Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ለውጥን ጸገማትን

ኣማኑኤል ሳህለ ኣብቲ ነዊሕ ናይ ህይወት ጕዕዞ፡ ንስኻ ወይ ድማ እቲ ኣከባቢኻ (environment) ከይተለወጠ ስለ ዘይተርፍ፡ ወይ ንስኻ ክትብድሆ ኢኻ ወይ ከኣ ንሱ ኪብድሃካ እዩ። ወይ ንስኻ ክትልውጦ ኢኻ ወይ ድማ ንሱ ኪልውጠካ እዩ። ተጠማሚትካ ደው

ኣማኑኤል ሳህለ

ኣብቲ ነዊሕ ናይ ህይወት ጕዕዞ፡ ንስኻ ወይ ድማ እቲ ኣከባቢኻ (environment) ከይተለወጠ ስለ ዘይተርፍ፡ ወይ ንስኻ ክትብድሆ ኢኻ ወይ ከኣ ንሱ ኪብድሃካ እዩ። ወይ ንስኻ ክትልውጦ ኢኻ ወይ ድማ ንሱ ኪልውጠካ እዩ። ተጠማሚትካ ደው ምባል የልቦን። ክትዕወት እንተ ኾንካ ድማ፡ ወይ ነቲ ኣከባቢኻ ምሰል/ተመሳሰል፡ ወይ ድማ ንኣኻ ብዚምሽእ መገዲ ነቲ ከባቢኻ ለውጦ።

ምስቲ ኣከባቢኻ ተመሳሲልካ ኣብ ምንባር እውን ገለ ክትሓልፎ ዘሎካ መሰናኽላት ወይ ጸገማት ኣሎ፡ ከመይሲ እቲ ኣከባቢኻ ባህርያቱ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይለዋወጥ ብምዃኑ ኪብድሃካ እዩ ዚነብር። ግን እቲ ጸገማት ብተዛማዲ መገዲ ቀሊል እዩ።

ንኣከባቢኻ ክትልውጥ ምስ እትፍትን ግን፡ ብዙሕ ጸገማት ኪጓነፈካ ግድን እዩ፡ ከመይሲ ነቲ ንዘመናት ዚቕጽል ዝነበረ ባህርያትን ኣካይዳን ኣልጊስካ ኢኻ ካልእ ኣከባቢ ክትፈጥር እትፍትን ዘሎኻ።

እቲ ኣከባቢ ዚብል ኣምር፡ ንነገራት (ተፈጥሮኣውን ሰብሰርሖን) ወይ ሓሳባት (ባህልን ወግዕን እምነትን መትከላትን) ይጥርንፍ እዩ። ማለት፡ ብዓይኒ ዝረአን ዘይረአን ኣከባቢ ኣሎ።

ኣከባቢ ንምልዋጥ ኣብ ዚግበር ቃልሲ፡ ጸገማት ኪፍጠሩ ግድን እዩ፡ ጸገማት ምስ ዘይፍትሑ ድማ፡ ናብ ሽግርን መከራን ይመርሑ።

እንስሳታት ወይ ኣታኽልቲ ንኣከባቢኦም ኪልውጥ ዚኽእል ዓቕሚ ስለ ዘይብሎም፡ ማለት ከም ሰብ ኪሓስቡን ኪትንትኑን ስለ ዘይክእሉ፡ ንኣኡ ብምምሳል እዮም ህይወቶም ኪቕጽሉ ዚኽእሉ። ምስ ኣከባቢኦም ኪጎዓዙ ምስ ዘይክእሉ ግን ይጸንቱ። ንኣከባቢኡ መሲሉ ህይወቱ ዘይቅጽል እንስሳ ወይ ተኽሊ፡ ጸገማት ስለ ዚበዝሖ፡ ካብዛ ዓለም ቀልጢፉ እዩ ዘልግስ። በዓል ዳይኖሶር ንኣከባቢኦም መሲሎም ስለ ዘይቀጸሉ እዮም ጸኒቶም ዚብል ምሁራዊ ርእይቶ ኣሎ።

ሰብ ግን ንኣከባቢኡ ኪልውጥ ዘኽእል ኣእምሮ ኣለዎ። ስለዚ ንኣከባቢኡ ምስ ዚልውጥ ጥራይ እዩ ከም ሰብ መጠን ተዓዊቱ ዚብሃል። ምስ ኣከባቢኡ ተመሳሲሉ ምስ ዚነብር ግን፡ ካብ ናይ እንስሳታትን ኣታኽልትን ደረጃ ብዙሕ ስለ ዘይሰጎመ፡ ድሑር (primitive) ይብሃል።

