Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሎሚ ንጉሆ 26 ሰነ ኣብ ኣህጉራዊ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ሓደ ወገን ጥራይ ልዕሊ 80 ካብ ሚእቲ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም 1066 ስደተኛታት፣ ብኻልእ ሸነኽ ድማ ኣስታት 2400፣ ብድምር ኣስታት 3500 ስደተኛታት ከምዝደሓኑ ምንጭታት ኣሰና ካብታ VOS HESTIA ተባሂላ እትፍለጥ ናይ ድሕነት መርከብ ሓቢሮም።

ሎሚ ንጉሆ 26 ሰነ 2017፣ ካብ ገማግም ሊብያ ኣስታት 20 ኪሎምሜተር ኣብ ኣህጉራዊ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ልዕሊ 80 ካብ ሚእቲ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም 1066 ስደተኛታት በቲ Search and Rescue (SAR) ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ድሕነት ወፍሪ ከምዝደሓኑ

ሎሚ ንጉሆ 26 ሰነ 2017፣ ካብ ገማግም ሊብያ ኣስታት 20 ኪሎምሜተር ኣብ ኣህጉራዊ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ልዕሊ 80 ካብ ሚእቲ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም 1066 ስደተኛታት በቲ Search and Rescue (SAR) ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ድሕነት ወፍሪ ከምዝደሓኑ ምንጭታት ኣሰና፣ ካብታ ኣብዚ ሰዓት ‘ዚ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ እትርከብ፣ Save the Children UK ከምኡ ‘ውን Save the Children Italy ኣብዚ ናይ ህይወት ኣድሕን ሓባራዊ ዕማም ኣዋፊሮማ ዘለዉ VOS HESTIA ተባሂላ እትፍለጥ መርከብ ሓቢሮም።

ካብቶም ዝበዝሓ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ዝርከባኦም ስደተኛታት፣ 242 ትሕቲ ዕድመ ክኾኑ ከለዉ፣ 52 ካብኣቶም ትሕቲ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ እዮም። ሓደ ወዲ ኣርባዕተ መዓልቲ ህጻን ድማ ኣብ መንጎኦም ይርከብ።

እቶም ነፍሲ ወከፈን ልዕሊ 300 ስደተኛታት ብዝጸዓና 3 ጀላቡ ክጓዓዙ ከለዉ ዝደሓኑ ስደተኛታት ብሰለስተ ዕጽፊ ዝያዳ ዓቕሚ ናይታ ኣብ ድሕነት ዝተዋፈረት መርከብ VOS HESTIA ‘ኳ እንተኾኑ፣ ምርጫ ተሳኢኑ ናይ ሞትን ሕየትን ጉዳይ ስለዝኾነ፣ እታ 350 ሰባት ጥራይ ክትጽዕን ዝፍቀደላ መርከብ ንግዚኡ የዕቍባቶም ከምዘላ ምንጭታትና ብተወሳኺ ኣረዲኦም።

እቶም ካብ ባሕሪ ድሒኖም ኣብታ መርከብ ተዓቝቦም ዘለዉ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ብሕማም ሰሓ ዝተጠቕዑ ምዃኖም ‘ውን እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

እዞም ስደተኛታት ዋላ ‘ኳ ካብ ሞት ባሕሪ ምድሓኖም ዓቢ ብስራት እንተኾነ፣ ጸገሞም ግን ተወዲኡ ማለት ኣይኮነን። ከምቲ ምንጭታት ዝሓበሩዎ፣ እቶም ቅድሚኦም ድሒኖም ኣብ ሲሲልያ ዝኣተዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣደዳ ምዝመዛን ስቅያትን ማፍያታት ሲሲልያ ኮይኖም ክሳብ ኣብ ናይ ነብሰ ቅትለት ስጉምቲ ይበጽሑ ስለዘለዉ፣ እዚኣቶም ‘ውን ተመሳሳሊ ሕማቕ ዕድል ከየጋጥሞም ዓቢ ሻቕሎት ኣሎ።

