Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ልቢ ኣዕቢዩ!!!!”

ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን ። ሓደ ርእይቶ ወሃባይ “በጃኹም ልቢ አዕብዩ” ብዝበሎ ክጅምር። ኣብዚ “ልቢ ምዕባይ” ማለት “ኣይንተሃወኽ” ንዝብል ትርጉም ንሃቦ። ዘለናዮ ህሞት ብዙሕ ሕልኽላኻት ዝመልኦን ዝተጠናነገ ነገራትን ዘለዎን እዋን ኢና ዘለና። እዞም ሕልኹሉኻትን ጥንግኑጋትን ብሜላን ክንወጾምን

ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን ።

ሓደ ርእይቶ ወሃባይ “በጃኹም ልቢ አዕብዩ” ብዝበሎ ክጅምር። ኣብዚ “ልቢ ምዕባይ” ማለት “ኣይንተሃወኽ” ንዝብል ትርጉም ንሃቦ። ዘለናዮ ህሞት ብዙሕ ሕልኽላኻት ዝመልኦን ዝተጠናነገ ነገራትን ዘለዎን እዋን ኢና ዘለና። እዞም ሕልኹሉኻትን ጥንግኑጋትን ብሜላን ክንወጾምን ልቢ የዕቢና ክንሓስበሎምን ክንፈትሖምን ጊዚኡ ዝጠልቦ ዕማም እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ብኸምዚ ዘለናዮ ህሞት፡ ብዛዕባ ትማሊ ንዘራረብ እንተልናን ብዙሕ ከነስተንትን ኢና። ትማሊ ሓዲግዎ ዝኸደ በሰላ ቁስሊ ብቀሊሉ ክሓዊ ዝኽእል ነገር ኣይኮነን። ንዑኡ ምስትንታን ግን ንቅድሚት ከሰጉመና ዘኽእል ቁምነገር ክንገብር ዘኽእለና ኣይኮነን። ክርሳዕ ዘለዎ ፍጽሜታት ኣይኮነን። ክርስዖየ እንተበልካውን ክትርስዖ ትኽእል ፍጻመ ኣይኮነን። ትማሊ ዝኣመናዮም ሎሚ ጠላማት ኮይኖም ንኸሶም ኣሎና። ብኣንጻሩ ሰባት ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ጌጋ ጸኒሖም እንተጣዒሶም ስለምንታይ ተጣዒሶም ክንብል ኣይግባእን። ሓሳድ ረኺብና ‘ምበር ተሓላለይቲ ህዝቢ እኮ ኢና መፈጠርና። ዝተጣዕሰ ካብ ልቡ እንተነቂሉ ነቲ ዝተጣዕሰሉ ነገር እሙን ኣገልጋይ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ። ነቲ ኣገልግሎት ከኣ ክህቡ ዕድል ክወሃቦም ይግባእ። ኣቶ ዓንደብርሃን (ይቅረታ ኣክንዲ ኣምባሳደር ኣቶ ኢለ እንተጸዋዕኹኻ ቅር ከይብለካ እሓትት) ክከላኸለሉ ደልየ ኣይኮንኩን። ኣቶ ዓንደብርሃን ካብቶም ድቁሳትን ክሳብ ሕጂ ኣገልገልቲ ኢሳይያስ ዘለዉ ይሓይሽ ዝብል እምነት ኣለኒ። ብግልጺ ብምሁርነቱን ብክእለቱን ንሕና ደምበ ተቃወምቲ ክንጥቀመሉ ክንክእል ኣለና። እዚ ሕጂ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቃሳት ብምሉእ ልብና ክንድግፎ ይግባእ። ዝብለና ምስዑ ሃስያ ዘለዎ ኣይመስለንን። እቲ ሃስያ ካብቲ ዘለናዮ መስመር ከምቶም ቀዳሞት ክዕንቅፈና እንተፈቲኑ ‘ዩ።

