ለውጢ ካበይ – ካብ ወጻኢ ዓዲ: ካብ ውሽጢ ዓዲ’ ዶ ካብ ሓድሽ ዓዲ
መንእሰይ: (ክቡር መንእሰይ ዘይበልኩኻ ኣይትሓዘለይ: ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝበልኩኻ: ውሳነኻ ከይፈለጥኩ ከኽብረካ ስለዝኸብደኒ እዩ:: ስለዚ: ኣንታ መንእሰይ ጥራሕ ኢለ እንተጸዋኩኻ ኣይትጉሀ:: ) "ሰጊድ ሰላም" ኢልካን ደኒንካን ዝርከብ ለውጢ ይህሉ ይኸውን:: ካብ ዕግርግር ናብ ጸጥታ: ካብ ህውከት
መንእሰይ: (ክቡር መንእሰይ ዘይበልኩኻ ኣይትሓዘለይ: ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝበልኩኻ: ውሳነኻ ከይፈለጥኩ ከኽብረካ ስለዝኸብደኒ እዩ:: ስለዚ: ኣንታ መንእሰይ ጥራሕ ኢለ እንተጸዋኩኻ ኣይትጉሀ:: )
“ሰጊድ ሰላም” ኢልካን ደኒንካን ዝርከብ ለውጢ ይህሉ ይኸውን:: ካብ ዕግርግር ናብ ጸጥታ: ካብ ህውከት ናብ ስቕታ የሰጋግር’ውን ይኸውን:: እዚ ለውጢ ምዃኑ ዘይከሓድ እኳ እንተኾነ: ተደላይ ዓይነት ለውጢ ምዃኑ ግን የጠራጥር’ዩ:: ከም ሓደ ለባም ዝበሎ: “ዝያዳ መካነ መቓብር’ዶ ብጸጥታ ዝተዓብለለ ቦታ ይህሉ? የለን:: ግናኸ ንኸምኡ ዓይነት ለውጢ ዲና ንቃለስ ዘለና” :: ምናልባት እቶም “ንጸጥታን/ስቕታን” ምስ “ሰላም” ዝሓዋውስዎ: ካብ መጎታዊ ግን ድማ ዋዕዋዕታ ዝበዝሖ ክትዕ ህያዋን: ስቕታን ጸጥታን ትንፋሶም ዝሓለፈት ግኡዛት ዝመርጹ: “ኩሉ ሓደ’ዩ” ክብሉ ይኽእሉ ይኾኑ:: ንስኻ መንእሰይ ግን ሰላም በይኑ ስቕታን/ጸጥታን በይኑ ምዃኑ ፈላሊኻ ፍለጦ::
ከምቶም ዝሓዋውሱ ዓይነት ሰብ ወይ ወገን እምበኣር: “ሰላም ንግበር” ወይ ድማ “ሰላም ግበሩ” ምስ ዝብል: ወይ ድማ ብውርጹጽ ዝመሰል ኣዘራርባ: ብወረጃ ዝመስል ኣቀራርባ: “ሰላምን” “ሰላማውነትን” እናጠቐሰ: ንርእሱ ክዓቢ: ንዓኻ ክገንሕ ክፍትን እንከሎ: “ስቕ በሉ” ወይ ድማ “ጸጥታ ይከበር” ምስ ዝብል “ግበር ኣይትግበር” ዝትሕዝቱኡ ወተሃደራዊ ዝመስል ትእዛዝ ይህብ ከምዘሎ ኣይትስሓቶ:: ብርግጽ: ኣብ ንቡር እዋን ስቕታን ጸጥታን ዝጽላእ ኣይኮነን:: ስቕታ ወርቂ ዝኾነሉ እዋን’ውን ኣሎ:: እንተኾነ ግን ኣብ ቦታ መቓብር እንከለኻ: ከብድኻ ተረጊጹ እንከሎ: “ስቕ በል: ስቕታ’ኮ ወርቂ’ዩ” እናበለ ዝተሰመመ-ምኽሪ ዝህብ: መንነቱ ቀሊዑ ይገልጽ ከምዘሎ ተረዳእ::
