ህጹጽ ዜና ካብ ኣስመራ
እዚ ዜና’ዚ ካብ ኣሥመራ ዝለኣኽ ዘሎ ዜና’ዩ። ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ-እንጦንዮስ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ወፓትርያርክ፥ ዘሃገረ-ኤርትራ። ብሓላፊ ሃገራዊ-ድኅነት፥ ብ/ጀረናል ኣብርሃ ካሣ፥ ምፍርራህን ጸቕጥን ይግበረሎም ከምዘሎ፥ እቶም ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተሉዎ ዘለዉ እሙናት ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ይሕብሩ ኣለዉ። እዚ ማለት ድማ
እዚ ዜና’ዚ ካብ ኣሥመራ ዝለኣኽ ዘሎ ዜና’ዩ። ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ-እንጦንዮስ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ወፓትርያርክ፥ ዘሃገረ-ኤርትራ። ብሓላፊ ሃገራዊ-ድኅነት፥ ብ/ጀረናል ኣብርሃ ካሣ፥ ምፍርራህን ጸቕጥን ይግበረሎም ከምዘሎ፥ እቶም ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተሉዎ ዘለዉ እሙናት ደቂ ቤተ–ክርስቲያን ይሕብሩ ኣለዉ።
እዚ ማለት ድማ እዚ ዝተባህለ ብ/ጀረናል ኣብርሃ፥ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ናብቲ ቅዱስ–ኣቦና፥ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ኣባ–ሉቃስ፥ ብማሕዩር ተታሒዞሙሉ ዘለዉ ፍሉይ ቦታ ብምኻድ። ንብፁዕ ወቅዱስ ፓትርያርክ፥ ከፈራርሆምን ክድህሎምን ፈተነ ከም–ዝገበረ’ዩ ዝንገር ዘሎ። ቅዱስ–ፓትርያርክ ግና እግዚኣብሔር ናይ ትብዓት መንፈስ ስለ–ዝሃቦም፥ ብቐሊል ክደሃሉሉ ኣይከኣሉን።
እቲ ብመጀመርታ ከም መበገስ ዘረባ ጠንቂ ዝኾነ፥ ኣብ መንጎ’ቶም ፓትርያርክን ገዳም ደብረ–ቢዘንን፥ ብምሥጢር ርክብ ይግበር ኣሎ ስለ–ዝተባህለ። ነቶም ንቅዱስ–ኣቦና ተራዳኢ ኮይኖም፥ ዝለኣኹዎም ዘለዉ ኣቡነ–ቀሲስ፥ ንስኹም ኢኹም ምስቶም ገዳም ተራኽቡዎም ዘለኹም ብምባል፥። ኣጋፊዑ ካብ ብጹዕ ፓትርያርክ ፈልዩ ከም–ዝሰጎጎም’ዩ ዝንገር ዘሎ። ማለት እቲ ኣብ ገዳማትን ኣብቲ ሕዝብን ዝርአ ዘሎ ናይ ጽንዓት መንፈስ፥ ብመገዲ ገዳም ደብረ–ቢዘን፥ ምስቶም ፓትርያርክ ዕለታዊ ርክብ ይግበር ከም ዘሎ ስለ–ዝጠርጠሩ እዮም።
በዚ መሠረት’ዚ ድማ፥ ነቶም ኣቡነ–ቀሲስ ኣጋፊዑ ድሕሪ ምስጓጉ። ናብቶም ኣብ ዕድመ 90-ዓመት ዝርከቡ ፓትርያርክ ገጹ ብምምላስ፥ “…..ንስኹም ነዚ ሃገር’ዚ ኣብ ከቢድ ጸገም ኣውዲቕኩሞ ትርከቡ ዘለኹም ሰብ ኢኹም። እቶም ገዳማት ኮኑ ንስኹም፥ ኣብ ፓትርያርክነት ክትምለሱ’ዩ ትጽቢት ትገብሩ ዘሎኹም። እዚ ኩሉ’ዚ ግና ኣሽምባይዶ ክግበር፥ ፈጺሙ’ውን ኣይሕሰብን እዩ….” ክብሎም’ዩ ዝተሰምዐ።
