Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ልዕሊ 3 ሽሕ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን፣ ሎሚ 29 ጥቅምቲ ኣብ ፊት ኣድራሽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰፊሕን ውዕዉዕን ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ካብ ዝተፈላለያ ክፍለ ሃገራት ሰሜን ኣምሪካን ካናዳን ናብ ኒው ዮርክ ዝወሓዙ ልዕሊ 3 ሽሕ ደለይቲ ፍትሒ፣ ነቲ ንዓመጽ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢኤርትራ ዘቃልዐ ጸብጻብ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምድጋፍን፣ ንምልካዊ ስርዓት

ካብ ዝተፈላለያ ክፍለ ሃገራት ሰሜን ኣምሪካን ካናዳን ናብ ኒው ዮርክ ዝወሓዙ ልዕሊ 3 ሽሕ ደለይቲ ፍትሒ፣ ነቲ ንዓመጽ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢኤርትራ ዘቃልዐ ጸብጻብ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምድጋፍን፣ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብምዅናንን፣ ሎሚ 29 ጥቅምቲ ኒውዮርክ፣ ፊት ኣድራሽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰፊሕን ውዕዉዕን ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም ንሓያለ ሰዓታት ብመካይንን ነፈርትን ተጓዒዞም፣ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ኣብያተ ጽሕፈቶም ቅድሚ ምእታዎም ካብ ኣንጊሆም ኣብ ኒውዮርክ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካየዱ ደለይቲ ፍትሒ፣ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድምጺ ስቅያት ህዝቢ ኤርትራ ሰሚዑ ብዘየማትእ መንገዲ ክዉንነት ህዝቢ ኤርትራ ብምምስካር፣ እቲ ስርዓት ማዕረ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምእተፍጸመ ስግኣት ከምዘለዎም ንዓለም ምግላጹ እናኣመስገኑ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣውንታዊ ጻዕሩ ብምቕጻል ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ናብ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ክቐርብ ምትሕብባር  ክገብር ጸዊዖም።

ኣብቲ ሎሚ ብውዕዉዕ ሃገራውን ናይ ለውጥን መንፈስ ዝተኻየደ ሰፊሕ ሰልፊ፣ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ቆሪጾም ካብ ኤውሮጳ ዝመጽኡ ሓያለ ግዱሳት ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ‘ውን ተሳቲፎም።

ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ መራሕቲ ሃይማኖት እዮም ከፊቶሞ። ድምቀት ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣቓልቦ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብቲ ከባቢ ዝሰርሑን ዝቕመጡን ተቐማጦ ኒውዮርክ ‘ውን ስሒቡ ነይሩ።

ሓደ ካብቲ ነዚ ናይ ሎሚ ሰለማዊ ሰልፊ ፍሉይ ዝገብሮ ነገር፣ እቶም ደለይቲ ፍትሒ ንዘካይዱዎ ሰልፍታት ንምትዕንቓፍ ተመሳሳሊ ሰላማዊ ሰልፊ ብምውዳብ ዝንቀሳቐሱ ደገፍቲ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ኣሰሮም ጠፊኡ ተሓቢኦም ‘ምውዓሎም እዩ። እዚ ድማ፣ ሚዛን ሓይሊ ናብ ደለይቲ ፍትሒ ዘንቢሉ ህላዉ ዘረጋግጽ እዩ።

ስእላዊ መግለጺ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ምርኣይ ቀጽሉ

IMG_4801

 

 

 

 

 

 

IMG_4789IMG_4751IMG_4750ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ኣሰና ነቲ ናይ ሎሚ ውዕሎ ሰለማዊ ሰልፊ ዘንጸባርቕ ቪድዮ፣ ክትከታተሉ ንዕድመኩም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
80 COMMENTS
  • hp October 30, 2015

    ንጉሰ ዘቅረብካዮ ሓበረታ ሓቂ ኢንተኮይኑ ዘስደምም ኢዩ።
    ኣምባሳደር በየነ ማዕረ ኪንድዚ ኣብ ልዕሊ ደቁን ኣደ ደቁን
    ኢዚ ኹሉ? ኢዝጊዮ መሓረና።

