Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝባዊ ነብሰ-ፍተሻ (national soul-searching) – ብኣማኑኤል ሳህለ

ህዝባዊ ነብሰ-ፍተሻ (national soul-searching) ብኣማኑኤል ሳህለ ነዚ ጽሑፍዚ ከቕርብ ካብ ዝደረኸኒ ሓደ ምኽንያት እዚ ዚስዕብ እዩ፥ ኣብ ኤርትራ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ንህዝቢ ዘበራበረ ናይ ተቓውሞ ተግባራት ይንኣስ ይዕበ ተኻዪዱ እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ከም እተኻየደ እውን ኩሉ

ህዝባዊ ነብሰ-ፍተሻ (national soul-searching)

ብኣማኑኤል ሳህለ

ነዚ ጽሑፍዚ ከቕርብ ካብ ዝደረኸኒ ሓደ ምኽንያት እዚ ዚስዕብ እዩ፥ ኣብ ኤርትራ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ንህዝቢ ዘበራበረ ናይ ተቓውሞ ተግባራት ይንኣስ ይዕበ ተኻዪዱ እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ከም እተኻየደ እውን ኩሉ ሰብ ዚፈልጦ ሓቂ እዩ። ኩሉ ንሃገሩ ዝሓስበላ ዜጋ እውን ኣብቲ ህዝብን ኣብቲ ሓድነቱን ትብዓቱን ናይ ዘይምንብርካኽ መንፈሱን ተስፋ ገይሩ እዩ። ቀሪብና ኢና፡ ኪሓልፍ እዩ፡ ሃገርና ናብቲ ንቡር ኩነታታ ክትምለስ እያ ወዘተ ዚብል ሰብ ድማ ውሑድ ኣይኮነን። ይኹንምበር፡ ጎድኒ ጎድኒ ናይዚ ድራኸዚ፡ ናይ ምጥርጣርን ምብትታንን ምክፍፋልን ምምቕቓልን ሓይልታት እውን ተቐልቂሎም እዮም። ካብ ምቕልቃል እውን ኣዕሪፎም ኣይፈልጡን።

ህዝባዊ ተቓውሞ ኪግንፍል ከሎ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ጉዳይ ከም ሓደ ንኣዕኑድ መንግስታዊ ጭቆና ብብቕሩብ ዝቝርምምን ጸኒሑ ድማ ዘፍርስን ተበግሶ ጌርካ ምርኣይ፡ ብናይ ሃይማኖታውን ኣውራጃውን ሰልፋውን ዓይኒ ጌርካ ብምርኣይን ብምምዛንን ኣብ ናይ ጥርጠራን ባእስን ዘለፋን፡ ኣብ  ናይ ፖለቲካዊ ቊርቊስን ረግረግ ምሽማም፡ ነቲ ቐጺለ ክብሎ ደልየ ዘሎኹ ናይ መግዛእታዊ ዘመናት ህያብ ዝኾነ ኣብ ገለ ክፋል ህዝብና ሰፊኑ ዘሎ ኣሉታዊ ባህርያት መሰረት ይኾኖ። ስለዚ ድማ ኩሉ ኤርትራዊ ነብሱ ክፍትሽ ዘድሊ ኾይኑ ይስመዓኒ።

ተቓውሞ፡ ካብ ዝኾነ ሸነኽ ይምጻእ፡ ዝኾነ ዓይነት ፖለቲካዊ ወይ ቁጠባዊ ወይ ባህላዊ ልብሲ ይልበስ፡ ዝኾነ ዓይነት ስልቲ ይጠቐም፡ ነቲ ስርዓት ዘርዕዶን ኣንፈቱ ዘጥፍኣሉን ዘዳኽሞን ፖለቲካውን ቁጠባውን ዓንድታቱን ኣውታራቱን ዝነቓንቖን ክሳዕ ዝኾነ፡ ህዝባዊ ተቐባልነት ኪረክብን ኪተባባዕን፡ ኣብ ህዝቢ ተኣማንነት ከም ዘተኣታቱ ብምግባር ጻዕሪ ኪካየደሉን ይግባእ። እቲ ዕላማ እንታይ ድዩ? ነቲ ህዝቢ ካብ ጭቆና ከም ዚናገፍ ምግባር ዶ ኣይኮነን? ድሕነት ሃገር ምውሓስ ዶ ኣይኮነን? ስለምንታይ ደኣ ገለ ተቓውሞ ኪብገስ ከሎ ብገለ ወገናት ዘይቅኑዕን ዘይዕላማኡን ትርጉም ዚወሃቦ ዘሎ? ኣብ ኩሉ ድዩ እቲ ናይ ምፍልላይ ባህርያት በጨቕ ዚብለና ዘሎ?

