Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Updated: ሓለፍቲ ህግደፍ ገንዘብ እናገፈጡ ናብ ወጻኢ የስግሩ፣ ልዕሊ 60 ዝዕድሚኦም ወለዲ ናብ ታዕሊም ምስግዳድ ይቕጽል፣ ኣባይቲ ህዝቢ ዓዲ ቐይሕ ብሓይሊ ይፈርስ (ዜናታት ውሽጢ ሃገር ብ ግ.ሃ.ድ.ኤ.)

ዜናታት ውሽጢ ሃገር ኣስመራ፡ ኣብ ዘመን ውርውራ ነብስካ ኣይተዕብራ ዝበሃለሉ ኩነት ኣብ ኤርትራ ብኣባላት ህግደፍን መሳርሕቶምን ብቑሉዕ ይረኣ ከም ዘሎ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ። ምግፋጥ ንብረትን ገንዘብን ኣካይድካ ናብ ወጻኢ ምስዳድን፡ ከምኡ’ውን መነባቡሮኻ ኣደልዲልካን ኣውሒስካን

ዜናታት ውሽጢ ሃገር

ኣስመራ፡

ኣብ ዘመን ውርውራ ነብስካ ኣይተዕብራ ዝበሃለሉ ኩነት ኣብ ኤርትራ ብኣባላት ህግደፍን መሳርሕቶምን ብቑሉዕ ይረኣ ከም ዘሎ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ። ምግፋጥ ንብረትን ገንዘብን ኣካይድካ ናብ ወጻኢ ምስዳድን፡ ከምኡውን መነባቡሮኻ ኣደልዲልካን ኣውሒስካን ንምህዳምን ብብዙሓት ልሉያት ኣባላት ... ምቅርራብ ይኸይድ ካም ዘሎ ዝሕብሮ ሓያሎይ ምልክታት ኣብ ቃልዕ ይርአ ምህላዉ እቲ ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ። ብተወሳኺ ድማ፡ ብዙሓት ናይ ህግደፍ ናይ ጸጥታ ኣባላት ዝነበሩ፡ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ህግደፍ ኣብ ነንሕድሕዶም ተማቒሎሞም በብሓደ ወይውን በብ ክልተ ገይሮም ነጋዶ ኣምሲሎም ኣብ ምምሕልላፍ ገንዘብን ወርቅን ይጥቀምሎም ከም ዘለዉን፡ ካብ ሃገር ክወጹ ከለዉውን ስልጣኖም ተጠቒሞም ብዘይ ፍተሻ ከም ዝወጹ ገይሮም፡ እቲ ሒዘሞ ዝወጹ ገንዘብን ወርቅን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ተጠቒሞም ንብረት እናገዝኡ የዋፍርሙሎም  ምህላዎም ተረጋጊጹ። ብትካላት ናይ ስርዓት ... ዋላውን ንይምሰል፡ ነዚ ርኡይ ብልሽውና ዝቍጻጸር ይኹን ዝግደስሉ ኣካል ከም ዘየሉውን ተፈሊጡ።  ኣብ’ዚ ክጥቀስ ዝግበኦ፡ እቲ ዝወጽእ ዘሎ ብኪሎታት ዝግመት ወርቂ (Gold Bars) ናይ ኤርትራ ኮይኑ ካብ ሱዳን ከም ዝኣተወ ኣምሲልካ ናይ ሓሶት ናይ ቀረጽ ቅብሊታት ኣዳሊኻ ናብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ይሸየጥ ምህላዉ ተረጋጊጹ። ብተወሳኺ ናይዚ’ውን ንብረትን ኣባይትን ናይ መንግስቲ ዝበሃል ብውሽጢ ውሽጢ እናተሸጠ ይኹን ወይ ብስም ኣዝማድ ናይ’ቶም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እናተመዝገበ ናይ ምምሕዳር ትካላት ኩሉ ቦኽቢኹን ዓኒዩን ምህላዉ ተሓቢሩ። ካብኡ ሓሊፉ፡ ታርጋታት መካይን መንግስቲ ተመንዚዑ ናብዞም ናይ ኮንተሮባንዶ ሸቃጦ ይሽየጥ ከም ዘሎ’ውን እቲ ዝበጽሓና ዜና ብተወሳኺ ኣረጋጊጹ።