ብመሰረት እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፣ እዞም ልዕሊ 80 ካብ ሚእቲ ኤርትራውያን ዝበዝሑዎም 1066 ካብ ሊብያ ሰብራታ ካብ ተባህለ ከተማ ሊብያ ተበጊሶም ካብቲ ዞና 2 ተባሂሉ ዝፍለጥ ማያት፣ ብወገን ምዕራብ፣ በዛ ዝተጠቕሰት ሓንቲ መርከብ ጥራይ ዝደሓኑ ክኾኑ ከለዉ፣ ብወገን ምብራቕን ካልእ ከባቢታትን ዝርከባ መራኽብ ‘ውን ሎሚ ልዕሊ 2400 ስደተኛታት ከምዘድሓና እቶም ምንጭታት ኣፍሊጦም። ብድምር ክርአ ኸሎ ድማ፣ ሎሚ 26 ሰነ ኣስታት 3500 ስደተኛታት ድሒኖም ኣለዉ ማለት ‘ዩ። እዚ ናይ ሓንቲ መዓልቲ ቁጽሪ ‘ዚ፣ ኣብዚ ዓመት ‘ዚ በዚ ናይ ድሕነት ሓይሊ ዕማም ካብ ዝደሓነ ጠቕላላ ህይወት ስደተኛታት እቲ ዝዓበየ ኮይኑ ነቶም ኣብቲ ግንባር ድሕነት ተዋፊሮም ዘለዉ ሰብ ሞያ ኣደንጽዩዎም ኣሎ።

ኣብ መንጎ ‘ቶም ብኻልኦት መራክብ ዝደሓኑ ልዕሊ 2 ሽሕ ስደተኛታት ኤርትራውያን ምህላዎምን ዘይምህላዎምን ብልክዕ ኣይተፈልጠን። ብዛዕባ ደሃይ ናይተን ካልኦት መራክብ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ዝረኸብናሉ ከነስዕበልኩም ኢና።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Tesfaldet Abraham June 27, 2017

    As far as i am concerned their safety comes first &foremost,bur honestly i am also sadden & equally concern about the future of the land of dream’s becoming unlivable to all of its people and particularly to the younger generation. Shame to the brutal lawless dictator & also to those of us who can’t do much except talk!

  • Amba June 27, 2017

    ኣየ “ኤርትራ ኤርትራ”፣
    ኮይና ምልክታ፣
    ሕስረትን ውርድትን ፣
    ምዃና ንኣፍሪቃ።

  • Amba June 27, 2017

    ንኤርትራ ቆልዓ ሰበይቲ ፈንፊንዋ ፡ ኩሉ ጠንጢንዋ “ነብሰይ ኣውጽእኒ” እናበለ ፡ ይሃድም ኣሎ።
    ወይ ውርደት፡ ንሕና ኤርትራውያን: “ኣፍርቃውያን ኣይኮናን። ሓበሻ ኣይኮናን።” ተባሂሉ ብጃህራ ከምዘይተፈከረ።
    ሓደ ለባም ከምዝበሎ፣ “እቲ ቐደም ብዓሻታትና ንኢትዮጵያውያን ‘ኣድጊ’ እናበለና ንጻረፍ ኔርና።
    ሎሚ ግና ጠይቂ ናይ ዓረብ በደዊን ራሻይዳ ኴና ፡ ተጓሒፍና።”
    ” ካብቶም ዝበዝሓ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ዝርከባኦም ስደተኛታት፣ 242 ትሕቲ ዕድመ ክኾኑ ከለዉ፣ 52 ካብኣቶም ትሕቲ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ እዮም። ሓደ ወዲ ኣርባዕተ”

  • Nahon June 27, 2017

    The regime’s security organizations kidnap people from Sudan, at times even from Khartoum, but they keep a blind eye on human traffickers that are active along Eritrea’s border.
    This fact alone shows that they are not at all concerned about Eritrean’s safety. How can people call this regime their government?

  • k.tewolde June 27, 2017

    This is not breaking news,it is old news,sad news that defines the essence of the nation that makes me cringe to say I am from there,they are literally fishing the nation out of the Mediterranean sea.The irony is the regime in Asmara doesn’t recognize those drowning victims as its citizens but they in turn call it ‘MENGISTINA’. I can’t wrap my head around it,it is mind boggling.the mental warfare was won a long time ago,and the tyrant now is feasting on the Eritrean gray matter like a bowl of macaroni without competition.How can we let this happen to us?

  • Henock .hagos June 28, 2017

    ezi kulu shigr nirekbo zelena eko bsenki himketna eyu nebsina fetina adi gal kof elna hade Syria wey kea libyawi kebats siena

  • Johannes July 1, 2017

    Eriteans knows the word. Goitana for Italian lords. On the same the used for Amhara Noble from show,but they have insulted thief Tigrian brother A game , kodar etc. These people of. Goitana. They are flying from their country to search their Goitom in Italy and. They are deal h in mediteranian sea.we pray for this Eritrean Tegaru for their death and received in heaven and those alive to have good intention to stay at home and finish Isaias Afewerk the one who don’t know his father and mother of Gesa Burhanu

Post a Reply to Amba Cancel Reply