እስከ ነዚ ኣረኣእያዚ መሰረት ብምግባር ናብ ናይ ሃገርና ኩነታት ቍሊሕ ንበል። ኣብ ሃገርና ሽግርን መከራን ይግንፍል ምህላዉ ንኹሉ ልቦናን ቀልብን ዘለዎ ሰብ ብሩህ እዩ። ሰብ ሃገሩ ገዲፉ ይስደድ ኣሎ። ምስ ክልተ ደሴታትናን ማእለያ ዘይብሉ ማዕድናትናን ባሕርናን፡ ደኺና ንነብር ኣሎና። ሰብ ይእሰርን ይቕጥቀጥን ኣሰሩ ይጠፍእን ኣሎ። ባህልናን ወግዕናን ይዓኑን ይበርስን ኣሎ። ስለዚ ነዚ ከም ሽግርን መከራን ዘይንቖጽሮ እንተ ዄንና፡ ብኸመይ መገዲ ደኣዩ ሽግርን መከራን ዚብል ኣምር ኪግለጽ ዚኽእል?

 

ስለዚ፡ ሽግር ካብ ሃለወና፡ እቲ ሽግር ብሓፈሻ ከመይ ኢሉ ከም ዝመጸ ንምፍላጥ ክንሓስብ ይግበኣና። ብድሕሪኡ ድማ ክንፈትሖ ክንፍትን ግዴታና እዩ።

 

መሪሕነት ህግደፍ ኣብ ሜዳ እዩ ቦቒሉን ዓንቢቡን። ናይ ሜዳ ፍጥረት እዩ። ነቲ ኣከባቢኡ ወይ ነቲ ዝዋሳኣሉ ዝነበረ ሜዳ፡ ንወትሃደራዊ ህይወትን ስለላን ፕሮፖጋንዳን ከም ዚምሽእ ገይሩ ብምልዋጥ እዩ ቀጻልነቱ ከረጋግጽ ወይ ኪዕወት ዝኸኣለ።

ብናይ ርእዮተዓለም (ideology) መገዲ ክንርኢ ከሎና ድማ፡ እቲ ውድብ ነቲ ኣከባቢኡ ለዊጡ እዩ ኪዕወት ዝኸኣለ። ማለት ነቲ ናይቲ ህዝቢ ባህላውን ፖለቲካውን ቁጠባውን ኣከባቢ ናብ ሓደ ኪዓብየሉን ኪድልድለሉን ኪዋሳኣሉን ዚኽእል ሓድሽ ኣከባቢ ለዊጡዎ ክንብል ንኽእል። ኣብዚ ሓድሽ ኣከባቢዚ ኾይኑ ከኣዩ ቀጻልነቱ ከረጋግጽ ዝኸኣለ።

እቲ መሪሕነት ኣብታ ድሕሪ ናጽነት ዝመጸትን ምስ ህዝባ እተሰርዐትን፡ ልኡላዊት ሃገር ዚብል መዓርግ ዝለበሰትን ኤርትራ ቀጻልነቱ ንምርግጋጽ ግድን ነቲ ዘይተጸበዮ ኣከባቢ ኪልውጦ ነይሩዎ። ከመይሲ እቲ ድሕሪ ናጽነት እተፈጥረ ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ኣቃውማ ምስቲ ቅድሚ ናጽነት ዝነበረ ኣከባቢ ሕደ ስለ ዘይነበረ፡ ነቲ ውድብ ኪብድሆ ክኢሉ። ስለዚ ወይ እቲ መሪሕነት፡ ወይ ኤርትራ ክትልወጥ ግድን እዩ ነይሩ። ንህግደፍ፡ ናይቲ መሪሕነት ምልዋጥ ማለት መንነቱ ከም ምጥፋእ ይቖጽሮ ስለ ዝነበረ፡ ቀጻልነቱ ንምርግጋጽ እንኮ ኣማራጺ ንኤርትራ ምልዋጥ እዩ ነይሩ። ብቕዲ ህግደፍ እተሰርሐት ኤርትራ። ነቲ ሃገራዊ ጋዜጣ፡ ሓዳስ ኤርትራ፡ ኢልካ ምጥማቕውን ነዚ ውሽጣዊ ድሌታት ህግደፍ ዘንጸባርቕ እዩ።

 

ህግደፍ ኣብ ክንዲ ባዕሉ ዚልወጥ፡ ነቲ ሓድሽ ኣከባቢ ማለት ንኤርትራ ንኣኡ ብዚምሽእ መገዲ ኪልውጥ ምድላዩ መሰረት ናይዚ ኹሉ እንርእዮ ዘሎና ሽግር እዩ፡ ከመይሲ ኣብ ከምዚ ኩነታትዚ ጸገማት ኪለዓሉ ባህርያዊ እዩ። እዚ ኸኣ ናይ ተፈጥሮ ሕጊ እዩ። እቲ ዘይባህርያዊ ዚገብሮስ፡ ነቲ እቲ ጸገማት ዝፈጠሮ መከራን ስቓይን ሕሰምን ከቃልሎ ዚኽእል ፍታሕ ንምርካብ ሃሰው ዘይምባሉ እዩ።

ሕራይ፡ ንኤርትራስ ከምቲ ናቱ ቅዲ ገይሩ ከም ብሓድሽ ይፍጠራ፡ ግን ነቲ በዚ ተግባርዚ ዚመጽእ ጸገማት ኪፈትሖ ኣይፍትንን ዲዩ?

ነዚ ሕቶዚ ንምምምላሽ ናብ ሕጂውን ንሜዳ ንመለስ። እቲ ውድብ ኣብ ሜዳ ኸሎ፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ፡ ነቲ ናይቲ ህዝቢ ባህላውን ፖለቲካውን ቁጠባውን ኣከባቢ ናብ ሓደ ኪዓብየሉን ኪድልድለሉን ኪዋሳኣሉን ዚኽእል ሓድሽ ኣከባቢ ኪልውጦ ኸሎ፡ ነቲ ዚስዕብ ሽግራት ኪፈትሖ ፈቲኑ ዲዩ? ኣይፈተነን። ምኽንያት ዘይመፈተኒኡ ድማ፡ ኣብቲ እዋንቲ ንሓርነት ሃገር ዝያዳ ቀዳምነት ይህቦ ስለ ዝነበረ እዩ። እዚ ምኽንያትዚ ብገለ ሸነኹ ቅቡል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹንምበር እቲ ኣካይዳኡ ቅኑዕ ዘይነበረ መሪሕነት፡ ኣብ ርእስቲ ፍታሕ ከናዲ ዘይምድላዩ፡ ንእምባገነን ከምጽእ ዝኽእል ሃዋህው ብምፍጣሩ ድማ ተወሳኺ ጸገማት ኪፈጥር ክኢሉ።

እምባገነን ብባህርያቱ ንህዝቢ ዝሓሊ ሕልናን ልቦናን ራእይን ዘይብሉ ውልቀሰብ እዩ ። እምባገነን ልዕሊቲ ውድብ እዩ። ልዕሊ ሕጊውን እዩ። ከምዚ ብምዃኑ፡ እምባገነን ንጸገም ከም ጸገም ኪርእዮ ኣይደልን፡ ንሽጋርን መከራን ድማ ከም ናይ ህዝቢ ንቡር መዓልታዊ ንጥፈታት ገይሩ እዩ ዚወስዶ። ኣብ ኣእምሮ እምባገነን፡ እቲ ዝድለ ውጽኢት ደኣምበር እቲ ሳዕቤን ስለ ዘይግድሶ ህዝብና ንሕሰምን መከራን ዕንወትን ተፈሪዱ ኣሎ። እቲ ማሕበራውን ቁጠባውን ባህላውን ብርሰት ድማ ይቕጽል ኣሎ።

መፍትሒኡ ደኣ እንታይ እዩ?

ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ንምፍታሕ፡ ሰለስተ ርእይቶ ኪወሃብ ይከኣል፥

  1. ነቲ ህግደፍ ወሲዱዎ ዘሎ ናይ ኣከባቢ ምልዋጥ መደብ ምምካቱ።
  2. ነቲ እምባገነን ደው ኢሉሉ ዘሎ መሰረት (ብሰዓብቱን ደገፍቱን ኣምለኽቱን እተሃንጸ ሰረት) ከም ዚዳኸም ምግባር።
  3. ኣብ ኣተሓሳስባ ለውጢ ምግባር

ኣብታ ቀዳመይቲ ነጥቢ፡ እቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝቢ ምሁራውን ሃናጽን ናይ ፕሮፓጋንዳን ሓበሬታን መደባት ብምድላው ይኹን፡ ንህዝቢ ብእተፈላለየ መገድታት ብምንቃሕ ይኹን፡ ነቲ ህግደፍ ወሲዱዎ ዘሎ ናይ ኣከባቢ ምልዋጥ መደብን ኣተግቢሩዎ ዘሎን ከተግብሮ ዚሓስብ ዘሎን ትልምታት ምምካት።

ኣብታ ካልአይቲ ነጥቢ፡ ንኣህጉራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ብምውካስ፡ ነቲ እምባገነንን ነቶም ተሓባበርቱን ከም በደለኛታ ቆጺርካ ኣብ ፍርዲ ዚቐርቡሉ መገድታት ሃሰው ምባል፡ ኣምለኽቱን ሰዓብቱን ኣብ ወጻኢ ከይዶም ህዝቢ ካብ ምግጋይ ከም ዝዕገቱ ምግባር፡ ናይ ህዝቢ ገንዘብ ከም ዘይዘምቱ (2%)፡ ወዘተ እናገበርካ ብኹሉ መዳይ ከም ዚዳኸሙ ምግባር።

ኣብታ ሳልሰይቲ ነጥቢ ድማ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ብምግባር ነቲ እቲ ስርዓት ከም ክብርታት ወይ መትከላት ወይ ቅኑዕ መገዲ ኢሉ ዚቖጽሮ ኩሉ ተመሊስካ ምምርማሩ፡ ዘይረብሕ ኮይኑ ምስ ረኸብካዮ ድማ ምድርባዩን ንኻልኦት ኪድርብዩዎ ምምዓድን። ናይ ምእዙዝነት ወይ ኮሎንያል መንታሊቲ (ኩሉ ናይ ገዛእየይ ጽቡቕ፡ ኩሉ ናተይ ሕማቕ) ዚብል መንፈስ ካብ ርእስኻን ካብ ልብኻን ምውጻእ። ነቲ ናይ ገለ ሰነፋት ናይ ተስፋ ምቝራጽን ሕልማውን ኣተሓሳስባ (ዕድልና እዩ፡ መርገም እዩ፡ ኣምላኽ ኪቐጽዓና ደልዩ እዩ፡ ኩሉ ንኣኡ ንሃቦ ወዘተ..) ካብ ኣእምሮኻ ምሒኻ ምድርባይ። ህየሳዊ ኣተሓሳስባ ምኽዕባት።

ከምዚ ብምግባር፡ ነቲ ስርዓት ኣብ ዘይሓሰቦ ግዜን ኣጋጣምን ተማሕዩ ከም ዚድርበ ትገብሮ ወይ ድማ ንዕምሩ ከተሕጽሮ ትኽእል።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • Senhit June 26, 2015

    Thank you ኣማኑኤል ሳህለ
    Your analysis will help us in forming a government for the people by the people and to the people. It will help us form a nation with the highest standard of equality, freedom, justice and liberty.
    It will help us in drafting and implementing our future constitution.
    It will help us to implement our Highi Indaba. We will make sure just like the good old days that all Eritreans in their fathers’ village will have a free land for farming and for building their house.
    It will help us in conducting free and fair election allover our original province and on our national election in Eritrea.
    It will help us in ending all types of forced servitude.
    It will help us to free all non-criminal political prisoners.
    It will help us to bring all the perpetrators to justice.
    It will help us to through the tyrant Isayas’s burned flag and implement our original liberation flag, the flag of our forefathers, and the flag of our martyrs.
    We will liberate our land and our people.
    We will let all our original provinces to govern them selves.
    Freedom will ring in Akeleguzay!
    Freedom will ring in Barka!
    Freedom will ring in Denkel!
    Freedom will ring in Hamassien!
    Freedom will ring in Sahil!
    Freedom will ring in Semhar!
    Freedom will ring in Senhit!
    Freedom will ring in Seraye!

    Our original Eritrean Liberation Flag, our martyrs flag, the flag of our forefathers, the flag that represent all our provinces and our nationalities, the flag that stand for freedom, liberty, equality and justice will be allover Eritrea and allover the world and at the United Nations!

    • Kabbire June 26, 2015

      senhit, the old timer semhar,why are you posting expired and long defunct second hand pauperism here? Can’t you discuss worthy ideas?

      Your message is as outdated, undemocratic and as hypocritical as a decree written by a dictator.
      Eritreans are dying by hundreds every month and you are obsessed about the colour of cherqi and the name of long defunct Awraja regions?
      You are living in the past. Grow up! Please stop spewing your garbage here. There are tens of thousands of Eritreans including many Warsays who were wounded, toiled under their own Eritrea-made-flag, the current flag.
      The UN had handed to the former Italian colonies of Somalia, Libya and Eritrea (under the Ethio-Eritrea federation) a blue cherqi. The Somalis and the Eritreans (the latter under Ethiopian sovereign federation) each accepted with slight change to the cherqi but the Libyans adopted their own. Therefore, the blue flag is technically a hand-me or second-hand cherqi from the UN.
      what would you tell to the old Bogos people in the current Zoba Anseba who happen to be Tigre and Blin, named after the rich Anseba river that crosses through their fertile land, as Anseba?

      what would you say to the people of Logochowa who are not part of Hamassien nor Seraye and deserve their own region?
      What would you say to the Kunama people who are not part of the old Barka region but are proud people in their own language and culture from the Setit-Sosuna rivers?
      The word “Denkel” is in fact an insult to an Afar. It is like calling them a “n***r”. The majority of ethnic people inhabiting the present South Red Sea region would prefer to be called an Afar region or Red Sea region and speak their language Qafár af …
      Please stop dreaming of this old colonial partition divisions handed by the Italians and look forward to a better and sensible Eritrea to all ethnic and regional groups.

Post a Reply to Kabbire Cancel Reply