ንስኻ ግን መንእሰይ: ስለ መሰልካ ብዓውታ ይትረፍ’ዶ ሰባት ኣኽራናት ክሳብ ዝነቓነቑ “ይኣክል” እናበልካ ጨድር:: ብነድሪ ድምጽኻ ዝርበሽ – ይረበሽ:: ካብ ጥዑም ድቃሱ ዝበራበር – ይበራበር:: ድምጽኻ ንሓደ ኣብ ምቾት ዘሎ እንተዘይጠዓሞ – ይኾርክሓዮ ዝያዳ ጨድር::
እቲ ከብድኻ ረጊጹ ዘሎ መሓውር ብፍቶትን ብልማኖን ዝእለ ስለዘይኮነ: ሓደው ናብራ ምስቲ ጨካን ተላመዶ: ሓደው ድማ ድምጽኻን ሓይልኻን ኣኪብካ ብቕልጽምካ: ብበትሪን ብጭማራን ንረጊጹካ ዘሎ መሓውር እለዮ:: ገለ ነዛ እዋን ለሚኖም ክወጹዋ ዝምነዩ ስዑራት ኣእምሮ: ገለ ድማ ተዳናገጽቲ ፈተውትን ኣዝማድን ረገጽቲ: “ጎነጽ ኣይፈቱን: ኣይድግፍን: ንመጻኢ ዘናብር ኣይኮነን” ክብሉኻ እዮም:: ሓቂ እዩ:: ጎነጽ ጽቡቕ ኣይኮነን:: ንወለዶታት እናተጓነጽካ ክትንበር’ውን ጽቡቕ ልምዲ ዝገድፍ ኣይኮነን::
ነብሰ ምክልኻል ጎነጽ ኣይኮነን
ነቲ ጽቡቕ ናይ ዘይምጉናጽ ልምዲ ዝሰበረ: ናይ ፈለማ ተጓናጺ ግን: እቲ ኣእጋሩ ኣብ ኣፍልብኻን ከብድኻን ኣንቢሩ ደፊኡካ ዝነብር ዘሎ እዩ:: እቲ ከብድኻ ረጊጹ ደው ኢሉ: “ይቕረታ ሕተት” “ናይ ጣዕሳ ፈርም” እናበለ ዘሽካዕልለካ ዘሎ ዩ:: እቲ ኣብታ ዝተወልድካላ መሬት ብነጻ ከይትንቃሳቐስ ኣሰርቲ ኣዋፊሩ ዝቐየደካ: ካብኡ ሓሊፉ ዘባረረካ: ብሒም ዝበሉን ዘይበሉን ኣሕዋትካ ኣብ ጎዳጉዲ ዘስፈረ’ዩ:: ናብታ ዝተወለድካላ መሬት ንሓዋሩ “ኣይትምለስን ኢኻ” እናበለ በትሪ ዘዋጣውጥ’ዩ:: ንሱ እዩ እቲ ተጓናጺ:: እቲ ጎነጽ ዘይፈቱ ንዑኡ እንተተቓወሞ’ዩ እቲ ልክዕ:: ንዝተበደሉ “ኣይትጓነጹ” እናበሉ ክመኽሩ ዝመጹ ግን: ሰብ ድሓን ከምዘይኮኑ ተረዳእ:: ብመሰረቱ ንስኻ እትገብሮ ምጥቃም ሓይሊ: ነብሰ ምክልኻል ክሳብ ዝኾነ ተጓናጺ ኣይኮንካን:: ስለዚ ንህላወ ነብስኻ ብዘለካ ሓይሊ ተኻላኸል:: ብረት ሒዙ ዝመጻካ ብብረት: መድፍዕ ሒዙ ዝመጻካ ብመድፍዕ:: ቅድሚ ሎም ኣብ ታሪኽ ዓለም መድፍዕ ዝሓዘ መላኺ ብልማኖን ብ”ተገፍዑለይን” ንምልኩ ዝሓደገ ተራእዩ ኣይፍለጥን: ሎም ክጅመር ኣይትሕለም:: ስለዚ ዘላትካ ምርጫ ቅልጽምካ’ያ:: ንመሰልካ በትርኻ ኣልዕል:: ንንጹሃት ኣይትበድል: በደለኛታት ግን ፈሊኻን ሕርሕራይ ጌርካን ክሳብ ዘሕምሞም ደስቆም::