ምዕራብ ኤርትራ፡

ስርዓት ህግደፍ ስልጣን ካብ ዝሕዝ እትሒዙ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ከካይዱ ዝጸንሐ ናይ ምጽናት ፖሊሲኡ ጌና ብዝበኣሰ ኣገባብ ይቕጽሎ ምህላዉ ተፈሊጡ። ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ድሕሪ  ናይ ነዊሕ ዓመታት ናይ መንእሰያት  ናይ ኣስገዳድ ዕስክርና፡ ሕጂ’ውን ኣብ ልዕሊ  60ታት ዝዕድሚኦም ወለዲ፡ ንታዕሊም ብዝብል ምኽንያት ናብ ዲፋዓት ገጹ ይጓርቶም ምህላዉ ካብ ምዕራብ ኤርትራ ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ።  ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣቐዲሙ፡ ካባቢኹም ንምሕላው ክትበቕዑ ኣብ ትሕቲ ዝብል ምስምስ ብረት እዕጢቕዎም ከም ዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ፡ ሕጂ ግን ንታዕሊም ብምባል  ካብ ኩለን ዞባታት ብምእካብ  ናብ ከባቢ  ሽላሎ ፣ዓዲ ሃኪን፣ ማይ ቆቓሕ ብምዝርጋሕ፡ ናይ ደቆምን ደቂ ደቆምን ከይኣክል፡ ንነብሶም ኣብ ዘይሓሰብዎ ሃለዋት ኣቲዮም ምህላዎም ተፈሊጡ። ዕድል ናይ ምምላጥ ዝረኸቡ ከኣ፡ ብረቶም  ደርብዮም  ናብ ኢትዮጵያ  ይኹን  ናብ ሱዳን ከምኡ’ውን ንድሕሪት ንዓዶም ገጾም  ይሃድሙ ምህላዎም’ውን ተረጋጊጹ።  

ህዝቢ ኤርትራ፡ ዕድሚኡን ጾቱኡን ብዘይገደስ፡ ሃገሩ ራሕሪሑ ናብ ስደት ገጹ ሃጽ ክብል ዝድርኽ ዘሎ ስርዓት፡ ኤርትራ ህዝባ ክጸንትን መሬታ ክባድምን፡ መሪሕነት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብመደብ ተተሓሒዝዎ ዘሎ ውዴት ምዃኑን ከም ጸሓይ ቀትሪ በሪሁ ምህላዉ እናተረጋገጸ ይከይድ ኣሎ።

ዓዲ ቐይሕ፡

ኣብ ዝሐለፈ ሓጺ እዋን ዝዘርጋሕናዮ ናይ ውሽጢ ሃገር ዜና ተጠቒሱ ከም ዝነበረ፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ከም ኣመሉ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ርህራሄን ናይ ህዝቢ ሓልዮትን፡ ብዕለት 04/03/2015 ኣብ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ኣባይቲ ከፍርስ ጀሚሩ ምሃላዉን ብሰንኪ’ዚ ኢሰብኣዊ ተግባር’ዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ህዝብና ከቢድ ነውጽን ቅልውላውን ተፈጢሩ ምህላዉ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። ነዚ ተግባር’ዚ ብምቅዋም፡ ነባሮ ዓዲ ቀይሕ ብፍላይ ድማ ተመሃሮን መንእሰያትን ሎሚ ንግሆ ዕለት 05/3/2015 ኣብ ጎደናታት ብምስላፍ ምስ ሓይልታት ጸጥታን ሰራዊትን ኣብ ጥምጥም ኣቲዮም ምህላዎም እቲ ዜና ደጊሙ ኣረጋጊጹ። ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ድማ፡  ሰለስተ መንእሰያት ብጥይት ክቕተሉ ከለዉ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ድማ ብመኪና ናይ ሓይልታት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ተረጊጻ ህይወታ ከም ዝሓለፈ ተረጋጊጹ። ኣብ’ቲ ቦታ ዝረከቡ ሓለፍቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ናዕቢ ናይ ህዝቢ ካብ ቁጽጽሮም ወጻኢ ይኸይድ ምህላዉ ኣመልኪቶም ናብ ላዕለዎት ሓለፍቶም ጸብጻብ ኣልዒሎም’ኳ እንተኾኑ፡ ዝመጾም መልሲ ግን፡ “እቲ ህዝቢ ኣበይ ከይበጽሕ ዕማምኩም ስቕ ኢልኩም ቀጽሉ” ዝብል ከም ዝነበረ እሙናት ምንጭታትና ኣረጋጊጾም። እቲ ናዕቢ ይቕጽል ምህላዉ ድማ ተፈሊጡ

