Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህግደፍ የእዱግን ጅርባታታት ይህግር አሎ

አብ መላእ ኤርትራ ስርዓት ህግደፍ ብሰንኪ ዝፈጠሮ ጸገማት ዳርጋ አብ መላእ ኤርትራ ህዝቢ ብስእነት ድስተ ማይ አብ ከቢድ ጸገም ወዲቑ ምህላው ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። አብዚ እዋን አብ ከተማ አስመራ ብስርዓት ህግደፍ ብቦጣት ዝዕደል ማይ

አብ መላእ ኤርትራ ስርዓት ህግደፍ ብሰንኪ ዝፈጠሮ ጸገማት ዳርጋ አብ መላእ ኤርትራ ህዝቢ ብስእነት ድስተ ማይ አብ ከቢድ ጸገም ወዲቑ ምህላው ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። አብዚ እዋን አብ ከተማ አስመራ ብስርዓት ህግደፍ ብቦጣት ዝዕደል ማይ አብ ውሱን ከባቢታት ጥራሕ ኢዩ።እቲ ካልእ ከባቢታት አብ ወርሒ ሓንሳብ ማይ ንኽረክብ አይክእልን ዘሎ። ስለዝኸነ ዝበዝሕ ህዝቢ አብ ከቢድ ጸገም ወዲቑ ይርከብ። ብብዝሒ ሃብታማትን ሰበ ስልጣን ዝርከቡሉ ከባቢታት ነበርቲ ገንዘብ ብምውጻእ ነቶም ዝምልከቶም ሓለፍቲ ጉቦ ብምሃብ ቀጻሊ ማይ ክረኽቡ ከለው አቶም ተወዲቦም ጉቦ ክህቡ ዘይክእሉ ድማ ስኣን ማይ ከምዝተረፉ ብሰፊሕ አብ አስመራ ዝፍለጥ ጉዳይ ኩይኑ አሎ።
ገለ ከባቢ አስመራ ዝርከቡ ሓረስቶት አብ ወርሒ ሓምለ 2013 ማይ ብኣድጊ ጅርባ ካብ መዓደሊ ነቑጣታት እናገዝኡ አብ ከተማ ውሽጢ ንኽሸጡ ምስ ጅርባታቶም ናብ መዓደሊ ነቑጣ ዝኸዱ ሓረስቶት ስርዓት ህግደፍ የእዱጎምን ጅርብኦምን ከምዝሃገሮም ዝፈለጥ ኢዩ። ብመንገዲ ምምሕዳር ዓድታታት ከባቢ አስመራ አቢሉውን ጅርባ ሒዞም ንከተማ አስመራ ዝመጹ የእዱግ ክህግር ምኻኑ ሓቢሩ አሎ።
ዲክታተርያዊ መራሒ ኢሳያስ አብ ለንቅነ ዝገበሮ ፍሽለቱ ብዕሊ ንህዝቢ ዝገለጸሉ ቃለ መጠይቕ ሰብ ናብ ማይ ዘለዎ ይኽይድ እምበር ማይ ናብ ሰብ አይመጽእን ኢዩ‘ ኢሉ አብ ርእሲ ህዝቢ ዘለዎ ንዕቀት ብሰፊሕ መደረ ገሊጽዎ ኢዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ እዚ አብ አስመራ ዘጋጠመ ሕጽረት ድስተ ማይ ናቱ ቀዳምነታት ከምዘይኮነ ቃል ብቓሉ ምግላጹ ይፍለጥ።
አስመራ ዋና ከተማ ኤርትራ አብ ርእሲ ምኻናን ከምኡ ድማ ናይ ወጻኢ ዲፕሎማሰኛታት ዝርከቡላ ከተማ ክንሳ ብሕጽረት ድሰተ ማይ ትሕቆን አላ። አብ ሙሉእ ኤርትራ አብ ንኣሽቱን ዓበይትን ከተማታት ዘሎ ጸገም ንኽሉ ብሩህ ኢዩ። መላእ ኤርትራ ብሕጽረት ሓይሌ አለትሪክን ድስተ ማይን አብ ከቢድ ሽቓሎት ወዲቓ ትርከብ። እዚ ኩነታት ነታ ሃገር ናበይ ከምርሓ ምኻኑ ፍሉጥ አይኮነን። አብዚ እዋን ምስ ዘሎ ናይ ቁጠባ ወጥሪ ህዝባዊ ባርዕ ንኽይልዓል ህግደፍ ብዘለዎ ስግኣት ንኹሉም ዕድሜኦም ስጋብ 70 ዝኾኑ ብረት ዘዓጠቑ ብስም ማእቶት ካብ ከተማታት ከምዝርሕቁ ጊሩ ከምዘሎ ይፍለጥ። ከምቲ ነበርቲ አስመራ ዝብልዎ ዘለው እታ መንግስቲ አልቦ ትበሃል ሃገረ ሶማል እኳ ብኽምዚ ዓይነት ዘገርም ሕጽረት ድስተ ማይ አጋጢምዋ ዝብል ስጋብ ሕጅ አይተሰምዓን ይብሉ። እቲ ዝገርም አብ ግዜ ክራማት ከምዚ ዝኣመሰለ ድስተ ማይ ሕጽረት ዘጋጠሞ መንግስቲ ድሕሪ ቁሩብ አዋርሕ እንታይ ኢዩ ክኽውን ዝብል ስክፍታ ህዝቢ አሎ። በቲ ካብ ዕደና ወርቂ ዝተረኸበ ገንዘብ ገለ ፍታሕ ከይናደ ካብዚ ዝርከብ ገንዘብ አበይ ይኣትው ከምዘሎ ዝፍለጥ ነገር የለን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
26 COMMENTS
  • Asmert September 14, 2013

