Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህጹጽ ዜና፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ንሓርበኛ ተጋዳላይ ብርሃነ ኣብርሀ ሃሱሳቱ ልኢኹ ሎሚ ከም ዝኣሰሮ ምንጭታት ሓቢሮም።

  እቲ ብስም ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ዝሽቅጥ ዘሎ ናይ ሓሳባት ፍሉይነት ተጻውሮ ዘይብሉ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ነቲ ንምልካዊ ምሕደራ ኢሳይያስ ብምንቃፍ ሃገረይ ኤርትራ ዘርእስቱ መጽሓፍ ዝደረሰ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮይኑ `ውን ኢሳይያስ ኣካይድኡ ክልውጥ ብድምጺ ንዝጸውዐ

 

እቲ ብስም ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ዝሽቅጥ ዘሎ ናይ ሓሳባት ፍሉይነት ተጻውሮ ዘይብሉ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ነቲ ንምልካዊ ምሕደራ ኢሳይያስ ብምንቃፍ ሃገረይ ኤርትራ ዘርእስቱ መጽሓፍ ዝደረሰ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮይኑ `ውን ኢሳይያስ ኣካይድኡ ክልውጥ ብድምጺ ንዝጸውዐ ሓርበኛ ተጋዳላይ ብርሃነ ኣብርሀ ሎሚ ንጉሆ 17 መስከረም ሃሱሳቱ ልኢኹ ሎሚ ንጉሆ 17 መስከረም ከምዝኣሰሮ ምንጭታት ሓቢሮም።

ብመሰረት `ቲ ሓበሬታ ሓርበኛ ብርሃነ ኣብርሀ ሎሚ ንጉሆ ኣብ ድሮ ዝኽሪ ናይቶም ቅድሚ 17 ዓመት ተመሳሳሊ ተቓውሞ ብምርኣዮም ዝተኣሰረሉ ዕለት 18 መስከረም፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ እናተንቀሳቐሰ ኸሎ እዩ ፡ ብኣርባዕተ በርጌስ ክዳን ዝለበሱ ሰለይቲ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ተታሒዙ።

ሓርበኛ ብርሃነ ኣብርሀ በቶም ሃሱሳት ድሕሪ ምሓዙ ኣበይ ተታሒዙ ከምዘሎ ዛጊት ሓበሬታ የልቦን።

እቲ ኣብ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ወተሃደር ኮይኑ ኣንጻር ኤርትራውያን ምስ ዝተዋግአ ናይ ሕጂ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናይ ሰላም ውዕል ፈጺሙ ተባሂሉ ንጉስ ስዑዲ ትማሊ ማዳልያ ዝተሸለመ ወልቀመላኺ ኢሳይያስ ከም ኣመሉ ምስቲ ንንናጽነት ኤርትራ ልዕሊ 50 ዓመት ህይወቱ ዘወፈየ ጅግና ተጋዳላይ ከምቲ ዝዓደሙ ንዘተን ክትዕን ቅሩብ ኮይኑ ኣይተረኽበን።

ሓርበኛ ተጋዳላይ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ኣብቲ ኤርትራ ድምጺ መኸተን ዘራይን ዝደለየትሉ ወቕቲ ክንዲ ህዝብን ሃገርን ህድሪ ጀጋኑ ሰማእታት ኤርትራ ካብ ሕምብርቲ ኣስመራ ብዓውታ መቓልሕ ብድሆ ምዃኑ ግን፡ ዘልኣለም ዘይበርስ ሓወልቲ ታሪኽ ገዲፉ ኣሎ።

ኣብዚ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ናይ ፈራሓት ስጉምቲ ወሲዱ ከም ኣመሎ ሓደ ኤርትራዊ ጅግና ዝመቚሓሉ ዘሎ ግዜ ግን፡ እቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ እትርከቡ ላዕለዎት ሓለፍትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኢድኩም ኣጣሚርኩም ክትርእዩ የብልኩምን፡ ኣብ ጎኒ እቲ ምእንቲ ሃገራዊ ዕላማ ዝተበጀወ ጅግና ኤርትራዊ ደው ብምባል ዋልታ ክትኩኑዎ ይግባእ። ከምቲ ናይ ትማሊ ኣጽቂትኩም እንተሓሊፍኩም ግን፡ ኢሳይያስ ጽባሕ ውን ንዓኻትኩም ከረኻኽበልኩም ኢዩ።

ክቡራት ሰማዕትና፡ ካብዚ ቀጺልና ታሪኽ ህይወት ሓርበኛ ብርሃነ ኣብርሀ ነቕርበልኩም።

ሓጺር ታሪኽ ህይወት ሓርበኛ ተጋዳላይ ብርሃነ ኣብርሀ

ኣብ ግንቦት 1945 ኣብ ኳንደባ (ኤርትራ) ተወሊደ። ናይ መባእታን ማእከላይን ደረጃታት ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ፡ ናይ ላዕለዋይን ዩኒቨርሲቲን ደረጃታት ትምህርቲ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ናይ ካልኣይ ዲግሪ ትምህርቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ወዲአ። ኣብ 1963 ኣብ ጂማ (ኢትዮጵያ) ኣባል ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ኮይነ። ኣብ 1970 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (ሕመኣ) መስራቲ ኣባል ኤርትራውያን ናጽነት ኣብ ሰሜን ኣመሪካ (ኤናሰኣ) ብምዃን ኣባል ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ) ኮይነ። ኣብ 1973-74 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣባል ማእከልነት ‘ጥሒሻ’ ኮይነ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ Awash Valley Authority (AV A) ኣዋሽ ቫሊ ኦቶሪቲን ኣብ ሚኒስትሪ ደቨሎፕመንት ፕላኒንግን ሰሪሐ። ካብ 1975 ክሳብ 1991 ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረት ዓጢቐ ንሃገራዊ ናጽነት ተጋዲለ። ድሕሪኡ ኣብ ናጻ ሃገረይ ኤርትራ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛ ብምዃን ኣብ ሚኒስትሪ ቁጠባዊ ልምዓት፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት፡ ዳይረክተር ማክሮ ፖሊሲን ኣህጉራዊ ምትሕብባርን፡ ኣብ ሚኒስትሪ ፋይናንስ (ሚኒስተር) ኮይነ ተመዲበ ሰሪሐ።