    • Negusse October 31, 2015

      hp

      ዝኸበርኻ Hp፤
      ፤ Defamation is damsge to the reputation of a person.፤

      ንወደሰብ ጸሊኤዮ እየ ኢልኻ ዘይናቱ ምሀብ ወይ ምጽላም ሐጥያትን ነውሪ ስራሕ እዩ።እዚሞ ስራሕ ህግደፍ ሰሪሕና ማለት እዩ። አምበር ሕጅውን ሙሉእ አስመራን አነ ብቐረባ ዝፈልጦን ዘጋግጾን እቲ ነገር ሐቒ እዩ።ሕዝቢ አስመራን አብ ልዕሊ ተጋዳሊት ሰናይት ደበሳይ ዝተፈጸመ ግፍዒን ዝወረደ ማሕሰይትን ዝፈለጠ ዝበለ ንኽልተ ደቓ ብዙሕ እዩ ዝሐዝነለንን ዝኸናኸነንንሞራል ዝህበንን።No ከምዝበልኻዮ ዘስደምምን ንዓይ ብሕልፊ ኤርትራውነተይ ዘጽልእ እዩ ጌሩኒ ምኽንያቱ ሰናይት ደበሳይን ሐዋ ኤርምያስ ደበሳይን አጸቢቐ ዝፈልጦም ሰላማውያንን ጥዑማትን ፤ንሀግሮም ተቓሊሶም ሀግሮም ብዘይሕግን ፍትሕን አሲራቶም።እብ ኤርትራ ፤ ሰብ እዩ ልዕሊ ሕጊ፤ ኢሳያስን በዓል በየነ ርእሶምን ልዕሊ ሕጊ ልዕሊ ሕዝቢ ኤርትራን ልዕሊ ሀገር ኤርትራን እዮም።
      ወዳጄ ዘረባ ፤ ሕዝባዊ ግንባር ንፍትሕን ንዲሞክራስን፤
      እዚዶ አይዝን።

      ፤ ንወድሰብ

      • hp November 1, 2015

        ዝኸበርካ ንጉሰ ሓወይ፡
        ሓቂ ኢንተኾይኑ ኢዝጊዮ ምሓረና ምባለይ ብገጋ ዘምበብካዮ ትመስል ኢንተዘይተጋግየ።ናይ ምግራም manifestation ጥራሕ ኢየ ዘንጸባረቅኩ’ምበር ናይ ምኽሓድን ዘይምኽሓድን ስልጣን ከምዘይብለይ
        መጠን ጽቡቅ ዝምነ ሰብ ዲኣምበር ካልእ ኣይኮንኩን።ስለዚ፡ንኹሉ ከክም ኢዱ (ዝበደለ ናብ
        ሕጊ ይቅረብ፡ ዝተበደለ ከኣ ፍትሒ ይርከብ) በሃልይ ኢየ።ምስ ኢቅረታ ።

  • ertra n ertrawyan October 31, 2015

    ኣይ በልናን ዶ ኣይበልናን ዶ የ!!!!!!!! ኢሳይያስ ብቅልጽም ህዝቢ ከም ዝሓየለ ኣይፈልጥን ኔሩ እንሆ ሕጂ ድማ ህዝቢ ገዲፍዎ ከምዛ ዝነፈሰት ባላንቺና ኮይኑ!!! ኣይ በልናን ዶ ኣይበልናን ዶ የ!!!!!!!!!!!!

  • R.K. November 1, 2015

    Unfortunately I was not able to participate, I appreciate what my fellow Eritreans are finally doing to bring change to our beloved country, and most of all bring some Justis and Peace to our People.
    I also feel that we should back the demonstration with a petition to the U.N.and to Ban Kemoon with clear demanding points. Such as 1)The Constitution be in place in Eritrea. 2)All the payment from Bisha Gold Mine be kept on Hold until an Elected Government is in place. 3)Freeze all the assets of the present Eritrean Government.4)Issayas be brought before the International Tribunal.
    Otherwise to only demonstrate it remains up in an empty air.

  • Mike November 2, 2015

    300 or 3000?

  • Semharrr November 2, 2015

    Thank you and congratulations to the courageous Eritrean demonstrators that participated in New York on Oct 29, 2015.
    Thanks for raising our Liberation Flag (Semayawit Banderana!)
    that stands for freedom, liberty, equality and justice!

1 4 5 6

Post a Reply to Negusse Cancel Reply