Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህግደፍ፡ እናጸላእናካ ብሓይሊ ፍተዉኒ ኣይትበለና

ህግደፍ፡ እናጸላእናካ ብሓይሊ ፍተዉኒ ኣይትበለና ናይ ትማሊ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ናይ ሎሚ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ እቲ ብልዑል ተወፋይነት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተረጋገጸ ናጽነት ጨውዩ፡ ኣብ 1991 “ግዝያዊ መንግስቲ” ኢሉ ስልጣን ምስሓዘ ክሳብ ለይቲ ሎሚ እታ ዝደየባ

ህግደፍ፡ እናጸላእናካ ብሓይሊ ፍተዉኒ ኣይትበለና
ናይ ትማሊ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ናይ ሎሚ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ እቲ ብልዑል ተወፋይነት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተረጋገጸ ናጽነት ጨውዩ፡ ኣብ 1991 “ግዝያዊ መንግስቲ” ኢሉ ስልጣን ምስሓዘ ክሳብ ለይቲ ሎሚ እታ ዝደየባ ኮረሻ ኣይለቀቃን። ባዕሉ ዝቆጻጸሮ ስማዊ ሃገራውን ዞባውን ባይቶታት፡ ብጥቡቅ ምቁጽጻር ሓበሬታ ክዝርግሓ ዝጀመራ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝተበገሰ ኩለንተናዊ ምሕዝነት፡ ብውርጹጻት ቃላት ዝተጻሕፉ ዝተፈላለዩ ኣዋጃትን ሕግታትን፡ ዝበዝሑ ሓደ ብሓደ ነበር ኮይኖም እቶም ዝተረፉ ድማ ንድሌት ህዝቢ ኤርትራ ብዘይውክሉ ኣዋጃት ተተኪኦም። ህግደፍ ናብ ዲቅ ዝበለ ዝባኑ ዝቀልዐ ጨፍላቂ ስርዓት ተቀይሩ። ከይሓነኸ ድማ፡ “ህዝባዊ ግንባር ንበይኑ ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ ናጽነት ኤርትራ ስለዘምጽአ፡ ኣብ ኤርትራ ብዘይካ ህዝባዊ ግንባር ካልእ ኣካል ስልጣን ክሕዝ ኣይምልከቶን’ዩ” ኢሉ። ብፍልስፍና ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ ብዘይካ ህግደፍ ቁምነገር ክሰርሕ ዝኽእል፡ ሃገራዊ ፍቅሪ ዘለዎ፡ እሙን ዜጋ የለን። ብጎባጥ ኣተሓሳስባ ህግደፍ፡ ሕልፊ ሰቡ ስለዝተሰውአን ስለዝደኸመን ንህዝቢ ኤርትራ ከም ውልቃዊ ንብረቱ ክልውጦን ክሸጦን ህዝቢ ኤርትራ ከይወከሎ ንዘልኣለም ኣብ ስልጣን ክጸንሕን ሕጋውነት ኣለዎ። ህግደፍ፡ እቲ ቅድሚ ናጽነት “ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ክጻወር ስለዘይክእል ፍቶ ጽላእ ምሉእ ስምረት ወይ ድማ ጎብለል ዓምጺጹ ክነብር ኣለዎ” ዝብል ሕዱር ሕማምን ምልክን መሪጹ።
ህዝቢ ኤርትራ፡ “ህግደፍ’ዩ ሕሉበይ ንጹፈይ” ኢሉ ንህግደፍ እንተመሪጽዎ’ዩ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዝኽእልን ዘምሕረሉን። እቶም ቅድሚ ናጽነት ብወለንታኦም ንሓርነት ህዝቦም ዝተጋደሉን ብመደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንዓመታት ብዘይ ክፍሊት ጊላታት ኮይኖም ዘለዉ መንእሰያት፡ ካብ ኣብራኽ ህዝቢ ኤርትራ ዝወጹ’ምበር ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብገንዘቡ ዝሸመቶም ብሕታዊ ንብረቱ ኣይኮኑን። ህግደፍ፡ ብእከይ ተግባራቱ ኣካል ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን። ኣብ ክንዲ ምህናጽን ጸገማት ህዝቢ ምፍታሕን፡ መንበሪ ኣባይትን ኣብያተ ንግዲን ዘዕኑ፡ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ዘይብሉ፡ ዜጋታት ብዘይ ፍርዲ ምእሳርን ምቅንጻልን፡ ብጉልባብ ክረምታዊ ማእቶትን መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ ኣብ እዋን ትኸል ንቀልን ቀውዕን ዓያዪ ጉልበት ካብ ስድራቤታት ዝምንጥል፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝብና ናብ ሃገሩ ክምለስ ጥጡሕ ባይታ ምፍጣር፡ ብግፍዕን እኩይን ምምሕዳር ኣሽሓት መንእሰያት ሃገሮም ገዲፎም ሃጽ ከምዝብሉ ዝቅስብ፡ ርኹብ ሰብ ኣብ ባንኪ ገንዘብ ዘቀመጠ ገንዘቡ ከም ድሌቱ ከይጥቀመሉ ዝድርት፡ ንትካላት ሃይማኖት ዝግብት ንመራሕቲ ሃይማኖት ዝኣስርን ካብ መንፈሳዊ ንጥፈታቶም ዘባርርን፡ መባእታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝግሃስን ካልኦት ጉዳያትን ቀንዲ ሕላገት ውልቀ መላኺ ህግደፍ’ዩ። ካብዚ ጭብጥታት‘ዚ ብምንቃል፡ ህግደፍ ብዝኾነ መለክዒ መተካእታ ወይ ወኪል ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ስርዓት ህግደፍ ከማሓደሮ መዝነት ኣይሃቦን። ህግደፍ ኣብ ክንዲ ካብ ቀንዲ መሰረታዊ ጉዳያት ምህዳምን ቀምሽ ኣደይ ዓንቂፉኒ ዝዓይነቱ ምስምስ ምፍጣርን፡ ዕረ እናጠዓሞ ነቲ ሓቂ ክውሕጦ ኣለዎ፡፡ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክፈትዎን ክውክሎን እንተኾይኑ፡ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝሃቦ ሕድሪ ብቅንዕና ክፍጽሞ ኣለዎ። ህግደፍ፡ ሃገር ከማሓድርን መነባብሮ ህዝቢ ከማሓይሽን ብቅዓት ስለዘይብሉ ድማ፡ ካብቲ ብኢደዋኒኑ ሒዝዎ ዘሎ ስልጣን ወሪዱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝምእምኦ መንግስቲ ክመርጽ ዕድል ክወሃቦ ኣለዎ።
ዝተፈላለያ ሃገራትን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንኣልሸባብ ይሕግዝን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዘይምርግጋእ ይፈጥር ኣሎን ብዝብል ምኽንያት፡ ቁጠባዊ እገዳ፡ ክስን ተነጽሎን ካብ ዝጅምር ዓመታት ሓሊፉ’ሎ። ተሰካሚ ኣደራዕ ናይ ኩሉ ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ’ምበር እቲ ብዶላራት ዝጻፋዕ ስርዓት ህግደፍ ኣይኮነን። ልዕሊ ኩሉ ድማ፡ ህግደፍ ዝያዳ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘለዎ ሓርፋፍ ዝምድና፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ራዕዲ፡ ቁጠባዊ ማሕነቅቲ፡ መቅትልትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ይዓዝዝ። ክስታት ማሕበረ ሰብ ዓለምን ጎረባብቲ ሃገራትን፡ ነቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ምልካዊ ኣገዛዝኣ መሕብኢ ኮይንዎ ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ፡ ብህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ፉንፉን ምዃኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ድምጽኻ ሃብ እንተዝብሃል፡ ምናልባት እቲ ኣብ 1993 ኣብ እዋን ረፈረንዱም ኤርትራ ብህዝብና ዝተዋህበ 99.9 ሚእታዊት እወ ንናጽነት፡ ሎሚ 99.9 ሚእታዊት ኣይፋል ንህግደፍ ምተባህለ ነይሩ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 20 ሕዳር 2017