ሽሕኳ ንኸምዚ ዝበለ ኣሉታዊ ባህርያት ከም ሕላገት ባህርያት ኤርትራዊ ገይረ ክወስዶ እንተ ዘይተበገስኩ፡ ኣብ ገለ ክፋላት ህዝብና መመሊሱ ይረአ ስለ ዘሎ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ነብሱ ንምፍታሽ ወዓል ሕደር ዘየልዮ ስጉምቲ እዩ። ከምዚ ክብል ከሎኹ፡ ኣብቲ ህዝቢ እምነት ስለ ዘጒደልኩ ዘይኮነስ፡ ከምዚ ዝበለ ኣሉታውን ኣፍራስን ባህርያት ከይስዕርር ስለ ዝሰጋእኩ እየ። ንኸምዚ ዝበለ ባህርያት ድማ ብመገደይ ክትንትኖ ክትፍትን እየ።

ኩሉ ገዛእን ጨቋንን ስርዓት፡ ባዕዳዊ ይኹን ዘቤታዊ፡ ደልዲሉን ሓዪሉን ጭቆናኡ ዘስፍን ብናይቲ ህዝቢ ውሽጣዊ (sub-conscious) ፍቓድ እዩ። ህዝቢ ብምሉእ ልቡን መንፈሱን ሕልናንኡን ዘይደልዮ ዓይነት ስርዓት ናብ ላዕሊ ኪድይብ ፈጺሙ ኣይክእልን። እቲ ውሽጣዊ ፍቓድ ደኣ ካበይ ዝመጸ እዩ? ኢልካ ኪጥየቕ ይከኣል። እዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ መግዛእታዊ ዘመናት ቀስ ብቐስ ኣብቲ ህዝቢ ዝለሓመን ህዝቢ ከይተፈለጦ ዝረዓሞን ኣሉታዊ ባህርያት ኪኸውን ይኽእል። ቀንዲ መበገሲኡ ርሑቕን እተሓላለኸን እኳ እንተ ኾነ፡ ተኸታታሊ ወረራን መግዛእትን ግን ገለ ካብቲ ቀንዲ ምኽንያታቱ እዩ።

ገለ ሰባት ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኢሰብኣዊ ምምሕዳር ንበይኑ፡ ነቲ ባህርያትን ውሽጣዊ ድሌታትን ህዝቢ ድማ ንበይኑ ገይሮም ኪወስዱዎ ይፍትኑ። ግን ክልቲኡ እተኣሳሰረን እተዛመደን እዩ። ሓደ ሰብ ርእሱ ኪሓምም ይኽእል እዩ፡ ግን ምኽንያት ናይቲ ሕማም ርእሲ፡ ኣቐዲሙ እተኸሰተ ናይ ኣካላት ምብልሻው ወይ ድኽመት ወይ ረኽሲ ኪኸውን ይኽእል። እቲ ሕማም ርእሲ፡ ሲምቶም ወይ ምልክት ደኣምበር ባዕሉ ሕማም ኣይኮነን። ነቲ ሕማም ርእሲ ወይ ናይ ርእሲ ቃንዛ ዘምጸኦስ፡ ባዕሉ እቲ ነቲ ሕማም ተሰኪሙ ዘሎ ኣካል እዩ። እቲ ኣካል ምስ ዚሓዊ፡ ሕማም ርእሲ ድማ ደው ይብል። ነቲ ሕማም ርእሲ ከተጥፍኦ ብማለት ኣፋውስ ምብዛሕ ግን፡ ፍረ ኣይህብን። እንተ ሃበ እውን፡ ንግዜኡ እምበር ዘላቒ ኪኸውን ኣይክእልን።

