Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህጹጽ መጸዋዕታ ንኤርትራዊ !!!

እወ ኤርትራዊ ብሐፈሻ ብፍላይ ድማ ንደለይቲ ፍትሒ ኢና እናበሉ ዝዛረቡ፦ እዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ብዘይክፍሊት ናይ ሰብ ሕልና አብ ብድሌት ዝተሞርኾሰ'ዩ። እንተኾነ ጃህራን ሐሶትን ከም ዝቀትል ዘይፈልጡ፡ ንሐቀኛ ጅግንነታዊ ታርክና ዝፈታተኑ ብርግጽ አተዓባብያ ዝበደሎም፡ ከም

እወ ኤርትራዊ ብሐፈሻ ብፍላይ ድማ ንደለይቲ ፍትሒ ኢና እናበሉ ዝዛረቡ፦ እዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ብዘይክፍሊት ናይ ሰብ ሕልና አብ ብድሌት ዝተሞርኾሰ’ዩ። እንተኾነ ጃህራን ሐሶትን ከም ዝቀትል ዘይፈልጡ፡ ንሐቀኛ ጅግንነታዊ ታርክና ዝፈታተኑ ብርግጽ አተዓባብያ ዝበደሎም፡ ከም ሃመማ አብ ዝጨኑ ቀልቀል ዝዓይነቱ ጥራሕ ዝዓስሉ፡ ተንኾለኛታት ሕጂ ተጸምቢሮሙና አለዉ። ሎሚ ንኩሉና አብ’ዚ ቃልሲ ዝጸናሕናን፡ ዘለናን ከመይ ናበይ ዓቢ ሕቶ’ዩ። አይንገረም ምስ’ዚ ኩሉ ውረድ ደይብ ተቃላሳይ ህዝብና ሎሚ ሞራሉ እንተወደቀ መሬት’ውን ከምዓይኒ መርፍእ እንተጸበበ፡ ክስገር ከቢድ ዋጋ ምክፋል’ዩ።

እዋኑ እዋን ተቃለስቲ ነቲ ስርዓት ህግደፍ ገዲፎም ናብ ደምበ ፍትሒ ዝተጸምበሩ ዝሕበንሉ። ዝተሐብኡ ጸየቅቲ ከምብዓል ፎሮ12 ዝቃልዑሉ፡ ዝተበደሉ ብጠቅላላ ዝከሐስሉ፡ ገበን ዝፈጸሙ አብ ቅሉዕ ቤት ፍርዲ ጉዳዮም ዝርአየሉ ጊዜ ብቃልስና ብቃልሲ ውጹዓት ክመጽእ ብጽንዓት ምቅላስ እዩ። ከም ብዓል ፎሮ12ን መሰልቱን ካብ ተቃለስቲ ኤርትራውያን እናተከወሉ አብ ድሕሪ ኾምፒተር ተሐቢኦም አብ ፓልቶክ ለይቲ ለይቲ ክፍክሩ፡ ዓበይቲ ተዋስኦ ናይ ጽርግያ ዘረባታት እናልዓሉ ክምህሩና ወይ ከጋራጭዉና፡ ብድፍረት ዓገብ ክንብል አለና። ፈራሕ ሰብ ንርእሱ ዘይደፈረ፡ ንካልኦት ንክቃለሱ ከድፍር አይክአልን’ዩ። አብ ዓዲ ዲሞክራሲ እናተቀመጡ፡ ሎሚ ዝሕብኡ ወይ ዝፈርሁ፡ ናይቲ ስርዓት ህግደፍ ወይ ስርዓት ወያነ ልኡኻት ወይ አገልገልቲ ጥራሕ እዮም ክንብል ብዓውታ እዋኑ’ዩ። ፎሮ12 አብ ውሽጢ ህ.ግ እሙን ተላአኪ ናይ መራሕቲ ወይ ደፋር እንተነይሩ፡ ሎሚ ድአ እንታይ ኾይኑ፡ ነዛ ስሙ ክገልጽ ዝፈርሕ?። ቀደም ልኡክ ናይ ፈርሐት ጸልማት ተከዲኖም ዝሰርሑ እንተነይሩ፡ ሕጂ’ውን ናይ ልኡኻት ልኡክ ጸልማት ዝክደን ናይ ፈርሐት ፈራሕ ዝጨኑ በድኒ መዳከምያ ሐሳዊ’ዩ። ካብ ክቱር ፍርሒ ትማሊ ዝበሎ ሎሚ ዘይደግሞ፡ እናኾነ’ዩ ዝከይድ ዘሎ።