ስሚዕቲካ ከምዝመርሓካ ብእኸውን ንሰብ ዘይናቱ ምሃብ ብሕጊ የሕትተካ ጥራይ ዘይኮነ ብሃይማኖት ‘ውን ቅቡል ኣይኮነን። ኣብ ጭቡጥ ነገር ክንዛረብ እዩ ዘጸብቀልና። እቲ ጭብጢ ከኣ ኣብ ቅድሜና እዩ ከምጸሓይ ተኾሊዑ ዝረአ ዘሎ። ብዛዕባ ኣቶ ዓንደብርሃን ንፈልጦ ነገር እንተሃሊዩ ብጭብጢ እዚን እዚን ጌሩ ንበል። ኣብ ደንበ ተቃወምቲ ክቃለስ እንዳበለና ካብ ቃልሱ ንምዕንቃፍ ምዝላፍ ባህሪ ተቃለስቲ ክኸውን የብሉን።  እቶም ካልኦት ምሁራት ይኹኑ ድቁሳት ደገፍቲ ኢሳይያስ ናብ ደንበና ክሕወሱና ምስ ዝደልዩ ሕልንኦም ኣንጺሆም ተጣዒሶም ነቲ ዘገልገልዎ ፉንፉን ስርዓት ኢሳይያስ ክቃለሱ ከነተባብዖም ኣለና እብል። ዕድመ ኢሳይያስ ክሓጽር ዝኽእል ብኸምዚ ሓቢርና ምስ ንቃለስ እዩ። ክንወቃቀስ ንኢሳይያሳዊያን ምንዋሕ ዕድመ ጊዜ ምሃብ ጥራይ እዩ ዝኸውን።

ብዛዕባ ኣቶ ዓንደብርሃን ብዙሕ ዝፈልጦ የብለይን። ንኣስመራ ዩኒቨርሲትይ ሕንፍሽፍሽ ዘእተወላ ምዃኑ ኣብ ጊዜ ጂ 15 ከኣ መዲሩ ከምዝገበረ ይንገር። መጋደልቱ ክጥለሙ ከለዉ ሓቢሩ ኣሳሲዩ ነይሩ። እንተኾነ በቲ ዝገበሮ ሰም ኢሉ ደቂሱ ዝሓደረ ኣይመስለንን። ብፍላይ ንስርዓቱ ራሕሪሑ ምስ ከደ በታ ከም መሳርሒ ኮይኑ ዝተለፋለፋ ቅሳነት ዝረክብ ኣይመስለንን። ድኽመቱ ነቲ ሓቂ ብጊዚኡ ክዛረብ ዘይምኽኣሉ እዩ። ድኽመቱ ከም ነፍሲሄር ሓርበኛ ኣቦና ወዲቫካሮ ንህዝቡ ይቅረታ ሓቲቱ ከምቲ ነቲ ክሩህ ስርዓት ዘገልገሎ ካብታ ንቲ ስርዓት ዝራሕራሓሉ መዕእልቲ ጀሚሩ ንደንበ ተቃወምቲ ከገልግል ዘይምብጋሱ እዩ። ሕጂም እንተኾነ ኣይደንጎየን። እሱ ካብቶም ምሁራት ኢና ዝብሉ ሱቕ ዝበሉ ይሓይሽ። እሱን ካብቶም ነቲ ከርፋሕ ስርዓት ዘገልግሉ ዘለዉ ምሁራት ኣዝዩ ይሓይሽ። ብዛዕባ ህሉፍ ታሪኽ ኣቶ ዓንደብርሃን ክንርድኦ ዝግበኣና ጉዳይ ኣሎ። ኣብትሕቲ ኢሳይያስ ከሎ ዝተበሃሎ ከተግብር ነይርዎ። ከምኡ እንተዘይገብር ነይሩ ምስኡ ክነብርን ናይ ኣምባሳዳርነትን ማዕርግ ክረክብ ኣይመኸኣለን ነይሩ። ኣምባሳደር ምስኮነ ከኣ እዩ ንስርዓቱ ራሕሪሑ ከይዱ።ኣቶ ዓንደብርሃንም እንተኾነ ከም ሰብ ፈሊጡም ከይፈለጠም ይኹን ንዝበደሎ ህዝቢ ክክሕስ ግደትኡ ምዃኑ ፈሊጡ ኣብ ደምበ ተቃወምቲ ኣትዩ ብቲ ዘለዎ ዓቅምን ክእለትን ከገልግል እየ እንተበለ መርሓባእ ዘይንብለሉ ምኽንያት እንታይ ኣሎ፧