ካብ መፈለምታ 2013 ንድሓር ንወዮ ስራሕ (employment) ናይቲ በቲ ዝልዓለ ሕጊ (ቅዋም) ኤርትራ ተመሪሑን ተማእዚኑን ክኸይድ ዘይደሊ ገበነኛ ግፍዐኛ ኢሳያስን ዲክታተራዊ ስርዓተ መንግስቱን ብምቅዋም ብፍቓደይ ገዲፈዮ። መጽሓፍ ኣብ ምድራስ ኣድሂበ። ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊን ባይቶኣዊን ዴሞክራሲያዊን ስርዓተ መንግስቲ ክህሉ ዕላማ ናብ ዘለዎ ናይ ቃልሲ መኣዲ ተጸንቢረ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ናይቶም፡ ንረብሓ ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ዘየወላውል ቀዳምነት ስለዝሃብኩ፡ ነቲ ውልቃዊ ምድራዊ-ሃብቲ ንኽድልብ ዘኽእል ዘሎኒ ሓላል ዕቑር ዓቕመይ (potential) ተጠቒመ ከም መጠን ወላዲ ብዘይምሕጋዘይ ዝበደልኩዎም ግን ክኣ ወትሩ ዘፍቅሮም ኣርባዕተ ደቀይን እየ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • Danilo September 17, 2018

    ማንደላ ኤርትራ እምበኣር ቲኣሲሩ።ኮይኑ ግን፡በቶም ዚኣሰሩ ይሓዝን።

  • Aba thimmer September 17, 2018

    ህዝቢ ኤርትራ ኣንተሊኻ ኣለኹ በል
    እንተ ዘየሊኻ ግን የለኹን በል
    ሓደ ዚኣፉ ንቅባጸት።

  • simon September 17, 2018

    issajas kisa kindei zili nai eriyteawian lem zelewo zibuk geiru ariyuna iu dekebat eritrewian atfiu ab eritrea zeabeyu nai ethiopia welodo zelowom geiru yemahaderena alo ab eritrawian imnet yrbelun kab meseretu luuk nai ethiopia sele zikone kea meliktu ab ghebri ariyuna iu.

  • simon September 17, 2018

    issajas zili nai eritrwian zelowo seb iu iti melikti nai goitotu haile selasie ab gebri ariyuwo ni hizbi eritrea sedet mekera schege r imot fah fah abiluna yerekeb alo melikti nai goitotu haile selasie ab ghebri awiluwo alo.

  • ተወልደመድህን September 17, 2018

    ካብ ባህሪ ዲክታተር ወጻኢ ኣይሰርሀን ኢሳያስ።ነታ ንሱ ዝደልያ ከኣ ይሰርሕ ኣሎ።ስለዚ ንሱ ኣይተጋገን ንሕና ኢና።
    ዲክታተራት ቅድሚ ብገለ ጠቢሮም ጠባቢሮም የስርሕኻ።ብቲ መስርሕ ኣናሃሎኻ ሰባት ክትጎድእ ይገብሩኻ።ኣብ ኩሉ ሕማቕ ስረሖም የቅፕማጥዑኻ።ድሕሪኡ ምድካምካ ወይ ምልባምካ ምስ ረኣዩ ከኣ፡የጥፉኡኻ፡ይኣስሩኻ፡ሞራልካ ኣውዲቕካ ናብ መአስተን ስኽራንን ከምተድህብ ይገብሩኻ።
    ነዚ ግብሪ’ዚ ኢሳያስ ብቅሉዕ መገዲ ተጠቂሙሉ ኢዩ።ክሳብ ኣብ ስልጣን ዘሎ’ውን ክጥቀመሉ ኢዩ።

  • Tesfaldetabraha September 17, 2018

    ጥዑም ወረ አስሚዕካና አሰና

  • Tesfaldetabraha September 17, 2018

    ህዝቢ አንጻር መንግስቲ ክላዓል ክብል ኮሎ ህዝቢ ንሰላም እንዳጸውዓ እሞ ሕጂ ድአ እንታይ አምጽኦ አይ አይ

  • zeregabir September 17, 2018

    Well this was obvious.
    A Government without Rule of Law.
    This is similar to Idi Amins and Bosaka rule.

  • beyene September 17, 2018

    so he is wright DIA to take his son with him to saudi arebia because he was afraid if there become any problem during arrested Brhane Abrehe ..
    he is SMART.

  • Genet Original September 18, 2018

    Well, this was expected. DIA is always predictable how he treats Eritreans.
    Embolden DIA and his wife are putting Eritrean in prisons. Yet, placing Ethiopians in our land every week in the hundreds full of airplanes. It is astonishing how this can happen to our people. Who are the men who went to collect Brhane Abrehe?

    • Hagherawi September 18, 2018

      We will come to know later. They too will pay a price one day.

POST A COMMENT