እቲ ንሃገር ዘመሓድር ስርዓት ወይ ጉጅለ፡ ዝኾነ ዓይነት ምሕደራዊ ኣገባብ ይሃሉዎ ብዘየገድስ፡ ባዕሉ ካብ ባዶ ተላዒሉ ዝመጸ ኣይኮነን። ብመሰረት ሕጊ ጠንቅን ሳዕቤንን (cause and effect) ዝኾነ ዓይነት ፍጻመ ወይ መስርሕ፡ መበገሲ ኣለዎ። ኣብ ታሪኽን ጀዮግራፍያዊ ኣቀማምጣን ባህልን ህዝብና ኣቲና ምስ እንምርምርን እንዕዘብን፡ ናይ ወራር ጠንቅታትን፡ ምስቲ ወራሪ ዚመጽእ ናይ ባህሊ ምዝራግን፡ ብኡ ዚፍጠር ሓድሽ ፖለቲካዊ ስርዓትን፡ ምዝንባል ባህላዊ ምሕደራን፡ ኣብቲ ህዝቢ ናይ ኣመለኻኽታን ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ለውጢ ከምጽእ ክኢሉ እዩ። ኣወንታዊ ወገኑ ተቓውሞ ምርኣይ ኪኸውን ከሎ፡ ኣሉታዊ ሸነኹ ድማ ነንሓድሕድካ ተኻሓሒድካን ተማቓቒልካን ግን ከኣ ምስቲ ገዛኢ ተሰማሚዕካን ተምበርኪኽካን ምንባር እዩ።

ክውረርን ብወራሪ ኪመቓቐልን ክከፋፈልን መዋእሉ ዘሕለፈ ህዝቢ፡ ዘይሩ ዘይሩ ኣሉታዊ ናይ ምክፍፋልን ናይ ሓድሕዳዊ ምጥርጣርን ባህርያት ኪፈጥር ልሙድ እዩ። ወራሪ ዚጸልኦ ወይ ዘፍርሆ ነገር እንተሎ፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ስኒትን ምትሕብባርን ምርኣይ እዩ። እቲ ንሕብረት ከም ሓደጋ፡ ንስምምዕ ከኣ ከም መዓት ገይሩ ዚርኢ ወራሪ፡ ገና ነታ ሃገር ከይወረራ ከሎ እዩ ኣብቲ ህዝቢ ምክፍፋልን ምብትታንን ኪዘርእ ዚፍትን። ብሃይማኖት፡ ብኣውራጃ፡ ብዓሌት፡ ብታሪኽ፡ ብባህሊ ወዘተ ኪፈላሊ ይፍትን። ምምሕዳራውን ቁጠባውን ስልታውን ኣጽዋራውን ልዕልና ስለ ዘለዎ ድማ ይዕወት። ሽዑ፡ ሓው ኣብ ልዕሊ ሓው ይለዓል። ኣብ ስድራቤት ከይተረፈ ምጥርጣራት ሰሊኹ ይኣቱ፡ ኣብ ኩሉ ህይወታዊ ንጥፈታት ድማ ዘይምትእምማን ይሰፍን። እዚ ድማ ነቲ ወራር ምቹእ ሃዋህው ይፈጥረሉ። እቲ ወራሪ ነዚ ስልትዚ ወይ ጥበብዚ ቀጻሊ እዩ ዚጥቀመሉ፡ ከመይሲ ኣብቲ ህዝቢ ሕብረትን ምትሕብባርን ምስ ዚፍጠር፡ ነዊሕ ከም ዘይቅመጥ ስለ ዚፈልጥ።

ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተባህለ፡ ንኹሉ ነገር መንቀሊ ወይ ጠንቂ ኣለዎ። ኣሉታዊ ይኹን ወይ ኣወንታዊ፡ ናይቲ ጠንቂ ሳዕቤን ኪህሉ ግድን እዩ። ኣብ ሃገርና ወረርቲ በብተራ ኪመጹና ዝኸኣሉ ምኽንያት ብዙሕ ኪኸውን ይኽእል፡ ግን ቀንዲ ምኽንያት፡ እቲ ጀዮግራፍያውን ስትራተጅያውን ኣቃውማ ሃገርና እዩ ኪብሃል ይከኣል። በዚ መሰረትዚ፡ ግሪኻውያንን ህንድን ከም ነጋዶ ኣብ ገማግም ባሕርና፥ ዓረብን ቱርክን ጣልያንን ከም ወረርቲ፥ እንግሊዝ ከም ሓውሲ ወረርቲ፥ ሃጸያዊትን ደርጋዊትን ኢትዮጵያ ከም

ጎረቤታዊት ወራሪት፡ ድሕሪኡ ድማ ናይ ሓው ወይ ዘቤታዊ ወረራ ብህግደፋውያን መጺኡ። ናይዞም ኩሎም እተጠቕሱ ሓባራዊ ረቛሕን ሓደ ዘምስሎምን ስልቲ እንተሎ፡ ኣብቲ ህዝቢ ዝርግርግን ሕንፍሽፍሽን ዘይምስምማዕን ዘይምሕባርን ምፍጣር እዩ።

ኣብዚ ግን፥ ገለ ሰብ ከመይ ደኣዩ ዘቤታዊ ወረራ ዚብሃል ዘሎ ብምባል ኪግረም ይኽእል ይኸውን። ኣብ ዓለም፡ ካልእ ፍልልያት ገዲፍካ፡ ክልተ ዓይነት ወረርቲ ኣለዉ ኪብሃል ይከኣል፥ ባዕዳውያንን ዘቤታውያንን።

መጀመርያ ግን፡ ወራሪ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ። ወራሪ፡ ነቲ ዝወረሮ ህዝቢ ከም ማዕረኡ ገይሩ ኣይወስዶን። ሰብኣዊ መሰሉ የሕድጎ። ባህሉ የዕንወሉ፡ ከም ካልኣይ ዜጋ ይርእዮ። ኣይሓልየሉን። ኪመሃርን ኪስልጥንን ኣይደልዮን። ወላውን ትምህርቲ እንተ ከፈተሉ፡ ንኸገልግሎን ነቲ ኣጀንዳኡ ኸዐውትን ጥራይ እዩ ዚደሊ። ጣልያን ክሳዕ ራብዓይ ክፍሊ ትምህርቲ ከፍቅዱልና ኸለዉ፡ ብቑዓት ቢያንቶነን ተለኣኣኽትን ሓሰውትን ንኽንከውን እዩ። በቲ ዝሃቡና ስራሕን ደሞዝን ተዓሺና ድማ ንሓውና ንንዕቕን ነጥቅዕን ኔርና። ኢትዮጵያ ነቲ ባህልና ዘዕነዉዎ መታን ብቑዓትን እሙናትን ኢትዮጵያውያን ንኽንከውን እዩ። እንግሊዝ ድማ፡ ከም ፓርቲታት ኣምሲሉ ኣብ መንጎና ሕንፍሽፍሽን ዝርግርግን ኣእትዩልናን ዘሪፉናን ከይዱ።

ወራሪ ዚብል ቃል ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ካብ ኮነ፡ ሓው ኣይብል ዘመድ ኣይብል። ህግደፋውያን፡ ኤርትራውያን ይኹኑ እምበር፡ ነቲ ናይ ወራሪ ባህርያት ብልክዕ ስለ ዚኽተሉዎ፡ ወረርቲ እዮም። መሰል ሰብ እንተ ደኣ ገፊፎም፡ ባህሊ እንተ ደኣ ኣዕኒዮም፡ ሃብቲ  ሃገር እንተ ደኣ ዘሪፎም፡ መዓስከራት ዚመስል ኣብያተትምህርቲ እንተ ደኣ ዚኽፍቱ ኾይኖም፡ ህዝቢ ገዲፉዎም ናብ ጎረቤትን ባዕዳውን ሃገራት ዚውሕዝ እንተ ደኣ ኾይኑ፡ ስምረትን ስኒትን ዚብል ኣምራት ዝጸልኡ እንተ ደኣ ኾይኖም— ካብ ወራሪ ዚፈልዮም ደኣ እንታይ እዩ? ባሕሪ ሰጊሮም ወይ ዶብ ጥሒሶም ስለ ዘይመጹ ድዩ? ናይ ወራሪ ባህርያት ካብ ኣርኣዩ፡ ብባሕሪ ይምጽኡ ወይ ብኣየር ይምጽኡ፡ ወረርቲ እዮም!!

ህግደፋውያን ከመይ ኢሎም ኪወሩና ማለት ኣብ ልዕሌና ናይ ወረርቲ ባህርያት ከስፍኑ ኽኢሎም? ስለምንታይከ ነቲ ህዝቢ የጽንቱዎን ነታ ሃገር ድማ የብርሱዋን ኣለዉ? ንሳቶም ድዮም ጸገም ወላስ ንሕና ኢና መበገስቲ ጸገም? ከይተዓደሙ ድዮም መጺኦም ወይስ ብገለ ናይ ባህርያትናን ኣእምሮኣዊ ኣቃውማናን ጸገማት ኢና ባዕልና ዓዲምናዮም?

በዓልቲ ቤቱ ንፕረሲደንት ሩዝቨልት ከምዚ ኢላ ይብሃል፥ ውርደት ባዕላ ኣይትመጽእን፡ ባዕልኻ ኢኻ እትዕድማ። ከምኡውን ገለ ስነኣእምሮኣውያን ከምዚ ይብሉ፥ ዝኾነ ኣብ ዓለም ዚጓነፈካ ጸገም፡ ብምሉኡ እኳ እንተ ዘይኮነ፡ ብገለ ሸነኻቱስ ባዕልኻ ኢኻ እትዕድሞ። ኣብ ነዊሕ ግዜ ብታሪኽን ብባህልን ዘጥረኻዮ ብተኸታታሊ ወራራት እተበከለ ሕቡእን ኣሉታውን ባህርያት፡ ነቲ ናይ ተቓውሞን እምቢ በሃልን መንፈስካ ንኸልምሶ ወይ ንኸዳኽሞ ተኽእሎ ኣለዎ። ዝለመሰን ዝተዳኸመን መንፈስ ድማ ውዒሉ ሓዲሩስ ንገፋዒኡ ዚዕድም ድራኸ ይፈጥር እዩ።

ኣቦታትና ብናይ ጣልያን ግፍዒ ሞኽ ምስ በሉ፡ ገለ ለባማት ከምዚ ዚስዕብ እህህታ ኣተንቢሆም ይብሃል፥ መልሓስና እምበር ሕልናናስ ሞይቱ እዩ —–መንፈስካ ወይ ሕልናኻ ምስ ሞተ፡ ንነዊሕ ግዜ ከይሞተ ዚቕጽል መልሓስ ጥራይ እዩ።

ግን ከኣ መልሓስ እውን ንምጥርናፍ ህዝቢ፡ ንምትብባዕ ህዝቢ፡ ንምእካብ ህዝቢ የገልግል እዩ። ኣብ ጸርፍን ክትዕን ዘለፋን ኪውዕል ከሎ ግን፡ ዕምሪ ወራሪ ንኸንውሕ እንተ ዘይኮይኑ ምንም ውጽኢት ኣይህብን።

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • Henock November 5, 2017

    wwww btsami tsbuk ema ABI seb ab YouTube kemzi enda belka ente timhr tsbuk neyru

  • k.tewolde November 5, 2017

    Insightful and full of wisdom Mr.Sahle. Yes the Eritrean people came a long way, it was a long and treacherous road,a chain of foreign and domestic colonialists and intruders came with one aim= to divide and conquer however every time they rose and prevailed together.This time the enemy slithered from within speaking the same dialect and merged itself into the DNA of the pure protein strand and infected a whole society giving it a different look-HGDEF. Now the time has come one more time again,the people became aware what was ailing them for so long and started taking steps to cure it.It is only natural for the organism to purge the unwanted intruder,even a full term mother purges her baby through labor because the baby doesn’t belong in the womb anymore.We can’t stop the inevitable.

  • amanuel November 5, 2017

    The regime. Has used all tactics to stay in power- creating suspicion among d/t regions and religions and intimidation have been the prominent ones. Intimidation works only for some time and always fades quickly once some people start to throw stones. Mistrust based on region and religion however is not easy to overcome. Iseyas like all agames knew this and has employes it effectively. Lets admit it. Is there any akelegusay who trust any other eritrean? Now they know they can not achieve anything by themselves but it to late to reverse it. They preached regionalism to their kids and every body else to the point they effectively isolated themselves, like the tactic used by weyane that lead to the isolation of entire tigray. Comming back to the recent protest, it was peaceful and with legitimate question. I wish it was joined by everybody with deeper demand of releasing all political prisoners and steeping down of unellected president. Hgdf will stress on spreading the Fact that one of the point of disagreement b/n the school administrators and ministry of education was separation of sexes and covering of faces of girls which are being abandoned even in iran.

  • Meretse November 5, 2017

    ሰላም መምህር
    ከልቢ ብዝቀደዶ ዝብኢ ይኣቱ ፡ ነዚ ብሂል እዚ ካብ’ቲ ዝገለጽካዮ ንላዕሊ ክትገልጾ ምፍታን ዘምጽኦ ለውጢ የሎን። ኢሰያስ ዓቢ ዝደለቦ ሃብቲ እንተድኣ ሃልዩ ናይ ሕብረተሰብና ድክመትን ስንፈትን ሓበሬታ ምእካብ ኢዩ። ነቲ ሓብሬታ ንሱ ብዝደልዮ መልክዕ ዘቅረበሉ ግን እቲ ሕብረተሰብ ኢዩ፡ ኢሰያስ ንሕዝቢ ኤረትራ ስለ ጽቡቅ ጎድንታቱ ሓንቲ መዓልቲ እዃ ተዛሪቡ እይፈልጥን፡ ኩሉ ጽቡቅ ነገር ናይ ህዝቢ ኤረትራ ምስኡ ከም ዝበቖለ ወይ ዘርኡ ጌሩ ኢዩ ዝወስዶ። እቲ ሽግር ንሱ ውጽኢት ናይ ነዊሕ ውሽጣዊ ቃልሱ ምዃኑ ይፈልጥ ኢዩ። መልሓስ ሰዓብቱ እንታይ ቀሚሳ ጥዑም ጥዑም ከም እትብል ጽቡቅ ጌሩ ኢዩ ዝፈልጥ። ካብ ግዜ ቃልሲ ጀሚሩ ክሳብ እዚ ሕጂ ዘላዋ ሰዓት ሕልሚ ህዝቢ ኤረትራን ሕልሚ ኢሰያስን ተረኪቦም እይፈልጡን። ንግሆ ዘለለዎ ባእታታት ብጠቀነን ብጸለመን ንምሸቱ እናኣዕወረ ዝመጸ ሰብ ኢዩ። ህዝቢ ንመሰሉ ክሓትት ወይ ክለዓል ይክእል ኢዩ ኣብ ዝሓስበሉ ሰዓት ገና ቅድሚ እቲ ምንቅስቃስ ምብጋሱ፡ ተጠንቀቁ !!! ገለ ገለ ተበለጽቲ ከምዚ ይሓልሙ እሎዉ፡ ጽቡቅ ጌርና ከኣ ፈልጥናዮም እሎና እናበለ ንህዝቢ ኤረትራ ናብ 4 ኣቅጣጫ ከምዝምልከት ጌርዎ። ንሕበር ፥ ህዝቢ ንዓ ንመሰልካ ተንቀሳቀስ እንተተባህለ ካብቲ ንሱ ዘስነቆም ስንቂ ተጠቂሞም ክሳብ ሃገራውነት ክዕዱሉን ክነጥቁን ተራእዮም።
    ዝኮነ ኮይኑ ሕጂ እውን እንሆ ፈረስ እነሆ ሜዳ። መሰል ንዓቢ ኣይብል ንእሽቶ፥ ንክስታናይ ኣይብል ኣስላማይ፥ ወገን ኣይ. …….
    ኣብ ኣክርያ ዝተጀመረ ናይ መሰል ሕቶ.ብቅኑዕ መልክዑ ክጥመት ይግብኦ። እቲ ሕቶ ሕቶ መሰል ደኣ እምበር ካብኡ ዝለለ ጠለብ ኣይነበረን።
    ዝኮነ ምንቅስቃስ ኣብ ዝተረኣየሉ ግዜ ብቦታን በቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ህዝብን ምልካዕ ሽርሒ ገዛእቲ ኢዩ
    ቅድሚ ሪኢቶ ምድምዳመይ መምህር ኣማኒኤል ጽሑፍካ ከም ቀደሙ መሃርን መሳጢን ኢዪ
    የቀንየልና

    • amanuel November 5, 2017

      Meretse
      U are right iseyas capitalises on our weaknesses. He has to if he wants to stay in power-it is either to believe in equality and let people choose what they want or to believe you are the only one who has the right and others should obey what ever u want. All dictators believe the later. But nihna kefitnalu nsu me’etewi rekibu. Some hamasien believed he is one of them and chose to support him, more than that akeleguzay used and preached narrow regionalism that weakened their resistance and the resistance of all others to the point they have now effectively isolated themselves. This is the truth no one dares to talk about.

  • amanuel November 5, 2017

    Ps
    The protest and resistance is not only going to continue but next time all will come out with their guns. When that happens the end of iseyas will be realized.

  • Amba November 5, 2017

    Dear memhir Amanuel,
    I wish your wishes and dreams were practical on the ground in Eritrea. Show me a single working opposition group on your own camp that can work? The problem of the Eritrean opposition is the old problem of Ghedli, nothing has changed, only some of the actors. They all see the problem from different sides, Jebha and the its Terefemeref see it as Islam-Christian divide and the highlanders saw it as Amhara – Eritrea and now the Terefmeref Shaebia see it as Hgdef and lack of democracy.
    If the Somalis, Yemenis, Sudanese, Libyans and Syrians who share the same language, religion and history can not create unity, how can Eritreans who have little in common create unity. The problem is the futile dreams and visions of Ghedli. It is only when that deviant dream is identified that you get the everlasting solution, otherwise you are groping in the dark.

  • Amba November 5, 2017

    This is what I write few days back:

    እቲ ቀንዲ ፖለቲካዊ ጸገም ኤርትራ ብዙሕ ተጋራጫዊ ዝኾነ ክጭበጥ ዘይክእል ሕልማታት ናይ ገድሊ እዩ። ከምዚ ስለዝኾነ እዩ ድማ ስጋብ እዚ እዋን እዚ ሓደ ዓይነት ራእይ ዘይተረኽበ። ጀብሃን ሻዕብያን ከምዚ ስለዝኾና በብሓደ ቅሂመን ሓቒቐን። እቲ ሓደ – “ጸላእትና ኣምሓራ ትግራይ ዓጋመ እዮም” ይብል። እቲ ሓደ ድማ “ፈተውትና ሃገራት ዓረብ ኣስላም እዮም ፤ ንሕና ውን ዓረብ ኢና “ይብል። “እዚ ቅኑዕ እዚ ጌጋ” – ኣይበልኩን። ኣነ ዝበልኩ – እቲ ሕልምታት ተጋራጫዊ እዩ። ካብዞም ክልተ እቲ ሓደ ኣብ ትርጉም ዘይብሉ ሃውቲቱ ፤ ንኸንቱ።

    ኣብዚ እቲ ሓደ ዝጭበጥ ዕላማ ዘይብሉ ብሄረ ትግርኛ ጥራይ እዩ ፤ ንናይ ሕልሚ ያኢ – ደሞክራሲ ፍትሒ ማዕርነት ኩሉ ሃይማኖት – ከስፍን። እስልምና ጽኑዕ እዩ። ንቑርኣን ሸሪዓ ከም ሕጊ ፣ ስርዓት ፣ ቁዋም ፣ ደምቢ ፣ መገዲ ህይወት ይርእዮ፤ ስለዚ ፈታዊ ጸላኢ ኣነጺሮም ይፈልጡ። ብሄረ ትግርኛ ግና ኣብ ናይ ሓሶት እንጀራ ይንብር ፣ ነቲ ኣብ ዓድዋ ፣ ዓዲግራት ፣ ጎንደር ዘሎ – ከም ጸላኢ ይርእዮ። ኣስላም ግና ብመሰረት ቁርኣን ነቲ ጀበሊ ቤጃ በደዊን ዋሃቢ ሱዑዲ – ከም ሓዉ ወዲ ሃገሩ ብቕንዕና ይርእዮ። ኣብዚ እቲ ደንቆሮ ዓሻ ብሄረ ትግርኛ ጥራይ እዩ … ።

    • amanuel November 6, 2017

      Amba
      If ethiopia with 86 ethnic groups can unite why not eritrea with only nine ethnic groups? Or you are a screwed up agazi, a brunch of 03 annointed by identityless iseyas and his likes that may include you.

Post a Reply to amanuel Cancel Reply