ንሶም እቶም ቅዱስ–ፓትርያርክ ድማ “…. ኣነ ዕድመይ ዝኣኸልኩ ሰብ እየ። እግዚኣብሔር መዓስ ከም–ዝጽወዓኒ ዝጽበ ዘሎኹ’ውን እየ። ድሮ ፓትርያርክ ስለ–ዝኾንኩ ግና፥ ካባኻትኩም ዝጽበዮ ፓትርያርክነት የለን። ንስኻትኩም ፓትርያርክ ክትሾሙን ክትስዕሩን እትኽእሉ ስለ–ዘይኮንኩም፥ ንዓኻትኩም ዝጽበ ሰብ የለን። ዘይብሉ ከኣ ክህብ ኣይክእልን እዩ። ንስኻትኩም ከኣ ክትህቡን ክትከልኡን እትኽእሉ ኣይኮንኩምን….” ብምባል ቅዱስ ኣቦና ብትብዓት ክምልሱ ከም-ዝኸኣሉ’ዮም፥ እቲ ዜና ዝሕብር ዘሎ።
እቲ ናይ ህግደፍ ብ/ጀረናል ግና፥ እቲ ካባኻትኩም ዝጽበዮ ሽመት የብለይን ምባሎም። ሽመተይ ክገድፍ’የ ከም–ዝበሉ ገይሩ ስለ-ዝወሰዶ “….እሞ እንድሕሪ ሽመት ኣየድልየንን’ዩ በሃሊ ኮንኩም፥ ብጽሑፍ ጌርኩም መረጋገጺ ሃቡና። እቲ ዝሓጸረ ግልግል እዚ’ዩ….” ብምባል፥ ብጽሑፍ መረጋገጺ ክህቡዎ’ዩ ክሓትት ዝተራእየ። ንሶም ግና “ ….ትማሊ ኮነ ሎሚ ኣነ ፓትርያርክ’የ። እዚ መዓርግ’ዚ ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ብማሕላ ዝተቐበልኩዎ ስለ–ዝኾነ፥ ብሕይወት ክሳብ ዘሎኹ፥ ካባይ መንዚዑ ክወስዶ ዝኽእል የለን። ደሓር ከኣ ናይ ሕዝቢ ተዋሕዶ ጉዳይ እዩ’ምበር፥ ዝኾነ ካልእ ኣካል ኣብዚ ጉዳይ’ዚ፥ ኢዱ ክመልስ መሰል የብሉን….” ዝብል ትብዓት ዝመልኦ መልሲ ከም–ዝሃቡ’ዮም፥ እቶም ብቐረባ ርሕቀት ነቲ ጉዳይ ዝከታተሉዎ ዘለዉ ዉሉደ–ክህነት ዝሕብሩ ዘለዉ።
እቲ ሕጂ እዚ ጉዳይ’ዚ ንክለዓል፥ ምኽንያት ኮይኑ ተረኺቡ ዘሎ። ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ይፈትሑ ብምባል ዝቃላሕ ዘሎ ድምፂ፥ በብእዋኑ እናበዝሐን እናስፋሕፍሐን ይኸይድ ስለዘሎ። ኣብ ልዕሊ መንግሥቲ ህግደፍ፥ ከቢድ ጸቕጢ ይገብር ምህላዉ ዝተፈልጠ’ዩ። ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተገብረ፥ ባዕላቶም ዝኾነ ፓትርያርክ መሪጽና ኢና ብምባል፥ ምርጫ ከየካይዱ ድማ፥ እቲ ብማኅበረ-ሰብ ዓለም ክመጽእ ዝኽእል፥ ውግዘትን ተነጽሎን ገና ብርሑቑ ከሎ የባህርሮም’ዩ ዘሎ። እዚ ከኣ ንዓታቶም ነፍሰ-ቅትለት ስለ-ዝኾነ፥ ደፊሮም ክገብሩዎ ዝኽእሉ ኣይኮኑን።
እቲ ቅድሚ ሕጂ ዕርቂ ተገይሩ ብምባል፥ ከተግብሩዎ ዝደልዩ ዝነበሩ ተዋስኦ ስለ-ዝፈሸሎም ከኣ፥ ነቶም ፓትርያርክ ምስ ሰብ ክራኸቡ ኣብ ዘይክእልሉ በዓቲ፥ ወሲዶም ምስ-ዓሸጉዎም ከኣ፥ እቲ ነገር ዝተሃዳዳእ’ዩ መሲሉዎም ዝነበረ። ከም-ዝሓሰቡዎ ኮይኑ ግና ኣይተረኽበን። እቲ ኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን ዝመርሑዎ ዘለዉ፥ ፓትርያርክና ኣብ መንበሮም ይመለሱ ዝብል ድምፂ-ተቓውሞ፥ ሰላምን ቅሳነትን ዝህቦም ኮይኑ ኣይተረኽበን። ስለዚ ከኣ’ዮም ሕጂ ዝገብሩዎ ስለ-ዝጠፍኦም፥ ኣብ ታህዲድን ምፍርራሕን ኣትዮም ዝርከቡ ዘለዉ።