በዚ ኣጋጣሚ ብዛዕባ ቅርሕንቲ ራድዮ መድረኽን ኣሰናን ኣልዒሎም ዝዛረቡ ክነቅፎም እደሊ። ብናተይ ርእይቶ ኣሰና ምስ መድረኽ ሓቢሩ ክሰርሕ ኣለዎ በሃላይ ‘የ። እቲ ዝሕመና ዘሎ ኮ ክሓብሩን ክወሃሃዱን ስለዘይከኣሉ ‘ዩ። ክለብ ኣሰና ኣብ ዝብል ጽሑፈይ ሓደ ርእይቶ ወሃባይ ብዛዕባ ማዕከን ዜና ኢሳት ዝሃቦ ርእይቶ ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል። መድረክ ክሳብ ኣብ ደንበ ተቃውሞ ዘሎ ምስ ካልኦት ዘይሓብረሉ ኣይረኣየንን። ፍልልይ እንተሃሊዩ ብምዝርራብ ክውገድ ዝከኣል ይመስለኒ። ብዙሕ ጊዜ ኣብ ሓደ እዋን ኣሰና ንመረኻዊያን ስለዝነቀፎም ሓቢርካ ምስራሕ ዘይከኣል ኣይኮነን። ነቀፌታ ማለት እኮ መአረምታ ማለት እዩ። ምንቅቃፍ ንምትእርራም እዩ ዘገልግል። ነቀፌትኦንም ተቀቢሎም ሓቢሮም ክሰርሑ እንተዝኽእሉ እቲ ናይ ማዕከን ዜናታት ውህደት ይመጽእ ኣሎ ከማለት ስለዝኾነ ክንድግፎ ዝግበኣና ይመስለኒ። ሓቢርካ ንምስራሕ ምስምማዕ ብልህነት ‘ምበር ኢድ ምሃብ ኣይኮነንን።

ክብርቲ ኣልማዝ ጓል ኣስመራ ከምቲ ብግልጺ ርእይቶ “ድሕሪ ደጊም ሕዝቢ ብጨለ ዘረባ ዘይኮነስ፡ ከም ብዓል ናይ ወዲ ባካሮ (ነብሱ ይምሓር)፡ ብግልጺ ወጺእካ ናይ ሕሉፍ ጌጋኻ ይቕረታ ምሕታትን፡ ካልኣይ ንኸይድገም ትምህርቲ ምሃብን እዩ እምበር…ገበንካ ከከዊልካ ናብ ሓደ ሰብኣይ ጥራይ ኢድካ ዊጥ ምባል …ንሕዝብና ዘዐግብ ኣይኮነን።” ዝበለቶ፡ እቶም ኣብ ጌጋ ዝነበርኩም ከም በዓል ኣቶ ዓንደብርሃን ንህዝብኹም፡ ኣብ ዝረኸብክምዎ ኣጋጣሚ፡ እቲ በቲ ከይሲ ዝተኣታተወኩም መንፈሰ ትዕቢት ቀንጢጥኩም ደርቢኹም፡ ተንበርኪኩም ካብ ልቢ ይቅረታ ክትሓቱ ይግባእ። ካልእ ይትረፍ ንስለተሳታፍነትኩም ይቅረታ ክትሓቱ ግቡእ እዩ። ይቅረ ምብህሃል ካብ እግዚኣብሄር ስለዝኾነ ክትተግሁ ግዴታኹም እዩ። ህዝብም እምነት ከሕድር ዝኽእል ከምኡ ምስትገብሩን ገበናት እቲ እከይ ስርዓት ኣቃሊዕኩም ደንበ ተቃወምቲ ኣወሃሂድኩም ነቲ ተቃውሞ ምስትድርዕዎ ጥራይ እዩ። ኣልማዝ ከምዝበለቶ  “ሕጂ ድማ ጽሩይ ሓርነታዊ ገድሊ፡ ብሕጊ (ብወረቐት) ዝሰርሕ፡ ንክርስቲያንና፡ ኣስላምና፡ መታሕትና ከበሳና፡ ኩለን ብሄራትናን ኣውራጃታትናን ዝመስል ሰፊሕ ኣወዳድባ እምበር …ብጸቢብ ዓንኬላት ዝቖመ ኣወዳድባ ትርግታ ልቢ ሕዝብና ኣይረክብን እዩ። እንታይ ክንደግም።” ከም ናይ መደምደምታ ሓሳብ ብምውሳድ ደምበ ተቃወምቲ ብትዕግስቲ ንምንቃፍ ከይተሃወኽና ክንጽበ እላቦ።