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • TesfaldetAbraha November 20, 2017

    መን ድዩ ፍተዉና ዝብል ዘሎ ተቛመርቲ እንተ አይኮኑን እምበር ህግደፍ ድአ ህያብ ናይ አምላኽ ንህዝቢ ኤርትራ እንድዩ ንስኻትኩም ኢኹም ህዝቢ ከበርኩም ዘይወስድ ፍተዉና እንዳበልኩም ተልቅሱ ዘለኹም እምበር ህግደፍ ድአ ወጻእተኛታት ከማን ዞኽዞኽ ይብሉ አለዉ ንስኻትኩም ድአ ህዝቢ ፎእ ኢልኩም

  • Mihret November 20, 2017

    It is you so called opportunist and weak oppositions that our people are hating you for prolonging their/our suffering under brutal Higdef regime. Why are you all only good in cheap talks, rhetoric and non-stop nonsense writings?
    Just for a change couldn’t you come up with a better and lasting solutions for poor Eritrea and Eritreans? You all seem to just have so much time and energy for meaningless messages but people back home expect much more than empty words.

  • ተስፎም November 20, 2017

    ስማዕ ጽላል፣ ካብ ጹሑፍካ ኣዚኻ ካብ ክዉንነት ናይ ኤርትራ ዝረሓቕካ ትመስል። ህዝቢ ኤርትራን መንግስትን ለይትን መዓልቲን ነዛ ሃገርና ንምምዕባል ኣብ ስራሕ ተጸሚዶም ይርከቡ። ምስቲ ኹሉ ናይ ወጻኢ ናይ ምጣነ ሃብቲን ዲፕሎማሲ ጸገማትን ሕጽረትታት ዒቢ ዕብየት የመዝግቡ ኣለዉ። ብኣንጻሩ ኣንቱም ተቛመርቲ ህዝቢ ኽትፈላልዩን ብደም ዝመጸት ሃገር ክትሸጡ ምስ ጸላእቲ እዛ ሃገር ክትታናኾሉ ሒኽ ትብሉ ኣለኹም። ህዝቢ ድማ እዚ ስለዝፈልጥ ፎእ ኢሉኩም ኣሎ። ስለዚ ኣትይትሕለሙ እዛ ሃገር ተሓለቕቲ ኣለዉዋ። ንስኹም ኣፍኩም እንተዘይከፈትኩም እሕሸኩም። ስቕ ኢልኩም ናብራኹም ግበሩ።

    • k.tewolde November 21, 2017

      ‘ስለዚ ኣትይትሕለሙ እዛ ሃገር ተሓለቕቲ ኣለዉዋ። ንስኹም ኣፍኩም እንተዘይከፈትኩም እሕሸኩም። ስቕ ኢልኩም ናብራኹም ግበሩ።’ Tesfom,that is exactly what Tsilal said above,there are a few who think the nation only belongs to them,without them the nation doesn’t exist, and you are one of them telling the rest they have no right to speak.Let me give you a wake up call, the people have spoken in so many ways, you can’t keep them mum like you try to do back home,you just can’t handle what you hearing-the truth,because you have been lied to all your life.You can’t appease and cajole the Eritrean people by importing a couple of generators and erecting cooling storages,they can do much better than that with you out of the way,it has been almost 27 years,self driving cars are on the road,people are paying for goods and services by waving their smart phones at the POS….give them a chance to self govern and they will teach you how it gets done.You failed! you just don’t get it,do you.

      • k.tewolde November 21, 2017

        Tsilal keep drilling it home till they can’t take it no more.Nobody dissects intimately who they are better than you.I nominate you for the Eritrean Pulitzer award for the literary work you do.Thanks again.

  • AHMED SALEH !!! November 21, 2017

    Tesfom
    Eritreans are saying enough is enough . In other
    words we want change for common good . If you
    can’t identify authoritarian regime , it is up to you
    but do not tell others to give up HOPE because
    only courageous people resist against wrong .
    Enjoy yourself at this moment and I am sure you
    will be part of front runners to shout viva Eritrea
    when HGDF government fate became past history .
    We must take responsibility by our faults for doing nothing that conveyed oppression to rule .

  • Tesfom November 22, 2017

    AHMED SALEH
    ብጌጋ ንኸይትርድኣኒ ተስፋ እገብር። ንሕና ኤረትራውያን ኣዚና ንሃገርና ነፍቕር ህዝቢ ኢና። ስለ ዝኾና ድማ ምስቲ ኹሉ ፍልልያትና ሓሳብ ንሓሳብ ንላዋወጥ ኣሎና። ፍልልያትና ከነማሕድሮ እንተኺእልና ድማ ከምንረብሕ ኣጸቢቐ እየ ዝኣምን። እንተኾነ ግን ዝቛመር እዩ ዘሎ እምበር ዝቓወም ኤርትራዊ ስጋብ ሕጂ ኣይተፈጥረን። ንህግደፍ ክትቅይር እንተደሊኻ መጀመርያ ነገር ምስ ወያነ ተዓራሪኽካ ኣይኮንካን ተዉድቖ። ናይ ጸላኢኻ ጸላኢ ፈታዊኻ ኣብ ኤርትራ ኣይሰርሕን እዩ። ንዓይ ኢትዮጵያ ወይ ወያነ ዝብል ክሰምዕ ከለኹ ኣብ የእሙረይ ዝኽሰቱ ነገራት ኣለው። ንሳቶም ድማ ናይ ጡኑሳት ኣደታትና ብሳንጃ ክሕረዳ፣ መንእሰያት ኣስመራ ብስልኪ ተሓኒቆም ኣብ ጽርግያታት ክድርበዮ ብጠርሰራዊት ናይ ኢትዮጵያ፣ ምቅጻልን ምሕራድን ህዝቢ መታሕትን ከበሳን፣ ከምኡ’ዉን ምብራር ኤርትራዉያን ብወያነ ካብ ኢትዮጵያ። እዞም ደለይቲ ፍትሒ ኢሎም ንነብሶም ዘጠመቑ ነቲ ስቓይና ከምጽዉጽዋይ ወሲዶም ንኣዲስ ኣበባ ክመላለሱ ጀሚሩ። እምበኣር ኣብዚ እዩ ናይ መትከል ጌጋ ዝፈጸሙ። ሽዑ ህግደፍ ከተንፍስ ጀሚሩ። ሕዝቢ ድማ ካብዘይትፈልጦ መልኣኽ ትፈልጦ ሸይጣን ይሓይሽ ብምባል ክጽመም መሪጹ። ሕጂ ኣነ ካብቶም ተቛመርቲ ህግደፍ ይሕሸኒ። ምኽንያቱ ብውሑድ ሰላመይ ዓቒቡ ነታ ሃገር ኣጽኒሑለይ ይርከብ። እንዘይኮነ ንለውጢ ዝቛወም ሰብ ኣይኮንኩን። ለውጢ ክመጽእ እንተኾይኑ ድማ ብህዝባዊ ግንባር ከምዝመጽእ ፍለጥ።