ቃልሲ ንሓርነትካ
እዚ ኣካል ቃልሲ ህዝቢ’ኳ እንተኾነ: ንኻልኦት ጥራሕ ኢልካ እትገብሮ ሓለፋ ኣይኮነን:: ከምኡ እንተኾይኑ’ሞ: ብስመይ ኣይትቃለስ ዝብሉ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ተጠቀምቲ’ቲ መላኺኻ ዝኾኑ ክመጹ እዩም:: ሓቆም ድማ: ብዘይፍቓድ ሰባት ብስሞም ክትቃለስ ኣይትኽእልን:: እቶም “ይቃለሰልኩም” ኣለኹ ትብሎም ዘለኻ ወገን ምስ ናትካ ኣተሓሳሳባ ኣይሰማማዕን ክብሉኻ መሰል ኣለዎም:: ንስኻ’ውን: ከምቲ ዝሓለፈ ዝተገብረ: “ተጋዲለልካ” “ተቓሊሰልካ” ኢልካ ክፍሊት ወይ ሓለፋ ካብ ህዝቢ ክትጸበ ንቡር ኮይኑ ክስመዓካ ይኽእል ይኸውን:: ቃልስካ ብቐንዱ ንነብስኻ ዩ:: ካብኡ ሓሊፉ ቃልስኻ: ምእንቲ ‘ቶም ይብዝሑ ይውሓዱ ከም ናትካ ዓይንት ግፍዒ ወሪዱዎም ምሳኻ ብሓባር ክቃለሱ ዝተስማምዑ እዩ:: ካብ ብመሰረቶም ምሳኻ ዘይሳማምዑ ተቐባልነት ክትረክብ ንኸንቱ ህርዲግ ኣይትበል:: ምስ ግቡዛት ኣብ ናይ ህቡብነት ውድድር ኣቲኻ: ዓለምካ ኣይተጽብባ::
ነቲ ብስምካ እትገብሮ ቃልሲ ጣቕዒት ወይ ወደሳ ኣይትድለየሉ:: ኣብቲ ብስምካ እትገብሮ ቃልሲ ብሰንኪ ነቐፌታን ጸርፍን ናይ እኽብካብ: ዋላ’ውን ይብዝሑ: ኣይኮለፍ:: ምኽንያቱ : ንስኻ ተረጊጸ’የ እናበልካ: ስምብራት መርገጽትኻ እናረኣኻዮ: ቃንዝኡ እናስተማቐርካዮ: ኩሉ ኣማራጺታት ምስ ፈቲንካ ምስ ወዳእካ: ናብታ ናይ መጨረሻ ውሳነ ንነብስኻ ምኸላኻል ክትበጽሕ “ፍቓድ” ብዙሓት ይኹኑ ውሑዳት ኣየድልየካን እዩ:: እዚ ባህ ዘይብሎ ስረ ወድዩ ኣብ ቅድመኻ ደው ይበል:: ንዝበደለካን እናበደለካ ክቕጽል ዝደሊን ነግ ፈረግ ከይበልካ ዋጋ በደሉ ምለሰሉ:: እዚ’ዩ ከም ሰብ ዘኽብረካ:: እዚ ነብሰ ምክልኻል’ዩ:: ከምኡ ዘይትገብር ወይ ዘይትድግፍ እንተኾንካ: ኣፍንጫኻ ዘርከበን ዘይርከበን እናኹረፈካ: እናደመኻ ምኽምስማስ እትፈቱ ሓሞቱ ዝፈሰሰ ፈራሕ ኢኻ::
ባህሊ ይቕረ ምብህሃልከ ?
ኣብዚ “እቲ ክቡር ይቕረ ናይ ምብህሃል ባህሊ ናበይ ምስ ከደ: ኢኻ በትሪ ዘልዓልካ?” ዝብሉ’ውን ክመጹኻ እዮም:: እዚኦም’ውን ሓቆም እዮም: እቲ ባህሊ ክቡር እዩ:: እንተኾነ ግን ኣብ ባህልና ይኹን ባህሊ ካልኦት: ኣምር “ይቕረታ”: እቲ በዳሊ ዘበግሶ ተግባር እምበር: ተበዳሊ “ይቕረ ክብለልኩም: መሓሩኒ” እናበለ ዝልምኖ ብህሎ ኣይኮነን:: ኣብ ርእሲኡ: ይቕረታ ማለት በደላት ብ “ዕበጦ ዕበጦ” ተሸፋፊኑ ይትረፍ ማለት ዘይኮነስ: ንነብስ ወከፍ በደል ዋንነት ክውሰደሉን: በዳሊ ብሳልሳይ ኣካል ዘይኮነ ገዛእ ርእሱ ወኪሉ ምስ ሓተተ ተበዳሊ ባዕሉ ዝህቦ ሓለፋ’ዩ:: በደሉ ዘይኣመነ ይቕረ ክብል ኣይክእልን’ዩ:: ብሓደ ወገን “ኣነ ኣይበደልኩን” እናበለ በቲ ኻልእ “ይቕረታ” ዝብል ግን: ንኩነታት ክምዝምዝ ዝጸሓፎ ባዕሉ ዝድምስስ ተበላጺ እዩ: ዘረብኡ ዋጋ ሰለዘይብሉ ኣይትእመኖ:: ግዝየኻ አይተጥፍእ:: ስለዚ ጉዳይ ይቕረታ: በደልትኻ በደሎም ዘኪሮም ክሳብ ዝናስሑ: እንተረሳዕካዮ ይሕሸካ:: ጉዳይ’ካ ብቕልጽምካ ፍታሕ::
ዝተሰመመ ምኽሪ
ኣብዚ ብፍላይ :ኣብ ወጻኢ እንተለኻ: ዝመጽካ ኽፍኣት ዝተመልአ ምኽሪ ኣሎ: ” ሓቅኻ ነርካ: ግን ኣብ ወጻኢ ኮንካ እንታይ ኢኻ’ሞ ክትገብር? ዝግበር ነገር የለን::” ይብሉኻ:: ምስኣ ኣስዕብ ኣቢሎም: “እሞ ኣብ ዓዲ ኬድካ’ኸ ኣሕዋትካ ዲኻ ክትቀትል ?” ይደግሙልካ:: እዘን ብደጊአን ኣብ ቅንዕና ዝተመስረታ ዝመስላ ኣዘራርባታት: ምስ ደመርካየን: ሕመረተን “ኣብ ዓዲ ኣይትወሳወስ: ኣብ ደገ ድማ ትም በል” ዝብል ክኸውን እንከሎ: ቀንዲ መልእኽተን “ኣብ ዘለኻዮ: ስቕ በል: ተኾርሚኻ ኮፍ በል::” ማለት ምዃነን ኣይትረስዕ:: በሃልተን እንተስ ብውንኦም እንተስ ብገርሆም ኣብ ኩናት ስነ ኣእምሮ ዝተሳዕሩ ድኹማት ስለዝኾኑ: ካብ ከምዚኦም ዓይነት’ውን ምኽሪ ኣይትቀበል:: ክትካትዖም’ውን ግዝየ ምጥፋእ ጥራሕ እዩ::
ዝተሳዕረ ምኽሪ
ምናልባት መስመርካ ኣሚኖምሉ ክንሶም: “በይንኻ ትገብሮ ነገር የለን: ስለዚ ትም በል” ዝብሉ ከምዘለው’ውን ኣይትስሕቶን ትኸውን:: እዚኦም ኣብ ባሕሪ ፍርሒ ጥሒሎም: ርእሰ ምትእምማን ኣጥፊኦም ዘለው ሰባት ምዃኖም ዘክር:: ካብ ከምዚኦም ምኽሪ ኣይትቀበል:: ምኽሪ “ኣይከኣልን’ዩ” ኢሉ ዝጅምር ሰብ ኣይትስማዕ:: ምኽንያቱ: እቲ ንሱ ዘቕርበልካ ጻውዒት ንሓባራዊ ልማኖ ዩ:: እናለመነ ዝቃለስ ሰብ: ኣብ እቶን ክኣቱ ዝመረጸ በረድ እዩ:: ይመኽኽ ጥራሕ ዘይኮነ: መኺኹ ሓዊ የጥፍእ:: ስለዚ እታ ሽግ ርእሰ ምትእምማንካ ተኸናኸና:: ብፍርሒ ዝተንከፋ ይለብለብ:: ዝፈርሓ ኣይቕረባ: ምእንቲ ሰናይ ክብ ዘብላ ተባዕ ግን ረገጽቱ ዘባርረላ ኣጽዋር ትኹኖ:: ምናልባት ብኽፍኣተ ተበጊሱ ከጥፍኣ ዝሕልን እንተሎ ግን ይጥፋእ – ብምምህላል ዘይኮነስ: ብግብሪ: ብተግባር ኢድካ::
ዝኾነ ኣብ ዓዱ: ሕጊ ሰብኣውነት ኣኽቢሩ ክነሱ ከም ድልየቱ ክኸውን ዘይክእል ሰብ: ነቲ ብሓይሉ ዝረገጾ ብሓይሉ ክምክቶ መሰል ኣለዎ:: መንእሰይ ኤርትራ: ሕጊ ሰብኣውነትን ሕጊ ግዝኣተ-ሕጊ ዝኽበረለን ሃገራት ኣይተፍርስ:: ሕጊ መለኽቲ ግን ርገጾ: ከምዝረገጽካዮን: ብሕጂ’ውን ደጋጊምካ ከምትረግጾን ብዓውታ ኣውጅ:: ኣይፍራሕ: ኣይትድነን::
ኣይትድነን
መንእሰይ ኤርትራ: ነዛ “ኣይትድነን” ትብል ምኽሪ ከም ትፈልጣ ይፈልጥ እየ:: ግና “ኣይትድነን” እትብል መልእኽቲ ንውሑዳት መለኽቲ ጥራይ ጌርካ ኣይትረድኣያ:: ስለዚ: ምሉእ ስእሊ ክህበካ መታን እዚ ክውስኸልካ::
- ንበለካ ለኽዓካን: ዋንኡ ዘይፍለጥ ዘይተጻረየ ወረ ኣይትድነን
- ንጭብጢ ዘይብሉ ሃለውለው ኣይትድነን
- ንድንቁርና ኣይትድነን
- ንህዝቢ ጅሆ ሒዙ: “እንተዘይቋሪጽኩም ክቕጽሎ እየ” ዝብል ምፍርራሕ ኣይትድነን
- ንምፍርራሕን ንዒግታ ስም ምክፋእን ፈሪሕካ ኣይትድነን::
ኮታስ ትፈርሖ ነገር ኣይሃልውካ:: ምስ ፍርህኻ: ይትረፍ’ዶ ንኻልኦት ሓራ ከተውጽእ: ንርእስኻ’ውን ግዙእ ኢኻ:: ዝደነነ ሰብ: እንግድዑኡ ኮረሻ መለኽቲ ክኸውን መሪጹ: ብፍታዉ መንነቱ ሓዲጉ መንነት ሰጋር በቕሊ ዝመረጸ ግኡዝ እዩ:: ኣብ ዘይዳሱ: ዘይውራዩን ድማ ከኳድድ ይነብር:: ንስኻ ግን ትባዕ:: ንፈጣሪኻ ንሓቂን ሳየንስን ጥራሕ ተገዛእ::
መደምደምታ