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ

ሓውኹም

ደብረ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • fthawi March 25, 2015

    ደብረ
    ጹቡቅ አለካ እቲ ጸገምና ኤርትራዊያን ትዕቡት እዩ
    ሙሁራትናን አብ ፖለቲካ ቡዙሕ ጊዜ ዘሕለፉ ዜጋታትና እቕረ ምባል ተጋጊና ምባል ስሪኦም ዝፈትሑ ኮይኑ እዩ ዝስምዖም ንቲ ፍልልይ ድማ መትከል ኢሎም እዮም ዝገልጽዎ ዘሕዝን እዩ።ብዝኾነ ቅድሚ ሕጂ email ሓቲተካ ኔረ ሰዲድካለይ ግን ክሰርሐለይ አይካአልን

    • Debre March 26, 2015

      Dear Fthawi
      Thanks for your comment.
      Would you please email to Amanuel to give you my email? I will ask him to text my email address to you through your email.
      debre

  • Habte K March 26, 2015

    Thank you DEBRE,
    INGERA IZGHI BILLA.
    Once again ” LIBNA NEIBI” otherwise the result is catastrophic.
    I hope the guys who are saying a lot of things about Andebrhan has contributed 10% of his contribution to Eritrea??!!
    If that is case we will refuse Yemane Charlie to join opposition!! LIBI NEIBI AHWAT!!
    Let us reconcile and move forward!!!!

  • Simon G. March 26, 2015

    I refuse to accept this guy to be on the people’s side because I have zero trust on him. If someone had objected isayas few decades ago, we wouldn’t be in this mess. No more to be ላንጋ ላንጋ. Why are you guys trying to pretend as polite or respectiful people to people who can’t stand to be civilized. HGDF never understand civilized people and it will never be. And, please stop calling him Ambasador. It is really irritating. Ambasoder of what? Of cruelity? Give me a break.

  • Dala Ksha March 26, 2015

    Simo G.
    you must be one of our neighbors from the south trying to mess.in case if you are Eritrean your approach will make more damage to the opposition.mean while i would like to thank brother Debre for the positive input.

    • Simon G. March 26, 2015

      And you worry if I am Eritrean? Indeed Kisha!

    • THE NOBLE TEACHER March 28, 2015

      Dala Ksha

      Yes Simon G is from south ,but not that south,just within ERitrea and that should not matter anyways,Andebirhan is alleged to have said “እዚ ዩኒቨርሲቲ እዚ ናይ ኣከለጉዛይ መጻወቲ ኣይከውንን እዩ ኢሉ።ዕሸላውን ዘሕንኽን ኣባህላ እንድሕር ኢልዎ ኮይኑ። ምንም እኳ እቲ ኣባህላ ዓንደብርሃን ብዙሕ ካብ ሓቂ ዝወጸ እንተዘይኮነ ሓደ ሓላፊ ክብሎ ግን ዘሕንኽ እዩ።መግለጺ ይሃበና እምበር ዘይጋገ ሓደ ኣምላኽ። ገለን ብጉዳይ ሃገር ገለን ብጉዳይ ኣውራጃ ቀጭ ቀጭ ዝብሎም ኣለዉ ይቕረ ክብሉ ዝጽግሞም ፣ግን እቲ ይቕሬታ ዝሓትት ድማ ኣግሂዱ ገሊጹ ይቕረ ይሕተት።

  • anti-higdef March 26, 2015

    To add a few words to what my brother Simon G. had to say on the attempt by some to rehabilitate x-Ambassador Andebram:

    Andebraham can do and say whatever he want about his past, but will never win the trust of people unless he admits that Iseyas is not the only one to blame, and take his share of crimes without trying to be smart.
    People like him built the system fully convinced that that was the right thing to do. Now throwing the whole dirt on the face of their boss shows only their lack of sincerity. Who ever accepts Andebraham’s excuses should have no problem with Iseyas if tomorrow some of us claim that he too was a victim of circumstances created by Ghedli.