    • k.tewolde November 22, 2017

      This is not a unique view Tesfom,it is a view though like a myriad of views held by Eritrean nationals who ultimately sustain the life of a brutal regime our modern world ever known. ‘ለውጢ ክመጽእ እንተኾይኑ ድማ ብህዝባዊ ግንባር ከምዝመጽእ ፍለጥ።’ How about by the collective effort of the Eritrean people? or EPLF is the Eritrean people? you still couldn’t get it right.Where is EPLF? and what are you doing to change the status quo besides insulting those who are at least trying? Yep,you said you would like to see change,I wonder what kind of change? The intent is not there,if there was one,it would have happened a long time ago.Now don’t insult Meskerem .net because his disclaimer reads ‘the first Eritrean opposition website’.What an oxymoron. You can give us many different looks on the prism however you still remain HGDEF. I know one when I see one because I come from your midst ,your blood runs through my veins.Stop making excuses for the devil to continue reigning,be the angel who intervenes and stops him on his track.

  • Tesfom November 22, 2017

    K.tewolde
    ብዙሕ ክሕዘካ ኣደልን እየ። ምስተመኩረይ ኣነጻጺረ ኽሪኦ ኸለኹ እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ፓሎቲካዊ ቑርቑስ ኣንጻር ህግደፍ ኣዝዩ ቱሑት ሓቕሚ ናይ ህግደፍ ዘይመዝን እዮ። ከምኣዛራርባኻ ከምኡ’ዉን ከም መብዛሕትኦም ተጻባእቲ ንህግደፍ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም። ኣማጻጽኦም ካብ ሱዱሕ ዔላ ስጋዕ ኣስመራ ዝኣትዉ ንዝፈልጥ ሰብ your politics is like kids yelling and screaming in a play ground. እዚ ክብለካ ከለኹ ንህዝባዊ ግንባር ካብ 1974 ኣትሒዘ ስለዝፈልጦም እዮ። ኣካያይድኦም የማነይቲ ኢድ ዝገበረቶ ጸጋመይቲ ኢድ ኣይትፍለጦ ስለ ዝኾነ ግን ከምዚ መገዱ ዝሰሓተ ኣዉቲስታ ጠፊእኩም ምባል ይሓይሽ። ስለዚ ኸኣ እዩ ንህግደፍ ዝስዕር ሓይሊ ስጋብ ሕጂ ዘይተፈጥረ።

    • k.tewolde November 22, 2017

      Don’t mystify Hgdef Tesfom as if they came from planet Crypton, they are humans like you and me who speak the same language and catch the flu. ‘ኣካያይድኦም የማነይቲ ኢድ ዝገበረቶ ጸጋመይቲ ኢድ ኣይትፍለጦ ስለ ዝኾነ ግን ከም..’ I thought this demeanor traditionally was reserved for the saints? You still didn’t get it right.It is this kind of attitude that breaths life into the already dead.It would have been a simple solution,change the perception of your enemy ,recognize who he is and go after him united with intent. HGDEF would have been whistling Dixie a long time ago.And for Chris sake have a little confidence in yourself, don’t let them rob you to the bare minimum.