“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ” !!

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግ.ሃ.ድ.ኤ.

05/03/2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
29 COMMENTS
  • ኣርዓዶም March 5, 2015

    ግ ሃ ድ ኤ ድኣ ብረት ካብ ደቒ ህዝቢ እንዳመንጠልኩም ኣብ መኻዚኖታት ትእክቡ እምበር፡ ንስኻትኩም ምስሉያት ክትቓለሱ ኣይኮንኩምን ኣብ ኢትዮጵያ ንልዕሊ 10 ካላሽን ተሓንጊጥኩም ኣብ ደቦታት ዕግንግ ትብሉ ዘለኹም። ስልጣን ኣቦኹም ኢሳያስ ክትሕልው ድሕነት ኢሉኩም ። ንስኻትኩም ድሕነት ኤርትራ ዘይኮንኩምስ ድሕነት ህግደፍ ኢኹም። ንኸተምስሉ ብረት ትሓንጊጥኩም ኣንጻር ህግደፍ ንቃለስ ኣለና እንተበልኩም፣ በየናይ ኣሰጋጋር፡ ተኺኢልኩም፡ ተንኮል፡ ንኽቓለሱ ዝወረዱ መንእሰያት ድማ ክሰድዑ ዝገበርኩም ንስኻትኩም ዶ ኣይኮንኩም። ንስኻትኩም ዶ ኣይኮንኩምን ንቶም ሓያላት ተቓለስቲ መንእሰያት ምንቕስቓስ ንዲሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ፡ ከተምስሉ ሓድነት ኣውጅኩም ብረቶም ኣግዲፍኩም ኣብ ዓዲ ግራት ኣኪብክሞ ዘለኹም፡ ንስኻትኩም ሓለዋ ህግደፍን ኢሳያስን እምበር፡ ንህዝቢ ኤርትራ ክንጭራም ዝገበርክምሉ የብሉን።
    ኣብኡ ኾንኩም ድማ ተንኮልን ከም ዕትሮ ተጋሕቲትኩም፡ ነዚ ብእንተርነት ከማን ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ክስማዕ ዝኽእል ሽግራት ህዝቢ ኤርትራ ጸብጽቡ እምበር፡ ካባኻትኩም ካብ ሓለዋ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ክንዲ ኣድሪ ኣይጽበየኩምን ኢዩ። ንተቓለስቲ እንዳ ኣጸለምኩን እንዳ ኮለፍኩምን ሽግር ህዝቢ ክትጽብጽቡ ግን ካብ ዝኾነ ብረት ሒዙ ተቓዋሚ ኢየ ዝብል ኣይትጽበዮን ጥራይ ዘይኮነ ክትሰምዖ ከማን የሕንኽ።

