Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሎምስ እኮ ክስታት ጠገለ ሲኢኑ!!

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዛዕባ’ዚ ንእሽቶ ጽሑፍ ኣቕሪበ ነይረ። ከም መእተዊ ዝብልክዎ ከኣ፤ ኣብ መራኸቢ ማዕከናት (ወብሳይታት) እንታይ ኣሎ ኢልካ ሃሰስ ኣብትብለሉ ግዜ ገለ ገለ ዘይወሓጠልካ ትንታነታት ትርኢ’ሞ ፡ ንምብዛሕትኡ ኣምቢብካ ትሓልፎ፡ ኣብ ሓደ ሓደ ከኣ እስኪ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዛዕባ’ዚ ንእሽቶ ጽሑፍ ኣቕሪበ ነይረ። ከም መእተዊ ዝብልክዎ ከኣ፤

ኣብ መራኸቢ ማዕከናት (ወብሳይታት) እንታይ ኣሎ ኢልካ ሃሰስ ኣብትብለሉ ግዜ ገለ ገለ ዘይወሓጠልካ ትንታነታት ትርኢ’ሞ ፡ ንምብዛሕትኡ ኣምቢብካ ትሓልፎ፡ ኣብ ሓደ ሓደ ከኣ እስኪ ኣብዚኣስ ገለ ቍሩብ ዕረፍተ ነገር ርኢቶይ ክህበላ ትብል ማለት ኢዩ። ኣብዚ ክንርደኦ ዘለና ንሓደ ንምድጋፍ ወይ ነቲ ሓደ ንምቍዋም ዘይኮነ፡ ን ህዝቢ ዝተዘርገሔ ጽሑፍ፡ ኣንባቢ ርኢቶ ክህበሉ መሰሉ ኢዩ።

እሞ ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ዝተፋላለያ ወብ ሳይታት ካብ ዝተጻሕፋ 2 ኣርእስታት ኣዝዩ ሓጺር ርኢቶ ክህብ እደሊ። ዝብል ኢዩ ነይሩ፡

እሞ ብዛዕባ እታ ቀዳመይቲ ኣራእስቲ (ሳግላ ብላዕ ኣይትቕላዕ) ትብል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሓጺሩ ርኢቶይ ሂበ ኢየ፡ ሎሚ ከኣ ብዛዕባ እታ ካሊኣይቲ ኣርእስቲ

(ኣብ መትከል ድሕረት ዝዓሰሉ ን መን ሃሪሞም ን መን ከድሕኑ) ብዝብል ዝወጸ ጽሑፍ ብተመሳሳሊ ሓጺር ርኢቶይ ክህብ፤

እዚ ጽሑፍ’ዚ ንብዙሕ ግዜ ተኸታታሊ ተባሂሉ ይውጻእ እምበር ተጻሒፉ ዘሎ ምስተንቦ መብዛሕትኡ ተመሳሳልን ተደጋጋምን ስለ ዝኾነ፡ ትሕዝትኡ  ኣዝዩ ንእሽቶን ጸቢብን ኢዩ፡ ጸቢብ ክብል ከለኹ ገፊሕ ኣይኮነነ ማለተይ ኢየ።

እዚ ጽሑፍ እዚ ዝጸሓፍ ዘሎ፡ ኣብዚ ተኣፋፊ ግዜ፡ ህዝብና ኣብ ጻዕሪ ሞት ኣብዘለወሉ ግዜ፡ ብምዃኑ፡ እሞ ከኣ፡ ካብ ገዲም ውድብን ኣባላቱን ስለዝተጻሕፈ፡ ብርሰት ህዝቢ ዝገትእ። ዕምሪ ፋሺሽታዊ ጕጅለ ህግደፍ ዘሕጽር፡ ገለ ሓሳባት፡ ኣወንታዊ ዝኾነ ሓድሽ ነገር ክተንብብ ትጽበን ሃንቀው ትብልን ኢኻ ። ከም ትጽቢተይ ኮይኑ ግን ኣይረኸብኩዎን፡ ብኣንጻሩ እኳደኣ ትንታነኦም  ንቓልሲ ደለይቲ ፍትሒ ፡ ምዕይ ወይ ፍሒት ዘየብል፡ ኣብ ጋም፡ ማን፡ ዘንብር ኮይኑ ፡ ህጹጽነትን ኣደራዕ ህዝብና ኣብ ግምት ዘየእቱ፡ ተግባር ዘየሰኒ ሓተታ ጥራይ ብምዃኑ ትርጉም ሲኢነሉ፡ ደንጽዩኒ ከኣ።

ዕላማ ጽሕፎም፡ ናቶም መርገጽን መትከልን ካብ ኵለን ዝበለጸን ሓቀይናን ኢዩ ዝብልኮይኑ፡  ብዘካ’ቶም ምሰኦም ዝምሳሰል ፕሮግራም ዘለዎም ካልኦት ተቛውምቲ ውዱባት ኣድሓርሓርትን ተበለጽትን ኢዮም፡ ኣብ መሰል ማዕርነት ኣይ ኣምኑን ኢዮም፡ ስለዚ ህዝቢ ፡ህዝቢ ፡ እንተበሉኹም ኣትስምዕዎም ፡ኣይትስዓብዎም፡ ከታልሉኹም ኢዮም ዝብል ጠቐነታት ደርዲሮሞ ይርከቡ።

ጽሕፉ ብምልኡ ክስን ጸርፍን ስለዝኾነ እንሓሳብ እሞ ብዛዕባ ህግደፍ ፡ ወይ ብዛዕባ ተቛወምቲ ምኻኑ ክትፈልዮ ስለ ዘይትኽእል ነየናይ ከምትጠቅስ እውን ኣጸጋሚ ኢዩ። ንዝኸስወን ውድባት ኣስማተን እንተዝገልጹ ንመወከሲ ምቐለለ ነይሩ።

ጽሕፉ ዘቕረቡ (ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን) ናይ መን ውድብ ምዃኖም እኳ እንተዘይፈለጥኩ ፡ ካብ ጽሑፎም መን ምዃኖም ምግማት ዘሸግር ኣይኮነን። እስኪ ካብቲ ዝጸሕፍዎ ቍሩብ ንርኤ፤

“ብመጽናዕቲ ዝተረጋገጸን ብፖለቲካዊ ንቕሓት ዝትጨብጠን ንጹር መትከላዊ ኣንፈት ከይወነንካ፡ ጸላኢ መዓልታዊ ኣብዝፈጸሞ ግፍዕታት  ጥራሕ  ተንጠልጢልካ፡ ዘመናዊ  መራኸቢታት  ንዝፈጠርልካ  ዕድል ተጠቒምካ፡ ንሕና  ህዝቢ  ኢና    ንለውጢ ድልዋት” ኢና” ” ቅልጡፍ” ድሕነት” ህዝብን” ሃገርን ካብ  ናትና ዝተፈልየ ኣረኣእያን መልክዕ ውደባን ኣይተርእዩና ኣይተስምዑና፡ ይፈቶ ይጸላእ ኩሉ ደላዪ ደሞክራስያዊ  ለውጢ ኣብ ሓንቲ ጃልባ ክሳፈር ኣለዎ፡ እንዳበልካ ዝግበር ተቓውሞ ግን፡ እቲ ረስንን መቓልሕ ተቓውሞን ኣብ መዳይ  ፕሮፖጋንዳዊ “ምልዕዓላት” ዝኾነ “ኣበርክቶ” የብሉን “‘ኳ  “እንተዘይተባህለ፡ “በኸምዚ”ኣገባብ””ትርጉም” ዘለዎ  ዝተርነዐ  ሓይሊ  ተቓውሞ  ክፍጠርን    ነቲ  ጠንቂ  ኣልጊሱ  ኣውያት  ህዝቢ  ዝድብስ  ህዝባዊ  ደሞክራስያዊ  ለውጢ  ክውን  ክኸውን  ግን    ዝሕሰብ  ኣይኮነን።    ብርግጽ  እቲ  ብዝኾነ  መንገዲ” ጭፍራ” ህግደፍ  ጥራሕ  ክለግስ  ኣለዎ  ዝብል  ተረድኦ  ሒዙ” ሆ” ዝብል” ዘሎ መብዛሕቲኡ ብፖለቲካዊ  ግርህና  እንተዘይኮይኑ  ብካልእ  ሸርሕን ውዲትን” ዝኽሰሰ” ኣይኮነን።” ” በየናይ” መልክዕ” ተወዲቡ” ይነጥፍ” ኣሎ” ብዘየገድስ፡ እቲ ንሕና ህዝቢ ኢና እንዳበለ ዝጭርሕ፡ ህዝቢ ካብ’ዚ ዘለዎ ቅልጡፍ”ፍታሕ”ክረክብ”ኣለዎ”ካብ” ዝብል ንጹህ ሕልና ዝብገስ ደኣምበር ብፍልጠት ንካልእ ንምጉዳእን ወይ ጸቢብ ጠቕምታት ንምምእራር’ዩ ክትብሎ ኣጸጋሚ’ዩ፡፡ ብርግጽ  ነቲ ሆታን”ንኺድ”ጥራሕ”ዘብዘብን”ብድሕሪት”ኮይኖም”ዘዋፍሩ”ሰብ”ፍሉይ” ዕላማ ከም ዘለውዎ ንምግማት ይከኣል’ዩ። እቲ ዝበዝሕ ግን ብምሉእ ኣፍልጦ”ኣይኮነን።”ዘይምፍላጥ”ንገዛእ” ርእሱ ገበን’ኳ”እንተዘይኮነ፡”ኣንጻር”ረብሓኻን”ጠቕምንኻን”ከም”ዘሰልፍ”ግን”ብተግባር”ዝተመስከረ”ጉዳይ’ዩ።

በቲ በለ በቲ ግን፡ እዚ ንሕና ህዝቢ ኢና  ዝብል ፖለቲካዊ መልእኽቲ  ብውድዕነቱ ንመን የዳኽም ንመንከ

የገልግል፡ ዋናታቱ”በዓል”መን’ዮም፡”ካብ’ቲ  ኣብ መርበብ ኢንተርኔትን”መድረኻት”ፓልቶክን”ወጻኢ”ኣብ”

ባይታ  ከመይ  ይዋስኡ፡  ኣዳቒቕካ” ምፍላጥን” ኣንፈተ” ዓወት” ሒዝካ” ብጽንዓት” ምምራሽን” ኣገዳሲ’ዩ።

ምኽንያቱ  እቶም  “ይብላ  ሰሚዐን  ይማላኣ  ሰሊዐን”” ከም  ዝበሃል  ኣብቲ ውሑዳት  ጠቕመ  ፈሊጣውያን” “ስምዒት” ህዝቢ” ብምርስሳን” ግልጽነትን” ህዝባዊ” ወገናውነትን” ብዘይብሉ፡ ኮነ  ኢሎም  ምስ  ውልቃውን

ጉጅላውን  ሕሳባቶም  እንዳዓየሩ  ዝጻወትሉ  ካርታ ተረኺቦም  ሆ” ዝብሉ” ብዙሓት፡” ኣብ’ቲ  ጉዳይ እኹል

ኣገንዝቦ ኣለዎም ክበሃል ኣይከኣልን።

 

ኣብዛ ኣብ ላዕሊ ጺሒፎማ ዘሎው ጽሕፍቲ ምስእንርኢ፡ ሓፈሻዊ ስእሊ ኣሉታዊ ይኹን ኣዎንታዊ ናይ ፖለቲካዊ እንታይነቶም ክንርዳእ ንኽእል ይመስለኒ። ብናተይ ተረድኦ እንታይ ኢዮም ዝብሉ ዘለዉ፤

“ብመጽናዕቲ ዝተረጋገጸን ብፖለቲካዊ ንቕሓት ዝትጨብጠን ንጹር መትከላዊ ኣንፈት ከይወነንካ፡ ህግደፍ ንምውዳቕ ተበግሶ ክውሰድ የብሉን ኢዮም ዝብሉ ዘለዉ። ኣነ ግን ተጋጊዮም እብሎም፡ ኣበይ እሞ፡ ጽባሕ ንግሆ’ዶ፡ ሓደ ዝኾነ ናይ ሕብረት ሓይሊ ተላዒሉ ንህግደፎ ኣይመኣለይዎን፡ ሂወት ክንደይ ኤሪትራውያን ምደሓነ ነይሩ። ደሓር ከኣ ፖለቲካዊ ንቕሓት ማለት እንታይ ማለት ኢዩ? ብትምህርቲ ድዩ? ክንደይ ዓመት ይወስደልካ? መን ኢዩ’ኸ እቲ ዝልክዕ? ፡ ብኣጋጣሚ ኣብዚ ሳምንቲ’ዚ ናይ 1995 ኣብ ካሰል ዝተኻየደ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤሪትራ ሰሚንር ቪድዮ ርእየ ነይረ። እዚ ከኣ ቅድሚ 18 ዓመት ምዃኑ ኢዩ፡ ኣብቲ ሰሚናር 3 ውድባት ማለት ተ.ሓ.ኤ. ሰ/ባይቶ፡ ኣስላማዊ ምንቅስቓስ፡ ደግሓኤ (ሳግም ደምሓኤ) ነይሮም። ኣስላማዊ ምንቅስቓስ ሽዑ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ህዝቢ ኤሪትራ ክቕበሎ ዘይኽእል ፡ ኣብ ኤሪትራ ኣስላማዊ መንግስቲ (ሸሪዓ) ንምትካል ከምዝቃለሱ ዝብል ኢዩ ነይሩ፡ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ግን ጌጋ ይኽለኣለይ እምበር እቲ ኣስላማዊ መንግስቲ ምትካል ዝብል መትከል ገዲፎሞ ኢዮም ዝብል ግንዛቤ ኣለኒ። ካልእ ኣብቲ ቪድዮ ዝሰማዕክዎን ዝገረመንን፡ እንተሎ ፡ ውድብ ደግሓኤ ፡ ኣብቲ ግዜ’ቲ ዝሃብዎ መግለጺ ኮነ፡ ካብ ህዝቢ ንዝቐረበሎም ሕቶ ክምልሱ ከሎዉ፡ ልክዕ ከምዛ ናይ ሕጂ ጽሑፎም ሓንቲ ዓይነት ቅዳሕ ኢያ ነይራ። ማለት ኣብ ኤሪትራ ደርብታት ከምዘሎ፡ ሓፋሽ ክነቅሕ ከምዘለዎ፡ ዘይርእሰማላዊ ሓፋሽ ዝረብሓሉ ቅጠባዊ ስርዓት ከምዝኽተሉ፡ ኢዮም ገሊጾም። እሞ ኣብዚ ዝሓለፈ 18 ዓመት ክንደይ ሰብ ኣንቂሕኩም፡ ክንደይ ስጕምቲ’ኸ ንቕድሚት ገስጊስኩም  ተባሂሉ እንተዝሕተቱ መልሶም እንታይ ኮንኢዩ??? ሕጂ ከኣ ንቕሓት ከይወንንካ ይብሉ ኣለው? ፍረ ዘይብሉ ካልእ 18 ዓመት ከኣ ክንጸበ’ሞ እታ ንቕሓት ከኣ ዘይትርከብ??።  ንቕሓት ማለት እኮ ሎሚስ ትርጉም ሲኢና። ብናተይ ተረድኦ ፡ ኣቦታትና ቅድሚ ኣምእት ዓመታት ሕጊ እንዳባ ክተኽሉ ከሎዉ ዝነበሮም ልቦናን ዓይኒ ፍትሕን ዓቢይ ንቕሓት ኢዩ። ፖለቲካ ከም ሃይማኖት ዶግማ ኣይኮነን፡ ልሕግ ኢልካ ኣይትነብሮን ኢኻ ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ዓለም ከመይ ኣላ፡ ህዝብና እንታ ዓይነት ጭንቀት የሕልፍ ኣሎ፡ ጭንቁ ንምፍዋስ’ከ ሕጂ እንታይ ክንገብር ይግባእ  ብምባል፡ እዋኑ ዝጠልቦ ስራሕ ንምስራሕ ኣብክንዲ ምውፋር፡ ክልሰ-ሓሳብ እንዳሓየካ ምንባር ንህዝብና ፋይዳ ዝህብ ኣይኮነን። ስለዚ ነዚ ኣብ ረመጽ ዝነብር ዘሎን ዝሃልቕ ዘሎን ህዝና ኣብ ልዕሊኡ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ኣይተቃልዑ፡ ዶርጓዕጓዕ ኣይትበሉ ፡ ወጽዕኡ ጭንቁን እንዳገለጽካ ኣይተበራብሮ፡ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ሕጂ ስጕምቲ ክወስድ ኣይትደፋፍእዎ ምባል፡ ጥዕና ዘለዎ ኣዘራርባ ኣይኮነን።

ካልእ ኣብዚ ጽሑፍ ንኻልኦት ውድባት ምሉእ መሰል ወዲሰብ ኣይኣምናን ኢየን ኢሎም ኢዮም ዝኸሱ፡ ብናተይ ሪኢቶ ማዕርነት ሃይማኖት ኮነ ፡ ማዕርነት ብሄራት፡ ዘይትኣምን ውድብ ኣላ ኣይብልን፡ እቲ ኣበሃህለኦም ማዕርነት እኹል ኣይኮነን “ክሳብ ምግንጻል”   እንተዘይወሲኽኩሙሉ ዝብል እንትኮንይኑ ግን እቲ ዘቕርብዎ ክሲ ሓቅነት የብሉን። ክሳብ ምግንጻል ኢልካ ስለዝጨራሕካ ካብ ካልኦት ንላዕሊ መሰል ሰብ ተኽብር ማለት ኣይኮነን፡ እቲ ምግንጻል’ከ ኣበይ ኢዩ ዶው ዝብል? ኣውራጃ፡ ተዋህዶ፡ ካቶሊክ፡ ከኒሻ፡ ኣስላማይ፡ ካልኦት ብባህሊ ዝጽቀጡ ሕብረተሰብናን የጠቓልል ድዩ ? ናይ ኢትዮጵያ ከም ኣብነት ምጥቃስ እውን ትኽክል ኣይኮነን፡ ኢትዮጵያውያን ዓዶም ምስሓዙ ኣብ ውሽጢ ህዝቦም ኮይኖም ዘትዮም፡ ተኻቲዖም፡ ሕጎም ከኣ ኣጽዲቖም፡ ኣብ ደገ ኮይኖም ኣይኮኑን ገረሞ። ደሓር ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 60 ዘይውሕዳ ብሄራት ኣለዋ፡ 60 ምምሕዳራት ግን የለን።

ኣብ መጨረሻ ክላበዎ ዝደሊ፡ ናይ ክለሰ-ሓሳብ ፍልልይ ሕጂ ምንም ከሰምማዓና ኣይክእልን ኢዩ፡ ስልዚ ኣብዚ ግዜ’ዚ ከም ህዝቢ ንሃሉን ኣይንሃሉ ስለዝኾነ፡ ዝኾነ ኣብ ውሽጢ ህዝብኻ  ኮንካ እትካታዓሉ ዛዕባታት ኣወንዚፍካ፡ ነዚ ህዝቢ ዘጽንት ዘሎ ኣረሜናዊ ስርዓት ንምእላይ በቢዝጥዕመና ኣገባብ ቃልሲ ኢደይ ኢድካ እንተበልና ይሓይሽ እብል።

ውድቀት ንስርዓት ህግደፍ

ራህዋ ንህዝቢ ኤርትራ

ምስ ምሉእ ኣኽብሮት

ዘርእማርያም ሃ. ክፍለ

ሰሜን ኣመሪካ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • yared hagos July 26, 2013

    zeremartyam abzi teblo zeloka azie eye zsemamae kemesgeneka ka edeli

  • yared hagos July 26, 2013

    entay emesleka zerom ane bmeseretu ab tsehufat zemese zeykonku zedheb ab tsehafu eye meknyatu men entay zebel redeat aloni wela eska men mkanka ento zfelet mehasheni bzkone gen ezi reatoka msnatey zlezmesasel des eluni.ezom nay kedmi natsenet tekalesti zneberu bebegizu wetseom zkawemu zelewo nezi lewti ndelyo zelona amazenti kkonu bekeat yeblomen zebel redeat sle zeloni eye meknyatu nay kedem zfeshelulu melataten senehasaben gena keyderbeywo nezi hadish weledo kesretselu slezfetnu bmeseretu terir tekawemu aloni.abehahelay esom bezi hadish weledu redeat temerhom kekedu entekielom degefti kekenu yekealu eyom natom merhinet yekun senehasab mskerarmtom regifu tewedu slezkone wela wen ehe elna kensemom yeblnan.slezes kedmi tsehufat memmbabna menyu tsehafea kenbel alona nabenet eti hesur tshafi nay zere kerdab alona /eti husur tezarebi tesfay temnewo zameselu cheletat mesilom hezbi ab menukat ember fethi zemetse akmi yeblemun seb foe zbelom tegadelti seabti ezi welodo ember seabtom aykopnan .zerom hawey aythazeley kab mesmer meneseyat nlewti eye ab hagerawi waela edel ente gerka yerakebena .haweka yared eye chawwwwwwwwwwwwwwwwwwwwwwwwwwwwwwwwwww

  • Kabbire July 27, 2013

    ጽፉፍ ገስጋሲ ርኢቶ። ኣበይ እሞ ህድእ ኢልና ኣንቢብና እንተንርድኦ።

Post a Reply to yared hagos Cancel Reply