ህዝብና ከይንውጽዕ
ህዝብና ከይንውጽዕ ምስ ሓራዲና አይንሳዕስዕ Tesfamariame W/giorgis 25/07/2014/Norway ጓይላ ንጓይላ ኮይና ተሪፋ ህግደፍ ዘይምሕር ሕማም ጸላኢና ይጎነፍ ንኣዳም ገረሞ ስንፍና ናይ ህግደፍ ሬሳ ረጊጾም ናብ ጓይላ ሃንደፍደፍ ኣቲ ከውሒ ልባ ንጽጉም ዘይትሓሊ ደቃ ዘጥፍአት ትነብዕ ንሰኺ ትኳሓሊ ኣየሕፍረክን ምስ ደቂደቅኺ ክትዕውሊ መሕፈረኪኳ ምስ ሕጻና ቆልዑ ክትዘሊ ዕድሚኤን
ህዝብና ከይንውጽዕ
ምስ ሓራዲና አይንሳዕስዕ
Tesfamariame W/giorgis
25/07/2014/Norway
ጓይላ ንጓይላ ኮይና ተሪፋ ህግደፍ
ዘይምሕር ሕማም ጸላኢና ይጎነፍ
ንኣዳም ገረሞ ስንፍና ናይ ህግደፍ
ሬሳ ረጊጾም ናብ ጓይላ ሃንደፍደፍ
ኣቲ ከውሒ ልባ ንጽጉም ዘይትሓሊ
ደቃ ዘጥፍአት ትነብዕ ንሰኺ ትኳሓሊ
ኣየሕፍረክን ምስ ደቂደቅኺ ክትዕውሊ
መሕፈረኪኳ ምስ ሕጻና ቆልዑ ክትዘሊ
ዕድሚኤን በሊዑ ህግደፍ ዘጎበጠን
ዕለተን ዝወደቐ ተጠቒሙ ዝደርበየን
ነብሰን ዘተዓሻሽዋ ቅብኣት ተለኽየን
ቆናጁ ክመስላ ውሽጠን ንዘይፈልጠን
ፈጣሪአን ረሲዔን ዘምልኻ ንወደፎርቂ
ዓለም ዝፈንፈኖ ሰይጣን ዝቐብኦ ጸይቂ
ብዘይካ ናዕቢ ሁውከትን ዘይፈቱ ዕርቂ
ሕማቕ ፍጥረት ንህዝቡ ኣግሂዱ ዝሳቒ
ሰይጣን ዝሰረረክን ብዓል ኣደይ ምንያ
ኣብ ዓዲ ዘለዋ ኣደታት ይነብዓ ይበኽያ
ኣባቕል ህግደፍ ግን ከይሓፈርክን ትለሃያ
ራህዋ ሰላም ምስ ኮነ ታይኽን ተመኽንያ
ከምኡውን ኣናብስ ጉብጥሽ ኣናብስ ክሽነ
ሕቡኣን ፈላስፋታት ብዓል ኣነ ፈልጥ ኣነ
ናይ ማዕዶ ወራዙት ተጠራጠርቲ ዕነምነ
ኔው በሎ ፍርሒ ይቀላቐልላሎ ሰናይ ቅነ
እርደኣና ኣሎ ከም ትሳቐዩ ብሀዝብኹም
ከምትሓስቡ ድቃስ ከምዘይ ወስደኩም
ከም ትጉህዩ ከም ትሓዝኑ ብውሽጥኹም
ዓው ከይትብሉ ግን ንህግደፍ ፈሪሕኩም
ግን ፈሪሕካ ተምጽኦ ምዕባለ ኣይተራን
መሰለይ ከይትብል ብሕቶን ብመልስን
ኣታሊሎሙኻ ብጓይላን ብሳዕሲዒትን
ህዝበይ ከይትብል ዘርሞ ከምትኸውን
ትሰምዑዎኹም ኣብ ዓዲ ዘሎ ኩነታት
ሃገር ተቐይራ ናብ ሓዘን ናብ ብኽያት
ጠቐር ተኸዲነን ኤሪትራውያን ኣደታት
ንኹሉ ንጹርዩ ኣየድልዮን እዩ ምሕታት
ኣስተውዕል ኣብ ሕቑፎ ህግደፍ ዘለኻ
ካብዚ ዝለዓለ ቅዝፈት ታይ ትጽበ ኣለኻ?
ትዕቢት ግደፎ ከይትስእና ተፍቅራ ዓድኻ
ሕጂ ሕሰብ ዘለኣለም ከይኸውን ጣዕሳኻ
ካብ ብማዕዶ ኮንኩም ትወራዘዩ ትራቐቑ
ውድባት ኣይሰርሓን ናልኩም ካብ ተዳምቑ
ተሰርዑ ምስ ህዝብኹም ካብ ህግደፍ ረሓቑ
ብቆራጽነት ስራኹም ሸጥ ኣቢልኩም ዕጠቑ
ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ
Abisho July 25, 2014
Yes, Yes, Yes Mr. Tesfamariasm W/giorgis You wrote very Interesting Poem, or Message i proud of you my dear bro, just keep going. This is the best straggle of mind, so that don’t stop your attitude share to us on the Assenna our web suite the people who need freedom and democracy our country and peace to Eritrean people our duty is speech out instead of speechless our innocent people of Eritrean inside the country, thanks so much my dear bro.
Abisho July 25, 2014
Yes, Yes, Yes Mr. Tesfamariam W/giorgis You wrote very Interesting Poem, or Message i proud of you my dear bro, just keep going. This is the best straggle of mind, so that don’t stop your attitude share to us, on the Assenna our web suite, the people who need freedom and democracy. peace to Eritrean people, our duty is speech out instead of speechless our innocent people of Eritrean they live inside the country, thanks so much my dear bro.