እዚ ምስትገብር ንለውጢ ኣብ ዘላታ ኬድካ ክትደልያ ኢኻ:: እታ ናትካ ለውጢ: ምስቶም ኣብ ዓዲ ኮይኖም ዝክኣሎም ዝፍትኑ ዘለው የላን:: እታ ናትካ ለውጢ ምስቶም ኣብ ደገ ኮይኖም ዓቕሞም ዝገብሩ የላን:: ንለውጢ ካብ ባዕልኻ ካብ ውሽጥኻ ካብ ነብስኻ ድኣ ድለያ:: ሓቂ እንተሒዝካ እታ እንኮ ንጽል ድምጺ በይንኻ’ውን እምባታት ከምእተፍርስ ተኣማመን:: እዚ ዘይክኣል እንተመሲሉካ ደኒንካ ኣለኻ: ስለዚ ቅንዕ ኢልካ ንታሪኽ ተመልከት’ሞ ተመሃር:: ስለዚ ኮለል ኣይትበል: ነታ እተድልየካ ለውጢ: ካብ ስረኻ: ካብ መዓንጣኻ: ካብ መሓውርካ: ዝያዳ ኩሉ ድማ ካብ ርእስኻን ብርእስኻን ድለያ: እምበር “ተባህለ” እናኮማሳዕካ: ካብ ወጻኢ ዓዲ ዶ ውሽጢ-ዓዲ’ባ ወይ ድማ ካብ ሓድሽ-ዓዲ ኣይትድለያ::
ኣብ መወዳእታ መንእሰይ: ኣነ’ውን ናይ ትብዓት መልእኽቲ እናሃብኩ ኣይፈርሓካን: ኣየቃባጥረልካን’ውን:: ሰለዚ እታ መራር ሓቂ እንሀትልካ: እዚ ምስዘይትገብር: ምናልባት ምልኪ ዝፍተወካ ደናኒ ክትከውን ስለ እትኽእል: ትም ኢልካ ተመለኽ:: ኣይተቑረምርም::
ቢኮ
senai January 14, 2015
Bico,
Good article but I have one question. Are meniesay? If you are what are you doing yourself?
Simon G. January 14, 2015
ቢኮ:
ትጽሕፍ ወዲ ሓራም (ንጽቡቕ ማለተይ’ዩ)። ኣንቢበ ክሳብ ዝውድእ ኣይተረደኣንን። ‘ዝወዲ ‘ምበር ርእሲ ርእስና ከትኪቱና እንዳበልኩ ወዲአያ። የግዳስ ዝበልካዮ ኩሉ ረዚንን ሓቅን’ዩ (ዋላ ተመረረ)። መንእሰይ ከምዘኮንኩ ምስዘከርኩ ግን ቁሩብ ፍኹስ ኢሉኒ። ዝግባእ እጃመይ ስለዘይገበርኩ ግን ማዕረ መንእሰያት ተስሚዑኒ። ናይ ብሓቂ ተሪር መልእኽቲ። ኣብ ሓንጎልና ዝሰፍር ይግበሮ።
tesfu January 14, 2015
Ata BUKO,
What does biko or buko mean …. are you from burkinafaso????? I am so proud of you learn tigrigna and you write well. BUKO …… bela’e enkaku’ho …… zigadel bimelho …….