    ኢሳያስ ብሕማም ኣእምሮ ድሳቐ ዘሎ ርእሰ ማላኺ ኢዩ። መንግስቱ ሃይለማርያም ምስቲ ኩሉ ዝኸይድ ዝነበረ ኩናት እሞ ድማ ህዝቢ ኤርትራ አብ ጎኒ ተጋደልቲ ደቁ ምህላው እናፈለጠ ክንሱ ረድኤት ብኣይሮፕላን ከምኡ ድማ ባጽዕ ተታሒዛ ከላ ድማ ምስ ህዝባዊ ግንባር አብ ውጻኢ ብዝገበሮ ምርድዳእ ረድኤት የቕርብ ኒሩ። ኤለትሪክን ድስተ ማይንውን እብ ግዜ ሃይለስላሴ፡ ደርግን ተሳኢኑ አይፈልጥን።

    ድሕሪ ናጽነት ድኣ እንታይ ተረኺቡ እንተበልና ፍትሕን ሕግን ስርዓትን ብምስኣኑ ሓደ ወልቀ ሰብ ብፍሹልን ግዜ ዝሓለፎ ሜላታትን ተጠቒሙ ቀጻልነት ምልካዊ ስርዓት ንኸንግስ ዝገብሮ ዘሎ ግዜ ዝሓለፎ ፖሊሲ ኢዩ።

    ፍታሕ ምንዳይ ድማ ሓላፍነት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ብሕማም ኣእምሮ ድሳቐ ዘሎ ሰብ ንሓዋሩ ከይጸነተ ከሎ ይእክል ክብሎ ይግባእ። ሕማም አይምሮ ዓይነቱ ዝተፈላለየ ከም ምኻኑ መጠን እዚ ዕቡድ ዓሰርተታት ኣሸሓት ሰባት አሲሩን ቀቲሉን ከብቅዕ እቶም ምእንቲ ናጽነት ዝተጋደሉ ኤርትራውያን መራሕቲ ሰራዊተ ሱቕ ኢሎም ምርኣዮም ካብ ገበነኛ ምኻን ዘድሕኖም ነገር ክህሉ አይክእልን ኢዩ። ሎሚ አብ መላእ ዓለም ኤርትራዊ ምኻን እንታይ ማለት ምኻኑ ንኺሉ ብሩህ ኢዩ። እንተኾነ ነቶም ንድሕሪት ዝቐበርዎም ስውኣት ዘኪሮም ናይ መወዳእታ ዕድሉ ዝኸነት ንኢሳያስ ክህብዋን ይላቦ።

    • belay nega September 14, 2013

      Asmeret

      Is not about an individual,the unfortunately ugly for an obvious reason, Eritrean issue, cannot go beyond that.

      • Nahom September 14, 2013

        Belay Nega stop dreaming, Eritrea once and forever has become an independent country, its suffering under a sick dictator is an Eritrean issue.

        • belay nega September 14, 2013

          Nahom

          Rather you stop dreaming and start living in reality,the virus we suffering from called Ethiopia is not easy.They are determined to use the same ladder we used to climb up, to make us step down.
          Getting ready is better than being catch by surprise as ever.

  • Kalighe September 14, 2013

    አብዚ እዋን ምስ ዘሎ ናይ ቁጠባ ወጥሪ ህዝባዊ ባርዕ ንኽይልዓል ህግደፍ ብዘለዎ ስግኣት ንኹሉም ዕድሜኦም ስጋብ 70 ዝኾኑ ብረት ዘዓጠቑ ብስም ማእቶት ካብ ከተማታት ከምዝርሕቁ ጊሩ

    It’s really amazing that even when old people are humiliated nobody is reacting …
    It’s sad to see a country being treated this way by rootless monkies.

  • Footscray September 14, 2013

    Why Dr. Assefaw Tekeste and B/G Tekeste Haile and others are participating in the Bologna Summit 2013?

    Why are they Supporting this Summit if they are considered on the right track of the opposition side against the dictatorial regime in Eritrea. We are really confused with this Bologna Summit.

    • belay nega September 14, 2013

      The Awassa and Bologna summit are both losers,the first one never consider the price of compromising with Ethiopia,and the latter too, never took into consideration the consequence of self reliance.

  • moss September 14, 2013

    The problem is nobody knows what issayas wants to do with Eritrea and Eritreans. Even those who serve him day and night , even those who support him with everything they have does not have a clue as to what is in his heart and mind about anything.some of us may say that he is crazy or stupid but i think that he has a well crafted plan and he is executing it with precision. If the scattered opposition did not get their act together may be we will lose our dear Eritrea forever.

  • eritrean September 14, 2013

    Kab hasot kitalmu twiilu natatkum zrytgebru? Let eritreans worry about Eritrea.

  • simerrrr2012 September 14, 2013

    If the water doesn’t come to you , you should go to the water Isayas Afecherki..so the young people are going to the water crossing the dessert to Mediterranean sea and mothers and children have to go to Tekeze river to drink water. Mesakun yisekal tirze meche arefe the song of Tilahun Gesese my choice for the poor people of my country people inside Eritrea or Fishikta Amlye nay Abrham Afeworki

  • habrom September 14, 2013

    Really I am confused that he made an interview last week. I don’t know how he became a president of the ccounty, I am always wondering. He has no respects people, attacking individual’s and never answers all questions just like haderka entebelos may(water) ysety aleku zAynetu melsi ygerm eyu .It’s very hard to see an ignorant leader for well cultured people. I am so sorry, the people are not lucky.

  • Tewelde belay September 14, 2013

    ገለ ሰባት ንኢሳያስ ምስ መንግስቱ ሃይለማርያም ከወዳድሩዎ ክፍትኑ ከለዉ ኣመና እዩ ዝገርመኒ። ርግጽ’ዩ መንግስቱ ጨካን ነይሩ፡ ብዙሕ ግፍዒውን ይፍጽም ነይሩ እዩ። እንተ ንህዝቡ መግብን ማይን ኣብ ምቕራብ ግን ዝወዳደሮ ሰብ ኣይነበረን። ካልእ ይትረፍ እቲ ኣድላዪ እዩ ዝብሃል መሰረታዊ ነገራት ይትረፍ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ንህዝቢ ኤርትራውን ማዕረ ብኣይሮፕላን ከይተረፈ ይጓርት ነይሩ። እኽሊ ንግደፎ፡ ሽኮርን ቡን ቀጠፍን ከይተረፈ ብነፈርቲ ናብ ኣስመራ ይጐዓዕዝ ነይሩ። ኢሳያስ ግን ነቲ ህዝበይ እናበለ ዘሽካዕልለሉ ህዝቢ፡ ኣብ ክንዲ ሃለኽቲ ነገራት ምቕራብ ተመሊሱ ህዝቢ ሓንቂቑ ክብል ይስማዕ። ስለዚ፡ ንመንግስቱን ንኢሳያስን ምውድዳር፡ ንመዓርን ዕረን ከም ምውድዳር እዩ ዝቍጸር። ኢሳያስ ሓደ ምስሉይ፡ ሽርሀኛ፡ መታለሊ፡ መደናገሪ ልዕሊ ኵሉ ድማ ሓሳዊ ቍጽሪ ሓደ እዩ። ነዚ ኣይፈልጥን ነይረ ዝብል ሰብ ሕጂ ይፍለጥ። ንልዕሊ ኣርባዓ ዓመት ዝሓሰወ ሰብ መን ኣሎ እንተ ተባሂሉ ኢሳያስ ጥራይ እዩ። ቍጥሚ፡ ወዲኒ ቍጽሪ ሓደ!!!

    • MightyEmbasoyra September 15, 2013

      +1 Tewolde!
      You are on the target.

  • ghezai September 14, 2013

    we all know what Isayas is but what we don’t know is how to remove him

  • Eritrawi September 14, 2013

    THE ERITREAN PEOPLE TRAVELED MANY TIMES OUT OF DARKNESS IN FAITH AND COURAGE. NOW THE DARK DAYS ARE VERY CLOSE IN HIS BED FOR THE EVIL Wedi Afeworki.

Post a Reply to Genet Cancel Reply