Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ልዕልና-ሕጊ ዶስ ልዕላና መሪሕነት ሰልፊ/ውድብ”፡ ታሪኽ ተዳጋጋሚ ምፍንጫላትን ዳግመ ምትእኽኻባትን ውድባት/ሰልፍታት ኤርትራ

ዶር. ገብረ ገብረማሪያም “ልዕልና-ሕጊ ዶስ ልዕላና መሪሕነት ሰልፊ/ውድብ” ዝብል ኣምር ሰፊሕ፣ ዓሚቕን ኣገዳስን ዋላ’ኳ ይኹን’ምበር፡ ናይዛ ሓጻር ጽሕፍተይ ዓላማ ብዛዕብኡ ትንታነ ንምቕራብ ከምዘይኮነ ኣቐዲመ ንኣንበብቲ ክሕብር ይደሊ። ኣብ ሞንጎ “ልዕልና-ሕጊን” “ልዕልና መሪሕነት ሰልፊ/ውድብን” ዓሚቕ ፍልልያት

ዶር. ገብረ ገብረማሪያም “ልዕልና-ሕጊ ዶስ ልዕላና መሪሕነት ሰልፊ/ውድብ” ዝብል ኣምር ሰፊሕ፣ ዓሚቕን ኣገዳስን ዋላ’ኳ ይኹን’ምበር፡ ናይዛ ሓጻር ጽሕፍተይ ዓላማ ብዛዕብኡ ትንታነ ንምቕራብ ከምዘይኮነ ኣቐዲመ ንኣንበብቲ ክሕብር ይደሊ። ኣብ ሞንጎ “ልዕልና-ሕጊን” “ልዕልና መሪሕነት ሰልፊ/ውድብን” ዓሚቕ ፍልልያት ከምዘሎን፡ ነዚ ፍልልያት ብዝግባእ ካብ ዘይምርዳን፡ ወይ’ውን ብፍላጥን ብዓሎቕን መሪሕነት ሰልፊ/ውድብ ብዝግበሩ ውስታታትን፡ ህዝቢ ናይ ተደጋጋሚ ምፍንጫላትን ዳግመ ምትእኽኻባትን ግዳይ ኮይኑ ከምዝጸንሐ ከነጽር ስለዝደለኹ ጥራሕ ኢየ እዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ዘቕርብ ዘለኹ። ነዚ መበገሲ ዝኾነኒ፡ ሓፍትና ሓረጉ ቀለታ፡ ካብ ራድዮ ኤረና፡ ምስ ሓው ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ፡ ኣቦ መምበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ እርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ 28 መጋቢት 2019 ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መጠይቕ፡ “ኣብ ሰዲህኤ ዘጋጠመ ናይ ምፍንጫል ተረክቦ፡ ብሰንኪ ሓደ ሰብ (ሓው መስፍን ሓጎስ) ኢዩ ክባሃል ይሰምዕ ኢየ” ዝበለቶ ዘረባ ኢዩ። መጀመሪያ፡ እዚ ኣባሃህላ እዚ “ሓሶትን ዝተዛበዐን” ምዃኑ ንህዝቢ ክሕብር ይደሊ። ብተወሳኺ፡ ከምቲ ሓብትና ሓረጉ ደጋጊማ ኣብቲ ቃለ መጠይቕ ትብሎ ዝነበረት፡ ካብቲ ዘጋጠመ ተረክቦ ህዝቢ ክማሃር መታን፡ ነቲ ዝነበረ ሓቅታት ከምዘለዎ ናብ ህዝቢ ምዝርግሑ ኣገዳሲ ኮይኑ ስለዝተሰማዓኒ ኢዩ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • ስለ ፍትሒ March 31, 2019

    ወይ መርገም፡
    ተኣኪብኩም ተፈንጪልኩም ኩልሳዕ ሓደ!
    ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ብጽቡቕ ክጠራነፍ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ሃጠው ቀጠው ክተስምዑና ኣይምተገብአን።

Post a Reply to ስለ ፍትሒ Cancel Reply