Stefanos Temolso January 15, 2015
እቲ ቀንዲ ጸገም መንእሰይ ከም ዝበልካዮ፡ 1. ግዳይ ፕሮፓጋንዳ ህግደፍ ይኸውን ኣሎ 2. ኣብ ቀንዲ ጕዳይ ኣብ ክንዲ ዘተኵር ኣብ ጓል መንገዲ ኣትዩ ኣብ ነንሃድህዱ ይተሃናዀት ኣሎ 3. ግዜኡ ኣብ ክንዲ ኣብ መጽሓፍ ምንባብን ፍልጠት ኣብ ምቕሳምን ዘጥፍኦ ኣብ ሃለውለውን ኣብ ዘይጠቅም ፊልምታት ምርኣይን የባኽኖ ኣሎ 4. ብውልቃዊ ጥቕሚ ይጥቃዕ ኣሎ። መንእሰይ ኣኼባ ኣሎ ኢልካዮ ዘይመጽእ ናብ ጓይላ ግን ዝጐዪ እንተኾይኑ ሽዑ ጸገም ከም ዘለኦ ትርዳእ። ገለ መንእሰያት ብዛዕባ ቃልሲ ክተዕልሎም ከለኻ፡ ተቓውመቲ እንታይ ገይሮም ዝብል ዘረባ ይምልሱልካ። እዚ እዩ ድማ እቲ ቀንዲ ጸገሞም። እቲ ቃልሲ ናቶም ምዃኑ ፈሊጦም ኣብ ውሽጢ እቲ ቃልሲ ብምእታው፡ ተቓውመቲ ስለምንታይ ከም ዘየድምዑ ክፈልጡን ከዕርዩን ምፍታን ብማዕዶ ኮይኖም፡ ኣብ ዘየድሊ ምውርዛይ ይኣትዉ። ገድሊ ኤርትራ ክጅመር ከሎ ብዙሕ ጸገም ነይሩዎ። ድሒሩውን ክልተ ውድባት ኮይኑ ነይሩ። ናይ ሽዑ መንእሰይ ግን ገድሊ ኤርትራ ጸገም ኣለዎ ኢሉ ኮፍ ኣይበለን፡ ወይ ስምረት ዘየሎ ኣይስለፍን ኣይበለን። ቃልሲ ከም ሽሙ ቃልሲ ስለ ዝኾነ መንእሰይ ንህዝብና ብዓቢኡ ድማ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ወሪዱ ንዘሎ ጸገም ባዕሉ እዩ ክፈትሖ ዘለዎ። ኣብ ክንዲ ካብ ህሰም ክትሃድም ክትብል ኣብ ሳሃራን ሲናይን፡ ኣብ ባሕሪ ቀለብ ዓሳን ምዃን፡ ነቲ ስጕምቲ ባዕልኻ ኣብቲ ዘለኻዮ ቦታ ኴንካ ምውሳዱ ወይ ምብድሑ እዩ እቲ ፍታሕ። ዓመታዊ ልዕሊ 30 ሽሕ መንእሰያት ካብ ሃገር ይወጽኡ ኣለዉ። 500 ካብዚኣቶም ኣንጻርቲ ዝወርደዶም በደል ደው እንተ ዝብሉ ብዙሕ ለውጢ ምመጽአ ነይሩ። ብሓጺሩ፡ መንእሰይ ልክዕ ከምቲ ኣብ ዓውደ ኵናት መኪቱ ዘድምዐ ኣብቲ ንደሞክራሱ ዝግበር ቃሊ ዘልሓጥ ክብል የብሉን። ንእግረ መንገደይ ንሰናይ ክብሎ ዝደሊ፡ ኣብ ክንዲ ንጸሓፋይ ንስኻኸ እቲ ትብሎ ዘሎኻ ትገብሮ ኣለኻ ዲኻ ኢሉ ዝሓትት፡ ነቲ ጽሑፍ ክቕበል ወይ ክነጽግ ጥራይ ምኣኸሎ። እዚ እዩ እቲ ጓል መንገዲ ምሃዝ ዝብሃል። ኣድህቦና ኵሉ ግዜ ኣንጻርቲ ስርዓት ክከውን ኣለዎ። ሰናይ ኦዓመት ይግበረልና።
A.. Temesghen January 15, 2015
Without active internal opposition, we just await Mother Nature to do its job what man can’t. The misery back home is so bad that the higdefites leadership is only a bullet away to crumble, just like that of Tunisia. What is really and urgently needed is to have a wise, responsible and far-sighted leadership in place.
Debasse January 15, 2015
Well written article. I love it.
Tes January 15, 2015
Excellent Biko! to the point and very articulated. the ball is in our court. I don’t what but we need to do something to elevate the life of our people from the miseries HGDEF.
woldu tekle January 15, 2015
Biko
No words!!Amen.I cannot wait for another article.
monica salguero January 15, 2015
selam nkulukum tekalesten deleyten fthin: yehwat/ahat ab merbeb win kalsi
ayt-tehal-lu hadera ayokum nefsi wekef kem-kem akmu.