ግዳስ ንዓታቶም ደኣ’ዩ ዝመስሎም ዘሎ እምበር፥ እቲ ኩነታት ተቐይሩ’ዩ። ሕዝቢ ተዋሕዶ’ውን ሕጂስ ካብ ድቃሱ ተበራቢሩ ነቒሑ’ዩ። ዝበሉ እንተ-በሉን ዝገበሩ እንተ-ገበሩን’ውን፥ ከዐሽዉዎ ዝኽእሉ ኣይኮኑን። ሕጂ’ውን እዚ ጉዳይ’ዚ ሓደ መወዳእታ ክህልዎ ዝድለ እንተደኣ ኮይኑ፥ ካብ ሱሩ መሠረቱ እቲ ጉዳይ፥ ጉዳይ ሕዝቢ ተዋሕዶ ስለ-ዝኾነ፥ ንሕዝቢ ተዋሕዶ ዝግደፍ ደኣምበር፥ ህግደፍ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ኢዶም ክመልሱ፥ መሰል የብሎምን ሕጊ’ውን ዝፈቕደሎም ኣይኮነን። ወዮ ደኣ ኣይርድኦምን ኮይኑ’ዩ እምበር፥ ሕዝቢ ተዋሕዶስ ኢድኩም ኣክቡልና’ዩ ዝብሎም ዘሎ።
ደቂ-ተዋሕዶ ካብ ኣሥመራ
Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:
Dawit February 19, 2018
Is this negis so-called general from Eritrea, if yes then I wonder from which part of Eritrea and if he is truly Christian?
May the all mighty God protect our kudus and highly respected father from all those nasty sold out greedy beasts.
We also pray that the all mighty God will give our dearest father all the strength, wisdom, peace of mind and the best of health to come out of this temporary test stronger, wiser and healthier and forgiveness to his tormentors/devils.
Almaz February 19, 2018
Dawit, the so called general is one of the yes men of DIA he and his likes are performing all the evil and dirty job so that their mafia boss will stay in power.
k.tewolde February 21, 2018
The patriarch,Haj Mussa and so many like them in their feeble waning days,women and children……these helpless segment of the population continue to be the target of HGDEF revealing the coward,sinister and moribund character of the perpetrators.These two elderly victims of tyranny possess the character of Daniel from the Bible,you can shred my flesh and feed it to the wolves but my soul remains intact,that’s the message they are communicating to their assailants.They are endangered species in today’s Eritrea.