል ዝጸንሐ ተመራማሪ ንፖሎቲከኛታት ትግራይ ምስ ገባቲ ኢሳይያስ ተሰሊፉ ካብ ትግራይ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ሓግሒጉ ከውጽኦም ብቕዓትን ሓይልን ከም ዘለዎ ገሊጹ ኣሎ። ገባቲ ኢሳይያስ ኣብ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ዘይተሳዕረ፡ ብኣንጻሩ ንክንደይ ጀረናላት ከም ዘብኸዮም ክገልጽ’ውን ሕፍር ኣይበለን። ብቕዓትን ሓይልን እንተዝህሉ ደኣ ካብ ባድመ ምውጻእ’ዶ ኣይምቐለን ነይሩ። ብዝኾነ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ብዘይቀለዓለም ከምቲ ትምክሕቲ ኣደ ውድቀት’ያ ዝበሃል ሓደ ካብቲ ንጭቡጥ ወድቀትና ምክንያት ኮይኑ ዘሎ ሓሶት፡ ትምክሕቲ፡ ጃህራን ፈኸራን ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ ክብል ይደፍር። እዚ ንገባቲ ኢሳይያስ ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነስ፡ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ነብሱ ክፍትሽ ይምሕጸን።

 

ንቡር ዝምድና ኣህዛብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዘለኣለም ክነብር’ዩ!!

 

ምስ ሰናይ ትምኒት

 

ነፀረኣብ ኣስመላሽ

16 ሰነ 2017

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Nahon June 19, 2017

    Selamat ነፀረኣብ

    Your article defends ህወሓት and ኢህወደግ on certain issues we Eritreans usually view with considerable suspicion. But allow me to tell you this:

    – ህወሓት was and is still is, an active player in Eritrean internal politics and its role was not always good.

    – Although Ethiopia allowed different Eritrean opposition groups to work in Ethiopia, practically there is very little they can do, because only the ethnic based get proper attention and some help.
    Others which have a relatively large and diverse base, have their offices closed or sidelined.

    – Regarding some Eritreans of Ethiopian origin, anyone who was born and raised in Eritrea and chose to be Eritrean is a citizen like everyone else. But let us speak openly about this, there is also an element who hates Eritrea. Are you telling me someone like Fessehazion is a proud Eritrean ?. There are many like him although less noisy.

    – If the Weyane really want help the people of Eritrea let them help large opposition groups who have national agenda and look like Eritrea. Till now these groups are not even allowed to operate near Eritrean borders, giving different excuses.

    -Ethnic based groups and others with political agendas similar to that of Weyane, will not be accepted by Eritreans because the reality in Eritrea is different. The two countries may have many things in common but they cannot share ethnic federalism, because it cannot be implemented in Eritrea.

  • ሃብታይ June 19, 2017

    ነዚ ሓራዲ ጎማዲ ቀንዲ ጸላኢ ሕዝቢ አሪትራስ ዓቢ መራሒ ኢልኩሞ። ኣንታ ከመይ ኢልኩም ኢኹም ፈኺስኩም። ከዳዓት።

  • Bazen June 19, 2017

    Nahon writes, “ህወሓት was and is still is, an active player in Eritrean internal politics ”

    This is nothing new because the Hgdef Eritrean regime is even working harder to destabilize and fragment Ethiopia. The worst of all are the Arabs in the region working very hard with all the money and deceit they have to destabilize the Horn African region and to Arabize the area.

    In Eritrea, no outsider force or regime, should be allowed to interfere in our internal affairs, by burning our own languages, history and identity. No one would be allowed to Italianize, Arabize or Amharize our identity. Eritreans did not die to become Italian or Arab indentured slaves..

    Anyone who does not want to see Eritrean core identities and history respected, protected by law and nurtured need to find his own identity, either in Sudan, Ethiopia or Egypt….

  • Nahon June 20, 2017

    “No one would be allowed to Italianize, Arabize or Amharize our identity. Eritreans did not die to become Italian or Arab indentured slaves..”

    Bazen

    Selamat Teclay aka Bazen

    Regardless of whom, Arabs, Italians, Indians, Jews ..etc., in a normal situation, people exchange culture and live peacefully together.
    You cannot create an air tight borders to block external influences.
    There should be no forced assimilation, that should be avoided, at any cost. Other than that it’s very normal to take and give. Else without diversity the world would look monochrome.
    That is why the social engineering of Higdef and its intellectuals has caused damages difficult to reverse. It’s has created deep scars that cannot be easily healed.

    • Amba June 20, 2017

      what ? “You cannot create an air tight borders to block external influences.”

      It is true one can not live in a closed backward looking society but one does not need to hate his own languages and, history to live in an open and proud society. The Turks and the Swedish did not burn their own languages to legalize an alien language in order to borrow a second hand identity.
      I agree with Bazen’s assertion:
      “In Eritrea, no outsider force or regime, should be allowed to interfere in our internal affairs, by burning our own languages, history and identity. No one would be allowed to Italianize, Arabize or Amharize our identity. Eritreans did not die to become Italian or Arab indentured slaves.”

      • Nahon June 22, 2017

        Teclay aka Bazen/Amba

        There is nothing new here. You are against Arabic language in Eritrea, right ? Well, I am afraid I will disappoint you.
        If you want to de-legitimize Arabic, first you should start removing every Arabic word from Tigrigna and Tigre . That is where you should start cultural puritanism. That should be your first home work. Then close all borders with Arab world to avoid any contact with them and see if you can succeed.
        I think you should build a quarantine for yourself, because there are 22 countries who speak Arabic and their cultural output is huge, which is now being carried through the internet everywhere, else you want survive.

Post a Reply to Amba Cancel Reply