    ግሃድኤ እቶም ምስ ምድፍኤ ሰራዊት ክጽንብሩ ዝተሰማምዑ፣ ዳሕራይ ግን ነቶም ዝተሓናፈጹ ሰራዊት ምደፍኤ ብረቶም ከም ዘውርዱ ዝገበሩ፣ ኣንጻር ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኢዮም። ግሃድኤ ምስ ህግደፍ ፍልልይ የብሎምን፣ እዚ ኹሉ ድማ ብስልዅ ግሃድኤ ማለት ህግደፍ ኢዮም፣ ቓልሲ ስድሪ ክስጉም ኣይክኣለን። ግሃድኤ ኣብ ተቓውሞ ጸሊም ታሪኽ ዝፍጽም ዘሎ ዕሉል ሰራቒ ሽሓጢ ልኡኽ ህግደፍ ኢዩ።

    ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ
    ኣርዓዶም

  • ኣርዓዶም March 5, 2015

    ንልዕሊ 10 ዓመታት
    ኢልኩም ንበብዋ

  • guba March 5, 2015

    aybelnan endo

    kula seb gidam hader kigebra u zmesil.
    kulu menesey n dege haxi eilu hiji beal adeyn abhoagoyn mis terefu, b kndey tsaeri kndey capital zfeseso gezawti adi adi endazore yefren alo.

    Ember Adikeyh kedem eyu afrisuwa hiji aykonen. b kulu meday.

    Bzey master plan zteserhe eyu zkewn eti mknyat sile mntay gena ab meseret kelo dew zeyebelo…..

    hiji ke entay terefe.

  • guba March 5, 2015

    hiji zrekebkuwo habereta!!!!!!!

    ሎሚ ዕለት 05/03/2015 ሓሙስ መዓልቲ መንግስቲ ህግደፍ ሓደስቲ ገዛውቲ ሰሪሕኩም ብምባል ዶዘር ሒዙ ብ ስቪላዊ ፖሊስን ወተሃደራቱን ዓጂቡ ንግሆ ምድሪ ገዛዊቲ ናይቲ ሓንቲ ኣይገብርን እዩ ኢሉ ንዒቕዎ ዘሎ ህዝቢ ከፍርስ ኣብ ዓዲ-ቐይሕ በቲ 10,000 ወይ ደሺሚላ ተባሂሉ ዝፍለጥ ከባቢ ገስጊሱ። ነዚ ክጻወር ዘይከኣለ ህዝቢ ዓድ-ቐይሕ ግን ተቓውምኡ ንምግላጽ ኣብ ጎደናታት ብምውጻእ ብኣእማንን ካልእ ነገራት እዩ ነቶ ወተሃደራት ህግደፍ ክሰሃሎም ተራእዩ፡ እቶም ወተሃደራት ከኣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብዝኸፈትዎ ተኹሲ፡ ቁጽሮም ዘይተፈልጡ ሰባት መጉዳእቲ ኣጋጢምዎም ኣብ ሆስፒታል ዓዲ-ቐይሕ ተዓቑቦም ኣለዉ። ንዝተረፈ ሓበሬታ Post ክገብሮ እየ።

  • selimenzo March 5, 2015

    Higdef aflitu eyu ety zigermeny gn
    Etom ab police ab haylitat miklikal zelowu himaak enda reayu silemntay siq
    yiblu wey yisrhu yiwefeyu wey kea yiwxuoo

  • Wedi nega March 5, 2015

    ኣቶ ኣሮዓዶም ዘቀራርብ እንበር ዘሳውርስ ኣይውሓደን ከማን!እዚ ትብሎ ዘለካ ንግዝየ ግደፎ ግዝየ ክምልሶ እዩ እቲ ሓቂ።እንተ ንስኻ ግን ኣነ እየ ምድፋአ ግሃድአ ምባል ገዲፍካ ዓዲ ዘእቱ ሓሳብት ሕሰብ!!