  • Tesfom November 22, 2017

    k.tewolde

    እንታይ መስለካ፣ k.tewolde ኣብ ናተይ ወለዶ ነገር ክን ዓጹ እንተደሊና ከምዚ ንብል ” ነገር ዘይጸገበስ ጓል ዋጣ ይሕጸ” ንብል። እዞም ናትካ ወሎዶ ድማ ከምዚ ይብሉ” እቲ ገመል ጉዕዝኡ ይቕጽል እቲ ኸልቢ ድማ እነብሕ”. እስኹም ኣብ እግሩኹም ካብ ምቱኳስ ኣይትሕመቑ። ህግደፍ ድማ መሳርዑ ኣደልዲሉ እቲ ንሕዝቢ ዝጠቅም ዝበሎ ካብምግባር ማንም ሓይሊ ጠጠው ዘብሎ ከምዘየለ ከራጋግጸልካ እፈቱ። ንኣስመራ ምእታው እንተኸሊኦምኻ ግን ኣነ ክወሓሰካ ይኽእል እየ ስጋብ ምስ ወያነ ዘይተማጃላሕካ ከም ኣማንኤል እያሱ። 😂😂😂

    • Simon G November 23, 2017

      ተስፊት ነብሲ:
      እቲ ጸገም እንታይ መስለካ? ብግምጥልሽ ስለ ትሓስቡ ‘ዩ።
      ህግደፍ በጀካ ዕንወት ካልእ ንኤርትራ ዘምጸኣላ ኣይረኣናን። ትርኢ ‘ተሊኻ ወይ ኡኲያለ ቀይር: ወይ ድማ ገጽካ ናብ ኤርትራ ጥወ። ማለተይ’ሲ ናብ ኣውሮጳ ወይ ድማ ኤመሪካ ኢኻ ትጥምት ዘለኻ።
      —————————————
      ተጋደልቲ ነበር: ደቂ ህልዋትን ስውኣትን: ኩሉ ሃገር ራሕሪሑ እንዳጠፈአስ በዓል ተስፊት ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ኮፍ ኢልኩም ሃገር ትምዕብል ኣላ! ትውንጨፍ ኣላ! ክትብሉ ዘሕንኽ ‘ዩ። ዘሕፍር ጥራይ ዘይኮነስ ዘሕንኽ ‘ዩ እብለካ ኣለኹ።
      ደሓር ከኣ “ኣካያይድኦም የማነይቲ ኢድ ዝገበረቶ ጸጋመይቲ ኢድ ኣይትፍለጦ” ዶ ኢልካ? ሓቅኻ! ከመይ ጌራ ክትፈልጦ? ንነብሳ ‘ታ የማነይቲ ኢድ ‘ኳ ኣይተፍልጦን ‘ያ። ስለዚ ከመይ ጌርካ ጸጋመይቲ ክትፈልጥ ትጽበ?
      በጃኻ ናብ መሬት ተመለስ። ኣብ ሃዋህው ‘ኳ ኢኻ ተንሳፍፍ ዘለኻ።

      • k.tewolde November 23, 2017

        Simon,you are always right on the money.People don’t have to be active members of HGDEF,however this view is so pervasive in our society making it absolute refractory for change. In other words,the magician in adi halo stole their mind a long time ago and claimed a sole custody and put it away where they can’t find it. Bona fiesta brother.

    • k.tewolde November 23, 2017

      Miskinay Tesfom, Thanks for the offer,I spent the bigger portion of my life here,the people I love and dearly keep close to my heart are long gone, thanks to you and the the ruling gang,so give me a good reason to visit.Don’t tell me gogo karneshim,I have enough fiber in my diet here. After all you still are my brother. Happy Thanksgiving.

  • Tesfom November 23, 2017

    Simon and k.tewolde

    ሳይመን ነብሲ ከምኡዉን k.tewolde፣ እቲ ቐንዲ ዘዛርበና ፍቕሪ ሃገር እዩ እምበር መዓስ ካልእ ኮይኑ። ኣነ ዝምነዮ ድማ ፍልልያትና ኣማሕድርና እታ ንደልያ ምዕብልት ፍትሓዊት ሃገር ብሓባር ክንሃንጽ እየ። እንተዘይ ኮይኑ እስኹም የሕዋተይ ንዘንት እለት። ብዘይ በኣኹም ዓዲ ኣይትኹን።

    • k.tewolde November 23, 2017

      Yes Tesfom , the love of this damn beautiful nation which swallowed hundreds of thousands of her precious children,to make it worthwhile. SIGA INTWEDEQET HAMED HIZA TITISI’E. The demise of this nation hurts all of us equally.I have nothing but love for you,pass it on.

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply