Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝባዊ ግንባር-ስርዓት፣ዲሞክራስን ፍትሕን ከኣ-ቅርዓት(shell) እዩ!

(ኣብ ናይሮቢ’ኸ፣ ኣምበሳደር ዓንደብርሃን’ዶ፣ ወይስ ኣቶ ሳልሕ ጀውሃር’ዮም ‘ቶም ጌገኛ?) ሰላሳን ሸሞንተን ዓመት ይገብር፣ ኣብ ሓደ ገምጋም ህዝባዊ ግንባር ዝግበረሉ ዝነበረ ኣኼባ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ)፣ ህዝባዊ ግንባር ጭፍራ ሰራዊት ኢዩ፣ ንተሓኤ ከኣ ከውድቓ ከቶ

(ኣብ ናይሮቢኸ፣ ኣምበሳደር ዓንደብርሃንዶ፣ ወይስ ኣቶ ሳልሕ ጀውሃርዮምቶም ጌገኛ?)

ሰላሳን ሸሞንተን ዓመት ይገብር፣ ኣብ ሓደ ገምጋም ህዝባዊ ግንባር ዝግበረሉ ዝነበረ ኣኼባ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ)፣ ህዝባዊ ግንባር ጭፍራ ሰራዊት ኢዩ፣ ንተሓኤ ከኣ ከውድቓ ከቶ ኣይክእልን ኢዩ እናተባህለ ኣብ ዝፍከረሉ ዝነበረ እዋን፥ ሓደ ስሙ ንሕጂ ክዕቅቦ ዝደለኹ ካብ ህዝባዊ ግንባር ዝሃደመ ምሁር፣ ከምዚ ኢሉ ተዛሪቡ ነይሩ። “ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ህዝባዊ ዝኾነ ትካላት ናይ ሕርሻ፣ ናብራ ዕቤት፣ ክፍሊ ትምህርቲ፥ ሕክምና፣ ቤትፍርዲ ወዘተ…..ኣለዉዋ። እዚኣቶአም ኣብ ምዕባለ ሕብረተሰብ ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝኾኑ ትካላት ኢዮም። ህዝባዊ ግንባር ግን ሓይሉ ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ኣጠናኺሩ ዝሰርሕ ዘሎ ውድብ ስለ ዝኾነ፣ ከምኡ ራኢያት የብሉን እሞ ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ናብ ዶባት ሱዳን ደፊኡ ከውጽኣ ይኽእል ኢዩ” ይብል። ቀጺሉ “መሪሕነት ተሓኤ ነዚ ሓይሊ እዚ ሚዛኑ ኣትሒቱ ኢዩ ዝርእዮ ዘሎ፣ ህዝባዊ ግንባር ግን ኣቃሊልካ ዝረኤ ውድብ ጥራይ ኣይኮነን፣ ህዝባዊ ግንባር ስርዓት ኢዩ፣ EPLF is a system  እሞ ኢሰያስ እውን ነቲ መንኰርኰር ጉዕዞ ህዝባዊ ግንባር ደው ከብሎ እንተዝፍትን ዝኽእል ኣይመስለንን” ይብል። ኮይኑ ከኣ ስርዓት ህዝባዊ ግንባር፣ ዲሞክራስን ፍትሕን ዝብል ካባ ተጕምጕሙ እነሆ ሕጂ እውን እንተኾነ ካብ ጕዕዝኡ ጠጠው ዘብሎ ሓይሊ ኣይተረኽበን፣ብናይሮቢ ኣቢሉ ንዓድና ክምለስ ይህቅን ኣሎ።

እወ! ህዝባዊ ግንባር ብወተሃደራውን፥ ጸጥታውን መሓውራት ዝተሰመንተወ፣(cemented) ጨና ናይ ዲሞክራሲ ዘይብሉ ብዘይካ “ርእሲ ናይቲ ውድብ” ክፍለ ኣካላት፣ ውልቀሰባት እቲ ውድብ “ሰብነቱ ዘይፍለጠሉ፥ ኢድ ጸኒሑ እግሪ፣ እግሪ ጸኒሑ ከብዲ ዝቕየር ናይ ኣሜባ ኣካይዳ ዝኽተል ውድብ እዩ። እሞ’ኸ ደኣ ባህርያት ህዝባዊ ግንባር ካብ መጀመርትኡ መግለጺኡ መላኽን፣ ደቛስን ባህርያት ሒዙ ዝመጸ ስርዓት ካብ ኮነ፣ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ዲሞክራስን ፍትሕን ዝብል ቃል ኣብ መጸውዒዑ ቅርዓት፣ እንተወሰኸ ከመይ ገይሩ ኢዩ፣ ነቲ ምልካዊ ባህርያት ህዝባዊ ግንባር ናብ ሓደ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክቕይሮ ዝኽእል? ሓደ ምልካዊ ስርዓት፣ ነቲ ኣዝዩ መሰረታዊ ዝኾነ ዲሞክራስያዊ ሰብኣዊ መሰላት ማለት፣ ናይ ምጽሓፍን፣ ምዝራብን፣ ምንቅስቓስን፣ እምነትን፣ ሓሳባትካ ብነጻ ናይ ምግላጽን ኣብ ድሌትካ ናይ ምእማን መሰል ዘየኽብር ስርዓት ብኸመይ ተኣምር’ዩ ዲሞክራስን ፍትሕን ዝብል ኣምር ሒዙ ክጎዓዝ ዝኽእል?

ፍትሒ ክበሃል ከሎ፥ ንዘበደለ ሰብ ናብ ሕጊ ኣቕሪብካ፥ ናይ ነፍሰ ምክልኻል መሰል ሂብካ፥ ብመጠን ናይቲ ዝተጣሕሰ ሕጊ ግቡእ መቕጻዕቲ ምሃብ ማለትዩ። ብሕጊ ተረጋጊጹ በደል ንዘይፈጸመ ሰብ ከኣ ብነጻ ናይ ምስንባት መሰል ምሃብ ማለት’ዩ። እዚ እንተዘይኮይኑ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ድሌትካ ዓይነት ገበናትን፣ ሽፍትነትን እናኣካየድካ፥ ንሰባት ብዘይተረጋገጸ ገበን ብዘይፍርዲ ዳጒንካ ክነስኻ፥ ስርዓት “ዲሞክራስን ፍትሕን” ተባሂልካ ምጽዋዕ እንታይ ፋይዳ ኣለዎ? ትርጉሙኸ እንታይ ኢዩ? ንዕረ ተግባራት ብመዓር ሸፊንካ ንህዝቢ ካብ ምድንጋር ሓሊፉ ካልእ ክህቦ ዝኽእል ጥቕሚ የብሉን። እምበኣር ካብዚ ብምብጋስ እየ ንኣርእስተይ “ህዝባዊ ግንባር ስርዓት፣ ዲሞክራስን ፍትሕን ከኣ ቅርዓት (Shell) እዩ ኢለ ዝሰመኹዎ።

መላግቦ መድረኽን፣ ህዝባዊ ግንባርን፣ ደሞክራስያዊ ፍትሕን፣

ብኣገላልጻ መድረኽ፣ ህዝባዊ ግንባር ካብ ህግደፍ ዝተፈልየ ውድብ ኢዩ፥ እቲ ዓመጸኛን፣ ህዝቢ ዝብድል ዘሎን ህግደፍ እምበር ህዝባዊ ግንባር ኣይኮነን ብምባል ነቲ ህዝባዊ ግንባር፣ ማለት ነቲ መጠቕለሊኡ ቅርዓት/ Shell ናብ ሓደ ሸነኽ ወጊኖም ናይ ህዝባዊ ግንባር “ስርዓት” ግን  ተቐቢሎም ናብ ህዝቢ ዳግመ-ምትእንጋድ /Re-Introduction/ ክገብሩ ንዕዘብ ኣሎና። ነዚ ኣተሓሳስባ እዚ ተቐቢሎም ንሓሙሽተ ሹዱሽተ ኣዋርሕ ዝሰርሕሉ ባእታትትን፣ ውድባትን ከኣ ምስ ተኸተልቲ ስርዓት ህዝባዊ ግንባር ቃል ኪዳን ንምእሳር ነጸልኦም ኣልዒሎም ንናይሮቢ ተብተብ ክብሉ ተዓዚብና።

ህዝባዊ ግንባር ህያው ንምግባር ዝቃለሱ ዘለዉ ሓይልታት መሰሎም እኳ እንተኾነ፣ እቲ ናይ ዲሞክራስን ፍትሕን ቅርዓት ግን፣ ህዝቢ ኤርትራ ፎእ ስለ ዝበሎን፣ ስለ ዝበለየን፣ ሓድሽ ኪዳን ዝበሃል መጠቕለል (ቅርዓት) ረኺቦሙሉ ኣለዉ። እዚ ሓድሽ ቅርዓት መድረኽ ብወለንታኡ ከም እንደገና ክሃንጾ ዝደሊ ዘሎ፥ ሽም ጥራይ ብምቕያር ከኣ ብዘይ ገለ ናይ ትሕዝቶ ለውጢ ክቕጽል ዝድለ ዘሎ ስርዓት ህዝባዊ ግንባር ኢዩ። ተራእዩ ድማ፣ እቶም ካብ 1990 ክሳብ 1991 ህዝባዊ ግንባር ነጻነት ዘምጸአ ውድብ ኢዩ ክሕገዝ ኣለዎ ዝብሉ ዝነበሩ ባእታታት ናይ ተሓኤ እውን ታሪኾም ትዝ ኢልዎም ኣብቲ ተዝካር ከም ኣርካናት ተቖጺሮም ንመድረኽ ህዝባዊ ግንባርነቱ ክባርኽሉ ውዒሎም’ዮም። እዞም ኣካላት እዚኣቶም ግን፣ እዚ ገበን የብሉን ዝበሃል ዘሎ ስርዓት/ሲስተም ቅድሚ ሰላሳን ሸሞንተን ዓመት ብዕጥቂ ህይወት ውድቦም ከሕልፍ መዲቡ ዝተዓወተሎም “ስርዓት” ምዃኑ ክርድኦም ምተገብኤ።

እተን ቅርዓት ናይ ህዝባዊ ግንባር ክኾና ኣይክእላን እየን ተባሂለን ክሳተፋ ዘይተመርጻ 6-7 ዝኾና ውድባት ግን፣ ታሪኻዊ ዝኾነ ልፍንቲ ክሃንጻ ይረኣያ ኣለዋ። ኣብ ፍራንክፈርት ጀርመን ቅድሚ ዋዕላ ናይሮቢ ክልተ ሰሙናት ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ ናይ ውሑዳት ፖለቲካዊ ውድባት ኣኼባ ከም ዝሰማዕኩዎ ዳርጋ ኩለን ዝተሳተፋ ውድባት፥ እዚ ምልኣት ዘይብሉ ኣኼባ ኢዩ እሞ ብድሕሪ ሕጂ ዝሓሸ ዋዕላ ክግበር ነቲ ጀርመናዊ ኢንስቲትዩት ለበዋና ሂብና ይብሉ። ኪዳንን ካልኦት ተሓባበርቲ ህዝባዊ ግንባርን ግን፥ እተን ኣብ ናይሮቢ ዘይተሳተፋ ውድባት “ካብ ኢትዮጵያ ክወጻ ስለ ዘይደለያ ኢየን ዘይመጻ” እናበሉ፥ ነተን ዕድመ ምስ ተላእከለን፣ ኣጀንዳን፥ ቦታን፥ ትኬትን ግን ዘይተሳዕበለን ውድባት፣ ኣብ ምክፋእ ተዋፊሮም ይርከቡ ኣለዉ። ዝያዳ ዘስደምም ከኣ ንሃገራዊ ጉባኤ ከተዳሉ ዝተመዘት ኣሰናዳዊት ሽማግለ ሃገራዊ ጉባኤ፣ ዝተዋህባ ዋኒን ጠንጢና፣ ካልእ ናይ ህዝባዊ ግንባርን ኪዳንን ናይ ዋዕላ ሰነድ ከተርቅቕ ዕማም ብሓጎስ ተፈንጪሓ ተቐቢላቶ ምህላዋ ኢዩ። ሰናይ ንቕሎ! ብወገነይ ጠለብ ህዝቢ ኤርትራ እናተማላአ ይኸይድ ኣሎ በሃላይ ኢየ። ኣይትራብሑ፣ ኣይትጫጭሑ፣ ተደሚርኩም ተደማሚርኩም ቁጽሪ ውድባትኩም ኣውሕዱ እዩ ዝበል ዘሎ። እሞ ሕጂ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክልተ ክንፍታት ናይ ፖለቲካዊ ውደባ ተጀሚሩ ኣሎ እብል። እቲ ኣብ ናይሮቢ ዘይተሳተፈ ሓይሊ ብዕጥቃውን ካልእ ዲፕሎማስያውን ኣገባባት ቃልሲ ዝኽተል፥ ኣብ ኤርትራ ሱር ነቀል ለውጢ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ዝኣምን፣ ቀንዲ መቃለሲ ቦታኡ ከኣ ኣብ ዶባት ኤርትራ ጌሩ ዝርኢ ክኽወን ከሎ፣ እቲ ናይ ስርዓትን ቅርዓትን ሰልፊ ናይሮቢ ከኣ መብዛሕትኡ ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ዝኽተል ኮይኑ ብማዕዶ ብወንጭፍ ክቃለስ ዝደሊ ኢዩ። ናይሮብያውያን፣ ኣብ ብሄራትን ሕብረብሄራትን ምምቕራሕ ዘይምእኩል ምሕደራን፣ ንጹር ፖሊሲ ዘይብሎም፣ ገለ ክሳብ ንመራሒ ህግደፍ ናይ ክብሪ ፕረሲደንት ተዋሂብዎ ቅዋማዊ ምትዕርራይ ጌርካ ሰላማዊ ምስግጋርን “ልምሉም ምዕላብን/soft landing ዝብል ፖሊሲ ዝጣበቑ ይርከብዎም ብምዃኖም፣ ቃልሲ ወገን ሂቡ ኣሎ ክበሃል ይከኣል። ክሳብ ዝተወሰነ ደረጃ ምዕባለ እውን፣ እዚ ክንፍታት እዚ ኣኣብ ቅርዓቱ ክበስል እምበር፣ ሕጂ እውን ተጸናቢሩ ክደባለቕ የብሉን። ክልቲኡ ክንፍታት ግን ሲቪል ብዝኾነ ኣገባባት እናተወኻኸሰ ክሰርሕ ኣድማዒ እመስለኒ።

ኣምበሳዶር ዓንደብርሃንዶ ኣቶ ሳልሕ ጀውሃር ጌገኛ?

ኣብ ኣኼባ ናይሮቢ ኣቶ ሳልሕ ጀውሃር ከይካፈሉ ዝወሰነ ስርዓት ህዝባዊ ግንባር እምበር፣ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ኣይኮኑን። ስርዓት ህዝባዊ ግንባር ቅትለት ሰብ ይኹን ማእሰርቲ፣ ክውስን እንከሎ ከም ስርዓት ኢዩ ዝውስኖ። ኣተግበርቲ ከኣ ማሕሙድ ሸሪፎ፣ ጴጥሮስ ሰለሙን፣ ሃይለ ድሩዕ፣ ወይ ከኣ ኣምበሳደር ዓንደብርሃን ክኾኑ ይኽእሉ። ርእሰ መላኺ ናይቲ ስርዓት ልዕሊ ሕጊ ስለዝኾነ ኣይክሰስን፣ ስሙውን ብኸንቱ ኣይለዓልን ኢዩ። ርእሰ መላኺ ስርዓት ህዝባዊ ግንባር ናይሮቢ፣ ዶር ኣሰፋው ተኸስተ ስለ ዝኾኑ ከኣ ሽሞም ክሙጕስ እምበር ክውቀስ ኣይሰማዕናን። ክሳዕ ኣቶ ሳልሕ ጀውሃር እውን ዓርከይ እናበሉ ኢዮም ዘልዕልዎም ዘለዉ። እቲ ውሳኔ ቅትለት ሰብ ድዩ ምስጓግ ካብ ዋዕላ ወይ ውድብ ምስተወሰነ፣ ንህዝባዊ ሃልኪ ዝውረ ናይ 03 መሽረፈት ኣሎ። እዚ ከኣ እቲ ተፈጺሙ ዘሎ ጌጋ ወይ ገበን ናይቲ ስርዓት ወይ ርእሰ-ስርዓት ጌጋ/ገበን ዘይኮነስ ናይ ውልቀ ሰብ ጌጋ ኢዩ እናተባህለ ክንገር ዘእረገናን፣ ዘብረሰናን፣ ኣሰራርሓ ኢዩ። አረ!! ተተኻኢሉስ ከምቲ ኣብ ከሰላን ካርቱምን ዝውሰድ ዝነበረ ደማዊ ስርሒታት ዋናታቱ “ገለ መራሕቲ ጀብሃ” እዮም እናተባህለ ዝንገረሉ ዝነበረ፣ ሕጂ’ውን ዝኾነ ኣብ ጉዕዞ ናይሮቢ ዝግበር ጌጋታት “ኪዳን ዝፈጸምዎ” ጌጋ እዩ እናተባህለ ምስዝንገር ክገርመና ኣይግባእን። ድሕሪ ኣርብዓ ሓምሳ ዓመታት በዓል ኣቶ ሳልሕ ጀውሃር በዚ ጉዳይ እዚ ክዛነዩን፣ ክዕሸዉን፣ ክህመሉን፣ እንከለዉ ግን ወይ ዝተዋህቦም መብጽዓ ኣሎ፣ ወይ ድማ ገና ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር ኣይተማህሩን ጥራይ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል። እምበር ኣምበሳደር ዓንደብርሃን ቀደም ኣምበሳደር፣ ሕጂውን ኣምበሳደር፣ ኣብ ናይ ጽባሕ ስርዓት ህዝባዊ ግንባር ድማ ኣምበሳደር፣ ኮይኖም ንኽቕጽሉ ዝኽልክሎም ከምዘይብሎም ኣረጋጊጾም ወይ ኣመስኪሮም  ኢዮም። ንኣቶ ሳልሕ ጀውሃር  ከኣ ንስርዓት ህዝባዊ ግንባር ቅርዓት/መሸፈኒ ክረኽቡላ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ብዓርኮም ጌሮም ኣዋፊሮሞም። ንኹለን እተን ገዳይም ዝበሃላ ውድባት በቢ እምንቶኤን እናሰበኹ (lobby) ንኹለን እኽሊ ሂብካ ኩትኩት ከም ዝበልካየን ደርሁት ንናይሮቢ ንኽእከቡ ዝሓገዙ ኣቶ ሳልሕ ጀውሃር ከምታ ግን ኣብ መጨረሽታ ከምታ ዕድሎት በዓል ድሩዕን ሸሪፎን፣ ዓስቦም ዝረኸቡላ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ዕድል ኣጋጢማቶም ኣብ ፍሉይ ኮንተይነር ተዓጽዮም ቀንዮም። ግን ኣቶ ሳልሕ ወዳኢትኪኸ!! ብማለት ኣብ ክንዲ ትጉሽተተይ ሻዕብያ ዝቐየርኪ መሲሉኒ እምበር ብግንባርኪ ኢኺ ዘለኺ ኢልካ ስሕታንካ ምእራም፣ ንኣምበሳደር ዓንደብርሃን ካብ ልዕሊ መሬት እንተዘይኣጥፊኤዮ ኣነ ኣይኮንኩን ኢልካ ምፍካርን ምዕግራጋር፣ ንጉጅለ 13 ኣይጠቐመ፣ ንጉጅለ 15 ኣየድሓነ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንኣቶ ሳልሕ ጀውሃር ዝወሃብ ምዕዶ እንተኣልዩኒ ግን፣ እቲ ጉዳይ ክትተሓሓዝዎ እንተደሊኹም ብኣብ መድረኽ ዘለዉ ፈተውትኹም ጌርኩም ዘይኮነስ፣ ድግድጊት ተዓጢቕኩም ባዕልኹም ኣብ በይኤርያ ካሊፎርንያ ምስ ዘለዉ ኣቦመንበር ህዝባዊ ግንባር፣ ዶር ኣሰፋው ተኸስተ ምሒልኩም ጥሒልኩም እተዉዋ። ከምኣ ተጌርኩም ኣቶ ዓንደብርሃን ስነ-ስርዓት ጌሮም ብሰላም ቃልስኹም ክትቅጽሉ ትኽእሉ ኢኹም እብል። ንምዃኑ መድረኽን ኣቶ ጀውሃርን ድሕሪ ዋዕላ ናይሮቢ፥ ማርሻ ኣእቲኻ፣ ኳርታ ዓሺግካ መሊስኩም ንደቡብ’ዶ ተንቍልቁሉ ትኾኑስ ወይስ ኣንታ ዓድና ንሰሜን ገጹ እዩ ዘሎ ኢልኩም ኮምፓስኩም ተመዓራርዩ? እዛ ዳሕረወይቲ ምርጫ፣ ንመድረኽን ንኣቶ ሳልሕን ፖለቲካዊ ነብሰ- ቅትለት ኢያ። እተን ካልኦት ናይሮብያውያን ውድባት እኳ ስርዓት ስለ ዘይኮና ከም ቅርዓት ኣብ መድረኽ ዝመርሐን ክኸዳ ምዃነን ጥርጥር የብለይን።

 

ሓድጉ ተኪኤ

ጥሪ 10, 2016

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • k.tewolde January 11, 2016

    ELF is the poineer,PLF,EPLF are the offshoot of ELF, and present HGDEF is the continuation of EPLF,nobody dropped out of the sky,we know each other very well, we used everything in our disposal to outgun,outsmart,out maneuver each other to the point one brother killing his own brother for no apparent reason[the story of Kael and Abel in Genesis.],my brother ab gimbar, me ab jebha, to whom is my mother rooting for? she lost few,the survivors are not talking to each other,she is lonely at home staring at the door hoping one of us will show up. Isn’t this pretty much our story? In the mean time,the tyrant who is not remotely related to us is sitting pretty with his family safe and intact enjoying the goodies our land has to offer, throwing sarcastic comments here and there with abundant offshore accounts,and he never picked up a pebble.Brothers! what does it take for us….Thanks Hadgu.

    • AHMED SALEH !!! January 12, 2016

      K.Tewelde
      ” my brother EPLF me ELF fighting in civil war ” heart breaking past
      experience difficult to comprehend that left scars for life .
      Too late to see the ending results of our beginning . Facts cleared
      the whole truth even if we try to portray it otherwise .
      ISSAYAS MISSION WAS TO OCCUPY WHOLE ERITREA UNDER HIS REIGN . And he
      accomplished his dream with help of mesakin ANBESSA NAKFA WEDI AFOM , NIHNA NSU humans heard who don’t know their slaughter time .

    • Natnael January 14, 2016

      @ k.tewolde !
      you expressed the situation so precise that no one can say it better.

      “…,the tyrant who is not remotely related to us is sitting pretty with his family safe and intact enjoying the goodies our land has to offer, throwing sarcastic comments here and there with abundant offshore accounts,and he never picked up a pebble. …”

  • oromay January 11, 2016

    Excellent article brother. We do not remember what we said yesterday! For sure we are determine to change the regime, Oh, yes, we are here for radical change today! But we do not know our stand tomorrow.It all depends on how our power ambition goes!. We know what is good for you(Eritrea.). We are veterans no one knows more than we do. We are your future leaders. Our method of leadership is carrot and stick. very simple and universally applicable. Just follow us! We have been inactive for many years until we came up with our forum “Medrek”. Vote for us, we will enjoy inverted democracy, a unique one in Eritrea! Warning: donot trust other oppositions!.

  • AHMED SALEH !!! January 11, 2016

    Since Saleh Johar is mentioned in this article . Let me use the
    opportunity to send my best wishes in our forum and see him well
    recovered from hospital bed .

  • Menghesha January 12, 2016

    Brother Hadgu well written and article with good insight as you mentioned the EPLF system is still atomising the ELF even Saleh who claims to be so wise is trapped into it.
    You explained in a clear manner why the ELF and its offshoots Jihadist can not challenge the still mighty EPLF now PFDJ.

    • Wedi Hagos January 12, 2016

      ሰላም ኣሕዋት
      ኣየናይ’ዩ ትዕጥቃዊ ቃልሲ ዝባሃል? ቶም ካልኦት ኣብ ናይሮቢ ዘይተሳተፉ ኸ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ይቃለሱ ኣለው ማለት ድዩ ወላስ ናይሮቢ ንደጀን ዘይጥዕም ኮይኑይ ንስርዓት ህግደፍ ከተጥቃዓሉ

  • Tsehaye January 12, 2016

    “ንኣቶ ሳልሕ ጀውሃር ከኣ ንስርዓት ህዝባዊ ግንባር ቅርዓት/መሸፈኒ ክረኽቡላ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ብዓርኮም ጌሮም ኣዋፊሮሞም። ንኹለን እተን ገዳይም ዝበሃላ ውድባት በቢ እምንቶኤን እናሰበኹ (lobby) ንኹለን እኽሊ ሂብካ ኩትኩት ከም ዝበልካየን ደርሁት ንናይሮቢ ንኽእከቡ ዝሓገዙ ኣቶ ሳልሕ ጀውሃር ከምታ ግን ኣብ መጨረሽታ ከምታ ዕድሎት በዓል ድሩዕን ሸሪፎን፣ ዓስቦም ዝረኸቡላ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ዕድል ኣጋጢማቶም ኣብ ፍሉይ ኮንተይነር ተዓጽዮም ቀንዮም።”

    Amazing! Hadgu is a brilliant and gifted writer.

  • Kidane Beraki January 12, 2016

    One of the few concise, insightful, and to the point article. Congrats Hadgu for a refreshing and brilliantly writing it.

  • Simon G. January 12, 2016

    Nice analysis!
    SGJ stated that he will write about it but few weeks passed by. Now that we hear he had survived heart attack, I wish him fast recovery and we are counting a status update.

  • A H January 13, 2016

    ዝኸበርካ ኣቶ ሓድጉ ተኪኤ፡
    ብኹሉ ዝበልካዮ ቲመሪር ሓቂዩ፡ ሰልፊ ህዝባዊ ግንባር ነበርን ህግደፍን ንኣሽሓት ዝኸፈልናሉ ቃልሲ ነጻነትናን ሓርነትናን ጨውዮም፡ ገና የድምዩናን የዋርዱናን ከምዘለዉ ናይ ዕዳጋ ምስጢርዩ። ሕጂውን ቲቀንዲ በዓልቤት ህዝባዊ ግንባር( ተጋዳላይ) ነበር እንተዝብገስ፡ ነቲ ዝተረፈ ወናኒ ተሓኤ ውን ንዓ ምስኦም ስመር ኢልና ከም ሻሙ ምበልናሞ፡ ነዚ ስርዓት ኢሳያስ ባሕጚግና መውጻእናዮ። ሸጊሩ ዘሎ፡ እዞም በዓል ዓንደብርሃን፡ መስፍን ሓጎስ፡ ዓብደላ ኣደም፡ ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ወዲ ዓማር፡ ካልኦት ከም ወዲ ተድላን መሰልቱን ንሑሉፍ ጅግንነቶምን በደላቶምን(ዝተረጋገጸ ገበናት(ምስ ዝህሉዎም)) ገሊጾም ከይገለጹን ይቕረታ ከይሓተቱን መንሞ ዳግማይ ወይ ሳልሳይ ግዜ ኣሚኑ ክቕበሎም? ብዘይካ ወዲ ተላን ወዲ ዓማርን፡ ክልኦት ብማዕረ ገበናት ናይ ኤሱ ዝተሻረኹዎን ዘማዕረጉዎን እዮም።
    ሕቶታተይ ከይተመለሰ ክቕበሎም ማለት ጸሓይ ብባድመ ክትበርቕን ክቲዓርብን ዝዓይነቱ ዘስምዕ ሓሸውየ እዩ።
    ሕቶታተይ፡
    ብኸመዩ ተወሲኑ ቶም ቀያሓትን ጸለምትን ደቂ ሃገር ንሞት ዝተፈርዱ? ኣብ ጉባኤ ተኣኪብኩም ንኹሉቲ ዝቃወመኩም ሓቢርኩም ብድምጺ ዲኹም ፈሪድኩሞም፡ ወይ ኢሳያስ’ዩ ንሞት ዝፈርዶም ዝነበረ?
    ኣስማቶም ኣድላዪ ኣይመስለን ግን ዓሰርተታ ዘይኮኑስ ባሽሓትዮም፡ ካብ ሰብዓታት ጀሚርካ ክሳብ 1991።
    ኣብ ገለ ሁሞት ዝሰማዕኩዎ፡ ንመንካዕ ክትፈርዱ ደምጽኹም ንሞትዩ ዝነበረ ብዘይካ ኢሳያስን ሓደ ስሙ ዘይዘከርኩዎ፡ ኢሳያስውን ከምዚ ክብል ነቲ ፍርዲ ሸንጎ ዛዚሙዎ ይበሃል፡ “ንሞት ዘፍርዶም ገበናት ፈጺሞም ዝብል እምነት የብለይን እንተኾነ ኣብ ሰልፍና ደሚክራስያዊ ድምጺ ይዕብልል” ክብል ሓጪጭልኩም ይበሃል፡ ዘገርም ኣይኮነን፡ ቲስልቲ ኣብ ክልቴኹም ንዕዘቦ ኣለና።
    ከነጽሮ ዝደሊ ግን፡ ኣብ ቃልሲ ዘይጋገ የልቦን፡ ብጌጋኹም ኣሚንኩም፡ ይቕረታ ንህዝብኹም ሓቲትኩም ንዑ ምሳና ሕበሩ፡ ናይ ግድን ንህዝብኹም ተድልይዎ ኢኹም። ተስፋ ይገብር ናብቲ ናይ ህዝቢ ማዕበል ክትጽንበሩ፡ ቲማዕበል ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ከም ሪኬት ዝውንጨፍ ማለተዩ፡ ትንታሕቲ ከም ዑፍ ዝንቆት ማለተይ ኣይኮንኩን፡ ሎምስ ሓቢርና ካብ ትሕቲ ንሰማይ ንዕረግ ኤሱ ድማ ንታሕቲ ክንቆት።።።።።።።

    • Genet-orginal January 15, 2016

      A H
      Well said. I agree 100%
      It is more clear now that EPLF was and is a cult for some of its members. It is a perfect time for it’s members to come clean and denounce the lawlessness of EPLF culture. Since inception, EPLF was lawless and a dictatorial system. We, Eritrean don’t have to be part of EPLF to see how lawless it was. Its outcomes is killing us and killing our nation. NO to the reincarnation of the worst cult system. I just don’s understand why the high ranking EPLF members don’t think the Eritrean mothers and fathers deserve a sincere apology?

  • Berhe Tensea January 15, 2016

    There is no such thing as PFDJ or people front for democracy and justice. This group stands for mafia front for deceiving and jungle justice.
    ELF was a democratic and popular front, that was run by nationalists
    The Tembein dominated front allied with the Woyane was too much for ELF to handle and that is why it is in exile up to now.

  • A H January 19, 2016

    ዝኸበርኪ ገነት፡
    ከም ተረድኦይ፡ ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ዓዳሚ መድርኽ ይቕልቀልሞ፡ ንሑሉፍ ገምጊምካ ነብስኻ የዔጊስካን ኣዳሊኻን ንመጻኢ ከዐውተካ ዝኽእል መደብ ሓንጢጥካ ንናይ መጻኢ ወለዶ ቅድሚት ሰሪዕካ ንዝገጥመካ ብድሆታት ሓቢርካ ትቃለሶ፡ ዓወትካውን ብቑልጡፍ ከሰላሰል ተኽእሎታትካ ተሓደሶ። እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ከም ዝሞተት ሹም ንህቢ መራሒ ስኢኑ ኣንፈቱ ዘጥፍኤ፡ ነንሕድሕድና ክንናቖት ሃየንታ ናይ ጀጋኑ ስውኣትና ከይኮነ ኣይተርፍን፡፡ ምንቲምንታይሲ፡ ብሉጻትና ዝተሰውኡልን ዝሰንከለሉን መብጽዓ ጠሊምና ጥራሕ ዘይኮነስ እታ ሓፋሽ ዝተቓለሰላ ሃገር ብቐንዳ ክትፈራኸሽ ንዕዘብ ኣሎና፡፡ እሞ ከምዚ እናረኡ ድኣ፡ እቶም ናይቲ ሰውራና መራሕቲ ብኸመይ ሃገር ኣቐዲሞም ነቶም መንእሰያትና ዘየዕጥቕዎም? ወይስ ባዕሎም ክመርሑን፡ ክዐዉቱና ስለ ዝመረጹ ዶኾን ይኾኑስ ወይ ንሑሉፍ ታሪኾም ብዝሓልሙዎ መጻኢ ዓወት ቅብኣዩ?
    በቲ ይኹን በዚ፡ ንኽመርሑ ኣይክእሉንዮም፡ ቲግዜ ናቶም ኣይኮነን፡ ሓጂ ሓደ እግሮም ኣብ ጉድጝድ ኣትዩ ንኽመርሑ ዕቕሚ የብሎምን፡ ወላውን እንተለዎም ኣብ ልዕሊኦም ዘለና ተኣማምነት ሰለ ዝማህመነ፡ ጉድኣቱዩ ዝበዝሕ። የግዳስ ብግቡእ ንመንእሰያትና፡ ከዕጥቑዎም፡ ክኣልዩዎም፡ ክምዕዱዎም፡ ከምኡውን ክጣበቑሎምን ምስ ዓለማትና ከላልዩዎምን ደንድል ምስ ኩለን ፈተውቲ ሃገራት ክኾኑዎምዩ ዘምሕረሎም፡፡ ክንደይ ግዜሞ ክንብሎን ከም ፓፓጋሎ ክንደግሞን’ና። ይኣክል ምራሕቲ ነበር፡ ግዜኹም ኣብቂዑ፡ ምስ ህዝብኹም ተመሳጊንኩም ኩርስኹም ልቐቑ ክብል የማሕጽነኩም፡፡ ግዜ ይጎዪ ህዝብና ኸኣ ይጸንት ኣሎ፡ ክሳብ ክንድቲ ለመና ዘድልየኩም ኣይመስለንን፡ ምናልባት ዘይንፈልጦ ምኽንያታት እንተሎኩም ሓብሩና ባሃላይ እየ፡፡
    ከምቲ ኣብ ሜዳ ዓበይቲ ምስ ዝካፈሉ፡ ኣይፋለን ኣቦይ ሎምስ ድሕሪ ደጀን ኮንኩም ደኣ ምዓዱና ብኡ ኸኣ ተዕርፉ ትብሉዎም ዝነበርኩም፡ ሕጂውን ንዓና ከምኣ ይብሉና ስለ ዘለዉ፡ ንስመዓዮም፡ ብኸምዚ፡ ክብርና ብግቡእ ክዕቀብን ክወራረስን ይኽእል፡፡ እዚ ምስ ንፍጽም፡ ቃልስና ክዕምርን ኣብ መፈጸምታ ክበጽሕ ይኽእል፡፡ እንተ ተዕዚብናውን ጸገም ኤሱውን ንሳያ ትመስለኒ፡ ከም ዓጽሚ ዝነኸሰ ዝብኡ ክሕንሕን እስማዕ ኣሎ። ከይቀደመና ግዳ ንቐድሞ፡ ህዝብና ውን ካብዚ ዘለዎ ሕስረተ መከራ ብኣጋ ከነናግፎ፡ የቐንየለይ፡፡

Post a Reply to Simon G. Cancel Reply