    • ኣርዓዶም March 7, 2015

      wedi nega
      ሕጂ`ውን ግሃድኤ ልኡኽ ህግደፍ እንተዘይከውን፡ ነቶም ክንቓለስ ኢና ኢሎም ዝወረዱን ብረት ሒዞም ንህግደፍ ክገጥምዎ ዝተዳለዉን፡ ብሓለፍቲ ግሃድ ኤ ብረት እቶም መንእሰያት ክወርዱ ኣይምውዓልዎን። እዚኦም ግን ማለት ( ግሃድኤ ድሕነት) ውጽእ ኢሎም ባዕሎም ህግደፍ ኢዮም። ሕጂ ክኣ ንኸምስሉ ኣብ ውሽጢ ኣለና፡ ዋላ ኣብ ግዳም ኣለና እንተበሉ፡ ሓለውቲ ህግደፍ እምበር ሓለውቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮኑን። ምስሉያት ሽዩጣት ሕልና፡ ሓቒ ተልዩዎም፡ እቲ በትሪ ኣብ ኢዶም እቲ ተመን ኣብ ኣግሮም፣ እዚኦም ግን ተመን ንኸስፋሕፍሕ በትሪ ዘግድፉ ካብ ኮኑ፡ ምስ ምንታይ ትቖጽሮም።
      ሓሶት ተይለ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነት ይመስክር።

  • mlki yfres fthi ynges March 5, 2015

    As far as HGDEF is on power, we expect what ever barbaric actions are, they will impose into innocents. But, time and tide waits for none! come on lets do the right with respect and inclusiveness.

  • Hail4 soura March 5, 2015

    ዕለት 04/03/2015 ኣብ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ኣባይቲ ከፍርስ ጀሚሩ ምሃላዉን ብሰንኪ’ዚ ኢሰብኣዊ ተግባር’ዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ህዝብና ከቢድ ነውጽን ቅልውላውን ተፈጢሩ ምህላዉ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። ነዚ ተግባር’ዚ ብምቅዋም፡ ነባሮ ዓዲ ቀይሕ ብፍላይ ድማ ተመሃሮን መንእሰያትን ሎሚ ንግሆ ዕለት 05/3/2015 ኣብ ጎደናታት ብምስላፍ ምስ ሓይልታት ጸጥታን ሰራዊትን ኣብ ጥምጥም ኣቲዮም ምህላዎም እቲ ዜና ደጊሙ ኣረጋጊጹ። ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ድማ፡ ሰለስተ መንእሰያት ብጥይት ክቕተሉ ከለዉ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ድማ ብመኪና ናይ ሓይልታት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ተረጊጻ ህይወታ ከም ዝሓለፈ ተረጋጊጹ። ኣብ’ቲ ቦታ ዝረከቡ ሓለፍቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ናዕቢ ናይ ህዝቢ ካብ ቁጽጽሮም ወጻኢ ይኸይድ ምህላዉ ኣመልኪቶም ናብ ላዕለዎት ሓለፍቶም ጸብጻብ ኣልዒሎም’ኳ እንተኾኑ፡ ዝመጾም መልሲ ግን፡ “እቲ ህዝቢ ኣበይ ከይበጽሕ ዕማምኩም ስቕ ኢልኩም ቀጽሉ” ዝብል ከም ዝነበረ እሙናት ምንጭታትና ኣረጋጊጾም። እቲ ናዕቢ ይቕጽል ምህላዉ ድማ ተፈሊጡ።

  • brhane March 5, 2015

    ageb serawit eritrea ab kindi ms hizibi konkum emri higdf tehitsuru nahiwatkum bret ketekiniulom .
    hizib eritrea smerrrr wala kab adi keyhi watsae zeleka.bhansab bhabar ab kulu ketematat ente ab godena wetsikum tsibahi mishet srat higdef yelen.
    tezeyele dihiri tsibahi dima ab gezaka eya eta mifras.ab nebsika dima eta afomuz bret .slezi kulu eritreawi ab kulu ketematat bhabar antsar higdif etensie.ab dege zeleka kiani ageb higdef elika ab zezelekalu adi aewolilom nhizibika.
    enwahi ehitser emri issaias bhade ente tesiena kithatsir eya

  • dermas March 5, 2015

    ሃገር ጀጋኑ ዶ እዚ ምረኸበት ፡ ኣበይ ከይሰደኩም ንብዓት ህዝቢ ኣቱም ርጉማት ህግደፍ

1 2 3

POST A COMMENT