ብ1978 ወዲ 14 ዓመት አብ ህግሐኤ ዝተጸምበረ ሰብ፡ ሕፍር ከይበለ እሙን ካብ መራሕትን፡ ስለያን መጽናዕትን ህ.ግ. ነይረ፡ ድሕሪ 80ታት ካብ መራሕቲ ህግሐኤ አብ ሐለዋ ሰውራ መጽኦም ሰብ ሕረዱልና ኢሎሙና፡ ሐሪድናሎም ስጋ ሰብ ክበልዑ፡ ደም ናይ ሰብ ክሰትዩ ብዓይነይ ርእየ ኢሉ ዝዛረ ዕሉል ሐሳዊ መስተንክር’ዩ። ክንድዚ ዝአክል ነውራም ዘረባ ተዛሪቡ፡ ናበይ አዲኡ ክአቱ ንከታተሎ ጥራሕ ክሳብ ዝመዓልቱ። ርግጽ’ዩ ንቡዙሐት ድቃስ ይኩን ስራሕ ዝሰአኑ፡ ናይ ነዊሕ ዓመታት ተቃለስቲ አደናጊሩ፡ ዘይምትእምማን’ውን ዘሪኡ እዩ። እንተኾነ ዝበቑል ዘርኢ አይኾነን አጆኩም አይትሰከፉ። ነዚ ተቃውሞ ፈራሕ ሰብ ክመርሖ አይግባእን፡ ጸላእቱ አብ ቅድሚኡ ተገቲሮም እናርአዮም ብዛዕባ ዘይርአዩ ሰለይቲ አብ ውሽጥና አለዉ እናበለ ዘማካኒ ብዙሕ እዩ። ጸገምና ክፍታሕ አብ ፍትሕን ሐቀኛ ቃልስን ተመርኹሽና ምትእምማናትና ከነዕቢ። ካብ ፍርሕን ምጥርጣርን ወጺእና ጥራሕ ንቃለስ። ብአካል ንትፈልጦ ኤርትራዊ ሰብ ዘየእመንካ ወይ ዘይአመንካስ፡ ንዘይትፈልጦ ሰብ ብማዕዶ ክትአምን ወይ ከተእምን ብፍጹም ዝክአል ከምዘይምኻኑ፡ ምርዳእ አገዳሲ እዩ። ብዚ አጋጣሚ ንሐሶት ናይ ፎሮ12 ክምክቶ ዝፈተነ ምስ ኩሉ ድክመታቱን ዝወረዶ መጠቃዕትን አቶ ሐጎስ ዝተባህለ ሰብ የድንቆ፡፡ አብ’ዚ ናይ ቃልሲ ጉዕዞና ጥንቃቀ ዝሐትት፡ ብገለ ውሑዳት ተስፋ ዝቆረጹ ሕቡአት፡ ምስ ገለ ገበነኛታት ተአካኪቦም፡ ንህላውነትና ከም ህዝብን ሃገርን ዝፈታተኑ አጀንዳታት ሒዞም ይቀላቀሉ አለዉ። በብዝመጾ አብ እዋኑ ዓገብ እንተዘይ ተባሂሉ ጽባሕ ሳዕቤናት ክህልዎ’ዩ። ብሐላፍነት ዘይስምዖም ውልቀ ሰባት ዝጀመረ፡ አብ ሶማል፡ ቀጺሉ አብ ዒራቅ፡ ሊብያ፡ ሶርያ፡ ሕጅ’ውን አብ ኢትዮጵያ ዝርኤ ዘሎ እዩ። ካብ’ዚ ንምድሐን ሰብ ሕልና ብሐባር እጃምና ንግበር። ኩሉና ደለይቲ ፍትሒ አጆኩም አጆና፡ ዘይወግሕ ለይቲ የልቦን። ክንዲ ዝወሰደ’ውን ይውሰድ ጸገማትና ክፍታሕ መሬት ክወግሕ፡ ኤርትራ ብሕግን ቅዋምን ትምራሕ ናይ ኩሎም ደቃ ክትከውን ናይ ግድን’ዩ።

ብአስገደ ሃብተ ኤርትራዊ ዓባይብርጣንያ

28/10/2016

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Wedi Hagher November 1, 2016

    “ዝተሐብኡ ጸየቅቲ ከምብዓል ፎሮ12 ዝቃልዑሉ፡”

    ብአስገደ ሃብተ ኤርትራዊ ዓባይብርጣንያ

    Foro12 has exposed your crimes, that is why you hate him.