  • anti-higdef March 26, 2015

    “Simo G.
    you must be one of our neighbors from the south trying to mess.in case if you are Eritrean your approach will make more damage to the opposition.”

    Dala Ksha

    Simon is a genuine Eritrean who is known on this forum for his very responsible views and a great concern for his country he lives so much.
    You better don’t take opinions expressed about Dr. Andebraham as being motivated by hatred against his persona. That is not the case. His political role was and still is very important, and that is what matters most.
    It’s not about his private business, it’s about architects like him who built the most brutal system on planet. Trying to get away with it by blaming one person, no matter how much that person is manipulative, won’t give them a new role that protects them from questioning. That is not fair, and should not happen.

    • THE NOBLE TEACHER March 28, 2015

      I agree, “do not get very personal” opinion of anti higdef

  • anti-higdef March 26, 2015

    “If that is case we will refuse Yemane Charlie to join opposition!! LIBI NEIBI AHWAT!!
    Let us reconcile and move forward!!!!”

    Habte K

    Does reconciliation mean we have to embrace people like the two Yemanes and forget what they did to us ?
    Let them write books blaming Iseyas, instead of admitting mistakes and showing remorse for crimes committed, and then whether the victims of their crimes like it or not, they are ready to jump on the new role within the opposition camp !!!

  • Dala Ksha March 26, 2015

    Anti HGDEF
    if we are going to reject any Eritrean who was serving DIA it will not take us any where.in another way we are serving DIA becouse DIA need his opponnent to fight each ather don’t forget we have a lot of people like Andebrhan.and those people have a lot of supporters to.the only thing we can do is to welcome them and work with us.Radicalism and hate will not take us any where let us ask him to work for his people and make his lost time

    • Anti-Higdef March 26, 2015

      ” ..don’t forget we have a lot of people like Andebrhan.and those people have a lot of supporters to.the only thing we can do is to welcome them and work with us.Radicalism and hate will not take us any where let us ask him to work for his people and make his lost time”

      Dala Ksha

      It’s neither about radicalism nor hate, it’s about justice.

      All those who want welcome Higdef leaders to opposition camp, are doing it for reasons other than the ones that service Eritrean people’s interest.
      I understand Andebrahan has supporters that share his experience, and he is not the only one desperately trying to find a way of escaping accountability by creating an organization that will eventually may end up reincarnating Hidef without Iseyas.
      This is exactly what happened in Lybia, when the brutal regime finally collapsed. All those criminals who were serving Gaddafi, in the final hours joined the opposition unnoticed, and then managed to dismantle it from inside. Now that country is a failed State waiting to be cut into pieces by various actors who are out smarting each other in destroying everything on their way. It seems you people are trying to do something similar in Eritrea.
      God save Eritrea !!

  • Debre March 26, 2015

    እቲ ንዛረቦ ፈሊጥና እንተተዛረብናዮ የጸብቀልና ‘ምበር ኣየክፈኣልናን ‘ዩ። ጌለና ኣዚና ስሚዒታውያን እንድሕር ዄንና፡ እቲ ክንዛረቦ ንደልዮ ነገር ‘ውን መስመሩ ዝሓዘ ኣይከውንን እዩ። ዝብርቕርቕ ዝበለ እዩ ዝኸውን። እቲ ንገብሮ ነገር ‘ውን ፈሊና ክንፈልጦ ይግበኣና። ኣበየናይ ጊዜ እንታይ ትገብር ጊዜ እዩ ዝውስነካ። ትወቃቀሰሉ እዋን ኣሎ፡ ምሕረት ትገብረሉ እዋን ኣሎ። መዓስ፧ ኣብይ፧ ብከመይ፧ ዝብሉ መምርሒ ተግባራትና ጌርና ክንወስዶም ይግበኣና። ቅኑዕ ምግባርን ንነገራት ምቅናዕን (Effective and Efficient) ክልተ ዝተፈላለዩ ነገራት እዮም። መዓስ ቅኑዕ ትገብር ፈሊጥካ ነቲ መስመር እንተዘይስዒብካዮ ነገራት ከተቅንዕ ክትብል መስመርካ ኢኻ ትስሕት። መስመርካ ምስሓትካ ከይኣክል ጊዜ በሊዕኻ፡ ዕንወት፡ ምፍልላይ፡ምጉርፋጥ፡ ጽልኢ፡ ወዘተ ኢኻ ትዕድም።

    ሓደ ብልጫ ናይ ኢሳይያስ ንእከይ ተግባራቱ ካብ ዝጥቀመለን ጥበባቱ ሓደ ነዚኤን ክልተ መምርሒ ኣጸቢቁ ክጥቀመለን ምኽኣሉ እዩ። ሓደ ክስተት ክቅልቀል ከሎ ንሰባት ከምመሳርሒ ይጥቀመሎም። ኣብነት ጉዳይ ጂ 15። ኣብቲ እዋን እቲ ኢሳይያስ ብጨቅ ኢሉ ኣይተዛረበን። ካብ ኢሳይያስ ወጺኣ ዝተበሃለት ቃል “ትጋገዩ ኣለኹም” ትብል ሓረግ ኣብ ጋዜጣ ኣንቢብና። ዝተዛረቡ ኣልእሚንን ዓንደብርሃንን እዮም። ከም ጸሓፊ ህግደፍ ኣልኣሚን ነቲ ጉዳይ ይምልከቶ ነይሩ እንተልና፡ ንዓንደብርሃን ግን ኣይምልከቶን ነይሩ ክንብል ንኽእል። ኣብቲ እዋን እቲ ዓንደብርሃን ናይ ኤርትራ ኣንሚ ሓላፊ እዩ ነይሩ። ግን ከም መሳርሒ ተጠቂምሉ ጥራይ ዘይኮነ ንዑኡ ከኣ ኣብቲ ናቱ ሓጥኣት የእቲዎ። እዚ እዩ ናይ ኢሳይያስ ብልጫ። ንኹሎም ኣብቲ ናቱ ሓጥኣት የእትዩ ከቆማጥዕ ምኽኣሉ እዩ። እቲ ካልእ ብልጭኡ ሓደ ቅኑዕ ነገር ንዕኡ ቃልዕ ዘውጽእ ክጅመር ከሎ፡ ነቲ ፍጻመ ወይ ነቲ ጉዳይ ዘተግብሩ ሰባት ተቀዳዲምካ ምጽላም ግብሪ ስለያ ኢሳይያስ ‘ዩ።

    ዓንደብርሃን በቲ ጉዳይ ኣይቀጸለን። ኣጋጣሚ ኣብዝረኸበሉ እዋን ነቲ ኣሚኑ ዝተጋደለሉ ስርዓት ራሕሪሑ ከይዱ። ኣልኣሚን ግን ክሳብ ሕጂ ተኣማኒ ኢሳይያስ ኮይኑ ይቅጽል ኣሎ። ንኣቶዓንደብርሃን ኣብቲ ስርዓት ዘይምቅጻሉ ከማን ዋጋ ክንህቦ ይግበኣና።

    ሕጂ ደምበ ተቃወምቲ ኣየናይ ናይ ተግባር መምርሒ ኢና ክንስዕብ ዘለና። ቅኑዕ ተግባር ምግባር ወይስ ንነገራት ከነቅንዕ ምምራሽ። መልሲ ካባኹም።
    ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ
    ደብረ

  • Beremberas Melekino March 29, 2015

    Some of us are just living in the past. Let us learn from the past and see towards the future with pragmatism. Let’s look to what the South African’s did through the leadership of Wilson Mandela. They did not stop just accounting what evils have been done in the past, they have evaluated all what has happened and made reconciliation the rule of the day and are progressing forward for transforming their nation out of misery and poverty joining hands with the apartheid counterparts the white minority. What I want to comment here is that we Eritrean what is happening to us? Why are we backbiting each other? Why not think seriously what is happening to Eritrea and its people back home? I do not really understand the people who are writing small issues but not looking ahead and strategic things that can bring solution and the one that looks for uniting each one of us. If a person was in the camps of Isayas and he or she comes and united with the people of Eritrea, what wrong is that? Please let’s thins for the salvation of our people. Let’s unite and discourage from backbiting each other and let’s unite our strengths together and appreciate anything that can add fuel to the downfall of our sole enemy the Isayas regime and shorten his days for the benefit of all of us. Keep fighting and supporting the good wishers of the people of Eritrera.

POST A COMMENT