Almaz Gual Asmera January 15, 2015
ዝኸበርካ ኣቶ ቢኮ ስለቲ እዋናዊ ጽሑፍካ ኪትምስገን ይግብኣካ። ትሕዝቶ ጽሑፍካ ግን ዝተፈራረቐ ስምዒት ፈጢሩለይ። ኩሉ ከይነጽጎ ብዙሕ ሓቅታት ዝሓዘለ እዩ። ከምዘሎዎ ከይቅበሎ ድማ ሓቅነቱ ዘጠራጥር ነገራት ዝሓቖፈ እዩ። ነንሕድሕድና ንምትህንናጽን ነቲ ርእሰ-ነገር ንምብሳልን ኣብቲ ጉድለት ኮይኑ ዝተራእየኒ ኣድሂበ ሓሳበይ ወስ ከብል። “እቲ ጉዳይ እዚ ኣካል ቃልሲ ህዝቢ’ኳ እንተኾነ: ንኻልኦት ጥራሕ ኢልካ እትገብሮ ሓለፋ ኣይኮነን:: … ቃልስካ ብቐንዱ ንነብስኻ ዩ::” ዝብል ሓሳብ ንምቕባሉ ከቢድ እዩ። እቲ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ገድሊ ኣብ ፈቐዶ ኩርባን ሩባን ዝወደቑ መሳኪን ደቂ ሕዝቢ መንእሰይ ኣሽምባይዶ ብምዉታቶም ኺጥቀሙስ እቶም ብድሕሬኦም ዝገደፍዎም ጠዋሪ ዝሰኣኑ ወለዶም ይኹኑ ዘኽታማት ደቆም ብነጻነት ኤርትራ ሕሰም እምበር ራህዋ ኣይረኸቡን። ብዓል መን ተጠቒሞም ዘዛርብ ኣይመስለንን። ሕጂ ኸኣ እቲ ወስ በል ትም ኣይትበል ዘስምዕ መልእኽትኻ፡ ኣብ ወስታ ዘሎ መስዋእትን ደምን ዝረስዖ ይመስል። ብዘይ መስዋእቲ ሓርነት የሎን ኣብ ዝብል ኣምር ይሰማማዕ እየ…ብደም ዕሸላት ደቂ ሕዝቢ ዝመጸ ለውጢ መጻወት ናይ ብዓል መንኮን ይኸውን ዝብል ግን መልሲ የድልዮ። ስለዚ ኸኣ እየ ኣቶ ቢኮ መንእሰይ እንተዘይኮንካ ንስኻን መሰልትኻን ተጋደልቲ ነበር ይኹን፡ ምሁራት፡ ምኩራት፡ ለባማት ኣያታት…ንሕዝቢ ዘዐስል፡ ዓዲ ዘእቱ፡ ብሕግን ስርዓትን ዝቕየድ ሕዝባዊ ምንቅስቓስ እሞ ይመስረት …ነቲ ኣጎላግል ኮይኑ ዘሎ ሕዝቢ ንቓልሲ ምዓደመ፡ ነቶም ደሞም ኣፍሲሶም ለውጢ ንዘምጽኡ ዋሕስ ምኾነ…ስለዚ እቶ ቢኮ እቲ ጻውዒት ምሉእ ኣይኮነን። ሰብ ገግዴኡ ኪፍጽም እሞ ንጸውዕ፡ ካብ ቃል ሓሊፍና ተግባራዊ ስጉምትታት ኪንወስድ ምስ ጀመርና…ነቲ ባዕልና ዘገበልናዮ ገበል ሓንሳእን ንሓዋርን ኪንጸርጎ ምኽኣልና። ስለዚ እቲ ጻውዒትካ ንኹሉ ነዛ ሃገር ተወሊደላ እየ ዝብል ሕልና ዘሎው ዜጋ ኪኸውን ይግባእ ኣብል።