  • Wedi Hagher November 1, 2016

    “ብዚ አጋጣሚ ንሐሶት ናይ ፎሮ12 ክምክቶ ዝፈተነ ምስ ኩሉ ድክመታቱን ዝወረዶ መጠቃዕትን አቶ ሐጎስ ዝተባህለ ሰብ የድንቆ፡፡”

    ብአስገደ ሃብተ ኤርትራዊ ዓባይብርጣንያ

    Thanks to Foro12 you are exposed.
    You are posing as justice seekers, but people know the truth.
    You have infiltrated the opposition camp to divide it.
    You can’t cheat people all the time.

    • AHMED SALEH !!! November 1, 2016

      Where is the true commentator named Wedi Hagher ?
      We justice seekers do recognize the presence of outside agents and hoodlums in our political movement . The notion these strange guys speak about Eritrean issues does not
      resonate with the principle we stand for .
      Opposition camp needs to clean its house

  • ኣርዓዶም November 1, 2016

    ኣቶ ኣስገደ፡ ፎሮ12 ይሓሱ ኣይሓሱ፡ ኣብ ገድሊ ግን ` ሓለዋ ሰውራ` ትብል መቐፈዲት ጀጋኑ ከም ዝነበረት ኩሉ ህዝቢ ዝፈልጦ ኢዩ፡ ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ እንታይ ይግበር ነይሩ`ውን ብ ኣካል ብዘይ ፎር12 ዝገለጽዎ ኣለዉ።

    ስለዚ፡ ክትመክር ዘለካ፡ ዝተገብረ ጌጋታት ከይድገም እንታይ ንግብር ድኣ በለና እምበር፡ ኣይትእመንዎ ኢልካስ ኣይዘረባን፡ ምኽንያቱ ፎሮ ተዘይተ ኣምነ፡ ብግልጺ ዝነበርዎ ዝዝንትውሉ ተግባር ሓለዋ ሰውራ ዘለዉ ኢዮም።

    እዚ ጉዳይ ታሪኽ ኮይኑ ክስነድ፡ ካብ ኡ ድማ ዓቢ ትምህርቲ ወሲድና፡ ንዝሓሸ ምዕባለ ክንስጉም ከኽእለና ስለዝኾነ፡ ዝተዘርበ ከሰክፍ የብሉን። ምኽንያቱ ኣብ ፍዳ ዘይኮነስ፡ ጥርዓን ነዛ መሰረታዊ ናይ ደቒ ሰብ ህያብ ሰላም ኢና ንደሊ ዘለና።

    እቲ ዓገብ ክብሃሎ ዝግባእ ተሃልዩ ግን፡ እዚ ሎሚ እዋናት ዝቐላቐል ዘሎ ናይ ወገን ምትእኽኻባት ኢዩ፡ እዚ ኢዩ ድማ ንቓልሲ ዝቐትሎ፡ ምክንያቱ ብወገንን ምምሕዳርን ትፈላለ ተኾንካ፡ ዋላ ንዘይኣምነካ ብሽም ወገን ክትሓቑፍ ዘሎ፡ ዝስዕብ ግዕዘይን ኣደዳ ፍልልይን ኢዩ ዘሰክፈና ዘሎ እምበር፡ ታሪኽ ተጋደልቲ ጽቡቕ ይኹን ክፉእ፡ ንኩሉ ግዜ ክዝከር ኢዩ።

    ወድሓንካ፡

  • Simon G. November 3, 2016

    Well, Foro 12 is opening many dirty folders from past and present. I am not sure why you are objecting to him, unless this directly affect you.
    Let the dirt comes out to the surface.
    We all know HGDF infiltrated the opposition camp and Foro 12 is confirming that. Our Enemy is HGDF not Foro 12. Back off Asgede. You should post it at meskerem not Assenna.

  • Gereger Eritrea November 3, 2016

    HGDF where you will eat your “Megdef” may be weyane will allow you to beg there in your lost country, we will see even weyane knows what true Eritreans will be come in our beloved country Eritrea, lets forget and we lough as usual when you try to come back to our country , after this all no one will be full again we all true Eritreans will build great wall in our hart and no one will allow you to steal our freedom again ,long live to all true Eritreans and Let clear Dirty HGDF.

Post a Reply to Wedi Hagher Cancel Reply